
ኣብ ገዛ ክድቅስ እናተዳለኹ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሕልፈት ዩስፍ ስዒድ ተረዳእኩ’ሞ፡ ካብ ሓዘን ንላዕሊ ከቢድ ሕፈረት ተሰምዓኒ። ብዓልቲ-ቤተይ ካብ ገጸይ ኣንቢባ፡ “ደሓን ዲኻ ደኣ፧” ሓተተትኒ።
“ዩስፍ ስዒድ እንድዩ ዓሪፉ።”
“ጸኒሑ ድዩ፧ ዝመተ እንድዩ ደኣ ዝመስለኒ ነይሩ፡” በለትኒ – ዝገደደ መርድእ።
ዘረባኣ ግን ብሓቂ መልሲ ዝደሊ እዩ – ዩሱፍ ነይሩ ድዩ ወይ ከመይ ዝበለ ህላወ እዩ ነይሩ፧ ተኸዊሉ ድዩ ወይስ ኣብ ዝዓሞቐ ምንባር ተሰትዩ፧ ወይስ ካልእ. . .፧
“ዩሱፍ ኣሎ ድዩ፧” ብዙሓት ዝሓትዎ ሕቶ እዩ ነይሩ፤ ኣነ’ውን ሓደ ካብኦም ነበርኩ። ካብ 2002 ክሳብ 2005 ኣዳላዊ ዓምዲ ስነጥበብ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝነበርክሉ፡ ተስፋይ ዕቝባይ ዝጸሓፋ ሓንቲ ብዛዕባ ዩሱፍ ስዒድ እትገልጽ ጽሕፍቲ ኣአንጊደ ነይረ።
ኣብዚ ሎሚ ዜና-ሕልፈቱ ዝሰማዕክሉ ድማ ሓንቲ ፍጻመ ትዝ በለትኒ። ኣብ ግዜ ንእስነቶም እዩ – ኣብታ ተወሊዶም ዝዓበዩላ ከተማ መንደፈራ ምስ ዓርኩ ወዲ-በያን ሓደ-ሓደ ኢሎም ምስ ሞቘም ንምውታን ዘከሩዎም’ሞ፡ “ከነዘናግዖም” ብምባል ደርገፍገፍ እናበሉ ናብ መካነ-መቓብር ከዱ።
ኣብ ውሽጢ መኻን ኣትዮም፡ ዩሱፍ ኣብቲ ከውታ ጊታሩ እናሃረመ ይደርፍ፤ “ኣቱም ከለኹም ዘይትሞቱ፡ ምስ ሞትኩም ዘይነበርኩም ትመስሉ፡” እናበለ በቲ ሓፊስን ኣስቈርቋርን ድምጹ ዘየመሎም። ብኡ ገይሩ ድቃስ ጠሊሙዎም ድማ ኣብኡ ሓደሩ።
ሎሚ ድሕሪ ሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ዩሱፍ “ከሎ ዘይመውት እናመሰለ” ድዩ ሓሊፉዎ ወይ “ከሎ ዝሞተ እናመሰለ” ወይ’ውን “ሞይቱ ከሎ ዘሎ እናመሰለ፧”
ነቲ ብዓልቲ ቤተይ ሃንደበት ዝሰንደወቶ ክትሓስብ ዝድርኽ ዘረባ ዝኸውን መልሲ ኣይጸንሓንን። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣትየ ክፍትሽ ጀመረኩ፤ ሓንቲ ከም ሓሙስ ቃለመሕትቱ ረኸብኩ – ምስ ራድዮ ኤስቢኤስ ትግርኛ ምስ በየነ ሰመረ ዝገበሮ ቃለመሕትት።
ኣብቲ ቃለመሕትቱ ካብቲ ዝተዛረቦ ንላዕሊ ኣብ መንጎ ዘረባታቱ ብዘይቃላት ዝስማዕ ዝነበረ ድምጺታት ዝያዳ ተንከፈኒ – ነቲ ፍሪኴንሲ ናይቲ ኮድ ድማ ዝፈታሕኩዎ መሰለኒ።
እንድዕለይ! ጌጋይ ይኽልኣለይ!
