ጅግንነታውን ድሕረ-ጅግንነታውን ሕብረተሰባት

ብሄርፍሪድ ሚንክለር

__________________________________________________________________________

እዚ “ጅግንነታውን ድሕረ-ጅግንነታውን ሕብረተሰባት” ብዝብል ኣርእስቲ ተተርጒሙ ዘሎ ጽሑፍ፡ ብፍሉጥ ጀርመናዊ ናይ ፖለቲካን ስነ-ሕብረተሰብን ምሁር ፕሮፌሰር ሄርፍሪድ ሚንክለር (Herfried Münkler) ዝተጻሕፈ ዓቢ ኣካዳሚያዊ መጽናዕቲ እዩ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ንኣምራት “ጅግንነት”፡ “መስዋእቲ”፡ “ክብረት” ከምኡ’ውን “ውግእ” ካብቲ ንቡር ስምዒታዊ ወደሳታት ወይ ፖለቲካዊ ጐስጓሳት ኣውጺኡ፡ ብዓይኒ ታሪኽ፡ ስነ-ህዝብን ማሕበራዊ ምዕባለን ይድህስሶ።

ጅግንነትን ርእሰ-መስዋእትን ኣብ ታሪኽና፡ ስነ-ልቦናናን መንነትናን ኣዝዩ ማእከላይ ቦታ ሒዙ እዩ ዝርከብ። እንተዀነ፡ ጅግንነት ብዓይኒ ስነ-ሕብረተሰብ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓደ ሕብረተሰብ ብኸመይ ጅግንነታዊ መንፈስ የጥሪ፧ ብኸመይከ እቲ ጅግንነታዊ ዓቕሙ ተጸንቂቑ ናብ ድሕረ-ጅግንነታዊ ምዕራፍ ይሰጋገር፧ እዚ ጽሑፍ’ዚ ነዞም ሕቶታት ብምምላስ፡ ንገዛእ ታሪኽና፡ ንህልው ኵነታትናን መጻኢ ጕዕዞናን ብዓሚቝ ኣእምሮ ንኽንምርምሮ ሓጋዚ ፍልስፍናዊ መስትያት ኰይኑ ዘገልግል ኰይኑ ይርኣየኒ።

ነዚ ጽሑፍ ብግቡእ ንምርዳእ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣቐዲምና ምንጻር ሓጋዚ እዩ፤

ኣምራትን ጽንሰ–ሓሳባትን

  1. “ማሕበረሰብ” (Gemeinschaft) ምስ “ሕብረተሰብ” (Gesellschaft)፤
    “ማሕበረሰብ” (Community)፡ ብሕውነት፡ ስነ-ምግባርን ሓባራዊ መስዋእትን ዝተኣሳሰረ፡ ውልቀ-ሰብ ንሓባራዊ ድሕነት ክብል ህይወቱ በጃ ዝሓልፈሉ ጕጅለ እዩ – (ንኣብነት፡ ዕጡቕ ሰራዊት ወይ ሰውራዊ ግንባር)። ብኣንጻሩ፡ “ሕብረተሰብ” (Society)፡ ብሕጊ፡ ብቝጠባዊ ረብሓን ብውዕልን ዝተኣሳሰረ ሰፊሕ ህዝባዊ መዋቕር እዩ። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክብ፡ እቲ ጅግንነታዊ ማሕበረሰብ ንሕብረተሰብ ካብ ግዳማዊ ሓደጋ ክከላኸለሉ እንከሎ፡ እቲ ሕብረተሰብ ከኣ ቍጠባውን ቍሳውን ቀረብ የቕርበሉ።
  2. እቶም ሰለስተ ታሪኻውያን ክፋላት፤
    • ቅድመ–ጅግንነታዊ (Pre-heroic)፤ ዓመጽ ዕለታዊ ልምዲ ህይወት ዝዀነሉ፤ እንተዀነ፡ ብስነ-ምግባርን ክብርን ዘይተሰነየ ድሑር ደረጃ።
    • ጅግንነታዊ (Heroic)፤ ውልቃዊ ህይወት ንሃገራዊ ድሕነት በጃ ዝሓልፈሉን መስዋእቲ ብልዑል ማሕበራዊ ክብሪ ዝግለጸሉን ምዕራፍ።
    • ድሕረ–ጅግንነታዊ (Post-heroic)፤ ብሰንኪ ክቱር ህልቂት ውግእ ተደቚሱ፡ ውልቃዊ ህይወት ሰብ ላዕለዋይ ዋጋ ዝረኽበሉ፡ ንውግእን መስዋእትን ድማ ከም ሕማም ወይ ጽላለ ቈጺሩ ዝነጽግ ዘመናዊ ደረጃ (ከምቲ ሎሚ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ)።
  3. ንጅግንነት ናብ መላእ ሕብረተሰብ ምዝርጋሕ (Socialization of the Heroic)፤
    ጅግንነት ካብ ናይ ውሑዳት መኳንንቲ ወይ ተዋጋእቲ ጥራይ ምዃን ወጺኡ፡ ብሓፈሻዊ ናይ ውትህድርና ግዴታ ኣቢሉ ናብ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ዝወረደሉን ንመላእ ሕብረተሰብ ወተሃደራዊ ቅርጺ ዘትሕዘሉን መስርሕ እዩ።
  4. “ማዕበል መንእሰያት” (Youth Bulge)፤
    ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ብብዝሒ ኣብ ዝህልውሉ እዋን፡ ኣብ ዓዶም ቍጠባውን ማሕበራውን ቦታ ስለ ዝስእኑ፡ ጅግንነታዊ ስነሓሳባት ኣማዕቢሎም ናብ ዓመጽን ውግእን ናይ ምእታው ዕድሎም ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ዘረድእ ስነ-ህዝባዊ መጐት እዩ።
  5. “ጐይቶት ሞት” (Masters of Death)፤
    ንሞትን መስዋእትን ከም ናይ ህይወት ላዕለዋይ ዕላማ ገይሮም ዝወስዱ ኣኽረርቲ ተዋጋእቲ ኰይኖም፡ ነቲ ንሰላምን ውልቃዊ ህይወትን ዘቐድም ድሕረ-ጅግንነታዊ ሕብረተሰብ ከም ዝመሽመሸን ውዱቕን ቈጺሮም ይንዕቅዎ።

______________________________________________________________________________

ጅግንነታውን ድሕረ-ጅግንነታውን ሕብረተሰባት

ጅግናን ገጣሚን

ኣብ ሕብረተሰብ ምስሊ ጅግና ኵሉ ሳዕ ምንጪ ዓሚቝ ተመስጦ እዩ። እዚ ተመስጦ`ዚ፡ ካብታ ንኽብርታትን ቅዲ-ኣነባብራን ጅግንነት ንፈለማ እዋን ኣዕዚዛ ዘንጸባረቐት ጥንታዊት ጽሕፍቲ `ኢልያድ` ክሳዕ ኣብዚ ዘመን`ዚ ዝፈርዩ ዘለዉ ፊልምታት ሆሊዉድ ይቕጽል ኣሎ። እዞም ፊልምታት መብዛሕትኡ ግዜ ንዕብየት፡ ዓወትን ውድቀትን ሓደ ጅግና ንተራኣይነቶም ወሳኒ ብዝዀነ ምንጥልጣል የቕርቡ። ይዅን`ምበር፡ ጅግና ክኸውን ግድን ተዋጋኢ ክኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን፣ ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ወይ ምድምሳስ ጸላኢ ወጻኢ፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ጅግንነቶም ዘመስክሩ`ውን ኣለዉ።

እዚ ኰይኑ ግን፡ ኣምር ጅግንነት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኲናትን ዓመጽን ጥቡቕ ምትእስሳር ኣለዎ። ኣብ ኣምር ጅግንነት `መስዋእቲ` ማእከላይ ቦታ ይሕዝ። ጀጋኑ ክዀኑ ዝበቕዑ፡ እቶም ክሳብ ህይወቶም ንምሕላፍ ቈራጻት ዝዀኑ እዮም። በቲ ንመስዋእቲ ዘለዎም ቍሩብነት ከኣ ኣፍልጦን ክብርን ይጐናጸፉ። እቲ ብመስዋእቲ ናይቲ ጅግና ካብ ሓደጋ ወይ ስዕረት ዝደሓነ ማሕበረሰብ (community)፡ ነቲ ጅግና ብህይወቱ ከሎ ብዝናን ሞገስን፡ ድሕሪ ሞቱ ድማ ብኽቡር ዝኽሪ የማስዎ። በዚ፡ ጅግናን ሕብረተሰብ (society)ን ብሃሪ እቲ ድሕነትን ዕቝባን ዘውሕስ ኣምር መስዋእቲ ሓድሕዶም ብጥቡቕ ይተኣሳሰሩ።

ንድሕነት ብዙሓት ኢልካ ገዛእ-ርእስኻ በጃ ምሕላፍ ዝብል ኣምር መስዋእቲ፡ ብዘይሃይማኖታዊ መሰረት ክህነጹ እምብዛ ኣጸጋሚ ብምዃኑ፡ ጅግንነታዊ ኣጠማምታ ዘለዎም ሕብረተሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ሃይማኖታዊ ሱር ኣለዎም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ምድኻምን ምሽርሻርን ሃይማኖት፡ ንዕቤት ድሕረ-ጅግንነታዊ ዝንባለታት ባይታ ዝጸርግ እዩ። ብመሰረት ኤሪክ ፎገሊን ዝሃቦ ትርጕም፡ “ፖለቲካውያን ሃይማኖታት” እውን ኣካል ናይዚ ሃይማኖታዊ ሕመረት እየን። እዚ ማለት፡ ንሕብረተሰባትን ማሕበረሰባትን ብሓባር ብምጥማር፡ ነቲ ኣብ ውግእ ዘጋጥም ተራ ሞት ናብ ጅግንነታዊ መስዋእቲ ዝልውጥ ትእምርቲ ዘውህባ ስነሓሳባት እየን። እቶም ንሞት ትርጕም ብዘለዎ ትእምርቲ ወይ ውክልና ናይ ምልባስ ዓቕሚ ዝውንኑ ሕብረተሰባት ጥራይ እዮም ከም ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ክቝጽሩ ዝኽእሉ። ኣብ ካልኦት ሕብረተሰባት—ማለት ኣብቶም ቅድመ-ጅግንነታውያንን ድሕረ-ጅግንነታውያንን ሕብረተሰባት ግን—እቶም ኣብ ዓውደ ኲናትን ውግእን ዝወደቑ መወትቲ፡ ከም ግዳያት ናይ ተራ ህልቂት ጥራይ እዮም ዝቝጸሩ። በዚ መሰረት፡ ንሓደ ተዋጋኢ ጅግና ዘብሎ፡ እቲ ኣብ ኣጽዋሩ ዝተጸየቐ ደም ዘይኰነ፡ ካልኦት ምእንቲ ክድሕኑ ህይወቱ በጃ ንምሕላፍ ዘለዎ ቈራጽነት እዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ መንነት ሓደ ጅግና ብናይ ውግእ ክእለቱ ዘይኰነስ ንመስዋእቲ ብዘለዎ ድልውነት እዩ ዝግለጽ። እቲ ጅግንነት ብጕልሕ ዝንጸባረቕ፡ ሰባት ነዚ ንቕሓት መስዋእቲ እዚ ብኸመይ ይርድእዎን ይቕበልዎን ኣብ ዝብል ሚዛን እዩ።

