ተመስገን ጣኒቆን ቆፎ ጎዶፋይን

ተመስገን ገብረስላሴ (ጣኒቆ) ኣብ 2004 ንዝበዝሕ ስርሓት ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን ሒዙ “ዋላ ኣይከሰብ” ብእትብል ኣልቡም ምስ መጽአ፡ ኣብ ገዛ፡ ኣብ ባራት፡ ኣውቶቡሳት ንዅሉ ድምጺታት ዓብሊሉዎ ክስማዕ ግዜ ኣይወሰደን፤ ጣኒቆ ዝበሃል ክዳን፡ ቆቢዕ፡ ጫማ. . . እውን መጺኡ።

ድሕሪ እታ “ሰብ’ዩ መኽሰብ” እትብል ኣልበሙ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ናይ ጥዕና ቃልሲ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ካምፓላ – ኡጓንዳ ምርኢት ንምቕራብ ምምጽኡን ልምምድ እናገበረ ዝተፈነወ ቪድዮን ኣዘራራቢ ኰይኑ ቀንዩ። መብዛሕትኡ እቲ ክወሃብ ዝቐነየ ግብረ-መልስታት ድማ ዝን ኢልካ ከተስተንትን ዝድርኽ እዩ።

“ንብዓተይ ክዓግት ኣይከኣልኩን”፣ “ክልተ ሳዕ ተራእዩ”፡ “ኤርትራዊ ሰሊን ድዮን”፡ “እቶም ዘቃልዑዎ ስሱዓት እዮም”፡ “ኣብ ገዛኡ ኮፍ ኢሉ ዘይሕከም ክንሕግዞ. . .” ብዙሕ እዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ ካምፓላ ዝተራእየ ተመስገን ጣኒቆ፡ እቲ ኣብ 2002 ኣብ መድረኻት ዝዕንድር ዝነበረ ጣኒቆ ኣይኰነን ድዩ፧ “ክልተ ሳዕ ተራእዩ”፣ “ንምንታይ ተቃልዑዎ” እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብ 1990ታት “ምስጢር እታ ቆፎ” እትብል ብፍስሃየ ዮሃንስ (ጆሽዋ) ዝተደርሰት ዓሚቝ ማሕበራዊ ስንብራት እትድህስስ ጽብቕቲ ድራማ ነይራ። “ጎዶፋይ” ዝተባህለ ጠባይ፡ ስንክልና ስለ ዝነበሮ ስድራቤቱ ኣብ ቆፎ ሓቢኦም እዮም ዘዕብዩዎ። ንሳቶም ንጎዶፋይ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ነቲ “ስድራቤትና ጕድለት ኣለዎ፡” ዝብል ስምዒት እዮም ክሓብኡ ዝደለዩ፤ ምኽንያቱ፡ ኣረዳድኣ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣማእዝዮም ይፈልጡ እዮም።

ሎሚ’ውን፡ “ጣኒቆ ከምዚ ኰይኑ ክርአ የብሉን፣ ክልተ ሳዕ ክርአ የብሉን፡” ዝብሉ ሰባት፡ ብዘይፍላጥ ነቲ ኣሊጎሪ “ቆፎ ጎዶፋይ” እዮም ዘንጸባርቑ ዘለዉ። ነቲ ጣኒቆ ትማሊ ዝነበሮ “ንእስነት” እምበር፡ ነቲ ሕጂ ዘለዎ “ሕማም ወይ ድኻም” ክርኣይ ኣይደልዩን። እዚ ንተመስገን ከም ሰብ ዘይኰነ ከም “ስእሊ” ወይ “ኣቕሓ” ምርኣይ እዩ። ሓደ ሰብ ትርኢቱ ስለ ዝተቐየረ ክኽወል ኣለዎ ምባል፡ ንሰብኣዊ ክብሩ ምግሃስ እዩ።

መብዛሕትኡ ሰብ፡ ጽባቐ ክበሃል እንከሎ ምስ “ምልኣት” ጥራሕ እዩ ዘተኣሳስሮ። ንጣኒቆ ሕጂ ክርእዮ እንከሎ “ዝተቐየረ” (ብናቶም ዝተበላሸወ) መልክዕ ይርኢ። ኣብ ጃፓን “ኪንሱጊ” ዝበሃል ጥበብ ወይ ፍልስፍና ኣሎ። ንሓደ ዝተጨለፈ፡ ዝነቕዐ ወይ’ውን ዝተሰብረ ኣቕሓ ብወርቂ ገይሮም ይጽግኑዎ። እቲ ኣቕሓ ካብቲ ናይ ቀደሙ ንላዕሊ ክቡርን ጽቡቕን ይኸውን።

ጣኒቆ ኣብ መድረኽ ደዪቡ ክደርፍ ካብ ርሑቕ ክመጽእ እንከሎ፡ ከም “ዝተበላሸወ” ዘይኰነስ ከምቲ ብወርቂ ዝተጸገነ ኪንሱጊ ክንርእዮ ንኽእል። እቲ ኣብ ገጹ ዝርአ ስምዒታትን ምልክታት ሕማምን፡ ንናይ ህይወት ተጋድሎኡ ትእምርቲ ዘይተጸዓድነት እዩ። ጽባቐ ኣብ ምልኣት ጥራሕ ዘይኰነትስ፡ ኣብቲ ዘሕለል ሰብኣዊ ሓይሊ ምዃኑ ንርዳእ።

ገለኦም ሰባት ንተመስገን ምስ ሓድሽ ኵነት ሰሊን ድዮን ብምትእስሳር ፍሉይ ጠመት ከም ዝረኸቡ፡ “ኤርትራዊ ሰሊን ድዮን” ክብሉ ገሊጾሞ። ሶሊን ድዮን ኣብቲ ዝኸፍአ ናይ ጥዕና ኵነታት እንከላ ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ኣብ መድረኽ ደዪባ ምድራፋ፡ ንያት ደቅሰብ ክሳዕ ክንደይ ዘይጸዓድ ምዃኑ እያ ኣርእያ። ሰሊን ድዮን ከምኡ ኢላ እንከላ ናብ መድረኽ ምምጻኣ ምሉእ ዓለም ዘድነቓ “ከምቲ ናይ ቀደማ ስለ ዝዀነት” ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ድኻማ ኰይና ክትቃለስ ስለ ዝመረጸት እዩ።

ተመስገን ሕጂ’ውን ክደርፍን ክሰርሕን ምፍታኑ፡ ዝዓበየ ናይ ትብዓት ምልክት እዩ። እቲ “ኣለኹ – ክቕጽል እየ” ዝብል ንያቱ ካብቲ ኵሉ ደርፍታቱ ንላዕሊ ዝዓበየ ናይ ህይወት ትምህርቲ እዩ።

ሰባት ንተመስገን ክርእዩ ከለዉ ዝነብዑ ስለምንታይ እዩ፧ ብሓቂ ንዓኡ ሓልየምሉ ድዮም ወይስ ፍርሒ ገዛእ ርእሶም እዩ ፈንቂሉ ወጺኡ፧ ንነብስኹም እሞ ኣብኡ ኣእትውዋ፡ ሰባት ረርእዮምኹም ንብዓት ክስዕሮም እንከሎ እንተ ትርእዩ እንታይ ምዀንኩም፧

ሰብ ንሓደ ኣብ “ጽቡቕ” ግዜ ዝበሎ ዝርኣዮ ተለዊጡ ክርእዮ ከሎ፡ ናይ ገዛእ-ርእሱ ድኻምን ሞትን ዝዝክር ኰይኑ እዩ ዝርኣየኒ። ንጣኒቆ ርእዮም ዝነብዕሉ ምኽንያት፡ ንዓኡ ሓልዮም ጥራሕ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሶም ስለ ዝፈርሑ እዩ። እቲ “ክልተ ሳዕ ተራእዩ” ዝብል ድምጺ፡ “ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ፍርሒ ምሕማምን ምእራግን ኣይትቐስቅሰለይ” ማለቶም ክኸውን ይኽእል እዩ። ሕብረተሰብ ካብቲ ንሓቂ ወይ ክውንነት ናይ ምሕባእ ልምዲ ወጺኡ ምስ ዑደት ተፈጥሮ ክተዓረቕ ኣለዎ። (ርሕራሐ ምርኣይን ሓገዝ ምውፋይን ኣብ ቦታኡ ኰይኑ።)

ሓያሎ ሰባት ኣብዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሕማም፡ ብእርጋን፡ ብምስሊ ኣካላት ወዘተ ክጻረፉ እንከለዉ፡ ካብቲ ዝፋተዉ መንእሰያት ኣብ ዓራት ዝረኽቡዎ ታሕጓስ ንላዕሊ እዮም ዝሕጐሱ። ምኒስተር ጥዕና ኤርትራ ኣምና ኣብዚ ቅንያት ስእላ ምስ ወጽአ ዝፈጠረሎም ደስታ ዘገርም እዩ። ኢሳያሳውያን ነዚ ናይ ሎሚ ስእሉ ኣይቅበሉዎን እዮም – መንእሰይ እንከሎ እዮም ኣብ ልቦምን ገዛኦምን ዝሰቕሉ። ምኒስትሪ ዜና ንባዕሉ’ውን መልእኽቲ ዮሃና ሃገራት ከቃልሑ እንከለዉ ክሳዕ እዚ ቀረባ ግዜ ናይ ቀደም ስእሉ እዮም ዝጥቀሙ ነይሮም።

ዝዀነ ሰብ ኣብ ዝዀነ ዕደመን ኵነታትን ንሱ እዩ። ሰብኣዊ ፍጡር ከም ከውሒ ዝደረቐ ዘይኰነ ከም ወሓዚ ማይ ዝቀያየር እዩ። ሕማም፡ እርጋን ወይ ስንክልና ንመንነት ሰብ ኣይቅይሮን።

ተመስገን ጣኒቆ እቲ ናይ ትማሊ ጥራሕ ዘይኰነ፡ እቲ ናይ ሎሚ’ውን ንሱ እዩ። ተመስገን ነቲ ቆፎ ጎደፋይ ሰይሩ ወጺኡ ኣሎ – ፍርሕኹም ኣይትሃቡዎ፣ ተመለስ ናብ ቆፎኻ ኣይትበሉዎ።

ጣኒቆ ክልተ ሳዕ ኣይተረኣየን፣ ሓደ ግዜ ጥራሕ’ዩ ተራእዩ። ንሱ ድማ እቲ ዘይሕለል ሰብኣዊ ሓይሉ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ተመስገን “ተበላሽዩ” ዘይኰነስ “ተለዊጡ” እዩ። ለውጢ ድማ ንማንም ዘይንሕፍ ሕጊ ተፈጥሮ እዩ።

ከም ሕብረተሰብ ካብቲ “ክልተ ሳዕ ከይርአ” ዝብል ፍርሒ ተላዒልና ናብ ቆፎ ጎዶፋይ እንኣትወሉ ልምዲ ክንወጽእ ይግባእ። ንተመስገን ክንሕግዞ እንተ ደሊና ብድንጋጸ ዘይኰነ ብኽብሪ ክንጥምቶ ኣለና። ንሱ ስነጥበበኛ እዩ፣ ስነጥበብ ድማ ኣብ ጥዕና ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ቃንዛ’ውን ትነብር እያ። ንተመስገን ሎሚ’ውን ዋላ ኣይከሰብ – ሰብ እዩ መኽሰቡ። ሰብ ከኣ ካብ ትርኢቱ ንላዕሊ እቲ ዘይመውት መንፈሱ እዩ።

ጭውነት ዛካዮ

ካብ ካምፓላ ተጓዒዝና ኣብ ኢንተበ ደሴት ናምባ በጻሕና። እዛ ደሴት’ዚኣ ስፍሓታ ክንዲ ሃገረ ቫቲካን ይመጣጠን። ኣብ ከርሳ ድማ ብዙሓት ካብ ሕማቕ ኵነታት ዝደሓኑ እንስሳታት ዘ-ገዳም ተዓቚቦም ይርከቡ – ከምዚ ንኣይ ኡጓንዳ ዓቚባትኒ ዘላ። መእተዊ ክንከፍል ኣብ ዝተሰራዕናሉ፡ ህንጡያት ዝነበሩ ደቀይ ንውሽጢ ክኣትዉ ተረበጹ። ሃገረ ኡጓንዳ ውጽእቲ ፓን-ኣፍሪቃዊት እያ፣ ኣብ ዝዀነ ቦታ፡ ኣፍሪቃዊ ዜጋ ልክዕ ከም ዜጋኣ ውሑድ እዩ ዝኸፍል። እቶም ምሳና ተሰሪዖም ዝነበሩ ፈረንጂ ዝኸፍልዎ ገሪሙና ምስ ብዓልቲ-ቤተይ ተጠማመትና፣ ዓዲ ስደትና ኡጓንዳ ውዕለታ ብዙሕ እዩ።

ኣብቲ ጫካ፡ ማእከል ትምህርቲ እንስሳ ዘገዳም ኡጓንዳ ኣሎ፣ ኣብቲ ቀጽሪ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ኣብ ሓሓጹራቶም ይርኣዩ። እቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ፈለግ ቪክቶርያ ድማ ብጫፍ ደንደሱ በጨቕ-በጨቕ ክብል ምስ ዝተፈላለየ ድምጺ እንስሳታት ተወሃሂዱ ይስማዕ።

ኣብቲ መካነ-እንስሳታት፡ ካብ-ናብ ሓጹር ዝተፈላለዩ እንስሳታት እናተዓዘብና፡ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ናይታ ደሴት፡ ዝተኣከቡ ሰባት ንኣቓልቦና ሰሓቡዎ። ኣብ ማእከሎም፡ ሓወልቲ ናይ ሓደ ቺምፓንዚ ተተኺሉ ይርአ፣ ኣብ እግሩ ድማ “ዛካዮ፡ 1963 – 2018” ዝብል ጽሑፍ ይንበብ። ኣብ ጐድንና ንዝነበረት ሰበይቲ፡ ንምንታይ ከም ዝተኣከቡ ሓተትኩዋ።

“ሎሚ፡ መዓልቲ ዛካዮ እዩ። ውዕለቱ ንምዝካርን ብኡ ኣቢልና ድማ ንዕቃበ እንስሳታት ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ቃል ንኽንኣቱን ኢና ተኣኪብና ዘለና፡” ኢላ ሓንቲ ወረቐት ኣቐበለትኒ።

“ዛካዮ” ዝብል ቃል፡ ኣብ ኣርእስቲ ደርፊ ናይ ህቡብ ኡጓንዳዊ ደራፋይ ኪንግ ዛሃ ሰሚዐዮ ነበርኩ’ሞ፡ ብደረጃ ሃገር ዝጽንበል ዓቢዪ ሰብ ክኸውን ኣለዎ ኢለ ሓሰብኩ። ነቲ ወረቐት ከንብቦ ምስ ጀመርኩ ግን ካብ ግምተይ ዝርሓቐ ደኣ ጸንሐ፣ ዛካዮ ኣብ ትሕቲ መካን ካብ ዝርከቡ ቺምፓንዚታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ እቲ ዝሸምገለ ከም ዝነበረን ኣብቲ ብ1952 ዝተመስረተ መካነ-እንስሳታት ልዕሊ 40 ዓመታት ከም ዝተቐመጠን ኣንበብኩ።