ኣዝማሪኖኣዊ ወይ መንደፈሪኖኣዊ ላዛ ኣዘራርባኡ ካብቶም እናጸነቱ ዝመጽኡ ዘለዉ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻታትና እዩ – ከምቲ ደርፉ ኣንደበቱ’ውን ደጋጊምካ ክትሰም ኣይምኖን እዩ።
ገለ ሓረጋት ግን ኣብሊጸን ናብ ኣስተንትኖ ዓዲመናኒ፤ 1) “ህይወት ኣፍሪስካ ህይወት ክትሃንጽ ቀሊል ኣይኰነን”፣ 2) “ኣብዚ ግዜ’ዚ ክደርፍ እንተዀይነ ንብዓት ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል”፤ 3) “ገሊኡ ሰብ ኣብ ቀትሪ፡ ገሊኡ ድማ ኣብ ለይቲ እዩ ዘሎ”፤ “ስነጥበብ፡ ለይትን ቀትርን ክፈሊ ኣይከኣለን”።
ሞት ዩሱፍ ልሙድ ፋንዋ ሓደ ደራፋይ ጥራሕ ኣይኰነን፤ ንሓያሎ ዓመታት ክንሓብኦን ክንርስዖን ንዝፈተንና “ሕዱር ስብራት” ኤርትራዊ መንነት ዘቃልዕ፡ ዓሚቝ ፍልስፍናዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መሪር ክውንነት እዩ።
ዩሱፍ ሓደ ውልቀ-ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ጽዋ ናይቲ ኣብ መንጎ ሰማያዊ ሕልምታትን መሪር ምድራዊ ክውንነትን ተቐርቂሩ ዝተረፈ ቃንዛ ወለዶታት እዩ።
ዩሱፍ ካብ መንደፈራ ከም ወሓለ ሳርቶ፡ ሙዚቀኛን ደራፋይን ዝጀመረ ህይወቱ ኣብ ዳርጋ መፋርቕ 1970ታት ኣብ ኣስመራ ኣጕላዕሊዑ፡ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ኣብ 1981 ናብ ሱዳን ተሰዲዱ ኣብ ምያዝያ 2023 ኲናት ሓድሕድ ተወሊዑ ኣብ 2024 ኣብ ካይሮ – ግብጺ ክነብር ጸኒሑ።

ጋዜጠኛ በየነ ሰመረ ብ2015 ቃለመሕትት ኣብ ዘካየደሉ፡ ፍሉጥ ደራፋይ ነይርካ፡ እዚ ኵሉ ዓመታት ንምንታይ ደሃይካ ዘይተሰምዐ ክብል ምስ ሓተቶ፡ “ህይወት ኣፍሪስካ ህይወት ክትሃንጽ ቀሊል ኣይኰነን፡” ኢሉዎ።
ዩሱፍ ከምዚ ክብል ከሎ፡ ሓደ ዓቢዪ ስነ-ህላወኣዊ ሓቂ (Ontological Truth) እዩ ገሊጹ። ኣብ ፍልስፍና ሞራል ወይ ስነምግባር፡ ህይወት ናይ ምስራሕን ምፍጣርን ቀጻሊ መስርሕ እያ። ስነጥበበኛ ድማ በቲ ልዑል ናይ ፍጣር ዓቕሙ ኣቢሉ ንትርጕም-ኣልቦነት ዓለም ትርጕም ዘልብስ “ፈጣሪ” እዩ።
እቲ ሰብ ዘዛርብ ፍቕሪ ምስታ ድሒራ ብዓልቲ ኪዳኑን ኣደ ደቁን ዝዀነት ሳባ ዘሕለፈ. . . ዩሱፍ፡ እቲ ደራፋይ ፍቕሪ ዝነበረ. . . ዩሱፍ ንሜዳ ወጺኡ ናብ ዝቐትል-ዝቕተል ዓውደ ውግእ ክሰጋገር ከሎ፡ እቲ ናይ ምፍጣር ተፈጥሮኡ ምስቲ ናይ ዕንወት ተግባር ክጋጨዎ ግድነት እዩ። ስለዝዀነ’ውን፡ ነቲ ዓብላሊ ትረኻ ጅግንነት ኤርትራውያን ዝዀነ ምውጻእ ናብ ሜዳ ኣብ ቃለመሕትቱ፡ “ዝዓበየ ጌጋ” ከም ዝነበረ ዝገለጸ።
“ኣነ ብፋስ ገይርካ ፈልጾ. . . ክብል ኣይክእልን እየ፣ ምኽንያቱ ኣነ ክፍለጽ ስለ ዘይደሊ።”
ሽዑ እቲ ግጥምን ዜማን እውን ከም ዝኣበዮ ይምስክር። ምፍራስ ህይወት ንሓደ ስነጥበበኛ “ነብሰ-ቕትለት” እዩ። እታ ንህይወት ካልኦት ዘፍረሰት ኢድ፡ ንባዕሉ ክትሃንጽ ክትጽዕር ከላ ዝፍጠር “መንነታዊ ቅልውላይ”፡ ንዩሱፍ ካብ ኣብ መድረኽ ዝወዛወዝ ሰብ ናብ ኣብ ስቕታ ዝነብር ሰብ ዘሰጋገሮ ይመስለኒ።
ዩሱፍ ድሕሪ ገድሊ ህይወት ክሃንጽ ዝፈተነ ብደርፊ ዘይኰነስ – ብስቕታ እዩ። እዚ ድማ ስነጥበብ ምስ እማን ህይወት ክጋጮ ከሎ ዝፍጠር ኣውያት ሕልና እዩ።
ከምኡ ይመስለኒ – ጌጋይ ይኽልኣለይ!
