ጭውነት ዛካዮ

ካብ ካምፓላ ተጓዒዝና ኣብ ኢንተበ ደሴት ናምባ በጻሕና። እዛ ደሴት’ዚኣ ስፍሓታ ክንዲ ሃገረ ቫቲካን ይመጣጠን። ኣብ ከርሳ ድማ ብዙሓት ካብ ሕማቕ ኵነታት ዝደሓኑ እንስሳታት ዘ-ገዳም ተዓቚቦም ይርከቡ – ከምዚ ንኣይ ኡጓንዳ ዓቚባትኒ ዘላ። መእተዊ ክንከፍል ኣብ ዝተሰራዕናሉ፡ ህንጡያት ዝነበሩ ደቀይ ንውሽጢ ክኣትዉ ተረበጹ። ሃገረ ኡጓንዳ ውጽእቲ ፓን-ኣፍሪቃዊት እያ፣ ኣብ ዝዀነ ቦታ፡ ኣፍሪቃዊ ዜጋ ልክዕ ከም ዜጋኣ ውሑድ እዩ ዝኸፍል። እቶም ምሳና ተሰሪዖም ዝነበሩ ፈረንጂ ዝኸፍልዎ ገሪሙና ምስ ብዓልቲ-ቤተይ ተጠማመትና፣ ዓዲ ስደትና ኡጓንዳ ውዕለታ ብዙሕ እዩ።

ኣብቲ ጫካ፡ ማእከል ትምህርቲ እንስሳ ዘገዳም ኡጓንዳ ኣሎ፣ ኣብቲ ቀጽሪ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ኣብ ሓሓጹራቶም ይርኣዩ። እቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ፈለግ ቪክቶርያ ድማ ብጫፍ ደንደሱ በጨቕ-በጨቕ ክብል ምስ ዝተፈላለየ ድምጺ እንስሳታት ተወሃሂዱ ይስማዕ።

ኣብቲ መካነ-እንስሳታት፡ ካብ-ናብ ሓጹር ዝተፈላለዩ እንስሳታት እናተዓዘብና፡ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ናይታ ደሴት፡ ዝተኣከቡ ሰባት ንኣቓልቦና ሰሓቡዎ። ኣብ ማእከሎም፡ ሓወልቲ ናይ ሓደ ቺምፓንዚ ተተኺሉ ይርአ፣ ኣብ እግሩ ድማ “ዛካዮ፡ 1963 – 2018” ዝብል ጽሑፍ ይንበብ። ኣብ ጐድንና ንዝነበረት ሰበይቲ፡ ንምንታይ ከም ዝተኣከቡ ሓተትኩዋ።

“ሎሚ፡ መዓልቲ ዛካዮ እዩ። ውዕለቱ ንምዝካርን ብኡ ኣቢልና ድማ ንዕቃበ እንስሳታት ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ቃል ንኽንኣቱን ኢና ተኣኪብና ዘለና፡” ኢላ ሓንቲ ወረቐት ኣቐበለትኒ።

“ዛካዮ” ዝብል ቃል፡ ኣብ ኣርእስቲ ደርፊ ናይ ህቡብ ኡጓንዳዊ ደራፋይ ኪንግ ዛሃ ሰሚዐዮ ነበርኩ’ሞ፡ ብደረጃ ሃገር ዝጽንበል ዓቢዪ ሰብ ክኸውን ኣለዎ ኢለ ሓሰብኩ። ነቲ ወረቐት ከንብቦ ምስ ጀመርኩ ግን ካብ ግምተይ ዝርሓቐ ደኣ ጸንሐ፣ ዛካዮ ኣብ ትሕቲ መካን ካብ ዝርከቡ ቺምፓንዚታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ እቲ ዝሸምገለ ከም ዝነበረን ኣብቲ ብ1952 ዝተመስረተ መካነ-እንስሳታት ልዕሊ 40 ዓመታት ከም ዝተቐመጠን ኣንበብኩ።

ዛካዮ ወዲ ሓደ ዓመት እንከሎ፡ ኣብ ምዕራብ ኡጓንዳ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ስለ ዝነበረ፡ ብ10 ሰነ 1964 ብወለንተኛታት ስድራ ተወሲዱ ምስኦም ክሳዕ 1976 ተቐመጠ። ኣብቲ ዝነበረሉ ዓዲ፡ ሰባት ብዙሕ ሕማቕ ወልፍታት ኣላሚዶሞ ነበሩ፣ ክሳዕ ሽጋራ ብዝተፈላለየ ሓራካት የትክኽ ነበረ። ቍጡዕ እናዀነ ብምምጽኡ ከኣ እቶም ስድራ ኣብ 13 ዓመቱ ናብ ማእከል ትምህርቲ እንስሳ ዘገዳም ኡጓንዳ ኣረከቡዎ። ኣብቲ እቶም ቺምፓንዚታት ዝቕመጥሉ ቡዶንጎ ዝተሰምየ ጫካ ድማ ጠባዩ እናተመሓየሸ፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ቺምፓንዚታትን በጻሕቲ ሰባትን ፍቱውን ህቡብን ክኸውን በቕዐ።

ካብቲ ዝኣተወሉ ዓመት ኣትሒዙ ክሳዕ 2012 ድማ ኣርሓ ናይቲ ጭፍራ (Alpha male) ኰይኑ፡ ን36 ዓመታት መርሐ። ኣብ ጭፍራ ቺምፓንዚ ስልጣን ምሓዝ ብዙሕ ረቋሒታት ዝሓዘን ዝተራቐቐን ኰይኑ፡ ናይ ዕብለላ ዓቕምኻ፡ ማሕበራዊ ቦታኻ፡ ምስ ካልኦት ዘለካ ልፍንታዊ ዝምድና፡ ተመኵሮኻ ወዘተ ይውስኖ። ይዅን’ምበር፡ ሓይለ-ስልጣን ማእከል ናይ ኵሉ እዩ። ዛካዮ ነቲ ጭፍራ ኣብ ምምራሕ ፍሉይ ሜላ እዩ ተጠቒሙ፣ ንንኣሽቱ ብፍሉይ ብምክልኻልን ዝልዓሉ ግጭታት ብምትህድዳእን፡ እቲ መካን ሓያል ስድራቤታዊ ምትእስሳር ንኽእልዎ ብብቕዓት መርሐ።

ዛካዮ እናሸምገለ ምስ መጽአ፡ ዘይከምቲ ብብዝሒ ኣብ ጭፍራ ቺምፓንዚ ዝርአ ብዕልዋ ስልጣን ምምንዛዕን ምስኣንን፡ ብ2012 ብሰላማዊ መንገዲ ንማቱከ ስልጣን ኣረከቦ። ዛካዮ፡ ማቱከ እናመርሐ እንከሎ’ውን ክብሩ ዓቂቡ ክቕጽል ከአለ፤ ናይ ጕጅለታት ባእሲ ኣብ ዝለዓለሉ እዋናት፡ ኵሎም ነናብ ቦታኦም ክኣትዉ ብምእዛዝ ስርዓት ካብ ምትሓዝን ሰላም ካብ ምንጋስን ኣይበዀረን።

ዛካዮ፡ ስልጣንካ ብሰላማዊ መንገዲ ምስግጋር ኣብነት እኳ እንተዀነ፡ ኣልሙና ዝተባህለ ቺምፕ ንማቱከ ኣብ ዓመቱ ዕልዋ ገይሩሉ ክሳዕ ሕጂ ኣርሓ ናይቲ ጭፍራ ኰይኑ ይመርሕ ኣሎ።

በቲ ብዛዕባ ዛካዮ ዘንበብኩዎን ዝሰማዕኩዎን ተደነቕኩ። ንሓደ ሰብኣይ ቀሪበ፡ “ንዛካዮ መኣስ ትፈልጦ፧” ኢለ ሓተትኩዎ።

“ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት-50ታት ዘለና ብዙሕ ዝኽሪ ናይ ዛካዮ ኣሎና። ባናና፡ ፍሩታታት ንኽትህቦ ዝገብሮ ዝነበረ ምግምጣላት ፍሉይ እዩ። ደቀይ’ውን ኣርኪቦም ናቶም ዝኽሪ ኣሎዎም። ንኡ ክርኢ ዝመጽእ ዝነበረ በጻሒ ብዙሕ እዩ፣ ኣብዚ ሃገር ካብ ዘለዋ ብዙሓት ብልሽዋት ትካላት ንላዕሊ፡ ንሱ ዘበርከቶ ይበዝሕ፡” በለኒ።

ዛካዮ ክዓርፍ እንከሎ ክልተ ኣንስቲ ነይረንኦ – ኣሚናን ሩትን። ከም ደቁ ገይሩ ዘዕብዮም ክልተ ውሉዳት’ውን ነበሩዎ። ኣብቲ ዝተገብረሉ ክብ ዝበለ ናይ ፋንዋ ወግዒ፡ ደርፍታት ተደሪፉሉ፡ ግጥምታት ተገጢምሉ፡ ቃለ-ምስክርነት ተነጊሩሉን ሰፊሕ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሸፈነ ተዋሂቡዎን።

ኣብ 2018 ካብ ዝዓርፍ፡ ንዝኽሩ ዓመታዊ ዝእከቡ ሰባት ካብ ሃለዉ፡ ኣብ ሓባራዊ ዝኽሪ ናይቲ ሕብረተሰብ ዘሎዎ ቦታ ተረድኣኒ። ልዕሊ ኵሉ ግን፡ ፖለቲካ ናይታ ኣነ ተሰዲደ ዝወጻእኩላ ኤርትራን ብገለ ሸነኹ ናይታ ኣዕቝባትኒ ዘላ ኡጓንዳን ኣሰላሲለ፡ ኣብ ቺምፓንዚ ዛካዮ ዝሰማዕኩዎ ጭውነት ገረመኒ። ንኽስኣል ድማ ስድራይ ኣኪበ ኣብ ትሕቲ ብምስሉ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ቈምኩ።

ዳየሪ 2006፣ ቀጨውጨው

ኣብ ፊት ካቴድራለ ኣብ እትርከብ ካፈ ኮፍ ኢልና ነዕልል ነይርና። ጨሓሒመ፡ ወዘልዘል ኢለ ነይረ። ከምኡ ኢለ’ውን ኣለኹ።

“እቲ ግኒኻ ከይዱልካዶ፧” – ሓተተኒ ማይክ (ሚካብ)።

“ኣይከደለይን።”

“ኣጀልጦ ምሽ ኢለካ፧”

ስሒቐዮ። እባ ፍሽኽ ኢለዮ። ረሲዐዮ እየ’ምበር፡ ንሰሓቕ ዝኸውን ሓይሊስ እባ የብለይን።

“ብዙሕ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ፧” ኢሉኒ።

“ብዙሕ ኣይኰንኩን” በልኩዎ፣ ሓሲየ እየ። ብዘይቈጻጸሮ ሓሳብ ተሓሚሰ ኣለኹ። ውሽጠይ ገሊሀ ግን ንሓደ ሰብ’ኳ ኣየርኣኹን። ሓባእ ቍስሉ እየ። ቍስለይ ከርኢ ከም ዘለኒ ዘርኣየኒ የሎን። ዝመሃረኒ የሎን። ዘውጓዓኒ ስነ-ጽሑፍ የሎን። ቍስለይ ሓቢአ፡ ዋላ ሓደ ከም ዘይኰንኩ ክመስል’የ ተማሂረ፣ ክኢለዮ ከኣ።

“ዲፕረሽን ክኸውን ይኽእል’ዩ። you are an engineer, you re an artist. You have a good future. ኣብ መስትያት ቀሪብካ፡ ነቲ ኣብ መስትያት ዘሎ tell him who you are.“

“መስትያት ዘይብለይ!”

ስሒቑ። ፍሽኽ ኢለ። ምስለይ ዝርእየሉ፣ እንታይ መሲለ ከም ዘለኹ ዝርእየሉ መስትያት የብለይን። ምስሎም ዝርእይሉ መስትያት ዘሎዎም ክንደይ ይዀኑ፧ ክስእሎም ኣይከኣልኩን። ኣብ ዓድና እተሰርሐ መስትያት፡ እንተ ከፊእና ከፊእኩም ኣለኹም። እንተ ጸቢቕና እዚ’ዩ ግርማኹም ዝብለና የብልናን። ሓሳበይ ይቕጽል ነይረ።

“ሙዚቃ ትሰምዕዶ፧” ሓተተኒ።

“እወ።”

“ነዚ ናይ ሎሚ ደርፍታት ከይትሰምዖ። ዋላ ንሱ ይኸውን ዘሕምመካ ዘሎ። ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ገዛ ተወሊዑ ይጸንሓኒ። ጸኒሑ ቀጨውጨው ይብለኒ። ከም ስርዓት እርበሽ። እንታይ’የ ኰይነ እብል። ደሓር የስተውዕለሉ። ከይትሰምዖም! ካብ ፍቖዶ ጕሓፋት ኣራርዮም ዝሰርሑዎ ሙዚቃ የሕምመካ’ዩ። ዋላ ኣብ ባር ኣብ ዝዀነ ኣይኣቱን’የ። ክሰቲ እንተዀይነ ኣብ ባር ዲያና’የ ዝሰቲ። take care ok. ዋዛ ከይመስለካ፣ ንስኻኮ intellectual ኢኻ። ምሳኻ ዝኸይድ ሙዚቃ ክትሰምዕ ኣለካ። ናይ ሞዛርት ወይ ቢትሆቨን እሞ ስምዓዮ፡ እቲ ሙዚቃ ምስ ተረድኣካ ደረጃኻ ክትፈልጥ ኢኻ take care ok.“ – ርእሰይ ነቕነቕኩሉ። ንጽባሒቱ፡ ንኢሳይያስ ዓርከይ ኣዕሊለዮ። ስሒቑ፣ “ሓቁ እዩ” ኢሉኒ። ንምሸቱ ናብ ህድሞና ከይድና ብጭራ ዋጣ ሳዕሲዕና። ነቲ ተጻዒኑኒ ዘሎ ከህድመለይ ተተስፍየ። ሰለስተ ሰባት ብሓንሳብ ሓዲርና። ንንግሆኡ፡ ኢሳይያስ ነቲ መቐመጢ ካሴተይ ክገላብጦ እንከሎ ብድቍሰይ ኰይነ እሰምዖ ነይረ። ኣብርሃም’ውን ተበራቢሩ የዕልሎ ነይሩ። “እዚኦም እንድዮም ዝጻወቱሉ ዘለዉ፡” እናበለ፡ ነቲ ካሴታት ይፈልዮ ነይሩ።

“እእ…እም! ትርእዮ ኣለኻ፧” ኢሉዎ። ኣነ ኮቦርታ ተሸፊነ እየ ነይረ። ድቃስ ስለ ዘይጸገብኩ ከኣ ክትንስእ ኣይደለኹን።

“ሓቁ እንድዩ ደኣ ‘ዝወዲ!” በለ። እታ ካሴት ክትወድቕ እንከላ ከኣ ተሰምዐት። ነተን ‘ኣሕሚመንኦ’ ዝበለን ንበይነን ይፈልየን ነይሩ።

“ኦይ! እዚ ወዲ ደኣ ባርዕ እንድዩ ዘድልዮ ዘሎ። ትርእዮ ኣለኻ፧” በሎ። ኣብርሃም ከኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ “ጻዕዳ ዓይነይ ከይግምጠል ምስ ኵሉም ወለደይ፡ ኣዕሩኽተይ…” በለ። ናይ መን ካሴት ደኣ ኰይና ኢለ ኮቦርታ ጋሊሀ ጠመትኩዋ። ፍሽኽ ኢለ። ምስ ርኣየኒ፡ “ኣይሓቅኻ እንዲኻ ክትሓምም!!” በለኒ። ነቲ ጽሑፍ ዘሎዎ ብጽሑፉ፡ ነቲ ዘይብሉ ከኣ እናፈተነ ፈለዮ። ካብ ገዛ ወጺእና ናብ ከተማ ከድና።

ንምሸቱ፡ ኣራንሺ፡ ባሽኮቲ፡ ጸባ ሒዘ ንገዛ ኣተኹ። ነቲ ኣቝሑ ወጋጊነ፡ ነቲ ‘ዘሕመመካ’ ዝበሉዎ ካሴታት ንኽጕሕፎ ንበይኑ ኣቐሚጠ ገዛ ወልወልኩ። ዝነበረ ረሳሕ ካልሰይን ብታንተይን ከኣ ኣለኽኩዎ። ጸባን ባሽኮትን ድሕሪ ምብልዐይ፡ ሓጺበ ሰጣሕኩዎ። ነዚ ኵሉ ክገብር ከኣ ናይ ኦሬንታልስ (ናይ ቻይና…) ኢንስትሩመንታል እናሰማዕኩ’የ። እቲ ዝበሉዎ ዳርጋ ኣመንኩዎ። ክልተ ካሴታት ናይ ሞዛርትን ቢትሆቨንን ከምልአን ከኣ ቀረብኩወን። ዓራት ኣንጺፈዮ። ተጋዲመ ኣራንሺ በላዕኩ። ጥዑም ኣይነበረን። ትርኢቱ ግን ይበል እዩ። ጽቡቕ’ዩ ኢላ’ያ ሸይጣትለይ።

ብድሕሪኡ ቅዱስ መጽሓፍ ኣንቢበ ደቀስኩ።

ዳየሪየይ፣ ናይ ቅድሚ 15 ዓመታት

ገንዘብ ካብ ዘይሕዝ ክንደይ ኰይኑ፧! ብዙሕ መዓልታት። ወርሒዶ ይኸውን፧ ኣይኣክልን’ዩ። ግና ንኣይስ ነዊሑኒ። ኣብታ ገዛይ ዋላ ዝብላዕ መግቢ ኣይነበረን። ካበይ ደኣ’ሞ ይብላዕ ኣነ፧ ኣጋጣሚታት’ዮም ክምግቡኒ ቀንዮም፣ ኣብ ከብድኻ ዝኣትዉ ዘይጠቕሙ ቍሩጽራጽ ነገራት ጥራሕ። “ጸጊበ” ካብ ዘይብል ክንደይ መዓልታት ኰይኑ፧! ፈላጢየይ ብዙሕ’ዩ፣ ገንዘብ ስኢነ ዝጠሚ ዝመስሎም ግን ሒደት’ዮም።

ኣቤት’ባ ዘሎ ቍሪ! ነዚ ቍሪ ዝምክት ምቘት ካበይ ክረኽቦ እኽእል፧ ኣብዛ ጽብቕቲ፡ ኣብዛ ካብ ልበይ ዝፈትዋ ከተማ ብዝኸድኩዎ ሽታታት መግቢ ይጎንፉኒ’ዮም። ግና ንኣይ ኣይኰኑን። ብጥምየት ተሓስየ በቲ ጐደናታታ ክኸይድ እንከለኹ – ይገርመኒ። ኣብቲ ኣብያተ መግቢ ብዙሕ መግቢ ኣሎ። ኣብ ኣብያተ መግቢ ጸጊቦም ዝገደፉዎ ተረፍ ይጓሓፍ። ንኣይን ከማይ ዝኣመሰሉን ክንሓስብ ሓይሊ ምሃበና። ኣብቲ ድኳናት ዝተንጠልጠለ ባናና፡ ኣራንሺ ወዘተ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካብኡ ክትበልዕ ኣይትኽእልን። ንሱ ንዝጠመየ ኣይኰነን። ንሱ፡ ገንዘብ ንዘሎዎ’ዩ።

ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ክልተ ባኒ ብዘይጠቅም ጸብሒ’የ ዝበልዕ። ጥርሑ ክልተ ባኒ በሊዐ እውዕል ኣለኹ ምባሉ ይቐልል። ነብሰይ ከም ዝፈዀሰ ይስምዓኒ ኣሎ። ትማሊ ምስ ተመሳሕኩ ሕጂ ከኣ ቍርሲ ክረክብ ድየ ክስእን ኣይፈለጥኩን ኣለኹ። ንኽሓስብ’ውን ሓይሊ ስኢነ ኣለኹ። ኣብዚ ዓይነይ ገለ ነገር ሽፍን ኣቢሉኒ ኣሎ። ድምጸይ ደፊኡ ዘውጽኦም ሓይሊ ስኢኖም ተዀርምዮም ይጽበዩ ኣለዉ። ኮታ ኵሉ….

ርቕቕ ኢሉ ካብ ብርካ ቍሩብ ውርድ ዝበለ ጻዕዳ ስረ ገይራ፡ ኣብ ርእሳ ጻዕዳ ቆቢዕ ዝገበረት ቀያሕ ጓል ናባይ ትቐርብ ኣሎ – ሲልቫና። ብኸምኡ’የ ነዚ ሓሳብ ዝቖረጽኩዎ። ናባይ ድያ ትቐርብ ዘላ፧

“ርሳስ ኣለካ ድዩ፧”

ደልየላ – ረኺበላ’ውን። ኮሸምሸም ኣይበልኩላን። ሓይሊ የብለይን። እምበር፡ ክትመጽእ እንከላ፡ ‘ማራ ኬፍ ኣለካ’ ክሳብ እትብለኒ’የ ኣስሕቕ ዘብላ። ሓንቲ መዓልቲ’ውን ካልእ ይስዕብ ይኸውን። ሽዑ ክንደይ ክትስሕቕ’ያ። ከብደይ ናይ መግቢ ጻውዒት ይገብረለይ ኣሎ። ጻውዒት ህዝቦም ዘይሰምዑ መራሕቲ ሃገር ብዙሓት’ዮም። ኣነ ጻውዒት ከብደይ ዘይምስምዐይከ፧ ከምዚ ናተይዶ ይኸውን ጸገሞም፧ ክንደየናይ! ንኣይ ምርጫይ ኣይኰነን። ንኦም ግን ምርጫኦም’ዩ። ጻውዒት ህዝቦም ዘይሰምዑ እንተ ዀይኖም ነቲ እዝኒ ዘሎዎ ክሓድግሉ ይኽእሉ’ዮም። ኣነ ንመን ክሓድገሉ እኽእል፧ ካልእ’ኳ ከይከውንስ ጥሜት ክትሓድገሎም ከኣ ኬፍ ዘይብሉ።

+++

ትማሊ ካብ ስራሕ ምስ ተፈደስኩ፡ ሚእትን ገለን ዝዀና ናይ ኣበል ገንዘብ ክወስድ ምስ ክልተ መዋዕልተይ ናብቲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ናይ መዋዕሎና ኬድና። ቍጽሪ ታሴራና ኣመዝጊብና ናብ ካሼር ምስ ከድና፡ “ገንዘብ ደኣ ዘየሎ። ጽባሕ ክትመጽኡ ኢኹም፡” በለቶ።

“በጃኺ” ዝዓይነቱ ምስኪንኪን ኢሉላ።

“ሰዓት ኣርባዕተ እንዲኹም ትምለሱ…” ክትብሎ እንከላ፡ በየን ከም ዝወጽአ ዘይፈለጥኩዎ ድምጸይ፡ “ንዓናይ! ንዓናይ!” በለ። ገሪሙኒ። እዚ ከምዚ ምኣስ’ዩ ዝገድፈኒ። ሓድሓደ ግዜ ስምዒታተይ ባዕሉ ኣለኹ ይብል’ዩ። እንታይ ይበሃል’ዚ – ኣብ ገለ ከእትወኒ’ዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ፍሉጥ ነገር ምዝርራብ ክህሉ እንከሎ’ዩ ግንፍል ዝብለኒ። ንሳ ርዱእ ክትዛረብ፡ ንሱ ዘየድሊ ኣዒንቱ ኣመስክን ኣቢሉ ልምእምእ ክብለላ ምስ ርኣኹ’የ ‘መስለኒ ዘይተዋሕጠለይ።

“ከይደ’ለኹ፡” ኢለዮ ዕርብ።

ኣብ መንገዲ ናይ ኣብርሃም ብሽክለታ ርኣኹዋ። ንሳ ትሓይሽ። ዝሕብር እንዲና ስኢንና ዘለና፣ “ኣብርሃም ኣብዚ’ሎ፧” ኢላትኒ ማለት እኮ’ዩ – ኣትየ ናብ ሆቴል ሳንሻይን። ነቶም ብየማነ ጸጋም ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሎም ኣበይ ከም ዘለዉ ዝረስዑ ኣፍ ንኣፍ ተወሃሂቦም ጕጅም ዝብሉ ዝነበሩ ፍቑራት ሓሊፈ፡ ንውሽጢ ናብቲ ፒያኖ ባር ኣተኹ። ጥር ዝብል ሰብ ኣይነበረን። ተመሊሰ ንላዕሊ ክድይብ እናበልኩ፡ ናብቲ ኣትክልቲ ዘሎዎ ቦታ ዘውርድ ኣስካላ ዝርከብ ሸሞንተ ሰባት ኮፍ ዘብል ሳሎን ንበይኑ ኮፍ ኢሉ መጽሓፍ ከንብብ ርኣኹዎ። ቀሪበዮ፣ ካብታ መጽሓፍ ኣይወጽአን። ፍሽኽ ኢሉ፡ ንብርቱዕ ሰሓቕ ዝዳሎ ዘሎ ክመስል። ዝርኣየኒ መሲሉኒ ነይሩ። ለካ ኣይርኣየንን። እታ መጽሓፍ’ያ ሕንቲኽቲኽ ተብሎ ነይራ – መግዛእቲ ስኞራ። ኬፍ ዘሎዋ መጽሓፍ’ያ። ገብርኤለ ንፉዕ ኣስሓቓይ’ዩ። በቲ ከቢድ ናብራኡ ገይሩ ዘስሕቕ ጸሓፊ። ነቲ ኤርትራውያን ኣብ እንዳ ስኞራታት ዓዲ ጣልያን ዘሕለፉዎ መከራ፡ መስሓቕ ብዝዀነ መገዲ ገይሩ’ዩ ኣቕሪቡዎ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ክብደት እቲ ናብራ ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ የርኢ’ዩ። ብኸዩ፡ ኣስተማስሉ፡ ዓቕልኹም ኣጽብቡ ወዘተ ግና ኣይበለናን። ኣብ ክንድኡስ እናሰሓቕኩም ምረት ናብራና ርኣይዎ’ዩ ኢሉና። ኣብ ዝሃለኻ ሃሉ ገብረእግዚኣብሄር ገብረመስቀል ምስጋና ይብጻሕካ። ኣብ ሽወደን ታክሲስታ ኴንካ ትሰርሕ ከም ዘለኻ’ኳ ሰሚዐ ነይረ። ድሕሪ’ታ ናብ ካልእ ስደተይ ኣምራሕኩ ኢልካ ዝዓጸኻያ መጽሓፍካ ደሃይ ኣጥፊእካ። ናብ ዓድኻ መጺእካ ተዛረብ። ዘጽቅጥ እንድዩ በዚሑና። እንታይ ኴንኩም ኢኹም ሰላሕ ኢልኩም ኣቲኹም ሰላሕ ኢልኩም ትወጽኡ ዘለኹም፧ ፈሪሕኩም ዲኹም፧ ኣብቲ ደገ ኴንኩም ብወንጭፍ ኣእማን ትድርብዩልና’ውን ኣይወሓድኩምን። ዝገርም እኳ’ዩ። ንኽንደይኩም ኢና ክንከላኸል፧ ኪዱ ባዕልኹም ትፈልጡ። ሰብ ኣብ ገግዜኡ’ዩ ዝነብር። እዚ ናትና ግዜ’ዩ። እዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ ከኣ ናትና እያ። ናትኩም ኣይኰነትን። ግዜኹም ሓሊፉ’ዩ። ምዃንካ ሜትኩም ኢኹም እምበር፡ ክትሞቱ ኢና ንጽበየኩም ዘለና። ኵሉ ሽግራትና ተጻዊርና ክትመቱልና ንጽበየኩም ኣለና – ቈልዑ ስሳታት። ዘይነኽብረኩም ግን ከይመስለኩም። ኣይንጸልኣኩምን’ውን። ጀጋኑ ኢኹም – ኣብ ግዜኹም። ሕጂ ግን ናትና ግዜ’ዩ። ኵሉ እኳ ኢኹም ኣሕዲግኩሙና። ዋላ እተን መንእሰያት ኣዋልድና ንስኹም ትወስዱወን ኣለኹም። በተን ኣብ ሕቝፍአን ሸጕጠን ካብ ጽዕነት ሓሳባት ከናግፋና ዝኽእላ ኣዋልድና ከኣ ትዘናግዑ ኣለኹም። ንሰን ግን ይነብዓ ኣለዋ። ንስኹም ዘይትርእዩዎ ንብዓት። ንሕና፡ ብዘይብአአን እንታይ ህይወትዶ ኣለና እዩ። ጭቃ ኢና’ኮ፣ ልኡም እስትንፋሰን ኡፍ ምስ በላልና ኢና ህይወት እንረክብ። አረ ባዕልኹም ትፈልጡ መዛርብተይ ኣይኰንኩምን። ብዛዕባ እንታይ ደኣ’የ ክዛረብ፧ ኣብ ኵሉ ከኣ እናጸናሕኩም – ዋእ!!!።

ድሕሪ ሰላምታ፡ ኣብቲ ሳሎን ኮፍ ኢልና መመጽሓፍና ኣብ ምንባብ ኣተና – ምስ ኣብርሃም። ዕላል ኣይነበረናን። መግዛእቲ ስኞራ እና’ንበበ፡ ዘዘስሓቖ ኣብ ሞንጎ የንብበለይ ነይሩ። ኣነ ከኣ “አ ዎክ ቱ ረመምበር” አንብብ ነይረ። ንኣብርሃም ሞባይሉ ድምጺ ገይራ፤ “ጎሚዳ ሓደ! ኣበይ ኣለኻ ዲኻ ክትብል፧” ኢሉ ተዛረቦ። ኣበይ ከም ዘለና ከኣ ነገሮ። “ምስ መን ኣለኻ፧” እዩ ኢሉዎ መስለኒ። “እንቋቝሖ ሰገን ምሳይ ኣሎ” ኢሉዎ። እንቋቚሖ ሰገን ኣነ’የ። ኣብ ኵባንያ ህንጻ ሰገን ዝበሃል ስለ ዝሰርሕ’ዮም ከምኡ ኢሎም ዘላግጹለይ። እንቋቝሖ እኳ እንቋቝሖ’የ፣ ግና ናይ ሰገን ኣይኰንኩን። ሓቝፉ ዘጫጫሕ ዝሰኣንኩ እንቋቝሖ’የ። ነቲ ሸል ሰይረ ናብቲ ዝብህጎ ዓለም ቅልቅል ክብል ሓይሊ ዝሰኣንኩ እንቋቝሖ። ኣብታ ጸባብ ክፍሊ እንቋቝሖ ዓቕለይ ጸቢቡኒ ዝገብሮ፡ ዝዀኖ ዝጠፍኣኒ ፍጥረት። ኣሰሓሕቓ፡ ኣበኻኽያ ዝጠፍኦ እንድየ! ስምዒተይ ዝስከመለይ ቋንቋ፡ ስነጽሑፍ፡ ቅብኣ፡ ደርፊ፡ ሙዚቃ… የብለይን። ንንእስነተይ ዝኸውን ድጕዓ፡ ማሰ፡ ዕልልታ፡ መልቀስ ገና ኣይሰማዕኩን። ኮፍ ኢለ’የ ንእስነተይ – እቲ ሓይለይ – ዘሕልፎ ዘለኹ። ንእስነት ዕዳ! ማራ ኬፍ ኣሎዎ። ልቢ ጐበዝ ኣብ ደረቱ! ማራ ኬፍ ኣለዎ። ኣነ ግን ንንእስነተይ ዕዳ ኣይከፈልኩሉን። ልበይ ኣብ ደረተይ የላን። ኣብ ዝባነይ ተሰቒላ፣ ኢደይ ሓጺሩኒ ሃሰስ ኢለ ኣየርክባን። ኢሳይያስ መጺኡ። ኢሳያስ ዓርክና’ዩ፣ ካልእ ኣይኰነን።

“ሓጺን ሓዝ! ሓዝ!” ኢልና ኣብ ጥቓና ክንረኽቦ እንኽእል ሓጺን ሓዝና። ንኢሳይያስ ኢና ሓጺን ሒዝናሉ። ፈውሲ ሓሳድ ኢና ሓጺን ንሕዝ። ሕማቕ መንፈስ ናይ ሓደ ሰብ፡ ወይ ሓሳብ ኣብ ልዕሌና ከይሓድር እንተ ሰጊእና ኢና ሓጺን ንሕዝ። ንኣብነት ኣብ መገዲ፡ ሓደ ዝሞተ ሰብ መኪና ገይሩ እንተ ሓሊፉና ሓጺን ንሕዘሉ። ምኽንያቱ፡ ውኻርያ እንተ ሓሊፋትካ ሕማቕ ፋል’ዩ። ወይ ክትምለስ ኣለካ ወይ ሓጺን ሒዝካ ክትሳገር ኣለካ። ንኢሳይያስ ከኣ መን ከም ዝሰገሮ ኣይንፈልጥን ኢና። እንታይ ኣንቢቡ ከም ዝመጽአ ኣይንፈልጥን ኢና። እንታይ ዕላል ሰሚዑ ከም ዝመጽአ ኣይንፈልጥን ኢና። ብዙሕ እዋን ከይተፈለጠና ሕማቕ መናፍስቲ ንስከም ኢና። ቀጨውጨው ይብለና፣ “እንታይ ኰይነ’የ ሎሚ መዓልቲ፧” ንብል። ስለዚ፡ ሓደ ንሕማቓትን ርዅሳትን መናፍስቲ ዘባህርር ሓሳባት’ዩ ዘድልየና ዘሎ። ሓጺን ሓዝ ነዊሕ እዋን ቀሊድናላ ኢና፣ ነዊሕ እዋን ስሒቕናላ ኢና፣ ግናኸ ገና ኣይመነናያን።

መመጽሓፍና ሒዝና ምንባብ ቀጸልና። ብዘይዘረባ ነዊሕ ገበርና። ኣብቲ መንእሰያት ጽምዋኦም ከርሕቑ ዝራኸብሉ ግሩም ሆቴል፡ ድምጺ ገዲፍና ብህድኣት ምስ መጻሕፍትና ስለ ዘዕለልና ባህ ኣይበሎምን ‘መስለኒ፡ ናይ ሕሳብ ቢል ኣምጽኡልና። “ይኣኽለኩም” ማለት ስለ ዝዀነ ተንሲእና ወጻእና። ተፈላለና። ኣነ ናብ ገዛ ብርሃኑ ነቐልኩ – ናብ ናስር።

በተን ኣወዳት ዝጽበያ መንእሰያት ዘሎዋኦ ቦታ ገይረ ሓለፍኩ። ገለ መንእሰያት ነው ነጀው ይብሉ ነበሩ። ኣነ ድማ መጽሓፈይ ብድሕረይ ቀርቂረ፡ ክልተ ኢደይ ኣብ ጁባይ ኣእትየ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልኩ በቲ ጸቢብ መገዲ ይሓልፍ። እናሸበብኩ እንከለኹ ኣብ ፊተይ ኣብ ዝነበረት ጸባብ ገዛ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢላ ሓንቲ ጐርዞ ዓይና ከፊታ ትጽበ ነበረት። ብማዕዶ ጽብቕቲ ትመስል። ጸጕራ ኣፍሮ ዝመስል ኰይኑ ዕዅልል ዝበለ’ዩ። ኣብቲ ሃሳስ ብርሃን ውልዕ ኢላ ከኣ ትርኣይ ነበረት። ሽዑ’ዩ ከኣ ሓደ ሓሳብ ዝመጽኣኒ። “ትጽቢት” ዝብል ቃል ጽቡቕ ገይረ ኣስተማቐርኩዎ። እንታይ ኢና ንጽበ፧ ንኣብነት ኣነ፡ ሕጂ 28 ዓመት ገይረ ኣለኹ። ኣብዚ ዕስራን ሸሞንተን ዓመታት ዝኣከብኩዎ ብዙሕ ነገራት ተጻዒነ ይቕጽል ኣለኹ። ነዚ ጽዕነት’ዚ ከውርዶ እጽበ ኣለኹ። እታ መዓልቲ ክትመጽኣለይ ሃረር እብል ኣለኹ። ነዚ ምሳይ ዘሎ ነገራት ኣውርድ ኣቢለ፡ ሓድሽ ክሓስብ፡ ሓድሽ ክኸውን ሃረር ይብል ኣለኹ። ከመይ ገይረ ኣብ ሰረገላ ቃላት ጽዒነ ኣብ ወረቐት የራግፎም’የ ዝሓስብ። እቲ ዝጽበዮ እዚ’ዩ። ካልእ’ውን፡ ነናቱ ዝጽበዮ ኣለዎ። እዘን ጽቡቓት ኣዋልድ ከኣ ኣብታ ጸባብ ገዛ ኮፍ ኢለን ክመጽአን ዝጽበያኦ እንታይ’ዩ፧ – ኣተሓሳሲቡኒ። ቅረበን፡ ፍለጠን መጺኡኒ። መገዲ ግን ኣይረኸብኩን። ዝኽእሎ’ውን ኣይመስለንን።

ሃንደበት ግን ከዕልለን ዝብል ሓሳብ መጻኒ’ሞ፡ ማዕጾ ገዛኣ ሃህ ኢሉ፡ “እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ዝብል ዘሎ ዝመስል፡ ንሳ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኮበርታ ኣትያ ርእሳ ጥራሕ ኣቐልቂላ ናብ ዝነበረት ጐርዞ ኣላገስኩ። እትው ክብል፡ “ኣይሰርሕን’የ” በለትኒ።