ኣብ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ምድብ ካብ ዘለዉ ካልኦት መንነታት ብዝተፈልየ፡ ጅግና፡ ህልውናኡ ኣብ ድርብ ትረኻ—ማለት ኣብ ተግባሩን ኣብቲ ዝንገረሉ ዛንታን—እዩ ዝምርኰስ። ብዛዕባ ጀጋኑ፡ ብኻልኦት ወገናት ግድን ክዝንቶ ወይ ክጽሓፍ ኣለዎ። ጅግንነታዊ ተግባር ፈጺሞም ክነሶም፡ ነቲ ግብሮም ዝዕዘብን ዘዘንቱን ካልእ ሰብ ኣብ ዘይረኽብሉ እዋን ግን፡ ክብርን ሞገስን ናይቲ ጅግንነቶም ኣብ ሓደጋ እዩ ዝወድቕ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት፡ ከመይ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ምዃኖም ባዕሎም ንባዕሎም ክዛረቡ ይግደዱ። ሰባት ነቲ ዛንታኦም እኳ እንተ ኣመንዎ፡ ትረኻኦም ግን ካብ ርእሰ-ወደሳ ዝሓለፈ ትርጕም ኣይህሉዎን እዩ። እንተዀነ፡ ካብ ዘይሻራዊ ተዓዛቢ ዝመጽእ ወደሳ እንተ ዘይተረኺቡ፡ እቲ ጅግንነታዊ ህልውናኦም፡ እቲ ተግባር ኣብ ዝተፈጸመሉ ቅጽበት ተሰትዩ ይጠፍእ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት፡ ዕጫ ናይቲ ጅግና ምስ ዕጫ ናይቲ ሄግል ኣብታ ‘ክስተተ–መንፈስ‘ (Phenomenology of Spirit) ዘርእስታ ፍልጥቲ መጽሓፉ፡ ኣብታ “ጐይታን ግልያን” (Master-Servant) እትብል ምዕራፍ ዘቕረቦ ተዋጋኣይ ዝመሳሰል ይኸውን። ኣብ በይናዊ ቅልስ ንመዘናኡ ዝሰዓረን ዝቐተለን ተዋጋኣይ፡ ዓወቱ ንጅግንነቱ ዘረጋግጽ ይዅን`ምበር፡ እቲ ብህይወት ተሪፉ ክምስክረሉ ዝኽእል ዝነበረ ሰብ ድሮ ስለ ዝሞተ፡ ንዓወቱ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትርጕም ከሰጋግሮ (sublate) ዝኽእለሉ መንገዲ የሎን። ሓቂ እዩ፡ እቲ ሰዓሪ ንብረት ወይ ክፋል ኣካላት ናይቲ ዝሰዓሮ ጸላኢኡ ከም ምልክት ጅግንነቱ ብዝርአ መንገዲ ክስከም ይኽእል እዩ፤ ካብ ቈርበት ርእሲ ጸላኢኡ ኣብ ዕጣቑ ክሰቅል ወይ`ውን ኣብ ሻምብቆ ታንክ ጻዕዳ ቀለቤት ክሳብ ምእሳር ክበጽሕ ይኽእል። እንተዀነ፡ እዚ ከም ሽልማት ወይ መዘከሪ ዓወት ዝውሰድ ኣቕሓ፡ ብዛዕባ ባህሪ ናይቲ ዝተኻየደ ውግእ ኰነ ዕቤት ናይቲ ጅግንነት ዝገልጾ ነገር የብሉን። ምኽንያቱ፡ እቲ ዓወት ብተንኮልን ጥልመትን ዝተረኽበ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ መዘከሪ ዓወት ዝተወስደሉ መቀናቕንቲ፡ ካብ መጀመርታኡ ድኹምን ፈራሕን ከም ዝነበረ ዝሕብር ተኽእሎ ክውገድ ኣይከኣልን እዩ።

በዚ መሰረት፡ ዝዀነ ይዅን መዘከሪ ዓወት፡ ገጠምቲ ኰኑ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘይርከብሉ ኵነታት፡ ከም ግዝያዊ መመላእታ ኰይኑ ጥራይ እዩ ዘገልግል። እቲ ፍሉጥ ጀርመናዊ ገጣሚ ሄልደርሊን ብግጥማዊ ቃና፤
“እቲ ነባሪ ግና፡ ብገጠምቲ እዩ ዝስረት፡“  ከም ዝበሎ፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ፡ እዚ ሓቂ`ዚ ኣብ መንነት ናይ ሓደ ጅግና እዩ ብጕልሕ ዝንጸባረቕ።

ትረኻ ‘ኦዲሰይ’ ከም ዘዘንትዎ፡ ኦዲሰስ ኣብ መንጎ ፋያሻናውያን (Phaeacians) ንመንነቱ ብምስጢር ሓቢኡ እዩ ጸኒሑ። ሓደ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ድግስ ግና፡ ሓደ ደራፋይ ብዛዕባ ውግእ ትሮይን ናይ መወዳእታ ውድቀት እታ ከተማን ዘዘንቱ ዜማ ከዝይም ከሎ፡ ኦዲሰስ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ውግእ ኣብቲ ግሪኻውያን ዝረኸብዎ ዓወት ዝተጻወቶ ተራ ብሞገስ ኣወደሰ። እቲ ደራፋይ ከምኡ እናበለ ከዝይም ከሎ፡ ኦዲሰስ ክነብዕ ጀመረ። ኣብ ጥቓኡ ተቐሚጡ ዝነበረ ኣልሲኖስ ዝተባህለ ንጉስ ፋያሻናውያን ድማ ኦዲሰስ ብተደጋጋሚ ከስቈርቍር ሰምዖ። ምስ ተሓተተ ጥራይ ድማ እቲ ጅግና ነቲ ክሳዕ ሽዑ ብጥንቃቐ ክሕልዎ ዝጸንሐ ምስጢር መንነቱ ኣቃሊዑ፤ ብድሕሪ ውድቀት ትሮይ ዘሕለፎ ዘደንቕ ተመኵሮታቱ’ውን ኣዘንተወ።

ኦዲሰስ መን ምዃኑ ብግህዶ ንኸፍልጥ ዕድል ዝረኸበ፡ በቲ ትረኻ ናይቲ ደራፋይ ብዝቐረበ ኣፍልጦ—በዚ ዝተላዕለ ባዕሉ ብዘርኣዮ ስምዒታዊ ምላሽን ጥራይ እዩ። እዚ ኣፍልጦ`ዚ እንተ ዘይህሉ፡ ካብ ተራ ተጀሃራይ ተፈልዩ ኣይምተራእየን ነይሩ።በዚ መዳይ`ዚ፡ ጅግናን ገጣማይን ዘይፈላለዩ ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም ኰይኖም፡ ኣብ ሓድሕዶም ዝተመራዀሱ እዮም፤ ጅግና እንተ ዘይሃልዩ፡ ገጣማይ ዘዘንትዎ የሎን፣ ገጣማይ እንተ ዘይሃልዩ ድማ እቲ ጅግና ህልውናኡ ባዶ እዩ ዝኸውን።

ማሕበራውያን ጕጅለታት፡ ‘ጅግንነታውያን’ ዝብል ስያመ ክረኽቡ ዝኽእሉ፡ ነቲ ጅግንነት ዘንጸባርቕ ስነጽሑፍ ምስ ዝውንኑ ጥራይ እዩ—እንተ ወሓደ እኳ፡ ንተግባራት ጀጋኑ ብቓል ዘመሓላልፉ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ዝጓዓዙ ገጠምቲ ምስ ዝህልዉዎም እዩ። በዚ መሰረት፡ ስነጽሑፍ ዘይብሎም ሕብረተሰባት ‘ጅግንነታውያን’ ክበሃሉ ኣይክእሉን፤ ዝበለጸ መግለጺኦም፡ ዓመጽ ዕለታዊ ልምዶም ዝዀነ ጥራይ ምዃኖም እዩ።

እዚ ‘ስነጽሑፋዊ ድርብ-ትረኻ’ (literary doubling) እዚ፡ ንመንነት ናይቲ ጅግና ዘውሕስ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ፈለማ ነቲ ፈጻሚ ዓመጽ ናብ ጅግና ዝቕይሮ መሰረታዊ ሓይሊ እዩ። እዚ ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝኸውን ከኣ ኣብ ውሽጣዊ ህይወት ናይቲ ጅግና ብዕምቈት ክሰርጽ—ወይ ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሽጣዊ ህይወት ክላበሶ እንከሎ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ፈለማ ቍጥዓ ኣኪለስን በቲ ቍጥዓ ዝተኣወጀ ኲናትን ይለዓል፤ ጸኒሑ ድማ ዓርኩ ፓትሮክሎስ ናብ ዓውደ-ውግእ ክምለስ ፍቓድ ይህብ። እዚ ኵሉ፡ ምስቲ ፓትሮክሎስ ንኻልኦት ንምድሓን ዝኸፈሎ ርእሰ-መስዋእትን ስዒቡ ኣብ ኣኪለስ ዝወረደ ስቓይን ተደሚሩ፡ ነቲ ተራ ተዋጋኢ-ማሽን ዝነበረ ሰብ ናብ ጅግና ይቕይሮ።