ቴዎዶር ኣዶርና ዝተባህለ ፍላስፋ፡ “ድሕሪ ኣውሽዊትስ ግጥሚ ምጽሓፍ ባርባራዊ እዩ፡” ክብል ዝገለጾ ሓሳብ ምስ ዛንታ ዩሱፍ ዝቃዶ ይመስለኒ። እቲ ንፍቕሪ ብሕንቃቐ ዝሕዝ፡ ፍትወቱ ገሊጹ ዘይዓግብ፡ ንምውታን ከይጽምዎም ርሕራሕ ዘርኢ ዩሱፍ ናብ ሜዳ ኤርትራ ከይዱ ኣሕዋት ኣብ ሓድሕዳዊ ውግእ ክቃተሉ ምስ ርኣየ፡ እቲ ናይ ቀደም ፍቕራውያን ዜማታቱ ትርጕም ስኢንሉ – “ሕጂ ክደርፍ እንተዀይነ ብዛዕባ ንብዓት እዩ፡” ኢሉ።
እዚ ንስነጥበብ ከም መዘናግዒ ዘይኰነ ከም “መስትያት ሓቂ” ከም ዝርእዮ እዩ ዘመልክት። ንብዓት ብባህሪኡ ክድረፍ ዘይኰነ ክንበር ጥራሕ ዘለዎ ስምዒት እዩ። ዩሱፍ ንብዓቱ ኣብ ውሽጡ ዓቚሩ ስቕ ምባሉ ንባዕሉ ሓደ ምልክት “ልዑላውነት ናይ ስነጥበብ” እዩ።
እቲ ዘይ-ተደርፈ ደርፊ፡ ልዕሊ እቲ ዝተደርፈ ሓቀኛ እዩ።
እቲ “ክሳዕ ሕጂኸ ብህይወት ጸኒሑ ድዩ!” ዘበሎ ንዓመታት ዝመረጾ ጽሞና ድማ ካብ ህይወት ምንስሓብ ዘይኰነስ፡ ናይቲ ዝተመኰሮን ዘስተንተኖን ዘይበርስ ሓወልቲ-ዝኽርን ቅዱስ-ተቓውሞን እዩ።
ዛንታ ዩስፍ ምስቲ ቲ.ኤስ. ኤልየት ኣብታ “ዘ ዌስት ላንድ” (ዝባደመት መሬት) ዘቕረቦ ስነጽሑፋዊ ትንቢት ዘለዎ ተዛማድነት ዘገርም እዩ። ኤልየት ነዛ ግጥሚ ዝጸሕፋ ድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ኰይኑ፡ ዓለም ፋሕፋሕ ኢሉ ሰብ ድማ ኣብ መንጎ ፍርስራስ ታሪኽን ዝዓነወ መንነትን ተቐርቂሩ ኣብ ዝነበረሉ መዋእል እዩ።
ዩሱፍ፡ ኣብ “ዝባደመት መሬት” ዝጠፍአ ኤርትራዊ ኦርፊዩስ እዩ።
ኤልየት “ምያዝያ እታ ዝጨከነት ወርሒ፡” ኢሉ እዩ ግጥሙ ዝጅምር። ምኽንያቱ፡ ምያዝያ ኣቝጽልቲ ዘጕላዕልዓላን ዕምባባት ዝበቝላላን ወርሒ እያ። “ዝጨከነት ወርሒ” ዝበላ ድማ ኣብቲ ዝባደመ መሬት ጽባቐ ከተብቍል ምርኣይ ንባዕሉ ቃንዛ ስለ ዝዀነ እዩ።
ዩሱፍ’ውን ከምኡ እዩ ነይሩ፤ ኣብቲ ብገድሊ-ገደልን ውግእ ሓድሕድን፡ ከምኡ’ውን ዝሰዓበ ዘይትጽቢታዊ መግደራ ዝዓነወ ኤርትራዊ ስነኣእምሮ፡ ደርፊ ፍቕሪ ምስማዕ ወይ ምድራፍ “ጭካነ” ኰይኑ ተሰሚዑዎ።
እቲ ዩሱፍ፡ “ስነጥበብ፡ ለይትን ቀትርን ክፈሊ ኣይከኣለን” ዝበሎ ምስጢራዊ ቃል፡ ነቲ ኤልየት “Unreal City” (ዘይሓቀኛ ከተማ) ዝበሎ ኵነታት ይገልጾ። ዩሱፍ፡ እቲ ለይቲ ዝረኣዮ “ምፍራስ ህይወት”፡ ነቲ ቀትሪ ክሃንጾ ዝደሊ “ምስሊ ህይወት” በሊዕዎ።
ከምኡ ይመስለኒ፣ ጌጋይ ይኽልኣለይ!