“ደሓን” በልኩዋ፣ “ንስኺ ጸምዩኪ ኣሎ፡ ኣነ’ውን ጸሚዩኒ ኣሎ። ስለዚ፡ ብሓንሳብ ኴይና እናዕለልና ጽምዋና ነርሕቕ፡” በልኩዋ።

“ኪደለይ ሰብኣየይ ከይመጽእ ሽግር ከይተምጽኣለይ፡” ምስ በለትኒ ወጻእኩላ። ምስ ጥዑይን ሕሙምን ደቂሰን ዘምጽኣኦ ገንዘብ ዝበልዑዎ ‘ሰብኣየይ’ ዝብልኦ ወዲ ኣሎወን። ብገንዘበን ይሰትዩ፡ ብገንዘበን ይኽደኑ። ጥራሕ ገለ ከየጋጥመን ጽላል ይዀኑወን። ፍቕሪ ደልየን’የን ዝቐርባኦም። ደስ ክብሎም እንከሎ ይሃርምወን፡ ደስ ክብሎም እንከሎ የሐንቅቕወን። ዕጨዐን ገይረን ግዲ ዝወስድኦ ኰይነን ግን ይቕበልኦ። ኣብዚ ህይወት’ዚ ከኣ ነው ነጀው ይብላ።

ካብታ ገዛ ምስ ወጻኹ፡ ኣብ ሓንቲ ንትኽ ሓንቲ ዓራት ዘውደቐት ገዛ ሓዊ እናሰሓነት ሓንቲ ጐርዞ ርኣኹ’ሞ፡ ኣትየ ኮፍ በልኩ። “ሰላማት” በልኩዋ። ንኻብ ትጽቢታ ወጻኢ ዝዀኑ ነገራት ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ትኹን ግዜ ዝነበራ ኣይትመስልን።

“ሾርት ዲኻ ክትሓድር ኢኻ፡” በለትኒ። ከዕልላ’ሞ፡ ገለ ገንዘብ ገዲፈላ ክኸይድ’የ ሓሲበ ነይረ።

“ከዕልል እየ ደልየ – ካልእ ኣይደለኹን፡” እሩም ክመስል ፈተንኩ። ንኣ ኣሪመ ምዝራበይ ፍጹም ትርጕም ኣይነበሮን።

“ውጽአለይ ጥራሕ ኣስራሓኒ፡” ንምዝራብ ዝኸውን ተረፍ ዓቕሊ ኣይነበራን።

ነቲ ገዛ ንሓንሳብ ኰሊለ ጠመትኩዋ። ንበይና እያ ኣብታ ዓራት ዝነበረት . . . እባ ንበይና ኣይነበረትን፤ ሓንቲ ፊስቶ፡ ኮፍ ኢላ እትጽበየላ ኮፍ መበሊ፡ እትስሕነላ ፋርኔሎ ኣብ መሬት ምሳይ ነበሩ። ኣብ መንደቕ ከኣ እየሱስ ክሩስቶስ ምስ ደቂ መዛሙርቱ እታ ናይ መጨረሽታ ድራር ዝበልዓላ ስእሊ ናይ ሌናርዶ ዳቪንቺ፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ስእሊ ናይ መድሃኔኣለም ይርእዩኒ ነበሩ። ግምጥል ኢለ ወጺአ በቲ ሸጓሹግ ናብ ናስር ኣምራሕኩ።

ኣብታ ዝበረኸት መስጊድ ናይ ገዛ ብርሃኑ እንተ በጺሕካ፡ ልግባ እንዳ ናስር’ያ። ካንሸሎ ኣትየ፡ ኣብ ሞንጎ’ቲ እተለጋገበ ንኣሽቱ ገዛውቲ እንዳ ናስር ነበረት። ናስር መጺኡኒ ናብ ውሽጢ ቤት ኣተኹ። ኣብ መሬት ኣንጺፉ ዝደቀሰ ሰብ ነበረ፣ ኣብ ዓራት ሓብቱን ህጻን ጓላን። ናስር ኣብ ሳሎን ነይሩ – ምስ መጽሓፉ። ኣብታ ጸባብ ገዛ ክንደይ ሰባት ይነብሩ ዘገድሶ የሎን። ናብራ ንምሕዋይ ሓካይም የሎውን ‘መስለኒ። ብዝዀነ ወጺእና ኣብ ጨርሒ ኮፍ ኢልና ኣዕለልና። ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት። ሕጂ ክጽሕፍ ሰልኪዩኒ ኣሎ’ምበር፡ ብዛዕባ ዘይኣድላይነት ምስጢር፣ ብዛዕባ ንእስነትና ዝሓልፎ ዘሎ፣ ብዛዕባ ክንጽሕፎ ዝግብኣና… ኣዕለልና። ክብርሃኒ እንከሎ’የ ዝጽሕፍ። ስምዒተይ ገንፊሉ ክፈስስ ሓፍ… ሓፍ ክብል እንከሎ ማይ ገይርካ ምድባስ ኣይፈቱን። እንታይ ደኣ ኣብ ኮምፒዩተረይ ኮፍ ኢለ እጽሕፍ። ሓደ ነገር ቅርጹ ምርዳእ ክኣብየኒ እንከሎ፡ ንኽሕዞ ኢለ ቢሮይ ኣልዒለ እጽሕፍ። ኬፍ ዘሎዎ ግዜ አሕልፍ እንተ ኣልየ፡ ሰላም፡ ሓጐስ ክስምዓኒ እንከሎ ኣይዝክሮን እኳ! ጽሑፈይ ጕሓፈይ’ዩ። ነብሰይ ዘንጽሃሉ ኣገባብ’ዩ።

+++

ሓደ ፍሉይ ስምዒት ካብ ዝስምዓኒ ሰሙነይ ሓሊፉ፤ ሓይለይ እደኽመኒ፣ ደቂሰ ኣይጸግብ፣ ኮፍ ኢለ ኣየዕርፍ። ነብሰይ እናበዅቦኸ ዑና ዝዀነሉ ግዜ ሓጺር ተሪፉዎ ዘሎ እመስለኒ ኣሎ። ከይመውት እፈርሕ ድየ፧ መንከ ኣለኻ ኢሉኒ፧ ብዙሕ እዋን ህይወት ይረኣየኒ’ዩ። ገለ ግዜ ከኣ እመውት እየ። ኣብ ሞትን ህይወትን ከም ፔንዱለም’የ ዝመላለስ። ኣብ ምውታት ዝበዝሑዎ እነብር ምህላወይ ከኣ ከቢድ ጽምዋ እስመዓኒ። ኣስመራ፡ እዛ ሽኮር ከተማና፡ መቓብር’ያ። መቓብር፡ ናይ’ተን ዝመስረታኣ ኣደታት፣ መቓብር ናይ ኣርት ዴኮ፣ መቓብር ጥንታዊ ሙዚቃና፣ መቓብር ልቦና ጥንታውያን ኣቦታትና፣ መቓብር ሕጊ እንዳባና። ሬሳታት ክንስና ኣብ ልዕሊ ሬሳ ከኣ ንንቀሳቐስ። ስምዒት ሞት ስምዒት ተስፋ ምቝራጽ ኣይኰነን። ሞት መስርሕ ህይወት’ዩ። መቐጸልታ ዝበልጸገ ህይወት እንተዀነ’ውን መን ይፈልጥ፧!

ኣብ ምናት ጸጋማይ ኢደይ ገለ ቃንዛ ይስምዓኒ’ሎ። ብርከይ ወለል እብለኒ። ታተ ዘይጸገበ ቈልዓ ኰይነስ፡ ንእሽቶ ኣስካላ ተድክመኒ። ማሕጎማ ድየ ደልየ፡ ወይስ ማሕጐማ በዚሑኒ – እንድዒ። በቲ ሓደ ወገን ዝመውት ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ተሃዋኽ የብለይን። ኣብ ጥቓ ሞት ዘሎ ሸበድበድ፡ ጕያ እኮ እዩ። ዘይትኽእሎ ዝነበርካ ኢኻ እትኽእል። ሰባትን ዓወታትን ይኸቡኻ እዮም። ኣብ ጥቓ ሞት፡ ታህዋኽን ጕያን’ዩ። ኣነ ደኣ ወሪዱኒ ለመም ዝብል ዘለኹ – ሓሰኻ። ኣንቲ ሓሰኻ ነብሰይ ትሰምዒዶ ኣለኺ። ሓሰኻ ደምበ ከኣ ኢኺ – ካብቲ ዘፍርሓኪ ሃዲምኪ ናብ ዝለምለመልኪ ትጐዪ። እዋይ እንቋዕ ናይ ምሉእ ህይወተይ ጸብጻብ ኣየካይድ። ንዅሎም ስምዒታተይ ኣኪበ፡ ኣበል ዘይብሉ ዓውደ መጽናዕቲ እንቋዕ ኣየካይድ፣ ጥርሐይ ምወጻእኩ። ምተኸሻሕኩ። ሓንቲ መዓልቲ ደፋር ኰይነ ኣይፈልጥን። ከቢድ ፍርሒ ስለ ዝነበረኒ፡ ፍርሐይ ንምኽዋል ትምህርቲ ክነፍዕ ነይሩኒ። ኵሉ ሳዕ ኣብቲ ጫውጭውታ ኣስቂጠ ኣለኹ። ኣብቲ ገፊሕ ጐደና ኣብ ኵርናዕ ኣለኹ። ኣብቲ ደፊርካ ብምሉእ ዓይንኻ ዝጥመት ብጐቦ ዓይነይ እርኢ ኣለኹ። ታባ ድፍረተይ ሓዅረዮ ኣይፈልጥን። ደፊረ’ኳ ኣንቃዕሪረ ኣይጥምቶን። መን ከም ዝመሃረኒ ኣይፈልጥን ፍርሐይ ከዊለ ግን ጽቡቕ ገይረ’የ ዝኽእሎ። ኣብቲ ቈልዑ ኰይና ኣድቬንቼር እንደልየሉ እዋን ኣረጊት ነበርኩ። ነቶም ደቂ ገዛውትና ብኾፈይ የፋኑዎም። ኣብቲ ዕንደራ ቈልዑ ኣነ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ንተኽሊ ልደት ዝኸውን ዝወፍሩዎ ዝነበሩ ስርሒት ጽሕዲ ኣነ ኣይነበርኩን። ነቶም ሓለውቲ ሓሊፍካ መሬት ኣጸልሚትካ’ዩ ዝካየድ ዝነበረ። ነቲ ነዊሕ ገረብ ምሕኳር ኣሎ። ካብኡ ምውዳቕ ኣሎ። ብፍሩስታለ ተታሒዝካ ምቕጥቃጥ ኣሎ። ኣነ ኣብኡ ኣይነበርኩን። ፍርሐይ ቀጠው ኣቢሉ ይሕዘኒ። ኣብቲ ተኣኪብካ ንምሕንባስ እትገብሮ ወፍሪ ኣነ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ገዛውቲ ምስ ገዛውቲ ዝግበር ኣዅድር፡ እምኒ ሁር ምባል፡ ኣብቲ ወዲን ጓልን ብጸልማት ክሓልፉ እንከለዉ ደድሕሬኦም እናኸድካ ምጽንታው ኣነ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ኣፍራሒ መቓብር ከይድካ ማንቲለ ምጕያይ፡ ኣብኡ ተሓቢእካ ጸኒሕካ ሰብ ምስንባድ ኣነ ኣይነበርኩን። ሽዑ ምስ ፍርሒ ሞት ኣይተጋጠምኩን። ኣይሰዓርኩዎን። ተረፍ ዛንታኦም’ዩ ቀለበይ። ሕጂ ንሶም ረሲዖሞ ኣነ ግዳ እዝክሮ ኣለኹ።

ኣብቲ ቍልዕነተይ ኣረጊት ነይረ። ኣብቲ ኵትትነተይ ዘረባ ዘየጽረየ ፈራሕ ቈልዓ ነይረ። ኣብ ዕድመይ ነቢረ ኣይፈልጥን። ኣፍቂረ “ኣይ ላቭ ዩ” ምባል ኣይተብዕን። ነቲ “ኣይፋል! ኣየፍቅረካን’የ” ዝብል መልሲ እምብዛ እፈርሖ። እቲ “ኣገዳሲ ኣይኰንካን” ዝብል ድምጺ ውሽጠይ ከየበራብሮ እሰግእ። ፍርሐይ’ዩ ዑቕባይ። አረ ከመይ’ዩ፧ ፍርሐይ ከኣ’ምበር ይምጐሰለይ። እቶም ካልኦት ከምኡ ዘይትዀኑ ተባሂሎም ይመዓዱ ነበሩ። ፍርሕኻ ዝምጕሰልካ ሕብረተሰብ። በቲ ንሶም ዝኸዱዎ መገዲ ክትከይድ ጥራሕ ዝደልዩኻ ሕብረተሰብ። በሉ ደስ ይበልኩም! ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ከምኣ ኢለ እነሀለኹልኩም፣ ከምታ ዝነበርኩማ። እቲ ካብ ቍልዕነተይ ዝርእዮ ዝነበርኩ ከምኡ ኢሉ ኣሎ። ናብ ቤት ትምህርቲ ተመላሊሰ፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ተመላሊሰ፡ ናብ ስነ-ኪነት ተመላሊሰ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ተመላሊሰ። ናብ ስራሕ ተመላሊሰ። መንደፈራ – ዓዲ-ኳላ፤ ዓዲ-ኳላ መንደፈራ፤ መንደፈራ – ኣስመራ፤ ኣስመራ – መንደፈራ፤ ኣስመራ – ድባሩዋ፤ ድባሩዋ – ኣስመራ ተመላሊሰ። ኣስመራ – ናቕፋ፤ ናቕፋ ኣስመራ፤ ኣስመራ – ዓዲ-ቐይሕ፤ ዓዲ-ቐይሕ – ሰንዓፈ፤ ኣስመራ – ጋሕቴላይ፤ ኣስመራ – ባጽዕ፤ ኣስመራ – ማይ ምነ፤ ኣስመራ – ሳዋ፤ ሳዋ – ተሰነይ፤ ኣስመራ…. ተጓዒዘ። ግና ኣነኹ ከምኣ ኢለ። ደስዶ ኢልኩም፡ ከምታ ዝደለኹማ ኰይነልኩም። ኣየስጋእክኹም፡ ኣይተመራመርኩ፡ ኣይፈተሽኩ፡ እቲ እትፈርሑዎ ሓድሽ ትውልዲ ከም ዝመጽአ ከየርኣኽኹም ከምኣ ኢለ ምህላወይ ተፈስሁ። ከማኹም ብምማተይ ጸንብሉዎ። ብዙሕ እዋን እመውት’የ። ካልእ ሞት’ውን እናቐረበ ይመጻኒ/ና ኣሎ። ኣይሃደምኩን ከም’ቶም ዝሃደሙ፣ ኣለኹ ከምኣ ኢለ። ብምሉእ ዓይነይ ክሳብ ዝጥምት፡ ኣብቲ ጫውጫውታ ኣውያተይ ኰነ ሰሓቐይ ክሳዕ ዘስምዕ ክህሉ’የ። ካልእ ህድማ ዘይኣኽለኒ። ኣይሃድምን’የ። ሞተይ ኣብ ኣስመራ’ዩ። እታ ናይ መጨረሽታ ስንብታይ ኣስመራይ እናረኣኹ’ዩ። ሸሞንተ ኖታ ሙዚቃ ካቴድራለይ እናሰማዕኩ’ዩ። ኣዛን መስጊደይ እናሰማዕኩ’ዩ፣ ቅዳሴ ቤተ ክርስትያነይ እናሰማዕኩ’ዩ።

እቲ ፈላስን እታ ድሙን

ሓደ ቡድሃዊ ፈላሲ ምስ ደቀመዛምርቱ ኣብ ሓደ ገዳም ይነብር ነበረ። ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ዝጠፍአት ዕዋል ናብቲ ገዳም መጽአት’ሞ፡ ኵላቶም ክሕብሕቡዋ ጀመሩ። ንሳ ዀነ ንሳቶም ተላሚዶም ድማ ኣካል ናይቲ መካን ኰነት።

እቲ ፈላሲ ኣስተንትኖ ኣብ ዝፍልመሉ ሕስይስይ እናበለት ኣብ ሕቝፉ፡ መንኵቡ ወይ ርእሱ ብምድያብ ኣድህቦ ከሊኣ ክትርብሾ ስለ ዝጀመረት፡ ነቶም ደቀመዛምርቱ ጸዊዑ፡ “ድሕሪ ሕጂ ኣስተንትኖ ቅድሚ ምጅማረይ ነዛ ዕዋል ኣብዛ ገረብ እሰሩዋ፡” በሎም። እዚ ተግባር’ዚ ቀጺሉ ድማ ልምዲ ናይቲ ገዳም ኰነ፣ ኣስተንትኖ ኣብ ዝተጀመረሉ እታ ድሙ ተኣሲራ ትርአ ነበረት።

ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ወዮ ፈላሲ ዓረፈ። ሓደ ፍቱው ወደመዛምርቱ ድማ ንዕማሙ ተክኦ። ንሱ’ውን ቅድሚ ኣስተንትኖ ድሙ ክትእሰር ዝነበረ ልምዲ ቀጸሎ።

ድሕሪ ግዜ፡ እታ ብዅላቶም ዝተፈትወት ድሙ ድንገት ሞተት። እቶም ፈለስቲ ብምማታ ሓዘኑ፣ ካብኡ ሓሊፎም’ውን ሓረቑ። ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ኣስተንትኖ ምጅማሮም እትእሰር ካልእ ድሙ ኣይነበረቶምን።

እቲ ልምዲ ክቋረጽ ዝደለየ ኣይነበረን’ሞ፡ ተኣኪቦም መኸሩ። መወዳእታኡ ካልእ ድሙ ክትመጽእ ተሰማምዑ። ካልእ ድሙ ተደልያ ድሕሪ ምምጽኣ ድማ ዝነበረ ልምዲ ቀጸለ።

ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ፡ ብዙሓት ፈለስቲ መጺኦም ሓለፉ፣ ኣስተንትኖ ንምጅማር ድሙ ኣብ ገረብ ምእሳር ከየባተኸ ቀጸለ።

ዝኽሪ መስተፋቕር፣ ካብ ከብሒ ቍልዕነት

መሸም ብዙሕ ሰብ ነናቱ ዝኽሪ ቍልዕነት ኣሎዎ። ድሕሪት ግልጽ እንክብል ከኣ ከም ሰበይ ቅጅል ዝብለኒ ፍጻመ ኣሎኒ፣ ዘስሕቐኒ፡ ዘተክዘኒ፡ ዘናፍቐኒ፡ ዘገርመኒ። እዛ ሕጂ ዝዝክራ ዘለኹ ሓንቲ ካብኣተን እያ።

ቅድሚ’ዚኣ፡ ገና ትምህርቲ ከይጀመርና፡ ኣብ ገዛውትና ኴንና ብርሑቕ እነማዕዱዎ ጐቦ ነበረ’ሞ፡ ቀስተ-ደመና ዝተሰለመ ሰማይ ተጐዝጒዙዎ ስለ ዝርኣና፡ “ሰማይ ክንትንክፍ” ተበሃሂልና ሓቢርና ነቐልና። ኣዚና ህንጡያት ድማ ነበርና። እቲ ጐቦ ከምቲ ዝመሰለና ኣይጸንሐን፣ እናክንቀርቦ እናረሓቐና ብዙሕ ሳዕ ክንምለስ ተማታእና። መወዳእታኡስ ነቲ ጐቦ ሓዀርናዮ ደኣ፣ ሰማይ ግን ኣይጸንሓናን።  

ትምህርቲ ምስ ጀመርኩ ኣብ ወከፍ ዝነበርኩዎ ክፍሊ፡ ካብ ሓድሕድ ኣብሊጽና እንቀራረብ ማንዛ ነበረትኒ። እቲ ስምዒት’ቲ እንታይ ምዃኑ ኣይርድኣንን። ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ሶፍያ ዝስማ ከም ኣዕሩኽ ንፋለጥ ነበርና። ንጠማመት፣ ካልእ ሕልፊ ግን ኣይነበረን። ምስ ተፈደስና፡ ኣነ ኵዕሶ ክሳዕ ዝጻወት ቦርሳይ ሒዛትለይ ትኸይድ። ገዛኦም ሓደ ኣንጎላ ቅድሚ ገዛና ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ኣፍደገ ኰይና ድማ ትጽበየኒ። እዚ፡ ማንም ቈልዓ ዝረኽቦ ሓለፋ ኣይነበረን። ናብ ሳልሳይ ክፍሊ ምስ ሓለፍና ኣብ በበይኑ ክፍሊ ስለ ዝተመደብና ግን ኣይቀጸለን።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓብደላ ጎናፍር (ኣስላምያ) ኢና እንመሃር ዝነበርና፣ ንእስ ኢላ ምጭውቲ ቤት-ትምህርቲ። ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ናይ ሶፍያ ቦታ ብሳምራዊት ተተክአ፣ ግን ከኣ ብዘይ ንቡር መንገዲ። ካብ ትምህርቲ ምስ ተፈደስና ክሳዕ ድኳኖም (ሓድሽዓዲ) ይጐያ። ንምንታይ ከምኡ ይገብር ከም ዝነበርኩ ኣይፈልጥን። ንሳ’ውን ንኣሕዋታ ኣየሰምዓትለይን። ቈልዓ ከለኻ ነቲ ዝስምዓካ ብኸመይ ከም እትገልጾ ካብ ዘይምፍላጥ ዝሰዓበ እዩ ዝኸውን።

በቲ ግዜ’ቲ፡ 1988/9፡ ባህሊ ኣፈቓቕራ መንእሰያት ከምዚ ናይ ሎሚ ኣይነበረን። ንደቂ ገዛውትና ዝፈተውወን ወይ’ውን ኣዕሩኽተን ኣወዳት ክረኽቡወን ናብ ገዛውትና እዮም ዝመጽኡ ዝነበሩ። ገለኦም’ውን ዳርጋ ደቂ ገዛውትኻ ይቕየሩ። ንብዙሓት ድማ ደብዳበ የብጽሓሎምን እገለ ትጽውዓኪ ኣላ ኢለ የውጽኣሎም ነበርኩ። ዓርኪ ዓበይቲ ክኸውን ድማ በቓዕኩ፣ ገለኦም ቀቝሩብ የዕልሉኒ ነበሩ። ብኦም ኰነ ብኣታተን ኣቓልቦ ይረክብ ስለ ዝነበርኩ ድማ ተፈትዩኒ ነበረ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ትምህርቲ የረድኡንን ንሲነማይ ይህቡኒን ነበሩ።

ሓደ መዓልቲ ሓድሕዶም እና’ዋግዑ፡ ብዛዕባ መስተፋቕር ከዕልሉ ሰማዕኩዎም’ሞ ኣዝዩ ደንጸወኒ። መስተፋቕር ብዘሎዎ ስንኻ መዊጽካ ነታ ዝፈተኻያ ፍሽኽ እንተ ኢልካያ ደድሕረኻ ሰልሰል ትብል – ክፍትኖ ደለኹ። ካብቲ ሰማይ ክንትንክፍ ዝኸድናዮ ጐቦ ዝቐለለ መሰለኒ። ካብቲ ባዕልኻ ክትሰርሖ እትኽእል ዓይነታት መስተፋቕር ዝቐለለት ዝበልኩዋ ድማ ክሰርሓ ሓለንኩ።

ተኽሊ ወይኒ ዝጽልጸለሉ ወቕቲ እዩ ዝነበረ። እታ ካብ ዲጋ ክለውሊዕ ብዝመጽአ ጨንፈር ዘጠጣዕኩዋ ወይኒ ናይ ካንሸሎና፡ ተጸልጺላ ካብቲ ዝተጠናነገ ጨናፍር ነዊሕ ዝቕመቱ መመሺተ ብምእካብ ንግዳም ወጻእኩ። ንቘልዑ ገዛውትና ሓሓደኦም ብምሃብ ድማ መንካዕ ንምህዳን ተዋፈርና። ጸሓይ ዓራርቦ ስለ ዝነበረ እናተሓምበባ ኣብ ሰማያት ገዛውትና ጥንቅላዓሸው እናበላ ይበራ ነበራ። ሓንቲ መንካዕ ምውዳቕ ከም ዘይንስእን ድማ ተተስፍየ ነበርኩ።

ወዮ መንካዓት እናሸዀኻ ክሳዕ እንደክም ገበራና። መዓልታት ወሲኽና ክቐንዓና ኣይከኣለን። እቲ ጻዕርና፡ መንካዕ ኣውዲቕና መልሓሳ ቈሪጽና ንምውሳድ እዩ ዝነበረ። ተስፋ ምስ ቀበጽኩ፡ በቲ ዝተረፈ ነገራት ገይረ ክፍትኖ ወሰንኩ።

እቲ መስተፋቕር ንምስራሑ ኰነ ኣብታ ጓል ዝትግበረሉ መስርሓት ነበሮ። ዕንጕለ፡ ድልኽ በርበረን መልሓስ መንካዕን ሓዋዊስካ ኣባኮቦራ (ዝንከባለል ደሮና) ሸፊኑ ከም ዝሓልፎ ትገብር። ኣባኮቦራ መናብርቲ መንደፈራ ስለ ዝነበረ ንምርካቡ ኣየጸገመን።

ሰኑይ ካብ ተረኛታት ኮስተርቲ ክፍልና ስለ ዝነበርኩ ኣንጊሀ ከድኩ፣ መስተፋቕር ድማ ኣብ ጎማ ተጠቕሊላ ኣብ ቦርሳይ ነበረት። ምስ ዓርከይ ኤፍረም ገዛኢ ድማ ብኸመይ እቲ መስተፋቕር ንሳምራዊት ከም እንገብረላ ተላዘብና። ዕረፍቲ ክሳዕ ዝኣክል ድማ ምስ ምሉእ ቀልብና ኣይነበርናን።

ነቲ መስተፋቕር ኣብ ልዕሊ ሽንቲ-ማያ ኣንቢረ ክረግጾ ኣሎኒ – ሽዑ ድማ እያ ደድሕረይ ክትሰልል። ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ እቲ ቤት-ትምህርትና ጫፍ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዕረፍቲ ናብ ግዳም ወጺእና ኢና ንሸይን ዝነበርና። ላዕለዋይ ሸነኽ ናይቲ ጐልጐል ናይ ደቀንስትዮ ክኸውን ከሎ፡ ታሕተዋይ ወገን ድማ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ እዩ። ኣነን ኤፍረምን ድማ ሳምራዊትን መሓዙታን ኣብ ምጽንጻን ነበርና። ግናኸ ክሸና ናብ ግዳም ኣይወጽኣን፣ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣይሰለጠን።

ካልኣይ መዓልቲ ካብ ቀጽሪ ቤት-ትምህርቲ ምስ ወጽኣ ምስ ኤፍረም ናይ ታሕጓስ ተጠማመትና። ኣብታ ኣወዳት ክንበጽሓ እንኽእል ደረት ደው ኢልና፡ ኣበይ ኮፍ ከም ዝብላ ኣማዕደናየን። ኣባይቲ ንኽስራሕ ንመሰረት ዝተራገፈ ኵምር-ኵምር ዝበለ ኣእማን ተኸዊለን ኮፍ በላ። ነታ ቦታ ምስ ካልእ ከይነደናግራ ብትዅረት ኣጽናዕናያ።

ቃጭል ተቓጪሉ እተዉ ምስ ተባህለ፡ ኣብ ሓደ ከውሊ ተላሒግና፡ በትሪ ሒዙ ተማሃሮ ዝዅብኵብ ዝነበረ መምህር ክሳዕ ዝኣቱ ጸናሕና። ብዅትር ህንጡይነት ነፊርና ኣብታ ቦታ ተረኸብና። ጸሃይነሽ በዚ ነይራ፡ ሳምራዊት በዚኣ ነይራ እናበልና ድሕሪ ምዝርራብ፡ መስተፋቕረይ ካብ ጁባይ ኣውጺአ ኣብቲ ዝጠለለ መሬት ኣንቢረ ብኽልተኡ ኣእጋረይ እና’በራረኹ ሓማተልኩዋ። ኣብቲ ከባቢ ጥር ዝብል ተመሃራይ ኣይነበረን፣ እናጐየና ኣብ ልዳት ቤት-ትምህርትና በጻሕና። ብውሽጢ ዝነበረ መምህር ብዝሑ ዘይዝክሮ ኣብ ከብዲ ኢድና ሃሪሙ ክንኣቱ ፈቐደልና።

እታ ክፍልና ብሰለስተ መስመር መናብር ዝተሰርዐት እያ። ወከፍ መንበር ድማ ሰሰለስተ ተማሃሮ ትሕዝ። ኣነን ኤፍረምን ብጸጋማይ ጫፍ፡ ብዓል ሳምራዊት ድማ ብየማናይ ጫፍ ኮፍ ይብላ። ለውጢ እንተ’ልዩ እናሻዕ ንጥምተን ነበርና። ሕቱኽቱኽ እናበልና ብዓብይ ህንጡይነት ንምፍዳስ ተጸበና። ሽዑ መዓልቲ ኣይጐየኹዋን፣ ውጽኢት ናባይ ከጕይያ ዝኽእል ንምርኣይ እየ ተሃዊኸ ዝነበርኩ።

ዝተለወጠ ኣይነበረን። ሓሊፈ ጸኒሐ ፊተ-ፊታ እናጠመትኩ እንተ ሓለፍኩዋ ወይከ። ንጽባሒቱ፡ ንሳልስቱ. . . ኵነታት ከም ቀደሙ። ኣብቲ ቅንያት፡ ተላኢኸ ብዕዳጋ እኽሊ እናሓለፍኩ ንኤፍረም ናብ ድኳኖም ኣላገስኩዎ። ኣብቲ ዕዳጋ እኽሊ ዝመታ መንካዕ ዝርከባ እንተ ኰይነን ሓተትኩዎ። ኣቦኡ ክፋል ኣካሉ ለሚሱ ኣብ ውሽጢ ድኳን ነበረ። ናብቲ ዕዳጋ ከይድና ሃሰው በልና። ኤፍረም ንሓደ ዝፈልጦ ምስ ሓተቶ፣ “መንካዕ ፈጺመን ክተሓዛ ኣይክእላን እየን፡” ኢሉ ተስፋ ኣቝረጸና። ስኣን መልሓስ መንካዕ ምርካብ መስተፋቕርና ከም ዘይሰርሐ ድማ ተሰምዓና።

ኣብቲ ቅንያት፡ ኤፍረም ካልእ ሓሳብ ኣምጽአ፡ “ኣብ ናይ ካልእ ጓል ሽንቲ-ማይ ረጊጽካዮ ከይትኸውን፧” ዘሰንብድን ህንጡይነት ዝፈጥርን ሕቶ እዩ። ካብተን ምሳኣ ዝነበራ ብፍሉይ ትጥምተኒ እንተ’ልያ ፈተሽና፣ ዝተለወጠ ኣይነበረን።

ኣይሰመረልናን፣ ሳምራዊት ደድሕረይ ሰልሰል ዘይምባላ ጥራሕ ኣይኰነን ዘይሰመረ። እቲ፡ ስውር-ሓይሊ እናሰርሐ ክንርኢ ዝነበረና ዕንዱር ናይ ቍልዕነት ህንጡይነት እውን’ዩ ዘይሰመረ።

***

1991 ወይ 1992፣ ደው ዝበለ ኣነ፡ ኮፍ ዝበለ ኤፍረም ገዛኢ

(ነዚ ግርህና ናይ ቍልዕነትና ኣልዒልና ምስ ኤፍረም እንተ ነዕልል፡ ዝረሳዕኩዎ ዝርዝራት ምወሰኸ፣ ምሰሓቕናን ምናፈቕናን። ድሕሪ ግዜ፡ ኣነ ናብ ኣስመራ ግዒዘ፡ ንሱ እዋን ኣርኪቡሉ ኣብ ሰራዊት ብዙሕ ዓመታት ኣቝጺሩ፣ ካብ ምርእኣይ ዝሓልፍ ግዜ ኣይረኸብናን። ናብ ሱዳን ከም ዝሰገረን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቱ ከም ዝሰኣነን ዝሰማዕኩሉ ድማ ብቕደም-ሰዓብ ነበረ።)

ዩሪካ፣ “ዓሌተይን ሃገረይን” ረኺበ

  1. ቈልዓ ከለኹ ቀዳም-ቀዳም ናብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ንምስታፍ ናብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ግዮርግስ ኣብ ዝኸድኩሉ፡ ብዙሓት ቈልዑ ብኣግርሞት ይጥምቱኒ ነበሩ። ሓደ ብጐድነይ ዝነበረ፡ “ንምንታይ ደኣ ናብዚ መጺእካ፧” ክብል ሓተተኒ።

“ጸሎት ክመሃር፧”

“ኣስላማይዶ ኣይኰንካን፧”

እዛ “ኣስላማይ ትመስል” ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ትደጋገመኒ ነበረት – ክሳዕ ዝጕብዝ።

2. ግዜ ሮሞዳን እዩ ነይሩ፣ ሓደ ሰራሒ ፊልም፡ ዝወድኣ ፊልም ከርእየኒ ኣብ ዝተቛጸርናሉ ሆቴል ንያላ ኣቐዲመ በጺሐ፡ መጽሓፍ እና’ንበብኩ ይጽበዮ ነበርኩ። ዓመተ ምሕረቱ ኣይዝክሮን – ሶማላውያን ኣብ ኣስመራ ዋዕላ ዝገብሩሉ ዝነበሩ ግዜ እዩ። ልዕሊ 20 ደቒቕ ገይረ እትሰምዓኒ ኣሳሳይት ኣይረኸብኩን። ወዮ ሰራሒ ፊልም ምስ መጽአ ግን ናባና መጺኣ፡ “እንታይ ክሰምዓካ፧” በለቶ’ሞ፡ ማክያቶ ኣዘዛ። ናባይ ግልጽ ኢሉ ድማ፡ “እንታይ ደኣ ኣይትእዝዝን ዲኻ፧” ኣስዓበ።

“እውይ ኤርትራዊ ዲኻ፧ ሶማላዊ መሲሉኒ’ምበር ክርእየካ እኮ ጸኒሐ እየ፡” በለትኒ ስንብድ ኢላ። (ጾም ስለ ዝነበረ እያ ዘይመጽአት)

3. ሓደ መዓልቲ ኣብ ባር ድያና ናብ ዝነበሩ ኣዕሩኽተይ ከድኩ። ኣብቲ በሪኽ ወንበር ተዀዪጦም እዮም ሓደ-ሓደ ዝብሉ ዝነበሩ። ብውሽጢ (ካውንተር) ዝነበረት ኣሳሳይት ሰብ በዚሑዋ ላዕልን ታሕትን ክትብል ጸኒሓ፡ “እንታይ ከምጽኣሉ፧” በለቶም። ንሶም ናባይ ጠመቱ፡ “ጅን ሃብኒ፡” በልኩዋ።

“ትግርኛ ትኽእል ዲኻ፧” ሓቢርና ሰሓቕና፣ “ሱዳናዊ ዲኻ፧” ኣስዓበት። ገና ትግርኛ ዝኽእል ሱዳናዊ ምዃነይ ጥራሕ እያ ትሓስብ ዝነበረት። ኣብ ኣስመራ ነዚ ዝመስል ካልእ ተመሳሳሊ ተጓንፎታት’ውን ነበረ።

4. ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሕለፍኩሉ፡ ገለ ክገዝእ ናብ ድኳናት ኣብ ዝኣትወሉ፡ ኣብ ዝበዝሕ ብእንግሊዝኛ ክዛረቡኒ ይቃለሱ ነበሩ። ኣብ ኣእምሮኦም ሓደ’ኳ ጥርጣረ ስለ ዘየሕድሩ፡ ዋላ’ኳ ብኣምሓርኛ እንተ መለስኩሎም ብእንግሊዝኛ ደኣ ይቕጽሉ። እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ተጓንፎ ካብ ከርና ምብዝሑ ይገርመኒ ነበረ። “ሓበሻ ኣይመስልን ድየ፧” ኢለ ድማ ንገለኦም ሓተትኩዎም – ኣዘውቲረዮ ዘይፈልጥ “ሓበሻ” ዝብል ቃል ካብ ኣፈይ ምውጻኡ እናሓደሰኒ። ደቂ ሸገር ኣብ ዘረባ ጭዋታት ስለ ዝዀኑ፡ ንሕቶይ ብጥንቃቐ ይሰግሩዎ ነበሩ። ክገዝእ ግዜ ምስ ወሰድኩ፡ ንገለኦም ዳግማይ ኣብ ዝሓተትኩዎም፡ ‘ኣፍሪቃዊ’ ከም ዝመስል ሓበሩኒ። ኣብ ቀራን ክፋል ናይዛ ኣህጉር ካብ ዝቕመጡ ህዝብታት፡ ‘ኣፍሪቃ’ ክብሉ እንከለዉ፡ እንታይ ማለቶም ምዃኑ ስለ ዝርድኣኒ ሕቶ ኣየስዓብኩን።

5. ናብ ካምፓላ – ኡጓንዳ ኣብ ዝኣተኹሉ ድሕሪ ውሑዳት መዓልታት፡ ቡን ክሰቲ ናብ ሓንቲ ምልክታኣ ብትግርኛ ዝተጻሕፈ እንዳ ቡን ኣተኹ። ብዓልቲ ቡን እንታይ ከም ዝደሊ ብእንግሊዝኛ ሓተተትኒ፣ ብእንግሊዝኛ መለስኩላን ዕላል ቀጸልናን። ብዘይካ ኣብ ምህሮ ምስ ደቂ ዓደይ ብእንግሊዝኛ ተዛሪበ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣዝዩ ስግንጢር ኰይኑኒ ተሸገርኩ’ሞ፡ ብልሳነይ ቀጸልኩላ – ሰንቢዳ ዓይና ፈጠጠት።