ይዅን’ምበር፡ ስነጽሑፍ ነቲ ተራ ተዋጋኢ ናብ ዘንጸባርቕ ጅግና ምቕያሩ፡ ንዓመጽ ብኽብርን ሞገስን ንምምዕራግ ጥራይ ዝግበር ኣይኰነን። ብኣንጻሩ፡ እዚ ንዓመጽ ናብ ክቱር ስነምግባር ናይ ምልዛብ (sublimation) መስርሕ ኰይኑ፡ እቲ ፈጻሚ ዓመጽ ክብሩ ከየሕስር ክብል ፈጺሙ ክጥሕሶ ንዘይግባእ ስነምግባራዊ መምርሒታት ከም ዝግዛእ ዝገብር እዩ። በዚ መሰረት፡ ገጣማይ፡ ሓደ ዕዉር ኣድናቒ ናይቲ ጅግና ጥራይ ኣይኰነን፤ የግዳስ ዋሕስን ሓላውን ናይቲ ጅግንነቱ እዩ። ነቲ ጅግና ከዕንዎ እንተ ደልዩ ድማ ብሓይሊ ቃላቱ ጥራይ ክገብሮ ይኽእል እዩ።

ስነጽሑፍ ንመንነት ናይቲ ጅግና ዝቈጻጸሮ፡ ንናይ ገዛእ-ርእሱ ዕላማታት ኢሉ ብምፍጣር ጥራይ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣጠቓቕማ ዓመጽ ፍቑድን ክቡርን ክኸውን ዝኽእለሉ ሕግታትን ስነምግባራዊ መምርሒታትን ብምምስራትን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን እውን እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብጕሉሕ ዝረአ፡ ኣብቲ ኣብ መበል 12ን 13ን ክፍለ-ዘመን ኣብ ኤውሮጳ ዝማዕበለ ሕገ-ጭውነት ፈረሰኛታት (chivalric code of honor) እዩ።

ንድኹማት ምምሓርን ምዕቋብን፣ ንእኩያት ምቅላስን ምቕጻዕን፣ ከምኡ’ውን ኵሉ ሳዕ ኣብ ሕግታት ጭውነት-ውግእ (chivalric combat) ምቕያድ—እዚ እዩ ንሓደ ሓቀኛ ፈረሰኛ ዝገልጾን ካብ ሓደ ተራ ተባኣሳይ ፈልዩ ዘውጽኦን። በዚ መሰረት፡ እዚ ስነጽሑፋዊ ድርብ-ትረኻ (literary double) ናይቲ ጅግና፡ ፈረሰኛታት ንገዛእ-ርእሶም ዝምዘንሉ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቶም ዕጥቂ ዘይብሎም ነቶም ኣጽዋር ዝዓጠቑ ሰባት ዝቈጻጸርሉ ነቓፊ መስትያት ኰይኑ የገልግል።

ጸኒሑ፡ ድንጋገታት ሕጊ ውግእ ናብቲ ብስነጽሑፍ ዝሰረጸ ሕገ-ክብሪ (Code of Honor) ተወሲኹ እዩ፤ በዚ መሰረት፡ ነዞም ሕግታት ምጥሓስ ብሕጊ ዘቕጽዕ ኰይኑ ኣሎ። ይዅን’ምበር፡ ‘ሕግታት እዋን ውግእ’ (ius in bello) ኣብቲ ብዛዕባ ምድራዊ ኲናት ዝወጽአ ውዕል ሄግን ኣብ ውዕላት ጀነቫን ብሕጊ እኳ እንተ ተሰነደ፡ እቲ ኣብ መንጎ ክብርን ግዴታታት ናይቶም ሞያኦም ዓመጽ ዝዀነ ሰባትን ዘሎ ምትእስሳር ኣገዳስነቱ ፈጺሙ ኣየጥፍአን።

ማይክል ኢግናትየፍ—ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብዛዕባ ፍጻመታት ኲናት ዝለዓለ ርድኢት ዘለዎምን ኣስተውዓልትን ተዓዘብትን ተንተንትን—ነቲ ኣብ ተዋጋእቲ ወገናት ዝረአ ዘሎ ምብሕጓጕ ስነምግባር ብጓሂ ይገልጾ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮን ቈልዑን ዝወርድ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዘኽእል ዝኣማመን መንገዲ ከኣ፡ ‘ዳግመ-ስነምግባራዊ ህንጸት’ (re-ethicization) ናይ ተዋጋእቲ ምዃኑ ጻውዒት የቕርብ። እዚ ሓሳብ’ዚ፡ ሓደ ብስነጽሑፍ ኣቢሉ ዝዝረጋሕ ‘ስነምግባር ተዋጋኢ’ (warrior ethos)፡ ንዓመጽ ኣብ ምድራት ክጻወቶ ዝኽእል ተራ ብንጹር ዘመልክት እዩ።

ይዅን’ምበር፡ ጐይቶት ኲናት ናይዞም ሓደስቲ ውግኣትን እቶም ዕጡቓት ሰዓብቶምን፡ በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ንዓመጽ ናይ ምቍጽጻር ኣገባብ ፈጺሞም ኣይቅየዱን እዮም። ተገዳስነቶም ኣብ ስልጣንን ገንዘብን እምበር ኣብ ክብሪ ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት፡ ጀጋኑ ዘይኰኑስ መዝመዝቲ ኲናት ጥራይ እዮም።

ነቲ ንኽብርን ሞገስን ዘለዎም ተገዳስነት ዳግማይ ከነበራብሮ ምስ እንኽእል ጥራይ እዩ፡ በቲ ኢግናትየፍ ዘቕረቦ ጐደና ጕዕዞና ክንቅጽል እንኽእል። እንተዀነ፡ ካብ ሃረርታ ገንዘብን ሃብትን ዝመንጨወ፡ ነቲ ስነምግባራዊ ልዝበት ዘፍርስ ሓይሊ (desublimating power) ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ብሓቂ ክውን ክኸውን ይኽእል ድዩ ዝብል ሓያል ጥርጣረ የሕድር እዩ።

በዚ መሰረት፡ ካብቶም እዞም ‘ሓደስቲ ውግኣት’ ዝካየደሎም ሕብረተሰባት፡ ከም ‘ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት’ ክግለጹ ዝኽእሉ ኣዝዮም ሒደት እዮም። የግዳስ፡ ‘ሕብረተሰባት ጃምላዊ ህልቂት’ (societies of mass murder) ዝብል ስያመ እዩ ዝያዳ ዝሰማማዓሎም።

ስምዒት ምንቍልቋል

ተዋጋእቲ፡ ብስነጽሑፋዊ መምርሒታት ስነምግባር ተሰንዮም ናብ ጀጋኑ ክሰጋገሩ እንከለዉ፡ እዚ መስርሕ’ዚ ብርግጽ ዘኽፍሎ ዋጋ ኣለዎ። እዚ ዋጋ’ዚ ድማ እቲ ነዚ ዓይነት ስነጽሑፍ ብቐንዱ ዝገልጾ፡ ‘ኵሉ ነገር እናተበላሸወን ናብ ውድቀት እናኣምርሐን ይኸይድ ኣሎ’ ዝብል ፍሉጥ ምቝዛም እዩ። እዚ ምቝዛም’ዚ ከኣ፡ ‘ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጀጋኑ ዝበለጸ ጅግንነት ነበሮም፣ ውግኣት ኣዝዮም ዘስካሕክሑ፡ ዓወታት ድማ ዝያዳ ግዙፋት ነይሮም’ እናበልካ ብምዝዛም ይንጸባረቕ።

ገጠምቲ ጅግንነታዊ ትረኻታት ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ክጥምቱ እንከለዉ፡ ነቲ ዝነብርሉ ዘለዉ ህሉው እዋን፡ ከም ዘመነ ምንቍልቋል ኰይኑ እዩ ዝረኣዮም። እዚ ዘመን’ዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ናይ መወዳእታ ውድቀት ከም ዘምርሕ ይኣምኑ። እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለዉ ጀጋኑ፡ ነዚ ጕዕዞ ውድቀት’ዚ ምናልባት ከደናጕይዎ ይኽእሉ ይዀኑ’ምበር፡ ደው ከብልዎ ዓቕሚ ዘይብሎም ድኹማት ዕንቅፋት ጥራይ እዮም።

እዚ ኣብ ኵሉ ጅግንነታዊ ስነግጥሚ ብጕልሕ ዝረአ ናይ ተስፋ-ምቝራጽ ቃና፡ ኣብቲ ጅግንነታዊ ንቕሓት ብዕምቈት ሰሪጹ ይርከብ። በዚ መሰረት፡ ጅግንነታውያን ማሕበረሰባት (heroic communities) ብኣሕዛኒ ውሽጣዊ ስምዒት ይዕብለሉ። እቶም ጀጋኑ ድማ ንገዛእ-ርእሶም ከምቶም ናይ መወዳእታ—ወይ ብውሕዱ ከም ቅድመ-መወዳእታ—ወኪላት ናይ ዓሌቶም ገይሮም እዮም ዝቘጽርዋ። ኣብ ከባቢኦም ድማ ጅግንነት ዝጐደሎ ኣረኣእያታት እናተላብዐ ይኸይድ፤ ነዚ ኣረኣእያታት’ዚ ክቃለስዎ ይኽእሉ እኳ እንተዀኑ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግን ስዒሩ ከንበርክኾም ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ።

