ኣብ ፊት ካቴድራለ ኣብ እትርከብ ካፈ ኮፍ ኢልና ነዕልል ነይርና። ጨሓሒመ፡ ወዘልዘል ኢለ ነይረ። ከምኡ ኢለ’ውን ኣለኹ።
“እቲ ግኒኻ ከይዱልካዶ፧” – ሓተተኒ ማይክ (ሚካብ)።
“ኣይከደለይን።”
“ኣጀልጦ ምሽ ኢለካ፧”
ስሒቐዮ። እባ ፍሽኽ ኢለዮ። ረሲዐዮ እየ’ምበር፡ ንሰሓቕ ዝኸውን ሓይሊስ እባ የብለይን።
“ብዙሕ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ፧” ኢሉኒ።
“ብዙሕ ኣይኰንኩን” በልኩዎ፣ ሓሲየ እየ። ብዘይቈጻጸሮ ሓሳብ ተሓሚሰ ኣለኹ። ውሽጠይ ገሊሀ ግን ንሓደ ሰብ’ኳ ኣየርኣኹን። ሓባእ ቍስሉ እየ። ቍስለይ ከርኢ ከም ዘለኒ ዘርኣየኒ የሎን። ዝመሃረኒ የሎን። ዘውጓዓኒ ስነ-ጽሑፍ የሎን። ቍስለይ ሓቢአ፡ ዋላ ሓደ ከም ዘይኰንኩ ክመስል’የ ተማሂረ፣ ክኢለዮ ከኣ።
“ዲፕረሽን ክኸውን ይኽእል’ዩ። you are an engineer, you re an artist. You have a good future. ኣብ መስትያት ቀሪብካ፡ ነቲ ኣብ መስትያት ዘሎ tell him who you are.“
“መስትያት ዘይብለይ!”
ስሒቑ። ፍሽኽ ኢለ። ምስለይ ዝርእየሉ፣ እንታይ መሲለ ከም ዘለኹ ዝርእየሉ መስትያት የብለይን። ምስሎም ዝርእይሉ መስትያት ዘሎዎም ክንደይ ይዀኑ፧ ክስእሎም ኣይከኣልኩን። ኣብ ዓድና እተሰርሐ መስትያት፡ እንተ ከፊእና ከፊእኩም ኣለኹም። እንተ ጸቢቕና እዚ’ዩ ግርማኹም ዝብለና የብልናን። ሓሳበይ ይቕጽል ነይረ።
“ሙዚቃ ትሰምዕዶ፧” ሓተተኒ።
“እወ።”
“ነዚ ናይ ሎሚ ደርፍታት ከይትሰምዖ። ዋላ ንሱ ይኸውን ዘሕምመካ ዘሎ። ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ገዛ ተወሊዑ ይጸንሓኒ። ጸኒሑ ቀጨውጨው ይብለኒ። ከም ስርዓት እርበሽ። እንታይ’የ ኰይነ እብል። ደሓር የስተውዕለሉ። ከይትሰምዖም! ካብ ፍቖዶ ጕሓፋት ኣራርዮም ዝሰርሑዎ ሙዚቃ የሕምመካ’ዩ። ዋላ ኣብ ባር ኣብ ዝዀነ ኣይኣቱን’የ። ክሰቲ እንተዀይነ ኣብ ባር ዲያና’የ ዝሰቲ። take care ok. ዋዛ ከይመስለካ፣ ንስኻኮ intellectual ኢኻ። ምሳኻ ዝኸይድ ሙዚቃ ክትሰምዕ ኣለካ። ናይ ሞዛርት ወይ ቢትሆቨን እሞ ስምዓዮ፡ እቲ ሙዚቃ ምስ ተረድኣካ ደረጃኻ ክትፈልጥ ኢኻ take care ok.“ – ርእሰይ ነቕነቕኩሉ። ንጽባሒቱ፡ ንኢሳይያስ ዓርከይ ኣዕሊለዮ። ስሒቑ፣ “ሓቁ እዩ” ኢሉኒ። ንምሸቱ ናብ ህድሞና ከይድና ብጭራ ዋጣ ሳዕሲዕና። ነቲ ተጻዒኑኒ ዘሎ ከህድመለይ ተተስፍየ። ሰለስተ ሰባት ብሓንሳብ ሓዲርና። ንንግሆኡ፡ ኢሳይያስ ነቲ መቐመጢ ካሴተይ ክገላብጦ እንከሎ ብድቍሰይ ኰይነ እሰምዖ ነይረ። ኣብርሃም’ውን ተበራቢሩ የዕልሎ ነይሩ። “እዚኦም እንድዮም ዝጻወቱሉ ዘለዉ፡” እናበለ፡ ነቲ ካሴታት ይፈልዮ ነይሩ።