6. እንካረዮ ገዛ ረኺብና፡ ኣቝሑ ክገዝእ በይነይ ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝኸድኩሉ ኣጋጣሚታት፡ ኡጓንዳውያን ብቛንቋኦም ይዛረቡኒ። ብእንግሊዝኛ ምስ ቀጸልኩሎም ንእለቱ ይቕይሩ። ኣብቲ ሕመረት ዕዳጋ ካምፓላ፡ “ታውን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ፡ ኣዊኖ፡ ናካሴሮ፡ ሕትመት ዝርከቦ ናሳሮድ (ናሳር ሮድ) ወዘተ. ፖሊስ፡ ኤርትራውያን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ንዝገመቱዎም ወረቐት ክሓቱዎምን ብላዕ ክሓቱዎምን እንከለዉ፡ ዝዀነ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ከይሃለወኒ ከም ድላየይ ተመላለስኩ።

ሓደ መዓልቲ ብቦዳ-ቦዳ ናብ ርሑቕ እናኸድኩ፡ እቲ ዘዋሪ፡ “ካብ ምንታይ ዓዲ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ።

“ካብ ምንታይ ይመስለካ፧ ገምት፧” በልኩዎ።

“ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ፧”

“ኡጓንዳዊ ኣይመስልን ድየ፣ ከመይ ገይርካ ከምኡ ኢልካ፧”

“ብእንግሊዝኛኻ እየ’ምበር ኡጓንዳዊ ትመስል ኢኻ – ካብ ዓሌት ምኛንኮለ፡” በለኒ።

ካልእ መዓልቲ’ውን ሓንቲ ሰበይቲ ተመሳሳሊ ሕቶ ምስ ሓተተትኒ፡ “ኣብ ካልእ ሃገር ዝዓበኹ ኡጓንዳዊ እየ፡” ኢለ፡ ዓሌተይ ክትግምት ምስ ሓተትኩዋ፡ “ምኛንኮለ፡” በለትኒ።

መወዳእታኡስ ዓሌተይን ሃገረይን ረኺበ ኢለ ድማ ሰሓቕኩ።

ካምፓላ፣ 2022

ቋንቋን ስነ-ግጥሚን

እዚ ዓንቀጽ’ዚ፡ “ሒደት ብዛዕባ ስነግጥሚ ትግርኛ” ብዝብል ብ2016 ንተመሃሮ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ዓዲቐይሕ መወከሲ ከገልግል ተባሂሉ ካብ ዝተጻሕፈ (ግን ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ዘይወዓለ) ቀዳማይ ምዕራፉ እዩ። እቲ ቀንዲ ክፋሉ፡ ንስነግጥሚ ትግርኛ ብትሕዝቶ (content) ንምክፍፋሉ ዝተገብረ ፈተነ፡ ምስቲ ዘስዓብኩዎ ብቕርጺ (form) ዝገዛዝዕ መጽናዕቲ ተላፊኑ ብመጽሓፍ ንምሕታሙ ሃቐና ስለ ዘሎኒ ኣብዚ ኣይለጠፍኩዎን።

እዚ ቋንቋን ስነግጥሚን ብዝብል ኣብዚ ተለጢፉ ዘሎ፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ “ህያው ደብሪ” ናይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ዝጸሓፍኩዎ “ስነቕዳዊ ትንተና ኣብ ግጥሚታት ህያው ደብሪ፡” ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ኣብ ስነግጥሚ ግዳሰ ዘሎዎ ሰብ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቀሪቡ ንዘሎ ከንብቦ ይኽእል እዩ።

  1. ቋንቋ
  •            [1]         

ኣብዛ ግጥሚ’ዚኣ ዝያዳ ጐሊሑ ዝርአ ፍሉይ ኣጠቓቕማ ቋንቋ እዩ። ቋንቋ ዝልለየሉ ዝውቱር ጠባይ እኳ እንተ’ለዎ፡ ኣብ ድምጺታትን ቅርጺታትን ከም ኵነታቱ ዝፈላለ ስግንጢርነት’ውን የንጸባርቕ እዩ። ግጥሚ ከኣ ካብ ንቡር ነቒሉ ንባህሪ ስግንጢርነት ቋንቋ ክጥቀምን ኪኖኡ ክሰግርን ይርአ። ብመሰረቱ፡ ቋንቋ ሓደ ዝተሰረተ ስርዓት ክኸውን ከሎ፡ ብዘገምታዊ መስርሕ ናይ ምልዋጥ ባህሪ’ውን ኣለዎ። ግጥሚ ከኣ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ካብ ዝተኣከበ ማዕከን እናተጠቕመ፡ ብዘገምታዊ መስርሕ ኣብ ዝልወጥ ወይ ዝምዕብል ኣበርክቶ ይገብር። ናይ ሎሚ ኣንባቢ ነዛ ግጥሚ (1) ከንብባ እንከሎ፡ ትርጉም ናይ ሓያሎ ቃላት ምፍላጥ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንጽጽሩ ክስኣሎ’ውን ኣለዎ። ማሕጸ፡ ለዀተን ሓብሊን እንታይ እዮም? ከመይከ ይመስሉ? መቐጻዕን ባዲዶን እንታይ እዮም? ከመይ እዮም ዝገብሩ? ወዘተ. ምፍላጥ ስውያ-ንግግሮም ንምርዳእ መገዲ ይኸፍት።

ቋንቋ ኰስኳስ እንተ ዘይተገይሩሉ፡ ክንክን ከም ዝሰኣነ መሬት ትሑት ምህርቲ ይህብ፣ ንብሕጓጐ’ውን ይቃላዕ። ተጠቀምቱ ከኣ ቋንቋኦም ሓደስቲ ኣምራት ምጻር ኣብዩዎም ይጽገሙ። ግጥሚ ሓደ ምንጪ ንተሓድሶን ጽገናን ቋንቋ ኰይኑ፡ ዝሓለፉ ገጠምቲ ውርሻ ክገድፉ ከለዉ፡ ስዓብቲ ከኣ ንህልው ኣተሓሳስባኦም፡ ስምዒቶምን ናብራኦምን ምግላጽ ምእንቲ ከኽእሎም ንቕድሚት ይደፍኡዎ።

  1. ቋንቋን ሓሳባትን

ግጥሚ ብቛንቋ ይግለጽ። እቲ ቋንቋ ሓሳባት ክስከም ወይ’ውን ሓሳባት ከመንጩ ይኽእል። እቲ ልሙድ ኣተሓሳስባ፡ “ሰባት ይሓስቡ፣ ንሓሳባቶም ከኣ ናብ ቃላት የእትዉዎም፡” ዝብል እዩ። ቋንቋ መሳርሒ ወይ መትሓዚ ሓሳባት ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ። ንኣብነት ኣብዛ ግጥሚ (1)፡ መንቀሊ ሓሳብ ገጣሚ ነቲ ዝሞተ ሰብ ጅግና ምንባሩ ንምግላጽ እዩ። ጅግንነት መዋቲ ንምግላጽ ከኣ ቋንቋ ክጥቀም ግዲ እዩ።

ኣብዛ ግጥሚ፡ ብኽልተ መስመራት ምከና ምስ ገለጸ፡ ጅግንነት መዋቲ ንምስኣል ሓደ ተምሳሌት ይጥቀም፣ ዓቢ እምባ ኢኻ ዘይትደሃል ይብል’ሞ፡ እቲ እምባ ዝብል ቃል ነቲ ጅግና ዝውሕዶ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖ፡ ዓቢ እምባስ ብሓብሊ እኳ ይውጻእ ብምባል ዝደፍሮ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ የፍርሶ። ዝሓሸ ዝበሎ ካልእ መግለጺ ይቕጽል፣ ንሱ’ውን ነቲ ጅግና ኣመና ይንእሶ። እናሃነጸ፡ እናኣፍረሰን እንደገና እናሃነጸን ንግጥሙ ይሰርዕ። ነቲ ኣብ ሓሳቡ ዘሎ ምስሊ ጅግና ኣብ ቃላት ከቐምጦ እንከሎ፡ እቲ ቃል ከም ዝነኣሶ እናኣምሰለ ክቐብእ ክኢሉ እዩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ሓይሊ ቃላት ንገጣሚ ክመርሖ ኣይከኣለን ክብሃል ኣይከኣልን። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እቶም ቃላት መሪሖም ግጥሚ ብምፍጣር ንገጠምቲ ኣግርሞት ይፈጥሩሎም እዮም። እቲ ንቛንቋ መሰረት ክልሰ-ሓሳቡ ዝገበረ ስትራክቸራሊዝም “ቋንቋ እዩ ንኽውንነት ዝፈጥር፡” ስለ ዝዀነ ከኣ፣ “ቋንቋ ነጸብራቕ ወይ ሰናዲ ናይ ዓለም ኣይኰነን። እኳ ደኣ ቋንቋ እዩ ንዓለም ቅርጺ ዘትሕዛ፣ ብኸመይ ንርኢ እዩ እንታይ ንርኢ፡”[2] ይብል። ግጥሚ ምስ ሓሳባትን ቋንቋን ዓብይ ዝምድና ኣለዎ። ዓበይቲ ገጠምቲ ከኣ ኣብ ክልተኡ መዳይን ዝምድናኡን ንነብሶም ኣእትዮም ክጸርቡዋን ክቐርጹዋን ይርኣዩ። ዘግጥሞም ድፍኢት ዓብይ፡ ዝጥቀምሉ ቋንቋ ከኣ ምርኡይ እዩ።

  1. ቃላት

ግጥሚ ብቓላት ይህነጽ። እቶም ቃላት ብግቡእ ዝተመርጹን ብጥበብ ዝተሰርዑን ክሳብ ዘይኰኑ ግን እቲ ሓሳብ ክሳብ ዝዓበየ ይዕበ ጽቡቕ ግጥሚ ክሃንጽ ኣይክእልን። ሓደ ቃል፡ ፊደል፡ ቅርጺ-ቓልን ድምጺ-ቓልን ኣለዎ። ምስ ካልእ ቃል ተዛሚዱ ሓደ መስመር ግጥሚ ከቝውም ከሎ ከኣ መስርዕ-ቃል፡ ረምታታት፡ ድምጺታት፡ ቃናታት ወዘተ. ፈጢሩ ብመገዲ ሓድሕድ ዝምድናታቱ ጣዕሚን ትርጉምን ይህብ።

ሓደ ቃል ኣብ መስመር ግጥሚ ምስ ተቐመጠ፡ ኣጠቓቕማኡ ቀጥታዊ ትርጉም ዝህበሉ ኵነት ኣሎ። ሓፈሻዊ ኣሰዃዅዓኡ ብምግንዛብ ትርጉም ዝወጽኣሉ መገዲ’ውን ኣሎ፣ ትርጉም ቃል ንምርዳእ ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ ምርዳእ የድሊ ማለት’ዩ። ገለ ካብኣቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

  • ቀጥታዊ መግለጺ ቃል፣

ኣብነት፣

ማሕጸ፣ ንመፈለጺ ዘገልግል ዓይነት ፋስ

ለዀተ፣ ንምስሓል መላጸ ዝዝውተር ቍራጽ ምራን ወይ እምኒ

ዘኽቲ፣ ሕጂ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብዚ ህሞት

  • መግለጺ ቃል ብኣብነት፣

መቐጻዕ፣ መርዚ ዘሎዎ ዓይነት ተኽሊ [ንኣብነት] ካብቲ ተኽሊ ዝርከብ ንኣራዊት ተባሂሉ ዝጽመቝ መርዚ

  • መግለጺ ቃል ብዝርዝራዊ ወይ ስእላዊ፣

ሓብሊ፣ ካብ ጽሕጎ ዒቃ ወይ ልሕጺ ዕጸዋት ተተኒጉ እተዳለወ ኣዝዩ ረጕድ ገመድ፡ ኣብ ኣጻድፍ ወይ ጎቦታት ዚርከብ ብሕቱው ገዳማት ንምድያብ ዘገልግል

  • መግለጺ ቃል ብንጽጽር ወይ ፍልልይ፣

ኣብዛ ግጥሚ (1) ንሓደ ቃል ዝገልጽ ንጽጽር እኳ እንተ ዘየለ፡ መጠን ጅግንነት ንምግላጽ፡ በሊሕ ልቢ ከም ዓረብ መላጸ/ …ብሕቘኦም ትሕዞም ከም መቐጻዕ/ ግንባሮም ትነድፎም ከም ባዲዶ… ዝብል ንጽጽር ተዘውቲሩ ኣሎ።

  • መግለጺ ቃል ብተጻራርነት፣

መልቀስ፣ ዘይከም ማሰ (ኣብ መርዓ፡ ወፈራ ክኢላታት ዘስምዕዎ ናይ ናእዳ ወይ ወቐሳ ግጥሚ) ብምኽንያት ሞት ኣብ ሓዘን ዝቐርብ ያታዊ ግጥሚ እዩ።

  • መግለጺ ቃል ብመበቈል፣

ሰማዕት/ሰማእት፣ ግእዝ – ምእንቲ ዕላማኡ ወይ ሃይማኖቱ እተሰውአ

  1. ቀጸላታት ትርጉም ቃላት

ቃላት ዝተፈላለየ ቀጸላታት ትርጉም ኣለዎም። ሳይነሰኛታት ንቛንቋ ዕለታዊ ህይወት ሓዲጎም ብዘይ ማለተይ-ማለትካ ከረዳድኦም ዝኽእል ቅማረታትን ቍጽሪታትን ይጥቀሙ። ቃላት ንሓያሎ ትርጓመታት ዝተቓልዑ ብምዃኖም፡ ካብ ቃላት ንኽርሕቁ ይጽዕሩ። ገጠምቲ ግን ብኣንጻሩ ንፈጠራኦም፡ ርድኢቶም፡ ስምዒቶም፡ ደስታኦምን ቃንዛኦምን ዝጸሩሎም ቃላትን ዝምድናኦምን ንምእላሽ፡ ኵሉ ሳዕ ምስ ቃላትን ቀጸላታት ትርጕሞምን ይቃነዩ።

ሓደ ቃል እንተ ወሓደ ሓደ ዘመልክቶ ትርጉም ኣለዎ። እዚ ከኣ ናይ መዝገበ-ቓላት ወይ ናይ-ጽፍሒ-ትርጕም ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። ናይ-ጽፍሒ-ትርጉም ሓደ ቃል ካብቲ ካልእ ዝነጸረ ከምኡ’ውን ዝተፈልየ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ ብምርዳእ ንጹር ትርጉም እቲ ቃል ምፍላጥ ይከኣል። ንኣብነት፡ ከተተ ዝብል ግሲ ከከም ኵነታቱ ዝፈላለ ብዙሕ ናይ-ጽፍሒ-ትርጉም ኣለዎ፤

1) ብምሉኡ፡ ብዅሉ ተላዕለ፡ ተንቀሳቐሰ፡ መጸ፡ ከደ ወዘተ. (ንስራሕ፡ ሓደ ዕማም ንምፍጻም፡ ኣብ ሓደ ነገር ንምስታፍ)

2) ወድአ፣ ፈጸመ፣ ዛዘመ (ንእቶት ምህርቲ፡ ንዕዳ፡ ንዕማም ወዘተ.)

3) ናብ ውሽጢ ሓደ ነገር ኣእተወ፣ ደርገመ፣ ሰዅዐ፣ መለሰ።

ገለኡ ቃላት ተወሰኽቲ ቃናታትን ኣመታትን ስለ ዘሎዎ፡ በቲ ናይ መዝገበ-ቓላት ትርጕሙ ጥራይ ምርዳኡ ኣጸጋሚ እዩ። ንኣብነት፡ ማዕተብ ዝብል ስም በቲ ናይ-ጽፍሒ-ትርጕሙ፤ 1) ተኸተልቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንምልክት እምነት ኣብ ክሳዶም ዚኣስርዎ ፈትሊ 2) ንጐባጕብ፡ ንኣስተሊኒ ወዘተ መትሓዚ … ዝብል እዩ። ምስ ካልእ ቃላት እናተዛመደ ግን ክፈርድ፡ ክውድስን ክወቅስን ይርአ፤

1) ማዕተቡ በተኸ ጠለመ፡ ከሓደ… ሃይማኖቱ ጠለመ

2) ማዕተቡ ኣጥፍአ፣ ከሓደ፡ ሓሽለዀ

3)ማዕተብ ኣሰረ ሓቂ ሓዘ

4) ማዕተብ ዘይብሉ ካሕዳይ

5) ንማዕተቡ መስከረ ሓቂ መስከረ እናበለ እቲ ዘመልክቶ ይቕጽል። በቲ ናይ-ጽፍሒ-ትርጕሙ ማዕተቡ ኣጥፍአ ክንበብ እንከሎ፡ ማዕተብ ጠፊኡዎ፡ ወዲቑዎ ወዘተ. ከስምዕ ይኽእል እዩ። እቲ ውስጠ-ትርጕሙ ግን ካልእ እዩ ዘመልክት። ኣንባቢ ነቲ ውስጠ-ትርጉም ክፈልጦ እንተ ዘይክኢሉ ዝምድና ቃላት ይደናገሮ’ሞ፡ ካብ ምርዳኡ ይርሕቕ። ካልእ ኣብነት፡ ዘመናዊ መዝገበ-ቓላት ትግርኛ (ብተክአ ተስፋይ እተሰናደወ)፡ ንቐጥታዊ ትርጉም ልቢ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጻ፣ “ብምጭባጥን ብምዝርጋሕን ኣብ ውሽጢ ኣካላት ደም ከም ዚዘውር እትገብር፡ ኣብ ገረንገራውያን (ዓጻማት) እንስሳታት እትርከብ፡ ውሽጣ ጓንጓ ጭዋዳዊት ኣካል።” ምስ ካልእ ቃል እናተዋሰበት እትህቦ ዝተፈላለየ ትርጕማት’ውን ብውሑድ ተዘርዚሩ ኣሎ። ብሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ እተዳለወት ሐረጋት ትግርይና ከኣ ልቢ ዝብል ስም ምስ ካልኦት ቃላት እናተጸምበረት ኣብ ትግርኛ እትህቦ ኣስታት ተስዓ ውስጠ-ትርጕማት መዝጊባ ኣላ። ውጽኢት ስነ-ጽሑፍ ኣብ ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ወሰን ኢልካ እንተ ዝፍተሹ፡ እዚ ቍጽሪ’ዚ ክዛይድ ይኽእል እዩ። ብኸምዚ መገዲ’ዩ ከኣ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ምድንፋዕ ቋንቋ ኣበርክቶ ዝገብር።

ውስጠ-ትርጉም ናይ ሓደ ቃል ንጽማረ ሓሳባትን ስምዒታትን ቃል ብዕምቈት ይገልጽ። እቲ ዘመልክቶ ትርጓመታት’ውን እወታዊ፡ ማእከላይ ከምኡ’ውን ኣሉታዊ ቃና ክህሉዎ ይኽእል። ንኣብነት፡ ዕባራ ንዝብል ማእከላይ ቃል፤ ቀጢን እወታዊ፡ ማሕቋቝ ከኣ ኣሉታዊ ውስጠ-ትርጉም ኣለዎ። ቀጢን፡ ዕባራ፡ ማሕቋቝ ዝብሉ ቃላት መጠኑ ዝፈላለ ትርጕማት ኣለዎም።

ንዝጸሓፎምን ዘንበቦምን ሓደ ትርጉም ዝህቡ ከም ኣስማት ሰባትን ቦታታትን ዝኣመሰሉ ፍጹም ንጹር ቃላት ከኣ ኣለዉ። ኣብነት፣ ሕነሽም፡ ንጉሰ እልፉ፡ ደብረ ቢዘን፡ ሩባ ጋሽ ወዘተ.።

ገለጽቲን ደረጃ ፍልልይ ዘለዎምን ብተዛማድነት ዝግለጹ ቃላት ከኣ ኣለዉ። ንኣብነት ዝነውሐ ዝብል ቃል ብተዛማዲ ደኣ’ምበር ነዊሕ ዘብሎ ሕዱር ዓቐን የብሉን። ዝተፈላለዩ ሕብርታት ንኣብነት፡ ቀይሕ፡ ብጫ ወዘተ. ዝተፈላለየ ደረጃታት ምቕያሕ፡ ምብጫው ኣለዎም፣ ትርጉም ዝረኽቡ ከኣ ብተዛማድነት እዮም።

ሓያሎ ቃላት ንዝዀነ ንጹር ነገር ዘየመልክቱ ኣለዉ። ውሱን ትርጉም ዝህሉዎም፡ ተጠቀምቱ ብዘማዕብሉዎ ወግዒ ወይ ስምምዕ እዩ። ንኣብነት፡ ስነ-ግጥሚ፡ ሳይንስ፡ ስነ-መለኮት፡ ባህሊ ወዘተ. ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ትርጉም ክህቡዎም ይኽእሉ።   

እዚ ዝተፈላለየ ቀጸላታት ትርጉም ቃላት፡ ግጥሚ ንምህናጽ ይዝውተር እዩ። ኣበይ ኵነት እንታይ እንተ ተጠቐምካ ብሉጽ ውጽኢት ይህብ ምፍላጥ ግን የድሊ።

  1. መስርዕ ቃላት

ቃላት ኰኑ ሓረጋት ኣብ መስመራት ግጥሚ ኣብ ዝስኵዑሉ እዋን፡ ንጹር ሓሳባት ንምትሕልላፍን ፍሉይ መቐረት ንምፍጣርን ወሰንቲ እዮም። ብሓፈሻዊ ኣጠማምታ፡ ንመስርዕ ቃላት ብዓብይኡ ዝጸሉ ሰዋስው እዩ፣ ንቛንቋ ደረት ዝሕንጽጸሉን መልክዕን ቅጥዒን ዘትሕዞን ስለ ዝዀነ። ሰዋስው፡ ኣብ ግጥሚ ዓብሊሉ ዝቐርብን መሰረትን ይዅን’ምበር ፍሉይ ስምዒት፡ ጽባቐን ጣዕሚን ንምፍጣር ካብ ልሙድ ስርዓት ወጺኡ ክቐርብ ይርአ እዩ።

ትግርኛ ሓደ ካብ’ቶም በዓል-ቤት፡ ተሰሓቢን ግሲን ብዝበሃሉ ክፍሊታት ምሉእ-ሓሳብ ዝስርዑ ቋንቋታት እዩ።

  •          ጉራዴኻ ስጋ ሰብ ቀለባ [3]

      በዓል-ቤት  ተሰሓቢ   ግሲ

ግጥሚታት ትግርኛ ግን ነዚ መስርዕ’ዚ (2) ጥራይ ተኸቲሎም ኣይርኣዩን። መለሳ ድምጺታት ንምፍጣርን ዋሕዚ ብምቝራጽ ኣቓልቦ ንምርካብን ብዝተፈልየ ኣሰዃዅዓ ክእለሙ ግጥማዊ ፍቓድ ኣለዎም።

ቍርጽ ትበል እዛ ዓለም ብላሽ [4]

እዚ ነግሒ’ዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ናይ ሰዋስው ሕጊ ክጸሓፍ ዝነበሮ እዩ፤ “እዛ ብላሽ ዓለም ቍርጽ ትበል።” ኣዛማዲ ክንዲ-ስም እዛ ቅድሚት መጺኡ፡ ብላሽ ቅጽል ስለ ዝዀነ ቅድሚ ስም ዓለም ተቐሚጡ፡ ድርብ-ግሲታት ቍርጽ ትበል ከኣ ብድሕሪት ክስዕብ ምተገብአ። እዚ ነግሒ ግጥማዊ ፍቓድ ስለ ዘለዎ ግን ከም ጌጋ ኣይርአን።

ኣብ ግጥሚ ቃላት ንሓድሕዶም ብቐደም ተኸተል ክቕመጡ እንከለዉ፡ “ክልተ ኣገባባት መስርዕ ቃላት ኣለዉ፣ ምሕራይን ምውሳብን። ምሕራይ ብመዳርግቲ፡ መማስልቲ፡ መጻርርቲ፡ መለሳ-ቃል ወዘተ. ክካየድ እንከሎ፡ ምውሳብ ከኣ ኣብ ጕርብትና ቃላት ተመርኲሱ መስርዕ ቃላት ይሃንጽ።”[5] ኣብ ዕብየት ሩስያዊ ፎርማሊዝም ልዑል ተራ ዝተጻወተ ሮማን ጃኮብሰን ምሕራይን ምውሳብን ኣብ ዝዀነ ግጥሚ ዝርከብ ግድነታዊን ዘይንጸልን ጠባይ ግጥሚ ምዃኑ ይገልጽ። ብኣብነት ከብርህ ከሎ፡ ሰባት ኣብ ዕለታዊ ዝርርብ ሓበሬታ ክለዋወጡ እንከለዉ፡ ቈልዓ ንምባል ናጽላ፡ ህጻን፡ እግሪ-ተኽሊ ካብ ዝብሉ ተዳረግቲ-ቓላት ሓርዮም ክዛረቡ ይኽእሉ። ንኽሓርዩ ተዳራግነት ተጠቒሞም ማለት እዩ። ሓሳብ ንምግላጽ ከኣ፡ ደቂሱ፡ ቀም ኣቢሉ፡ በጥ ኢሉ ካብ ዝብሉ ተዳረግቲ-ቓላት ብምሕራይ ምውሳብ ይፈጥሩ። ኣብ ግጥሚ ግን እዚ መስርሕ’ዚ ክካየድ እንከሎ፡ ሓበሬታ ንምትሕልላፍ ጥራይ ኣይኰነን። ተዳረግቲ-ቓላት ምስራዕ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ መስርዕ ተመጣጣኒ ዓቐን ዋዕታታት[6] ብዘሎዎም ቃላት ክዋሰብ ይግባእ። እቲ መስመር ግጥሚ ብምሉእ ኰነ ብኸፊል ሓደ ወይ ተመሳሳሊ ድምጺታት ብዘሎዎም ተደጋገምቲ ረምታዊ ዓቐንን ኣሰላልማን ይህነጽ።

  •      ኣብ’ ዓይ’ኖም’ ት’ሓድ’ሮም’ ከም’ ሓ’በ’ላ’  (10)

ካብ’ ብር’ኮም’ ት’ሰብ’ሮም’ ከም’ ማ’ሸ’ላ’ [7] (10)

ብውሕዱ፡ እቲ ፍቕዲ ናይ ዋዕታታት ክርአ እንከሎ ማዕረ (10 ዋዕታታት) እዩ። ብተወሳኺ፡ መንቀሊን መዕረፊን ናይ ነፍስወከፍ ዋዕታ ሓደ ዓይነት ደሃይ ኣለዎ። እዚን ካልእን ተመላሊኡ ከኣ ነቲ ነግሒ ይስልሞን ጣዕሚ ድምጺታት ይፈጥረሉን።[8] ረምታ ኣብ ትግርኛ እቶም ዋዕታታት ብዝፈጥሩዎ ዝደጋገም እልመት ግዜ-ድምጺ ዝፍጠር እዩ ዝመስል። ኣብ እንግሊዝኛ ብዝላዓሉን ዝርገጹን ዋዕታታት፣ ኣብ ዓረብኛ ከኣ ብዋዕታታት ኰይኑ፡ ንተደማጺ-ፊደል ብዝስዕቦ ሓጺርን ነዊሕን ኣድማጺ-ፊደል ይፍጠር። ናዕታ ከኣ መሳርሒ ድምጺ ናይ ግጥሚ ኰይኑ፡ ሓደ ነግሒ ክውድእ እንከሎ፡ ምስቲ ዝስዕቦ ነግሒ ንዝፈጥሮ ናይ ድምጺ ቅድወት ዝገልጽ እዩ። ንኣብነት ኣብ (3)፡ ሓበላ ዝብል ቃል ምስ ማሸላ ዝብል ቃል ናዕታኡ ሓልዩ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ገጠምቲ ኣብ ርእሲ ናዕታ፡ ኣብ ውሽጢ ነግሒ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ድምጺ ይጥቀሙ እዮም።

ገጠምቲ ብዘይ ንቡር መገዲ ቃላት ሰሪዖም ነቲ ቋንቋ በጺሑዎ ናብ ዘይፈልጥ ደረጃ ክደፍኡዎ እንከለዉ (እቲ ጋግ ኣዝዩ ገፊሑ፡ ኣንበብቲ ምፍታሕ ክሳብ ዝስእኑዎ ምስ ዝበጽሕ) ብዙሕ ወቐሳ ይወርዶምን ምንጻግ የጓንፎምን። ብሕልፊ እቶም ምእንቲ ጽባቐ ኣገጣጥማ ክብሉ ኣብ ኣሰራርዓ ድምጺታትን መልክዓትን ዝያዳ ብምድሃብ ንሓሳብን ቅጥዒ ቋንቋን ሸለል ዝብሉዎ፡ ኣደዳ ነቐፍቲ ይዀኑ እዮም። እቲ መስርዕ ቃላት ካብ ንቡር ናብ ዘይንቡር ዝቕየረሉ መስርሕ፡ ኣንባቢ ብሓሳቡ ክበጽሖ ብዘኽእል መገዲ እንተ ቐሪቡ ግን ዝያዳ ውጽኢታዊ ይኸውን። ብሕልፊ እቶም ተሰሪዖም ክስኵዑ ልሙዳት ዝዀኑ ቃላት ብዙሓት ምስ ዝዀኑ ኣሰልከይቲ እዮም። ንኣብነት፡ ኵሑል ኣዒንታ፡ መዓንጣ ሰቲ፡ ክሳድ ብርለ ወዘተ. ዝብሉ መስርዕ-ቃላት ወይ ኣበሃህላታት ኣመና ስለ ዝላደዩ፡ ስእላዊ ሓይሎምን ስምዒታዊ ምትእስሳሮምን ኣጥፊኦም እዮም። ሰማዒ ክሰምዖም ወይ ኣንባቢ ከንብቦም እንከሎ ከኣ ንኣእምሮኡ ኣየነቓቕሑዎን። እቶም ተኸታቲሎም ክስርዑ ዘይተለምዱ ቃላት ግን ፍሉይ ስእሊን ሓሳባትን ክፈጥሩ ይኽእሉ።

ገጠምቲ ዝተፈላለየ ምርጫታት ኣለዎም። ግጥማዊ ቋንቋ ካብቲ ዕለታዊ ዝዝውተር ቋንቋ ክንጸል ኣለዎ ዝብሉ፣ ብኣንጻሩ ከኣ ግጥማዊ ቋንቋ ዝብሃል ብምንጻግ፡ በቲ ተራ (አረ እተደርበየ) ቃላት ተጠቒሞም ዝጽሕፉ ኣለዉ። በዚ ኰነ በቲ ግን ካብቲ ኣሰልካዪን ተገማትን ተፈልዮም፡ ንቓላት ኣሐዲሶም፡ ህያውያን ገይሮም ብምቕራብ፡ ሓድሽ ትርጉም ህይወት ክፈጥሩ ድላይ ኵላቶም እዩ።


[1] Carlo Conti Rossini, Proverbi Tradizioni Canzoni Tigrine, 1942, pp.270-71

[2] Peter Barry, Beginning Theory: An Introduction to Literary and Cultural Theory, 1995,  p. 61

[3] Jacques Faitlovitch, Versi abissini (ቅኔ፡ ሓበሻ።), 1911, p. 72

[4] ከማሁ፣ ገጽ 73

[5] David Lodge with Nigel Wood, Modern Criticism and Theory (Harlow, Longman, 1999), p. 37

[6] ኣባ ኣጐስጢኖስ ተድላ (ሰዋስው ትግርኛ፡ 1995) ንዋዕታ፡ “ብሓደ ደሃይ ጥራይ ዝናገር ሓደ ወይ ክልተ ድምጺ ፊደል እዩ፡” ብምባል ይገልጹዎ። ዋዕታ ወይ ድማጾ ኢሎም ዝሰመዩዎ’ውን ንሶም እዮም። እዚ ጽሑፍ ከኣ “ጥምረ-ድምጺ” ወይ “ትንባሀ ቃል” ካብ ምባል፡ ነቲ ናይ ኣባ ኣጐስጢኖስ ስያመ ተጠቒሙ ኣሎ።

[7] Jacques Faitlovitch, Versi abissini (ቅኔ፡ ሓበሻ።), 1911, p. 55

[8] እዚ ጽሑፍ፡ ሚዛን (metre) ናይ ነግሒታት ንምዕቃን ፍቕዲ ናይ ዋዕታታት’ዩ ተጠቒሙ። እንተዀነ፡ ብዛዕባ ረምታ ክግለጽ እንከሎ፡ ፍቕዲ ጥራይ ንበይኑ ኣኻሊ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ነግሒ’ውን ዝቃዶ ዓይነት መስርዓት ክርከብ ይኽእል ይኸውን፣ ተወሳኺ መጽናዕቲ ዝሓትት እዩ።

ካብ ‘ኣናሎግ’ ናብ ‘ድጂታል’

እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ብ 2009፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ወጺኡ ዝነበረ እዩ። ሕጂ’ውን ኣናሎጋዊ ዲኻ ድጅታላዊ እናተበሃሃልና እንተ ኣዕለልና እንታይ ክብል ኢሉ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ ዝወጽኣሉ ‘ኣኖሎግ’ ዝነበሩ ሰባት፡ ሕጂ ‘ድጅታል’ ኰይኖምልና እንተ ዀኑ እንታይ ይፍለጥ፣ ኣብ መስርሕ ኣልከምያውነት ሓጺን ናብ ወርቂ ከም ዝቕየሮ፡ ብሓዊ ነዲዶም ተዀሊዖም ክህልዉ እብህግ። ኣይበሎ እምበር፡ ወርቂ ነይሮም ናብ ሓጺን ዝተለወጡ’ውን ይህልዉ፣ ድጅታል ነይሮም ናብ ኣናሎግ። ቱፍ! ቱፍ! መሊቑኒ እዩ።

-1-

ካብ ኣናሎግ ናብ ድጂታል እትሰጋገሩሉ ዓመት ይግበረልኩም

ዕላል ካብ ዝጅምሩ ክልተ ዓመት ኰይኑ እዩ። ተራኺቦም ግን ኣይፈልጡን። እቲ ዘይምርኻቦም ግና ብኣካል ደኣ’ምበር፡ ብዕላል ፍተሻ ህይወት፡ ምእረራ ጽባቐ፡ ሞጓሰ ሓሳባት፡ ስነ-ጽሑፍን ስነ-ፍልጠትንሲ ዓቕሞም ዘፍቅደሎም እሂን-ምሂን ተባሂሎም’ዮም። መላጕም ኮምፒዪተር እናጠወቑ ሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ናብ ቃላት እናመልኡ… ሓያሎ ረቡዓት ኣዕሊሎም። ንሳ ገያሺት ስለ ዝዀነት ግን ምርኻቦም ኵሉ ሳዕ ኣይነበረን። መወዳእታኡስ ግዜ ነዊሑ፡ ‘እምበርከ ኣላ ድያ፧’ እናበለ እንከሎ፡ “ሓድሽ ዓመት ክመጽእየ…” ዝብል መልእኽቲ ምስ ቈጸራኡ ጸንሖ። ስለዝዀነ፡ ቅድሚ ቈጸራኡ’ዩ ናብ ኢንተርነት ካፈ ኣምሪሑ – ንሳ’ውን ቅድሚ ቈጸራኣ ጸኒሓቶ። መዝገቡ (መሰንጀር) ክፍት ምስ ኣበለ፡ “እ..ም..ባ..ሕ!” ዝብል ጽሒፋ ብቕጽበት ሰደደትሉ።

 “ኣሃሃ…” ዝብል ምስ ናይ ሰሓቕ ምልክቱ ገይሩ ሰደደላ። ቀጺሉ፡ “ሰሓቐይ ከምዚ ናይ ቈልዓ ሰሓቕ ገይርኪ ውሰድዮ፡” መለአ።

“ከመይ ትኸውን፧ እውይ እንቋዕ ኣይትርኢ ን..ፍ..ቕ’የ ኣቢለካ ዘለኹ።”

“ከመይ ኢኺ ናፊቕክኒ ዘለኺ፧”

“ኣብ ግዜ ጸሓይ እሞ ከኣ ኣብ በረኻ ነዊሕ ዝተጓዕዘ ሰብ፡ መልሓሱ ደሪቑ፡ ከንፈሩ ነቒጹ፡ ጐሮሮኡ ቃዕ ቀራዕ ዝበሎ ንማይ ገይሩ ከም ዝናፍቖ’የ ናፊቐካ ዘለኹ። ንስኻኸ፧”

“ኣነስ መልእኽትኺ ምስ ጸንሓኒ ‘መን ደኣ እያ ሻህራዛድ፧’ ኢለ ሓሲበ፡ ክሳደይ ንላዕሊ ኣንቃዕሪረ ንሰማይ እናጠመትኩ ክዝክር ፈቲነ፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ግን ትዝ ኢልክኒ።”

“….” ነጠብጣብ ገይራ ሰደደትሉ።

“እንታይ ማለት’ዩ፧”

“ኮርነፍ ኢለ ኣለኹ ማለት’ዩ። እንተ ዘይኣቀባጢርካለይ ከኣ ኣይክጽሕፈልካን እየ።”