እታ ብ1915 ኣብ እዋን ውግእ ዝተሓትመት፡ “ነጋዶን ጀጋኑን” (Merchants and Heroes) ዘርእስታ መጽናዕታዊት ጽሕፍቲ ቨርነር ዞምባርት እውን ከይተረፈት፡ በዚ ዘይተርፍ ናይ መወዳእታ ውድቀት ጀጋኑ ዘመላኽት ስምዒት ዝተላዕጠጠት እያ። ከምቲ ዞምባርት ባዕሉ ዝሞጐቶ፡ እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ኣብታ ጅግንነት ብዘይብሎም ጸላእቲ ዝመልአት ዓለም፡ ብሓቂ ተባዕ ጅግንነት ዘንጸባረቐት እያ። እዚ ስምዒት ውድቀት’ዚ ኣብዛ መጽሓፍ ምጕልሑ ግን ዘገርም ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ዞምባርት ኣብታ ብዛዕባ ታሪኽ ስርዓተ-ቝጠባ ርእሰማል ዝጸሓፋ ብልጽቲ መጽሓፉ፡ ነቲ ካብ ቀዳማይ ናብቲ ደንጕዩ ዝመጽአ ስርዓት ርእሰማላውነት ዝተኻየደ ታሪኻዊ ጕዕዞ ስጕምቲ ብስጕምቲ ምስ ተኸታተሎ፡ እቶም ቀዳሞት ደፋራት ነጋዶ፡ በቶም ካብ ወለድ ጥራይ ኣታዊ እናረኸቡ ዝነብሩ ወነንቲ ማል ክትክኡ ከም ዝተገደዱ ኣረጋጊጹ ነይሩ እዩ። ዞምባርት ነዚ ተርእዮ’ዚ “ምድስካል ርእሰማላውነት” ዝብል ትርጓመ ሂብዎ ነይሩ። ጀርመናውያን ጀጋኑ ነቶም ብሪጣንያውያን ነጋዶ ኣብዚ ተዅሲ ዝዓብለሎ ውግእ፡ ንእተወሰነ እዋን ብዓወት ክምክቱዎም ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ንዞምባርት ነይርዎ ይኸውን። እንተዀነ፡ ኣብ ነዊሕ ጕዕዞ ግን ጸኒዖም ክረግጹ እዮም ዝብል እምነት ፈጺሙ ኣይነበሮን። ኣብዚ ኣረኣእያ’ዚ ድማ ንበይኑ ኣይነበረን፤ ጅግንነታዊ ተስፋ-ምቝራጽ ኣብ መንጎ እቶም ናይ ወለዶኡ ምሁራት ብሰፊሑ ተላቢዑ እዩ ነይሩ። ንምንቍልቋል ይቃለስዎ ነይሮም እዮም፤ እዚ ግን ብመትከል እምበር፡ ኣብ ዓወት ብዝነበሮም እምነት ኣይነበረን።

ጅግንነታውያን ማሕበረሰባት፡ ኣብ ሓድሕዶም ብስኒት ክነብሩ ኣዝዩ እዩ ዝኸብዶም። ከም ዝረአ፡ እቲ ጭቡጥ ክውንነት፡ ኵሉ ሳዕ ምስቲ ጅግንነታዊ ርእሰ-ምስሊ ዝጠልቦ ልዑል ትጽቢት ክመጣጠን ኣይክእልን።  ትረኻ ‘ኢልያድ’ (Iliad)፡ ነቲ ዘንጸላሉ ጥፍኣት ብዝግንዘብ ንቕሓት ዝተመልአ እዩ። እዚ ጥፍኣት’ዚ ነቶም ተኸቢቦም ዝነበሩ ትሮያውያን ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቶም ብዓወት ናብ ዓዶም ዝምለሱ ዝነበሩ’ሞ መራኽቦም ብማዕበል ፋሕ ኢለን ብባሕሪ ዝተዋሕጣ ግሪኻውያን’ውን ዘጠቓልል እዩ። ገሊኦም ካብቲ ማዕበል ዝደሓኑ ኣብ ውሽጣዊ ቅርሕንቲ ስድራቤቶም እዮም ህይወቶም ዝስእኑ።እዚ ኵሉ ጥፍኣት ግን፡ ምስቲ ኣብ ጥንታዊ ጀርመናዊ ናይ ጅግንነት ቅያ ‘ኒበሉንገንሊድ’ (Nibelungenlied) ዝንጸባረቕ ስምዒት ውድቀት ክወዳደር ከሎ ኣይመዓራረዮን፤ ምኽንያቱ እዚ ትረኻ’ዚ፡ ኣብ መወዳእታ ብሓፈሻዊ ህልቂት ናይቶም ኣብ ኣደራሽ ኤትዘል ዝነበሩ ብርጉንዳውያን ጀጋኑ እዩ ዝዛዘም። ጅግንነታዊ ርእሰ-ንቕሓት፡ ሓጐስ ዝረሓቖ እዩ። ንመጻኢ ዘለዎ እምነትን ተስፋን ድኹም ብምዃኑ፡ ኵሉ ሳዕ ንድሕሪት እናጠመተ ኣብ ሕሉፍ እዩ ዝንጥልጠል። እቲ ኣብ ጅግንነት ዝሰረጸ ኣምር መስዋእቲ፡ ንመጻኢ ብተስፋ ናይ ምጥማት ባይታ ዘይህብ ምዃኑ ግልጺ እዩ—እንተ ወሓደ ካብቲ ናይቲ ጅግና ኣረኣእያ ክርአ እንከሎ። እቲ ብመስዋእቲ እቲ ጅግና ዝደሓነ ሕብረተሰብ፡ ከምኡ ጀጋኑ ዝዀኑ መዛኑ ዝሓቘፈ ኣይኰነን፤ ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ እቲ መስዋእቲ ኣይምተደልየን ነይሩ። እንተዀነ፡ እቲ ጅግና ኣብ ማእከል መዘናታቱ’ውን እንተዀነ፡ ኣብ ነዊሕ ጕዕዞ ቅሳነት ኣይረክብን እዩ፤ ጥልመት ኣብ ኵሉ ኵርናዕ ኣድብዩ ይጽበዮ። ብጥልመትን ክሕደትን ከይተኸበበ መንገዱ ዝጓዓዝ ጅግና የሎን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ዝተርፍ እንኮ ነገር፡ እቲ ናይ ውድቀት ግርማን ጽባቐን ጥራይ እዩ—ንሱ ከኣ ጅግንነታውን ክቡርን ሞት ምቕባል እዩ። ፌሊክስ ዳን (Felix Dahn) ኣብታ ሓደ እዋን ኣዝያ ተነባቢት ዝነበረት ‘ቃልሲ ምእንቲ ሮማ’ (A Struggle for Rome) ዘርእስታ ልብወለዳዊት መጽሓፉ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ብዘደንቕ መንገዲ ገሊጹዎ ኣሎ። እቲ ኣብ ዛንታ ኦስትሮጎታውያን (Ostrogoths) ኣሊሙ ዘስፈሮ፡ ኣብ ገዛእ ዘመኑ ንዝነበረ ጅግንነታውን ኣሕዛንን ናይ ተስፋ-ምቝራጽ ተመኵሮ እዩ ነይሩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት፡ ብፖለቲካዊ መዳይ ኣዝዩ ተፈንጃሪ ባህሪ ዘለዎ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ዕንወትን መወዳእታን ዘይተርፍ ዕጫ ካብ ኰነ፡ እንተ ወሓደ ነቲ ዝተናውሐ ጕዕዞ ምንቍልቋል ምሕጻሩ ይምረጽ ዝብል መደምደምታ ይውሰድ። በዚ መሰረት፡ ሓደ ሕብረተሰብ ገና እኹል ሓይሊ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ዝዀነ ይዅን ዋጋ ብምኽፋል፡ ወሳኒ ወተሃደራዊ ዓወት ንምጕንጻፍ ስጕምቲ ክወስድ ይግደድ። እዚ ኣረኣእያ’ዚ፡ ብ1914 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንኽባራዕ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ኣዛዚ ሰራዊት ኦስትርያ ዝነበረ ጀነራል ኮንራድ ፎን ሄትዘንዶርፍ፡ ውግእ ንኽውላዕ ዝደለየሉ ምኽንያት፡ እቲ ውግእ ንዘውዳዊ መንግስቲ ዳኑብ (Danube Monarchy) የማስኖ ንዝነበረ ውሽጣዊ ምቝንቋን (ምብስባስ) ደው ከብሎ እዩ ዝብል ተስፋ ስለ ዝነበሮ እዩ። ኣብታ ብጻር እትመሓደር ዝነበረት ሩስያ’ውን (Tsarist Russia) እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ’ቶም መኰንናት ተመሳሳሊ ስነሓሳብ ይዘዋወር ነይሩ እዩ።

ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት፡ ካብ ምንቍልቋልን ምብስባስን ንገዛእ-ርእሶም ዝከላኸልሉ መንገዲ፡ ንውግእ ከም መሳርሒ ስነምግባራዊ ሕዳሰ ገይሮም ብምውሳድ ጥራይ እዩ፤ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ኣይፈልጡን እዮም። ንውግእ ብውዕዉዕ ስምዒት ዝቕበልዎ ከኣ በቲ ኣብ እዋን ሰላም ዘጋጥም ንቡር ጕዕዞ፡ ነገራት ተስፋ ስለ ዝቘርጹ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ እዮም ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ኵሉ ሳዕ ምስ ሓዊ ዝጻወቱ። ሓያሎ ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ኣብ ሓደ ዞባ ብሓባር ክእከቡ እንከለዉ፡ ኣብ ሓደ ግዙፍ ውግእ ብምእታው ናብ ርእሰ-ጥፍኣት ናይ ምምራሕ ተኽእሎኦም ኣዝዩ ሰፊሕ ይኸውን። ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ-ዘመን ኣብ ኤውሮጳ ዝነበረ ኵነታት ድማ ልክዕ ከምዚ እዩ ነይሩ።

ማሕበረሰብን ሕብረተሰብን

ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ እቶም ጅግንነታዊ መንፈስ ዝዓብለሎም ማሕበረሰባት (communities)ን ሕብረተሰባት (societies)ን ክንዛረብ እንከለና፡ ኣብ መንጎኦም ንጹር ኣፈላላይ ኣየቐመጥናን። ይዅን’ምበር፡ ብፍላይ ምስቲ ኣዕናዊ ዝዀነ ናይ መወዳእታ ስምዒታት (apocalyptic moods) ዘስዕቦ ጽልዋታት ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብን ሕብረተሰብን ንጹር ፍልልይ ምግባር ኣዝዩ ርትዓዊ እዩ።

እዚ ኣፈላላይ’ዚ፡ ካብቲ ፌርዲናንድ ቴኒስ ዝተባህለ ምሁር ስነ-ሕብረተሰብ ዝመንጨወ እዩ። ነዚ ኣምር’ዚ፡ ነተን ክልተ መሰረታውያን ቅርጽታት ሰብኣዊ ማሕበራውነት—ማለት ባህርያዊ (organic) ከምኡ’ውን ተሰርሖ ወይ ውዕላዊ (mechanical) ማሕበራውነት—ንምግላጽ እዩ ተጠቒምሉ። ኣብቲ ባህርያዊ ማሕበራውነት፡ ምትእስሳር እዩ ብቐንዱ ዝዕብልል። ኣብቲ ተሰርሖ ወይ ውዕላዊ ማሕበራውነት ግና፡ መሰረቱ ኣብ መንጎ ሰባት ኣብ ዘሎ ምፍልላይን ማሕበራዊ ጋግን ዝተሰረተ እዩ። ሰባት ነዚ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ጋግ፡ ብንግዲ (ልውውጥ)ን ብውዕል (ምትሕብባር)ን ኣቢሎም ይሰግሩዎ እኳ እንተዀኑ፡ እዚ ርክብ’ዚ ባዕሉ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ዘጽንዕን ዘረጋግጽን እዩ።

