- ቈልዓ ከለኹ ቀዳም-ቀዳም ናብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ንምስታፍ ናብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ግዮርግስ ኣብ ዝኸድኩሉ፡ ብዙሓት ቈልዑ ብኣግርሞት ይጥምቱኒ ነበሩ። ሓደ ብጐድነይ ዝነበረ፡ “ንምንታይ ደኣ ናብዚ መጺእካ፧” ክብል ሓተተኒ።
“ጸሎት ክመሃር፧”
“ኣስላማይዶ ኣይኰንካን፧”
እዛ “ኣስላማይ ትመስል” ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ትደጋገመኒ ነበረት – ክሳዕ ዝጕብዝ።
2. ግዜ ሮሞዳን እዩ ነይሩ፣ ሓደ ሰራሒ ፊልም፡ ዝወድኣ ፊልም ከርእየኒ ኣብ ዝተቛጸርናሉ ሆቴል ንያላ ኣቐዲመ በጺሐ፡ መጽሓፍ እና’ንበብኩ ይጽበዮ ነበርኩ። ዓመተ ምሕረቱ ኣይዝክሮን – ሶማላውያን ኣብ ኣስመራ ዋዕላ ዝገብሩሉ ዝነበሩ ግዜ እዩ። ልዕሊ 20 ደቒቕ ገይረ እትሰምዓኒ ኣሳሳይት ኣይረኸብኩን። ወዮ ሰራሒ ፊልም ምስ መጽአ ግን ናባና መጺኣ፡ “እንታይ ክሰምዓካ፧” በለቶ’ሞ፡ ማክያቶ ኣዘዛ። ናባይ ግልጽ ኢሉ ድማ፡ “እንታይ ደኣ ኣይትእዝዝን ዲኻ፧” ኣስዓበ።
“እውይ ኤርትራዊ ዲኻ፧ ሶማላዊ መሲሉኒ’ምበር ክርእየካ እኮ ጸኒሐ እየ፡” በለትኒ ስንብድ ኢላ። (ጾም ስለ ዝነበረ እያ ዘይመጽአት)
3. ሓደ መዓልቲ ኣብ ባር ድያና ናብ ዝነበሩ ኣዕሩኽተይ ከድኩ። ኣብቲ በሪኽ ወንበር ተዀዪጦም እዮም ሓደ-ሓደ ዝብሉ ዝነበሩ። ብውሽጢ (ካውንተር) ዝነበረት ኣሳሳይት ሰብ በዚሑዋ ላዕልን ታሕትን ክትብል ጸኒሓ፡ “እንታይ ከምጽኣሉ፧” በለቶም። ንሶም ናባይ ጠመቱ፡ “ጅን ሃብኒ፡” በልኩዋ።
“ትግርኛ ትኽእል ዲኻ፧” ሓቢርና ሰሓቕና፣ “ሱዳናዊ ዲኻ፧” ኣስዓበት። ገና ትግርኛ ዝኽእል ሱዳናዊ ምዃነይ ጥራሕ እያ ትሓስብ ዝነበረት። ኣብ ኣስመራ ነዚ ዝመስል ካልእ ተመሳሳሊ ተጓንፎታት’ውን ነበረ።
4. ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሕለፍኩሉ፡ ገለ ክገዝእ ናብ ድኳናት ኣብ ዝኣትወሉ፡ ኣብ ዝበዝሕ ብእንግሊዝኛ ክዛረቡኒ ይቃለሱ ነበሩ። ኣብ ኣእምሮኦም ሓደ’ኳ ጥርጣረ ስለ ዘየሕድሩ፡ ዋላ’ኳ ብኣምሓርኛ እንተ መለስኩሎም ብእንግሊዝኛ ደኣ ይቕጽሉ። እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ተጓንፎ ካብ ከርና ምብዝሑ ይገርመኒ ነበረ። “ሓበሻ ኣይመስልን ድየ፧” ኢለ ድማ ንገለኦም ሓተትኩዎም – ኣዘውቲረዮ ዘይፈልጥ “ሓበሻ” ዝብል ቃል ካብ ኣፈይ ምውጻኡ እናሓደሰኒ። ደቂ ሸገር ኣብ ዘረባ ጭዋታት ስለ ዝዀኑ፡ ንሕቶይ ብጥንቃቐ ይሰግሩዎ ነበሩ። ክገዝእ ግዜ ምስ ወሰድኩ፡ ንገለኦም ዳግማይ ኣብ ዝሓተትኩዎም፡ ‘ኣፍሪቃዊ’ ከም ዝመስል ሓበሩኒ። ኣብ ቀራን ክፋል ናይዛ ኣህጉር ካብ ዝቕመጡ ህዝብታት፡ ‘ኣፍሪቃ’ ክብሉ እንከለዉ፡ እንታይ ማለቶም ምዃኑ ስለ ዝርድኣኒ ሕቶ ኣየስዓብኩን።