“ኣብ መዓልቲ ዘይኰነ፡ ኣብ ሰሰዓት ክትረኽቦ እትደሊ ሰብ ንሽዱሽተ ወርሒ ኣበይ ከም ዘሎ ከይፈለጥካ ሽርብ እንተ ኢሉካ ካብ ምሒር ምህራፉን ምንፋቑን ዝተላዕለ እቲ ናፊቐካ ዝብል ቃል ስለ ዝንእሰካ ኢኻ ናብ ከምኡ እትኸዪድ።”

“ሕራይ… እቲ ማዕቀብ ተላዒሉልካ ኣሎ። ከመይከ ኣለኻ፧”

“….” ንሱ’ውን ነጠብጣብ ሰደደላ።

“ኣሃሃ… ንስኻ’ውን ብግደኻዶ ኮሪኻ፧ ከቀባጥረልካ’የ በል። ሓንቲ ወረጃ ኣደ ኣላ’ሞ ንበል፡ ሕጻን ወዳ ኣብ ደገ ክጻወት ጸኒሑ እናበኸየ መጺኡዋ ኣሎ – ገለኦም ሃሪሞሞ። እታ ኣደ ከኣ ምስ ንፋጡ እንከሎ ስዕም ኣቢላ… ንዓሞ ኢላ ርእሱ እናሓኸኸት ብኽያቱ ከም እተረስዖ፡ ኣነ’ውን ከምኡ ገይረ ከም ዘረሳዕኩኻ ውሰዶ።”

“ኦ! ኦ! ገለ ሓይሊ ዝረኸብኪ እኺ እትመስሊ፧! እዚ ዝጠፋእክዮ ኣዋርሕ ኣበይ ዲኺ ኣሕሊፍኪዮ፧”

“ገይሸ ነይረ – ኣርሒቐ”

“ናበይ፧ – ምስጢር እንተ ዘይኰይኑ…”

“ናብ ኣስመራ።”

“ካብ ኣስመራ ናብ ኣስመራ ገይሽኪ – እሞ ከኣ ኣርሒቕኪ፧ ከመይ ማለት’ዩ፧”

“ኣስመራ ዝበሃል መቸም እቲ ገዛውቲ፡ ጐደናታት… ኣይኰነን። ንዓይ ዝርኣየንስ እኳ ደኣ ካልእ’ዩ – እቲ ወጅሂ ዕላላት፡ ፍሽኽታ ኰነ ጽዋገ ድምጽታት፡ ኣተሓሳስባታት፡ ዕዳጋታት ወዘተ እዩ። ካብዚ ኵሉ ከኣ‘የ ገይሸ ነይረ። ኣብቲ ጐደናታት ግን ነይረ እየ።”

“ሰኣሊት ነይርኪ እንተ ትዀኒስ ከምዞም ኣስመራ ንስእል ኣለና እናበሉ ገዛውቲ፡ ማካዪን… ዝስእሉ ዘይኰነስ፡ ኣተሓሳስባታት፡ ትጽቢታት፡ ተስፋታት፡ ናፍቘታት… ምሰኣልኪ። ብዝዀነ፡ እሞ ከመይ ነበረ መገሻ፧ ሕጂኸ መጺእኪ ዲኺ፧”

“እወ – ሓድሽ ዓመት ንምብዓል መጺአ ኣለኹ። መልእኽቲ ናይ ሓድሽ ዓመት እንተ ኣልዩካ’ውን ክቕበለካ እኽእል’የ።”

“ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዚ እዋን፡ እታ መጀመርታ ጽሒፍኪ ዝሰደድክለይ ብድሕሪኡ መላለዪት ዝዀነትና ትዝክርያ ድኺ፧”

“ኣይዝክራን።”

“’ከትከት ዝብል ዝሑል ማይ ገይረ ክግጭበካ’የ እሞ ክትበራበር ኢኻ – እዚ ናይ ሓድሽ ዓመት ትምኒተይ ንዓኻ እዩ’ እያ ትብል ነይራ። ኣነ ከኣ ሎሚ ንብዙሓት ‘ካብ ኣናሎግ ናብ ድጂታል እትሰጋገሩሉ ዓመት ይግበረልኩም’ ዝብል እየ ዝልእከሎም ዘለኹ።”

“ከመይ ማለትካ’ዩ ኣናሎግን ድጂታልን፧”

“ብመጀመርታ ብኣብነት ገይረ እቲ ቴክኒካዊ ኣምሩ ክነግረኪ። ብቕልል ዝበለ ኣገላልጻ ‘ኣናሎግ’ ሰዓትን ‘ድጂታል’ ሰዓትን ክንወስድ ንኽእል። ኣናሎግ ሰዓት፡ ግዜ ንምምልካት ክልተ ወይ ሰለስተ ዘንጊ ኣሎዋ – ናይ ሰዓት፡ ደቒቕን ካልኢትን። ነቲ ዘንጊ ብዝተፈላለየ ፍጥነት ዘዙሮ ዲናሞ ኣሎዎ። ኵሉ እቲ ምንቅስቓስ ከኣ መካኒካዊ’ዩ። ድጂታል ሰዓት ብኣንጻሩ ዝንቀሳቐስ መካኒካዊ ኣካል የብሉን። እቲ ግዜ ብቝጽሪ 4፡05 ዝብል’ዩ ዝርአ። ድጂታል ሰዓት ነቲ ካልኢት’ውን ከይተረፈ ብልክዕ’ዩ ዝነግር። ብተወሳኺ፡ ካልኵሌተር፡ ተርሞሜተር፡ ብሶላ ወዘተ. ምስኡ ክህሉ ይኽእል። ካብ ኢንተርነት ዝደለኻዮ ነገራት ከተዕርቐለን ዘኽእላ ድጂታል ሰዓት’ውን ኣሎዋ። ኣብ ብዙሕ ኤለክትሮኒካዊ ነገራት ኣናሎግን ድጂታልን ዝብል ቃል ዝውቱር እዩ – ኣናሎግ ሬድዮ፡ ድጂታል ሬድዮ፡ ኣናሎግ ካሜራ፡ ድጂታል ካሜራ፡ ኣናሎግ ኤዲቲን፡ ድጂታል ኤዲቲን… ኣሎ። ኮታ ኣብ ኣናሎግ ካብ ኣስመራ ናብ ሰንዓፈ ገለ ነገር ከተብጽሕ እንተ ደሊኻ ብኣካል ማለት ብእግርኻ ወይ ብማኪና ክትጓዓዞ ኣለካ። ኣብ ድጂታል ግን ኣብ ኣስመራ እንከለኻ ነቲ መልእኽቲ ክትሰዶ ወይ ክትቅበሎ ትኽእል ኢኻ። ተረዲኡኪዶ፧”

“እሞ ሕጂ ምስ ሓድሽ ዓመት ከመይ ገይርካ ኢኻ ተተሓሕዞ ዘለኻ፧”

“ቅድመኡ ግና ጠባያት ኣናሎግን ድጂታልን ክዝርዝረልኪ።”

“ሕራይ ቀጽል።”

“ኣናሎግ መሳርሒ፡ ነቲ ነገር ከም ዘለዎ ተሰኪሙ’ዩ ናብ ካልእ ዘሕልፎ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣናሎግ ቲቪ ነቲ ምስሊ ብስእሊ እዩ ዝሕዞ። ሓንቲ ኣካዪዳ ጥራሕ’ዩ ከኣ ዝፈልጥ፡ ናይ ምምሕያሽ’ምበር ናይ ምልዋጥ ባህሪ የብሉን። ሓደ መኣዝናዊ (ሊንያር) ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ክሰጋገር ግዜ ይበልዕ። ብዙሕ መገድታት ስለ ዘይብሉ ናይ ምትዕጽጻፍ ግብሩ ትሑት’ዩ። ምንቅስቓሱ መካኒካዊ ብምዃኑ ብዙሕ ሓይሊ ወይ ጕልበት’ዩ ዝሓተካ። ዝበዝሕ፡ በታ ኣቐዲሙ ዝዀና ወይ ዝተሞኰራ’ዩ ዝሰርሕ። ብኣናሎግ ዝተሳእለ ስእሊ ተደጋጊሙ ክቕዳሕ እንከሎ ብቕዓቱ እናጎጐደለ ይመጽእ። ሓንቲ መስመር ስለ ዝኽተል ምስ ካልእ ዝምድና የብሉን – ‘ኔት ዎርክድ’ ኣይኰነን።”

“ድጂታልከ፧”

“ድጂታል ኣሰራርሓኡ መካኒካዊ ስለ ዘይኰነ ምስ ብዙሕ ዝምድና ኣሎዎ። ኣብ ሓደ እዋን ድማ ሓያሎ ዕዮታት ክዓምም ይኽእል። ድጂታል ሓጺር ኣገባብ ምስ ደለየ እዩ። ብዙሕ ክሕለፍ ዘሎዎ መስርሕ የብሉን። ንኣብነት፡ ኣብ ድጂታል ካሜራ ከም ኣናሎግ ካሜራ ፊልምታት ምሓዝ፡ ምጽላም፡ ብርሃን ከይኣትወካ ምጥንቃቕ፡ ምሕታም… ኣየድልየካን። ስእል ውዒልካ ጥራሕካ እትተርፈሉ’ውን ኣሎ። ኣብ ድጂታል ካሜራ ግን መኸዘኒ ካርድታት እናእቶኻ ብዙሕ ኣሳእል ከተልዕል ትኽእል። ኣብ ኣናሎግ ፎቶግራፊ ምስ ተሓጸበ ኢኻ ትፈልጦ። ኣብ ድጂታል ካሜራ ግና እናሰኣልካዮ እንከለኻ ትርእዮ፡ ምስ ሰኣልካ’ውን ናብ ኮምፒዩተርካ ብምዕራቕ ብዝቐለለ መገዲ ክትክዝኖ ትኽእል። እቲ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት፡ ግዜ ዝወስድ… ዝነበረ ነበረያ ነበረ ክኸውን እንታይ ተሪፉዎ። ኣብቲ ድጂታል ካሜራ ምንቕናቕ ዝጻረር፡ ሕብርታት ክቐያዪር… ዘኽእል ሜላ’ውን ኣሎዎ። ድጂታል ብሓደ መገዲ ጥራሕ ኣይኰነን ዝኸይድ። ድጂታል ሃልኪ ግዜ፡ ጕልበት የብሉን። ነቲ ነገር ብኮድ ስለ ዝሕዞ ቦታ ንእሽቶ’ዩ። ኣናሎግ ግን ገዚፍ’ዩ…”

 “ጽናሕ ከቋርጸካ! ከምዚ ኣብ ክፍሊ ዘለኹዶ መሲሉካ ሓቀይ፧”

“እወ! ኢድኪ ሓዚ፡ ቍሊሕ ምሊሕ ከኣ ኣይትበሊ፡ ሰጥ ኢልኪ ተማሃሪ። ኣነ እናመሃርኩ ፍሕትሕት ዝብል ኣይፈቱን’የ…”

“ግና እዛ ዘላ ሕጂ ዓለም ኣናሎግዶ ትመስለካ ድጂታል፧”

“ኣናሎግ ይበዝሑዋ ይመስለኒ ካብ ድጂታል። መጻኢ ግን ብርግጽ ኣብ ኢድ ድጂታል እዩ። ሕጂ ንስኺ ናይ ትማሊ ድኺ ናይ ጽባሕ፧ ኵሉ ነገራት ድጂታል እናዀነ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ቀደም ሓንቲ ንእሽቶ ሓበሬታ ናብ ሓደ ቦታ ንኸብጽሑዋ ነዊሕ ይጓዓዙ ነይሮም፡ ኣህላኺ እዩ። ምምሃዝ ተሽከርከርትን ነፈርቲን ነዚ ብኸፊሉ ክፈትሖ ክኢሉ። ብፍላይ ንመልእኽቲ፡ ኣናሎግ ተለፎን ዝሰለጠ መተሓላለፊ ኰይኑ ጸኒሑ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ከኣ ብድጂታል ኰይኑ፡ ብሞባይል ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኴንካ ሓበሬታ ክትህብን ክትቅበልን ትኽእል። ብኡ መንጽር ከኣ ዝሃልኽ ዝነበረ ጕልበት፡ ግዜ፡ ጸጋታት… ክጐድል እዩ። ቅድሚ ሓጺር ዓመታት፡ እዋናዊ ዜና ዝበሃል ናይ ትማሊን ቅድመኡን’ዩ ነይሩ። እተን ራድዮታት’ውን ኣናሎግ ስለ ዝዀና ንጹርነት ኣይነበረንን። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግና ድጂታል ራድዮ ንጹር’ዩ። ኣብ ደደቒቕ ከኣ እዋናዊ ዜና ክትከታተሊ ትኽእሊ። ድጂታል ራድዮ እትህበኪ ኣማራጺታት እምብዛ ብዙሕ’ዩ። ኢንተርነት’ውን ርኣዪዮ በጺሑዎ ዘሎ – እንታይ ዘይትረክብ ኣብኡ። ኣነ ንኣኺ ብገጽኪ ኣይፈልጠክን’የ ግን ከኣ ብኤለክትሮኒክ ሜድያ ነዕልል ኣለና። ዝዀነ ነገር ክትሽምቲ እንተ ደሊኺ’ውን ኣብ ገዛኺ ኴንኪ ክትጠልቢ ትኽእሊ ኢኺ። ናይ መጽሓፍከ ሰሚዕኪዶ፧”

“እንታይ’ዩ፧ ኣይስማዕኩን።”

“ኣብ ወረቐት ዝሕተም ዝነበረ መጻሕፍቲ ብኤለክትሮንያዊ መጽሓፍቲ ክትካእ ይጅምር ኣሎ። ኣብዚ ሓጺር እዋን ኩባንያ ሶኒ ብዙሕ መጻሕፍቲ ዝሕዝ ኤለክትሮንያዊ መጽሓፍ ንዕዳጋ ቀሪቦም ኣለዉ። ኣብዚ መዋእለ ድጂታል፡ 1000 መጽሓፍቲ፡ ፊልምታት፡ ደርፊታት… ኣብ ኢድኪ ሒዝኪ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ‘ዓለምለኻዊ ቤት-ንባብ’ እናተባህለ ብብዙሓት ዝሕለም ዝነበረ ድማ ክውን እናዀነ ይመጽእ ኣሎ – ድጂታል ቤት-ንባብ። ደረስቲ ናብ ቤት-ማሕተማት ዝኸድሉ እዋን ነዊሕ ዝኸውን ኣይመስለንን።”

“ገሪሙኒ ኣሎ፧!”

“እንታይ፧”

“ናይ ድጂታል ሰባኺ ኴንካ ጸኒሕካኒ፡ ወዲ-መዛምርቲ እንድዩ ዝበሃል ነይሩ፡ ጓል-መዛምርቲ ክዀነልካ እየ።”

“ሃሃሃ… ሕጂ ንስኺ ኣናሎግ ድኺ ድጂታል፧”

“ንሰባትከ ከምቶም ንብረታት ኣናሎግን ድጂታል እናበልካ ትገልጾም ዲኻ፧”

“ኢሂናይ ደኣ! ቀንዲ ሰባት እምበር። ዘይሰባት’ዮም ሰሪሖሞ።”

“ንስኻ ብኸመይ ኢኻ እትገልጾም’ሞ ሓብረኒ፡ ሽዑ ኣነ ኣበይ ከም ዝምደብ ክነግረካ።”

“እቲ ከምቲ፡ እዚ ከምዚ ምባል እኳ ኣይብርሃንን’ዩ። ከም ኣተሓሳስባ ግን ኣናሎጋዊ ኣተሓሳስባን ድጂታላዊ ኣተሓሳስባን እናበልና ከነዕልል ንኽእል እመስለኒ።”

“ሃየ በል…”

“ካልእ እኮ ኣይኰነን። ኣነባብራ እናተቐየረ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ እቶም ኣብ ህይወት ዘለዉ ነገራት ብመንጽሩ’ዮም ዝቕየሩ። ዝዀነ ዝህንድስ፡ ዝምህዝ… ሰብ ኣብ ግምት ዘእቱዎ ነጥብታት ኣሎዎ። ኵሉ ሳዕ ዝቐለለን ዝሓሸን መገዲ’ዩ ዘናዲ። ድጂታል ከኣ ከም መቐጸልታ ናቱ እዩ መጺኡ። ነናቱ ግዜን መዓላን ግን ኣሎዎ። ንኣብነት፡ ኤለክትሮንያዊ መጽሓፍ መጺኡ ማለት ኣብ ወረቐት ዝሕተም መጽሓፍ ጠፊኡ ማለት ኣይኰነን። ብሽክለታ ቅድሚ መኪና’ያ ተማሂዛ። ጸኒሓ ከኣ ካብኣ እትቕልጥፍን እትምችእን መኪና ተማሂዛ። ይኹን’ምበር፡ ምምሃዝ መኪና ንብሽክለታ ከጥፍኣ ኣይከኣለን። ብኸምዚ ክረአ ዘሎዎ እመስለኒ።”

“እቲ ኣኖሎግ ኣተሓሳስባን ድጂታል ኣተሓሳስባን ዝበልካዮ ቀጽሎ…”

“ኣኖሎግ ሓንሳብ ምስ ቈመ ብሓደ መገዲ’ዩ ዝኸይድ። ኣናሎጋዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም ሰባት ከኣ ነታ ዝፈለጡዋ፡ ሰባት ከይምንጥሉዎም ስለ ዝሰግኡ ፍልጠቶም ዝሓብኡ’ዮም። ‘ኔት ዎርክድ’ ስለ ዘይኰኑ ድማ ምክፍፋል ስራሕ የብሎምን። ኮታ ንዝዓዪዎ ስራሕ፡ ንዝነብሩዎ ህይወት ብኣህላኺ፡ ግዜ ወሳዲ፡ ዘይተለዋጢ መገዲ ዘካዪዱዎ ኣናሎጋዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም’ዮም ክብል እኽእል። ኣብ ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ ግና፡ እቲ ቴክኖሎጂውን ቀልጢፉ ስለ ዝቕየር፡ እቶም ሰባት’ውን ነብሶም ነንዕለት እናኣማዕበሉ ናብ ሓድሽ ነገር ዝኸዱ’ዮም። ኣህላኺ ኣገባብ ነጺጎም ዝሓሸን ዝቐለለን መገዲ ዘናድዩ’ዮም። ‘ከምዚ ዘይተገብረ!’ እናበሉ ምኒን ክብሉ ዝውዕሉ ዘይኰኑስ ፍታሕ ዘናድዩ’ዮም። ኣብ ድጂታላዊ ዓለም ፍልጠት ምሕባእ ዝበሃል የሎን። ምኽንያቱ፡ እቲ ስነ-ኪነት ድዩ ህይወት እናተወንጨፈ’ዩ ዝኸይድ – ገና ፍልጠትካ እናሓባእካ እንከለኻ ሓዲግካ ክኸይድ’ዩ። እዚ ኣናሎግን ድጂታልን ዝበሃል ዘሎ ኣብ ነብስና፡ ስራሕና፡ ስድራና፡ ትካላትና… ኣእቲና ክንርእዮ ንኽእል ኢና። እንምነዮ እንታይ’ዩ፧ ‘ሓድሽ ሜላ፡ ጥበብ… የድልየና’ሎ’ ዲና ንብል ወይስ ‘ተመኵሮ ይኣክል’ዩ’ በሃልቲ ኢና፧ እቶም ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም፡ ተመኵሮ በዓቲ ዕቝባኦም ኣይኰነን። ኣብዛ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናተለወጠት እትሕንበብ ዘላ ዓለም ንድሕሪት ግልጽ ክብሉ ግዜ የብሎምን። ውው….!! ብዙሕዶ ተዛሪበ ሓቀይ… ይቕረታ! ተዛረቢ ንስኺ ሕጂ – ኣናሎግ ድኺ ድጂታል፧”

“ድጂታል ኰይነ እስመዓኒ። ምናልባት ኮምፒዩተር ገይርካ እንተ ርኢኻኒ ፔንቱም-2 ወይ 3 ክኸውን ይኽእል’የ። እንድሕር ተቐዪረ ናብ ሓድሽ ኵነታት ክኣቱ’የ ኢለ ዝፈርሕ ኣይመስለንን። ሓድሽ ስነ-ጥበብ፡ ሓድሽ ኣነባብራ፡ ሓድሽ ኣሰሓሕቓ፡ ሓድሽ ኣለቓቕሳ ወዘተ እየ ዝደሊ። ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽ ትፈልጦ ሸይጣን ምባል ኣይብርሃንን’ዩ።”

“ደሓን ኣጆኺ ‘ሜሞሪ’ ወሲኽና ካብ ‘ፔንቱም – 2’ ናብ ‘ፔንቱም – 3’ ከነማሕዪሸኪ ኢና።”

“ኣሃሃ… ኣታ ግናይ! ስማዕንዶ፡ ሕጂ እዚ ዕላል ኰይኑ ድዩ ክተርፍ ዋላ ከተጽንዖ ኢኻ፧ ኣተሓሳስባና፡ ህይወትና፡ ስነ-ጥበብና፡ ኣተዓባብያ ደቅና፡ ቍጠባና፡ ትምህርትና… ኣናሎግ ዲዩ ድጂታል፧ እቲ ኣፈቓቕራናኸ፧… እናበልካ ክትሰብኽ ድኻ፧”

“ቈጸራ ኣኺላትኒ ኣላ። ኣብ ዝመጽእ ረቡዕ ግን ከነዕልለሉ ንኽእል ኢና ግዜ እንተ ወፊኺ…”

“ጠባይ እንተ ገይርካ ክውፈየልካ’ዩ። ሰላም ቅነ”

“ቻውውውው።”

-2-

ብዝተለምደ ምኻድ ናይ ኣኖሎግ ባህሪ’ዩ

ንጐደና ሓርነት ‘ከማዓልካ’ ክትብሎ እንከላ ኣጋ ግዜ’ዩ ነይሩ። ካብ ስራሕ ዝተፈደሰ፡ ዝተቛጸረ… ናብቲ ጐደና ይውሕዝ ነይሩ። ካብዚ ሰዓት’ዚ ንንዮ እቲ ጐደና ዳርጋ ኣብ ምሉእ ቍጽጽር መንእሰያት’ዩ ዝኣቱ። ግዜ ቈጸራኣ ኣኺሉ እኳ እንተ ነበረ ነቲ ሕብርታት፡ ምንቅስቓሳት፡ ጕያታትን ተስፋታትን ምስ ርኣየት ኣብቲ ዋሕዚ ክትኣቱ ኣይፈርሐትን፡ ህልውናኻ እተርእየሉ ጐደና’ዩ። ‘እንታይ ደኣ ጠፊእካ፧’ እንተ ተባሂልካ ‘ኣብዚ ጐደና ኣይተረኣኻን’ ማለት’ዩ። ሻህራዛድ ነቲ ዋሕዚ ጨዲዳ ናብ ቈጸራኣ ክትከይድ እንከላ “ወግዒ-ልቢ” ኣብ እትብል ድራማ በየነ ሃይለ እትደጋገም ግጥሚ ኣብ ኣእምሮኣ ቀባሕ በለታ’ሞ ታሕጓስ ተሰምዓ። ዓይና ሰም ኣቢላ ከኣ፡ “ኣንታ ውሕጅ ባህጊ ሩባ ናፍቖት/ ናይ ድሌት ስንጭሮ ጐደና ሓርነት፡” በለት። ድምጺ ኣውጺኣ ድያ ኢላቶ ዋላስ ብውሽጣ መቓልሕ ፈጢራ ርግጸኛ ኣይነበረትን።

ናብ ኢንተርነት ካፈ ኣትያ መዝገባ ከፈተት። መቋጽርታ ቀዲሙዋ ኣትዩ ይጽበያ ከም ዘሎ ምልክቱ ርኣየት። ተቐዳዲማ ከኣ፡ “ነዚ ጐደና እንድየ ክድጕዓሉ ጸኒሐ፡” ዝብል ጽሒፋ ሰደደትሉ።

“እንታይ ኢልኪ፧”

“ኣንታ ውሕጅ ባህጊ ሩባ ናፍቖት/ ናይ ድሌት ስንጭሮ ጐደና ሓርነት – ትዝክራ ትኸውን ኢኻ፧”

“እወ ዘኪረያ ኣለኹ። ግና ደጕዓ ድያ እታ ግጥሚ – መልቀስ ከይትኸውን፧”

“መልቀስ ኣይትመስለንን። ናይ ባህግን ናፍቆትን ስለ ዝዀነት ደጕዓ ትመስለኒ።”

“ኣብታ ድራማ፡ እቲ ሓሙሻይ መላለዪ ተዋስኦ ነዛ ጐደና ዝበላ ከኣ ኬፍ ትህበኒ እያ።”

“እስከ ኣዘክረኒ፧”

“ኵሉ ሻብ ጥሜትና ኢኺ…”

“መኒናኪ ኣይንፈልጥን፡” መልኣትሉ።

“ኵሉ ሻብ መኣዛና ኢኺ።”

“ሓቁ እኮ እዩ! ጥሜትና ስለ ዝዀነዶ ኣይኰንናን ኣማስያኡ ናብኡ እንውሕዝ ዘለና። ናይ ባህግና፡ ሕልምና፡ ፍቕርና፡ ናፍቖትናን ተስፋናን መድረኽ እኮ እዩ። ኣብ ካፈታታ ኮፍ ኢልና ካብ ዕላላት ዝተማሃርናዮ ምኣስ ውሑድ ኰይኑ – መዓስዶ መኒናዮ ኢና፧! እቲ ደራሲ ነቲ ደቀቕቲ ጽን ዝበሎ ድምጺታት ናብ ዓቢ ደወል ቀዪሩ፡ ባዕልኹም ቃጭሉዎ ኢሉ’ዩ ሓዲግልና ዘሎ።”

“ስምዒ’ባ እታ ድራማ ክትርአ እንከላ ኣብ ኣስመራ ነይርኪ ማለት እዩ – ርኢኽኒዶ ነይርኪ ሽዑ፧”

“እወ። ምስ ክልተ ኣወዳት ነይርካ ተዕልል – ኣብቲ ኣፍደገ ሲነማ ኣዝመራ።”

“ሰላም ደኣ ዘይበልክኒ ጓለይ ክንደይ ትሓስሚ!”

“ዝገርመካ በቲ ኣስካላ እናደየብኩ ትጥምተኒ ነይርካ፡ ሎሚስ ፈሊጥኒ ግዲ እዩ ኢለ ኣብዚ ውሽጠይ ገለ ተሰሚዑኒ ነይሩ።”

“ሓንቲ መዓልቲ ደኣ’ኮ ክረኽበኪ እየ። ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝገብር ፈሊጥኪዶ ኣሎኪ፧”

“ህ!”

“ከይትዳለውሉ ምእንቲ ሕጂ ኣይነግረኪን እየ።”

“ድጂታል ኣተሓሳስባ ዘሎዎ ሰብከ ዝሓሰቦ ይሓብእ ድዩ፧ ሕጂ ዝሓሰብካዮ ብልሓትከ ንመጻኢ ግዜ ክኸውን ከም ዝኽእል ከመይ ገይርካ ተረጋግጽ፧”

“ጨብ! ጨብ! ጨብ!”

“ኢሂ እንታይ ተረኽበ – ዝሓተትካኒ ሕቶ መኣስ መሊሰ ተጠቓዓለይ፧”

“ሕቶ ዝመለሰ ጥራሕ ድዩ ዝጣቕዓሉ፧ እዚ ናይ ኣናሎግን ድጂታልን ነገር ከም ዝተረድኣኪ ስለ ዝፈለጥኩ እየ ኣጣቒዐልኪ።”

“ኣብ ዝሓለፈ ዕላልና፡ እዚ ኣኖሎግን ድጂታል ዝብል ኣምር ኣብ ትምህርትና፡ ስነ-ጥበብና፡ ኣተዓባብያ ደቅና፡ ቍጠባና፡ ኣፈቓቕራና ወዘተ እናበልካ ከተጽንዖ ዲኻ ዋላስ ብዘረባ እዩ ክሓልፍ ኢለ ሓቲተካ ነይረ።”

“ንሓመድ ድጕሪ የውጽኦ ንዘረባ ድማ ዘረባ የምጽኦ – እትብል ምስላ ኣይትፈልጥያን ድኺ። ሓላፍነት እባ ኣይተኽብድለይ። ዕላል ዘምጽኦ እንዲና ኣዕሊልና…”

“እቲ ንእሽቶ ዝነበረ እንድዩ ዝዓቢ። ዝበዝሕ እዋን ዘረባ ዘረባ ኰይኑ’ዩ ዝተርፍ። እንተ ጽሒፍካዮ ግን ዘንብቦ ይበዝሕ። ካብቲ ንእሽቶ ሓሳብ ዓቢ ነገር ከውጽእ ዝኽእል ሰብ ድማ ኣይሰኣንን።”

“ንዓኺ’ሞ ከመይ ተራእዩኪ፧”

 “ብዙሕ’ዩ ኣተሓሳሲቡኒ። ነታ ንእሽቶ ናይ ኣናሎግን ድጂታልን ዝተላዕለት ሓሳብ ኣብ ሓያሎ ነገራት እናእተኹ ክርእያ ፈቲነ። ትሰርሕ ከኣ ትመስለኒ። ሓድሽ ነገር እኮ ኣይኰነን። ነቲ መግለጺ እትስእነሉ ዝስመዓካ ወይ እትሓስቦ መሰከሚ እዩ ዝዀነካ። ድሮ’ኳ ነቶም ኣናሎግን ድጂታልን በብዕድመ ክርኣዩኒ ጀሚሮም፧”

“ከመይ፧”

“ዕድመ ኣብ ኣተሓሳስባ ዝፍለ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብዙሕ እዋን ግን ኣብ ውሱን ደረት ዕድመ ዘለዉ ጽልዋታቶም ዝዛመድ ስለ ዝዀነ ዘመሳስሎም ኣሎ። እዚ ሕጂ ዝነግረካ ነቶም ኣብ ሓጹር ግዜ ዘይድረቱ ኣውጺእካ ክትርእዮ ኣለካ።”

“ሕራይ ቀጽሊ ጥራሕ።”

 “ሓያሎ ኣብ መፋርቕ ሰላሳታት ዝሓዀሩ’ሞ ኣብ 90ታት ዝፍለጦም ዕድመ ዘሕለፉ መብዛሕቶም ኣብ ኣናሎግ ምመደብኩዎም። ምኽንያቱ፡ ከስተውዕለሎም እንከለኹ ዝቕየሩ ኣይኰኑን። ርእይቶታቶም ብርእሰ-ተኣማንነት ክገልጹ ኣይጐንፉንን። ካብታ ሒዝናያ ዝብሉዋ ተመኵሮ ከኣ ክወጽኡ ብዙሕ ኣይርእዮምን። ይረደኣዮም ኣይረደኣዮም ፍርሒ ንምልዋጥ ኣሎዎም። ኣብታ ዝለመዱዋ ተመሳሲልካ ምንባር ዝብል ርድኢት ኣሎዎም። ዝተወድኡ ዛንታ ኰይኖም ስለ ዝስምዑኒ ከኣ ጽሩያት ኣናሎግ’ዮም ምበልኩዎም።”

“ገለኦም ግን ኣለዉ ኣናሎግ እንከለዉ ናብ ድጂታል ክቕየሩ ዝጽዕሩ።”

“እወ። ነቲ ኣናሎግ ጥንጥን ኣቢሎም ናብቲ ሓድሽ ዓለም ድርግም ዝብሉ ኣለዉ። ግናኸ ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም። ገለኦም ከኣ ዝበዝሐ ናይ ኣናሎግ ባህርያቶም ሒዞም ናብቲ ድጂታል ክኣትዉ ስለ ዝፍትኑ ደቂ ሞንጎ ኰይኖም ይተርፉ። ግና ንሶም ይሕሹ።”

“እቶም ጽሩያት ድጂታል እትብልዮምከ ኣየኖት ዕድመ’ዮም፧”

“እዚ’ውን ሓፈሻዊ’ዩ። ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ኰይኖም ኣናሎጋዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም ኣይሰኣኑን’ዮም። ብኣጠቓላሊ ግን ዝፍለጦም ዕድመ ድሕሪ 2000 ዝዀነ ጽሩያት ድጂታል’ዮም ምበልኩዎም። ንብዙሕ ነገሮም ክርእዮ እንከለኹ ፍሉይ ነገር ይርእየሎም’የ። ነቲ ግዜኦም ዝሃቦም ጸጋ ቴክኖሎጂ ተቋደስቱ’ዮም። ክመልኩዎ’ውን ግዜ ኣይወስደሎምን። ምልዋጦም ከኣ ቍልጡፍ እዩ። ንድሕሪት ግልጽ ኣይብሉን። ኣለኻዶ፧”

“እወ ኣለኹ ቀጽሊ።”

“ሓንቲ ጐረቤትና ቈልዓ ኣላ። ገለ መሳቱኣ መጺኦም ‘ንዕናይ ክዕሶ ንጻወት፧’ ኢሎማስ ኣብያቶም። ኣነ ከኣ ስቕ ኢለ ይርእያ ነይረ። ‘ንምንታይ ምስኦም ዘይትጻወቲ፧’ ምስ በልኩዋ ‘እንታይ ኣእተወኒ ዝደክም፡ ሓመድ ዝጽየቕን ዝወድቕን። እንተ ደልየ ኣብ ኮምፒዩተር ኩዕሶ ዘይጻወት’ ኢላትኒ። ግርም ኢሉኒ። እዚኣ ድጂታል ብዲጂታሉ እቲ ሓድሽ እያ። ነቲ ብኣካል ካብ ጸወታ ኵዕሶ እትረኽቦ ዕግበት ኣብ ኮምፒዩተር ተጻዊታ ክትረኽቦ ከም እትኽእል ዝኣመነት’ያ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኵሉ ኣብ ኣእምሮ’ዩ ዘሎ በሃሊት’ያ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝበልካዮ ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎ ሰብ፡ ነነገራት ብቐሊል፡ ግዜን ዓቕምን ዘየህልኽ መገዲ’ዩ ክገብሮ ዝደሊ”

“ነቲ ኣኖሎግን ድጂታልን ኣብ ህይወትና፡ ነብስና፡ ስነ-ጥበብና፡ ቍጠባና፡ ትምህርትና፡ ስድራ-ቤትና ወዘተ. እናበልና ብኸምዚ ክትገልጽዮ ዝጸናሕኪ ክንርእዮ ንኽእል ኢና።”

“ንኣብነት፧”

“ንኣብነት ኣብ ስነ-ጽሑፍ እንተ ርኢናዮ፡ ‘ስነ-ጽሑፍና ኣናሎግ ድዩ ዘሎ ድጂታል፧’ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ዝበዝሕ እዋን ስነ-ጽሑፍና ንድሕሪት ግልጽ ምባል ዝፈቱ ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። እዚ ከኣ ቀንዲ ባህሪ ናይ ኣናሎግ’ዩ። ኣናሎግ ሓደ መገዲ’ዩ ዝኽተል። ዝበዝሕ ግዜ ልምዳዊ ወይ ያታዊ ኣገላልጻታት እንተ ተጠቂምና ስነ-ጽሑፍና ሓይሊ ዝረክብ’ዩ ዝመስለና ዘሎ። እቲ ኣብ መወዳእታ እንደልዮ ሓቂ ምስዓብ፡ ነብስና ምግላጽ፡ ጽባቐ ንምርኣይ ወዘተ. ክኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ እንኽተሎ መገዲ ግን ነናትና ኣሎና። ግድን ድና ጽባቐ ጓለንስተይቲ ንምግላጽ ስና ጉራማይለ፡ ሒለል ክሳዳ፡ መዓንጣኣ ሰቲ ክንብል ዘሎና።”

“ምናልባት ግን ስምዒትና ንምግላጽ ተፈጥሮ ምስ እንጥቀም፡ ተፈጥሮ ምስ ግዜ ዘይቅየር ስለ ዝዀነ ዕምቈቱ ንወለዶታት ክሰጋገር ይኽእል’ዩ። ስምዒትና ይኹን ሓሳባትና ብምንጽጻር ምስ ተፈጥሮ እንተ ተገሊጹ ሓይሊ ይረክብ’ዩ። በቲ ሰብ ዝሰርሖ ገይርና ምስ እነነጻጽሮ ግን ዕምቈቱ ስእላዊ ዝኸውን ኣይመስለንን።”

“ክኸውን ይኽእል’ዩ። ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ከነውጽኦ እንተዄንና ሜላ የድልየና’ዩ። ጸሓፋይ ድማ ብቓላት ገይሩ ውሽጡ ዝገልጽ’ዩ። ይኹን’ምበር፡ እቶም ቃላት ናቱ ክዀኑ ኣለዎም። ንሓደ ሓረስታይ መግለጺኡ እቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ’ዮም። እቲ ዛንታ ናይ ከተማ እንተዀይኑ ግን ክሳብ ክንድኡ ጸሓይ ብጎቦ እናተቐልቀለት፡ ኣግራብ ወዘተ. እናበልካ ምግላጽ ኣየድልን። እቲ ያታዊ ኣገላልጻ፡ ናይዚ ዘሎ ወለዶ ኣገላልጻ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ስእላዊ ኣዘራርባ ነዞም ናይ ሎሚ ትውልዲ ይርሕቆም ኣሎ። እቲ ቀዳም ‘ሓያል’ ንምባል ዝግለጽ ዝነበረ ነዚ ናይ ሎሚ ‘ዓሻ’ ከስምዖ ይኽእል’ዩ። ብዙሓት ገጠምቲ ይኹኑ ደረስቲ እቲ ባህላዊ ኣገላልጻታት ናይ ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ገይሮም ይርድኡዎ ስለ ዘለዉ ንህልው ስምዒታትናን ሓሳባትናን መግለጺ ስኢንና ሓፈሻዊ ዘረባ ክንዛረብ ንርአ ኣለና። ነቲ ኣቐዲምና ዝሰማዕናዮ ኢና መስርዕ እናቐያየርና ነቕርቦ ዘሎና። ግጥሚ ክሰምዕ እንከለኹ ግርም’ዩ ዝብለኒ። ኣብ ከተማ ዝዓበዩ ንኣሽቱ መንእሰያት ‘ሒለል ክሳዳ’ ወይ ካልእ ንኡ ዝመስል ክብሉ እንከለዉ፡ እቲ ሒለል መሸላ ይርኣዮምዶ ይህሉ፧ ዳህሲሶሞዶ ይፈልጡ ይዀኑ፧ እብል። ክበሃል ስለ ዝሰምዑዎ ድዮም ወይስ ብሓቂ ተመስጦኡ ኣሎዎም’ዩ ኢለ እሓትት። ኣነጺርና ዘይንፈልጦ ዘረባ ምዝራብ ንለምድ ዘሎና እመስለኒ። ነቶም ቃላት ድምጾም ኢና ንፈልጦም ዘለና’ምበር፡ ትርጕሞምን ዝህቡዎ ምስሊን ጽቡቕ ገይርና ንርድኦም ዘሎና ኣይመስለንን። ብዝተለምደ ምኻድ ከኣ ናይ ኣኖሎግ ባህሪ’ዩ። እቲ ድጂታል ጸሓፊ ግን ሓሳባቱን ስምዒታቱን ዝገልጸሉ ሓድሽ ብልሓት ዝደሊ እዩ። ዝጸሓፍ ዛዕባ ክምእርር ግድን ኣይኰነን እንዳ ስዋታታትን ኣብያተ ሜስን ክኸይድ ዘለዎ። እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ናቱ ህይወት ኣሎዎ። ህይወቱ ንምርዳእን ንምጽራብን ድማ ናቱ ስነ-ጽሑፍ’ዩ ዘድልዮ። ቃላትን ኣገላልጻታትን ስለ ዝሰኣንና ኢና ንነገራት ምርዳእ ንስእኖምን ህይወትና ምቕያር ንስእንን ዘለና። እቶም ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም ጸሓፍቲ ሓድሽ ሜላ ተጠቂሞም ነዚ ዋግዋጎ’ዚ ቀደድ ኣቢሎም ንስምዒታትናን ሓሳባትናን መግለጺ ክህቡና ንሕና ከኣ ከነዕለብጥ ጸኒሕና ‘ሽምኩም ትረኸብ!’ ክንብሎም እየ ዝምነ።”

 “ኣብ ቅብኣኸ፧”

“ተመሳሳሊ እዩ። ኣብ ዝበዝሕ ቅብኣታትና ተቐሚጦም ዘለዉ ባእታታት’ውን ባህላውያን ድዮም ወይስ ኣብዚ ህልው ህይወትና ዘለዉ ክርድኡና እንደልዮም እዮም፧ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ዝለመድናዮ ኣገባብ ናይ ምንኣድ ድፍኢት ክህልወና ይኽእል’ዩ። እንሕበኣሉ ግን ክኸውን የብሉን። እቲ ኣናሎጋዊ ቀባኢ ካንቫሱ ክዝርግሕ፡ ሕብርታት ክሓዋውስ፡ ሕብርታት ክጽየቕን ክሽትቶን ይርኣዮ ይኸውን። ካልእ ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎ ቀባኢ ከኣ ነቲ ኣብ ኮምፒዩተር ዘሎ ዘይውዳእ ገጻትን ሕብርታትን ገይሩ ዓለሙ ከርኢ ይኽእል’ዩ። ሕብሪ ተሳኢኑ፡ ካንቫስ ከቢሩኒ ምባል ኣየድልዮን። ብመንጽር ግዜን ዓቕሚ ንዋትን ኣህላኺ እዩ ብምባል ስምዒቱን ሓሳባቱን ዝገልጸሉ ሜድያ ኣብ ኮምፒዩተር ክረክብ ይኽእል’ዩ። እቲ ካንቫስ ምዝርጋሕ፡ ሕብርታታት ምድዋስ ዝለመደ ነቲ ድጂታላዊ ቅብኣ ኣይቅበሎን ይኸውን። ለውጢ ስለ ዝፈርሐ ድዩ፧ ስምዒትካ ይኹን ሓሳብካ ንምግላጽ እትጥቀመሉ ሜድያ የገድስ ድዩ፧ ብኸምዚ’የ ዝርእዮ…”

“ዝሓል! ዝሓል!”