ይዅን’ምበር፡ ነዚ ኣብዚ ጽሑፍ ክንገብሮ ንደሊ ዘለና ፍልልይ፡ እቲ ቴኒስ ብ1887—”ማሕበረሰብን ሕብረተሰብን” ዘርእስታ መጽሓፉ ኣብ ዘሕተመሉ እዋን—ዘቕረቦ ኣምራት ድሩት ረብሓን ኣገዳስነትን ጥራይ እዩ ዘለዎ። ኣብዚ ዓውደ-ሓሳብ’ዚ “ማሕበረሰባት” ክበሃል እንከሎ፡ ነቶም ብሓባራዊ መበቈል፡ ብሓባራዊ መንበሪ ቦታ፡ ወይ’ውን ብሓባራዊ ምርዳእ ክብርታትን ስነምግባራዊ ስርዓታትን ኣቢሎም ንገዛእ-ርእሶም ካብ ከባቢኦም ፈልዮም ዝቘሙ ጕጅለታት እዩ ዝውክል። ጅግንነታውያን ማሕበረሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ “ሕውነት” ባህሪ እዮም ዝላበሱ፤ እዚ ከኣ ነቲ ውሽጣዊ ውህደቶም (internal homogeneity) ዘውሕሰሎም ሓይሊ እዩ።

በቲ ካልእ ወገን ግን፡ ሕብረተሰባት (societies) ዝበሃሉ፡ ዝተፈላለየ ባህሪ ዘለዎም ሰባትን ጕጅለታትን ዝሓቘፉ ጥርናፈታት እዮም። እዚኣቶም ብተግባራዊ ረብሓ ምትሕብባር ዝተኣሳሰሩ ኰይኖም፡ ነቲ ካብዚ ሓባራዊ ስራሕ ዝርከብ ጥቕሚ ድማ ብመጠኑ ብንጹር ዝግንዘብዎ እዮም። ማሕበረሰባት (communities) ኣብ ሓባራዊ መበቈል ወይ ክብርታት ዝተሰረቱ ክዀኑ እንከለዉ፡ ሕብረተሰባት ግና ብተወሳኺ ኣብ ረብሓ’ውን ዝተመሰረቱ እዮም።

ነዚ ሓሳብ’ዚ ምስቲ ዓበይቲ ጕጅለታት ንገዛእ-ርእሶም ብጅግንነት ዝገልጽሉ ኣጠማምታ ኣዛሚድካ ክርአ እንከሎ፡ ኣብቲ ብጽሑፍ ዝተሰነደ ዝበዝሐ ታሪኽ ደቂ-ሰብ፡ ጅግንነታውያን ማሕበረሰባት ኵሉ ሳዕ ብሰፊሑ ክህልዉ ዝጸንሑ ክዀኑ እንከለዉ፡ ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ግና ሳሕቲ ዘጋጥሙ ፍሉያት ተርእዮታት ጥራይ እዮም ነይሮም።

እዚ ብባህሪኡ ዘገርም ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ጅግንነታዊ ርእሰ-መስዋእቲ ምኽፋል ኰነ፡ ካብቲ ነዚ ድልውነት’ዚ ዘይብሉ ወይ ካልእ ክብርታት ዝኽተል ከባቢ ንገዛእ-ርእስኻ ብጽኑዕ ምፍላይ፡ ካብ ሕብረተሰብ (society) ንላዕሊ፡ ምስቲ ኣብ ማሕበረሰብ (community) ዝርአ ሓባራዊ ህይወት እዩ ዝያዳ ዝቃዶ።

ካብ ኵሉ ንላዕሊ፡ እቲ መሰረታዊ ቀረብ መነባብሮ (physical reproduction) ከመይ ኢሉ ይረጋገጽ ዝብል ሕቶ ይለዓል። ጀጋኑ መብዛሕትኡ ግዜ ንዕለታዊ ስራሕ ኣየኽብርዎን እዮም፤ ብፍላይ እቲ ስራሕ ናብ ኣካላዊ ጻዕርን ግልያነትን ዝወርድ ምስ ዝኸውን፡ ፈጺሞም ኣይቀርብዎን። ነቲ ስራሕ ንኻልኦት እዮም ዝሓድግዎ፤ ካብዚኣቶም ድማ—ብጽቡቕ ስምምዕ ወይ ከኣ ኣድላዪ እንተዀይኑ ብሓይልን ግዴታን—ኵሉ ዘድልዮም ቀረብ ይውሕዘሎም። በዚ ድማ ጀጋኑ ንመነባብሮኦም ኣብቶም ዝሰርሑ ሰባት ጽግዕተኛታት ይዀኑ።

ኵሉ ሰብ ጅግና ክኸውን ኣይክእልን፤ ኣብ ክንድኡ፡ ቍጽሪ ጀጋኑ ኵሉ ሳዕ ኣዝዩ ድሩት ኰይኑ እዩ ዝተርፍ። በዚ መሰረት፡ ሓደ ጅግንነታዊ ማሕበረሰብ ኣብ ማእከል ሓደ ጅግንነት ዘይብሉ ሕብረተሰብ ዝተተኽለ እዩ። እዚ ሕብረተሰብ’ዚ ዘድልዮም ኵሉ ከቕርበሎም እንከሎ፡ እቶም ጀጋኑ ድማ ብግዲኦም፡ ነቲ ሕብረተሰብ ካብ ግዳማዊ ሓደጋታትን ስግኣታትን ይከላኸልሉ።

ኣብዚ መዳይ’ዚ፡ ጀጋኑ ምስቶም ሰራሕተኛታት ሓደ ተገይሮም ከይውሰዱ ኣዝዩ ዓቢ ጥንቃቐ ይገብሩ። ንገዛእ-ርእሶም ካብቶም ሰራሕተኛታት ብንጹር እዮም ዝፈልዩ። እቲ ቀንዲ መግለጺ ናይዚ ኣፈላላይ ድማ እቲ ጅግንነታዊ ስነምግባርን እቲ ምስኡ ዝተኣሳሰረ ኣብ ክብሪ ዝግበር ጽኑዕ ትዅረትን እዩ። እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ውሽጥን ግዳምን ናይቲ ጅግንነታዊ ማሕበረሰብ ዘሎ ዶብ ብንጹር ብምሕንጻጽ፡ ነቲ ሓደ ናይ ጀጋኑ ማሕበረሰብ ዝውንኖ ሕሩይነት (exclusivity) የውሕስ።

ፍሪድሪሽ ሺለር ኣብታ “መዓስከር ዋለንስታይን” (Wallenstein’s Camp) ዘርእስታ ድራማኡ፡ ሓደ ካብቶም ዕጡቓት ፈረሰኛታት ነዚ ሓቂ’ዚ ከምዚ ክብል ገሊጽዎ ነይሩ፤ እቲ ብህይወቱ ንምጥላዕ ድሉው ዝዀነ ሰብ፡ ካብ ገዛእ ህይወቱ ንላዕሊ ዝበልጽ ክቡር ነገር ኣብ ኣእምሮኡ ክህልዎ ኣለዎ—እዚ ድማ ካልእ ዘይኰነስ ክብሪ ጥራይ እዩ።

ሰይፊስ ኣይባዴላን፡ ኣይኰነን’ውን ማሕረሻ፡
ብእኡ ክሓርስ ዝደለየስ፡ ፍጹም ደኣ ዓሻ፤
የሎን – ዘብቍሎ ሳዕሪ፡ ዘፍርዮ ዘርኢ፡
ዓዲ-ኣልቦ ወተሃደር፡ ወትሩ ኰብላሊ፡
ኣብ ገዛእ እቶኑ ክሞውቕ ዘይክእሊ።

ሓላፊ-መንገዲ’ዩ፡ ሕቖኡ ዝህቦ ንግርማ ከተማታት፡
መንገደኛ’ዩ፡ ዘየላግስ ናብ ለምለም ሰውሕታት፡
የሎን ኣብ ዓጺድ ወይኒ፡ የሎን ኣብ ተድላ በዓላት፡
ኣይቀርቦን፡ የማዕድዎ ጥራይ ካብ ርሑቕ ፍቕያታት።

እስከ ጽወዩኒ፡ እንታይ ዋጋ ኣለዎ፡
ወተሃደር ንገዛእ-ርእሱ፡ ክብሪ እንተ ዘይሃቦ፧
‘ናተይ’ ዝብሎ ክብረት፡ እንተ ዘይኰይኑ ስንቁ፡
ምቕታልን ምንዳድን ጥራይ’ዩ፡ ዕላማ ናይ ዕጥቁ!