“እእ…እም! ትርእዮ ኣለኻ፧” ኢሉዎ። ኣነ ኮቦርታ ተሸፊነ እየ ነይረ። ድቃስ ስለ ዘይጸገብኩ ከኣ ክትንስእ ኣይደለኹን።
“ሓቁ እንድዩ ደኣ ‘ዝወዲ!” በለ። እታ ካሴት ክትወድቕ እንከላ ከኣ ተሰምዐት። ነተን ‘ኣሕሚመንኦ’ ዝበለን ንበይነን ይፈልየን ነይሩ።
“ኦይ! እዚ ወዲ ደኣ ባርዕ እንድዩ ዘድልዮ ዘሎ። ትርእዮ ኣለኻ፧” በሎ። ኣብርሃም ከኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ “ጻዕዳ ዓይነይ ከይግምጠል ምስ ኵሉም ወለደይ፡ ኣዕሩኽተይ…” በለ። ናይ መን ካሴት ደኣ ኰይና ኢለ ኮቦርታ ጋሊሀ ጠመትኩዋ። ፍሽኽ ኢለ። ምስ ርኣየኒ፡ “ኣይሓቅኻ እንዲኻ ክትሓምም!!” በለኒ። ነቲ ጽሑፍ ዘሎዎ ብጽሑፉ፡ ነቲ ዘይብሉ ከኣ እናፈተነ ፈለዮ። ካብ ገዛ ወጺእና ናብ ከተማ ከድና።
ንምሸቱ፡ ኣራንሺ፡ ባሽኮቲ፡ ጸባ ሒዘ ንገዛ ኣተኹ። ነቲ ኣቝሑ ወጋጊነ፡ ነቲ ‘ዘሕመመካ’ ዝበሉዎ ካሴታት ንኽጕሕፎ ንበይኑ ኣቐሚጠ ገዛ ወልወልኩ። ዝነበረ ረሳሕ ካልሰይን ብታንተይን ከኣ ኣለኽኩዎ። ጸባን ባሽኮትን ድሕሪ ምብልዐይ፡ ሓጺበ ሰጣሕኩዎ። ነዚ ኵሉ ክገብር ከኣ ናይ ኦሬንታልስ (ናይ ቻይና…) ኢንስትሩመንታል እናሰማዕኩ’የ። እቲ ዝበሉዎ ዳርጋ ኣመንኩዎ። ክልተ ካሴታት ናይ ሞዛርትን ቢትሆቨንን ከምልአን ከኣ ቀረብኩወን። ዓራት ኣንጺፈዮ። ተጋዲመ ኣራንሺ በላዕኩ። ጥዑም ኣይነበረን። ትርኢቱ ግን ይበል እዩ። ጽቡቕ’ዩ ኢላ’ያ ሸይጣትለይ።
ብድሕሪኡ ቅዱስ መጽሓፍ ኣንቢበ ደቀስኩ።
ሰላም ሰላም ሄኖክ፡ ሰባት ኮይናዮ ዘለና ክነብሮ እኹል ትብዓት ስለ ዘይብልና፡ ንግዳማዊ ትርኢትናን ጽባቐናን ከነቀባጥረሉ ነጥፍኦ ግዜ ክበዝሕ ጉድ’ዩ። ነብሱ ዝረኸበ ሰብ ግን ከም’ዚ ንስኻ ኮይንካዮ ዝነበርካ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝግብኦ። ወዘልዘል፡ ቀጨውጨው ይብል። ይጭሕምን ይልህልህን ውን። ኣብ’ቶም ኣወዚሎምኻ ዘለዉ ጥረ-ነገራት ዘሎ ግጥምን ዜማን ግን ንስኻ ጥራይ ስለ እትርድኦ፡ ምቁራት’ዮም። እዞም ናይ ሎሚ ዜማታት ምስማዕ ውን ንኽትመጽጽን ካምቻ ክትቅይርን ጥራይ’ዮም ዝረድኡኻ’ምበር፡ ነታ ዝረኸብካያ ውሽጥኻ ክትነብራ ሓገዝቲ ኣይኮኑን። ዜማ ሂወት ዝነግር ጥበብ’ምበር፡ ንሎሚ ዝቆጻጸ ደርፍታት ኣይኮኑን ዘድልዩኻ ኔሮም መስለኒ።
ዝተሰባበረ መስትያት ዝተሰባበረ ምስሊ ጥራይ’ዩ ዝህብ። ኣብ ዓድና፡ ውቁብ ምስሊ ሒዙ፡ ድኹም ሓሳባት ዝሸይጥ ክበዝሕ ጉዳም’ዩ። ንስኻ ነዚ ክትቅይር ዘጥፋእካዮ ግዜ እርኣየኒ’ዩ። እንቋዕ ካብ ውሽጥኻ ኣየምለጥካ ግዳ!!! እዚ ጽሑፍ ባህ ኢሉኒ።
ሰላም ሰላም ሄኖካ።