“ኣሃሃ ውዕየ ድየ፧”

“ኣበይ ዘለኻ ኰይኑ ድዩ ክርኣየኒ ጸኒሑ ‘መስለካ – ህ! እሞ በለኒ፧”

“ህ!”

“ኣብቲ ናይ ካቴድራለ ኣስካላ ኴንካ ነቲ ዝሓልፍ ህዝቢ ኣተሓሳስባኹም ድጂታል ይኹን… እናበልካ ኣዒንትኻ ዓሚትካ ክትዛረብ ተራኢኻኒ።”

“እቲ ሰብከ እንታይ እናበለ ይርኣየኪ፧”

“ኣታ እንታይ’ዩ ዝብል ዘሎ፧ እንታይ’ዩኸ ኣናሎግዶ ድጂታል ኢልካ! እናበለ ክሓልፍ ይርኣየኒ። ንኣሽቱ ቈልዑ ግን እቲ ኣተዓማምታኻ፡ ምንቅስቓስ ኢድካን ጣዕሚ ድምጽኻን መሲጡዎም ኮፍ ኢሎም ክሰምዑኻ ይርኣዩኒ።”

“ኣነ ከኣ ንስኺ ክትርኣይኒ ይደሊ ኣለኹ – ተዛረቢ መድረኽ ገዲፈልኪ ኣለኹ።”

“ብዛዕባ እንታይ ክዛረብ፧”

“ኣናሎግን ድጂታል ኣብ ኣፈቓቕራና ከመይ ከም ዝርኣየኪ ዋላ ኣዕልልኒ።”

“ኣናሎግን ድጂታልን ኣወዳት ወይስ ኣዋልድ፧”

“ኣናሎግ’ዩ ወይ ድጂታል’ዩ እትብልዮም ኣወዳት ከመይ’ዮም፧”

“ኣናሎግ ኣወዳት ኣፈቓቕራኦም በቲ ኣቐዲሞም ዝርኣዩዎ ወይ ዝሰምዑዎ ኣገባብ’ዮም ዘፍቅሩ። ናቶም ዝዀነ ሓድሽ ኣገባብ ኣፈቓቕራ ኣየዘውትሩን’ዮም። ንደቂ-ኣንስትዮ’ውን በቲ ዝጸንሐ መገዲ’ዮም ዝርእዪወን። ድጂታል ወዲ ዝብሎ ምስ ግዜ ዝኸይድ፡ ድሩቕ ዘይኰነ፡ ቀሊል (ሲምፕል) ህይወት ዘሎዎ። ኣሚንካ ድላይካ ክትነግሮ እትኽእል፡ ኣብ ሓሳባቱ ሰዓሪ፡ ገዛኢን ተገዛኢን ህይወት ዘይፈልጥ፡ ኣብ ኣነባብራኡ መለሳ ዘሎዎ – ኵሉ ሳዕ ዝልወጥ፡ ጽኑዕ፡ ብነብሱ ዝተኣማመን… ድጂታል ኰይኑ ይርኣየኒ። ኮታ ዝዓቘረ ማይ ዘይኰነካ ዝውሕዝ ወዲ’ዩ ድጂታል ዝመስለኒ።”

“እቲ ባድላ ድግርም ኣቢሉ ዘረባኡ እናተቘጻጸረ ዝዛረብ ስጥም ዝበለ ወዲኸ፧”

“ኣሃሃ… ምናልባት ንሱ ክትነብረሉ ዘይኰነ ክትሰኣለሉ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ንስኻኸ ድጂታል ጓል እትብላ ከመይ ትርኣየካ፧”

“ናታ ህይወት፡ ምስትምቓራትን ሓሳባትን ዘሎዋ፡ ኣብ ገዛ ክትዕጾ ዘይትደሊ፡ ናጽነት ዝስምዓ፡ ሓሳባታ ኮነ ስምዒታታ ክትገልጽ ዘይትፈርሕ፡ ንህይወታ ብመንጽር ባህጋ፡ ክትኰኖ እትደልዮ እትርእያ። ብሓጺሩ ናታ ሕልሚ፡ ምስትምቓርን ኣነባብራን ዘሎዋ ጓል ድጂታል ኰይና ትርኣየኒ።”

“ንኣብነት ከመይ፧ እቶም ምስትምቓር፡ ናታ ህይወትን ናጽነትን እትብሎም ዘለኻ ቃላት ብልክዕ እንታይ ማለትካ ኢኻ፧ ከምቲ ዝበልካዮ ሓፈሻዊ ዘረባ ዝዀና ዘለዋ ቃላት’የን።”

“ብልክዕ እንተ ዝፈልጦም’ሞ ሓንቲ ጽብቕቲ መጽሓፍ ክጽሕፍ ምኸኣልኩ ነይረ። ኣብዛ ዘላ ነጥቢ ግን ካብቲ ዝዕዘቦ’የ ዝገልጸልኪ ዘለኹ። ናታ ህይወት ወይ ናጽነት ማለት ፋሉልነት ማለተይ ኣይኰንኩን። ገለ ዝርእየን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ህይወት ናይቲ ዝፈቱዎኦ ወዲ’የን ዝኣቱዋ – ዝፈተዎ ይፈትዋ፡ ዝጸልኦ ይጸልኣ። ከምዚ ጥርሑ ብርጭቆ ናይ ዝመላእካዮ ሕብሪ ዝሕዝ ንሰን’ውን ንናቶም ስምዒታትን ሓሳባትን ዘንጸባርቓ ኰይነን ይርኣያኒ። እዘን ድጂታል ዝብለን ግን ንኽልተኡ ፈላልየን ክርእያ ዓቕሚ ዘሎወን’የን። ዓለሞም ክረኣኣዩን ክከባበሩን’ምበር ክተዓማመጹ ኣይፍትኑንን። ደሓር ከኣ እዛ ህይወት እኮ ንእሽቶ ብያቲ ኣይኰነትን። ንናይ ነፍሲ-ወከፍና ዓለም ክትጸውር ትኽእል’ያ – ኣተሓሳስባና’ዩ ወሳኒ።”

“ክደርፈልካዶ እሞ ሓንቲ ደርፊ፧”

“ጽቡቕ።”

“ኣፋንዋና’የ ኣፋንዋና ከይመስየና፧”

“ሕደራ ክንላለ ሕደራ ክንላለ! – ምዃን ምሳኺ ኣበይዶ ተላሊና ኢና፡ ኣብ ገጻት ኮምፒዩተር እኳ ኢኺ ተሓቢእክኒ ዘለኺ።”

“ድጂታል እንዲኻ ግዲ! ድጂታል ንረቂቕ ነገራት’ምበር፡ ኣብ ሞንጎኡ ዘሎ ናይ ቦታ ይኹን ኣካል ርሕቀት ይርኣዮ ድዩ፧ ግና ነዛ ሕቶ ከይትምልሳ ሕጂ – ክኸይድ ቈጸራ ኣሎኒ።”

“ሕራይ – ረቡዕ ኣብ ቈጸራና – ቻውውውውውውው”

-3-

ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ፡ ናትካ ኣሎካ ናተይ ድማ ኣሎኒ ዝብል እዩ

“ሕንቅል ሕንቅሊተይ፧”

“ሰናብ ሰናቢተይ።”

“ኣቦይ ጃዊ ሰለፉ ሃሪሙ ዘእዊ ፍለጠለይ፧”

ቈልዓ እንከሎ ይፈልጣ ከም ዝነበረ ትዝ ኢላቶ። ግና ምስ ቍልዕነቱ ብዙሕ ስለ ዝተረሓሓቐ ክዝክራ ኣይከኣለን’ሞ፡ “ተደረሪ” ዝብል ጽሒፉ ለኣኸላ።

“ብምንታይ፧”

“ብግዓት ጠስሚ”

“ኣይደልን!”

“ብምንታይ ደኣ ትደሊዪ፧”

“ብግዓት እንጣጢዕ።”

“ወይለይ! ጸዋሚት ዘይመሰልክኒ፧! ሕራይ በሊ ተደረሪ ብግዓት እንጣጢዕ! እንታይ እዩ፧”

“ንስኻ ኢኻ!”

“እዋእ! ኣሃሃ….” ኢሉ ናይ ሰሓቕ ምልክት ሓዊሱ ሰደደላ’ሞ፡ “ሰለፈይ ወይ ነብሰይ ባዕለይ ሃሪመ ድየ ዘእዊ ዘለኹ፧”

“ኣበይ እሞ ክትረኽቦ፧! ንነብሱ ባዕሉ ዝሃርም እኮ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ኣይኰነን። ነብሱ ከይቀጽዕ፡ ምስሉ ከይርኢ… ፈሪሑ ዝሃድምዶ ኣይበዝሕን፧!”

“ከይተተንተነ እንከሎኸ መልሳ እንታይ’ዩ፧”

“ዓንዳፍ!”

“ኣሃሃ… በሊ ሕንቅል ሕንቅሊተይ፧”

“ሰናብ ሰናቢተይ።”

“ካብ ደው ምስ በለ ኮፍ ምስ በለ ዝነውሕ ፍለጥለይ፧”

“ከልቢ።”

“ክላእ! ኣይሰለጠንን – መሊስክያ። ከመይከ ቀኒኺ፧”

“ሓሪፍ ዲጂ።”

“እንታይ ማለትኪ እዩ፧”

“ድጂታል – ምቅብጣር ትፈቱ ድኻ፧”

“እምብዛ! ክሕንቅቕ ኬፍ’ዩ ዝህበኒ። ክሳዕ ሕጂ እንድየ ንማማ ዝዅርየላ ምእንቲ ከተቀባጥረለይ።”

“ይኣኽላ’ባ ኣደኻ ሎሚስ ንስኻ ኣሐንቅቃ። ካልእ እተሐንቅቐካ ርኸብ።”

“ንስኺ’ሞ ዘይተሐንቅቕኒ ከም በሽቃጥ ቈልዓ በሽቀጥቀጥ – ቀጥ ክብለልኪ።”

“ኣነ ደኣ’ሞ ጸፋፊዐ’ባ ሰጥ ከየብለካ።”

“ይኽደን! እሞ ኣናሎግ ጓል ዘይረክብ።”

“ኣናሎግን ድጂታልን እሞ ክገጣጠሙ ይኽእሉ ድዮም፧ ንዊንደውስ 95 ኮምፒዩተር ዊንደውስ 2000 እንተ ጽዒንካያ ምስካሙ ስኢና ዓጠጠጥ እያ እትብል።”

“ደሓን! ንምንታይ ትጥቀመላ እኮ እዩ ዝውስነካ። እታ ኮምፒዩተር ክጽሕፈላ ጥራሕ ተድልየኒ እንተዀነትከ፧”

“ኣታ ግናይ! ክትጽሕፉለን ኢልኩም ኢኹምኖ እትቐርቡወን ነዘን ኣዋልድ፧! ምእንቲ ድላይኩም ክትጽሕፉለን ድኹም ኣዝየን ዝንእሳኹም ሃሰው እትብሉ። እንታይ ኢኹምከ ክትጽሕፉለን፧ ‘ትፈትወካ ጥራሕ ትኹን’ምበር ባዕልኻ ቅርጺ ተትሕዛ!’ እናበልኩም ክትዛረቡ እንከለኹም እኮ ግርም’ዩ ዝብለኒ። ንፉዓት ጸረብቲ እንተ ትዀኑ’ኮ ኣይመዛረበን። ዓይነን ኣንቍርኩም፡ ልበን ኣውጺእኩም ኣብ ኢድኩም ብምሓዝ ብዓይንኹም ክርእያ ብልብኹም ክኸዳ ክትገብሩወን ስለ እትደልዩ ድኹም፧”

“ምሽ ሰለፉ ሃሪሙ ዘእዊ ዓንዳፍ ኢኻ ኢልክኒ። ሕጂ ከኣ ነብሰይ ሃሪመ (ነቒፈ) ኣለኹ። ድሓር ከኣ ድጂታል ወዲ ዓዓለምና ንርአአ፡ ዘዘለና ንወሃሃብ፡ ዘዘለና ገይርና ዓለማትና ነጸብቕ ዝብል’ዩ ኢልና ብኣምሆይ ምሽ ኣዕሊልና። ነቲ ኣብ ባህርና ዘሎ ገዛኢ ወይ መላኺ ድፍኢት ከነዕኑዎ ኣለና።”

“ብርግጽ! ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ እኮ ነቲ ብልማድ ጥራሕ ዝግበር ኣናሎጋዊ ኣተሓሳስባ ሓዲጉ ናቱ መገዲ ዘናዲ እዩ። ናትካ ኣሎካ ናተይ ድማ ኣሎኒ፡ ግዜኻ ኣሎካ ግዜይ ከኣ ኣሎኒ ዝብል’ዩ።”

“ከምቲ ኣነ ነቲ ናትካ ዘኽብሮ ነቲ ናተይ ድማ ኣኽብሮ በሃሊ እዩ።”

“እወ! ስልጣነ ማለት’ኮ ንሱ እዩ። ንገለኦም ስልጣነ ክበሃል እንከሎ ቴክኖሎጂ እዩ ዝረኣዮም። ኣተሓሳስባ እዩ። ፍልልይ ዝኣምን፡ እዋኑንን እዋን ደቁን ነጻጺሉ ክርዳእ ዝኽእል፡ ከምቲ ናቱ ክኽበረሉ ዝደሊ ናይ ካልኦት ከኽብር ከም ዘሎዎ ዝፈልጥ’ዩ ስልጡን።”

“ዘረባ እባ ኣምጺእኪ ቴክኖሎጂ! ቴክኖሎጂ! እናበልና ብዙሕ እዋን ንዛረብን ክበሃል ንሰምዕን ኢና። ብልክዕ ግን እንታይ ማለት’ዩ፧ ከም’ቶም ከይፈለጥናዮም ክንዛረበሎም እንውዕል ዘሎና ኣምራት ከይከውን፧”

“ብኢድካ እናጻሕተርካ ክትሓርስ ጸኒሕካ ማሕረሻ እንተ ተጠቂምካ ቴክኖሎጂ ኣተኣታቲኻ ይበሃል። ጸኒሑ ከኣ እቲ ማሕረሻ ኣህላኺ ይኸውን’ሞ ድሑር ይኸውን። ካልእ ካብኡ ዝሓሸ እንተ ምሂዝካ ቴክኖሎጂ ይስመ። ሎሚ ቴክኖሎጂ ማለት ኮምፒዪተር ኰይኑ ዝስምዓና ኣለና። እዚ ኣናሎግን ድጂታልን እንብሎ ዘለና’ውን ምስ ኮምፒዪተር ኣይኰንናን ነተሓሕዞ ዘሎና። ኣተሓሳስባ እዩ። እቲ እናጻሕተረ ዝሓርስ ዝነበረ ለውጢ ከም ዘድልዮ ኣሚኑ ማሕረሻ ክጥቀም እንተ ጀሚሩ ድጂታል’ዩ ክንብሎ ንኽእል ኢና – ሓቀይዶ፧”

“እወ! ግና ነታ ቴክኖሎጂ እንታይ ማለት’ዩ እትብል ሕቶ ኣይመለስክያን፧”

“ክምልሰልካ ድኻ ትጽበ ዘለኻ፧”

“ኢሂናይ ደኣ!”

“ሕቶ’ምበር መልሲ ዘሎ’ኮ ኣይመስለንን – ምናልባት ኣብ ገለ ሸነኽ ናይ ስነ-ፍልጠት እንተ ሃልዩ እምበር። ዕላል ሕቶን መልስን ንምውህሃብ እንተ ዝኸውን ነይሩ ምዝራብ ምገደፍኩዎ ነይረ። እነዕልል ሓሳባትን ስምዒታትን ንምርዳእ እመስለኒ። ንስኻ ሕቶ ሓቲትካ፡ እቲ ኣነ ዝዛረቦ ግን መልሲ ኣይኰነን። ርድኢተይ እዩ። ነቲ ዝሓተትካኒ ከመይ ከም ዝርእዮ ዘንጸባርቕ’ዩ። እቶም ክምልሱ ዝደልዩ እኮ እዮም ዕላል ዝጽዪቑ፡ ከም ዝፈልጡ ክነግሩኻ ክብሉ ኣስተምህሮ ይቕዪሩዎ ወይ’ውን መደምደምታ ክህቡ ሒዅ ይብሉ።”

“ጸየቕቲ ዓጺድ ዕላልዶ ንበሎም – ንምህርቲ ዕላል ቆፎኡ ከይኣቱ ዝዀልፉ፧”

“ኣሃሃ….”

“ሕራይ በሊ… ነቲ ዝሓተትኩኺ ከመይ ኢኺ እትርእዪዮ፧”

“ቴክኖሎጂ እኩብ ኣተሓሳስባታት ኰይኑ’ዩ ዝርኣየኒ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ትዕዝብትና ኣብ ህይወት ኮነ ተፈጥሮ ከነመዓራርየሉ ዘኽኣለና’ዩ። ሰብ ዝበልዕን ቀልቀል ዝወጽእን ማሽን ዘይኰነ፡ ዓቢ ሓይሊ ምዃኑ ዘርኢ ምስክርነት’ዩ – ቴክኖሎጂ። ብጎቦ ቅልቅል ኣይትበል ሰይጣን ከይስሕበካ ዝብል ዝነበረ ሕብረተሰብ ሎሚ ስሕበት መሬት ምዃኑ ይፈልጥ’ዩ – ብሳላ ይስሓቕ ኒውተን። ትዕዝብቱ ኣተዓራርዪ ማለት’ዩ። ብኣዕዋፍ ዝቐንእ ለመም እናበለ ዝኸይድ ዝነበረ ወዲ-ሰብ ሎሚ ነፋሪቱ ሰሪሩ ናብ ድላዩ ክኸይድ ይኽእል ኣሎ…”

“ጽንሒ ከቋርጸኪ ሓደ ነገር ዘኪረ። ኣብታ ካብ 1941 ክሳብ 1951 እትሕተም ዝነበረት ‘ናይ ኤርትራ ሰሙናዊት ጋዜጣ’ እንተ ዘይተጋግየ ኣብ ናይ 1949 ሕታማት ዘንበብኩዋ እያ። ኣርእስቲ ናይታ ጽሕፍቲ ‘ያኢ ናብ ወርሒ ክብጽሓለይ’ እያ እትብል። ኣብቲ ግዜያት ናብ ወርሒ ክኸዱ ምድላዋት ይግበር ኣሎ ዝብል ዜና ምስ ተቓልሐ’ዮም ዝዀኑ ጽሒፎማ። እቲ ኣርእስቲ ‘ያኢ’ ኢሉ ስለ ዝጅምር ቃናኡ ናይ ባጫ እዩ። ‘ያኢ ንወርሒ ክብጽሓለይስ ንመገሻኦም ዝኾናቶም ማኪና ተሰናዲኣ ኣላ ይበሃለለይ…’ ዝብል ትሕዝቶ ከኣ ይርከቦ። ኣብ ኣተሓሳስባኦም ንወርሒ ክብጻሕ ኣይከኣልን’ዩ ዝብል ርድኢት ስለ ዝነበረ’ዮም ከምኡ ክብሉ ዝኸኣሉ። ይኹን’ምበር ድሕሪ 10 ዓመት ብ1959 ኣርምስትሮንግ ኣብ ወርሒ እግሩ ኣንቢሩ። ከምቲ ዝበልክዮ እቲ ቴክኖሎጂ ኰነ ሳይንስ ንዝነበረ ትዕዝብትና ኣዐርዪዎ ማለት’ዩ።”

“እቲ ‘ገንዘብ እንተ ኣልዩ ናብ ሰማይ መገዲ ኣሎ’ ዝብል ኣተሓሳስባኸ ቅድመኡዶ ነይሩ ይኸውን፧”

“ኣሃሃ… ገንዘብ ዘምልኹ ሕብረተሰብ’ዮም መሲሎሞ ዝዀኑ – ምስ ጽድቂ ብምትእስሳር።”

“ንሕና እኮ’ሞ ክንቅዪሮ ንኽእል ኢና።”

“እንታይ ኢልና፧”

“ናብ ጠፈር ዝኸዱ ገንዘብ ስለ ዘሎዎም ዘይኰነ ቅኑዕ ርድኢት ስለ ዘሕደሩ’ዩ። ነቲ ገንዘብ፡ ሓሳብ ዝብል ቀዪርና ‘ሓሳብ እንተሎ ናብ ሰማይ መገዲ ኣሎ’ ንበሎ። ነቲ ገንዘብ ዘምጽኦ’ውን ሓሳብ ስለ ዝዀነ። ንድኽነት ወይ ጸገም ዝወልዶ ድንቁርና ደኣ’ምበር ካልእ ኣይመስለንን።”

“ንደርፍታትና ዝወልዶ ዘሎኸ ድንቁርና ማለት ድዩ፧ ንህልው ደርፍታትና ብኣናሎጋዊን ድጂታላውን ኣተሓሳስባ ገይርካ ከመይ ትርእዮ፧”

“ገለ እዋን ፍርያት ስነ-ጥበብ ውጽኢት ድንቁርና ይኸውን’ዩ ’መስለኒ። ቅሓሮም ኣብ ደርፊ መሊኦም፡ ኣብ መጽሓፍ ጕሖፎም፡ ኣብ ካንቫስ ክዕዮም ዝህቡ ኣለዉ። ብኽፋእ ስለ ዘይኰነ ከኣ ሰኣን ንቕሓት’ዩ ዝመስለኒ። ከምቲ ቴክኖሎጂ ትዕዝብትና ከነማዓራሪ ሓጊዙና ዝበልናዮ። ነዞም ደረፍቲ ከኣ ትዕዝብቶም ዘመዓራሪ ኣተሓሳስባ ዘድልዮም ኰይኑ ይስመዓኒ። ኣብ ድራማ ‘ወግዒ-ልቢ’ ትሑት-ቃንዛ፡ ልዑል-ቃንዛ ዝብል ዝደጋገም ሓረግ ነይሩ። እቲ ትሑት-ቃንዛ ነቲ ንኣሽቱ ባህግታትና ዘዐግስ ጻውዒት ኰይኑ’ዩ ተራኣዩኒ።”

“ኣብነት፧”

“ሓደ ጠባይ’ውን ይገልጾ’ዩ – ተጠሊማ፡ ተፋቲሓ፡ ጡባ፡ ዓይና ወዘተ ዝብል’ዩ። ዓቢ ዘይኰነ ጻውዒት’ዩ። እቲ ልዑል-ቃንዛ ግን ዓቢ እዩ። ካብ ምህላው ናብ ምዃን ዘስግር’ዩ። ገፊሕ ሕልሚ፡ ምቖት ዝህብ ራእይ፡ ዘጠምቕ ፍቕርን ዘቕስን ሓቅን’ዩ”

“ምስዚ ዝድረፍ ዘሎ ብኸመይ ኢኻ ከተተሓሕዞ፧”

“ብዙሕ ካብዚ ሎሚ ዝድረፍ ዘሎ፡ ቃና ትሕተ ትሑት-ቃንዛ’ዩ። ንመንፈስና ዘድክም’ምበር ዘበርኽ ኣይመስለንን። ኣብ ቃልሲ ህይወት ኢዱ ናይ ዝሃበ’ዩ። እቲ ስነ-ጥበባዊ ድፍኢት ኣብ ሞንጎ ዕዳጋ ገጠምቲ፡ ዘየምቲ፡ መወልቲ፡ ዘርጋሕቲ ተጓዕጺጹ ዝጠፍእ ዘሎ ይመስለኒ። ናይ እንታይ ሂብካ እንታይ ትወስድ’ምበር እንታይ ክትብል ትደሊ ዝኸውን ዘሎ ኣይብልን። ‘ሰማዒ እንታይ’ዩ ዝደሊ ዘሎ፧’ ኢሎም ንዝሓተቱዎ ሕቶ፡ ሸቃጦ ግጥሚ፡ ሰፈይቲ ዜማ፡ መዝመዝቲ ጥበብ መወልቲ፡ ኣንባሃቝቲ ገንዘብ ዘርጋሕቲ ዝህሉዎም መልሲ፡ ንቃና ትሑት-ቃንዛ ዘቃልሕ’ዩ። ሰማዒ ከኣ ኣብቲ ኵሉ የሎን። ‘ድምጽኻ ኢና’ ዝብሉዎ ደረፍቲ ስኢኑ ይርከብ ኣሎ። እቶም ኣናሎጋዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም ቀረጽቲ’ውን ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ’ዮም። ኣለኺዶ ‘ዛ ሓፍተይ፧”

“ኣለኹ ቀጽል…”

“ኣብዚ ሓጺር ዓመታት ዝሰማዕናየን ካሴታት እንተ ርኢናየን – ብኽያት እየን። ጽባሕ ክትርኣየካ እንተ ዘይክኢላ ንድሕሪት ኢኻ ግልጽ ክትብል ትጅምር። ንሎሚ ትስእና – ደሓን ክሓልፍ’ዩ ኢልካ ቃላት ምትዕሽሻው ትፍኑ። ምሕላፍ ደኣ ደቂስካስ ይሓልፍ እንድዩ። ከመይ ገይርና ንነቅሕ፡ ካብ ድቃስና ክንበራበር፡ ጽራይ ሓቅና ዝነግረና ኢና ንደሊ። ምጽዋር ዘይኰነ ምርዳእ’ዩ ዝምረጽ፡ ኵሉ ጸዊርካዮ ፍሽኽ ጥራሕ በል እናበልካ እንተ በኸኻ እንታይ ፋይዳ ኣሎዎ። ብፍላይ እዚ ተጻወርዮ… ኵሉ ሓላፋይ’ዩ ዝብል ቃና ኣይፍተወንን’ዩ። ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ ናይ ዘይብሉ’ዩ። ምኒን ባህሪ ድጂታል ኣይኰነን። ካልእ’ውን ‘ገንዘብ ዘይብለይ ኰይነስ ገዲፍክኒ ኬድኪ’፡ ‘ብስእነተይ’. . . እናበሉ ዝበኽዩ ኣለዉ። ኣነስ እንቋዕ ገደፈቶም ኢለ’የ ዝሕጐስ። ከምቲ ዓንዳፍ ነብሶም ሃሪሞም ዝንቅዉ ኣይኰኑን። ንነብሶም ኣይርእዪዋን’ዮም – ኣነ እንድየ መኽሰብኪ ዝብሉ’ዮም። ‘ክሳራይ ኢኻ’ ኢላ’ያ ገዲፋቶም ትኸውን ኢለ እስሕቕ። ‘ሓቅኺ ኣነ ጨው ይፈርየልኪ ንስኺ ከኣ…’ ክንደይ’ሞ ኢለ ክዝርዝረልኪ እየ። ዕብይ ዝበለ ምስትምቓር፡ ሕልሚ፡ ባህጊ ኣብቲ ደርፊታት ኣይርኣየንን። ትዕዝብትታቶም ከተዓራርዩ ዘኽእሎም ጥበብ ክጐንፎም ጥራሕ’የ ክምነየሎም ዝኽእል። ደሓር ከኣ ከምቲ ዝበልክዮ እዚ መልሲ ናይ ሕቶኺ ኣይኰነን ‘ከምዚ ይመስለኒ’ እየ ዝብል ዘለኹ።”

“እ..ህ…ህ!!!”

“ኢሂ ደኣ፧”

“ተሰሚዑኒ።”

“ክደርፈልኪዶ’ሞ ናይ ድጂታል፧”

“ሕራይ።”

“ብኹታኺ ወለል በሊ/ ኣደዋየ ብኹታኺ ወለል።”

“እንታይ’ዩ እቲ ኩታ፧ እንታይ’ዩኸ እቲ ወለል፧”

“እቲ ኩታ፡ መንነት፡ እንታይነት፡ ንስኻ ምዃን ኰይኑ ይርኣየኒ። እቲ ወለል ምባል ድማ ዓንኬል ናብራ ወይ ህይወት ይመስለኒ። በቲ ሓደ ወገን ‘ኣብ ዘይዳስካ ወልል’ ዝበሃል ኣሎ። ብኹታኺ ወለል በሊ ክብል እንከሎ ከኣ ኣብ ዳስኪ፡ መንነትኪ፡ እንታይነትኪ ኰሪዕኺ፡ ንነብስኺ ተቐቢልኪ፡ ንስኺ መሲልኪ ወለል በሊ ገይረ’የ ዝርድኦ።”

“ዕልልልልልልልልል!!! – ዓሊለልካ ኣለኹ። እትዕልለልካ ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። ሓዝ በል ክደርፈልካ እየ. . .”

“ኣነ ድማ ከበሮ ክሃርመልኪ እየ።”

“ብትሕቲ ገዛና ጽሩይ ማይ ነቲዓየ/ ማእከል ኣደራሽና ፋኑስ ተወሊዓየ/ ሽባኻ ደንበና ጠጢዓየ ደሃይኩም ሰሚዓ።”

“ከምታ ዝሓተትክኒ – እንታይ’ዩ እቲ ማይ፡ ፋኑስ፡ ደሃይን ሽባኻን፧”

“ንዓይ ቀንዲ እታ ሽባኻ እያ እተቕንኣኒ። ክትሰምዖ እትብህጎ ድምጺ ምስ ሰምዐት’ያ ጠጢዓ። ኣቕኒኣትኒ። ክሰምዖ ዝህንጠዮ ብዙሕ ድምጽታት ኣሎኒ። ‘መዓስ ኰን ነቲ ናይ ብሓቂ ድምጺ ይሰምዖ እኸውን፧’ እናበልኩ እሓስብ’የ። ኣብ ውሽጠይ ኰይኑ ዘቕለልወኒ ስምዒታትን ሓሳባትን ኣሎ። ብልክዕ እንታይ እዩ’ውን ኣይፈልጦን እየ። እንሓንሳእ ሕሹኽ ኢሉኒ ህልም ይብል። ከምታ ሽባኻ ደሃይ ናይቲ ዘጠጥዓኒ እንተ ዝሰምዕ እብል። ብብዙሕ ካልእ’ውን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እታ ገዛ ተባሃጊት እያ – ማይ ዝነትዓ፡ ብርሃን ቀደድ ዝበለት፡ ዝበሃገቶ ድምጺ ሰሚዓ ዝጠጥዐት ሽባኻ ዝሓቘፈት’ያ። ኣብዘን ሰለስተ መስመራት፡ ማይ፡ ብርሃንን ቃልን’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ማይ ህይወት’ዩ። ብርሃን ከኣ ንቕሓት፡ ናጽነት ወዘተ. ክኸውን እንከሎ፡ ቃል ድማ ሓሳባት፡ ራእይ… እዩ። መጀመርታ ቃል ነበረ እንድዩ ዝብል ቅዱስ መጽሓፍ። ቃል’ዩ ሓይልና – እውን ኢሉና ገጣማይና ርእሶም ሃይለ። ፈለማ ሓሳባት ንፈጥር። ነቲ ሓሳባት ከኣ ናብ ዝጭበጥ ነገር ንቕዪሮ። እታ በረኸት መንግስትኣብ ዝገለጻ ገዛ ኣይትፍተወካን፧”

“ተባሃጊት’ያ። እታ ገዛ ኣነ እንተ ዝኸውን እንድየ ክብል ጸኒሐ።”

“ናይ ትሑት-ቃንዛ ቃና ስለ ዘይኰነ እቲ ብሓሳብካ ክትከዶ እትኽእል ደራቲ የብሉን። ብዙሕ ነገር ከም ዝርኣየካ ክገብር ይኽእል’ዩ። ድጂታል’ዩ – ከም ኣናሎግ ብሓደ መገዲ ጥራሕ ዝግለጽ ኣይኰነን።”

“ጠምየ ክኸይድ ክብለኪ ሓሲበስ ትሑት-ቃንዛ ተዘኪሩኒስ ስሒቐ።”

“ብዛዕባ ትሑት ቃንዛ ኣይትዛረብ ማለት ኣይመስለንን። ግናኸ ዓቐኑ ክኸውን ኣለዎ። ንእሽቶ ሓሳብ ክትሓስብ ግዜኻ ተባኽኖ እንተዄንካ ንእሽቶ ኴንካ ስለ እትተርፍ’ዩ።”

“ክሰርሕ ውዒለ እኽሊ ኣይለኸፍኩን ውዒለ ክኸይድ።”

“ሕራይ! ኣነ’ውን ገለ ዝንበብ ግጥምታት ኣብዚ ረኺበ ኣለኹ። ሰላም ቅነ።”

-4-

ከምቲ ንዓይ ዝደልዮ ንኻልኦት ከኣ የድልዮም’ዩ ምባል ጭውነት’ዩ

“ኣብ ክልተ ዝተረሓሓቓ ጎቦታት ኣለና ኢልና’ሞ ንሕሰብ፡ ዎ ዲጂ ውውው! ኢለ ኣድህየካ ኣለኹ።”

“እቲ ድምጽኺ ኣብ ሞንጎ ብንፋስ ተኸቲሩ ብምትራፉ ኣብዚ ዘለኹዎ ክበጽሓኒ ስለ ዘይከኣለ ኣይሰማዕኩኽን።”

“ሓዝ በል!”