እዚ ስነምግባራዊ መትከል (ethos)ን ስምዒት ክብርን፡ ካብ ፍሉያት ስነስርዓታት ክሳብ ወተሃደራዊ ኣከዳድና (ዩኒፎርም) ብዝተፈላለዩ መልክዓት ክንጸባረቕ ይኽእል። እዚኣቶም ኵሉ ሳዕ፡ ነቲ ጅግንነታዊ ማሕበረሰብ (heroic community) ካብቲ ሰፊሕ ሕብረተሰብ (society at large) ፈልዮም ዘነጽሩ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ነቲ ናብ ዓመጽን ኣጠቓቕማ ኣጽዋርን ዘዘንብል ስምዒት ዝገትኡን ዘልዝቡን እዮም። ትጽቢት ክብርን መንፈስ መስዋእትን ኣብ ዘይብሉ ባይታ፡ ህልውና ዝህልዎ ጅግንነታዊ ማሕበረሰብ ፈጺሙ የሎን።

እቲ ዝፈዀሰ መልክዕ ናይ ጥፍኣት ስምዒት ዝዀነ ናይ ምንቍልቋል ኣምር፡ ንጅግንነታዊ ማሕበረሰብ ካብ ዘይጅግንነታዊ ከባቢኡ ዝፈልዮ ደረት እናተሸረፈ ይኸይድ ኣሎ፣ ዘይጅግንነታዊ ክብርታትን ኣካይዳታትን ድማ ናብ ውሽጡ ይስዕርር ኣሎ ካብ ዝብል ፍርሒ እዩ ዝምንጩ። በዚ መሰረት፡ እቲ ጅግንነታዊ ማሕበረሰብ በቲ ዘይጅግንነታዊ ሕብረተሰብ ክሕነቕ ወይ ክውሓጥ እየ ብዝብል ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ ይነብር። እዚ ፍርሒ’ዚ እናዓበየ ብዝኸደ መጠን፡ እቲ ርእስኻ ናይ ምግላልን ኣብ ውሽጢ ዓለምካ ናይ ምዕጻውን ዝንባለ እናሓየለ ይኸይድ።

እንተዀነ፡ ጅግንነታውያን ማሕበረሰባት ህላውነቶም ኣብቲ ምስ ከባቢኦም ዘካይድዎ ምትእስሳር ዝተመርኰሰ ብምዃኑ፡ በዚ ስጕምቲ’ዚ ንናይ ገዛእ ርእሶም ውድቀት የቀላጥፍዎ። መስዋእትን ክብረትን ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ ጥራይ ተሓጺሩ ክዘውር ከሎ፡ እቲ ማሕበረሰብ ውዒሉ ሓዲሩ ምትዕጽጻፍ ስኢኑ ይፈራርስ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ሕብረተሰብ ነቲ ጅግንነታዊ ማሕበረሰብ ምኽባርን ምምጓስን ኣቋሪጹ፡ ዕሽሽ እንተ ኢልዎ ወይ’ውን እንተ ንዒቕዎ፡ እቲ ማሕበረሰብ ካብቲ በብእዋኑ ዘሐድሶ ምንጪ ህይወት ይምንቈስ። ብሓቂ ድማ ጅግንነታውያን ማሕበረሰባት በብእዋኑ ኲናታትን ውግኣትን የድልዮም እዩ፤ ይዅን’ምበር፡ ሓድሽ ክብረት ንምጕንጻፍ፡ ኣብዞም ውግኣት እዚኣቶም ነቲ ዘዕቍቦምን ዝምግቦምን ዘሎ ሕብረተሰብ ዘለዎም ዋጋ ከረጋግጹ ይግብኦም። ሽዑ ጥራይ ድማ እዮም ዳግማይ ክጥጥዑ ዝኽእሉ።

ጅግንነታውያን ማሕበረሰባት ኲናት ዘድልዮም፡ እቲ ናይ ክብሪ ምሳልያዊ ርእሰማሎም ዝሕደሰሉን ዝዕቈረሉን ኣብኡ ስለ ዝዀነ እዩ። በዚ መዳይ’ዚ፡ እቲ ኣብ ውሽጦም ዝሰረጸ ናይ ምንቍልቋል ኣምር ምኽንያታዊ እዩ፤ ንቡርን ህዱእን ናብራ ንጅግንነታውያን ማሕበረሰባት ሓደጋ ክኸውን ከሎ፡ ዘድሕኖም እንተ ሃልዩ፡ ፍሉይን ጽንኩርን ኵነታት ምፍጣሩ ጥራይ እዩ። እዚ ግርማ-ሞገስ ዝረኽብሉ ህሞት ኰይኑ፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ሓያሎ ንኣሽቱ ህሞታት ሰጊሮም ንኽጸንሑ ድማ ቀንዲ ስንቆም እዩ።

በዚ መንፈስ’ዚ፡ እቲ ሺለር ኣብታ “ዋለንስታይን” (ስም ናይ ሓደ ኣብ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ኣብ ናይ 30 ዓመት ውግእ ዝነበረ ፍሉጥ ጀነራልን ስም እቲ ድራማን) ዘርእስታ ድራማኡ ዘስፈሮ “ደርፊ ፈረሰኛታት” ከምዚ ይብል፤

ንዑ ኣቱም ብጾት፡ ኣብ ፈረስ ተወጥሑ፡
ናብ ዓውደ-ሓርነት፡ ናብ ሜዳ ኣምርሑ!
ኣብ ሜዳ ጥራይ’ዩ፡ ወዲ-ሰብ ዝኽበር፡
ኣብኡ’ዩ ’ቲ እማን፡ ልቢ ዝምርመር።
የሎን ኣብኡ፡ ኣብ ክንዳኻ ዝቐውም፡
በይኑ’ዩ ተዋጋኢ፡ ብቕልጽሙ ዝሽምሽም!

ካብዛ ዓለምሲ ሓርነት ፈጺማ ጠፊኣ፡
ጐይቶትን ገላዩን ጥራይ ኰይኖም ምርኢታ፤
ኣብ መንጎ’ዚ ፈራሕ ዘርኢ ወዲ-ሰብ፡
ተንኮልን ጥልመትን እዩ ዝነግስ-ዝገዝእ።
ንሞት ዓይነ-ዓይና ክጥምታ ዝደፈረ፡
ተዋጋኢ ጥራይ እዩ፡ ሓቀኛ ናጻ ዝዀነ!

ንዑ ኣቱም ብጾት፡ ጸለምቲ ኣፍራስኩም ልጐሙ፡
ኣብ ዓውደ-ውግእ ከኣ ኣፍልብኹም ገትሩ!
መንእሰይነት ይጓዝም፡ ወኒ ይግንፍል ኣሎ፡
እቲ መንፈስ ከይሃፈፈ፡ ንዑ ንቕድሚት ጥነኑ!
ንገዛእ ህይወትኩም ንሓደጋ እንተ ዘይቀረብኩም፡
ሓቀኛ ህይወትሲ፡ ከቶ ኣይክትጐናጸፉን!

እዚ፡ እቲ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ከባቢኡ ካብ ዘሎ ሕብረተሰብ ብምፍላይ ጥራይ ህልውናኡ ከውሕስ ዝኽእል ማሕበረሰብ ዘለዎ ስነምግባራዊ መትከልን ርእሰ-ምስልን እዩ። እቲ ብድልውነት መስዋእትን ሃረርታ ክብርን ዝልለ ጅግንነታዊ ዝንባለ፡ ኣብ ንኣሽቱን ብንጹር ዝተፈልያን ማሕበረሰባት ጥራይ ተሓጺሩ ከይተረፈ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ዝሰርጸሉ ኵነታት ሳሕቲ ዘጋጥም ፍሉይ ተርእዮ እዩ፤ ብሓቂ ድማ ኣብ ታሪኽ ከምዚ ዝበለ ኣብነት ኣዝዩ ውሑድ እዩ ዝርከብ።

ከም ዝረአ፡ ማዕረ መሰልን ኣፍልጦን ዝጠልቡ ሓያሎ ፖለቲካውያን ተዋሳእቲ ኣብ ዘለውዎ ስርዓተ-ፖለቲካ—ከምቲ ብዘመነ ጥንቲ ኣብ ናይ ግሪኽ ከተማ-መንግስታት (ፖለይስ)፡ ኣብዚ ሓድሽ-ዘመን ድማ ኣብ ኤውሮጳዊ ስርዓተ-መንግስታት ዝተራእየ—ነቲ ጅግንነት ናብ መላእ ሕብረተሰብ ናይ ምስራጽ (ሕብረተሰባዊ ናይ ምግባር – Socialization of the Heroic) ድሌት ይቕልቀል። ኣብ ከምዚ ዝበለ ባይታ ድማ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ዝዓበየ ጅግንነታዊ ዓቕሚ ከዋድድ ዝኸኣለ ኣካል ጥራይ እዩ ላዕለዋይ ኢድ ዝሕዝ። ነዚ ብልጫ’ዚ ንምጕንጻፍ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ነቲ ፍሉይ ጅግንነታዊ ማሕበረሰብ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ብቕዓት ምብጻሕ ይከኣል፤ ከምቲ ብጥንቲ ኣብ ግሪኽ ስፓርታን ስፓርታውያንን ዝገበርዎ፡ ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳ ድማ እታ ብፍረደሪክ ዓቢ እትምራሕ ዝነበረት ፕሩስያን ሰራዊታን ዘመስከሩዎ።

እቲ ካልእ ኣማራጺ ድማ ነቲ ጅግንነታዊ ዝንባለ ናብ መላእ ሕብረተሰብ ምዝርጋሕ እዩ። ነዚ ድማ እታ ኣብ መበል 5ይን 4ይን ክፍለ-ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረት ደሞክራስያዊት ኣቴንስ፡ ልዕሊ ኵሉ ግና እታ ሰውራዊት ፈረንሳ፡ ከም ግብረ-መልሲ ናይዚ ድማ ጀርመን ቀንዲ ኣብነታት እየን። በዚ መሰረት፡ ፖለቲካዊ መሰል ተሳትፎ ንዅሎም (ደቂ ተባዕትዮ) ዜጋታት ብምዕዳልን ንማሕበራዊ ዕቤት ዝበለጸ ዕድላት ብምኽፋትን፡ ጅግንነታዊ ርእሰ-መስዋእቲ ምኽፋል ካብ ነፍሲ-ወከፍ (ወዲ-ተባዕታይ) ዜጋ ዝድለ ልዑል ትጽቢት ኰይኑ ወጺኡ።

ሕብረተሰብ ብውሽጡ ወተሃደራዊ ቅርጺ እናሓዘ ዝኸደሉ ታሪኻዊ ምዕባለ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብጕልሕ ተራእዩ እዩ። እቲ ኣብ ጥንታዊት ኣቴንስ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ዜጋታት (ምልሻታት)፡ ናይ ሪፓብሊካዊት ሮማ ስርዓተ-ውትህድርናን ኣብ መበል 19ን 20ን ክፍለ-ዘመን ኣብ ኤውሮጳ ዝሰረጸ ሓፈሻዊ ውትህድርናን ከኣ ህያው ኣብነታት እዮም። ኣብዞም ሕብረተሰባት ዝወሃቡ ዝነበሩ ወተሃደራዊ ዩኒፎርምታት፡ መዳልያታትን ማዕርጋትን፡ ሓደ ፍሉይ ደርቢ ንምፍላይ ዘይኰኑስ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ኣብቲ ወተሃደራዊ ሃዋህው ንምጥማር ዝዓለሙ እዮም ነይሮም።