ዛካዮ ወዲ ሓደ ዓመት እንከሎ፡ ኣብ ምዕራብ ኡጓንዳ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ስለ ዝነበረ፡ ብ10 ሰነ 1964 ብወለንተኛታት ስድራ ተወሲዱ ምስኦም ክሳዕ 1976 ተቐመጠ። ኣብቲ ዝነበረሉ ዓዲ፡ ሰባት ብዙሕ ሕማቕ ወልፍታት ኣላሚዶሞ ነበሩ፣ ክሳዕ ሽጋራ ብዝተፈላለየ ሓራካት የትክኽ ነበረ። ቍጡዕ እናዀነ ብምምጽኡ ከኣ እቶም ስድራ ኣብ 13 ዓመቱ ናብ ማእከል ትምህርቲ እንስሳ ዘገዳም ኡጓንዳ ኣረከቡዎ። ኣብቲ እቶም ቺምፓንዚታት ዝቕመጥሉ ቡዶንጎ ዝተሰምየ ጫካ ድማ ጠባዩ እናተመሓየሸ፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ቺምፓንዚታትን በጻሕቲ ሰባትን ፍቱውን ህቡብን ክኸውን በቕዐ።

ካብቲ ዝኣተወሉ ዓመት ኣትሒዙ ክሳዕ 2012 ድማ ኣርሓ ናይቲ ጭፍራ (Alpha male) ኰይኑ፡ ን36 ዓመታት መርሐ። ኣብ ጭፍራ ቺምፓንዚ ስልጣን ምሓዝ ብዙሕ ረቋሒታት ዝሓዘን ዝተራቐቐን ኰይኑ፡ ናይ ዕብለላ ዓቕምኻ፡ ማሕበራዊ ቦታኻ፡ ምስ ካልኦት ዘለካ ልፍንታዊ ዝምድና፡ ተመኵሮኻ ወዘተ ይውስኖ። ይዅን’ምበር፡ ሓይለ-ስልጣን ማእከል ናይ ኵሉ እዩ። ዛካዮ ነቲ ጭፍራ ኣብ ምምራሕ ፍሉይ ሜላ እዩ ተጠቒሙ፣ ንንኣሽቱ ብፍሉይ ብምክልኻልን ዝልዓሉ ግጭታት ብምትህድዳእን፡ እቲ መካን ሓያል ስድራቤታዊ ምትእስሳር ንኽእልዎ ብብቕዓት መርሐ።

ዛካዮ እናሸምገለ ምስ መጽአ፡ ዘይከምቲ ብብዝሒ ኣብ ጭፍራ ቺምፓንዚ ዝርአ ብዕልዋ ስልጣን ምምንዛዕን ምስኣንን፡ ብ2012 ብሰላማዊ መንገዲ ንማቱከ ስልጣን ኣረከቦ። ዛካዮ፡ ማቱከ እናመርሐ እንከሎ’ውን ክብሩ ዓቂቡ ክቕጽል ከአለ፤ ናይ ጕጅለታት ባእሲ ኣብ ዝለዓለሉ እዋናት፡ ኵሎም ነናብ ቦታኦም ክኣትዉ ብምእዛዝ ስርዓት ካብ ምትሓዝን ሰላም ካብ ምንጋስን ኣይበዀረን።

ዛካዮ፡ ስልጣንካ ብሰላማዊ መንገዲ ምስግጋር ኣብነት እኳ እንተዀነ፡ ኣልሙና ዝተባህለ ቺምፕ ንማቱከ ኣብ ዓመቱ ዕልዋ ገይሩሉ ክሳዕ ሕጂ ኣርሓ ናይቲ ጭፍራ ኰይኑ ይመርሕ ኣሎ።

በቲ ብዛዕባ ዛካዮ ዘንበብኩዎን ዝሰማዕኩዎን ተደነቕኩ። ንሓደ ሰብኣይ ቀሪበ፡ “ንዛካዮ መኣስ ትፈልጦ፧” ኢለ ሓተትኩዎ።

“ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት-50ታት ዘለና ብዙሕ ዝኽሪ ናይ ዛካዮ ኣሎና። ባናና፡ ፍሩታታት ንኽትህቦ ዝገብሮ ዝነበረ ምግምጣላት ፍሉይ እዩ። ደቀይ’ውን ኣርኪቦም ናቶም ዝኽሪ ኣሎዎም። ንኡ ክርኢ ዝመጽእ ዝነበረ በጻሒ ብዙሕ እዩ፣ ኣብዚ ሃገር ካብ ዘለዋ ብዙሓት ብልሽዋት ትካላት ንላዕሊ፡ ንሱ ዘበርከቶ ይበዝሕ፡” በለኒ።

ዛካዮ ክዓርፍ እንከሎ ክልተ ኣንስቲ ነይረንኦ – ኣሚናን ሩትን። ከም ደቁ ገይሩ ዘዕብዮም ክልተ ውሉዳት’ውን ነበሩዎ። ኣብቲ ዝተገብረሉ ክብ ዝበለ ናይ ፋንዋ ወግዒ፡ ደርፍታት ተደሪፉሉ፡ ግጥምታት ተገጢምሉ፡ ቃለ-ምስክርነት ተነጊሩሉን ሰፊሕ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሸፈነ ተዋሂቡዎን።

ኣብ 2018 ካብ ዝዓርፍ፡ ንዝኽሩ ዓመታዊ ዝእከቡ ሰባት ካብ ሃለዉ፡ ኣብ ሓባራዊ ዝኽሪ ናይቲ ሕብረተሰብ ዘሎዎ ቦታ ተረድኣኒ። ልዕሊ ኵሉ ግን፡ ፖለቲካ ናይታ ኣነ ተሰዲደ ዝወጻእኩላ ኤርትራን ብገለ ሸነኹ ናይታ ኣዕቝባትኒ ዘላ ኡጓንዳን ኣሰላሲለ፡ ኣብ ቺምፓንዚ ዛካዮ ዝሰማዕኩዎ ጭውነት ገረመኒ። ንኽስኣል ድማ ስድራይ ኣኪበ ኣብ ትሕቲ ብምስሉ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ቈምኩ።

ዳየሪ 2006፣ ቀጨውጨው

ኣብ ፊት ካቴድራለ ኣብ እትርከብ ካፈ ኮፍ ኢልና ነዕልል ነይርና። ጨሓሒመ፡ ወዘልዘል ኢለ ነይረ። ከምኡ ኢለ’ውን ኣለኹ።

“እቲ ግኒኻ ከይዱልካዶ፧” – ሓተተኒ ማይክ (ሚካብ)።

“ኣይከደለይን።”

“ኣጀልጦ ምሽ ኢለካ፧”

ስሒቐዮ። እባ ፍሽኽ ኢለዮ። ረሲዐዮ እየ’ምበር፡ ንሰሓቕ ዝኸውን ሓይሊስ እባ የብለይን።

“ብዙሕ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ፧” ኢሉኒ።

“ብዙሕ ኣይኰንኩን” በልኩዎ፣ ሓሲየ እየ። ብዘይቈጻጸሮ ሓሳብ ተሓሚሰ ኣለኹ። ውሽጠይ ገሊሀ ግን ንሓደ ሰብ’ኳ ኣየርኣኹን። ሓባእ ቍስሉ እየ። ቍስለይ ከርኢ ከም ዘለኒ ዘርኣየኒ የሎን። ዝመሃረኒ የሎን። ዘውጓዓኒ ስነ-ጽሑፍ የሎን። ቍስለይ ሓቢአ፡ ዋላ ሓደ ከም ዘይኰንኩ ክመስል’የ ተማሂረ፣ ክኢለዮ ከኣ።

“ዲፕረሽን ክኸውን ይኽእል’ዩ። you are an engineer, you re an artist. You have a good future. ኣብ መስትያት ቀሪብካ፡ ነቲ ኣብ መስትያት ዘሎ tell him who you are.“

“መስትያት ዘይብለይ!”

ስሒቑ። ፍሽኽ ኢለ። ምስለይ ዝርእየሉ፣ እንታይ መሲለ ከም ዘለኹ ዝርእየሉ መስትያት የብለይን። ምስሎም ዝርእይሉ መስትያት ዘሎዎም ክንደይ ይዀኑ፧ ክስእሎም ኣይከኣልኩን። ኣብ ዓድና እተሰርሐ መስትያት፡ እንተ ከፊእና ከፊእኩም ኣለኹም። እንተ ጸቢቕና እዚ’ዩ ግርማኹም ዝብለና የብልናን። ሓሳበይ ይቕጽል ነይረ።

“ሙዚቃ ትሰምዕዶ፧” ሓተተኒ።

“እወ።”

“ነዚ ናይ ሎሚ ደርፍታት ከይትሰምዖ። ዋላ ንሱ ይኸውን ዘሕምመካ ዘሎ። ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ገዛ ተወሊዑ ይጸንሓኒ። ጸኒሑ ቀጨውጨው ይብለኒ። ከም ስርዓት እርበሽ። እንታይ’የ ኰይነ እብል። ደሓር የስተውዕለሉ። ከይትሰምዖም! ካብ ፍቖዶ ጕሓፋት ኣራርዮም ዝሰርሑዎ ሙዚቃ የሕምመካ’ዩ። ዋላ ኣብ ባር ኣብ ዝዀነ ኣይኣቱን’የ። ክሰቲ እንተዀይነ ኣብ ባር ዲያና’የ ዝሰቲ። take care ok. ዋዛ ከይመስለካ፣ ንስኻኮ intellectual ኢኻ። ምሳኻ ዝኸይድ ሙዚቃ ክትሰምዕ ኣለካ። ናይ ሞዛርት ወይ ቢትሆቨን እሞ ስምዓዮ፡ እቲ ሙዚቃ ምስ ተረድኣካ ደረጃኻ ክትፈልጥ ኢኻ take care ok.“ – ርእሰይ ነቕነቕኩሉ። ንጽባሒቱ፡ ንኢሳይያስ ዓርከይ ኣዕሊለዮ። ስሒቑ፣ “ሓቁ እዩ” ኢሉኒ። ንምሸቱ ናብ ህድሞና ከይድና ብጭራ ዋጣ ሳዕሲዕና። ነቲ ተጻዒኑኒ ዘሎ ከህድመለይ ተተስፍየ። ሰለስተ ሰባት ብሓንሳብ ሓዲርና። ንንግሆኡ፡ ኢሳይያስ ነቲ መቐመጢ ካሴተይ ክገላብጦ እንከሎ ብድቍሰይ ኰይነ እሰምዖ ነይረ። ኣብርሃም’ውን ተበራቢሩ የዕልሎ ነይሩ። “እዚኦም እንድዮም ዝጻወቱሉ ዘለዉ፡” እናበለ፡ ነቲ ካሴታት ይፈልዮ ነይሩ።

“እእ…እም! ትርእዮ ኣለኻ፧” ኢሉዎ። ኣነ ኮቦርታ ተሸፊነ እየ ነይረ። ድቃስ ስለ ዘይጸገብኩ ከኣ ክትንስእ ኣይደለኹን።

“ሓቁ እንድዩ ደኣ ‘ዝወዲ!” በለ። እታ ካሴት ክትወድቕ እንከላ ከኣ ተሰምዐት። ነተን ‘ኣሕሚመንኦ’ ዝበለን ንበይነን ይፈልየን ነይሩ።

“ኦይ! እዚ ወዲ ደኣ ባርዕ እንድዩ ዘድልዮ ዘሎ። ትርእዮ ኣለኻ፧” በሎ። ኣብርሃም ከኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ “ጻዕዳ ዓይነይ ከይግምጠል ምስ ኵሉም ወለደይ፡ ኣዕሩኽተይ…” በለ። ናይ መን ካሴት ደኣ ኰይና ኢለ ኮቦርታ ጋሊሀ ጠመትኩዋ። ፍሽኽ ኢለ። ምስ ርኣየኒ፡ “ኣይሓቅኻ እንዲኻ ክትሓምም!!” በለኒ። ነቲ ጽሑፍ ዘሎዎ ብጽሑፉ፡ ነቲ ዘይብሉ ከኣ እናፈተነ ፈለዮ። ካብ ገዛ ወጺእና ናብ ከተማ ከድና።

ንምሸቱ፡ ኣራንሺ፡ ባሽኮቲ፡ ጸባ ሒዘ ንገዛ ኣተኹ። ነቲ ኣቝሑ ወጋጊነ፡ ነቲ ‘ዘሕመመካ’ ዝበሉዎ ካሴታት ንኽጕሕፎ ንበይኑ ኣቐሚጠ ገዛ ወልወልኩ። ዝነበረ ረሳሕ ካልሰይን ብታንተይን ከኣ ኣለኽኩዎ። ጸባን ባሽኮትን ድሕሪ ምብልዐይ፡ ሓጺበ ሰጣሕኩዎ። ነዚ ኵሉ ክገብር ከኣ ናይ ኦሬንታልስ (ናይ ቻይና…) ኢንስትሩመንታል እናሰማዕኩ’የ። እቲ ዝበሉዎ ዳርጋ ኣመንኩዎ። ክልተ ካሴታት ናይ ሞዛርትን ቢትሆቨንን ከምልአን ከኣ ቀረብኩወን። ዓራት ኣንጺፈዮ። ተጋዲመ ኣራንሺ በላዕኩ። ጥዑም ኣይነበረን። ትርኢቱ ግን ይበል እዩ። ጽቡቕ’ዩ ኢላ’ያ ሸይጣትለይ።

ብድሕሪኡ ቅዱስ መጽሓፍ ኣንቢበ ደቀስኩ።

ዳየሪየይ፣ ናይ ቅድሚ 15 ዓመታት

ገንዘብ ካብ ዘይሕዝ ክንደይ ኰይኑ፧! ብዙሕ መዓልታት። ወርሒዶ ይኸውን፧ ኣይኣክልን’ዩ። ግና ንኣይስ ነዊሑኒ። ኣብታ ገዛይ ዋላ ዝብላዕ መግቢ ኣይነበረን። ካበይ ደኣ’ሞ ይብላዕ ኣነ፧ ኣጋጣሚታት’ዮም ክምግቡኒ ቀንዮም፣ ኣብ ከብድኻ ዝኣትዉ ዘይጠቕሙ ቍሩጽራጽ ነገራት ጥራሕ። “ጸጊበ” ካብ ዘይብል ክንደይ መዓልታት ኰይኑ፧! ፈላጢየይ ብዙሕ’ዩ፣ ገንዘብ ስኢነ ዝጠሚ ዝመስሎም ግን ሒደት’ዮም።

ኣቤት’ባ ዘሎ ቍሪ! ነዚ ቍሪ ዝምክት ምቘት ካበይ ክረኽቦ እኽእል፧ ኣብዛ ጽብቕቲ፡ ኣብዛ ካብ ልበይ ዝፈትዋ ከተማ ብዝኸድኩዎ ሽታታት መግቢ ይጎንፉኒ’ዮም። ግና ንኣይ ኣይኰኑን። ብጥምየት ተሓስየ በቲ ጐደናታታ ክኸይድ እንከለኹ – ይገርመኒ። ኣብቲ ኣብያተ መግቢ ብዙሕ መግቢ ኣሎ። ኣብ ኣብያተ መግቢ ጸጊቦም ዝገደፉዎ ተረፍ ይጓሓፍ። ንኣይን ከማይ ዝኣመሰሉን ክንሓስብ ሓይሊ ምሃበና። ኣብቲ ድኳናት ዝተንጠልጠለ ባናና፡ ኣራንሺ ወዘተ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካብኡ ክትበልዕ ኣይትኽእልን። ንሱ ንዝጠመየ ኣይኰነን። ንሱ፡ ገንዘብ ንዘሎዎ’ዩ።

ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ክልተ ባኒ ብዘይጠቅም ጸብሒ’የ ዝበልዕ። ጥርሑ ክልተ ባኒ በሊዐ እውዕል ኣለኹ ምባሉ ይቐልል። ነብሰይ ከም ዝፈዀሰ ይስምዓኒ ኣሎ። ትማሊ ምስ ተመሳሕኩ ሕጂ ከኣ ቍርሲ ክረክብ ድየ ክስእን ኣይፈለጥኩን ኣለኹ። ንኽሓስብ’ውን ሓይሊ ስኢነ ኣለኹ። ኣብዚ ዓይነይ ገለ ነገር ሽፍን ኣቢሉኒ ኣሎ። ድምጸይ ደፊኡ ዘውጽኦም ሓይሊ ስኢኖም ተዀርምዮም ይጽበዩ ኣለዉ። ኮታ ኵሉ….

ርቕቕ ኢሉ ካብ ብርካ ቍሩብ ውርድ ዝበለ ጻዕዳ ስረ ገይራ፡ ኣብ ርእሳ ጻዕዳ ቆቢዕ ዝገበረት ቀያሕ ጓል ናባይ ትቐርብ ኣሎ – ሲልቫና። ብኸምኡ’የ ነዚ ሓሳብ ዝቖረጽኩዎ። ናባይ ድያ ትቐርብ ዘላ፧

“ርሳስ ኣለካ ድዩ፧”

ደልየላ – ረኺበላ’ውን። ኮሸምሸም ኣይበልኩላን። ሓይሊ የብለይን። እምበር፡ ክትመጽእ እንከላ፡ ‘ማራ ኬፍ ኣለካ’ ክሳብ እትብለኒ’የ ኣስሕቕ ዘብላ። ሓንቲ መዓልቲ’ውን ካልእ ይስዕብ ይኸውን። ሽዑ ክንደይ ክትስሕቕ’ያ። ከብደይ ናይ መግቢ ጻውዒት ይገብረለይ ኣሎ። ጻውዒት ህዝቦም ዘይሰምዑ መራሕቲ ሃገር ብዙሓት’ዮም። ኣነ ጻውዒት ከብደይ ዘይምስምዐይከ፧ ከምዚ ናተይዶ ይኸውን ጸገሞም፧ ክንደየናይ! ንኣይ ምርጫይ ኣይኰነን። ንኦም ግን ምርጫኦም’ዩ። ጻውዒት ህዝቦም ዘይሰምዑ እንተ ዀይኖም ነቲ እዝኒ ዘሎዎ ክሓድግሉ ይኽእሉ’ዮም። ኣነ ንመን ክሓድገሉ እኽእል፧ ካልእ’ኳ ከይከውንስ ጥሜት ክትሓድገሎም ከኣ ኬፍ ዘይብሉ።

+++

ትማሊ ካብ ስራሕ ምስ ተፈደስኩ፡ ሚእትን ገለን ዝዀና ናይ ኣበል ገንዘብ ክወስድ ምስ ክልተ መዋዕልተይ ናብቲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ናይ መዋዕሎና ኬድና። ቍጽሪ ታሴራና ኣመዝጊብና ናብ ካሼር ምስ ከድና፡ “ገንዘብ ደኣ ዘየሎ። ጽባሕ ክትመጽኡ ኢኹም፡” በለቶ።

“በጃኺ” ዝዓይነቱ ምስኪንኪን ኢሉላ።

“ሰዓት ኣርባዕተ እንዲኹም ትምለሱ…” ክትብሎ እንከላ፡ በየን ከም ዝወጽአ ዘይፈለጥኩዎ ድምጸይ፡ “ንዓናይ! ንዓናይ!” በለ። ገሪሙኒ። እዚ ከምዚ ምኣስ’ዩ ዝገድፈኒ። ሓድሓደ ግዜ ስምዒታተይ ባዕሉ ኣለኹ ይብል’ዩ። እንታይ ይበሃል’ዚ – ኣብ ገለ ከእትወኒ’ዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ፍሉጥ ነገር ምዝርራብ ክህሉ እንከሎ’ዩ ግንፍል ዝብለኒ። ንሳ ርዱእ ክትዛረብ፡ ንሱ ዘየድሊ ኣዒንቱ ኣመስክን ኣቢሉ ልምእምእ ክብለላ ምስ ርኣኹ’የ ‘መስለኒ ዘይተዋሕጠለይ።

“ከይደ’ለኹ፡” ኢለዮ ዕርብ።

ኣብ መንገዲ ናይ ኣብርሃም ብሽክለታ ርኣኹዋ። ንሳ ትሓይሽ። ዝሕብር እንዲና ስኢንና ዘለና፣ “ኣብርሃም ኣብዚ’ሎ፧” ኢላትኒ ማለት እኮ’ዩ – ኣትየ ናብ ሆቴል ሳንሻይን። ነቶም ብየማነ ጸጋም ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሎም ኣበይ ከም ዘለዉ ዝረስዑ ኣፍ ንኣፍ ተወሃሂቦም ጕጅም ዝብሉ ዝነበሩ ፍቑራት ሓሊፈ፡ ንውሽጢ ናብቲ ፒያኖ ባር ኣተኹ። ጥር ዝብል ሰብ ኣይነበረን። ተመሊሰ ንላዕሊ ክድይብ እናበልኩ፡ ናብቲ ኣትክልቲ ዘሎዎ ቦታ ዘውርድ ኣስካላ ዝርከብ ሸሞንተ ሰባት ኮፍ ዘብል ሳሎን ንበይኑ ኮፍ ኢሉ መጽሓፍ ከንብብ ርኣኹዎ። ቀሪበዮ፣ ካብታ መጽሓፍ ኣይወጽአን። ፍሽኽ ኢሉ፡ ንብርቱዕ ሰሓቕ ዝዳሎ ዘሎ ክመስል። ዝርኣየኒ መሲሉኒ ነይሩ። ለካ ኣይርኣየንን። እታ መጽሓፍ’ያ ሕንቲኽቲኽ ተብሎ ነይራ – መግዛእቲ ስኞራ። ኬፍ ዘሎዋ መጽሓፍ’ያ። ገብርኤለ ንፉዕ ኣስሓቓይ’ዩ። በቲ ከቢድ ናብራኡ ገይሩ ዘስሕቕ ጸሓፊ። ነቲ ኤርትራውያን ኣብ እንዳ ስኞራታት ዓዲ ጣልያን ዘሕለፉዎ መከራ፡ መስሓቕ ብዝዀነ መገዲ ገይሩ’ዩ ኣቕሪቡዎ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ክብደት እቲ ናብራ ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ የርኢ’ዩ። ብኸዩ፡ ኣስተማስሉ፡ ዓቕልኹም ኣጽብቡ ወዘተ ግና ኣይበለናን። ኣብ ክንድኡስ እናሰሓቕኩም ምረት ናብራና ርኣይዎ’ዩ ኢሉና። ኣብ ዝሃለኻ ሃሉ ገብረእግዚኣብሄር ገብረመስቀል ምስጋና ይብጻሕካ። ኣብ ሽወደን ታክሲስታ ኴንካ ትሰርሕ ከም ዘለኻ’ኳ ሰሚዐ ነይረ። ድሕሪ’ታ ናብ ካልእ ስደተይ ኣምራሕኩ ኢልካ ዝዓጸኻያ መጽሓፍካ ደሃይ ኣጥፊእካ። ናብ ዓድኻ መጺእካ ተዛረብ። ዘጽቅጥ እንድዩ በዚሑና። እንታይ ኴንኩም ኢኹም ሰላሕ ኢልኩም ኣቲኹም ሰላሕ ኢልኩም ትወጽኡ ዘለኹም፧ ፈሪሕኩም ዲኹም፧ ኣብቲ ደገ ኴንኩም ብወንጭፍ ኣእማን ትድርብዩልና’ውን ኣይወሓድኩምን። ዝገርም እኳ’ዩ። ንኽንደይኩም ኢና ክንከላኸል፧ ኪዱ ባዕልኹም ትፈልጡ። ሰብ ኣብ ገግዜኡ’ዩ ዝነብር። እዚ ናትና ግዜ’ዩ። እዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ ከኣ ናትና እያ። ናትኩም ኣይኰነትን። ግዜኹም ሓሊፉ’ዩ። ምዃንካ ሜትኩም ኢኹም እምበር፡ ክትሞቱ ኢና ንጽበየኩም ዘለና። ኵሉ ሽግራትና ተጻዊርና ክትመቱልና ንጽበየኩም ኣለና – ቈልዑ ስሳታት። ዘይነኽብረኩም ግን ከይመስለኩም። ኣይንጸልኣኩምን’ውን። ጀጋኑ ኢኹም – ኣብ ግዜኹም። ሕጂ ግን ናትና ግዜ’ዩ። ኵሉ እኳ ኢኹም ኣሕዲግኩሙና። ዋላ እተን መንእሰያት ኣዋልድና ንስኹም ትወስዱወን ኣለኹም። በተን ኣብ ሕቝፍአን ሸጕጠን ካብ ጽዕነት ሓሳባት ከናግፋና ዝኽእላ ኣዋልድና ከኣ ትዘናግዑ ኣለኹም። ንሰን ግን ይነብዓ ኣለዋ። ንስኹም ዘይትርእዩዎ ንብዓት። ንሕና፡ ብዘይብአአን እንታይ ህይወትዶ ኣለና እዩ። ጭቃ ኢና’ኮ፣ ልኡም እስትንፋሰን ኡፍ ምስ በላልና ኢና ህይወት እንረክብ። አረ ባዕልኹም ትፈልጡ መዛርብተይ ኣይኰንኩምን። ብዛዕባ እንታይ ደኣ’የ ክዛረብ፧ ኣብ ኵሉ ከኣ እናጸናሕኩም – ዋእ!!!።

ድሕሪ ሰላምታ፡ ኣብቲ ሳሎን ኮፍ ኢልና መመጽሓፍና ኣብ ምንባብ ኣተና – ምስ ኣብርሃም። ዕላል ኣይነበረናን። መግዛእቲ ስኞራ እና’ንበበ፡ ዘዘስሓቖ ኣብ ሞንጎ የንብበለይ ነይሩ። ኣነ ከኣ “አ ዎክ ቱ ረመምበር” አንብብ ነይረ። ንኣብርሃም ሞባይሉ ድምጺ ገይራ፤ “ጎሚዳ ሓደ! ኣበይ ኣለኻ ዲኻ ክትብል፧” ኢሉ ተዛረቦ። ኣበይ ከም ዘለና ከኣ ነገሮ። “ምስ መን ኣለኻ፧” እዩ ኢሉዎ መስለኒ። “እንቋቝሖ ሰገን ምሳይ ኣሎ” ኢሉዎ። እንቋቚሖ ሰገን ኣነ’የ። ኣብ ኵባንያ ህንጻ ሰገን ዝበሃል ስለ ዝሰርሕ’ዮም ከምኡ ኢሎም ዘላግጹለይ። እንቋቝሖ እኳ እንቋቝሖ’የ፣ ግና ናይ ሰገን ኣይኰንኩን። ሓቝፉ ዘጫጫሕ ዝሰኣንኩ እንቋቝሖ’የ። ነቲ ሸል ሰይረ ናብቲ ዝብህጎ ዓለም ቅልቅል ክብል ሓይሊ ዝሰኣንኩ እንቋቝሖ። ኣብታ ጸባብ ክፍሊ እንቋቝሖ ዓቕለይ ጸቢቡኒ ዝገብሮ፡ ዝዀኖ ዝጠፍኣኒ ፍጥረት። ኣሰሓሕቓ፡ ኣበኻኽያ ዝጠፍኦ እንድየ! ስምዒተይ ዝስከመለይ ቋንቋ፡ ስነጽሑፍ፡ ቅብኣ፡ ደርፊ፡ ሙዚቃ… የብለይን። ንንእስነተይ ዝኸውን ድጕዓ፡ ማሰ፡ ዕልልታ፡ መልቀስ ገና ኣይሰማዕኩን። ኮፍ ኢለ’የ ንእስነተይ – እቲ ሓይለይ – ዘሕልፎ ዘለኹ። ንእስነት ዕዳ! ማራ ኬፍ ኣሎዎ። ልቢ ጐበዝ ኣብ ደረቱ! ማራ ኬፍ ኣለዎ። ኣነ ግን ንንእስነተይ ዕዳ ኣይከፈልኩሉን። ልበይ ኣብ ደረተይ የላን። ኣብ ዝባነይ ተሰቒላ፣ ኢደይ ሓጺሩኒ ሃሰስ ኢለ ኣየርክባን። ኢሳይያስ መጺኡ። ኢሳያስ ዓርክና’ዩ፣ ካልእ ኣይኰነን።

“ሓጺን ሓዝ! ሓዝ!” ኢልና ኣብ ጥቓና ክንረኽቦ እንኽእል ሓጺን ሓዝና። ንኢሳይያስ ኢና ሓጺን ሒዝናሉ። ፈውሲ ሓሳድ ኢና ሓጺን ንሕዝ። ሕማቕ መንፈስ ናይ ሓደ ሰብ፡ ወይ ሓሳብ ኣብ ልዕሌና ከይሓድር እንተ ሰጊእና ኢና ሓጺን ንሕዝ። ንኣብነት ኣብ መገዲ፡ ሓደ ዝሞተ ሰብ መኪና ገይሩ እንተ ሓሊፉና ሓጺን ንሕዘሉ። ምኽንያቱ፡ ውኻርያ እንተ ሓሊፋትካ ሕማቕ ፋል’ዩ። ወይ ክትምለስ ኣለካ ወይ ሓጺን ሒዝካ ክትሳገር ኣለካ። ንኢሳይያስ ከኣ መን ከም ዝሰገሮ ኣይንፈልጥን ኢና። እንታይ ኣንቢቡ ከም ዝመጽአ ኣይንፈልጥን ኢና። እንታይ ዕላል ሰሚዑ ከም ዝመጽአ ኣይንፈልጥን ኢና። ብዙሕ እዋን ከይተፈለጠና ሕማቕ መናፍስቲ ንስከም ኢና። ቀጨውጨው ይብለና፣ “እንታይ ኰይነ’የ ሎሚ መዓልቲ፧” ንብል። ስለዚ፡ ሓደ ንሕማቓትን ርዅሳትን መናፍስቲ ዘባህርር ሓሳባት’ዩ ዘድልየና ዘሎ። ሓጺን ሓዝ ነዊሕ እዋን ቀሊድናላ ኢና፣ ነዊሕ እዋን ስሒቕናላ ኢና፣ ግናኸ ገና ኣይመነናያን።

መመጽሓፍና ሒዝና ምንባብ ቀጸልና። ብዘይዘረባ ነዊሕ ገበርና። ኣብቲ መንእሰያት ጽምዋኦም ከርሕቑ ዝራኸብሉ ግሩም ሆቴል፡ ድምጺ ገዲፍና ብህድኣት ምስ መጻሕፍትና ስለ ዘዕለልና ባህ ኣይበሎምን ‘መስለኒ፡ ናይ ሕሳብ ቢል ኣምጽኡልና። “ይኣኽለኩም” ማለት ስለ ዝዀነ ተንሲእና ወጻእና። ተፈላለና። ኣነ ናብ ገዛ ብርሃኑ ነቐልኩ – ናብ ናስር።

በተን ኣወዳት ዝጽበያ መንእሰያት ዘሎዋኦ ቦታ ገይረ ሓለፍኩ። ገለ መንእሰያት ነው ነጀው ይብሉ ነበሩ። ኣነ ድማ መጽሓፈይ ብድሕረይ ቀርቂረ፡ ክልተ ኢደይ ኣብ ጁባይ ኣእትየ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልኩ በቲ ጸቢብ መገዲ ይሓልፍ። እናሸበብኩ እንከለኹ ኣብ ፊተይ ኣብ ዝነበረት ጸባብ ገዛ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢላ ሓንቲ ጐርዞ ዓይና ከፊታ ትጽበ ነበረት። ብማዕዶ ጽብቕቲ ትመስል። ጸጕራ ኣፍሮ ዝመስል ኰይኑ ዕዅልል ዝበለ’ዩ። ኣብቲ ሃሳስ ብርሃን ውልዕ ኢላ ከኣ ትርኣይ ነበረት። ሽዑ’ዩ ከኣ ሓደ ሓሳብ ዝመጽኣኒ። “ትጽቢት” ዝብል ቃል ጽቡቕ ገይረ ኣስተማቐርኩዎ። እንታይ ኢና ንጽበ፧ ንኣብነት ኣነ፡ ሕጂ 28 ዓመት ገይረ ኣለኹ። ኣብዚ ዕስራን ሸሞንተን ዓመታት ዝኣከብኩዎ ብዙሕ ነገራት ተጻዒነ ይቕጽል ኣለኹ። ነዚ ጽዕነት’ዚ ከውርዶ እጽበ ኣለኹ። እታ መዓልቲ ክትመጽኣለይ ሃረር እብል ኣለኹ። ነዚ ምሳይ ዘሎ ነገራት ኣውርድ ኣቢለ፡ ሓድሽ ክሓስብ፡ ሓድሽ ክኸውን ሃረር ይብል ኣለኹ። ከመይ ገይረ ኣብ ሰረገላ ቃላት ጽዒነ ኣብ ወረቐት የራግፎም’የ ዝሓስብ። እቲ ዝጽበዮ እዚ’ዩ። ካልእ’ውን፡ ነናቱ ዝጽበዮ ኣለዎ። እዘን ጽቡቓት ኣዋልድ ከኣ ኣብታ ጸባብ ገዛ ኮፍ ኢለን ክመጽአን ዝጽበያኦ እንታይ’ዩ፧ – ኣተሓሳሲቡኒ። ቅረበን፡ ፍለጠን መጺኡኒ። መገዲ ግን ኣይረኸብኩን። ዝኽእሎ’ውን ኣይመስለንን።

ሃንደበት ግን ከዕልለን ዝብል ሓሳብ መጻኒ’ሞ፡ ማዕጾ ገዛኣ ሃህ ኢሉ፡ “እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ዝብል ዘሎ ዝመስል፡ ንሳ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኮበርታ ኣትያ ርእሳ ጥራሕ ኣቐልቂላ ናብ ዝነበረት ጐርዞ ኣላገስኩ። እትው ክብል፡ “ኣይሰርሕን’የ” በለትኒ።

“ደሓን” በልኩዋ፣ “ንስኺ ጸምዩኪ ኣሎ፡ ኣነ’ውን ጸሚዩኒ ኣሎ። ስለዚ፡ ብሓንሳብ ኴይና እናዕለልና ጽምዋና ነርሕቕ፡” በልኩዋ።

“ኪደለይ ሰብኣየይ ከይመጽእ ሽግር ከይተምጽኣለይ፡” ምስ በለትኒ ወጻእኩላ። ምስ ጥዑይን ሕሙምን ደቂሰን ዘምጽኣኦ ገንዘብ ዝበልዑዎ ‘ሰብኣየይ’ ዝብልኦ ወዲ ኣሎወን። ብገንዘበን ይሰትዩ፡ ብገንዘበን ይኽደኑ። ጥራሕ ገለ ከየጋጥመን ጽላል ይዀኑወን። ፍቕሪ ደልየን’የን ዝቐርባኦም። ደስ ክብሎም እንከሎ ይሃርምወን፡ ደስ ክብሎም እንከሎ የሐንቅቕወን። ዕጨዐን ገይረን ግዲ ዝወስድኦ ኰይነን ግን ይቕበልኦ። ኣብዚ ህይወት’ዚ ከኣ ነው ነጀው ይብላ።

ካብታ ገዛ ምስ ወጻኹ፡ ኣብ ሓንቲ ንትኽ ሓንቲ ዓራት ዘውደቐት ገዛ ሓዊ እናሰሓነት ሓንቲ ጐርዞ ርኣኹ’ሞ፡ ኣትየ ኮፍ በልኩ። “ሰላማት” በልኩዋ። ንኻብ ትጽቢታ ወጻኢ ዝዀኑ ነገራት ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ትኹን ግዜ ዝነበራ ኣይትመስልን።

“ሾርት ዲኻ ክትሓድር ኢኻ፡” በለትኒ። ከዕልላ’ሞ፡ ገለ ገንዘብ ገዲፈላ ክኸይድ’የ ሓሲበ ነይረ።

“ከዕልል እየ ደልየ – ካልእ ኣይደለኹን፡” እሩም ክመስል ፈተንኩ። ንኣ ኣሪመ ምዝራበይ ፍጹም ትርጕም ኣይነበሮን።

“ውጽአለይ ጥራሕ ኣስራሓኒ፡” ንምዝራብ ዝኸውን ተረፍ ዓቕሊ ኣይነበራን።

ነቲ ገዛ ንሓንሳብ ኰሊለ ጠመትኩዋ። ንበይና እያ ኣብታ ዓራት ዝነበረት . . . እባ ንበይና ኣይነበረትን፤ ሓንቲ ፊስቶ፡ ኮፍ ኢላ እትጽበየላ ኮፍ መበሊ፡ እትስሕነላ ፋርኔሎ ኣብ መሬት ምሳይ ነበሩ። ኣብ መንደቕ ከኣ እየሱስ ክሩስቶስ ምስ ደቂ መዛሙርቱ እታ ናይ መጨረሽታ ድራር ዝበልዓላ ስእሊ ናይ ሌናርዶ ዳቪንቺ፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ስእሊ ናይ መድሃኔኣለም ይርእዩኒ ነበሩ። ግምጥል ኢለ ወጺአ በቲ ሸጓሹግ ናብ ናስር ኣምራሕኩ።

ኣብታ ዝበረኸት መስጊድ ናይ ገዛ ብርሃኑ እንተ በጺሕካ፡ ልግባ እንዳ ናስር’ያ። ካንሸሎ ኣትየ፡ ኣብ ሞንጎ’ቲ እተለጋገበ ንኣሽቱ ገዛውቲ እንዳ ናስር ነበረት። ናስር መጺኡኒ ናብ ውሽጢ ቤት ኣተኹ። ኣብ መሬት ኣንጺፉ ዝደቀሰ ሰብ ነበረ፣ ኣብ ዓራት ሓብቱን ህጻን ጓላን። ናስር ኣብ ሳሎን ነይሩ – ምስ መጽሓፉ። ኣብታ ጸባብ ገዛ ክንደይ ሰባት ይነብሩ ዘገድሶ የሎን። ናብራ ንምሕዋይ ሓካይም የሎውን ‘መስለኒ። ብዝዀነ ወጺእና ኣብ ጨርሒ ኮፍ ኢልና ኣዕለልና። ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት። ሕጂ ክጽሕፍ ሰልኪዩኒ ኣሎ’ምበር፡ ብዛዕባ ዘይኣድላይነት ምስጢር፣ ብዛዕባ ንእስነትና ዝሓልፎ ዘሎ፣ ብዛዕባ ክንጽሕፎ ዝግብኣና… ኣዕለልና። ክብርሃኒ እንከሎ’የ ዝጽሕፍ። ስምዒተይ ገንፊሉ ክፈስስ ሓፍ… ሓፍ ክብል እንከሎ ማይ ገይርካ ምድባስ ኣይፈቱን። እንታይ ደኣ ኣብ ኮምፒዩተረይ ኮፍ ኢለ እጽሕፍ። ሓደ ነገር ቅርጹ ምርዳእ ክኣብየኒ እንከሎ፡ ንኽሕዞ ኢለ ቢሮይ ኣልዒለ እጽሕፍ። ኬፍ ዘሎዎ ግዜ አሕልፍ እንተ ኣልየ፡ ሰላም፡ ሓጐስ ክስምዓኒ እንከሎ ኣይዝክሮን እኳ! ጽሑፈይ ጕሓፈይ’ዩ። ነብሰይ ዘንጽሃሉ ኣገባብ’ዩ።

+++

ሓደ ፍሉይ ስምዒት ካብ ዝስምዓኒ ሰሙነይ ሓሊፉ፤ ሓይለይ እደኽመኒ፣ ደቂሰ ኣይጸግብ፣ ኮፍ ኢለ ኣየዕርፍ። ነብሰይ እናበዅቦኸ ዑና ዝዀነሉ ግዜ ሓጺር ተሪፉዎ ዘሎ እመስለኒ ኣሎ። ከይመውት እፈርሕ ድየ፧ መንከ ኣለኻ ኢሉኒ፧ ብዙሕ እዋን ህይወት ይረኣየኒ’ዩ። ገለ ግዜ ከኣ እመውት እየ። ኣብ ሞትን ህይወትን ከም ፔንዱለም’የ ዝመላለስ። ኣብ ምውታት ዝበዝሑዎ እነብር ምህላወይ ከኣ ከቢድ ጽምዋ እስመዓኒ። ኣስመራ፡ እዛ ሽኮር ከተማና፡ መቓብር’ያ። መቓብር፡ ናይ’ተን ዝመስረታኣ ኣደታት፣ መቓብር ናይ ኣርት ዴኮ፣ መቓብር ጥንታዊ ሙዚቃና፣ መቓብር ልቦና ጥንታውያን ኣቦታትና፣ መቓብር ሕጊ እንዳባና። ሬሳታት ክንስና ኣብ ልዕሊ ሬሳ ከኣ ንንቀሳቐስ። ስምዒት ሞት ስምዒት ተስፋ ምቝራጽ ኣይኰነን። ሞት መስርሕ ህይወት’ዩ። መቐጸልታ ዝበልጸገ ህይወት እንተዀነ’ውን መን ይፈልጥ፧!

ኣብ ምናት ጸጋማይ ኢደይ ገለ ቃንዛ ይስምዓኒ’ሎ። ብርከይ ወለል እብለኒ። ታተ ዘይጸገበ ቈልዓ ኰይነስ፡ ንእሽቶ ኣስካላ ተድክመኒ። ማሕጎማ ድየ ደልየ፡ ወይስ ማሕጐማ በዚሑኒ – እንድዒ። በቲ ሓደ ወገን ዝመውት ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ተሃዋኽ የብለይን። ኣብ ጥቓ ሞት ዘሎ ሸበድበድ፡ ጕያ እኮ እዩ። ዘይትኽእሎ ዝነበርካ ኢኻ እትኽእል። ሰባትን ዓወታትን ይኸቡኻ እዮም። ኣብ ጥቓ ሞት፡ ታህዋኽን ጕያን’ዩ። ኣነ ደኣ ወሪዱኒ ለመም ዝብል ዘለኹ – ሓሰኻ። ኣንቲ ሓሰኻ ነብሰይ ትሰምዒዶ ኣለኺ። ሓሰኻ ደምበ ከኣ ኢኺ – ካብቲ ዘፍርሓኪ ሃዲምኪ ናብ ዝለምለመልኪ ትጐዪ። እዋይ እንቋዕ ናይ ምሉእ ህይወተይ ጸብጻብ ኣየካይድ። ንዅሎም ስምዒታተይ ኣኪበ፡ ኣበል ዘይብሉ ዓውደ መጽናዕቲ እንቋዕ ኣየካይድ፣ ጥርሐይ ምወጻእኩ። ምተኸሻሕኩ። ሓንቲ መዓልቲ ደፋር ኰይነ ኣይፈልጥን። ከቢድ ፍርሒ ስለ ዝነበረኒ፡ ፍርሐይ ንምኽዋል ትምህርቲ ክነፍዕ ነይሩኒ። ኵሉ ሳዕ ኣብቲ ጫውጭውታ ኣስቂጠ ኣለኹ። ኣብቲ ገፊሕ ጐደና ኣብ ኵርናዕ ኣለኹ። ኣብቲ ደፊርካ ብምሉእ ዓይንኻ ዝጥመት ብጐቦ ዓይነይ እርኢ ኣለኹ። ታባ ድፍረተይ ሓዅረዮ ኣይፈልጥን። ደፊረ’ኳ ኣንቃዕሪረ ኣይጥምቶን። መን ከም ዝመሃረኒ ኣይፈልጥን ፍርሐይ ከዊለ ግን ጽቡቕ ገይረ’የ ዝኽእሎ። ኣብቲ ቈልዑ ኰይና ኣድቬንቼር እንደልየሉ እዋን ኣረጊት ነበርኩ። ነቶም ደቂ ገዛውትና ብኾፈይ የፋኑዎም። ኣብቲ ዕንደራ ቈልዑ ኣነ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ንተኽሊ ልደት ዝኸውን ዝወፍሩዎ ዝነበሩ ስርሒት ጽሕዲ ኣነ ኣይነበርኩን። ነቶም ሓለውቲ ሓሊፍካ መሬት ኣጸልሚትካ’ዩ ዝካየድ ዝነበረ። ነቲ ነዊሕ ገረብ ምሕኳር ኣሎ። ካብኡ ምውዳቕ ኣሎ። ብፍሩስታለ ተታሒዝካ ምቕጥቃጥ ኣሎ። ኣነ ኣብኡ ኣይነበርኩን። ፍርሐይ ቀጠው ኣቢሉ ይሕዘኒ። ኣብቲ ተኣኪብካ ንምሕንባስ እትገብሮ ወፍሪ ኣነ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ገዛውቲ ምስ ገዛውቲ ዝግበር ኣዅድር፡ እምኒ ሁር ምባል፡ ኣብቲ ወዲን ጓልን ብጸልማት ክሓልፉ እንከለዉ ደድሕሬኦም እናኸድካ ምጽንታው ኣነ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ኣፍራሒ መቓብር ከይድካ ማንቲለ ምጕያይ፡ ኣብኡ ተሓቢእካ ጸኒሕካ ሰብ ምስንባድ ኣነ ኣይነበርኩን። ሽዑ ምስ ፍርሒ ሞት ኣይተጋጠምኩን። ኣይሰዓርኩዎን። ተረፍ ዛንታኦም’ዩ ቀለበይ። ሕጂ ንሶም ረሲዖሞ ኣነ ግዳ እዝክሮ ኣለኹ።

ኣብቲ ቍልዕነተይ ኣረጊት ነይረ። ኣብቲ ኵትትነተይ ዘረባ ዘየጽረየ ፈራሕ ቈልዓ ነይረ። ኣብ ዕድመይ ነቢረ ኣይፈልጥን። ኣፍቂረ “ኣይ ላቭ ዩ” ምባል ኣይተብዕን። ነቲ “ኣይፋል! ኣየፍቅረካን’የ” ዝብል መልሲ እምብዛ እፈርሖ። እቲ “ኣገዳሲ ኣይኰንካን” ዝብል ድምጺ ውሽጠይ ከየበራብሮ እሰግእ። ፍርሐይ’ዩ ዑቕባይ። አረ ከመይ’ዩ፧ ፍርሐይ ከኣ’ምበር ይምጐሰለይ። እቶም ካልኦት ከምኡ ዘይትዀኑ ተባሂሎም ይመዓዱ ነበሩ። ፍርሕኻ ዝምጕሰልካ ሕብረተሰብ። በቲ ንሶም ዝኸዱዎ መገዲ ክትከይድ ጥራሕ ዝደልዩኻ ሕብረተሰብ። በሉ ደስ ይበልኩም! ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ከምኣ ኢለ እነሀለኹልኩም፣ ከምታ ዝነበርኩማ። እቲ ካብ ቍልዕነተይ ዝርእዮ ዝነበርኩ ከምኡ ኢሉ ኣሎ። ናብ ቤት ትምህርቲ ተመላሊሰ፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ተመላሊሰ፡ ናብ ስነ-ኪነት ተመላሊሰ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ተመላሊሰ። ናብ ስራሕ ተመላሊሰ። መንደፈራ – ዓዲ-ኳላ፤ ዓዲ-ኳላ መንደፈራ፤ መንደፈራ – ኣስመራ፤ ኣስመራ – መንደፈራ፤ ኣስመራ – ድባሩዋ፤ ድባሩዋ – ኣስመራ ተመላሊሰ። ኣስመራ – ናቕፋ፤ ናቕፋ ኣስመራ፤ ኣስመራ – ዓዲ-ቐይሕ፤ ዓዲ-ቐይሕ – ሰንዓፈ፤ ኣስመራ – ጋሕቴላይ፤ ኣስመራ – ባጽዕ፤ ኣስመራ – ማይ ምነ፤ ኣስመራ – ሳዋ፤ ሳዋ – ተሰነይ፤ ኣስመራ…. ተጓዒዘ። ግና ኣነኹ ከምኣ ኢለ። ደስዶ ኢልኩም፡ ከምታ ዝደለኹማ ኰይነልኩም። ኣየስጋእክኹም፡ ኣይተመራመርኩ፡ ኣይፈተሽኩ፡ እቲ እትፈርሑዎ ሓድሽ ትውልዲ ከም ዝመጽአ ከየርኣኽኹም ከምኣ ኢለ ምህላወይ ተፈስሁ። ከማኹም ብምማተይ ጸንብሉዎ። ብዙሕ እዋን እመውት’የ። ካልእ ሞት’ውን እናቐረበ ይመጻኒ/ና ኣሎ። ኣይሃደምኩን ከም’ቶም ዝሃደሙ፣ ኣለኹ ከምኣ ኢለ። ብምሉእ ዓይነይ ክሳብ ዝጥምት፡ ኣብቲ ጫውጫውታ ኣውያተይ ኰነ ሰሓቐይ ክሳዕ ዘስምዕ ክህሉ’የ። ካልእ ህድማ ዘይኣኽለኒ። ኣይሃድምን’የ። ሞተይ ኣብ ኣስመራ’ዩ። እታ ናይ መጨረሽታ ስንብታይ ኣስመራይ እናረኣኹ’ዩ። ሸሞንተ ኖታ ሙዚቃ ካቴድራለይ እናሰማዕኩ’ዩ። ኣዛን መስጊደይ እናሰማዕኩ’ዩ፣ ቅዳሴ ቤተ ክርስትያነይ እናሰማዕኩ’ዩ።

መውረርያ ሓራምዝ

ሓንቲ ስድራ ደቃ ሒዛ ካብ ከተማ ውጽእ ናብ ዝበለ መካነ-እንስሳታት በጽሐት። እቶም ቈልዑ ነዊሕ ዝተጸበዩዋ ዕለት ስለ ዝኣኸለት ኣዝዮም ተሓጒሶም ነበሩ። ነቶም ኣብ ነናቶም መዳጐኒታት ኣትዮም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ድማ እናዘሩ ተዓዘቡዎም። ኣብ ሞንጎ፡ ነቶም ቈልዑ ብዝያዳ ኣቓልቦኦም ዝስሕብ ትርኢት ኣጓነፎም። እቶም ሓራምዝ ኣብ ሓጹር ተዳጒኖም ወይ ብሰንሰለት ተኣሲሮም ብዘይምንባሮም ኣዝዩ ኣርመሞም፣ ቅጥን ብዝበለ ገመድ ሓደ እግሮም ጥራሕ ተኣሲሮም ነበሩ።

ሓደ ካብ’ቶም ቈልዑ፡ “ንምንታይ ደኣ እዞም ሓራምዝ ኣብ መዳጐኒ ዘይኣተዉ፧ ካብዚ ወጺኦም ክጠፍኡ ኣይክእሉን ድዮም፧” እናበለ ንወለዱ ሓተተ።

ነቶም ሓራምዝ ካብቲ መኻን ከየምልጡ ሒዛቶም ዝነበረት ቀጣን ገመድ ብምንባራ፡ ነቶም ከየስተውዓልሉ ዝጸንሑ ወለዲ’ውን ሕቶ ኰኖም። ሓንሳብ እኳ ንምብታኹ ክፍትኑ ብዘይ ምርኣዮም ድማ ተገረሙ። እንተ ዝፍትኑ በናቚሮሞ ክኸዱ ከም ዝኽእሉ ርዱእ’ዩ ዝነበረ።

እቶም ቈልዑ፡ ቍንቍኛኡ ክፈልጡ ናብ ሓለዋ ናይቶም እንስሳታት ቀሪቦም ክሓቱዎም ንወለዶም ወትወቱዎም። ነቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ ኣባል ሓለዋ እንስሳታት ድማ ሓተቱዎ።

ክምልሰሎም ድማ ጀመረ፤

ንኣሽቱ እንከለዉ ብተመሳሳሊ ገመድ ኢና ንኣስሮም ዝነበርና። ሽዑ ክብንጥሱዎ ብዙሕ ፈቲኖም ኣይከኣሉን። እናዓበዩ ብዝኸዱ በናቚሮሞ ክኸዱ ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንኣሽቱ እንከለዉ ደጋጊሞም ፈቲኖም ስለ ኣበዮም፡ “ክንበትኮ ኣይንኽእልን ኢና፡” ኢሎም ስለ ዝኣምኑ፡ ብድሕሪኡ ፈቲኖሞ ስለ ዘይፈልጡ እዮም ከምዚኣ ኢሎም ዘለዉ።

እቶም ወለዲ ኣብ ሓሳብ ጠሓሉ፣ ንድሕሪት ተመሊሶም ኣብ ምፍታሽ ኣተዉ።

እቲ ፈላስን እታ ድሙን

ሓደ ቡድሃዊ ፈላሲ ምስ ደቀመዛምርቱ ኣብ ሓደ ገዳም ይነብር ነበረ። ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ዝጠፍአት ዕዋል ናብቲ ገዳም መጽአት’ሞ፡ ኵላቶም ክሕብሕቡዋ ጀመሩ። ንሳ ዀነ ንሳቶም ተላሚዶም ድማ ኣካል ናይቲ መካን ኰነት።

እቲ ፈላሲ ኣስተንትኖ ኣብ ዝፍልመሉ ሕስይስይ እናበለት ኣብ ሕቝፉ፡ መንኵቡ ወይ ርእሱ ብምድያብ ኣድህቦ ከሊኣ ክትርብሾ ስለ ዝጀመረት፡ ነቶም ደቀመዛምርቱ ጸዊዑ፡ “ድሕሪ ሕጂ ኣስተንትኖ ቅድሚ ምጅማረይ ነዛ ዕዋል ኣብዛ ገረብ እሰሩዋ፡” በሎም። እዚ ተግባር’ዚ ቀጺሉ ድማ ልምዲ ናይቲ ገዳም ኰነ፣ ኣስተንትኖ ኣብ ዝተጀመረሉ እታ ድሙ ተኣሲራ ትርአ ነበረት።

ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ወዮ ፈላሲ ዓረፈ። ሓደ ፍቱው ወደመዛምርቱ ድማ ንዕማሙ ተክኦ። ንሱ’ውን ቅድሚ ኣስተንትኖ ድሙ ክትእሰር ዝነበረ ልምዲ ቀጸሎ።

ድሕሪ ግዜ፡ እታ ብዅላቶም ዝተፈትወት ድሙ ድንገት ሞተት። እቶም ፈለስቲ ብምማታ ሓዘኑ፣ ካብኡ ሓሊፎም’ውን ሓረቑ። ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ኣስተንትኖ ምጅማሮም እትእሰር ካልእ ድሙ ኣይነበረቶምን።

እቲ ልምዲ ክቋረጽ ዝደለየ ኣይነበረን’ሞ፡ ተኣኪቦም መኸሩ። መወዳእታኡ ካልእ ድሙ ክትመጽእ ተሰማምዑ። ካልእ ድሙ ተደልያ ድሕሪ ምምጽኣ ድማ ዝነበረ ልምዲ ቀጸለ።

ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ፡ ብዙሓት ፈለስቲ መጺኦም ሓለፉ፣ ኣስተንትኖ ንምጅማር ድሙ ኣብ ገረብ ምእሳር ከየባተኸ ቀጸለ።

ዝኽሪ መስተፋቕር፣ ካብ ከብሒ ቍልዕነት

መሸም ብዙሕ ሰብ ነናቱ ዝኽሪ ቍልዕነት ኣሎዎ። ድሕሪት ግልጽ እንክብል ከኣ ከም ሰበይ ቅጅል ዝብለኒ ፍጻመ ኣሎኒ፣ ዘስሕቐኒ፡ ዘተክዘኒ፡ ዘናፍቐኒ፡ ዘገርመኒ። እዛ ሕጂ ዝዝክራ ዘለኹ ሓንቲ ካብኣተን እያ።

ቅድሚ’ዚኣ፡ ገና ትምህርቲ ከይጀመርና፡ ኣብ ገዛውትና ኴንና ብርሑቕ እነማዕዱዎ ጐቦ ነበረ’ሞ፡ ቀስተ-ደመና ዝተሰለመ ሰማይ ተጐዝጒዙዎ ስለ ዝርኣና፡ “ሰማይ ክንትንክፍ” ተበሃሂልና ሓቢርና ነቐልና። ኣዚና ህንጡያት ድማ ነበርና። እቲ ጐቦ ከምቲ ዝመሰለና ኣይጸንሐን፣ እናክንቀርቦ እናረሓቐና ብዙሕ ሳዕ ክንምለስ ተማታእና። መወዳእታኡስ ነቲ ጐቦ ሓዀርናዮ ደኣ፣ ሰማይ ግን ኣይጸንሓናን።  

ትምህርቲ ምስ ጀመርኩ ኣብ ወከፍ ዝነበርኩዎ ክፍሊ፡ ካብ ሓድሕድ ኣብሊጽና እንቀራረብ ማንዛ ነበረትኒ። እቲ ስምዒት’ቲ እንታይ ምዃኑ ኣይርድኣንን። ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ሶፍያ ዝስማ ከም ኣዕሩኽ ንፋለጥ ነበርና። ንጠማመት፣ ካልእ ሕልፊ ግን ኣይነበረን። ምስ ተፈደስና፡ ኣነ ኵዕሶ ክሳዕ ዝጻወት ቦርሳይ ሒዛትለይ ትኸይድ። ገዛኦም ሓደ ኣንጎላ ቅድሚ ገዛና ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ኣፍደገ ኰይና ድማ ትጽበየኒ። እዚ፡ ማንም ቈልዓ ዝረኽቦ ሓለፋ ኣይነበረን። ናብ ሳልሳይ ክፍሊ ምስ ሓለፍና ኣብ በበይኑ ክፍሊ ስለ ዝተመደብና ግን ኣይቀጸለን።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓብደላ ጎናፍር (ኣስላምያ) ኢና እንመሃር ዝነበርና፣ ንእስ ኢላ ምጭውቲ ቤት-ትምህርቲ። ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ናይ ሶፍያ ቦታ ብሳምራዊት ተተክአ፣ ግን ከኣ ብዘይ ንቡር መንገዲ። ካብ ትምህርቲ ምስ ተፈደስና ክሳዕ ድኳኖም (ሓድሽዓዲ) ይጐያ። ንምንታይ ከምኡ ይገብር ከም ዝነበርኩ ኣይፈልጥን። ንሳ’ውን ንኣሕዋታ ኣየሰምዓትለይን። ቈልዓ ከለኻ ነቲ ዝስምዓካ ብኸመይ ከም እትገልጾ ካብ ዘይምፍላጥ ዝሰዓበ እዩ ዝኸውን።

በቲ ግዜ’ቲ፡ 1988/9፡ ባህሊ ኣፈቓቕራ መንእሰያት ከምዚ ናይ ሎሚ ኣይነበረን። ንደቂ ገዛውትና ዝፈተውወን ወይ’ውን ኣዕሩኽተን ኣወዳት ክረኽቡወን ናብ ገዛውትና እዮም ዝመጽኡ ዝነበሩ። ገለኦም’ውን ዳርጋ ደቂ ገዛውትኻ ይቕየሩ። ንብዙሓት ድማ ደብዳበ የብጽሓሎምን እገለ ትጽውዓኪ ኣላ ኢለ የውጽኣሎም ነበርኩ። ዓርኪ ዓበይቲ ክኸውን ድማ በቓዕኩ፣ ገለኦም ቀቝሩብ የዕልሉኒ ነበሩ። ብኦም ኰነ ብኣታተን ኣቓልቦ ይረክብ ስለ ዝነበርኩ ድማ ተፈትዩኒ ነበረ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ትምህርቲ የረድኡንን ንሲነማይ ይህቡኒን ነበሩ።

ሓደ መዓልቲ ሓድሕዶም እና’ዋግዑ፡ ብዛዕባ መስተፋቕር ከዕልሉ ሰማዕኩዎም’ሞ ኣዝዩ ደንጸወኒ። መስተፋቕር ብዘሎዎ ስንኻ መዊጽካ ነታ ዝፈተኻያ ፍሽኽ እንተ ኢልካያ ደድሕረኻ ሰልሰል ትብል – ክፍትኖ ደለኹ። ካብቲ ሰማይ ክንትንክፍ ዝኸድናዮ ጐቦ ዝቐለለ መሰለኒ። ካብቲ ባዕልኻ ክትሰርሖ እትኽእል ዓይነታት መስተፋቕር ዝቐለለት ዝበልኩዋ ድማ ክሰርሓ ሓለንኩ።

ተኽሊ ወይኒ ዝጽልጸለሉ ወቕቲ እዩ ዝነበረ። እታ ካብ ዲጋ ክለውሊዕ ብዝመጽአ ጨንፈር ዘጠጣዕኩዋ ወይኒ ናይ ካንሸሎና፡ ተጸልጺላ ካብቲ ዝተጠናነገ ጨናፍር ነዊሕ ዝቕመቱ መመሺተ ብምእካብ ንግዳም ወጻእኩ። ንቘልዑ ገዛውትና ሓሓደኦም ብምሃብ ድማ መንካዕ ንምህዳን ተዋፈርና። ጸሓይ ዓራርቦ ስለ ዝነበረ እናተሓምበባ ኣብ ሰማያት ገዛውትና ጥንቅላዓሸው እናበላ ይበራ ነበራ። ሓንቲ መንካዕ ምውዳቕ ከም ዘይንስእን ድማ ተተስፍየ ነበርኩ።

ወዮ መንካዓት እናሸዀኻ ክሳዕ እንደክም ገበራና። መዓልታት ወሲኽና ክቐንዓና ኣይከኣለን። እቲ ጻዕርና፡ መንካዕ ኣውዲቕና መልሓሳ ቈሪጽና ንምውሳድ እዩ ዝነበረ። ተስፋ ምስ ቀበጽኩ፡ በቲ ዝተረፈ ነገራት ገይረ ክፍትኖ ወሰንኩ።

እቲ መስተፋቕር ንምስራሑ ኰነ ኣብታ ጓል ዝትግበረሉ መስርሓት ነበሮ። ዕንጕለ፡ ድልኽ በርበረን መልሓስ መንካዕን ሓዋዊስካ ኣባኮቦራ (ዝንከባለል ደሮና) ሸፊኑ ከም ዝሓልፎ ትገብር። ኣባኮቦራ መናብርቲ መንደፈራ ስለ ዝነበረ ንምርካቡ ኣየጸገመን።

ሰኑይ ካብ ተረኛታት ኮስተርቲ ክፍልና ስለ ዝነበርኩ ኣንጊሀ ከድኩ፣ መስተፋቕር ድማ ኣብ ጎማ ተጠቕሊላ ኣብ ቦርሳይ ነበረት። ምስ ዓርከይ ኤፍረም ገዛኢ ድማ ብኸመይ እቲ መስተፋቕር ንሳምራዊት ከም እንገብረላ ተላዘብና። ዕረፍቲ ክሳዕ ዝኣክል ድማ ምስ ምሉእ ቀልብና ኣይነበርናን።

ነቲ መስተፋቕር ኣብ ልዕሊ ሽንቲ-ማያ ኣንቢረ ክረግጾ ኣሎኒ – ሽዑ ድማ እያ ደድሕረይ ክትሰልል። ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ እቲ ቤት-ትምህርትና ጫፍ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዕረፍቲ ናብ ግዳም ወጺእና ኢና ንሸይን ዝነበርና። ላዕለዋይ ሸነኽ ናይቲ ጐልጐል ናይ ደቀንስትዮ ክኸውን ከሎ፡ ታሕተዋይ ወገን ድማ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ እዩ። ኣነን ኤፍረምን ድማ ሳምራዊትን መሓዙታን ኣብ ምጽንጻን ነበርና። ግናኸ ክሸና ናብ ግዳም ኣይወጽኣን፣ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣይሰለጠን።

ካልኣይ መዓልቲ ካብ ቀጽሪ ቤት-ትምህርቲ ምስ ወጽኣ ምስ ኤፍረም ናይ ታሕጓስ ተጠማመትና። ኣብታ ኣወዳት ክንበጽሓ እንኽእል ደረት ደው ኢልና፡ ኣበይ ኮፍ ከም ዝብላ ኣማዕደናየን። ኣባይቲ ንኽስራሕ ንመሰረት ዝተራገፈ ኵምር-ኵምር ዝበለ ኣእማን ተኸዊለን ኮፍ በላ። ነታ ቦታ ምስ ካልእ ከይነደናግራ ብትዅረት ኣጽናዕናያ።

ቃጭል ተቓጪሉ እተዉ ምስ ተባህለ፡ ኣብ ሓደ ከውሊ ተላሒግና፡ በትሪ ሒዙ ተማሃሮ ዝዅብኵብ ዝነበረ መምህር ክሳዕ ዝኣቱ ጸናሕና። ብዅትር ህንጡይነት ነፊርና ኣብታ ቦታ ተረኸብና። ጸሃይነሽ በዚ ነይራ፡ ሳምራዊት በዚኣ ነይራ እናበልና ድሕሪ ምዝርራብ፡ መስተፋቕረይ ካብ ጁባይ ኣውጺአ ኣብቲ ዝጠለለ መሬት ኣንቢረ ብኽልተኡ ኣእጋረይ እና’በራረኹ ሓማተልኩዋ። ኣብቲ ከባቢ ጥር ዝብል ተመሃራይ ኣይነበረን፣ እናጐየና ኣብ ልዳት ቤት-ትምህርትና በጻሕና። ብውሽጢ ዝነበረ መምህር ብዝሑ ዘይዝክሮ ኣብ ከብዲ ኢድና ሃሪሙ ክንኣቱ ፈቐደልና።

እታ ክፍልና ብሰለስተ መስመር መናብር ዝተሰርዐት እያ። ወከፍ መንበር ድማ ሰሰለስተ ተማሃሮ ትሕዝ። ኣነን ኤፍረምን ብጸጋማይ ጫፍ፡ ብዓል ሳምራዊት ድማ ብየማናይ ጫፍ ኮፍ ይብላ። ለውጢ እንተ’ልዩ እናሻዕ ንጥምተን ነበርና። ሕቱኽቱኽ እናበልና ብዓብይ ህንጡይነት ንምፍዳስ ተጸበና። ሽዑ መዓልቲ ኣይጐየኹዋን፣ ውጽኢት ናባይ ከጕይያ ዝኽእል ንምርኣይ እየ ተሃዊኸ ዝነበርኩ።

ዝተለወጠ ኣይነበረን። ሓሊፈ ጸኒሐ ፊተ-ፊታ እናጠመትኩ እንተ ሓለፍኩዋ ወይከ። ንጽባሒቱ፡ ንሳልስቱ. . . ኵነታት ከም ቀደሙ። ኣብቲ ቅንያት፡ ተላኢኸ ብዕዳጋ እኽሊ እናሓለፍኩ ንኤፍረም ናብ ድኳኖም ኣላገስኩዎ። ኣብቲ ዕዳጋ እኽሊ ዝመታ መንካዕ ዝርከባ እንተ ኰይነን ሓተትኩዎ። ኣቦኡ ክፋል ኣካሉ ለሚሱ ኣብ ውሽጢ ድኳን ነበረ። ናብቲ ዕዳጋ ከይድና ሃሰው በልና። ኤፍረም ንሓደ ዝፈልጦ ምስ ሓተቶ፣ “መንካዕ ፈጺመን ክተሓዛ ኣይክእላን እየን፡” ኢሉ ተስፋ ኣቝረጸና። ስኣን መልሓስ መንካዕ ምርካብ መስተፋቕርና ከም ዘይሰርሐ ድማ ተሰምዓና።

ኣብቲ ቅንያት፡ ኤፍረም ካልእ ሓሳብ ኣምጽአ፡ “ኣብ ናይ ካልእ ጓል ሽንቲ-ማይ ረጊጽካዮ ከይትኸውን፧” ዘሰንብድን ህንጡይነት ዝፈጥርን ሕቶ እዩ። ካብተን ምሳኣ ዝነበራ ብፍሉይ ትጥምተኒ እንተ’ልያ ፈተሽና፣ ዝተለወጠ ኣይነበረን።

ኣይሰመረልናን፣ ሳምራዊት ደድሕረይ ሰልሰል ዘይምባላ ጥራሕ ኣይኰነን ዘይሰመረ። እቲ፡ ስውር-ሓይሊ እናሰርሐ ክንርኢ ዝነበረና ዕንዱር ናይ ቍልዕነት ህንጡይነት እውን’ዩ ዘይሰመረ።

***

1991 ወይ 1992፣ ደው ዝበለ ኣነ፡ ኮፍ ዝበለ ኤፍረም ገዛኢ

(ነዚ ግርህና ናይ ቍልዕነትና ኣልዒልና ምስ ኤፍረም እንተ ነዕልል፡ ዝረሳዕኩዎ ዝርዝራት ምወሰኸ፣ ምሰሓቕናን ምናፈቕናን። ድሕሪ ግዜ፡ ኣነ ናብ ኣስመራ ግዒዘ፡ ንሱ እዋን ኣርኪቡሉ ኣብ ሰራዊት ብዙሕ ዓመታት ኣቝጺሩ፣ ካብ ምርእኣይ ዝሓልፍ ግዜ ኣይረኸብናን። ናብ ሱዳን ከም ዝሰገረን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቱ ከም ዝሰኣነን ዝሰማዕኩሉ ድማ ብቕደም-ሰዓብ ነበረ።)

ዩሪካ፣ “ዓሌተይን ሃገረይን” ረኺበ

  1. ቈልዓ ከለኹ ቀዳም-ቀዳም ናብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ንምስታፍ ናብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ግዮርግስ ኣብ ዝኸድኩሉ፡ ብዙሓት ቈልዑ ብኣግርሞት ይጥምቱኒ ነበሩ። ሓደ ብጐድነይ ዝነበረ፡ “ንምንታይ ደኣ ናብዚ መጺእካ፧” ክብል ሓተተኒ።

“ጸሎት ክመሃር፧”

“ኣስላማይዶ ኣይኰንካን፧”

እዛ “ኣስላማይ ትመስል” ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ትደጋገመኒ ነበረት – ክሳዕ ዝጕብዝ።

2. ግዜ ሮሞዳን እዩ ነይሩ፣ ሓደ ሰራሒ ፊልም፡ ዝወድኣ ፊልም ከርእየኒ ኣብ ዝተቛጸርናሉ ሆቴል ንያላ ኣቐዲመ በጺሐ፡ መጽሓፍ እና’ንበብኩ ይጽበዮ ነበርኩ። ዓመተ ምሕረቱ ኣይዝክሮን – ሶማላውያን ኣብ ኣስመራ ዋዕላ ዝገብሩሉ ዝነበሩ ግዜ እዩ። ልዕሊ 20 ደቒቕ ገይረ እትሰምዓኒ ኣሳሳይት ኣይረኸብኩን። ወዮ ሰራሒ ፊልም ምስ መጽአ ግን ናባና መጺኣ፡ “እንታይ ክሰምዓካ፧” በለቶ’ሞ፡ ማክያቶ ኣዘዛ። ናባይ ግልጽ ኢሉ ድማ፡ “እንታይ ደኣ ኣይትእዝዝን ዲኻ፧” ኣስዓበ።

“እውይ ኤርትራዊ ዲኻ፧ ሶማላዊ መሲሉኒ’ምበር ክርእየካ እኮ ጸኒሐ እየ፡” በለትኒ ስንብድ ኢላ። (ጾም ስለ ዝነበረ እያ ዘይመጽአት)

3. ሓደ መዓልቲ ኣብ ባር ድያና ናብ ዝነበሩ ኣዕሩኽተይ ከድኩ። ኣብቲ በሪኽ ወንበር ተዀዪጦም እዮም ሓደ-ሓደ ዝብሉ ዝነበሩ። ብውሽጢ (ካውንተር) ዝነበረት ኣሳሳይት ሰብ በዚሑዋ ላዕልን ታሕትን ክትብል ጸኒሓ፡ “እንታይ ከምጽኣሉ፧” በለቶም። ንሶም ናባይ ጠመቱ፡ “ጅን ሃብኒ፡” በልኩዋ።

“ትግርኛ ትኽእል ዲኻ፧” ሓቢርና ሰሓቕና፣ “ሱዳናዊ ዲኻ፧” ኣስዓበት። ገና ትግርኛ ዝኽእል ሱዳናዊ ምዃነይ ጥራሕ እያ ትሓስብ ዝነበረት። ኣብ ኣስመራ ነዚ ዝመስል ካልእ ተመሳሳሊ ተጓንፎታት’ውን ነበረ።

4. ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሕለፍኩሉ፡ ገለ ክገዝእ ናብ ድኳናት ኣብ ዝኣትወሉ፡ ኣብ ዝበዝሕ ብእንግሊዝኛ ክዛረቡኒ ይቃለሱ ነበሩ። ኣብ ኣእምሮኦም ሓደ’ኳ ጥርጣረ ስለ ዘየሕድሩ፡ ዋላ’ኳ ብኣምሓርኛ እንተ መለስኩሎም ብእንግሊዝኛ ደኣ ይቕጽሉ። እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ተጓንፎ ካብ ከርና ምብዝሑ ይገርመኒ ነበረ። “ሓበሻ ኣይመስልን ድየ፧” ኢለ ድማ ንገለኦም ሓተትኩዎም – ኣዘውቲረዮ ዘይፈልጥ “ሓበሻ” ዝብል ቃል ካብ ኣፈይ ምውጻኡ እናሓደሰኒ። ደቂ ሸገር ኣብ ዘረባ ጭዋታት ስለ ዝዀኑ፡ ንሕቶይ ብጥንቃቐ ይሰግሩዎ ነበሩ። ክገዝእ ግዜ ምስ ወሰድኩ፡ ንገለኦም ዳግማይ ኣብ ዝሓተትኩዎም፡ ‘ኣፍሪቃዊ’ ከም ዝመስል ሓበሩኒ። ኣብ ቀራን ክፋል ናይዛ ኣህጉር ካብ ዝቕመጡ ህዝብታት፡ ‘ኣፍሪቃ’ ክብሉ እንከለዉ፡ እንታይ ማለቶም ምዃኑ ስለ ዝርድኣኒ ሕቶ ኣየስዓብኩን።

5. ናብ ካምፓላ – ኡጓንዳ ኣብ ዝኣተኹሉ ድሕሪ ውሑዳት መዓልታት፡ ቡን ክሰቲ ናብ ሓንቲ ምልክታኣ ብትግርኛ ዝተጻሕፈ እንዳ ቡን ኣተኹ። ብዓልቲ ቡን እንታይ ከም ዝደሊ ብእንግሊዝኛ ሓተተትኒ፣ ብእንግሊዝኛ መለስኩላን ዕላል ቀጸልናን። ብዘይካ ኣብ ምህሮ ምስ ደቂ ዓደይ ብእንግሊዝኛ ተዛሪበ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣዝዩ ስግንጢር ኰይኑኒ ተሸገርኩ’ሞ፡ ብልሳነይ ቀጸልኩላ – ሰንቢዳ ዓይና ፈጠጠት።

6. እንካረዮ ገዛ ረኺብና፡ ኣቝሑ ክገዝእ በይነይ ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝኸድኩሉ ኣጋጣሚታት፡ ኡጓንዳውያን ብቛንቋኦም ይዛረቡኒ። ብእንግሊዝኛ ምስ ቀጸልኩሎም ንእለቱ ይቕይሩ። ኣብቲ ሕመረት ዕዳጋ ካምፓላ፡ “ታውን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ፡ ኣዊኖ፡ ናካሴሮ፡ ሕትመት ዝርከቦ ናሳሮድ (ናሳር ሮድ) ወዘተ. ፖሊስ፡ ኤርትራውያን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ንዝገመቱዎም ወረቐት ክሓቱዎምን ብላዕ ክሓቱዎምን እንከለዉ፡ ዝዀነ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ከይሃለወኒ ከም ድላየይ ተመላለስኩ።

ሓደ መዓልቲ ብቦዳ-ቦዳ ናብ ርሑቕ እናኸድኩ፡ እቲ ዘዋሪ፡ “ካብ ምንታይ ዓዲ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ።

“ካብ ምንታይ ይመስለካ፧ ገምት፧” በልኩዎ።

“ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ፧”

“ኡጓንዳዊ ኣይመስልን ድየ፣ ከመይ ገይርካ ከምኡ ኢልካ፧”

“ብእንግሊዝኛኻ እየ’ምበር ኡጓንዳዊ ትመስል ኢኻ – ካብ ዓሌት ምኛንኮለ፡” በለኒ።

ካልእ መዓልቲ’ውን ሓንቲ ሰበይቲ ተመሳሳሊ ሕቶ ምስ ሓተተትኒ፡ “ኣብ ካልእ ሃገር ዝዓበኹ ኡጓንዳዊ እየ፡” ኢለ፡ ዓሌተይ ክትግምት ምስ ሓተትኩዋ፡ “ምኛንኮለ፡” በለትኒ።

መወዳእታኡስ ዓሌተይን ሃገረይን ረኺበ ኢለ ድማ ሰሓቕኩ።

ካምፓላ፣ 2022

ቋንቋን ስነ-ግጥሚን

እዚ ዓንቀጽ’ዚ፡ “ሒደት ብዛዕባ ስነግጥሚ ትግርኛ” ብዝብል ብ2016 ንተመሃሮ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ዓዲቐይሕ መወከሲ ከገልግል ተባሂሉ ካብ ዝተጻሕፈ (ግን ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ዘይወዓለ) ቀዳማይ ምዕራፉ እዩ። እቲ ቀንዲ ክፋሉ፡ ንስነግጥሚ ትግርኛ ብትሕዝቶ (content) ንምክፍፋሉ ዝተገብረ ፈተነ፡ ምስቲ ዘስዓብኩዎ ብቕርጺ (form) ዝገዛዝዕ መጽናዕቲ ተላፊኑ ብመጽሓፍ ንምሕታሙ ሃቐና ስለ ዘሎኒ ኣብዚ ኣይለጠፍኩዎን።

እዚ ቋንቋን ስነግጥሚን ብዝብል ኣብዚ ተለጢፉ ዘሎ፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ “ህያው ደብሪ” ናይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ዝጸሓፍኩዎ “ስነቕዳዊ ትንተና ኣብ ግጥሚታት ህያው ደብሪ፡” ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ኣብ ስነግጥሚ ግዳሰ ዘሎዎ ሰብ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቀሪቡ ንዘሎ ከንብቦ ይኽእል እዩ።

  1. ቋንቋ
  •            [1]         

ኣብዛ ግጥሚ’ዚኣ ዝያዳ ጐሊሑ ዝርአ ፍሉይ ኣጠቓቕማ ቋንቋ እዩ። ቋንቋ ዝልለየሉ ዝውቱር ጠባይ እኳ እንተ’ለዎ፡ ኣብ ድምጺታትን ቅርጺታትን ከም ኵነታቱ ዝፈላለ ስግንጢርነት’ውን የንጸባርቕ እዩ። ግጥሚ ከኣ ካብ ንቡር ነቒሉ ንባህሪ ስግንጢርነት ቋንቋ ክጥቀምን ኪኖኡ ክሰግርን ይርአ። ብመሰረቱ፡ ቋንቋ ሓደ ዝተሰረተ ስርዓት ክኸውን ከሎ፡ ብዘገምታዊ መስርሕ ናይ ምልዋጥ ባህሪ’ውን ኣለዎ። ግጥሚ ከኣ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ካብ ዝተኣከበ ማዕከን እናተጠቕመ፡ ብዘገምታዊ መስርሕ ኣብ ዝልወጥ ወይ ዝምዕብል ኣበርክቶ ይገብር። ናይ ሎሚ ኣንባቢ ነዛ ግጥሚ (1) ከንብባ እንከሎ፡ ትርጉም ናይ ሓያሎ ቃላት ምፍላጥ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንጽጽሩ ክስኣሎ’ውን ኣለዎ። ማሕጸ፡ ለዀተን ሓብሊን እንታይ እዮም? ከመይከ ይመስሉ? መቐጻዕን ባዲዶን እንታይ እዮም? ከመይ እዮም ዝገብሩ? ወዘተ. ምፍላጥ ስውያ-ንግግሮም ንምርዳእ መገዲ ይኸፍት።

ቋንቋ ኰስኳስ እንተ ዘይተገይሩሉ፡ ክንክን ከም ዝሰኣነ መሬት ትሑት ምህርቲ ይህብ፣ ንብሕጓጐ’ውን ይቃላዕ። ተጠቀምቱ ከኣ ቋንቋኦም ሓደስቲ ኣምራት ምጻር ኣብዩዎም ይጽገሙ። ግጥሚ ሓደ ምንጪ ንተሓድሶን ጽገናን ቋንቋ ኰይኑ፡ ዝሓለፉ ገጠምቲ ውርሻ ክገድፉ ከለዉ፡ ስዓብቲ ከኣ ንህልው ኣተሓሳስባኦም፡ ስምዒቶምን ናብራኦምን ምግላጽ ምእንቲ ከኽእሎም ንቕድሚት ይደፍኡዎ።

  1. ቋንቋን ሓሳባትን

ግጥሚ ብቛንቋ ይግለጽ። እቲ ቋንቋ ሓሳባት ክስከም ወይ’ውን ሓሳባት ከመንጩ ይኽእል። እቲ ልሙድ ኣተሓሳስባ፡ “ሰባት ይሓስቡ፣ ንሓሳባቶም ከኣ ናብ ቃላት የእትዉዎም፡” ዝብል እዩ። ቋንቋ መሳርሒ ወይ መትሓዚ ሓሳባት ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ። ንኣብነት ኣብዛ ግጥሚ (1)፡ መንቀሊ ሓሳብ ገጣሚ ነቲ ዝሞተ ሰብ ጅግና ምንባሩ ንምግላጽ እዩ። ጅግንነት መዋቲ ንምግላጽ ከኣ ቋንቋ ክጥቀም ግዲ እዩ።

ኣብዛ ግጥሚ፡ ብኽልተ መስመራት ምከና ምስ ገለጸ፡ ጅግንነት መዋቲ ንምስኣል ሓደ ተምሳሌት ይጥቀም፣ ዓቢ እምባ ኢኻ ዘይትደሃል ይብል’ሞ፡ እቲ እምባ ዝብል ቃል ነቲ ጅግና ዝውሕዶ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖ፡ ዓቢ እምባስ ብሓብሊ እኳ ይውጻእ ብምባል ዝደፍሮ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ የፍርሶ። ዝሓሸ ዝበሎ ካልእ መግለጺ ይቕጽል፣ ንሱ’ውን ነቲ ጅግና ኣመና ይንእሶ። እናሃነጸ፡ እናኣፍረሰን እንደገና እናሃነጸን ንግጥሙ ይሰርዕ። ነቲ ኣብ ሓሳቡ ዘሎ ምስሊ ጅግና ኣብ ቃላት ከቐምጦ እንከሎ፡ እቲ ቃል ከም ዝነኣሶ እናኣምሰለ ክቐብእ ክኢሉ እዩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ሓይሊ ቃላት ንገጣሚ ክመርሖ ኣይከኣለን ክብሃል ኣይከኣልን። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እቶም ቃላት መሪሖም ግጥሚ ብምፍጣር ንገጠምቲ ኣግርሞት ይፈጥሩሎም እዮም። እቲ ንቛንቋ መሰረት ክልሰ-ሓሳቡ ዝገበረ ስትራክቸራሊዝም “ቋንቋ እዩ ንኽውንነት ዝፈጥር፡” ስለ ዝዀነ ከኣ፣ “ቋንቋ ነጸብራቕ ወይ ሰናዲ ናይ ዓለም ኣይኰነን። እኳ ደኣ ቋንቋ እዩ ንዓለም ቅርጺ ዘትሕዛ፣ ብኸመይ ንርኢ እዩ እንታይ ንርኢ፡”[2] ይብል። ግጥሚ ምስ ሓሳባትን ቋንቋን ዓብይ ዝምድና ኣለዎ። ዓበይቲ ገጠምቲ ከኣ ኣብ ክልተኡ መዳይን ዝምድናኡን ንነብሶም ኣእትዮም ክጸርቡዋን ክቐርጹዋን ይርኣዩ። ዘግጥሞም ድፍኢት ዓብይ፡ ዝጥቀምሉ ቋንቋ ከኣ ምርኡይ እዩ።

  1. ቃላት

ግጥሚ ብቓላት ይህነጽ። እቶም ቃላት ብግቡእ ዝተመርጹን ብጥበብ ዝተሰርዑን ክሳብ ዘይኰኑ ግን እቲ ሓሳብ ክሳብ ዝዓበየ ይዕበ ጽቡቕ ግጥሚ ክሃንጽ ኣይክእልን። ሓደ ቃል፡ ፊደል፡ ቅርጺ-ቓልን ድምጺ-ቓልን ኣለዎ። ምስ ካልእ ቃል ተዛሚዱ ሓደ መስመር ግጥሚ ከቝውም ከሎ ከኣ መስርዕ-ቃል፡ ረምታታት፡ ድምጺታት፡ ቃናታት ወዘተ. ፈጢሩ ብመገዲ ሓድሕድ ዝምድናታቱ ጣዕሚን ትርጉምን ይህብ።

ሓደ ቃል ኣብ መስመር ግጥሚ ምስ ተቐመጠ፡ ኣጠቓቕማኡ ቀጥታዊ ትርጉም ዝህበሉ ኵነት ኣሎ። ሓፈሻዊ ኣሰዃዅዓኡ ብምግንዛብ ትርጉም ዝወጽኣሉ መገዲ’ውን ኣሎ፣ ትርጉም ቃል ንምርዳእ ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ ምርዳእ የድሊ ማለት’ዩ። ገለ ካብኣቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

  • ቀጥታዊ መግለጺ ቃል፣

ኣብነት፣

ማሕጸ፣ ንመፈለጺ ዘገልግል ዓይነት ፋስ

ለዀተ፣ ንምስሓል መላጸ ዝዝውተር ቍራጽ ምራን ወይ እምኒ

ዘኽቲ፣ ሕጂ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብዚ ህሞት

  • መግለጺ ቃል ብኣብነት፣

መቐጻዕ፣ መርዚ ዘሎዎ ዓይነት ተኽሊ [ንኣብነት] ካብቲ ተኽሊ ዝርከብ ንኣራዊት ተባሂሉ ዝጽመቝ መርዚ

  • መግለጺ ቃል ብዝርዝራዊ ወይ ስእላዊ፣

ሓብሊ፣ ካብ ጽሕጎ ዒቃ ወይ ልሕጺ ዕጸዋት ተተኒጉ እተዳለወ ኣዝዩ ረጕድ ገመድ፡ ኣብ ኣጻድፍ ወይ ጎቦታት ዚርከብ ብሕቱው ገዳማት ንምድያብ ዘገልግል

  • መግለጺ ቃል ብንጽጽር ወይ ፍልልይ፣

ኣብዛ ግጥሚ (1) ንሓደ ቃል ዝገልጽ ንጽጽር እኳ እንተ ዘየለ፡ መጠን ጅግንነት ንምግላጽ፡ በሊሕ ልቢ ከም ዓረብ መላጸ/ …ብሕቘኦም ትሕዞም ከም መቐጻዕ/ ግንባሮም ትነድፎም ከም ባዲዶ… ዝብል ንጽጽር ተዘውቲሩ ኣሎ።

  • መግለጺ ቃል ብተጻራርነት፣

መልቀስ፣ ዘይከም ማሰ (ኣብ መርዓ፡ ወፈራ ክኢላታት ዘስምዕዎ ናይ ናእዳ ወይ ወቐሳ ግጥሚ) ብምኽንያት ሞት ኣብ ሓዘን ዝቐርብ ያታዊ ግጥሚ እዩ።

  • መግለጺ ቃል ብመበቈል፣

ሰማዕት/ሰማእት፣ ግእዝ – ምእንቲ ዕላማኡ ወይ ሃይማኖቱ እተሰውአ

  1. ቀጸላታት ትርጉም ቃላት

ቃላት ዝተፈላለየ ቀጸላታት ትርጉም ኣለዎም። ሳይነሰኛታት ንቛንቋ ዕለታዊ ህይወት ሓዲጎም ብዘይ ማለተይ-ማለትካ ከረዳድኦም ዝኽእል ቅማረታትን ቍጽሪታትን ይጥቀሙ። ቃላት ንሓያሎ ትርጓመታት ዝተቓልዑ ብምዃኖም፡ ካብ ቃላት ንኽርሕቁ ይጽዕሩ። ገጠምቲ ግን ብኣንጻሩ ንፈጠራኦም፡ ርድኢቶም፡ ስምዒቶም፡ ደስታኦምን ቃንዛኦምን ዝጸሩሎም ቃላትን ዝምድናኦምን ንምእላሽ፡ ኵሉ ሳዕ ምስ ቃላትን ቀጸላታት ትርጕሞምን ይቃነዩ።

ሓደ ቃል እንተ ወሓደ ሓደ ዘመልክቶ ትርጉም ኣለዎ። እዚ ከኣ ናይ መዝገበ-ቓላት ወይ ናይ-ጽፍሒ-ትርጕም ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። ናይ-ጽፍሒ-ትርጉም ሓደ ቃል ካብቲ ካልእ ዝነጸረ ከምኡ’ውን ዝተፈልየ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ ብምርዳእ ንጹር ትርጉም እቲ ቃል ምፍላጥ ይከኣል። ንኣብነት፡ ከተተ ዝብል ግሲ ከከም ኵነታቱ ዝፈላለ ብዙሕ ናይ-ጽፍሒ-ትርጉም ኣለዎ፤

1) ብምሉኡ፡ ብዅሉ ተላዕለ፡ ተንቀሳቐሰ፡ መጸ፡ ከደ ወዘተ. (ንስራሕ፡ ሓደ ዕማም ንምፍጻም፡ ኣብ ሓደ ነገር ንምስታፍ)

2) ወድአ፣ ፈጸመ፣ ዛዘመ (ንእቶት ምህርቲ፡ ንዕዳ፡ ንዕማም ወዘተ.)

3) ናብ ውሽጢ ሓደ ነገር ኣእተወ፣ ደርገመ፣ ሰዅዐ፣ መለሰ።

ገለኡ ቃላት ተወሰኽቲ ቃናታትን ኣመታትን ስለ ዘሎዎ፡ በቲ ናይ መዝገበ-ቓላት ትርጕሙ ጥራይ ምርዳኡ ኣጸጋሚ እዩ። ንኣብነት፡ ማዕተብ ዝብል ስም በቲ ናይ-ጽፍሒ-ትርጕሙ፤ 1) ተኸተልቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንምልክት እምነት ኣብ ክሳዶም ዚኣስርዎ ፈትሊ 2) ንጐባጕብ፡ ንኣስተሊኒ ወዘተ መትሓዚ … ዝብል እዩ። ምስ ካልእ ቃላት እናተዛመደ ግን ክፈርድ፡ ክውድስን ክወቅስን ይርአ፤

1) ማዕተቡ በተኸ ጠለመ፡ ከሓደ… ሃይማኖቱ ጠለመ

2) ማዕተቡ ኣጥፍአ፣ ከሓደ፡ ሓሽለዀ

3)ማዕተብ ኣሰረ ሓቂ ሓዘ

4) ማዕተብ ዘይብሉ ካሕዳይ

5) ንማዕተቡ መስከረ ሓቂ መስከረ እናበለ እቲ ዘመልክቶ ይቕጽል። በቲ ናይ-ጽፍሒ-ትርጕሙ ማዕተቡ ኣጥፍአ ክንበብ እንከሎ፡ ማዕተብ ጠፊኡዎ፡ ወዲቑዎ ወዘተ. ከስምዕ ይኽእል እዩ። እቲ ውስጠ-ትርጕሙ ግን ካልእ እዩ ዘመልክት። ኣንባቢ ነቲ ውስጠ-ትርጉም ክፈልጦ እንተ ዘይክኢሉ ዝምድና ቃላት ይደናገሮ’ሞ፡ ካብ ምርዳኡ ይርሕቕ። ካልእ ኣብነት፡ ዘመናዊ መዝገበ-ቓላት ትግርኛ (ብተክአ ተስፋይ እተሰናደወ)፡ ንቐጥታዊ ትርጉም ልቢ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጻ፣ “ብምጭባጥን ብምዝርጋሕን ኣብ ውሽጢ ኣካላት ደም ከም ዚዘውር እትገብር፡ ኣብ ገረንገራውያን (ዓጻማት) እንስሳታት እትርከብ፡ ውሽጣ ጓንጓ ጭዋዳዊት ኣካል።” ምስ ካልእ ቃል እናተዋሰበት እትህቦ ዝተፈላለየ ትርጕማት’ውን ብውሑድ ተዘርዚሩ ኣሎ። ብሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ እተዳለወት ሐረጋት ትግርይና ከኣ ልቢ ዝብል ስም ምስ ካልኦት ቃላት እናተጸምበረት ኣብ ትግርኛ እትህቦ ኣስታት ተስዓ ውስጠ-ትርጕማት መዝጊባ ኣላ። ውጽኢት ስነ-ጽሑፍ ኣብ ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ወሰን ኢልካ እንተ ዝፍተሹ፡ እዚ ቍጽሪ’ዚ ክዛይድ ይኽእል እዩ። ብኸምዚ መገዲ’ዩ ከኣ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ምድንፋዕ ቋንቋ ኣበርክቶ ዝገብር።

ውስጠ-ትርጉም ናይ ሓደ ቃል ንጽማረ ሓሳባትን ስምዒታትን ቃል ብዕምቈት ይገልጽ። እቲ ዘመልክቶ ትርጓመታት’ውን እወታዊ፡ ማእከላይ ከምኡ’ውን ኣሉታዊ ቃና ክህሉዎ ይኽእል። ንኣብነት፡ ዕባራ ንዝብል ማእከላይ ቃል፤ ቀጢን እወታዊ፡ ማሕቋቝ ከኣ ኣሉታዊ ውስጠ-ትርጉም ኣለዎ። ቀጢን፡ ዕባራ፡ ማሕቋቝ ዝብሉ ቃላት መጠኑ ዝፈላለ ትርጕማት ኣለዎም።

ንዝጸሓፎምን ዘንበቦምን ሓደ ትርጉም ዝህቡ ከም ኣስማት ሰባትን ቦታታትን ዝኣመሰሉ ፍጹም ንጹር ቃላት ከኣ ኣለዉ። ኣብነት፣ ሕነሽም፡ ንጉሰ እልፉ፡ ደብረ ቢዘን፡ ሩባ ጋሽ ወዘተ.።

ገለጽቲን ደረጃ ፍልልይ ዘለዎምን ብተዛማድነት ዝግለጹ ቃላት ከኣ ኣለዉ። ንኣብነት ዝነውሐ ዝብል ቃል ብተዛማዲ ደኣ’ምበር ነዊሕ ዘብሎ ሕዱር ዓቐን የብሉን። ዝተፈላለዩ ሕብርታት ንኣብነት፡ ቀይሕ፡ ብጫ ወዘተ. ዝተፈላለየ ደረጃታት ምቕያሕ፡ ምብጫው ኣለዎም፣ ትርጉም ዝረኽቡ ከኣ ብተዛማድነት እዮም።

ሓያሎ ቃላት ንዝዀነ ንጹር ነገር ዘየመልክቱ ኣለዉ። ውሱን ትርጉም ዝህሉዎም፡ ተጠቀምቱ ብዘማዕብሉዎ ወግዒ ወይ ስምምዕ እዩ። ንኣብነት፡ ስነ-ግጥሚ፡ ሳይንስ፡ ስነ-መለኮት፡ ባህሊ ወዘተ. ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ትርጉም ክህቡዎም ይኽእሉ።   

እዚ ዝተፈላለየ ቀጸላታት ትርጉም ቃላት፡ ግጥሚ ንምህናጽ ይዝውተር እዩ። ኣበይ ኵነት እንታይ እንተ ተጠቐምካ ብሉጽ ውጽኢት ይህብ ምፍላጥ ግን የድሊ።

  1. መስርዕ ቃላት

ቃላት ኰኑ ሓረጋት ኣብ መስመራት ግጥሚ ኣብ ዝስኵዑሉ እዋን፡ ንጹር ሓሳባት ንምትሕልላፍን ፍሉይ መቐረት ንምፍጣርን ወሰንቲ እዮም። ብሓፈሻዊ ኣጠማምታ፡ ንመስርዕ ቃላት ብዓብይኡ ዝጸሉ ሰዋስው እዩ፣ ንቛንቋ ደረት ዝሕንጽጸሉን መልክዕን ቅጥዒን ዘትሕዞን ስለ ዝዀነ። ሰዋስው፡ ኣብ ግጥሚ ዓብሊሉ ዝቐርብን መሰረትን ይዅን’ምበር ፍሉይ ስምዒት፡ ጽባቐን ጣዕሚን ንምፍጣር ካብ ልሙድ ስርዓት ወጺኡ ክቐርብ ይርአ እዩ።

ትግርኛ ሓደ ካብ’ቶም በዓል-ቤት፡ ተሰሓቢን ግሲን ብዝበሃሉ ክፍሊታት ምሉእ-ሓሳብ ዝስርዑ ቋንቋታት እዩ።

  •          ጉራዴኻ ስጋ ሰብ ቀለባ [3]

      በዓል-ቤት  ተሰሓቢ   ግሲ

ግጥሚታት ትግርኛ ግን ነዚ መስርዕ’ዚ (2) ጥራይ ተኸቲሎም ኣይርኣዩን። መለሳ ድምጺታት ንምፍጣርን ዋሕዚ ብምቝራጽ ኣቓልቦ ንምርካብን ብዝተፈልየ ኣሰዃዅዓ ክእለሙ ግጥማዊ ፍቓድ ኣለዎም።

ቍርጽ ትበል እዛ ዓለም ብላሽ [4]

እዚ ነግሒ’ዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ናይ ሰዋስው ሕጊ ክጸሓፍ ዝነበሮ እዩ፤ “እዛ ብላሽ ዓለም ቍርጽ ትበል።” ኣዛማዲ ክንዲ-ስም እዛ ቅድሚት መጺኡ፡ ብላሽ ቅጽል ስለ ዝዀነ ቅድሚ ስም ዓለም ተቐሚጡ፡ ድርብ-ግሲታት ቍርጽ ትበል ከኣ ብድሕሪት ክስዕብ ምተገብአ። እዚ ነግሒ ግጥማዊ ፍቓድ ስለ ዘለዎ ግን ከም ጌጋ ኣይርአን።

ኣብ ግጥሚ ቃላት ንሓድሕዶም ብቐደም ተኸተል ክቕመጡ እንከለዉ፡ “ክልተ ኣገባባት መስርዕ ቃላት ኣለዉ፣ ምሕራይን ምውሳብን። ምሕራይ ብመዳርግቲ፡ መማስልቲ፡ መጻርርቲ፡ መለሳ-ቃል ወዘተ. ክካየድ እንከሎ፡ ምውሳብ ከኣ ኣብ ጕርብትና ቃላት ተመርኲሱ መስርዕ ቃላት ይሃንጽ።”[5] ኣብ ዕብየት ሩስያዊ ፎርማሊዝም ልዑል ተራ ዝተጻወተ ሮማን ጃኮብሰን ምሕራይን ምውሳብን ኣብ ዝዀነ ግጥሚ ዝርከብ ግድነታዊን ዘይንጸልን ጠባይ ግጥሚ ምዃኑ ይገልጽ። ብኣብነት ከብርህ ከሎ፡ ሰባት ኣብ ዕለታዊ ዝርርብ ሓበሬታ ክለዋወጡ እንከለዉ፡ ቈልዓ ንምባል ናጽላ፡ ህጻን፡ እግሪ-ተኽሊ ካብ ዝብሉ ተዳረግቲ-ቓላት ሓርዮም ክዛረቡ ይኽእሉ። ንኽሓርዩ ተዳራግነት ተጠቒሞም ማለት እዩ። ሓሳብ ንምግላጽ ከኣ፡ ደቂሱ፡ ቀም ኣቢሉ፡ በጥ ኢሉ ካብ ዝብሉ ተዳረግቲ-ቓላት ብምሕራይ ምውሳብ ይፈጥሩ። ኣብ ግጥሚ ግን እዚ መስርሕ’ዚ ክካየድ እንከሎ፡ ሓበሬታ ንምትሕልላፍ ጥራይ ኣይኰነን። ተዳረግቲ-ቓላት ምስራዕ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ መስርዕ ተመጣጣኒ ዓቐን ዋዕታታት[6] ብዘሎዎም ቃላት ክዋሰብ ይግባእ። እቲ መስመር ግጥሚ ብምሉእ ኰነ ብኸፊል ሓደ ወይ ተመሳሳሊ ድምጺታት ብዘሎዎም ተደጋገምቲ ረምታዊ ዓቐንን ኣሰላልማን ይህነጽ።

  •      ኣብ’ ዓይ’ኖም’ ት’ሓድ’ሮም’ ከም’ ሓ’በ’ላ’  (10)

ካብ’ ብር’ኮም’ ት’ሰብ’ሮም’ ከም’ ማ’ሸ’ላ’ [7] (10)

ብውሕዱ፡ እቲ ፍቕዲ ናይ ዋዕታታት ክርአ እንከሎ ማዕረ (10 ዋዕታታት) እዩ። ብተወሳኺ፡ መንቀሊን መዕረፊን ናይ ነፍስወከፍ ዋዕታ ሓደ ዓይነት ደሃይ ኣለዎ። እዚን ካልእን ተመላሊኡ ከኣ ነቲ ነግሒ ይስልሞን ጣዕሚ ድምጺታት ይፈጥረሉን።[8] ረምታ ኣብ ትግርኛ እቶም ዋዕታታት ብዝፈጥሩዎ ዝደጋገም እልመት ግዜ-ድምጺ ዝፍጠር እዩ ዝመስል። ኣብ እንግሊዝኛ ብዝላዓሉን ዝርገጹን ዋዕታታት፣ ኣብ ዓረብኛ ከኣ ብዋዕታታት ኰይኑ፡ ንተደማጺ-ፊደል ብዝስዕቦ ሓጺርን ነዊሕን ኣድማጺ-ፊደል ይፍጠር። ናዕታ ከኣ መሳርሒ ድምጺ ናይ ግጥሚ ኰይኑ፡ ሓደ ነግሒ ክውድእ እንከሎ፡ ምስቲ ዝስዕቦ ነግሒ ንዝፈጥሮ ናይ ድምጺ ቅድወት ዝገልጽ እዩ። ንኣብነት ኣብ (3)፡ ሓበላ ዝብል ቃል ምስ ማሸላ ዝብል ቃል ናዕታኡ ሓልዩ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ገጠምቲ ኣብ ርእሲ ናዕታ፡ ኣብ ውሽጢ ነግሒ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ድምጺ ይጥቀሙ እዮም።

ገጠምቲ ብዘይ ንቡር መገዲ ቃላት ሰሪዖም ነቲ ቋንቋ በጺሑዎ ናብ ዘይፈልጥ ደረጃ ክደፍኡዎ እንከለዉ (እቲ ጋግ ኣዝዩ ገፊሑ፡ ኣንበብቲ ምፍታሕ ክሳብ ዝስእኑዎ ምስ ዝበጽሕ) ብዙሕ ወቐሳ ይወርዶምን ምንጻግ የጓንፎምን። ብሕልፊ እቶም ምእንቲ ጽባቐ ኣገጣጥማ ክብሉ ኣብ ኣሰራርዓ ድምጺታትን መልክዓትን ዝያዳ ብምድሃብ ንሓሳብን ቅጥዒ ቋንቋን ሸለል ዝብሉዎ፡ ኣደዳ ነቐፍቲ ይዀኑ እዮም። እቲ መስርዕ ቃላት ካብ ንቡር ናብ ዘይንቡር ዝቕየረሉ መስርሕ፡ ኣንባቢ ብሓሳቡ ክበጽሖ ብዘኽእል መገዲ እንተ ቐሪቡ ግን ዝያዳ ውጽኢታዊ ይኸውን። ብሕልፊ እቶም ተሰሪዖም ክስኵዑ ልሙዳት ዝዀኑ ቃላት ብዙሓት ምስ ዝዀኑ ኣሰልከይቲ እዮም። ንኣብነት፡ ኵሑል ኣዒንታ፡ መዓንጣ ሰቲ፡ ክሳድ ብርለ ወዘተ. ዝብሉ መስርዕ-ቃላት ወይ ኣበሃህላታት ኣመና ስለ ዝላደዩ፡ ስእላዊ ሓይሎምን ስምዒታዊ ምትእስሳሮምን ኣጥፊኦም እዮም። ሰማዒ ክሰምዖም ወይ ኣንባቢ ከንብቦም እንከሎ ከኣ ንኣእምሮኡ ኣየነቓቕሑዎን። እቶም ተኸታቲሎም ክስርዑ ዘይተለምዱ ቃላት ግን ፍሉይ ስእሊን ሓሳባትን ክፈጥሩ ይኽእሉ።

ገጠምቲ ዝተፈላለየ ምርጫታት ኣለዎም። ግጥማዊ ቋንቋ ካብቲ ዕለታዊ ዝዝውተር ቋንቋ ክንጸል ኣለዎ ዝብሉ፣ ብኣንጻሩ ከኣ ግጥማዊ ቋንቋ ዝብሃል ብምንጻግ፡ በቲ ተራ (አረ እተደርበየ) ቃላት ተጠቒሞም ዝጽሕፉ ኣለዉ። በዚ ኰነ በቲ ግን ካብቲ ኣሰልካዪን ተገማትን ተፈልዮም፡ ንቓላት ኣሐዲሶም፡ ህያውያን ገይሮም ብምቕራብ፡ ሓድሽ ትርጉም ህይወት ክፈጥሩ ድላይ ኵላቶም እዩ።


[1] Carlo Conti Rossini, Proverbi Tradizioni Canzoni Tigrine, 1942, pp.270-71

[2] Peter Barry, Beginning Theory: An Introduction to Literary and Cultural Theory, 1995,  p. 61

[3] Jacques Faitlovitch, Versi abissini (ቅኔ፡ ሓበሻ።), 1911, p. 72

[4] ከማሁ፣ ገጽ 73

[5] David Lodge with Nigel Wood, Modern Criticism and Theory (Harlow, Longman, 1999), p. 37

[6] ኣባ ኣጐስጢኖስ ተድላ (ሰዋስው ትግርኛ፡ 1995) ንዋዕታ፡ “ብሓደ ደሃይ ጥራይ ዝናገር ሓደ ወይ ክልተ ድምጺ ፊደል እዩ፡” ብምባል ይገልጹዎ። ዋዕታ ወይ ድማጾ ኢሎም ዝሰመዩዎ’ውን ንሶም እዮም። እዚ ጽሑፍ ከኣ “ጥምረ-ድምጺ” ወይ “ትንባሀ ቃል” ካብ ምባል፡ ነቲ ናይ ኣባ ኣጐስጢኖስ ስያመ ተጠቒሙ ኣሎ።

[7] Jacques Faitlovitch, Versi abissini (ቅኔ፡ ሓበሻ።), 1911, p. 55

[8] እዚ ጽሑፍ፡ ሚዛን (metre) ናይ ነግሒታት ንምዕቃን ፍቕዲ ናይ ዋዕታታት’ዩ ተጠቒሙ። እንተዀነ፡ ብዛዕባ ረምታ ክግለጽ እንከሎ፡ ፍቕዲ ጥራይ ንበይኑ ኣኻሊ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ነግሒ’ውን ዝቃዶ ዓይነት መስርዓት ክርከብ ይኽእል ይኸውን፣ ተወሳኺ መጽናዕቲ ዝሓትት እዩ።