ሎሚቕነ ዝጋዕዘየት ኮምፕዩተረይ እናወጋገንኩን እና’ጽረኹን፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2006 ኣብ ጨርሒ ኮፍ ኢለ ዝጸሓፍኩዋ ንእሽቶ ጽሑፍ ረኸብኩ – ናብቲ እዋን ተመለስኩ። ቃለይ ከም ዘየኽበርኩ ድማ ተሰምዓኒ። ዝነደየ ነጋዳይ ሕሉፍ መዛግብቱ እዩ ዝፍትሽ. .
ጨርሒ፡ እታ ሓደ እዋን ዘበና መጺኡላ ዝነበረት መናፈሲ ቦታ’ያ። ሓያሎ መንእሰያት ክፋቐሩን ክፈላለዩን ርእያ። ክንደይ ሕሽዅታ ፍቝራት ሰሚዓ። ንኽንደይ ተቐቢላን ኣፋንያን። ገለኦም ትዝታ ሓዚሎም፣ ገለኦም በሰላ ተሰኪሞም… ብኣኣ ሓሊፎም። ንሳ ግን ኣሕሊፋቶም’ምበር ኣብኣ ኣላ – ከምኣ ኢላ። ጨርሒ፡ ሓበን ኣባሻውል፣ ግርማ ገዛ ብርሃኑ፣ ከውሊ ሓድሽ ዓዲ፣ ኣብቲ ዝባና ተጨሪሐ፡ ንኣስመራ ክርእያ ደስ ይብለኒ። መንፈስ ኣስመራ ኣበይ ምዃኑ ግን ይሕርብተኒ። እታ ናተይ ኣስመራ ኣየነይቲ እያ፧
ብቕድመይ ማእከል ከተማ ምስ ስሩዕ ህንጻታቱ ኣሎ። ብየማነይ ገለ ክፋል ኣባሻውል፡ ዕዳጋ ሓሙስ፡ ማይተመናይ፡ ቪያጂዳ፡ እምባጋልያኖ… ይርኣየኒ ኣሎ። ብጸጋመይ ገዛ ብርሃኑ፡ ዕዳጋ ዓርቢ፡ ሞደሽቶ፡ ደቦዚቶ፡ ፎሮቪያ… ተቐኒቱኒ ኣሎ። በዚ፡ ናብ ሕምብርቲ ኣስመራ ቀሪበ ከም ዘለኹ እስምዓኒ። ኣብቲ ማእከላ ምህላው፡ ኣብቲ መንፈሳ ምህላው ማለት ዘይክኸውን ግን ይኽእል’ዩ። ኣስመራ ኣብ ኢድ መን ኣላ ኣይፈልጥን። ንመን ሓቝፋ ንመን ትነጽጐ ክፈልጥ ምፈተኹ። ንመን ተሐንቅቘ፧ ንመን ሕንትኽቲኽ ተብሎ፧ ንመን እሾኽ ኰይና ምርጋጽ ትኸልኦ፧ ብዙሕ፣ አረ ማእለያ ዘይብሎም ሕቶታት ምደርደርኩ። ንዓይ ኵሉ ሳዕ ሕቘኣ ኣይትህበንን፣ ጽቡቕ ገይራ’ውን ሕቝፍ ኣቢላ ኣይተማምቘንን። ከም መስለምለሚት ጐርዞ ደኣ ወትሩ ተወናውነኒ፤ ከናፍራ እንተ ዝረኽቦም፡ ዕስለ ንህቢ ዕንባባ መሲሉዎም ክሳብ ዝዓልቡዎ ሕብርታት መሮር ገይረ ምቐባእኩዋ፣ መጋረጃ ሕሰማ ቀንጢጣ ኣጥባታ እንተ ትቐልዓለይ፡ ብልኡም ትሕዞይ መበራበርኩዋ፣ ኣፍደገ ፍልጠታ እንተ ትኸፍተለይ፡ ዓማጺኣ ክፈልጥ ካብ ሞንጎ ኣርት ዴኮ ኣስላፋታ ኣይምወጻእኩን፣ እህህታኣ እንተ ዝሰምዖ፡ ብግጥመይ ገይረ ምዘመርኩዎ፣ ቃና ባህታኣ እንተ ዝሰምዖ፡ ልበይ ኣጥፊአ ምዘየምኩዎ፣ ጸሓይ ኣዒንታ ደፊረ እንተ ዝጥምቶ፡ ብቕብኣይ ገይረ ዘልኣለማዊት ምገበርኩዎ. . .። ካብ ነዊሕ መገሻ ድቃሰይ ተበራቢረ ዓይነት ክፉት ኣብ ዘብለሉ መዓልቲ፡ ዕንባባ ኣቐብል እንተ ኣበለትኒ እንታይ ይፍለጥ ኢለ፡ ከም’ቶም ዝረሓቑዋ ኣይረሓቕኩዋን። ቍልዐይ ኣልየ ብምልኣት ኣዒንቲ ምእንቲ ክርእያስ ክህሉ እየ።