እዚ ብሎግ’ዚ፡ ተውላሕ ዝበሉኒ ተመስጦታት፡ ወግዒ ብዛዕባ ስርዓተ ጽሕፈት ትግርኛ፡ ምስትምቓርን ህየሳን ፍርያት ስነጽሑፍ፡ ነገረ ኣስተራትዖን ንድፈ-መጽሓፍን ወዘተ የቕርብ።
ዓንቀጻት
ተመስገን ጣኒቆን ቆፎ ጎዶፋይን
ተመስገን ገብረስላሴ (ጣኒቆ) ኣብ 2004 ንዝበዝሕ ስርሓት ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን ሒዙ “ዋላ ኣይከሰብ” ብእትብል ኣልቡም ምስ መጽአ፡ ኣብ ገዛ፡ ኣብ ባራት፡ ኣውቶቡሳት ንዅሉ ድምጺታት ዓብሊሉዎ ክስማዕ ግዜ ኣይወሰደን፤ ጣኒቆ ዝበሃል ክዳን፡ ቆቢዕ፡ ጫማ. . . እውን መጺኡ። ድሕሪ እታ “ሰብ’ዩ መኽሰብ” እትብል ኣልበሙ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ናይ ጥዕና ቃልሲ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ካምፓላ – ኡጓንዳ ምርኢት …
ጭውነት ዛካዮ
ካብ ካምፓላ ተጓዒዝና ኣብ ኢንተበ ደሴት ናምባ በጻሕና። እዛ ደሴት’ዚኣ ስፍሓታ ክንዲ ሃገረ ቫቲካን ይመጣጠን። ኣብ ከርሳ ድማ ብዙሓት ካብ ሕማቕ ኵነታት ዝደሓኑ እንስሳታት ዘ-ገዳም ተዓቚቦም ይርከቡ – ከምዚ ንኣይ ኡጓንዳ ዓቚባትኒ ዘላ። መእተዊ ክንከፍል ኣብ ዝተሰራዕናሉ፡ ህንጡያት ዝነበሩ ደቀይ ንውሽጢ ክኣትዉ ተረበጹ። ሃገረ ኡጓንዳ ውጽእቲ ፓን-ኣፍሪቃዊት እያ፣ ኣብ ዝዀነ ቦታ፡ ኣፍሪቃዊ ዜጋ ልክዕ ከም …
ጾመ ልሳን
ንኽንደይ መዓልታት ካብ ምዝራብን ምስማዕን ክትጸውም ትኽእል፧
ብዛዕባ
ኣብ ፈለማ ዕስራታት ዕድመይ ግጥሚታት ጽሒፈ ከሕትም ድላይ ነበረኒ – ኣይገበርኩዎን። ጸኒሑ፡ ጽዋ (ኖቭል) ንምጽሓፍ ድፍኢት ሓደረኒ – ኣይተኻእለን። ዓመታት ሓሊፉ ድርኵኺት ኣርባዓታት ረጊጸ – ክልተኡ የሎን። ዕድመ ተመኵሮ ምዃኑ ከይተርፎ ከኣ በብውልቂ ዝተጻሕፉ ስነጽሑፋዊ ፍርያት ትግርኛ (ድራማ ዝጐሰየ) ብስነጽሑፋዊ ክልሰ-ሓሳብ እናተተንተኑ ቅሻረቶም ብምልላይ፡ ‘ስነጽሑፋዊ ልምዲ’ ንምስራት በሃግኩ – ክውንነት ህይወት ኣይፈቐደን። ባህጊ ጥራሕ ሒዘ ካብ ምትራፍ ወትሩ ንእሽቶ ውጥም ቅልቅል ካብ ምባል ዘይበዀረት ግን ብዛዕባ ስነግጥሚ ትግርኛ ምርምር ምክያድ እያ። ደፋኢ እንተ ረኺባ ኣብ ፍርቂ ዓቐብ በጺሓ ኣላ።
ኣብ ብሕታውያን ጋዜጣታት ጀሚሩ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝቐጸለ ምጽሓፍ ዓንቀጻት ግን ዳርጋ መስመሩ ዘይበተኸ ነበረ – ክሳዕ 2010። ካብ 2008 ጀሚረ ኣብ ኣስተራትዖን ሕትመትን መጻሕፍቲ ክነጥፍ ጀመርኩ። ከም ተመኵሮን ኣበርክቶን ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነቲ ናይ ምጽሓፍ ድላየይ ግን ዝዳረግ ኣይነበረን። ሕጂ ከኣ ሓድሽ ስደተኛ ኣብ ሓድሽ ብሎግ።
መዋግዒ
ርእይቶታትኩም ጸሓፉን ሃይሱን።