ዩሱፍ ኣብ ሱዳን ምስቲ ዘፍቅሮ ኣካሉ ምጥፋኡ፡ ነቲ ስደት ዘስዕቦ ምድምሳስ መንነት መርኣያ እዩ። ስደት ንሓደ ስነጥበበኛ ካብ ሰንሰለታዊ ኣሰሩ በቲኹ ኣብ ሓደ “ዘይ-ቦታ” (Non-place) የቐምጦ። ዩስፍ ኣብቲ “ዘይ-ቦታ” ደሃዩ ምጥፋኡ ድማ ሓደ ዓይነት ፍልስፍናዊ ምሕባእ ይመስለኒ።
ካብ ጠማቲ ዓይኒ ሕብረተሰብ ተሰዊሩ። ሰባት ንስነጥበበኛኦም ከም ኣቕሓ ክጥቀምሉ ጥራሕ እዮም ዝደልዩ – ኣባና ድማ ዝበኣሰን ዝመረረን። ዩሱፍ ግን ንነፍሱ ካብቲ ከም መዘናግዒ ክጥቀመሉ ዝደሊ ሕብረተሰብ ነጺሉ ኣብ ውልቃዊ ቃንዛኡ ክጥፍእ መሪጹ። እዚ ምጥፋእ’ዚ፡ ነቲ ዝተሰባበረ ዓለሙ ንምዕቃብ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ምርጫ ይኸውን።
እንድዕለይ! ጌጋይ ይኽልኣለይ!
ዮሱፍ ኣብታ ጆን ኪትስ “Ode on a Grecian Urn” እትብል ዝገጠማ’ውን ጐሊሑ ይርኣየካ። ኪትስ ኣብታ ብኻይለ ዝተሰርሐት መካን ዕምባባ ወይ ሓመድ-ኣዳም (Urn) ንዝርኣዮ ስእሊ ሙዚቀኛታት፡ ደርፎም ኣይስማዕን እዩ። ግናኸ ካብቲ ዝተዘየመ ደርፊ ንላዕሊ ንነፍስና ይዝንኖ ይብል። እቲ ዝተዘየመ ደርፊ ብእዝኒ ጥራሕ እዩ ዝስማዕ፡ ንወዮ ዘይተሰምዐ ግን ኣብ ሕልናናን መንፈስናን ጫፍ-ኣልቦ ትርጕም ክንህቦ ንኽእል ኢና።
ዩሱፍ፡ “እቲ ንሓደ ለይቲ፡ ነቲ ካልእ ድማ ቀትሪ” ምዃኑን “ስነጥበብ፡ ለይትን ቀትርን” ክፈሊ ከም ዘይከኣለን ዝገለጾ፡ መግለጺ ናይቲ ንደቅሰብ ከጋጥሞም ዝኽእል ዝኸበደ “ናይ ንቕሓት ምዝባዕ” እዩ። እዚ ቃል’ዚ ምስቲ ጆን ኪትስ “እቶም ዝተሰምዑ ዜማታት ጥዑማት እዮም፡ እቶም ዘይተሰምዑ ግን ዝያዳ ይምቅሩ፡” ዝበሎ ሓሳብ ዓሚቝ ምትእስሳር ኣለዎ።
ኪትስ ንስነጥበብ ከም መግለጺ ዘለኣለማዊ ጽባቐ ክርእዮ ከሎ፡ ዩሱፍ ግን ንስነጥበብ ከም “ምስክርነት ሓቂ” እዩ ርእይዎ። እቲ ዩሱፍ ንዓመታት ዝሓዞ ስቕታ፡ እቲ ኪትስ ዝበሎ “ዝያዳ ዝምቅር ዘይተሰምዐ ዜማ” እዩ። ብዓይኑ ዩስፍ እዚ ዜማ ዝምቅረሉ ምኽንያት ግን ብጽባቐኡ ዘይኰነስ ካብቲ ዝዀነ ዜማ ክጾሮ ዘይክእል ቃንዛ ስለ ዝተወልደ እዩ።
እንድዕለይ! ጌጋይ ይኽለኣለይ!

ካልእ ኣስተንትኖ ዘድልዮ ተራ ዝመስልን ዝደጋገምን ሕቶ ኣሎ፤ “ስለምንታይ ኢና ንስነጥበበኛታትና ብህይወት ከለዉ ንቐብሮም፡ ምስ ሞቱ ከኣ ካብ መቓብሮም ክንፍሕሮም ንፍትን፧”
እዚ ኣብ ኤርትራዊ ስነኣእምሮ ዘሎ ሕዱር ሕማም፡ “ድሕሪ ሞት ዝስዕብ ቅዱስነት” (Posthumous Sanctification) ይበሃል። ኣብቲ ገድሊ ዝነበረ “ምስ ተሰዋእካ ኢኻ ትእመን” ጥራሕ ኣይኰነን – ኣብቲ ድሕረ-ከተማውነት ዝተሃንጸ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ’ውን ኣዒሙ ዘሎ እዩ።
ሕብረተሰብ ንዩሱፋ ስዒዳት፡ ተወልደ ረዳታታት፡ ንጉሰ መንስዓያታት፡ ዳንኤል ሰመረታት፡ ግርማይ ሳንዲያጎታት፡ ኤርምያስ ዕቝቡታት፡ ሃይለ-ቢዘናት፡ ኣብራር ዑስማናት፡ ይርግኣለም ፍስሃታት፡ ዮሃንስ ትካቦታት. . . ብህይወት ከለዉ ዕሽሽ ዝብለሉ ምኽንያት “መስትያት ቃንዛና” ስለ ዝዀኑ እዩ።
ንዩሱፍ ብህይወት ከሎ ምርኣይ ማለት፡ ነቲ ውሽጥና ዘይመልኣልና ስደትናን ሃዶሽዶሽ ዝበለ ሕልምታትናን ምርኣይ ማለት እዩ። ምስ ሞተ ግን እቲ ስጋን ደምን ሓቀኛ ዩሱፍ ስለ ዝጠፍእ፡ ብድሕሪኡ ሕብረተሰብ ንዩሱፍ ከምቲ ዝደልዮ ገይሩ ክስእሎ ይኽእል – “ኣቦ ዘመናዊ ሙዚቃ፡ ጐይታ ቦክስ-ጊታር፡ ዘይድገም፡ ኤርትራ ከሲራ – ገለመለ ገለመለታት።”
እዚ ከም ዩሱፍ ዝኣመሰሉ ቅኑዓት ስነጥበበኛታት ምስ ሞቱ ዝግበር ወደሳ፡ ነቲ ሕብረተሰብ ኣብ ልዕለኦም ዝፈጸሞ “ናይ ዕሽሽታ በደል” ንምሕጻብ ዝግበር ናይ ሕልና ወቐሳ መግለጺ እዩ።
ንምውታን ብምውዳስ ነቶም ህያውያን ዘለዉ ዩሱፋት ግን ግልጽ ኣይብልን – እቲ ዓንኬል ይቕጽል።
እዋእ ዕንድዕለይከ – ጌጋ ይኽእልኣለይ!
ዩሱፍ፡ እቲ “ንብዓት ጥራሕ እዩ ዘሎ” ዝበሎ ደርፍታት ከይደረፎ እዩ ሓሊፉ። እቲ ዘይተዘየመ ደርፊ ግን ካብቲ ዝተደርፈ ንላዕሊ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ከቃልሕ እዩ።
እቲ ኣብ ጽሞና መኒንካ ካብዛ ዓለም-ኤርትራ ምሕላፍ፡ ናይ ሓደ እማን ስነጥበበኛ እጹብ-ድንቂ ስርሓት (Masterpiece) እዩ። ዩሱፍ ሎሚ ካብቲ “ንብዓት” ናብ “ዘለኣለማዊ ጽሞና” ተሰጋጊሩ ኣሎ፤ ንሕና ግን ገና ነቲ ‘ብምዃን’ ዝሓደገልና መልክዒ-ሕልና ተሰኪምና ንነብር ኣለና።
“ኣነ ዓዲ ውዒለ ወንጭፈይ በቲኸየ / ውኻርያ ከይተብልዑለይ ነዘን ኣባጊዐየ።”