“ጨቢጠ ኣለኹ።”

“ድ….ጂ…ታ..ል እንድየ ዝብለካ ዘለኹ ውውው…! ሕደግ እተን በላዕቲ እዝንኻ ካብቲ ሕዛእቲ ምለሰን’የ ዝብለካ ውው…..!!”

“ዎው! ዘራዒት ድማ ኢኺ ኴንኪ።”

“እሂናይ ደኣ!”

“ካብ ምንታይ እኺኸ ትዘርዒ፧”

“ካብ ዘይመኣድኻ ምብላዕ፣ ካብ ኣብ ዘይመድረኽካ ምውድኽዳኽ፣ ካብ ከይተጸዋዕኻ ኣቤት ምባል፣ ካብ ኣብ ግራት ንጹሃን ፍርሒ ምዝራእ… ብዙሕ’ዩ ክንደይ ኢልካ’ዩ’ሞ ዘርዚርካ ክውዳእ።”

“ሕዛእቲ ይፍተወኪ ድዩ፧”

“እታ ቃል ካብ ምንታይ ምዃና ኣይፈልጥን ክትምቅረኒ ጉድ’ያ። ሕዛእቲ፡ ሃብቲ ዓዲ እዩ። ሕዛእቲ ሓሳባት፡ ሕዛእቲ ፈጠራ፡ ሕዛእቲ ግጥሚ፡ ሕዛእቲ ፍቕሪ፡ ሕዛእቲ ራእይ ወዘተ. እናበልና ኣብ ኵሉ ዘሪእና ክንኵስኩሶ ንኽእል ኢና።”

“ዘርዓይ’ውን ከድሊ ማለት’ዩ። መንከ’ዩ ክኸውን፧”

“ኣጸልሚቶም ሕዛእቲ ዝኣትዉ ኵሉ ግዜ ኣይሰኣኑን ስለ ዝዀኑ ብብርሃን ምልኣት ጸሓይ ዝማሞቐ፡ ብፍቕሪ ዝተላዕጠጠ፡ ጽዕነት ጾር ዘየሰንፎ… ዘርዓይስ ግድን ከድሊ’ዩ። እቲ ዘርዓይ ሕልናና እንተ ዝኸውን ግን ክንደይ መጸበቐ።”

“በሊ ሓዚ ኣነ’ውን ከድሂየኪ እየ።”

“ኣበይ ኢና ዘለና።”

“ኣብ ዝሃለኺ ሃልዊ ብዘየገድስ።”

“ድጂታል ምዃነይ ምሽ ኣሚንክለይ ኢኺ፧”

“እወ።”

“እሞ መሳርሒኡ ንድጂታል እኮ ‘ሲግናል’ (ምልክት) ብኮድ ገይሩ ምስዳድ’ዩ። ከምዚ ናትኪ ‘ኦ! ዲጂ’ ኢልካ ብድምጺ መልእኽቲ ምስዳድ ኣይኰነን። ‘ሲግናል’ ዘይጨዶ ባሕሪን ዘይነድሎ እምባን የሎን።”

“ገለ ሓይሊ ዝረኸብካ ኢኻ ትመስል፡ በል እስከ ቀጽል – እቲ ‘ሲግናል’ ትብሎ ዘለኻ ጽቡቕ ገይርካ ፍተሎ’ሞ ዘማሙቐና እንተዀይኑ ኣሊምና ክንክደኖ ኢና።”

“እዚ ትዛረብዮ ዘለኺ ቋንቋ ኮድ’ዩ። ኣብዚ ዓለም ዘሎ ኵሉ ከኣ ይርድኦ ማለት ኣይኰነን። ምጽሓፍ’ውን ንባዕሉ ኮድ’ዩ። ኵለን ቋንቋታት ድማ ንድምጽታት ብመልክዕ ምልክታት ከስፍራ ይጽዕራ። ብግዜ ጥንቲ ነቲ ሕንጻጻት ብምስሊ ናይቲ ድምጺታት ከቐምጡዎ ይጽዕሩ ነይሮም። ‘ገዛ’ ክጽሕፉ እንተዀይኖም ገዛ ዝመስል ምስሊ የቐምጡ። በዚ እንተ ርኢናዮ ንወከፍ ቃል ናታ ምልክት ክህሉዋ ማለት’ዩ። ክትመሃሮ፡ ክትጽሕፎ ይኹን ከተንብቦ ክኸብድ’ዩ። ኣሽሓት ዝተፈላለየ ምልክታት ከተጽንዒ ክትግደዲ ኢኺ። ነዚ ንምፍታሕ ድማ ነቲ ቃል ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት ድምጺ ብምምቕቓል ፊደላት ፈጢሮም። ኣብ ትግርኛ ንኣብነት 36 ፊደላት ኣለዉ። እቶም ብድምጺ ዝፈላለዩ ተደሚሮም ቃል ስለ ዝፈጥሩ ከኣ ንምጽንዖም፡ ምጽሓፎም ኰነ ምንባቦም ዝቐለለ ይገብሩዎ።”

“ከመይ ደኣ ናብ ትምህርቲ ቀዪርካ’ዮ። ወይስ ኣይርደኣን’ዩ እዚ ናይ ‘ሲግናል’ ሳይንስ ኢልካ ኢኻ ካብ ሀ – ሁ ጀሚርካ።”

“ስምዒ ጥራሕ ናብ ለ – ሉ ክቕጽል’የ።”

“እሺ መምህረይ!”

“ጽሕፈት ቅድሚ ምምሃዙ መልእኽቲ ብኸመይ የመሓላልፉ ኰን ነይሮም ይዀኑ ኢልኪ ሕሰቢ። ነብስኺ ናብቲ ግዜ’ቲ ምለስያ።”

“ከቢድ’ዩ።”

“እወ፡ ነዚ ሞባይል፡ ኢንተርነት ወዘተ. ዝለመደ ወለዶ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ጽሕፈት ቅድሚ ምምሃዙ መልእኽተኛታት ሓያል ናይ ምዝካር ብቕዓት የድልዮም ነይሩ። ጽሕፈት ምስ ተማህዘ’ውን ነቲ መልእኽቲ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ንኸብጽሑዎ ሓያል ዳንጋ የድልዮም።”

“ኣሃሃሃሃ….”

“እንታይ ኣስሒቑኪ፧”

“ዘረባኻ ዛንታ ናይቲ ውግእ ማራቶን ንኽነግር ናብ ኣቴንስ ብጉያ ዝኸደ መልእኽተኛ ኣዘኻኺሩኒ (ኣብ 490 ቅ.ል.ክ)”

“እምብዛ ስለ ዝጐየየ እቲ ዜና ድሕሪ ምብጽሑ’ኮ ሞይቱ እዩ። ማራቶን ዝተሰምየ ቅድድም ጕያ እግሪ ከም ዝመሃዘ ኣይፈለጠን።”

“እታ ዛንታኡ ደስ’ያ ትብለኒ። ኣብ ኦሊምፒክስ እታ ብርሃን ሽጉ ካብ ሓደ ናብ ካልእ እናሓለፈት ክትከይድ እንከላ ኣብ ውሽጠይ እትፈጥረለይ ስምዒት ዓቢ’ዩ። እታ ሓሳብ ናይ ዘርዓይ ኣብዚ’ውን ተድሊ ትኸውን’ያ።”

“ብኸመይ፧”

“ገለኦም ሰባት እታ ብርሃን ሽግ ኣብ ኢዶም ምስ በጽሐት ‘ንበይነይ ጥራሕ ክትኰነኒ’ ኢሎም ከይሓብኡዋ ዘርዓይ መድለየ። ብዝዀነ እቲ ምትሕልላፍ ኬፍ ኣሎዎ። ከምቲ ንዓይ ዝደልዮ ንኻልኦት ከኣ የድልዮም’ዩ ምባል ጭውነት’ዩ።”

“ናይ ‘ሲግናል’ ሓሳበይ ግን በቲኽክለይ።”

“ቀጽል ሕራይ እነሆ ሜዳ ፈረስካ ተሰቐል።”

“እወ። ፈረሰይ ክስቀል’የ። እቲ ፈረሰይ ግን ብርሃን’ዩ። እንተ ደልየ’ውን ንድምጺ ከም ተሰኪሙኒ ዝጋልብ ፈረስ ክጥቀመሉ እኽእል’የ።”

“ጋልብ!”

“መልእኽቲ ኣብ ወረቐት ጽሒፍካ ሰብ ናብ ካልእ ቦታ ከብጽሖ ግዜ ዝወስድ’ዩ። መኪናን ነፋሪትን ምስ ተማህዛ’ውን ቅልጡፍ ኣይኰነን። ንስኺ ብድምጽኺ ገይርኪ ‘ዎ ዲጂ ውው…!’ ኢልኪ ከተድህዪኒ እንከለኺ ነቲ ቃላት ኣብ ድምጺ ጽዒንኪ ኢኺ ልእኽክለይ። ድምጺ ኣብ ካልኢት 334 ሜትሮ’ዩ ዝጓዓዝ። ዝጻረሮ ብዙሕ ሓይልታት ስለ ዘለዉ ግና ክሰምዓኪ ኣይከኣልኩን። ካልእ ዝሓሸ ሜላ ከድልየኪ’ዩ።”

“ንኣብነት፧”

“ብርሃን ኣብ ካልኢት 300 ሚልዮን ሜትሮ’ዩ ዝጓዓዝ። ነቲ መልእኽትኺ ኣብ ብርሃን ጽዒንኪ ክትልእኽለይ ይከኣል ነይሩ። ኣብ ግዜ ክራማት በርቂ ቅድሚ ነጎዳ መስ ዝብለና ምኽንያት፡ ብርሃን ካብ ድምጺ ብዝተዓጻጸፈ ስለ ዝቕልጥፍ’ዩ። ቀደም ሮማውያን ካብ ርሑቕ ከባቢታት ብርሃን ብምውላዕ መልእኽቲ የመሓላለፉ ነይሮም። መልእኽታት ቀለልትን ንጹራትን ክዀኑ ስለ ዘለዎም ግና ጸገማት ነይሩዎ። ኣብ ምጅማር 19 ዘመን ‘ኤለክትሪክ ካረንት’ ብምድህሳሱ ከም ተሰከምቲ መልእኽቲ ክጥቀምሎም ግዜ ኣይወሰዱን። ኣብነት ናይዚ ‘ኤለክትሪክ ተለግራፍ’ እዩ። ጸኒሑ ኣሌክሳንደር ግርሃም በል ተለፎን ብምምሃዙ መልእኽታት ብቕልጡፍ ክበጽሑ ክኢሎም። ክንደይ ዝሃልኽ ዝነበረ ጕልበትን ግዜን ድሒኑ። እቲ ኣገባቡ ልክዕ ከምቲ እዝንና ነቲ ማዕበል ድምጺ፡ ሓጎልና ምእንቲ ክርድኦ ናብ ኤለክትሪክ ሲግናል ዝልውጦ’ዩ። ተለፎን ከኣ በቲ ሓደ ወገን ገመዳት ክትዝርግሕ ይጠልበካ’ዩ። ገመድ-ኣልቦ ተለግራፍ’ውን ስዒቡ። መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ከምዚ ሕጂ ‘ራድዮ ዌቭ’ እንብሎ’ዩ ተጠቂሙ። ማዕበል (ዌቭ) እንተላይ ንብርሃን ይሓቝፎ’ዩ። እዚ ሓደ ቀንዲ ካብ ምህዞታት 20 ዘመን’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ንራድዮ፡ ራዳር፡ ቲቪ ወዘተ. ዝወለደ’ዩ። ኣለኺዶ፧”

“ቀጽል ጥራሕ…”

“እንታይ ደኣ’ሞ ኣስቂጥኪ።”

“ነቶም ብስነ-ጥበባዊ ዓይኒ ዝርእዮምን ውከላ ናይ ዓቢ ነገር ዝዀኑን ድምጺን ብርሃንን ብዓይኒ ፊዚክስ ክርኣዩ ንዓይ ክላስ’ዩ። ኣብ ሞንጎ ክፍሊ ከኣ ስቕ ኢኻ ትብል።”

“እሞ ፈተና ትኽእልዮ ድኺ፧”

“ካብ ፈተና ኣድሕነና ጸልየ እየ መጺአ። ግና ሕጂ ቀጽለለይ።”

“ብድሕሪ’ዚ እዚ ኣየር ብዝመሓላለፍ ናይ ራድዮ ይኹን ቲቪ ሲግናላት ጽሙድ ኰይኑ። መስመራት ተለፎን ኣብ ሓደ ግዜ ክስከሞ ዝኽእል መልእኽታት ውሱን ስለ ዝዀነ ካልእ ሜላ ሃሰው ክብሉ ጀሚሮም። ብርሃን ምጥቃም ከኣ መፍትሒ ኰይኑ ተረኺቡ። ኣነ ከምቲ ናትኪ ማዕዶ ማዕዶ ኴንካ ዎ ዲጂ ምባል ዘይኰነ ኣብ ዝሃለኺ ሃልዊ ክሰደልኪ’የ ዝበልኩኺ ነዚ ኣሚነ’የ። ዝበዝሕ እዚ ናይ ሎሚ ናይ ምብህሃል ኣገባብ ዘረባ፡ ሙዚቃ፡ ኣሳእል፡ ኮምፒዪተር ፋይላት ኵሎም ብመልክዕ ቍጽሪታት ክተሓዙ ይኽእሉ’ዮም፡ ብኽልተ ድጂታል ኮዳት። እቶም ቍጽሪታት ብዝተፈላለየ መተሓላለፊ ኣገባብ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ይመሓላለፉ። ስለዝዀነ ኢና ድማ ኣነን ንስኽን ዋላ ብኣካል ዘይንፋለጥ ክንስና ነዕልል ዘለና።”

“ንስኻ ኢኻ ዘይትፈልጠኒ’ምበር ኣነ’ኮ ይፈልጠካ’የ።”

“ኣንቲ ካብ’ተን ደቂ-ሕድርትና ደኣ ከይትዀኒ፧ ብኢንተርነት ከነዕልል ካብ እንጅምር ክልተ ዓመትና ሓሊፉ ኣሎ። ብዙሕ ትርጕም ዝህቡና ወይ ክርድኡና እንደልዮም ዛዕባታት ኣልዒልና ብኽፉት መንፈስ ኣዕሊልና። እንታይ ከም እትመስሊ ርእየኪ ግን ኣይፈልጥን። ቃላትኪ’የ ዝፈልጦ ብኸፊሉ። ንዝረኣኻዮ ጥራሕ እትናፍቖ ኣይመስለንን። ግና ደቂ-ሕድርትና ናብዚ ናይ ድጂታል ዓለም ዝኣተዋ ኣይመስለንን።”

“እሂ እንታይ ኰይነን፧”

“እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ንደቂ-ሕድርትና ኣብ ህይወቱ ኣእትዩ ኣየዕልለለንን’ዩ። ናይ’ቶም ዝሓለፉ ገይረ እየ ዝርእየን። እቶም ዝሓለፉ ወይ ንምስክር ተሪፎም ዘለዉ ድማ ኣናሎግ’ዮም። እዚ ግዜ’ዚ ንዕኦም ጓናኦም’ዩ።”

“ደቂ-ሕድርትና እኮ ናይ ረቂቕ ነገራት’የን። ማርቴሎ ሒዘን ወይ ዕርፊ ዓቲረን ዝርኣያ ከይመስላኻ። ንሰን ኣነቓቓሕቲ’የን።”

“ናይ ምንታይ፧”

“ፈጠራ ናይ ዘድልዮ ነገራት – ናይ ስነ-ጥበብ፡ ስነ-ፍልጠት ወዘተ። ብሓደ ህያው (ፊዚካል) ነገር ገይርካ ክትገልጸን ኣይከኣልን። ኣብዚ ናይ ድጂታል ዓለም ንኮምፒዩተር ከም ማእከል ገይርካ እንተ ርኢኻያ – እቲ ኣብኣ ዘሎ ረቀቕቲ ነገራት (ቺፕስ) ብደቂ-ሕድርቲና ገይርካ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።”

“ብዙሕ እዋን ብሕልሚ ዝጥዕም ደርፊን ሳዕስዒትን ክግለጻ’የ ዝሰምዕ።”

“ንሱ እቲ እትሰምዖ’ዩ። ምስ ህልው ቅዲ ኣነባብራኻ ዝሳነ ናትካ መግለጺ ክትገብረለን ትኽእል ኢኻ።”

“ግና ንምንታይ’የን ዝበዝሕ እዋን ብደቂ-ኣንስትዮ ዝግለጻ፧”

“ኣነ’ውን ይገርመኒ’ዩ።”

“ሓንቲ ዕላል ከዕልለኪ። ሓደ ቈልዓ ንኣቦኡ፡ ‘ንምንታይ’ዩ እባ ቋንቋ ኣደ ዝበሃል፧’ ክብል ሓተቶ። ኣቦኡ ከኣ፡ ‘ኣበይ’ሞ ክንዛረብ ዕድል ረኺብና ‘ዝ ወደይ’ በሎ።”

“ኣነ’ውን ከዕልለካ – ሓደ ቈልዓ ንኣደኡ፡ ‘ማማ ንባባ ክትምርዓውዮ ዝገበረኪ እንታይ’ዩ፧’ ክብል ሓተታ። ኣደኡ ከኣ፡ ‘ንዓኻ እውንዶ ከገርመካ ጀሚሩ’ በለቶ።”

“ሓንቲ መርዓት ንደገ ወጺኣ፡ ‘በጃኹም! በጃኹም ርድኡኒ! ወደይ ሳንቲም ውሒጡ ዝገብሮ ጠፊኡኒ እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈለጥኩን!’ ብምባል ተጣርዐት። ኣብቲ ጐደና ዝነበሩ ሰባት ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። ሓደ ማእከላይ ዝዕድመኡ ሰብኣይ ግን ጠኒኑ ናብቲ ገዛ ኣተወ። ነቲ ቈልዓ ቍልቁል ኣፉ ደፊኡ ክሳዱ ሃሪሙ ነታ ሳንቲም ኣውጽኣ።

‘አቐንየለይ! ኣዝየ አመስግነካ’ ብምባል ኣመስገነት፡ ‘ዶክተር ድኻ፧’ ክትብል ሓተተቶ።

‘ኣይኰንኩን – ካብ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር (ምእካብ ግብሪ)’የ’ በላ።”

* * *

ብድሕሪ’ዚ ኣይተጸሓሓፉን። ድሕሪ ቍሩብ ግዜ ግን ‘ቻው’ ተበሃሃሉ።

ዝርርብ ብመገዲ ኢንተርነት

“ዝርርብ ብመገዲ ኢንተርነት” ብዝብል ኣብ ጥሪ 2007 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ጽሒፈ ነበርኩ፣ ክሳዕ 2010 ድማ ቀጺለዮ። እቶም ‘ብመሰንጀር’ ዘዋግዑ መንእሰያት ብኣካል ተራኺቦም ኣይፈልጡን። ውሑድ ካብቲ ረቡዕ ረቡዕ ዘዕልሉዎ ዝነበሩ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ሎሚቕነ ኣብ ኮምፒዩተረይ ጸኒሑኒ ኣንቢበዮ። መሸም ሕሉፍ ይናፈቕ እዩ – ገለ ካብቲ ኣብ 2007 ዝተጻሕፈ ተፈደሉ።

__________________________________________________________________________

– 1 –

ግዜ፡ ቅጭን ኩታኡ ገይሩ ሸነን እናበለ ክሓልፍ ክርእዮ ምፈተኹ

መሬት ብማይ ክረምቲ ጸጊቡ፡ እቲ ልሙዕ ቀጠልያ ኣቝጽልቲ ከኣ ንመንፈስ ጠማቲኡ የሐድስ ነበረ። ሻህራዛድ ካብ መገሻ ናብ ኣስመራ እናተመልሰት፡ ነታ እተንብባ ዝነበረት መጽሓፍ ዓጺፋ፡ ነቲ እትሓልፎ ዝነበረት ቦታታት እያ ብተመስጦ ትዕዘቦ ዝነበረት። ነቲ ቦታታት ብዙሕ እዋን ርእያቶ እያ። ክረምቲ ግና ቀጠልያ ክዳኑ ከዲኑ ፍሉይ ግርማ ሂቡዎ ነበረ። እቲ ሕሩስ መሬት ኣብ ሞንጎ እቲ ለምዒ ኰይኑ ፍሉይ ሕብሪ ይህቦ። እቲ ብማዕዶ ዝርአ ጐቦታት ከኣ ብደበና ተሸፊኑ፡ ጋቢ እተኸደነት ወረጃ ሰበይቲ መሲሉ ይርኣያ። ምስቲ ኣብታ ኣውቶቡስ እትሰምዖ ዝነበረት ህዱእ ሙዚቃ ሓዋዊሳ ከኣ እቲ ጕዕዞ ክነውሓላ ተመነየት። ግናኸ ኣይኰነላን፣ ኣስመራ ደኣ በጽሐት፣ ናብታ ናይ ናፍቘታ ከተማ።

ኣዕሪፋ፣ ናብ ከተማ ወጽአት – ናብ ኢንተርነት ካፈ። መዝገባ (መሰንጀር) ምስ ከፈተት፡ ብዙሕ መልእኽትታት’ዩ ጸኒሑዋ። መብዛሕትኡ ሓድሽ ነገር ስለ ዘይነበሮ ሕልፍ-ሕልፍ በለቶ። ነቶም መጺኣ ከም ዘላ ክፈልጡ እትደልዮም ንምሕባር፡ መላጕም ኮምፒዪተራ ጠወቐት፤

“ኣታ ተናፋቒ! ‘ኬድኪኸ ነይርኪ ድኺ፧’ ደኣ ከይትብለኒ’ምበር፡ መጺአ ኣለኹ። ሎሚ ኣትየ እየ ዝጽሕፈልካ ዘለኹ። ቈጸራ ግደፍ እሞ ከነዕልል፡” ዝብል ጽሒፋ ለኣኸትሉ። ካልኦት መልእኽታት’ውን ሰደደት’ሞ፡ ብድሕሪኡ፡ ደስ ዝብላኣ መርበብ ሓበሬታታት ከፊታ ምንባብ ቀጸለት። ክትወጽእ እናበለት፡ “እንቋዕ ከተማኺ ኣፍተወኪ!” ዝብል መልእኽቲ መጽኣ።

“ዌዌ…! ደሓንዶ፧ ኣታ…ታ ከመይ ኣለኻ፧”

“መስገኖ! ከመይ፧”

“ጽቡቕ። ይረኽበካ ኢለ ኣይሓሰብኩን። በል ምስ ርኣኹኻ ካብ ማዕዶ እናጐየኹ ብምቕራብ ከም ዝሰዓምኩኻ ገይርካ ውሰዶ።”

“ሕራይ የቐንየለይ። ናፊቐኺ’የ ከኣ መስለኒ።”

“ኣነ’ውን ናፊቐካ። ንዓኻ’ኳ እቲ ግዜ ኣይፍለጠካን ይኸውን። ህይወት ኣብ ኣስመራ ቍልጡፍ እዩ።”

“ክንደይ ኢኺ ገይርኪ፧ ግዜ በየን ሓሊፉ ዋላ ኣይፍለጠንን ኣሎ። ክወግሕን ክመስን ጥራሕ እየ ዘርክበሉ ዘለኹ። ብዝዀነ ግን ኣይጸላእኩዎን – ይተዓዘር ግደፍዮ።”

“ሰለስተ ወርሕን ክልተ ሰሙንን እየ ገይረ። ንዓኻ ግን ክልተ ቅነ እየን። እቶም ግዜ ዝበሃል የሎን ዝብሉ እኮ ሓቃቶም እዮም። ግዜ ኣብ ርእስና እዩ ዘሎ’ምበር፡ ኣብ ሓቅስ ዘሎ ኣይመስለንን። ብዝዀነ፡ ‘ቢዚ’ ኢኻ ዘለኻ ማለት ድዩ… ኣሃሃ…። ኣነስ ‘ቢዚ’ ምዃን ኣይፈቱን እየ። ከስተውዕለሉ እንከለኹ ህድእ ዝበለ ዘገምታዊ ህይወት እዩ ዝምስጠኒ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ‘ይተዓዘር’ ክብል ኣይፈቱን። ኣሎ እንተ ዀይኑ እቲ ግዜ፡ ቅጭን ኩታኡ ገይሩ ሸነን እናበለ ክሓልፍ ክርእዮ ምፈተኹ። እቲ ኣብ ሞንጎ ጸሓይ ብራቕን ዕራብን ዘሎ እዋን ክፍለጠኒ እደሊ። ዋላ ሽሕ ኪሎሜተራት ኣብ ሰዓት ሾቢበ፡ ንዅሉ ከም ዘየራኽበሉ እፈልጥ እየ። በዚ መሰረት፡ ካብ ናይ ኣስመራ ህይወት ናይ መታሕት ህይወት ይፍተወኒ። ካብ ናይ ምዕራባዊ ዓለም ህይወት ከኣ ናይ ኣስመራ ህይወት ይብርሃኒ።”

“ግዜ የሎን ክንብል ንኽእል ኣይመስለንን። ኣብዚ እዋን’ዚ ንጉስና ኰይኑ ኣሎ። ንኣብነት ንስኺ፡ ንሰለስተ ወርሒን ገለን ገይሽኪ ነይርኪ። ናይ ዓመት ክልተ ዓመት ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ብዙሕ ነገር ተቐዪሩ ምጸንሓኪ። ብፍላይ ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት እንተ ነይርኪ፡ ግዜ ሓሊፉኪ ይኸይድ እሞ፡ ምርካብ ክትስእኒ ትኽእሊ። እዚ ዘመን ናይ ሓበሬታን ቴክኖሎጂን ዘመን ስለ ዝዀነ፡ ኣብዚ እዋን ስንክልና ዝበሃል ዋሕዲ ሓበሬታ ምህላው’ዩ። ኣብ አእዋንካ ኢኻ እትነብር። ንኣና ከኣ ምስ ግዜ ምቅድዳም እዩ ዘድልየና። ብሰርቫንተስ እተጻሕፈት ዳን ኲዄተ ምሽ ኣንቢብኪያ ኢኺ፧”

“እወ! ቀጽል።”

“ዳን ኲዄተ እኮ ቅንዕና ነይሩዎ’ዩ። ነቲ ዝቐነነ ከቕንዕ፣ ንውጹዓት ፍትሒ ከምጽኣሎም… እዩ ተበጊሱ። እቲ ግዜ ግን ኣይሓለዎን። እቲ ናይ ፈረሰኛታት ህይወት፡ ኣብ መጻሕፍቲ እምበር፡ ኣብቲ ዳን ኲዄተ ዝነበሮ እዋን ኣይነበረን። ብጽልዋ እቶም መጻሕፍቲ ተደፋፊኡ’ዩ ዝብገስ። እቲ ሃቐናኡ ጽቡቕ’ዩ። እቲ ናይ ፈረሰኛታት ዘመን ግን ሓሊፉ’ዩ ነይሩ። ኣብ አእዋንካ ነናትካ ሽግር ኣለካ። እቲ መፍትሒኡ ከኣ ምስቲ ግዜ ዝኸይድ ክኸውን ኣለዎ። ንዕንቅፋታት ዘመናዊ ዓለም ብናይ ዘመነ እምኒ ብልሓት ተጠቂምካ ኣይትፈትሖን ኢኻ። ስለ ዝዀነ ከኣ ንሕና ካብቲ ግዜ ክንተርፍ የብልናን።”

“ኣሎ ምባል ሓሊፉካስ ከኣ ዝሓልፍ ገይርካዮ። ንኽትነብር ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ከም እዋኑ ክትነብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣነ ዝብል ዘለኹ፡  ንግዜ ብፍልስፍናዊ ዓይኒ ክንርእዮ እንከለና’ዩ። በቲ ዝበልካዮ እንተ ርኢናዮ’ውን፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ማዕበል ሓበሬታ በርቲዑና ኣሎ። ግብራዊ ህይወትናን ቅልጣፈ ቴክኖሎጂን ዘይዛመድ ኰይኑና፡ ኣብ ሞንጎ ተሪፍና ቀባሕባሕ ንብል ኣለና። እቲ ምዕባለ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ፡ ምዕውንዋን፡ እትመርጾ ዘይምፍላጥ ወዘተ. ዝፈጥረልና እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ገይርና ከም እንጥቀመሉ ክንፈልጥ ይግብኣና። ንመቐረት ህይወትና ዘጥፍኣልና እንተ ዀይኑ ግና ጸገም’ዩ። ንዓይ ዝያዳ ህይወት እያ እተገድሰኒ። ኣብቲ ዝቕመጠሉ ዝነበርኩ ዓዲ ዘለዉ ሰባት ዝስምዖም ወይ ዝርድኡዎ ህይወት’ዮም ዝነብሩ። ኢንተርነት፡ ጻዕቂ መካይን፡ ወረታት ማዕከናት ዜና… ስለ ዘይብሎም ትሑት ናብራ ይነብሩ ኣለዉ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ ዝፈልጡዎ ህይወት እዮም ዝነብሩ – መጠኑ ብዘየገድስ። ኣብዚ ዝርድኣና ህይወት ንነብር ዘለና ኰይኑ ኣይስምዓንን። ዘይንፈልጦን ጽቡቕ ገይሩ ዘይርድኣናን ድምጽታት ይበዝሓና’ዩ። ክዓርብን ክመስን ዘይፍለጠኒ ክኸውን እንከሎ’የ ካብ ኣስመራ ሃጽ በሊ ዝመጽኣኒ፣ ጸው ከኣ እብል። ብዛዕባ ነብሰይ ክሓስብ ግዜ ይረክብ። ኣብዚ ብዘይ ሕማምካ እዩ ኣእምሮኻ ዝመልእ። ንስኻ ምዕባለ ትብሎ ትኸውን። ንዓይ ግን ጠላሕ ከማን ኣይብለንን…ዋእ!”

“ዝሓላ! ዝሓላ! ’ንታይ ደኣ ረሲንኪን፧”

“ቀንጢኻኒ እንዲኻ።”

“ስምዕኒ! ንምንታይ ኢኺ’ባ፡ ናበይ ገይሽኪ ከም ዝነበርኪ ኣዕሊልክኒ ዘይትፈልጢ፧”

“ቅድሚ ሕቶኻ ምምላሰይ። እዛ ‘ስምዓኒ… ስምዕኒ!’ እትብል ቃል ካበይ እያ መጺኣትና ዘላ፧ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዕላሉ ስምዕኒ! ስምዓኒ! እናበለ ክጅምር ሰሚዐ ኣለኹ። ’ንታይ ከም ዝዀነትስ ዘይትብርሃኒ። ምስኦም ከለኻስ ስምዕኒ! ስምዓኒ! ይብሉኻ። ዘይስምዑ ድዩ ዝመስሎም ኰይኑ፧! ኣብ ኮሌጅ ማይ-ነፍሒ ጥራሕ እተዘርግሐት፡ ‘ካብኡ ናብኡ’ እትብል ሓጻር ልብ-ወለድ ኣላ። ጸሓፊታ ተማሃሪት ማይ-ነፍሒ ዮርዳኖስ ደሳለ እያ እትበሃል። ኣብ ምጭውቲ ከተማ ከረን ተማሃሪት ካልኣይ ደረጃ ከላ ዝጸሓፈታ ደስ እተብል መጽሓፍ’ያ። ኣብኣ’ውን ብዛዕባ’ዞም ‘ሰሚዕኪ!’ እናበሉ ዝዛረቡ ጽሒፋ ኣላ። ነብሰ-ምትሓት ስለ ዘሎዎም ዘረባኦም ዝስማዕ ኰይኑ ኣይስምዖምን’ዩ ብምባል ገሊጻቶም ኣላ – እታ ውልዶ ደራሲት። ነታ መጽሓፍ ምስ ርኣኹ፡ ሓደስቲ ወለዶ ነዚ ሕብረተሰብ ሻህራዛዱዶ ይዀኑዎ ይዀኑ ኢለ ተስፋ ኣንቢረ። ው…! ኣታ ብኡ ገይረ ድየ ጠፊአ ብዛዕባ ምንታይ ኢና ነዕልል ነይርና፧”

“ናበይ ቦታ ገይሽኺ ነይርኪ፧”

“ኣሃ! ኮነ ኢለ’የ ዘይነግረካ። ክጽሕፎ ስለ ዝሓስብ፡ እንተ ነጊረካ ክፈዅሰለይ እዩ። ጽሒፈ ምስ ወዳእኩዎ ግን ከተንብቦ ክሰደልካ እየ።”

“ሕራይ – የቐንየለይ። ናብቲ ናይ መጀመርታ ክመልሰኪ። ግዜ ህላወ የብሉን ክትብሊ እንከለኺ ከመይ ማለት’ዩ፧”

“ንግዜ ዘሎ ዘምስሎ፡ ፍጻመታት’ዩ። መዓልትን ለይትን ዝፍጠር፡ ብሰንኪ ዙረት መሬት’ዩ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረ ፍጻመ ክትዛረብ እንከለኻ፡ ነቲ እዋን ዘዘክረካ እቲ ናይ ሽዑ ፍጻመ’ዩ – እቲ ግዜ ብዓንደ-ርእሱ ኣይኰነን። ዝዀነ ተግባር ወይ ፍጻመ እንተ ዘይህሉ፡ ንግዜ ክትፈልጦ ኣይምኸኣልካን። ከምቲ ብዙሓት ዝብሉዎ፡ ንግዜ ኣእምሮና ዝወልዶ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ንግዜ፡ ከም ኣገልጋሊና ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና፡ ከምቲ ኣቐዲምካ ዝበልካዮ ንጉስና ገይርና ክንርድኦ ግን ዘይግብኦ ሽመት ምሃቡ ኰይኑ’ዩ ዝርኣየኒ።”

“ኣብ ፊዚክስ፡ ንግዜ ፍጥነት ኣብ ትሕቲ ርሕቀት (t = v/s) ገይርና ንገልጾ ኢና። ኣልበርት አንሽታይን’ውን፡ ንኽልሰ-ሓሳብ ተዛማድነት ክቕምር እንከሎ፡ ንግዜ ከም ራብዓይ ማእዝን ተጠቂምሉ እዩ። አንሽታይን ነቲ ዝነበረ ርድኢት ግዜ፡ ናብ እተሓላለኸ መገዲ ወሲዱዎ። ውዱእ መለክዒ ግዜ ከም ዘየሎ፡ እንታይ ደኣ፡ ኣብ ተዓዛቢ ከም ዝውሰን ገሊጹ። ንፈላስፋታት’ውን ንግዜ ናብ ዘየድሊ መኣዝን ወሲዶሞ ኢሉ ቍሩብ ኣማሪሩሎም ነይሩ። ነቲ መረረ ትደግሚ ከይትህሉዊ፧”

“ኣሃሃ..ሃሃ ኖኖ። ኣነ ብፊዚክስ ክርእዮ ይኸብደኒ እዩ – ኣይፈልጦን’የ። ዝያዳ ኣብ ህይወተይ ብእተሰምዓኒ ጥራሕ’የ ክርእዮ ዝኽእል። ብዝዀነ፡ አንሽታይን ብተዘማድነት ዝርኣዮ፡ እኹል መልሲ’ዩ። እዚ ከኣ ኣባና ከም ዝምርኰስ’ዩ ዘርእየና። እቲ ብፎርሙላ ገሊጽካዮ ዘለኻ፡ እቲ ደረቕ መለክዒ ግዜ’ዩ። ንኣብነት፡ ማይ ኣብ 100 ደረጃ ሰልሰስ ከም ዝፈልሕ ፍሉጥ ነገር’ዩ። ዝመሰጠካ መጽሓፍ እናንበብካ ክፈልሓልካ ትጽበዮ እንተ’ለኻ፡ ክቕልጥፈካ’ዩ። ስቕ ኢልካ ትጽበዮ እንተ’ለኻ ግና ክድንጕየካ’ዩ። እዚ፡ ግዜ ክሳብ ክንደይ ኣብ ኣእምሮ ክምርኰስ ከም ዝኽእል’ዩ ዘርእየና። ግዜ፡ ብዓይኒ ሳይኮሎጂ፡ ፊዚክስ፡ ባዮሎጂ፡ ፍልስፋና እናተራእየ ይፈላለ እዩ። በቲ ኮነ በቲ ግን፡ ንጉስና ዘይኰነ ኣገልጋሊና ገይርና ክንርድኦ ኣለና።”

“ጽቡቕ ሓሳብ’ዩ። እሞ ሕብረተሰብና ንግዜ ብኸመይ ኣገልጋሊኡ ክገብሮ ይኽእል፧”

“ሕብረተሰባት ነናቶም ኣጠማምታ ግዜ ኣሎዎም። ቀደም፡ ንግዜ ብወቕቲ፡ መዓልትን ለይትን… እዮም ዝዕቅኑዎ ነይሮም። ሎሚ ዘበን ግን እናተሓላለኸ መጺኡ። ”Kluckholm and Strodtbeck” ኢልካ’ሞ፡ ኣብ ጕግል ድለ።”

* * *

“እወ ረኺበዮ። ሰለስተ ዓይነት ባህሊ (ኣብ ኣረኣእያ ግዜ) ገሊጾም ኣለዉ። (1) ኣብ ሎሚ ዝጸቕጡ፣ (2) ኣብ ሕሉፍ ዝጸቕጡ፣ (3) ኣብ መጻኢ ዝጸቕጡ ኢሎም ፈላልየሞም ኣለዉ።”

“ከመይ እሞ ይርድኣካ፧”

“እቶም ኣብ ሎሚ ዝጸቕጡ፡ ንመዓልቲ ዝነብሩ እዮም። ብዛዕባ ሕሉፍን መጻኢን ክሳብ ክንድቲ ኣይግደሱን። እቶም ኣብ ሕሉፍ ዝጸቕጡ ከኣ ምስ ዝሓለፈ ሕብረተሰቦም፡ ባህሎም ታሪኾም ወዘተ ኣዝዮም ዝተኣሳሰሩ’ዮም። ንሎሚ ብትማሊ’ዮም ዝርእዩዋ። ሳልሳይ፡ እቶም ኣብ መጻኢ ዝጸቕጡ’ዮም። እዚኦም ኵሉ ነገራት ምስ ዝመጽእ’ዮም ዘተኣሳስሩዎ። ንመጻኢ ወለዶ ዝያዳ ይሰርሑ።”

“ንሕብረተሰብና ኣበየናይ ምመደብካዮ፧”

“ይኸብደኒ’ዩ። መጽናዕቲ ዘድልዮ ይመስለኒ።”

“ንስኻኸ፧ ወይ ከመይ ክትከውን ምፈተኻ፧”

“ኣቲ እንታይ ገበርኩኺ ተዋጥርኒ፧ እ!.. ንመጻኢ ዝጸቕጡዶ ምመረጽኩ፧”

“ዝድገም ህይወትዶ ኣለካ’ዩ፡ ንመጻኢ ክትሰርሕ፧ መጻኢዶ ይመጽእ’ዩ፧ ነብስኻ ኣሕሲምካ፡ ነቲ ከመይ ምዃኑ ዘይትፈልጦ ግዜ ሓመድ ድፋጫኻ ክትሰትየሉ ናይ ጥዕናዶ ትብሎ፧ መጻኢ ብዋጋኻ ክኸውን ተፍቅድ ማለት ድዩ፧”

“እሞ እታ ንመዓልቲ ምንባርዶ ትሓይሽ፧”

“ሎሚ ከኣ ንበይና ዘይትቐውም እንድያ ኰይና። ካብ ኢድካ ናብ ኣፍካ ዝዓይነቱ ህይወት ውሕስነት የብሉን። ክትረክብ ክትሕጐስ፡ ክትስእን ክትሕመስ ኢኻ ናብዝን ናብትን ትብል። ሎሚ ድማር ናይ’ተን ዝሓለፋ መዓልታት’ያ። እቲ ሎሚ ዝዘራእካዮ እኽሊ፡ ሎሚ ምህርቲ ኣይህበካን’ዩ። ስለዚስ ከመይ ኢልካ ኢኻ’ሞ ንሎሚ’የ ዝነብር ክትብል እትኽእል፧”

“ቀጽልያ በሊ፡ ነታ ኣብ ሕሉፍ ጸቒጥካ ምንባር።”

“ምእንቲ ኣቦታትካ፡ በቲ ዝና ናይ ኣቦታትካዶ ይንበር’ዩ። ንስኻ ደኣ ኣበይ ኣለኻ። ዳን ኲዄተ ዓይነት ትኸውን ማለት እኮ እዩ። እቶም ዝሓለፉ ናቶም ጸገም ነይሩዎ፡ ብናቶም መገዲ ከኣ ይፈትሑዎ። ንስኻ ከኣ ካልእ ኢኻ። ለውጢ ትደሊ፡ ቅድመኻ ዘሎ ወለዶ ከኣ ለውጢ ኣይቅበልን። ብናቱ ሕግታት፡ ብናቱ ሜላ ናብራ፡ ብናቱ ኣፋቕራ፡ ብናቱ ኣባኽያ ክትነብር ማለት ድዩ፧ ኣበይ ደኣ ኣለኻ ንስኻ፧”

“ክትብልዮ ዝደለኺ ሓደ ነገር ኣዘኪሩኒ።”

“እንታይ፧”

“ሓደ ግዜ ናብ ባርካ እናገሽና፡ ስሳ ዓመት ዘሕለፈ መሳርሕትና እንግሊዝን ጀርመንን ድሕሪ ቀዳማይን ካልኣይ ኲናት ዓለም ከመይ ከም ዝዀና ዘዕለለና ዘኪረ። እንግሊዛውያን ብዓወታት ሸጊጎም ብዛዕባ ሕሉፍ ዝተፈላለየ ትረኻታት ጅግንነት ከፍርዩን ክህልኹን እንከለዉ፡ ጀርመናውያን ድማ ንሕሉፍ ገዲፎም ኣብ ዕዮ ተጸሚዶም።”

“ዓወት ልዕሊ ውድቀት ጥንቃቐ የድልዮ እዩ። ዓወታትካ ኣብ ሕሉፍ ከም እትነብር ዝገብረካ እንተዀይኑ ሓደገኛ እዩ።”

“በሊ ካብዚ ምስ ወጻእኩ፡ ኣነ ከም ውልቀ-ሰብ ዝምድናይ ምስ ሕሉፍ፡ ህልው፡ መጻኢ ከመይ እዩ ኮፍ ኢለ ክሓስብ እየ።”

“በቃ ሓዲገካ ኣለኹ።”

“ቻው”

– 2 –

ብድሕሬኻ መጺአ፡ ኣዒንትኻ ዓሚተ ‘ኣነ መን’የ፧’ ዝብለካ ግዜ ይርኣየኒ…

“ሰላማት! ከመይ ቀኒኻ፧”

“ጽቡቕ። ብወገንኪኸ፧”

“ሰናይ። ሎሚ ግና ሃለኽለኽ ክብል ውዒለስ ቍሩብ ደኺመ ኣለኹ።”

“እሞ ዕላል ናባይ ማለት እዩ።”

“ከምኡታት’ዩ። እንታይ ኣሎ ሓድሽ፧”

“ሓድሽ የሎንዶ ኣይበሉዎን። እቲ ዝነበረ’ዩ ዝህሉ። ሰባት ኢና ሓደሽቲ ነቲ ጽኑሕ ተመኵሮታት።”

“ሕራይ! እንታይ ኣሎ ዝረኸብካዮ ጽኑሕ ተመኵሮታት፧”

“ሓንቲ ‘We the Living’ ዝኣርእስታ ናይ ኣያን ራን መጽሓፍ አንብብ ኣለኹ።”

“ኣብ ዝዀነ ገጽ ገንጺልካ በል ቍሩብ ጸሓፈለይ። ሓንሳብ ሓንሳብ ከምኡ ኣይጽላእን’ዩ።”

“ገንጺለ ኣለኹ። ሓዚ በሊ. . .”

* * *

 “ኪራ እንታይ ክትሰርሒ ኢኺ እትደልዪ፧’ ክትብል ማርያ ፐትሮቭና ሓተተት።

“መሃንዲስ ክኸውን እየ ዝደሊ።”

“ብልብኺ ድኺ፧” በለ ቪክቶር ብምቚጣዕ፣ “ምህንድስና ንጓለንስተይቲ ዝኸውን ሞያ’ዩ ኢለ ኣይኣምንን’የ።”

“ኪራ!” በለ ኣሌክሳንደር ድሚትሪቪች ብወገኑ ሕርቕ እናበለ፡ “ንስኺ ንማሕበርነታውያን ፈቲኺዮም ኣይትፈልጥን ኢኺ። ነቲ ንሶም ዝፈትውዎ ሞያ ኢኺ ከኣ ትመርጺ ዘለኺ – ጓለንስተይቲ መሃንድስ!”

“እሞ ክትሃንጽሎም ኢኺ ማለት ድዩ፧” ሓተተ ቪክቶር።

“ምህናጽ ቃሕ ስለ ዝብለኒ እየ ዝሃንጽ።”

“ግን ክትፈልጢዮ ዘለኪ ኪራ!” ሊድያ ጠመተት ድንግርግር እናበላ፡ “እዚ ማለት፡ ርስሓት፡ ምስ ሓጺነ-መጺን፡ ዶሮና፡ ኣብቲ ትሕቲ ባውዛ ኴንኪ፡ ከምዚ ዝርሃጸ ሰብኣይ ምዃን ማለት እኮ እዩ። ደሓር ከኣ እተሰንየኪ ዝዀነት ጓለንስተይቲ ኣይክትረኽብን ኢኺ።”

“ስለዝዀነ’የ ከኣ ዝፈተኹዎ።”

“ደሓር ከኣ ብቐንዱ እኮ ንጓለንስተይቲ ዝኸውን እተለምደ ሞያ ኣይኰነን፡” በለት ጋሊና ፐትሮቭና። ኪራ ከኣ፡ “ዝዀነ ሓሶት ክመሃረሉ ዘይክእል እንኮ ሞያ’ዩ። ሓጺን ኵሉ ግዜ ሓጺን’ዩ። ብዙሓት ካብ ካልኦት ዓውድታት ስነ-ፍልጠት ግና፡ ናይ ካልኦት ሰባት ግምታት ወይ ርድኢታት’ዮም። ናይ ካልኦት ሰባት ባህግታትን ናይ ብዙሓት ሰባት ሓሶታትን’ዮም፡” በለት።

* * *

 “ይኣኽለኪዶ፧”

“ኣጋጣሚ ዝገንጸልካያ ኣይትመስልን፧! ስለዝዀነ ዲኻ ፊዚክስ ተማሂርካ፧”

“ዎ! ኣጋጣሚ’ዩ። ገና’ውን ነዛ መጽሓፍ ኣይወዳእኩዋን ዘለኹ። ግና ንሳ ከምዚ ክትብል እንከላ፡ ሓደ ዒቕ ዝበላ ነገር ስለ ዝነበራ’ዩ። ኣነ ኵሉ ሞያታት ተመላላኢ ምዃኑ’የ ዝኣምን። ኣያን ራን ትፈልጢያ ድኺ፧”

“ክሳዕ እትጽሕፈለይ ኣብዚ ጕግል ብዛዕባኣ ቍሩብ ከንብብ ጸኒሐ። ኣላልየኒ በል።”

 “ካብ 1905 – 1982 ብህይወት ዝነበረት ደራሲትን ፈላስፋን እያ። ቀንዲ ተመሳጢት ናይ ኣሪስቶትል ፍልስፍና እያ ድማ ነይራ። ‘ኦብጀክቲቪዝም’ ዝሰመየቶ መኣዝን ኣተሓሳስባ’ውን ፈጢራ እያ። ካብ ቈልዓ ሸውዓተ ዓመት እንከላ ኣትሒዛ’ያ ክትጽሕፍ ጀሚራ። ሓያል ኣንባቢትን ሓሳቢትን’ያ ነይራ። ኣብ ግዜ ቍልዕነታ፡ ኣስተማቓሪት ናይ ቪክቶር ህጎን ፍረደሪክ ኒቸን ነይራ። እዛ ቈንጪለ ዘንበብኩልኪ ከኣ ካብታ ቀዳመይቲ ልብ-ወለድ መጽሓፋ እያ። ዝያዳ’ኳ በታ ‘ዘ ፋውንቴን ሄድ’ ዘርእስታ ሳልሰይቲ መጽሓፋ እያ እትፍለጥ። ብዛዕባ ሓደ ክኢላ ናይ ስነ-ህንጻ እያ እትጸዊ። ግዜ ቍልዕነታ ኣብ ሩስያ እያ ኣሕሊፋቶ። መጽሓፍታ፡ ውልቃዊ ናጽነት ምስ እኩብ ኣተሓሳስባ ወይ ኣረኣእያ ክራጸም እንከሎ’ዮም ዘርእዩ። ብዝዀነ፡ ክንራኸብ ሕራይ እንተ ኢልኪ እተን መጽሓፍቲ ምሃብኩኺ ነይረ።”

“ሓደ መዓልቲ’ኳ ክንራኸብ ኢና። እታ መዓልቲ ግን ከመይ ትመስለካ፧”

“ምስ ተረኣኣና ንተሓፋፈር ኰይኑ ይስምዓኒ። ካብ ምሒር ስቕ ምባል፡ ብጽሑፍ ምዕላል ስለ ዝለመድና ወረቐት ኣውጺእና ነዕልል ይመስለኒ – ልማድ ሓያል’ዩ።”

“ከመይ ኢኻኸ ብዘረባ ምዕላል፧”

“ምስ ረኸብክኒ ትፈልጢዮ። እባ ንዓይ ደኣ ትፈልጥኒ ኢኺ፧”

“ኣይነገርኩኻን ድየ፧ መልክዕካ እየ ዝፈልጦ’ምበር፡ ክትዛረብ ኣይሰማዕኩኻን። ቅድሚ ምጋሸይ ግና ኣብ ከተማ እናዕለልካ ሓሊፍካኒ ነይርካ።”

“ምስኪናይ ብጐድነይ ይሓልፍ ከም ዘሎ’ኮ ኣይፈልጥን’ዩ ኢልኪ ስሒቕክኒ ትዀኒ፧!”

“ስንብድ ይብል’ምበር። ከምዚ ‘ንዒ!’ ኢልካ ሕዝ ተብለኒ’ዩ ዝመስለኒ። ኣብ ርእሲ’ቲ ጓለንስተይቲ ምዃነይ ብነብሰይ’ውን ስምዒተይ ክኽውል ኣይክእልን’የ።”

“ኣነስ እጠራጠር እየ። ስምዒትኪ ምቕባር ጽቡቕ ገይርኪ ዝተላመድኪዮ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ክሳዕ ሕጂ ክንራኸብ ሓሲብኪ ዘይትፈልጢ ምዃንኪ ይገርመኒ’ዩ። ሓቂ ይሓይሽ ሓንሳብ ሓንሳብ’ውን ወዲ’ኳ ይኸውን እብል እየ።”

“ኣሃሃሃ….ሃሃሃ”

“ኢሂ!”

“ብድሕሬኻ መጺአ፡ ኣዒንትኻ ዓሚተ ‘ኣነ መን’የ፧’ ዝብለካ ግዜ ይርኣየኒ ኣሎ። መዓስ’ዩ፧ ክመጽእ ድዩ፧ ግን ኣይፈልጥን።”

“ኣነ ከኣ መን ምዃንኪ ዝምልሰልኪ ባዕለይ እፈልጦ። ደሓን ሕጂ ይጽናሕ ካብ ዘይደለኽዮ። እንታይከ ኣሎ ካልእ…እ፧”

“ካልእ… እንታይ ሓድሽ ማለትካ ድዩ፧”

“ሕራይ ይኹነልኪ።”

“ሆሴ ኣርካዶ ኣዘኪርካኒ፣ ብገብርኤል ጋርሻ ማርኮዝ ዝተጻሕፈት። ‘One Hundred years of Solitude’ ኣንቢብካያዶ፧”

“ኖእ! ኣየንበብኩዋን።”         

“ሓዝ በል ከዕልለካ – ንእሽቶ”

* * *

 ሆሴ ኣርካድዮ ቡንድያ፡ ማኮንዶ ኣብ እትበሃል ቍሸት’ዩ ዝቕመጥ ነይሩ። እታ ዓዲ ብጐድና ዝሓልፍ ወሓዚ ኣለዋ። ተቐማጦኣ ከኣ ዕስራ ስድራቤታት’ዮም ዝበጽሑ። ሆሴ ኣርካዶ ጂብሲ ኰይኑ፡ ምርምር ዝፈቱ ሰብኣይ’ዩ። ማግኔትን ካልእ ነገራትን እናኣከበ ነቶም ደቂ ዓዱ የርእዮም። ን’ለንስ’ ኣብ ወተሃደራዊ መዓላ ከውዕሎ መጽናዕቱ ወዲኡ። ነቲ መጽናዕቱ ከኣ በቲ ዓዶም ገይሩ ብዝሓልፍ ዝነበረ መንገደኛ ገይሩ ናብ መንግስቲ ለኣኾ። (ርኣዮ’ሞ እቲ ግርህናኡ) መልሲ ተጸብዩ፤ ትጽቢት ነዊሑዎ ቀበጸ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ መጽናዕቲ ከዋኽብቲ ተጸምደ። ናብ ቃሕ ዝበሎ መኣዝን ክጅልብ ከም ዝኽእል’ውን ተረድኦ። ዓለም ከባብ ምዃና ከኣ ኣብ መደምደምታ በጽሐ። ሽዑ ንሰበይቱን ደቁን፡ “ዓለም ከባብ’ያ፣ ልክዕ ከም ኣራንሺ፡” በሎም። ሰበይቱ ዓቕላ ተጸንቀቐ፣ “ክትጽለል እንተ ደሊኻ ንነብስኻ ተጸለል። እቲ ናይ ጂብሲ ኣተሓሳስባኻ ኣብዞም ቈልዑ ኣይተስርጾ፡” እናበለት ብኣንጽርጽሮት ተዛረበቶ። ሆሴ፡ ንዅሎም ደቂ ዓዱ ኣኪቡ ርኽበቱ ኣካፈሎም። ግናኸ ከም እተጸለለ ገይሮም ደኣ ርኣዩዎ። መልኪያደስ ዝበሃል ምስ መጽአ ግና ነገራት ተዓረየ። ዓቢ ኣድናቘት ከኣ ሃቦ። ዓለም ከባብ ምዃና ኣብ ማካንዶ ክሳዕ’ቲ ግዜ’ቲ ፍሉጥ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ግናኸ ኣብ ዓለም ቀደም ኣትሒዙ እተፈልጠ ምዃኑ ሓበሮም። ነታ ዓዲ ግና ኣብ ምርምር ባብ ከም ዝኸፍተላ ተዛረበ። ሆሴ ኣርካድዮ፡ ነታ ዓዲ ምስ ምዕባለ ንከራኽባ ቦታ ቀየረ። ኣብቲ ሓድሽ ቦታኦም እናነበሩ ልኡኽ መንግስቲ መጺኡ ከመሓድረኩም እየ ምስ በሎም ዘሎ ድራማ ዝፈቱዎ ክፋላ እዩ…

* * *

“ኣለኻዶ፧”

“እወ። ቀጽሊ”

“ንሆሴ ኣርካድዮ። እቲ ፍልጠት ሓድሽ’ዩ። ግናኸ ዝነበረ’ዩ። ነቲ ሓድሽ ሰብ’ዩ ሓድሽ ዝመስሎ። ምስቲ ዝበልካዮ ትኸይድ’ያ። ”

“ቀጽልያ’ባ፧”

“ኣብ’ዘን ኣብያተ-ንባብ ኣይትስእናን ኢኻ – ነታ መጽሓፍ። ደኺመ ኣለኹ ክኸይድ።”

“ሕራይ በሊ፣ ኬድኪ ደቅሲ። ናብ ምንታይ መኣዝን ኢኺኸ ትድቅሲ፧”

“ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ፤ ካብ ርእሲ ናብ እግሪ ማለት’ዩ። ንስኻኸ፧”

“እ..ስ..ከ.. ካ..ብ ደብባዊ ምብራቕ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ።”

“ኤክስ (X) ሰሪሕና ማለት’ዩ። ‘ታይ ድኣ’ዩ’ዚ፧ በል ደሓን ሕደር።”

“ኣሜን…ቻው።”

– 3 –

ዓኾኻይ! ዓኾኻይ! ቍራዕ ሓምሊ ወጺኡ፡ ግዓት ጠስሚ ኣትዩ…

 “ዓኾኻይ! ዓኾኻይ! ዓኾኻይ!”

“ተራኢኽኒ ካብ ቍመትኪ እትነውሕ ሽግ ሒዝኪ፡ እሞ ከኣ ነዲዳ ዘይትውዳእ!”

“እወ! ሓቅኻ እታ ናይ ሕልሚ ሽግ! እታ ትንግርታዊት ሽግ! ኣካ ንዓይ’ውን ተራኣየትኒ – ዕትዕት ከብላ። ኣታ መህረፊ ኣወናዊንካኒ።”

“ኢሂ፧”

“ድነኣ ጥራሕ እዩ ዝርኣየኒ። ዓይነይ መሊአ ርእየያ ኣይፈልጥን። ብምስልኣዊ እያ እትስምዓኒ’ምበር፡ ብግብርስ ጭላፋ እኳ ኣይተጓነፈንን።”

“እታ ሽግ ከመይ ኰይና ድያ ትርኣየኪ፧”

“ዓይንኻ’ሞ ዓምቶ። ዓሚትካዮዶ፧”

“እወ።”

“ኵሉ ሓሳባትካ እለዮ። ኣብ ጸልማት በዓቲ ተመሪሕካ ኣቲኻ ኣለኻ። ግብ ዝበለ ረዚን ጸልማት’ዩ። ከመይ ገይርካ ኣብኡ ከም ዝበጻሕካ ኣይትፈልጥን። ዓይንኻ ተኸፊቱ ኣሎ። ምኽፋቱን ምዕጻውን ግን ለውጢ የብሉን። ብኾፍካ ነዊሕ ገይርካ ኣለኻ። እንታይ ምገበርካ፧”

“ሃሰስ እናበልኩ፡ ምተንቀሳቐስኩ – ዕድለይ ክርኢ።”

 “ብሃሰስ እናኸድካ እንከለኻ፡ ማዕሙቕ ጸኒሑ ጸዲፍካ። ተለሓሒጽካ ኢኻ። ቃንዛ በርቲዑካ ኣሎ። ብድሕሪኡ እንታይ ኢኻ ክትገብር፧”

“ዝረድኣኒ እንተ ረኸብኩ ገለ ድምጺ ምገበርኩ ’መስለኒ።”

“እንታይ ዝብል ድምጺ፧”

“እዋእ! የይ! ውውው!!!!!!!!!! ምበልኩ ኰይኑ ይስምዓኒ።”

“ድምጽኻ እናተጋውሐ፡ ካብቲ ናብቲ እናተላግዐ ርሑቕ ከም ዝበጽሐ ሰሚዕካዮ ኣለኻ። ርሕቀት እቲ ኣቲኻዮ ዘለኻ ብመንጽሩ ተረዲኡካ ኣሎ። እቲ የይ! ውውው!!!! ኢልካ ዝጨደርካዮ ድምጺ ክሃድእ ግዜ ወሲድሉ – እናተራብሐ ተዓዚሩ። ብድሕሪኡኸ፧”

“ሓንሳብ ስለ ዝጸደፍኩ፡ ክንቀሳቐስ ምፈራሕኩ። ኣማራጺ ስለ ዘይብለይ ግን ንኣሽቱ ኣእማን ሃሰስ ኢለ፡ ናብቲ ከባብየይ እናሰንደኹ፡ ክኸይድ ምፈተንኩ።”

“እቲ እምኒ ምስ ሰንደኻዮ፡ ክይድ ጸኒሑ ጦምቦላሕ! ዝብል ድምጺ ኣስሚዑካ ኣሎ።”

“ድሕሪ’ዚ፡ ምተጨነቕኩ፡ ብኸቢድ ዓቕለይ መጽበብኩ። ግዜ ምስ ነውሐ ተስፋ ቈሪጸ፡ ብድኻም ተሰኒፈ ምደቀስኩ። ሕልሚ ክዀነለይ ምተመነኹ፡ ብር ምስ በልኩ ኣብቲ ንቡር ህይወተይ ክህሉ ምተተስፈኹ።”

“ግናኸ ሕልሚ ኣይኰነን።”

“ካብዚ ንንዮስ እንታይ ከም ዝገብር ፈጺሙ ኣይሰኣለንን።”

“ነዚኣ እየ ደልየ። ኣነ ሃረር ዝብሎ፡ ኪኖ እዚ ዝበልካዮ ምኻድ’ዩ። ኵሉ ነገር ግብ ኣብ ዝብለካ እዋን፡ ዝህሉ ካልእ ተኽእሎ ክርኢ እምነ። ነቲ ‘በዓቲ’ ድንቁርና በሎ፡ ድኽነት በሎ ወዘተ. ነቲ ጸልማት ምእንቲ ክሰጎ ነታ ዘይትውዳእ ሽገይ ክጭብጥ ሃረር እብል።”

 “በቲ ዝመስለኪ እናኸድኪ እንከለኺ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ኢድኪ እንተ ትጸንሓኪ እንታይ ምበልኪ፧”

“ዓኾኻይ! ዓኾኻይ! ቍራዕ ሓምሊ ወጺኡ፡ ግዓት ጠስሚ ኣትዩ እናበልኩ ናብ ፍቘዶ መሽጐራጉራት፡ ኣደባባያት፡ ዕዳጋታት ምዘርኩ። ገለ ኣብ መገዲ ዝጸንሑኒ ዝኣወሉ ሰባት ከኣ ኣንዲደ ምወላዕኩዎም – ከምቲ ቢለን ኣብ ድራማ ወግዒ ልቢ ዝገበሮ።”

“ከማይ ዝዓይነቶም ማለት ድዩ፧”

“ኣሃሃሃ… ማራ ጥሉል ዲኻ፧”

“ኣብ እቶን ክቕኒ ኣሎኒ። ግን ከኣ ደሓን፡ ነቶም ነቲ ዝጨበጥክዮ ዘይተረድኣና መርኣያ ሓጐስኪ ሕሩድ ገይርኪ ተብልዕና ትዀኒ ከምቲ ፓይታጐራስ ዝገበሮ።”

“ሓቅኻ ኢኻኮ፡ ብዝረኽቦ ጥቕሚ ገይሩ ዝርድኦ ብዙሕ ሰብ ኣሎ፣ ብመገዲ ከብዱ ዝርድኦ ኣሎ፣ ብመገዲ ክዳን ገይሩ ዝርድኦ ኣሎ ወዘተ. ካብ ሓድሕዱ ይፈላለ እዩ። ፓይታጐራስ ከምኡ ድዩ ገይሩ፧”

“ፖይታጐራስ ነታ a^2 + b^2 = c^2 እትብል ህብብቲ ፎርሙላ ምስ ተረድኣ፡ መርኣያ ሓጐሱ ሚእቲ ኣብዑር እዩ ሓሪዱ። (ነቶም ብኸብዶም ዝሰምዑ ኢሉ ግን ኣይኰነን) ንስኺ ከኣ መርኣያ ሓጐስኪ ብዕራይ እንተ ዘይሓረድኪ ዋላ ደርሆ ትሓርድልና ትዀኒ…. ንጸወታ እዩ።”

 “ተረዲአካ ኣለኹ። ግና ‘ፓይታጐራስ ቴረም’ ክንመሃር እንከለና፡ መምህርና ብስሙ ተጸዊዓ’ምበር፡ ናቱ ኣይኰነትን ኢሉና ነይሩ።”

“እወ፡ ናቱ ክኸውን ናይ ካልእ ንጹር ገይሩ ኣይፍለጥን’ዩ። ሕሰብዮ እንዶ እቲ ግዜ፡ ቅድሚ 2,570 ዓመታት እኮ እዩ። ኵላ ህዝበይ ብዛዕባ ጣኦታት፡ ልምድታት፡ ጥንቆላታት… እናሓሰበት እንከላ’ዩ፡ ብዛዕባ ማተማቲክስ ዝመራመር ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ ሓደ ጕጅለ ኣቝሙ ብዙሕ ምርምራት ኣካይዱ። እዛ ብስሙ እትጽዋዕ ፎርሙላ፡ ዝምድናኣ ጥንታውያን ግብጻውያንን ባቢሎናውያንን ይርድኡዋ ነይሮም’ዮም። እቲ ተኣምራታዊ ሓሪም (ፒራሚድ)፡ በዚ ርድኢት’ዚ’ያ ተሰሪሓ። ግና ከም ዝበሃል ግብጻውያን ንዝምድና ቅኑዕ ስሉስ ኵርናዕ ብ3-4-5 ጥራሕ’ዮም ዝፈልጡዎ ነይሮም። ፓይታጐራስን ጕጅለኡን ግና ሓፈሻዊ ዝዀነ ርድኢት ፈጢሮም። እቲ ፍልጠት ካብ ግብጻውያን እዩ ተማሂሩዎ። ወዲ 23 ዓመት እንከሎ ናብ ግብጺ ብምዃድ 21 ዓመታት ተቐሚጡ ነይሩ’ዩ። ጂኦሜትሪ ዝመሃሩዎ ግብጻውያን ኣቕሽሽቲ እዮም።”

 “እሞ ፋል እንተ ገበረለይ፡ ኣነ ዝኸፍሎ ኣብ ዝዀነ ኬድካ ዝግኒ ደርሆ ብላዕ።”

“ባዕለይ ዝሰራሕኩዎዶ ከይትብላ ደቂ ሎሚ። ብዝዀነ ከመይከ ቀኒኺ፧”

“ጽቡቕ ኣለኹ። ወርሒ መስከረም ደስ’ዩ ዝብለኒ። ጸሓይ በሪቓ እንብለሉ ወርሒ እንድዩ። መሬት ብቐጠልያን ዕምበባታትን ተሸሊሙ፡ ነቲ ዝሸወተ ኣእካል ዘንቅጽ መንጠሊና ይነፍስ ኣሎ። ሓምሊ ምብላዕ ከነቋርጽ ተስፋ እነማዕድወሉ ወርሒ’ዩ። ምህርትና ኣብ ቅድመና ይጽበየና ኣሎ – ካዕበት ይግበረልና። በረኸትን ሰላምን ዘሎዎ ይግበረልና። ኣእካልና ነቒጹ፡ ተዓጺዱ፡ ካብ ዓውዲ ናብ ኢድና ከብል’ዩ። ብድሕሪኡ ጥሪ ዕብዲ ክትመጽእ’ያ። ብዓል ጓል ንጓሉ፡ ብዓል ወዲ ንወዱ ከመርዑ እዩ።”

“ጥሪ ሕልፍ ክትብል እንከላ ብዓል ኣነ ከኣ፡ ኣታ ሎሚ ድማ ከሪመ/ ’ንታይ ’ሞ ይግበር ደኒንካ ምንባዕ’ምበር ክንደርፍ ኢና።”

“ወይለአን ’ተን ነብሰን ከም ዝኽእላ ገይርኩም ዘየዕበኹመን ደቀ’ንስትዮ’ምበር፡ ንስኹም ደኣ ’ንታይ ከይትዀኑ፧!”

“ኣጆኽን ደሓን – ኣውላድ ስኒ ጸባ’የ ምሰላ ዕምበባ’የ ምሰላ፤ ኣቲ ቈልዓ ዙርያ ጋመ’የ፡ ምሳኺ’ዩ ዘሎ ሕማመየ… ኣይላሎ – እናበልና ክንደርፈልክን ኢና።”

“ንሕና’ውን – ሓለንጋየ፡ ሓለንጋየ/ ብሰለለይ ከምታ ዓባይ ዓየ/ ምስ በሰልካ ክበልዓካ ሆየ… እናበልና ክንደርፈልኩም ኢና።”

“ምብሳል ኣቢናክን ዲና፧”

“እወ – ቍሩብ።”

“ግደፊ’ባ ኣይትጻረፊ፧! እሞ መቃባጠሪዶ ክንደርፈልክን.. ሓዚ በሊ፤ ከም ሻምብቘ ለይለይ ዝበለት’የ – ተቐበልኒ፧”

“ለይለይ ዝበለት’የ።”

“ኣይ ንሳ ’ንድያ ፍዮሪ ዓይነት/ ምሳይ ዝዓበየት። ተቘነንዮ ዘውዘው ዝበለ።”

“ዘውዘው ዝበለ!”

“ይመጽእ ኣሎ ርሑቕ ዝነበረ።”

“ይመጽእ ኣሎ ርሑቕ ዝተሰደ።”

“ይመጽእ ኣሎ በረኻ ዝሰፈረ።”

“ንደርብ በል! ኣታ ኣነስ’የ ደስ ’ናበለኒ ደስየ ክጻወት ደሞ! ኣብ ሩባ ሩባ ዓድኻ ጥዑም’ዩ ምስ መሓዛኻ – እዝም! ትእዝም! እቡም! ብእቡም!”

“የቐንየለይ – ረቡዕ ኣይትጥፍኢ ኢኺ።”

“ሕራይ – ሰላም ቅነ።”

– 4 –

ኣብ ምቅርራብ ዘሎ ናጽነት

ናብ ኢንተርነት ካፈ ምስ ኣተወ፡ ተቐዳዲሙ መዝገቡ (መሰንጀሩ) ከፈተ። እተፈላለዩ መልእኽታት ስለ ዝጸንሑዎ ከኣ በብሓደ ክርእዮም ጀመረ። ዝበዝሑ ካብ’ቶም መልእኽታት፡ ኣብ መንጎ ተጠቀምቲ ዝዘውሩ ጥቕስታት፡ ዋዛታት፡ ዳእላታት… ስለ ዝነበረ ከየንበበ ነጠሮ። ስምዒታት፡ ሓሳባት፡ ርድኢታት… ናይ’ቶም ሰደድቲ ዝያዳ ስለ ዝደሊ፡ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ተገዲሱ ኣየንብቦን እዩ። ኣብ ላዕሊ ግና ብዝሕ ዝበለ መልእኽታት ሻህራዛድ ስለ ዝጸንሖ ከንብቦ ጀመረ።

= “ክጽበየካ ጸኒሐ። ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣይመጻእካን። ብደሓንካ ክትከውን ተስፋይ እዩ። ኣብዚ መንጎ መዓልታት ኢንተርነት እንተ ተጠቂምካ፡ ደሃይ ግበር ኢኻ።”

= “ሕጂ ብዛዕባ ‘ኣሲምፕቶቲክ ፍሪደም’ እየ ከንብብ ጸኒሐ። ኣብ ሓደ ጽሑፍ ብገለ ኣትዩ ምስ ረኸብኩዎ፡ ገለ ንእሽቶ ኣምር ተሓዝኩ ብምባል ክርድኦ ፈቲነ። ግናኸ ኣቕብጽ ኣቢሉኒ። ከም እትፈልጠኒ ንፊዝክስ ኣነ’የ ዝፈቱዎ’ምበር፡ ንሱስ ገጽ ኣይህበንን እዩ። እቲ ‘ኣሲምፕቶቲክ ፍሪደም’ ዝብል ቃል ግን እንታይ ምዃኑስ ደስ ኢሉኒ። ክሳብ እንራኸብ ንእሽቶ መብርሂ ጽሒፍካ ግደፈለይ ኢኻ።” – ዝብል ክልተ መልእኽታታ ኣንቢቡ መልሱ በታ ዳሕረወይቲ ጀመረ።

 “ከመይ ቀኒኺ ሻህራዛድ፧ ዝሓለፈ ረቡዕ ቈጸራ ምጥላመይ ኣይትሓዝለይ። ብደሓን ከኣ እየ። ምኽንያተይ ጸኒሐ ክጽሕፈልኪ እየ። መጀመርታ፡ ብዛዕባ ‘ኣሲምፕቶቲክ ፍሪደም’ ክዝክሮ ዝኸኣልኩ ክጽሕፈልኪ። ንስኺ፡ ካብቲ ሳይንስ ጽባቐ ከተውጽኢ ስለ እትደልዪ በቲ ንዓኺ ዝጥዕም ገይረ ክገልጸልኪ ክፍትን እየ።

“ክሳብ ሕጂ ዝፍለጡ፡ ኣብ ተፈጥሮ ኣርባዕተ ሓይልታት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ‘ደርማስ ኒኵለሳዊ ሓይሊ፤ ድዅም ኒኵለሳዊ ሓይሊ፡ ኤለክትሮ ማግኔታዊ ሓይሊን ስሕበታዊ ሓይሊን ተባሂሎም ይፍለጡ። ኣብ ካሪኵለምና፡ ነዞም ሓይልታት እዚኣቶም ኣብ 12 ክፍሊ ኢና እንመሃሮም። ብሕጽር ዝበለ ክንገልጾም እንከለና፡ እቲ ደርማስ ኒኵለሳዊ ሓይሊ (ስትሮንግ ኒኵላር ፎርስ) ንህይወትና ‘ክውን ወይ ውሑስ’ (ስቴብል) ዝገብሮ ሓይሊ’ዩ። እቲ ድኹም ናይ ራድዮኣክቲቭ ሓይሊ እዩ። ኤለክትሮ ማግኔታዊ ከኣ ድልዳለ ኣቶማት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ስሕበታዊ ሓይሊ ድማ ሓፍ ብዝበልናዮ በሪርና ከይንጠፍእ ይሕግዘና። ዝተጻሕፈ ታሪኽ ብዙሕ ሃጓፋትን ዘይንጹራት ሓሳባትን’ውን ገፋጊፉ ይኸይድ’ዩ። ‘ኣሲምፕቶቲክ ፍሪደም’ ከኣ ሓደ ኣብነት ናይዚ እዩ። ክሳዕ 1960ታት ስሕበታውን ኤለክትሮ ማግኔታውን ሓይልታት ጽቡቕ ገይሮም እተፈልጡ ኣምራት’ዮም ዝነበሩ። እቶም ምስ ኒኵለስ ዝተሓሓዙ ክልተ ግና ምስጢራት’ዮም ነይሮም። ተፈጥሮ’ውን ምስጢራ ትሓብእያ ’መስለኒ ጽቡቕ ገይሮም እተፈልጡ ኣይነበሩን። አረ ግጕይ ርድኢት’ዩ ነጊሱ ዝነበረ። በዚ መሰረት ከኣ ሓደ ሰውራ የድሊ ነይሩ። እቲ ‘ንሚእቲ ዓመት ኣይክፍለጥን’ዩ’ ዝበሃል ዝነበረ ከኣ፡ ብሓደስቲ ምሩቓት ተመሃሮ ኣብ መጀመርታ ሰብዓታት ብሩህ ኰይኑ።

 “ኣብ ከሚስትሪ ከም እተማሃርክዮ፡ ‘ኣቶም’ እቲ ዝነኣሰ ነገር እዩ። ኒኵለስ ከኣ ኣብ ማእከል ‘ኣቶም’ ይርከብ። ፕሮቶናትን ኒዩትሮናትን ድማ እቶም ዝነኣሱ ደቀቕቲ ኣካል ናይ ኒኵለስ ከም ምዃኖም ጥራሕ’ዮም ዝፍለጡ ነይሮም። ተመራመርቲ ፊዚክስ ከኣ ኣብ 1960ታት እዞም ደቀቕቲ ኣካላት ንባዕሎም ብኻልኦት ኣዝዮም ዝደቐቑ ኣካላት ከም ዝቘሙ ተረድኡ፡ ‘ኳርኵስ’ ኢሎም ከኣ ሰመዪዎም። ዴቪድ ግሮስ ምስ ተመሃራይ ዝነበረ ፍራንክ ዊልዘክ ብምዃን’ዮም መጽናዕቶም ዘካየዱ። ክልተ ማግኔት እንተ ኣቀራሪብናዮም ብርቱዕ ሓይሊ ይህሉዎም። እንተ ኣረሓሒቕናዮም ግና ናይ ምስሕሓብ ሓይሎም ይደክም። ስሕበት መሬት’ውን እንተዀነ፡ ካብ መሬት እናረሓቕካ ምስ እትኸይድ እናደኸመ’ዩ ዝኸይድ። ኣብቲ ደርማስን ድዅምን ኒኵለሳዊ ሓይሊ’ውን ተመሳሳሊ ርድኢት’ዩ ጸኒሑ። እቶም መንእሰያት ተመራመርቲ ግና ነቲ ዝጸንሐ ኣረዳድኣ ልክዕ ብግምጣሉ ምዃኑ ንዓለም ነገሩ። ነቲ ብዙሓት ሊቃውንቲ ፊዚክስ ውሪግሪግ ዝብሎም ዝነበረ ድማ ብድሙቕ ብርሃን ወልዕሎም። ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ኣውጽኡዎም።”

 “ዌ…. እንቋዕ ብደሓን መጻእካ! ከመይ ደሓንዶ፧”

“ጽቡቕ። ምኣስ ደኣ መጺእኪ፧ ንሕቶኺ እንድየ ክምልሰልኪ ክፍትን ጸኒሐ። ኣንብብዮ በሊ ጽቡቕ ገይርኪ።”

*  *  *

“ኣንቢበዮ። ግን ክሓተካ፡ ንምንታይ ‘ኣሲምፕቶቲክ ፍሪደም’ ኢሎሞ፧”

 “ኣብ ብዙሕ ነገራት ከም እንርእዮ፡ ነገራት ክቀራረቡ እንከለዉ ሓይሎም ይውስኽ፡ ክረሓሓቑ እንከለዉ ግን ይጐድል. . .”

“ከምዚ ካብ ዓይኒ ገለለ ካብ ልቢ ገለለ እንብሎ ማለት’ዩ።”

“ኣሃሃሃ… ኣቲ ንስኽስ፧! ሓበሻ እንተ ዝነብሩ ብምስላታት እናገበሩ ምገለጽሎም ነይሮም ማለት’ዩ። ብዝዀነ ክምልኣልኪ፡ ነቲ ኣረዳድኣ ቀዪሮሞ’ዮም። እቶም ደቀቕቲ ኣካላት (ኳርኵስ) ክረሓሓቑ እንከለዉ መሊሱ’ዩ ሓይሎም ዝውስኽ። ክቀራረቡ እንከለዉ ከኣ ናጻ ይዀኑ። ብኸምዚ ይመስለኒ ‘ኣብ ምቅርራብ ዘሎ ናጽነት’ (ኣሲምፕቶቲክ ፍሪዶም) ኢሎም ዝሰመዩዎ።”

 “ኣብ ታሽዓይ’ዩ ‘መስለኒ ኣብ ማትስ ‘ኣሲምፕቶት፡ ናብቲ መስመር ይቐርብ እምበር፡ ነቲ መስመር ኣይትንክፎን ወይ ኣይቆርጾን’ ዝብል ምስ ተመሃርና፡ ነቶም ምስ ኣዋልድ ዝቐርቡ ግና ክክክ መስመር ዘይሰግሩ ‘ኣሲምፕቶት’ ይብሉዎም ነይሮም። ንኣሲምፕቶት ዋላ’ቶም ኣብ ትምህርቲ ዘይግደሱ’ዮም ዝፈልጡዋ ነይሮም።”

“ምስኡ ዝተኣሳሰር መሲሉኪ ድኺ ሓቲትክኒ፧”

“ኖኖ! ዝያዳ እንክትቀራረብ ዝያዳ ናጽነት ይህልወካ ማለት ስለ ዘስምዓኒ’ዩ ደስ ኢሉኒ። ሕሰቦ እሞ፡ ኣብ ምርሕሓቕ ዘሎ ናጽነት ርዱእ እዩ። ኣብ ምቅርራብ ዘሎ ናጽነት ግን ምርቃና እዩ። ዝምድናታት፡ ሓዳራት. . . ከምኡ እንተ ዝዀኑ – ዝያዳ እንክትቀራረብ ዝያዳ ናጽነት እንተ ዝስምዓካ። ኣብ ፊዚክስ ንብዙሕ ምርምራት ጽቡቕ ኣስማት’ዮም ዝህቡዎም።”

 “አረ ንሱ ጥራሕ ኣይዀነን፡ ንዅሎም መሰረታውያን ሓይልታት ተፈጥሮ ዘወሃህድ ኰይኑ ስለ እተርኣዮም፡ ‘ናይ ኵሉ ነገር ክልሰ-ሓሳብ’ (ትዮሪ ኦቭ ኤቭሪቲንግ) ኢሎም’ውን ይጽውዑዎ’ዮም። ነቲ ደርማስ ኒኵለሳዊ ሓይሊ ዝገልጽ ፎርሙላ ‘ቤታ ፋንክሽን’ ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ። ነቲ ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ዝነበረ ፎርሙላ ኣሉታ (-) ጥራሕ’ዮም ወሲኾምሉ። ኣብ 2004 ከኣ ዴቪድ ግሮስ ሽልማት ኖብል ረኺቡ። ንዝዀነት ፎርሙላ ኣሉታ ወስኽላ እሞ፡ 1.4 ሚልዮን ዶላር ክትረኽቢ ኢኺ።”

 “ዝዀነ ስራሕ ምስ ተወድአ ቀሊል’ዩ ዝመስል። እቲ ናብኡ ክትበጽሕ ዝሓለፍካዮ ዝርድኣልካ የሎን። እዞም ኣብ እተፈላለየ ናይ ቴክኒክ ስርሓት ዝሰርሑ ሰባት ንምንታይ ቈጸራታት ከም ዘብዝሑ ትፈልጥዶ፧”

“ስራሕ ስለ ዝበዝሖምዶ ይዀኑ፧”

“ንሱ ጥራሕ ኣይኰነን። ንኣብነት ቴፕ ተበላሽያትካ ምስ እትወስደሎም ቀልጢፎም ኣዐርዮም እንተ ሂቦሙኻ፡ ኣብቲ ዘኽፍሉኻ ገንዘብ ኣይክትሰማማዕን ኢኻ። ቍሩብ ክትከፍል ጥራሕ ኢኻ እትደሊ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ኮምፒዪተሩ ተበላሽያ ናብ ዓራያይ ምስ ወሰዳ፡ እቲ ኣዐራዪ ኣብ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣዐርዩ ሂቡዎ። ገንዘብ ከኣ 500 ሓቲቱዎ። ‘ኣብ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣዐሪኻያስ 500፧’ ኢሉዎ። እቲ ኣዐራዪ ከኣ ‘ግዜ ዘይኰነ ኣእምሮ’ዩ ዘዐሪ’ ኢሉዎ። ሓቁ እዩ። እቲ ኣዐራያይ ብግዜ ስለ ዝሓስብ፡ ንሶም ከኣ ንብረትካ ኣብ ገዛኦም ኣቐሚጦም የመላልሱኻ፣ በቲ ዝጸንሓቶ ግዜ ከኣ እቲ ክፍሊት ምኽንያታዊ ትገብሮ።”

 “ግን ከኣ ንሶም’ውን ነቲ ዝሰርሑዎ ከጋንኑዎ ወይ ምስጢራዊ ክገብሩዎ ይደልዩ እዮም። ጸገማ ሓንቲ ንእሽቶ ምዃና ምስ ፈለጡ፡ ፈሊጦም ንዅሉ ኣካላ ይፈትሑዋ። ዋላ ሓደ ዘይቀየሩ ክንሶም፡ ዝተበላሸወ ኣካል ከም ዝተክኡላ ይነግሩኻ። ብድንቍርና ናይቲ ሰብ’ዮም ዝነብሩ። ብወገነይ ስንፍናና እዩ’ምበር፡ ብዙሕ ባዕልና ክንገብሮ እንኽእሎ ነገራት ኢና እንወስደሎም። መብዛሕትኦም ካብቲ ክእለቶም ዶሮናኦም’ዩ ዝዓቢ።”

“ዝረኸቡኻ ኢኻ እትመስል”

 “ስለ ዘስተባህለሎም ከይከውን። ሓደ ግዜ ኣብቲ ስራሕና ሓደ ሰራሕተኛ ቴክኒሻን ኮምፒዩተራት ኰይኑ ይመጻልኪ። ነቲ ንእሽቶ ነገር ከም ዓቢ ገይሩ’ዩ ከስርጸልካ ዝፍትን። ብዙሕ ፍልጠት ስለ ዘይነበሮ፡ መጠንቀቕታ ጥራሕ ኣብዚሑ። እቲ ዝፈልጦ ንኣሽቱ ነገራት’ውን ንሰብ ከካፍል ኣይደልን’ዩ። ፍልጠቱ እናሓብአ ክበልዕ ዝደሊ ሰብ እኳ ኣይፈቱን።”

“ጽናሕ ከቋርጸካ ብዛዕባ’ዚ ካልእ መዓልቲ ነዕልለሉ ንኸውን። ረቡዕ ናበይ ጠፊእካ – ቈጸራ ተጥልም ረኺብካ ድኻ፧”

“ሃንደበት’ምበር ገይሸ። መልእኽቲ ክገድፈልኪ ሓሲበ ነይረ። ግዜ ግን ኣይረኸብኩን።”

“ናበይ ደኣ ገይሽካ፧”

“ናብ ሓምላይ ቅናት ኤርትራ።”

“ዎው! ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ! በልስከ ኣዕልለኒ። ንመጀመርታኻ ድኻ ኬድካዮ፧”

“እወ።”

“ከመይ’ሞ ረኺብካዮ፧”

“ግርም’ዩ ኢሉኒ። ብተመስጦ ምኽኽ እየ ኢለ። ኣብ ዝመጽእ ጽቡቕ ገይረ ከዕልለኪ እየ። ሕጂ መኽፈሊ ናይዚ ኢንተርነት ዝተጠቐምኩዎ ከይስእን ክኸይድ።”

“ሕራይ በል- ሰሰናዩ።”

“ቻውውውውውውውውው።”

– 5 –

ክልተና ሐሓደ መስመር ናይ ግጥሚ እንተዄንና፡ ቅኒት ረምታና ምስ ሰመረ ክንራኸብ ኢና…

“ናይ ምጽሓፍ ባህሊ እንተ ዝህልወና እኮ፡ ኵሉና ተተመኵሮና ምጸሓፍና። እዞም ጸዓዱ ብዛዕባ ኣስመራ ኣብ ኢንተርነት ዝጽሕፉዎ ግርም’ዩ ዝብለኒ። ገለኦም ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ኣብዚ ዝጸንሑ’ዮም። ተምሳጦም ግና ጽቡቕ ገይሮም ይገልጹዎ። ከንብቦ እንከለኹ ከኣ፡ ‘ኵሉ እባ ክጽሓፈሉ ዝከኣል’ዩ!’ እብል። ንሕና ብዙሕ ህይወት ርኢና ኢና ግን ምጽሓፍ ኣይተላመድናን። ንኣብነት፡ ህይወት ቤት-ትምህርቲ፡ ተዘክሮ ማእቶት፡ ኲናት፡ ኵነታት… ወዘተ. ገለ ካብቲ ዝተመኰርናዮ እዩ። ብዛዕባኡ ግን ዕብይ ብዝበለ መገዲ ዝተጻሕፈ ኣንቢብና ኣይንፈልጥን። ብውሑዱ ሓያሎ ዳያሪታት ክህልውና ምተገብአ። ኣይመስለካን፧”

“ሰላምታ ተሪፉ ድዩ፧ ከየዕለልኪ ድኺ ቀኒኺ – ነዚ ዕላል ብዘይ ሰላምታ ቲፎ ኣቲኽዮ፧”

“እኸውን’የ፣ ካብ ገዛ ኣይወጻእኩን ቀንየ። ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ንመጀመርታ ግዜይ ገይሸ ምስ በልካኒ፡ ንገዛ እናኸድኩ ይሓስብ ነይረ። ኣብ ከባቢና ዘሎ ግናኸ ዘይንፈልጦ ብዙሕ’ዩ። ርሑቕ ከይከድካ ኣብ ዳዕሮቓውሎስ ስነጥንታዊ ቦታ ኣሎ። ብእግርና’ውን ክንበጽሖ ንኽእል ኢና። በጺሑዎ ዝፈልጥ ግን ውሑድ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ከም መቐጸልታኡ’የ ‘መስለኒ ዝል ኢለ ኣብ ዘረባ ኣትየ። ደሓር ከኣ ዝሓተካን እትምልሰለይን ዘይፍሉጥ’ዩ።”

 “ሓቅኺ ኢኺ። ኣብቲ እንነብረሉ ዓዲ ዘሎ ነገራት’ውን መብዛሕትኡ እዋን ጽቡቕ ገይርና ኣይንፈልጦን። ንኣብነት፡ ኣብ ሰንዓፈ ንቕመጥ እንተዄንና፡ ተዘሪቡ ዘይውዳእ ዛንታ ኣሎና። እቲ ምምሕዳር’ውን ንኣጋይሽ ዝኸውን ናይ ሌላ ጽሑፍ ከዳሉ ይኽእል’ዩ። ኣብ ኣስመራ’ውን ካብ ህንጻታታ ኣትሒዝካ ዘገርም ዛንታታት ኣሎ። ኣብ ገግዜኡ ዝመጽኡ ጠባያት’ውን ኣለዉ ኣብ ምሉእ ከተማ ዝፍለጡ… ነዚታት እናኣከብካ ብዙሕ ቁውም-ነገር ክርከቦ ምተኻእለ። ውልቃዊ ተበግሶ ኣገዳሲ’ዩ። በቲ ሓደ ወገን፡ ናይ ከምኡ ባህሊ ዘይብልና ምዃኑ፡ በቲ ካልእ ከኣ እቲ መነባብሮና ኣየፍቅደልናን ከይከውን።”

“ተራ ይህሉዎ ይኸውን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ዓድና፡ ጽሑፍ ንስነ-ጥበበኛታት ጥራሕ ዝተሓዝአ’ዩ ዝመስል። ስለ ዝዀነ ከኣ ድምጾም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዓብሊሉ ይርከብ። እቶም መሃድሳት፡ ሓካይም፡ መምህራን፡ ናይ ሕርሻ ክኢላታት፡ ምሁራት ሕጊ… ወዘተኸ ኣበይ ኣለውዉ፧ ብጽሑፋት እናገበሩ ንቕሓት ከዕብዩ ይኽእሉ’ዮም። ጸሓፋይ ካልእ’ዩ፡ ስነ-ጥበበኛ ከኣ ካልእ’ዩ። ስነ-ጥበበኛ ፈጠራዊ ጽሑፋት ከም ግጥሚ፡ ልብ-ወለድ፡ ድራማ፡ ቅብኣ፡ ቅርጻ፡ ፊልም ወዘተ. ዘዳሉ ክኸውን እንከሎ፡ ጸሓፋይ ግና ብዛዕባ እተፈላለየ ዓውድታት ክጽሕፍ ዝኽእል’ዩ። ኣብ መሸጣ መጻሕፍቲ ዘይርካ እንተ ርኢኻ፡ እቲ ዝበዝሕ መጽሓፍቲ ልብ-ወለድ’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ውሑድ ናይ ታሪኽ፡ ጥዕና፡ ስነ-ልቦና፡ መግቢ መጻሕፍቲ ትረክብ። እዚ’ውን ሒደት’ዩ። ኣብቲ ልቢ-ወለዳት’ውን እንተዀነ፡ ብዓይነትን ብዝሕን ክትርእዮ እንከለኻ ኣሎ ክበሃል ኣይክእልን። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ፡ ጽቡቓት መጻሕፍቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ቅልቅል ኢለን ነይረን። ኣይቀጸለን። ትጽቢት ባህጉ፡ ሶፊያ… መሐወስታ ዕላላታትና ኰይነናና ነይረን’የን።”

“አረ ንፉዓት ሃየስቲ እንተ ዝህልውና ነይሮም፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ምተበሃሃልና። ፈታፊቶም ብዙሕ ኵርናዓት መጠመቱና። ነቲ ኣብ መንጎ ደራሲን ኣንባቢን ዘሎ ጋግ ከኣ መጽበቡዎ። ናይ’ቶም ኣብ ካልእ ዓውዲ ዘለዉ ሞያውያን ግን ዝገርም’ዩ። መምህራን ዩኒቨርስቲ ተባሂሎም እኳ መጻሕፍቲ ዝጽሕፉ ዳርጋ ዘይርኣና።”

 “ናባኻ ክምለስ፡ ንኣብነት፡ ናይዛ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝኸድካያ ገለ ጽሒፍካዶ፧”

“እንታይ ደኣ ኣዘንጊዕኪ ኣኳሊምክኒ፧”

“ንዝዀነ ነገር ናባኻ ኣምጺእካ ክትርእዮ ጽቡቕ’ዩ።”

“ዳያሪ ዓይነት ገይረ’የ ጽሒፈዮ። ንእሽቶ እያ።”

“ዎ! ዎ! ይቕረታ፡ ውልቃዊ ነገር ከይከውን።”

“ጸገም የሎን። ብነብሰይ’ውን ብዙሕ ኣብ ምስጢር ኣይኣምንን’የ። እቲ ዝሰምዕ ዘሎ ሰብ ክርድኦ ዝኽእል ክሳብ ኰይኑ ዝተሰምዓኒ ብዙሕ ኣየገድሰንን’ዩ።”

“ንኣይ’ውን ከምኡ’ዩ ዝስምዓኒ። እቲ ዝሰምዕ ሰብ፡ ቅድመ-ግምት፡ ፍርዲ ወዘተ. ዝህብ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑኒ ግና ተራ ዕላል’ውን ይኹን ኣይመጸለይን’ዩ። ግርህና’ዩ ጥዑም። ብዝዀነ፡ ዳያሪኻ ቀጽል።”

* * *

ኣስመራ

ጸሓይ ኣብ ርእስና እንከላ ኢና ተኣኻኺብና፡ ምስ ገለ ካብ’ቶም ዝተኣከቡ ሰባት ሌላ፡ ምስ ገለኦም ከኣ ናይ ዓይኒ ምፍላጥ ነይሩና። ዝበዝሑ ከኣ ፈጺመ ርእየዮም ኣይፈልጥን። ምኽንያት ጕዕዞና፡ ናይ ብርሃናዊ መማህርትና ዕለተ-ልደት ንምብዓል’ዩ። ኣነ’ኳ ዕድመይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝኸደ ጽቡቕ ገይሩ ከየዘክረኒ ግዲ ዝፈርሕ ኰይነ፡ ዕለተ-ልደተይ ኣብዒለ ኣይፈልጥን’የ። ተበጊስና። ንኣስመራ ሕቘና ሂብናያ።

ኣብ 21 ኪ.ሜ ሰረጀቓ በጻሕና። ንጸጋም ተጠዊና ኣብ 29 ኪ.ሜ ንወኪ ደበኽ ክንብላ ግዜ ኣይወሰደልናን። በቲ ኣብ ትሕቴኻ ኰይኑ ዝርኣየካ ተሓቓቝፉ ዝተዓዝረ ኣኽራናት ተመስጦይ ጀመረ፣ “ናብ ሓምላይ ቅናት ኤርትራ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” እተጻሕፎ ታቤላ ሓሊፍና ጕዕዞና ቀጸልና – ኣካልና ኣብ ሚኒባስ፡ ኣዒንትና ኣብቲ ጐቦታት።

ኣብቲ ጐቦታት ዘሎ ቅርጽታት፡ ሕብርታት ኮታ እተፈላለዩ ትርኢታት ንልበይ መልኦ። ግጠም ግጠም መጺኡኒ ክነሱ ቢሮ ኣይሓዝኩን። እቲ ወኒ ጥራሕስ እኹልዶ ኣይኰነን፧! ሓንሳብ ሓንሳብ ካብቲ ዝግጠም ንላዕሊ እቲ ድፍኢት’ዩ ቃሕ ዝብለኒ። ኣርሒቕካ ነዊሕ ስለ እትርኢ፡ ኣብቲ ጠመተ ኣዒንቲ፡ ጸሓይ፡ ጽላሎት፡ ኣግራብ፡ ውሕላለ መልክዓ መሬት ፍርጥጥ ኢሉ ይጸንሕ። መለሳታት እልቢ’ዩ፣ ጠሚትካ ኣይጽገብን። ካብ 700 ክሳብ 2400 ሜትሮ ብራኸ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ከኣ ኣሎዎ።

መግኦ

መግኦ 43 ኪ.ሜ ካብ ኣስመራ ርሒቓ ትርከብ። ኣብቲ መገዲ ሰረጀቓ ሸባሕ፡ ሓንቲ ካብ’ተን መዕረፊ ዝተዳለወለን ቦታታት’ያ። ጽዑቕ ልሙዕ ኣግራብ ድማ ካብኣ ይጅምር። ካብቲ ኣጻድፍ እናተጠዋወና ንወርድ ነይርና። እቲ ልውይው ዝበለ ኣብቲ ኣጻድፍ እተሃንጸ ጽርግያ፡ ኣብ ሕቝፊ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ኰይኑ፡ ናይ ሰራሕቱ ጽባቐ ንኸተድንቕ ካብቲ ጐቦታት ስሒቡ ናብ ሕቝፉ የእትወካ። እቶም ዝሃነጹዎ መንእሰያት፡ ኣብ ዓይነ-ሕልናይ ተራኣዩኒ፣ ሓወልቶም’ዮም ሃኒጾም። እቲ ስራሕ ክሳብ ክንደይ በዳሂ ምዃኑ ተገንዚብካ ከኣ፡ ከም ዝዀነ ብሉጽ ነገር ሕቶ ዘለዓዕለልካ፡ ክስራሕ ከሎ ዝነበረ ብድሆታት፡ ዝወሰደ ግዜ… ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮይ መጽኡኒ። ብልበይ ከኣ ኣድናቘተይ ገለጽኩሎም። እቲ ጽርግያ ኵርናዓቱ፡ ጥውይዋያቱ መሳጢ እዩ። እቲ ጥውይዋይ ጐቦታት’ውን ብብዝሑን ብራኸኡን ካብ መንገዲ ኣስመራ ባጽዕ ንላዕሊ ንዓይኒ ጠማቲኡ ይማርኽ።

ሳቡር

 ከይተፈለጠኒ መኪና ደው በለት። ክወርዱ ጀመሩ። ንዓይ፡ እቲ ጕዕዞ ሓጺሩኒ – ድሕሪ ናይ 50 ኪ.ሜ ጕዕዞ ሳቡር ኣተና። ጩቕጩቕታ ኣዕዋፍ ከኣ፡ “እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” በለና። ቍሩብ ሰጕመ ናብቲ ኣጻድፍ ቅልቅል ብምባል ክሳብ ደረት ትርኢት ኣማዕደኹ። ብዙሕ ነገራት ኣብ ኣእምሮይ መጽኣኒ – ብፍላይ እኳ ደኣ ህዝባዊ ሓይልታት። እታ ቍልዒ፡ ጸሓይ ምስ ኰነት ኵሉ ዝሓለፈ ቀሊል ይመስል። ኣብ እዋን ህ.ሓ እዚ ቦታታት’ዚ መዕቈቢ’ቶም ተቓለስቲ ምንባሩ ዘከርኩ። እቶም ነቲ ጽርግያ ዝሃነጹ መንእሰያት፡ ኣብቲ ቦታ ንኣያታቶም ክረኽቡዎም ምኽኣሎም ከኣ ኣሐበነኒ።

ብድሕሪ’ዚ…

ጠሚና ነይርና – በሊዕና። ጸሚእና ነይርና – ሰቲና። ከቢብና ዕላል ኣጕድና – ብጽሩይ ኣየር እተሰነየ ወግዒ። ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ንሓድሕድና ተላለና። ቡን ፈሊሓ። ኣብዚ ግን ዕላል ኣይነበረን። ብቦክስ ጊታር ብዙሓት ዜማታት ሰሚዕና። ነንፈትዎ ደርፊ በቲ ዘይተገርሐ ድምጽና ደሪፍና፣ ህያውነት ግን ነይሩዎ። ምጽጋምና ኣስሒቑና። ቶርታ ተቘሪሱ፡ “እንቋዕ ኣብዚ ኣብቅዓካ… ሃቢ በርዝ ደይ” ደሪፍናሉ። ኣብ ቅድሚት ዘሎ ዓመታቱ ጸጋ ዘሎዎ ክገብረሉ ተመኒናሉ።

መሬት ጸልሚቱ፡ ሓዊ ኣጕድና ከበብና። ስጋ እናጠበስና በላዕና። ሓደ ኣብ ሞንጎ ግጥሚ ከንብበልኩም በለና። ኣንበበልና – ኣብቲ ብዓል ግርማ ጸልማት ብከዋኽብቲ ተዓጂብና ግጥምታት በየነ ሃይለማርያም፡ ርእሶም ሃይለ፡ መለስ ንጉሰ፡ ፓብሎ ኔሩዳ… ሰማዕና። ነገራትና ኣኪብና ተበገስና። ክንብገስ እንከለና ምልእቲ ወርሒ ብድሕረና ነበረት። ጸኒሓ ብየማናይ ጐድንና ተጠውየት፡ መሊሳ ከኣ ብየማንና፡ ብቕድመና… ኣሰነየትና። እቲ ብዓል መዓልቲ ብርሃናዊ ብጽባቐኣ ተመሲጡ ንግጠመላዶ በለ፣ “ኵሕልቲ ወርሒ ፍሽኽ ኢላ” ኢሉ ብቕጽበት ሓደ ጀመረ። “ኣብቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ትሕንብስ ኣላ” መለአ ካልእ። “ርእየያስ ሓፊረ፡ ፍሽኽታይ ገሚተ”… እናሰሓቕና ቀጸልና። ሰዓት ዓሰርተ ኣስመራ መብራህታ ወሊዓ ተቐበለትና – ኣተና።

* * *

“ኣሕጽር ኣቢለ፡ ዝጸሓፍኩዎ ነዚ ይመስል። ደጊመ ናብ ሳቡር ክበጽሕን ናብ ፍልፍል ሰለሙና ክቕጽልን ከም ዘለኒ ከኣ ሓሰብኩ። ብብሽክለታ’ውን ተኣኪብካ ክኽየድ ዝከኣል ይመስለኒ።”

“ብሓቂ ኣቕኒእካኒ።”

“ብሽክለታ ትዝውሪ ድኺ፧”

“እወ።”

“እሞ፡ ትጽንበርና ትዀኒ’ምበር።”

“እንሽኣላህ!”

“እባ ሕጂ እንታይ ኢኺ ትገብሪ ዘለኺ፧”

“ከምዚ ኣስተንትኖ ዓይነት ይጽሕፍ ኣለኹ። ዛጊት፡ ሓደ ዓሰርተው ክልተ ዝኸውን በጺሐ ኣለኹ።”

“ኣስተንትኖ ክትብሊ ከለኺ ከመይ ማለት’ዩ፧”

“ኣብ ሓደ ጕዳይ ጥራሕ ኣተኵረ ዝጽሕፎ ዘለኹ ምስትምቓረይ ኣብ ህይወት እዩ። ሓሳባትን ስምዒታትን ኣቋማጢዐ ሓደ መልክዕ ክፈጥረሉ እጽዕር ኣለኹ።”

“ኣምላኽ ይሓግዝኪ!”

“ኣሜን! ንስኻኸ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧”

“ኣነ’ኳ ካብ ባህጊ ሓሊፈ፡ ናብ ምጽሓፍ ዝሰጋገረሉ ግዜ ዝኣኸለ ኣይመስለንን ዘሎ። ቍሩብ ተመኵሮ፡ ምንባብ፡ ምዕዛብ… ዘድልየኒ ይመስለኒ ኣሎ።”

“ከመይ፧ እስከ ቍሩብ ኣብርሃለይ፧”

“ብዙሕ እዋን ክጽሕፍ ፈቲነ’የ። ግና ሓሳባተይ ይዅለፍ። ‘ክጽሕፍከ ይኽእል ድየ፧’ ኢለ ተስፋ ዝቘርጸሉ ይበዝሕ።”

“እሞ ገጸ-ባህሪ ክትኰነኒ ትኽእል ኢኻ ማለት’ዩ። ነቲ ብኣካል ናይ ምርኻብና መደብ ግዜ ከተሕጽሮ ኢኻ መስለኒ፧”

“ብመደብ ዲኺ ብኣካል ከይንራኸብ ወጢንኪ፧”

“ከምኡታት’ዩ። ግና ድሕሪ መንፈቕ ወይ ዓመት ኢለ ዝወጠንኩዎ ኣይኰነን። እቲ ናይ ውሽጥና ግዜ ዝጠለቦ ግዜ እየ ዝብለካ ዘለኹ። ምኣስ ምዃኑ ግና ኣይፈልጥን። ክልተና ሐሓደ መስመር ናይ ግጥሚ እንተዄንና፡ ቅኒት ረምታና ምስ ሰመረ ክንራኸብ ኢና። ዛጊት ግን ናዕታና ሃሪሙ ከም ዘሎ ይስምዓኒ ኣሎ።”

“ከም ዝመስለኒ፡ ግጥሚ ብዘይ ናዕታ ክህሉ ይኽእል’ዩ። ብዘይ ረምታ ግን ዘይከኣል’ዩ። ስለዚ፡ ረምታና እንተ ሰሚሩ ቅኑዕ ርክብ ክኸውን ማለት’ዩ።  ተረዲኡኒዶ ይህሉ ኣበሃህላኺ፧”

“ናዕታ ወይ ቤት ምስ ሃረመ፡ ግጥሚ ዝዀነ ክመስል ይኽእል’ዩ፣ ግና ኣይኰነን። ግጥሚ ዘብሎ ናዕታ ኣይኰነን። ግጥሚ፡ ምግጥጣም ማለት’ዩ። ዋላ ብኢንግሊዝኛ’ውን ትርጕሙ ተመሳሳሊ’ዩ። እቲ ምግጥጣም ግን ናይ ሓሳባትን ግዜን ቅኒት እዩ፣ ምህራም ናይ መወዳእታ ፊደል ኣይኰነን። ከምኡ እንተ ዝኸውን እቲ መጀመርታ መስመራት ናይ ‘ቀንዴል ጸልማት’ ግጥሚ ኣይምዀነን።”

“ቀንዴል ጸልማት – ኣይፈልጣን’የ ‘መስለኒ ትዝክርያ ድኺ፧”

“ተዋጋ

 ብሕጂ ዝዋጋ

 ድጉን ሓርበ

ንናጽነትን ተስፋኣን ዝነብ

… እዚአን እተን መጀመርታ መስመራት እየን”

“መን’ዩ ገጣሚኣ፧”

“ግርማይ ገብረመስቀል’ዩ። ኣብ መዝሙር ተጋዳላይ እትብል እካበ ግጥምታት ተጋደልቲ፡ ምሉእ ትሕዝቶኣ ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ መስመራት’ዚ፡ ናይ መወዳእታ ፊደል ስለ ዘይተቓደወ፡ ግጥሚ ኣይኰነትን ክትብል ትኽእልዶ፧”

“ኢ፡ እ፡ ኛ፡ ር ብዝብሉ ፊደላት’ዩ ዝውድእ። ሓደ ፊደል’ኳ ኣይተደግመን። ከንብቦ እንከለኹ ግና ግጥሚ ምዃኑ ተሰሚዑኒ። ጽሒፎም ከርእዩኻ እንከለዉ  ጽቡቕ’ዩ። ግጥሚ ብዘይ ናዕታ ክብድ ዝብል ኰይኑ ይርኣየኒ። ናዕታ ንሓደ ግጥሚ ዜማ ስለ ዝፈጥረሉ ተዘካሪ ክኸውን የኽእሎ’ዩ።”

“ልክዕ ኣለኻ። ኣገጣጥማኻ  ልሙድ  ካብ ምዃን  ግን የድሕነካ’ዩ። ዋላ ምሉእ ግጥሚ ኣይኹን፡ ንገለኡ መስመራት ግን ናጻ-ነግሒ (ፍሪ ቨርስ) ገይርካ፡ መለሳ ክትፈጥር ትኽእል ኢኻ። ደሓር ከኣ ናዕታ ማለት፡ ኣብ መወዳእታ ምህራም ጥራሕ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ቅድሚት፡ ማእከልን ድሕሪትን ክኸውን ይኽእል’ዩ።”

“ንኣብነት፧”

“ይዝክሮዶ ትብለኒ፧ ኣብ ዝመጽእ ረቡዕ ተዳልየ ሒዘልካ ክመጽእ’የ።”

“ሕራይ። በሊ ነቲ ናትና ምርኻብ ወይ ምፍላጥ ምስ ረምታን ናዕታን ገይርኪ ዝገለጽኪዮ ቀጽልለይ። ሰባት ክራኸቡ እንተዀይኖም፡ እቲ ናቶም ምርኻብ ግድን ድዩ እቲ ፍጹም ቅድወት ክኸውን ዘሎዎ፧”

“ኣይኰነን። አረ ኣቲ ኣንጻሩ ዝምዘን’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ።”

“እሞ እንታይ ደኣ ቅኒት ረምታና ምስ ሰመረ ኢና ንራኸብ ዝበልክኒ፧”

“ንሱ እቲ ጥርዚ ብራኸ  ክኸውን  ይኽእል’ዩ።  ክንሓስብ  ወይ  ኣብ ኣእምሮና ስእሊ ከነቐምጥ እንከለና፡ ነቲ ፍጹም ነገር  ኢና እነቕርብ፡ ኣሚንና እንተ ሰጕምና ከኣ ብተዛማዲ ናብኡ ዝቐረብና ንኸውን (ኣብ ክውንነትና)። ሕልምኻ ንእሽቶ እንተዀይኑ፡ ኣብ ግብሪ ካብኡ ዝነኣሸ ትኸውን። ዓቢ እንተዀይኑ ድማ ካብቲ ዓቢ ዝነኣሸ ትኸውን። ካብ ናይቲ ንእሽቶ ንእሽቶ ምዃን፡ ናይቲ ዓቢ ንእሽቶ ምዃን ይበልጽ። ከም ዝመስለኒ ኣብ ዝበዝሑ ዝምድናታት፡ እቲ ዝበዝሕ ምግጣም – ፈኲስ ናዕታ ኰይኑ’ዩ ዝርኣየኒ።”

“ከምዚ ብ‘ና’ ወይ ‘ካ’ ዝውድእ ግጥሚ ማለትኪ ድዩ፧”

“እወ። እቲ  ምግጥጣም  ሓያል  ኣይኰነን። እቲ ዝመስለና ይዓቢ።  ኣብ ፍቑራት እንተ ርኢኻዮ’ውን ከምኡ’ዩ። ‘የፍቅረካ ወይ የፍቅረኪ’ ኢሎም ከይተነጋገሩ ንፍቕሮም ዝቕበሉዎ ሒደት’ዮም። ዝተጋጠምካ መሲሉካ ትኽጽል ትጸንሕ፡ ግዜ ምስ ወሰደ ግራናጆኻ ሓቒቑ ይጸንሓካ። ብድሕሪኡ፡ ምጭኽኻን ይመጽእ። ኣብ መዝገበ-ቃላት ፍቕሪ ምጭኽኻን ምጽልላእ ዝብል ቃልዶ ደኣ ኣሎ እዩ፧ ኣይመስለንን። እቲ ምስ ግዜ ዝበሊ ኵሉ፡ እቲ ናይ ፈኲስ ናዕታዊ ምግጥጣም’ዩ። ናዕታ፡ ናይ ድምጺ ምቅዳው’ዩ። ረምታ ግና ቅኒት ሓሳባትን ግዜን’ዩ። ኣብ ትግርኛ ካልእ ቃል ስለ ዝሰኣንኩ እየ  ‘ግዜ’  ዝብል  ዘለኹ። ነቲ ‘ቴምፖ’ ዝብል ቃል ከም ዝውክል ገይርካ ሕሰቦ። ገላጺ ቃል ትፈልጠሉ እንተ ሃልዩካ ከኣ ንገረኒ፧”

“ኣብ ዝመጽእ ሓሲበ ክመጽእ’የ።”

“ሕራይ በል፡ ቈጸራ ኣኺላትኒ ክኸይድ፧!”

“ሰላም ቅነ።”

“እባ እቲ… ምዃን ደሓን ኣብ ዝመጽእ ንዘራረበሉ – ሰሰናዩ።”