ርግጽ እዩ፡ ኣብዚ’ውን እንተዀነ—ኣብታ ብሃጸይ ቪልሄልም እትመሓደር ዝነበረት ጀርመን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብታ ሪፓብሊካዊት ፈረንሳ እውን ከይተረፈ—ሰራዊት ንገዛእ-ርእሱ ከም ፍሉይ ደርቢ ፈልዩ ንምሓዝ ዝገበሮ ፈተነታት ነይሩ እዩ። እንተዀነ፡ ብምኽንያት ምስ ካልኦት ሃገራት ብዝነበረ ፖለቲካዊ ውድድር፡ እዚ ናይ ምግላል ዝንባለ’ዚ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ክዕጾ ተገዲዱ። ምኽንያቱ፡ ኣብ መንጎ እተን ዓበይቲ ሓይልታት ኤውሮጳ ተራ ክህልዋ እትደሊ ዝዀነት ሃገር፡ ነቲ ጅግንነታዊ መንፈስ ኣብ ሓደ ንእሽቶን ፍሉይን ማሕበረሰብ ጥራይ ሓጺራ ክትተርፍ ዝፈቅድ ዕድል ኣይነበራን።

ብኣንጻር ጅግንነታዊ ማሕበረሰብ፡ ጅግንነታዊ ሕብረተሰብ ስምዒት ውድቀትን ምንቍልቋልን ኣየጨንቖን፤ የግዳስ፡ ብዘይግቱእ ስምዒት ሓይልን ብጽኑዕ ናይ መጻኢ ምትእምማንን ዝተመልአ እዩ። ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት፡ ብቐጻሊ ናይ ሓይሊ ስኽራንን ብናይ ዓወት ጽኑዕ እምነትን ዝተዋሕጡ እዮም። ብንእሽቶ ምትንኻፍ እኳ ከም ዝተደፈረ ዝስምዖ፡ ብዕጥቃዊ ውግእ ጥራይ ክፍወስ ከም ዝግብኦ ዝእመነሉ ስምዒት ሃገራዊ ክብረት ድማ ይዕብልሎም። እዞም ሕብረተሰባት’ዚኣቶም ኣብ ቀጻሊ ናይ ውግእ ወንን ቅልውላውን ስለ ዝነብሩ፡ ሓያሎ ካብኣቶም ኣብ ሓደ ሰፊሕ ዞባ ብሓባር ክህልዉ እንከለዉ፡ ተኸታታሊ ውግኣትን ዘየቋርጽ ናይ ኲናት ድሉውነትን ክፍጠር ግድነት ይኸውን።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ህሞት፡ እቶም ዝካየዱ ውግኣት፡ እቲ ሕብረተሰብ ገንዘባዊ ወጻኢታቱ ጥራይ እናሸፈነ ብርሑቕ ዝዕዘቦም ናይ ጅግንነታውያን ማሕበረሰባት ግጭታት ኣይኰኑን። የግዳስ፡ ኵሉ ቍሳውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸጋታት ዝተሓቍፈሉ፡ ብምሉእ ሓፈሻዊ ክተት ዝካየዱ ኣዕነውቲ ውግኣት እዮም። ሳዕቤን ናይ ከምዚ ዝበለ ውግኣት ድማ እቶም ሕብረተሰባት ኣብ ክቱር ድኻምን ህልቂትን ይወድቁ፤ ኣብ ሓጺር እዋን ከኣ ካብ ጅግንነታውያን ናብ ድሕረ-ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ይልወጡ። ነቲ ዝነበሮም ጅግንነታዊ ዓቕሚ—ብቝሳዊ ይዅን ብስነ-ኣእምሮኣዊ መዳይ—ጸንቂቖም ስለ ዝወድእዎ ድማ ኣብ ሓደ መደምደምታ ይበጽሑ፤ እንተ ተሳዒሮም እዚ ኵሉ መስዋእቲ ዋጋ ከም ዘይነበሮ፡ እንተ ተዓዊቶም ከኣ እቲ ዓወት ነቲ ዝተጸበይዎ ውጽኢት ፈጺሙ ከም ዘየምጽኣሎም ይግንዘቡ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ህሞት፡ ክልተ ተጻረርቲ ኣረኣእያታት ይቕልቀሉ፤ በቲ ሓደ ወገን፡ እቲ ስዕረት ዘጋጠመ እኹል ጅግንነታዊ መስዋእቲ ብዘይምኽፋሉ እምበር፡ ብዝዓበየ ህዝባዊ ክተት ዓወት ምጭባጥ ይከኣል እዩ ብዝብል እምነት፡ ኣብ ዝቕጽል ኣጋጣሚ ዳግማይ ናብ ውግእ ምእታው ይምረጽ። በቲ ካልእ ወገን፡ እቲ ናይ ርእሰ-መስዋእትን ምድላብ ክብረትን ኣምር፡ ድሕሪ ሕጂ ብዝዀነ ዋጋ ክድገም ዘይብሉ ሕብረተሰባዊ ጌጋ ተገይሩ ይውሰድ እሞ ምሉእ ብምሉእ ይንጸግ።

ብልማድ፡ እቲ ቀዳማይ መንገዲ ምርጫ ናይቶም ዝተሳዕሩ እዩ፤ ምኽንያቱ፡ ነታ ዘምለጠቶም ዓወት ዳግማይ ንምርካብ ገና ተስፋ ስለ ዘለዎም። እቶም ዝተዓወቱ ግና፡ እቲ ዓወት ትጽቢቶም ስለ ዘየዕገበን ትርጕም ኣልቦ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖምን፡ ናብቲ ካልኣይ ኣረኣእያ የዘንብሉ።

ኣብ መንጎ ክልተ ውግኣት ዓለም፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበረ ኵነታት ልክዕ ነዚ ዘንጸባርቕ ነይሩ። ፈረንሳን እንግሊዝን፡ ከምቲ ዝሓለፈ ከቢድ መስዋእቲ ዳግማይ ከይከፍላ ብምስጋእ፡ ናይ ልዝብ ፖሊሲ ተኸቲለን፣ ርእሰ-መስዋእቲ ዘይሓትት ወተሃደራዊ ስትራተጅታት መሪጸን። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ጀርመን፡ ነቲ ውጽኢት ውግእ ብሓይሊ ብረት ንምልዋጥ ዝደለዩ ሓያላት ፖለቲካውያን ሓይልታት ተላዒሎም፣ ኣብ ጅግንነታዊ ዝንባለታት ዝተሰረተ ሓደስቲ ወተሃደራዊ ሜላታትን ስልትታትን ኣማዕበሉ።

እቲ ኣብ ፈለማ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ጕዕዞ፡ ነዚ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ብንጹር ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ። ፈረንሳ፡ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም (1914–1918) ዘርኣየቶ ጽንዓት ክወዳደር ከሎ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ብዝዀነ መንገዲ፡ እቲ ቀንዲ ሓይሊ ሰራዊታ ናብቲ ውግእ ከይኣተወ ከሎ ብቕጽበት ኢዳ ሃበት። እንግሊዝ’ውን ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ዓንዲ-ሕቖ ዝዀነ ሞያዊ ሰራዊታ ዳግማይ በጃ ከይተሕልፍ ብምስጋእ፡ ካብ ምድሪ ኤውሮጳ ብህጹጽ ሰሓበቶ። ጀርመን ብኣንጻሩ፡ ነቲ ውግእ ክሳዕ መሪር መደምደምታኡ ኣካዪዳ፡ ምሉእ ብምሉእ ተደምሰሰት፤ ዝዋጋእ ዓቕሚ ክሳዕ ዝጽንቀቕ ከኣ ኢዳ ኣይሃበትን። ከም ሳዕቤኑ፡ እቲ ድሕረ-ጅግንነታዊ ኣረኣእያ፡ ኣብ ካልእ ሕብረተሰብ ኤውሮጳ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ሓያል ጽልዋ ኣብ ጀርመን ሰረጸ።

ከምቲ ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ናይ ጥፍኣት ስምዒት ዘይብሎም፡ ድሕረ-ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት’ውን ነቲ ድሕሪ ጀጋኑ ዝመጽአ ህልውናኦም ከም ምልክት ውድቀትን ምንቍልቋልን ገይሮም ኣይወስድዎን እዮም። ብሓፈሻ፡ ነዚ ምስግጋር’ዚ ከም ፖለቲካዊ ምዕባለ ወይ ከም ማሕበራዊ ምስትምሃር እዮም ዝርእይዎ፤ ብዝዀነ መንገዲ፡ ካብቲ ከም ማሕበራዊ ሕማም ዝቝጸር ዝነበረ ናይ ቀደም ጅግንነታዊ ስነምግባር ብዓወት ከም ምሕዋይ ገይሮም ይቘጽርዎ። በዚ ምኽንያት፡ ድሕረ-ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ገዛእ-ርእሶም ዕጉባትን ሰላማውያንን እዮም። ንገዛእ-ርእሶም ከም ጥርዚ ማሕበራዊ ዕቤት ገይሮም ናይ ምርኣይ ዝንባለ ኣለዎም፤ እንተዀነ፡ እዚ ኣረኣእያ’ዚ ኵሉ ዓቕምታትካ ዳግማይ ናብ ምልዕዓል ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዝበጽሕዎ ደረጃ ንሓዋሩ ኣጣጢሕካ ናይ ምንባር ድሌት እዩ ዘስርጸሎም። ኣድለይቲ ጽገናታት ክገብሩ እንከለዉ እኳ፡ ለውጢ ማለት ከም “ሓንቲ ብሎን ለውጢ ምጥዋይ” (ንኡስ ምትዕርራይ) ገይሮም እዮም ብምስላዊ ኣገባብ ዝገልጽዎ፤ ማለት፡ እቲ መሰረታዊ ኵነታት ድሮ ብጽቡቕ ስርዓት ተሰሪዑ ኣሎ፣ በብእዋኑ ንእሽቶ ምትዕርራይ ጥራይ እዩ ዘድልዮ ዝብል እምነት ኣለዎም።