5. ናብ ካምፓላ – ኡጓንዳ ኣብ ዝኣተኹሉ ድሕሪ ውሑዳት መዓልታት፡ ቡን ክሰቲ ናብ ሓንቲ ምልክታኣ ብትግርኛ ዝተጻሕፈ እንዳ ቡን ኣተኹ። ብዓልቲ ቡን እንታይ ከም ዝደሊ ብእንግሊዝኛ ሓተተትኒ፣ ብእንግሊዝኛ መለስኩላን ዕላል ቀጸልናን። ብዘይካ ኣብ ምህሮ ምስ ደቂ ዓደይ ብእንግሊዝኛ ተዛሪበ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣዝዩ ስግንጢር ኰይኑኒ ተሸገርኩ’ሞ፡ ብልሳነይ ቀጸልኩላ – ሰንቢዳ ዓይና ፈጠጠት።
6. እንካረዮ ገዛ ረኺብና፡ ኣቝሑ ክገዝእ በይነይ ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝኸድኩሉ ኣጋጣሚታት፡ ኡጓንዳውያን ብቛንቋኦም ይዛረቡኒ። ብእንግሊዝኛ ምስ ቀጸልኩሎም ንእለቱ ይቕይሩ። ኣብቲ ሕመረት ዕዳጋ ካምፓላ፡ “ታውን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ፡ ኣዊኖ፡ ናካሴሮ፡ ሕትመት ዝርከቦ ናሳሮድ (ናሳር ሮድ) ወዘተ. ፖሊስ፡ ኤርትራውያን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ንዝገመቱዎም ወረቐት ክሓቱዎምን ብላዕ ክሓቱዎምን እንከለዉ፡ ዝዀነ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ከይሃለወኒ ከም ድላየይ ተመላለስኩ።
ሓደ መዓልቲ ብቦዳ-ቦዳ ናብ ርሑቕ እናኸድኩ፡ እቲ ዘዋሪ፡ “ካብ ምንታይ ዓዲ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ።
“ካብ ምንታይ ይመስለካ፧ ገምት፧” በልኩዎ።
“ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ፧”
“ኡጓንዳዊ ኣይመስልን ድየ፣ ከመይ ገይርካ ከምኡ ኢልካ፧”
“ብእንግሊዝኛኻ እየ’ምበር ኡጓንዳዊ ትመስል ኢኻ – ካብ ዓሌት ምኛንኮለ፡” በለኒ።
ካልእ መዓልቲ’ውን ሓንቲ ሰበይቲ ተመሳሳሊ ሕቶ ምስ ሓተተትኒ፡ “ኣብ ካልእ ሃገር ዝዓበኹ ኡጓንዳዊ እየ፡” ኢለ፡ ዓሌተይ ክትግምት ምስ ሓተትኩዋ፡ “ምኛንኮለ፡” በለትኒ።
መወዳእታኡስ ዓሌተይን ሃገረይን ረኺበ ኢለ ድማ ሰሓቕኩ።
ንታውን ክኸይድ ከሎኹ ቆርበት ገጽካ ከተለቅሓኒ ኢኻ። እንቋዕ ከኣ ኣርኪመድስ ኣይሰምዕ – ዩረካ መጻወቲ ጌርካዮ ምበለካ ነይሩ። ኣነሞ ብዙሕ ስሒቐ።
ቆርበት ገጽ ምልቃሕ የሎን ኣብርሃለይ፣ እዚ ክንደይ ዋጋ ዝኸፈልክሉ ጽልሚ እኮ እዩ ክክክ።