ስነ–ህዝብን ጅግንነትን

ምልዓልን ምውዳቕን ጅግንነት፡ ካብ ፖለቲካዊ ስነሓሳባት፡ ካብ ዕብለላ ሃይማኖታዊ ዕጡቓት ወይ ካብ ማሕበራዊ ምስትምሃር ንላዕሊ፡ ብቐንዱ ኣብ ስነ-ህዝባዊ ረቛሒታትን ኣብቲ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ዘሎ መጠን መንእሰያትን (ብፍላይ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም) ዝምርኰስ ምዃኑ እናነጸረ መጺኡ ኣሎ። ናይ ብሬመን ምሁር ስነ-ሕብረተሰብን ተመራማሪ ጃምላዊ ህልቂትን ዝዀነ ጉናር ሃይንዞን፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ብዝያዳ ኣስፊሑ ብምትንታን፡ እቲ “ማዕበል መንእሰያት” ናይ ገዛእ-ርእሱ ስነሓሳባትን ኣመዅንዮንን ከም ዝፈጥር፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ድማ ንዓመጽን መስዋእትን ኣብ ምብራኽ ቀዳማይ ተራ ከም ዘይጻወት ይገልጽ። እዚ መጐት’ዚ ኵሉ ነገር ብሓደ ስነ-ህዝባዊ ረቛሒ ጥራይ ዝውሰን ኣምሲሉ ክቐርብ ይኽእል እዩ፤ ሃይንዞን ባዕሉ’ውን ብእኡ መንገዲ እዩ ዝማጐት። እንተዀነ፡ መጽናዕቱ ኣብ መንጎ ወሰኽ ህዝብን ሓደ ሕብረተሰብ ብውሽጥን ብደገን ዘንጸባርቖ ናይ ዓመጽ ጥርዝን ዘሎ ዘገርም ምትእስሳር ብንጹር የርኢ። እዚ ድማ፡ ነቲ ጅግንነታውያን ኰኑ ድሕረ-ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ዝስረትሉ ቍሳዊ (ማተርያላዊ) መሰረት ንምምርማር ባይታ ጸሪጉ ኣሎ።

ካብተን ሃብታማት ሃገራት ኦ.ኢ.ሲ.ዲ (OECD) ብዝተፈልየ፡ “ኣብ ሳልሳይ ዓለም ዝርከባ ስድራቤታት፡ ሓደ ወይ ሓያሎ ደቂ ተባዕትዮ ኣጥፊአን’ውን ናብራአን ክቕጽላ ይኽእላ እየን… ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ንሚልዮናት መንእሰያት ናብ ውግእ ክሰዳ ይኽእላ—እዚኣቶም ካልኣይ ወይ ራብዓይ ውሉድ ብምዃኖም ኣብ ገዝኦም ብጭቡቕ ዘድልይሉ ቦታ ዘይብሎም መንእሰያት እዮም፤ በዚ ምኽንያት ድማ ጅግንነት ከም ሓቀኛ ናይ ህይወት ዕድል ኰይኑ ይረኣዮም።

ብኣመሪካ ዝምርሓ ሃብታማት ሃገራት ሰሜን፡ ኣብ ዝበለጸ ኵነታት፡ ነዚ ተርእዮ’ዚ ብቴክኖሎጅያዊ ብልጫአን ጥራይ እየን ክምክታኦ ዝኽእላ። እንተዀነ፡ በዚ ብልጫ’ዚ ምጥቃም፡ ንገዛእ-ርእሱ ናብ ዘሰክፍ ስነምግባራዊ ሕልኽላኽ (ቅልውላው) የውድቕ፤ እቶም መቀናቕንቶም፡ እቶም ሎሚ ዘለዉ ቈልዑ ጽባሕ ነቲ ዝቕጽል ሰራዊት ክትክኡ ድሉዋት ስለ ዝዀኑ፡ ቍጽሪ ዘይብሎም ደቆም ደጋጊሞም በጃ ከሕልፉ ይኽእሉ። ኣመሪካን መሻርኽታን ግና፡ እቲ ዘካይድዎ መጥቃዕቲ ንቘልዑ ናይቲ ካልእ ወገን ምስ ዝሃርም፡ ሞራላዊ ተኣማንነተን ብቕጽበት ኣብ ዓቢ ሓደጋ ይወድቕ።

እቲ ኣብ ምምጻእ ድሕረ-ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ዝረአ ዓቢ ሽግር፡ እዚ መስርሕ’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ብሓደ እዋን ዘይምፍጻሙ እዩ። እተን ሃብታማት ሃገራት ሰሜን ናብ ድሕረ-ጅግንነታዊ ምዕራፍ ክኣትዋ እንከለዋ፡ ካብቲ ናይ ብልጽግና ዞባ ወጻኢ ዘለዋ ሓያሎ ሕብረተሰባት ግና—ከምቲ “ኣብ ሓደ እዋን ዝረአ ናይ ምዕባለ ጋግ” ዝበሃል—ካብ ቅድመ-ጅግንነታዊ ገና ሕጂ ናብ ጅግንነታዊ ምዕራፍ ይሰጋገራ ኣለዋ።

እቲ ናይ ጅግንነት መንፈስ፡ ቍሳዊ (ማተርያላዊ) መሰረቱ ካብ ብዝሒ ደቂ-ተባዕትዮ ዝምንጩ፡ ስነሓሳባዊ መሰረቱ ከኣ ካብ ክቱር ሃይማኖታዊ እምነት። እዞም ሕብረተሰባት’ዚኣቶም መብዛሕትኡ ግዜ ገዛእ-ርእሶም ዘጥፍእ ሓያል ናህሪ ዘለዎ ዓመጽ የልዕሉ። ሓድሓደ ግዜ ድማ እዚ ዓመጽ ገጹ ናብ ግዳም ብምዛር፡ ነተን ድሮ ሓደጋ ዝተሰመዐን ድሕረ-ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ኣብ ከቢድ ፍርሕን ሽበራን ይሸመን። እዚ ፍርሒ’ዚ ኣዝዩ ሓያል ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ብፍላይ እቲ ፈለማይ ነብሰ-ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ድሮ ኣብ ዓደን ምስ ተፈጸመ፡ መግለጺታት ሽበራውያን ጕጅለታት ምስማዕ ወይ ነብሰ-ቅትለት ናይ ዘካይዱ ስልጠና ዘርእዩ ቪድዮታት ምርኣይ ጥራይ እኳ፡ ኣብተን ድሕረ-ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ዓቢ ሽበራን ራዕድን ይፈጥር።

እዘን ሕብረተሰባት ነዚ ብስምዒታዊ ድራማ ዝተዓጀበ ናይ መስዋእትነት ስነምግባር ክርድኦኦ ኣይክእላን። እዚ ዓጽረ ምርዳእ ምስቲ ሃንደበት ዝተላበዐ ናይ ተቓላዕነት ስምዒት ተደሚሩ፡ ነቲ ጠንቂ ብቐጥታ ናብ ድኽነትን መከራን የላግብኦ። በዚ ምኽንያት፡ ብቝጠባዊ ሓገዝ ኣቢልና ነቲ ድኽነት እንተ ኣቃሊልናዮ “ጠንቂ ሽበራ” ከነጥፍኦ ንኽእል ኢና ዝብል ተስፋ የሕድራ። እዚ ግና ርሑቕ ዘይጥምት ድሩት ርድኢት እዩ። የግዳስ፡ ነቲ ናይ ድሕረ-ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት መፍለዪ ዝዀነ “ብገንዘብ ርእስኻ ናይ ምድሓን” ሕዱር ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቕ ጥራይ እዩ። ንሳቶም ብሒደት ገንዘብ ኣቢሎም፡ ነዞም ብኽብሪ ዝሰኸሩ ጐይቶት ሞት ከህድእዎም ወይ ሓደጋኦም ከወግዱ ከም ዝኽእሉ ይኣምኑ።

ብጭቡቕ ሚዛን ክረአ ከሎ፡ ሽበራ ዘስዕቦ ሓደጋ ብቐሊሉ ዝመሓደር እኳ እንተዀነ፡ ንድሕረ-ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ግና እቲ ዝዓበየ ብድሆ ኰይኑ ይርከብ፤ ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ዕቝባ ዘይብለን ድኹም ጐድነን ስለ ዝሃርመን። ካብ ጅግንነታውያን ናብ ድሕረ-ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ዝተገብረ ምስግጋር፡ እዘን ሕብረተሰባት ንውሽጣውን ግዳማውን ሓደጋታት ዝምክቱ፡ ብግቡእ ዝሰልጠኑን ዝተዓጠቑን ትካላት ድሕነት ካብ ምቛም ኣየዕረፈንን። እቲ ፍልልይ፡ ምስዘን ትካላት ኣብ ዘለወን ዝምድና እዩ ዝረአ፤ ንዓኣተን ብኽብረትን ሞገስን ካብ ምዕጃብ ንላዕሊ፡ ብቐንዱ ብገንዘብን ደሞዝን ጥራይ እየን ዝድግፍአን። በዘን ብብዙሕ መዳይ ናይ ጅግንነታዊ ማሕበረሰብ ባህርያት ዘለወን ትካላት እናተሓለዋ ድማ ድሕረ-ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ብሰላምን ብደሓንን ክነብራ ተስፋ ይገብራ። እንተዀነ፡ መጥቃዕትታት ሽበራ—ብፍላይ እቶም ሓደስቲ ዓይነታት—ነዘን ጸጥታ ዘውሕሳ ትካላት ዕሽሽ ብምባል፡ ቀጥታ ነቲ ሰላማዊ ህዝቢ ብምጥቃዕ እዮም ዝልለዩ። ዕላማኦም ብንእሽቶ ሓይሊ ዓቢ ናይ ስንባደ ውጽኢት ንምርካብ እዩ፤ ብሓቂ ድማ ድሕረ-ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ነዚ ዕላማ’ዚ ንምዕዋት ኣዝዩ ምቹእ ባይታ ይፈጥራሎም።

ማዕረ ማዕሪኡ፡ እቶም ንገዛእ-ርእሶም በጃ ንምሕላፍ ድሉዋት ዝዀኑ ኣብ መርበባት ሽበራ ዝርከቡ “ጐይቶት ሞት”፡ ንደሕረ-ጅግንነታውያን ሕብረተሰባት ከም ውዱቓትን ዝመሽመሻን ቈጺሮም ይንዕቅወን። ሓደ ተዋጋኢ ጣሊባን፡ “ምዕራባውያን ንኮካ-ኮላ የፍቅሩ፣ እስላማውያን ዕጡቓት ድማ ንሞት የፍቅሩ፡” ክብል ዝሃቦ ብተደጋጋሚ ዝጥቀስ መግለጺ፡ ነዚ ኣረኣእያ’ዚ ብዝለዓለ ንጹርነት ዘንጸባርቕ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *