“ዝርርብ ብመገዲ ኢንተርነት” ብዝብል ኣብ ጥሪ 2007 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ጽሒፈ ነበርኩ፣ ክሳዕ 2010 ድማ ቀጺለዮ። እቶም ‘ብመሰንጀር’ ዘዋግዑ መንእሰያት ብኣካል ተራኺቦም ኣይፈልጡን። ውሑድ ካብቲ ረቡዕ ረቡዕ ዘዕልሉዎ ዝነበሩ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ሎሚቕነ ኣብ ኮምፒዩተረይ ጸኒሑኒ ኣንቢበዮ። መሸም ሕሉፍ ይናፈቕ እዩ – ገለ ካብቲ ኣብ 2007 ዝተጻሕፈ ተፈደሉ።
__________________________________________________________________________
– 1 –
ግዜ፡ ቅጭን ኩታኡ ገይሩ ሸነን እናበለ ክሓልፍ ክርእዮ ምፈተኹ
መሬት ብማይ ክረምቲ ጸጊቡ፡ እቲ ልሙዕ ቀጠልያ ኣቝጽልቲ ከኣ ንመንፈስ ጠማቲኡ የሐድስ ነበረ። ሻህራዛድ ካብ መገሻ ናብ ኣስመራ እናተመልሰት፡ ነታ እተንብባ ዝነበረት መጽሓፍ ዓጺፋ፡ ነቲ እትሓልፎ ዝነበረት ቦታታት እያ ብተመስጦ ትዕዘቦ ዝነበረት። ነቲ ቦታታት ብዙሕ እዋን ርእያቶ እያ። ክረምቲ ግና ቀጠልያ ክዳኑ ከዲኑ ፍሉይ ግርማ ሂቡዎ ነበረ። እቲ ሕሩስ መሬት ኣብ ሞንጎ እቲ ለምዒ ኰይኑ ፍሉይ ሕብሪ ይህቦ። እቲ ብማዕዶ ዝርአ ጐቦታት ከኣ ብደበና ተሸፊኑ፡ ጋቢ እተኸደነት ወረጃ ሰበይቲ መሲሉ ይርኣያ። ምስቲ ኣብታ ኣውቶቡስ እትሰምዖ ዝነበረት ህዱእ ሙዚቃ ሓዋዊሳ ከኣ እቲ ጕዕዞ ክነውሓላ ተመነየት። ግናኸ ኣይኰነላን፣ ኣስመራ ደኣ በጽሐት፣ ናብታ ናይ ናፍቘታ ከተማ።
ኣዕሪፋ፣ ናብ ከተማ ወጽአት – ናብ ኢንተርነት ካፈ። መዝገባ (መሰንጀር) ምስ ከፈተት፡ ብዙሕ መልእኽትታት’ዩ ጸኒሑዋ። መብዛሕትኡ ሓድሽ ነገር ስለ ዘይነበሮ ሕልፍ-ሕልፍ በለቶ። ነቶም መጺኣ ከም ዘላ ክፈልጡ እትደልዮም ንምሕባር፡ መላጕም ኮምፒዪተራ ጠወቐት፤
“ኣታ ተናፋቒ! ‘ኬድኪኸ ነይርኪ ድኺ፧’ ደኣ ከይትብለኒ’ምበር፡ መጺአ ኣለኹ። ሎሚ ኣትየ እየ ዝጽሕፈልካ ዘለኹ። ቈጸራ ግደፍ እሞ ከነዕልል፡” ዝብል ጽሒፋ ለኣኸትሉ። ካልኦት መልእኽታት’ውን ሰደደት’ሞ፡ ብድሕሪኡ፡ ደስ ዝብላኣ መርበብ ሓበሬታታት ከፊታ ምንባብ ቀጸለት። ክትወጽእ እናበለት፡ “እንቋዕ ከተማኺ ኣፍተወኪ!” ዝብል መልእኽቲ መጽኣ።
“ዌዌ…! ደሓንዶ፧ ኣታ…ታ ከመይ ኣለኻ፧”
“መስገኖ! ከመይ፧”
“ጽቡቕ። ይረኽበካ ኢለ ኣይሓሰብኩን። በል ምስ ርኣኹኻ ካብ ማዕዶ እናጐየኹ ብምቕራብ ከም ዝሰዓምኩኻ ገይርካ ውሰዶ።”
“ሕራይ የቐንየለይ። ናፊቐኺ’የ ከኣ መስለኒ።”
“ኣነ’ውን ናፊቐካ። ንዓኻ’ኳ እቲ ግዜ ኣይፍለጠካን ይኸውን። ህይወት ኣብ ኣስመራ ቍልጡፍ እዩ።”
“ክንደይ ኢኺ ገይርኪ፧ ግዜ በየን ሓሊፉ ዋላ ኣይፍለጠንን ኣሎ። ክወግሕን ክመስን ጥራሕ እየ ዘርክበሉ ዘለኹ። ብዝዀነ ግን ኣይጸላእኩዎን – ይተዓዘር ግደፍዮ።”
“ሰለስተ ወርሕን ክልተ ሰሙንን እየ ገይረ። ንዓኻ ግን ክልተ ቅነ እየን። እቶም ግዜ ዝበሃል የሎን ዝብሉ እኮ ሓቃቶም እዮም። ግዜ ኣብ ርእስና እዩ ዘሎ’ምበር፡ ኣብ ሓቅስ ዘሎ ኣይመስለንን። ብዝዀነ፡ ‘ቢዚ’ ኢኻ ዘለኻ ማለት ድዩ… ኣሃሃ…። ኣነስ ‘ቢዚ’ ምዃን ኣይፈቱን እየ። ከስተውዕለሉ እንከለኹ ህድእ ዝበለ ዘገምታዊ ህይወት እዩ ዝምስጠኒ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ‘ይተዓዘር’ ክብል ኣይፈቱን። ኣሎ እንተ ዀይኑ እቲ ግዜ፡ ቅጭን ኩታኡ ገይሩ ሸነን እናበለ ክሓልፍ ክርእዮ ምፈተኹ። እቲ ኣብ ሞንጎ ጸሓይ ብራቕን ዕራብን ዘሎ እዋን ክፍለጠኒ እደሊ። ዋላ ሽሕ ኪሎሜተራት ኣብ ሰዓት ሾቢበ፡ ንዅሉ ከም ዘየራኽበሉ እፈልጥ እየ። በዚ መሰረት፡ ካብ ናይ ኣስመራ ህይወት ናይ መታሕት ህይወት ይፍተወኒ። ካብ ናይ ምዕራባዊ ዓለም ህይወት ከኣ ናይ ኣስመራ ህይወት ይብርሃኒ።”
“ግዜ የሎን ክንብል ንኽእል ኣይመስለንን። ኣብዚ እዋን’ዚ ንጉስና ኰይኑ ኣሎ። ንኣብነት ንስኺ፡ ንሰለስተ ወርሒን ገለን ገይሽኪ ነይርኪ። ናይ ዓመት ክልተ ዓመት ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ብዙሕ ነገር ተቐዪሩ ምጸንሓኪ። ብፍላይ ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት እንተ ነይርኪ፡ ግዜ ሓሊፉኪ ይኸይድ እሞ፡ ምርካብ ክትስእኒ ትኽእሊ። እዚ ዘመን ናይ ሓበሬታን ቴክኖሎጂን ዘመን ስለ ዝዀነ፡ ኣብዚ እዋን ስንክልና ዝበሃል ዋሕዲ ሓበሬታ ምህላው’ዩ። ኣብ አእዋንካ ኢኻ እትነብር። ንኣና ከኣ ምስ ግዜ ምቅድዳም እዩ ዘድልየና። ብሰርቫንተስ እተጻሕፈት ዳን ኲዄተ ምሽ ኣንቢብኪያ ኢኺ፧”
“እወ! ቀጽል።”
“ዳን ኲዄተ እኮ ቅንዕና ነይሩዎ’ዩ። ነቲ ዝቐነነ ከቕንዕ፣ ንውጹዓት ፍትሒ ከምጽኣሎም… እዩ ተበጊሱ። እቲ ግዜ ግን ኣይሓለዎን። እቲ ናይ ፈረሰኛታት ህይወት፡ ኣብ መጻሕፍቲ እምበር፡ ኣብቲ ዳን ኲዄተ ዝነበሮ እዋን ኣይነበረን። ብጽልዋ እቶም መጻሕፍቲ ተደፋፊኡ’ዩ ዝብገስ። እቲ ሃቐናኡ ጽቡቕ’ዩ። እቲ ናይ ፈረሰኛታት ዘመን ግን ሓሊፉ’ዩ ነይሩ። ኣብ አእዋንካ ነናትካ ሽግር ኣለካ። እቲ መፍትሒኡ ከኣ ምስቲ ግዜ ዝኸይድ ክኸውን ኣለዎ። ንዕንቅፋታት ዘመናዊ ዓለም ብናይ ዘመነ እምኒ ብልሓት ተጠቂምካ ኣይትፈትሖን ኢኻ። ስለ ዝዀነ ከኣ ንሕና ካብቲ ግዜ ክንተርፍ የብልናን።”
“ኣሎ ምባል ሓሊፉካስ ከኣ ዝሓልፍ ገይርካዮ። ንኽትነብር ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ከም እዋኑ ክትነብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣነ ዝብል ዘለኹ፡ ንግዜ ብፍልስፍናዊ ዓይኒ ክንርእዮ እንከለና’ዩ። በቲ ዝበልካዮ እንተ ርኢናዮ’ውን፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ማዕበል ሓበሬታ በርቲዑና ኣሎ። ግብራዊ ህይወትናን ቅልጣፈ ቴክኖሎጂን ዘይዛመድ ኰይኑና፡ ኣብ ሞንጎ ተሪፍና ቀባሕባሕ ንብል ኣለና። እቲ ምዕባለ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ፡ ምዕውንዋን፡ እትመርጾ ዘይምፍላጥ ወዘተ. ዝፈጥረልና እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ገይርና ከም እንጥቀመሉ ክንፈልጥ ይግብኣና። ንመቐረት ህይወትና ዘጥፍኣልና እንተ ዀይኑ ግና ጸገም’ዩ። ንዓይ ዝያዳ ህይወት እያ እተገድሰኒ። ኣብቲ ዝቕመጠሉ ዝነበርኩ ዓዲ ዘለዉ ሰባት ዝስምዖም ወይ ዝርድኡዎ ህይወት’ዮም ዝነብሩ። ኢንተርነት፡ ጻዕቂ መካይን፡ ወረታት ማዕከናት ዜና… ስለ ዘይብሎም ትሑት ናብራ ይነብሩ ኣለዉ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ ዝፈልጡዎ ህይወት እዮም ዝነብሩ – መጠኑ ብዘየገድስ። ኣብዚ ዝርድኣና ህይወት ንነብር ዘለና ኰይኑ ኣይስምዓንን። ዘይንፈልጦን ጽቡቕ ገይሩ ዘይርድኣናን ድምጽታት ይበዝሓና’ዩ። ክዓርብን ክመስን ዘይፍለጠኒ ክኸውን እንከሎ’የ ካብ ኣስመራ ሃጽ በሊ ዝመጽኣኒ፣ ጸው ከኣ እብል። ብዛዕባ ነብሰይ ክሓስብ ግዜ ይረክብ። ኣብዚ ብዘይ ሕማምካ እዩ ኣእምሮኻ ዝመልእ። ንስኻ ምዕባለ ትብሎ ትኸውን። ንዓይ ግን ጠላሕ ከማን ኣይብለንን…ዋእ!”
“ዝሓላ! ዝሓላ! ’ንታይ ደኣ ረሲንኪን፧”
“ቀንጢኻኒ እንዲኻ።”
“ስምዕኒ! ንምንታይ ኢኺ’ባ፡ ናበይ ገይሽኪ ከም ዝነበርኪ ኣዕሊልክኒ ዘይትፈልጢ፧”
“ቅድሚ ሕቶኻ ምምላሰይ። እዛ ‘ስምዓኒ… ስምዕኒ!’ እትብል ቃል ካበይ እያ መጺኣትና ዘላ፧ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዕላሉ ስምዕኒ! ስምዓኒ! እናበለ ክጅምር ሰሚዐ ኣለኹ። ’ንታይ ከም ዝዀነትስ ዘይትብርሃኒ። ምስኦም ከለኻስ ስምዕኒ! ስምዓኒ! ይብሉኻ። ዘይስምዑ ድዩ ዝመስሎም ኰይኑ፧! ኣብ ኮሌጅ ማይ-ነፍሒ ጥራሕ እተዘርግሐት፡ ‘ካብኡ ናብኡ’ እትብል ሓጻር ልብ-ወለድ ኣላ። ጸሓፊታ ተማሃሪት ማይ-ነፍሒ ዮርዳኖስ ደሳለ እያ እትበሃል። ኣብ ምጭውቲ ከተማ ከረን ተማሃሪት ካልኣይ ደረጃ ከላ ዝጸሓፈታ ደስ እተብል መጽሓፍ’ያ። ኣብኣ’ውን ብዛዕባ’ዞም ‘ሰሚዕኪ!’ እናበሉ ዝዛረቡ ጽሒፋ ኣላ። ነብሰ-ምትሓት ስለ ዘሎዎም ዘረባኦም ዝስማዕ ኰይኑ ኣይስምዖምን’ዩ ብምባል ገሊጻቶም ኣላ – እታ ውልዶ ደራሲት። ነታ መጽሓፍ ምስ ርኣኹ፡ ሓደስቲ ወለዶ ነዚ ሕብረተሰብ ሻህራዛዱዶ ይዀኑዎ ይዀኑ ኢለ ተስፋ ኣንቢረ። ው…! ኣታ ብኡ ገይረ ድየ ጠፊአ ብዛዕባ ምንታይ ኢና ነዕልል ነይርና፧”
“ናበይ ቦታ ገይሽኺ ነይርኪ፧”
“ኣሃ! ኮነ ኢለ’የ ዘይነግረካ። ክጽሕፎ ስለ ዝሓስብ፡ እንተ ነጊረካ ክፈዅሰለይ እዩ። ጽሒፈ ምስ ወዳእኩዎ ግን ከተንብቦ ክሰደልካ እየ።”
“ሕራይ – የቐንየለይ። ናብቲ ናይ መጀመርታ ክመልሰኪ። ግዜ ህላወ የብሉን ክትብሊ እንከለኺ ከመይ ማለት’ዩ፧”
“ንግዜ ዘሎ ዘምስሎ፡ ፍጻመታት’ዩ። መዓልትን ለይትን ዝፍጠር፡ ብሰንኪ ዙረት መሬት’ዩ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረ ፍጻመ ክትዛረብ እንከለኻ፡ ነቲ እዋን ዘዘክረካ እቲ ናይ ሽዑ ፍጻመ’ዩ – እቲ ግዜ ብዓንደ-ርእሱ ኣይኰነን። ዝዀነ ተግባር ወይ ፍጻመ እንተ ዘይህሉ፡ ንግዜ ክትፈልጦ ኣይምኸኣልካን። ከምቲ ብዙሓት ዝብሉዎ፡ ንግዜ ኣእምሮና ዝወልዶ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ንግዜ፡ ከም ኣገልጋሊና ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና፡ ከምቲ ኣቐዲምካ ዝበልካዮ ንጉስና ገይርና ክንርድኦ ግን ዘይግብኦ ሽመት ምሃቡ ኰይኑ’ዩ ዝርኣየኒ።”
“ኣብ ፊዚክስ፡ ንግዜ ፍጥነት ኣብ ትሕቲ ርሕቀት (t = v/s) ገይርና ንገልጾ ኢና። ኣልበርት አንሽታይን’ውን፡ ንኽልሰ-ሓሳብ ተዛማድነት ክቕምር እንከሎ፡ ንግዜ ከም ራብዓይ ማእዝን ተጠቂምሉ እዩ። አንሽታይን ነቲ ዝነበረ ርድኢት ግዜ፡ ናብ እተሓላለኸ መገዲ ወሲዱዎ። ውዱእ መለክዒ ግዜ ከም ዘየሎ፡ እንታይ ደኣ፡ ኣብ ተዓዛቢ ከም ዝውሰን ገሊጹ። ንፈላስፋታት’ውን ንግዜ ናብ ዘየድሊ መኣዝን ወሲዶሞ ኢሉ ቍሩብ ኣማሪሩሎም ነይሩ። ነቲ መረረ ትደግሚ ከይትህሉዊ፧”
“ኣሃሃ..ሃሃ ኖኖ። ኣነ ብፊዚክስ ክርእዮ ይኸብደኒ እዩ – ኣይፈልጦን’የ። ዝያዳ ኣብ ህይወተይ ብእተሰምዓኒ ጥራሕ’የ ክርእዮ ዝኽእል። ብዝዀነ፡ አንሽታይን ብተዘማድነት ዝርኣዮ፡ እኹል መልሲ’ዩ። እዚ ከኣ ኣባና ከም ዝምርኰስ’ዩ ዘርእየና። እቲ ብፎርሙላ ገሊጽካዮ ዘለኻ፡ እቲ ደረቕ መለክዒ ግዜ’ዩ። ንኣብነት፡ ማይ ኣብ 100 ደረጃ ሰልሰስ ከም ዝፈልሕ ፍሉጥ ነገር’ዩ። ዝመሰጠካ መጽሓፍ እናንበብካ ክፈልሓልካ ትጽበዮ እንተ’ለኻ፡ ክቕልጥፈካ’ዩ። ስቕ ኢልካ ትጽበዮ እንተ’ለኻ ግና ክድንጕየካ’ዩ። እዚ፡ ግዜ ክሳብ ክንደይ ኣብ ኣእምሮ ክምርኰስ ከም ዝኽእል’ዩ ዘርእየና። ግዜ፡ ብዓይኒ ሳይኮሎጂ፡ ፊዚክስ፡ ባዮሎጂ፡ ፍልስፋና እናተራእየ ይፈላለ እዩ። በቲ ኮነ በቲ ግን፡ ንጉስና ዘይኰነ ኣገልጋሊና ገይርና ክንርድኦ ኣለና።”
“ጽቡቕ ሓሳብ’ዩ። እሞ ሕብረተሰብና ንግዜ ብኸመይ ኣገልጋሊኡ ክገብሮ ይኽእል፧”
“ሕብረተሰባት ነናቶም ኣጠማምታ ግዜ ኣሎዎም። ቀደም፡ ንግዜ ብወቕቲ፡ መዓልትን ለይትን… እዮም ዝዕቅኑዎ ነይሮም። ሎሚ ዘበን ግን እናተሓላለኸ መጺኡ። ”Kluckholm and Strodtbeck” ኢልካ’ሞ፡ ኣብ ጕግል ድለ።”
* * *
“እወ ረኺበዮ። ሰለስተ ዓይነት ባህሊ (ኣብ ኣረኣእያ ግዜ) ገሊጾም ኣለዉ። (1) ኣብ ሎሚ ዝጸቕጡ፣ (2) ኣብ ሕሉፍ ዝጸቕጡ፣ (3) ኣብ መጻኢ ዝጸቕጡ ኢሎም ፈላልየሞም ኣለዉ።”
“ከመይ እሞ ይርድኣካ፧”
“እቶም ኣብ ሎሚ ዝጸቕጡ፡ ንመዓልቲ ዝነብሩ እዮም። ብዛዕባ ሕሉፍን መጻኢን ክሳብ ክንድቲ ኣይግደሱን። እቶም ኣብ ሕሉፍ ዝጸቕጡ ከኣ ምስ ዝሓለፈ ሕብረተሰቦም፡ ባህሎም ታሪኾም ወዘተ ኣዝዮም ዝተኣሳሰሩ’ዮም። ንሎሚ ብትማሊ’ዮም ዝርእዩዋ። ሳልሳይ፡ እቶም ኣብ መጻኢ ዝጸቕጡ’ዮም። እዚኦም ኵሉ ነገራት ምስ ዝመጽእ’ዮም ዘተኣሳስሩዎ። ንመጻኢ ወለዶ ዝያዳ ይሰርሑ።”
“ንሕብረተሰብና ኣበየናይ ምመደብካዮ፧”
“ይኸብደኒ’ዩ። መጽናዕቲ ዘድልዮ ይመስለኒ።”
“ንስኻኸ፧ ወይ ከመይ ክትከውን ምፈተኻ፧”
“ኣቲ እንታይ ገበርኩኺ ተዋጥርኒ፧ እ!.. ንመጻኢ ዝጸቕጡዶ ምመረጽኩ፧”
“ዝድገም ህይወትዶ ኣለካ’ዩ፡ ንመጻኢ ክትሰርሕ፧ መጻኢዶ ይመጽእ’ዩ፧ ነብስኻ ኣሕሲምካ፡ ነቲ ከመይ ምዃኑ ዘይትፈልጦ ግዜ ሓመድ ድፋጫኻ ክትሰትየሉ ናይ ጥዕናዶ ትብሎ፧ መጻኢ ብዋጋኻ ክኸውን ተፍቅድ ማለት ድዩ፧”
“እሞ እታ ንመዓልቲ ምንባርዶ ትሓይሽ፧”
“ሎሚ ከኣ ንበይና ዘይትቐውም እንድያ ኰይና። ካብ ኢድካ ናብ ኣፍካ ዝዓይነቱ ህይወት ውሕስነት የብሉን። ክትረክብ ክትሕጐስ፡ ክትስእን ክትሕመስ ኢኻ ናብዝን ናብትን ትብል። ሎሚ ድማር ናይ’ተን ዝሓለፋ መዓልታት’ያ። እቲ ሎሚ ዝዘራእካዮ እኽሊ፡ ሎሚ ምህርቲ ኣይህበካን’ዩ። ስለዚስ ከመይ ኢልካ ኢኻ’ሞ ንሎሚ’የ ዝነብር ክትብል እትኽእል፧”
“ቀጽልያ በሊ፡ ነታ ኣብ ሕሉፍ ጸቒጥካ ምንባር።”
“ምእንቲ ኣቦታትካ፡ በቲ ዝና ናይ ኣቦታትካዶ ይንበር’ዩ። ንስኻ ደኣ ኣበይ ኣለኻ። ዳን ኲዄተ ዓይነት ትኸውን ማለት እኮ እዩ። እቶም ዝሓለፉ ናቶም ጸገም ነይሩዎ፡ ብናቶም መገዲ ከኣ ይፈትሑዎ። ንስኻ ከኣ ካልእ ኢኻ። ለውጢ ትደሊ፡ ቅድመኻ ዘሎ ወለዶ ከኣ ለውጢ ኣይቅበልን። ብናቱ ሕግታት፡ ብናቱ ሜላ ናብራ፡ ብናቱ ኣፋቕራ፡ ብናቱ ኣባኽያ ክትነብር ማለት ድዩ፧ ኣበይ ደኣ ኣለኻ ንስኻ፧”
“ክትብልዮ ዝደለኺ ሓደ ነገር ኣዘኪሩኒ።”
“እንታይ፧”
“ሓደ ግዜ ናብ ባርካ እናገሽና፡ ስሳ ዓመት ዘሕለፈ መሳርሕትና እንግሊዝን ጀርመንን ድሕሪ ቀዳማይን ካልኣይ ኲናት ዓለም ከመይ ከም ዝዀና ዘዕለለና ዘኪረ። እንግሊዛውያን ብዓወታት ሸጊጎም ብዛዕባ ሕሉፍ ዝተፈላለየ ትረኻታት ጅግንነት ከፍርዩን ክህልኹን እንከለዉ፡ ጀርመናውያን ድማ ንሕሉፍ ገዲፎም ኣብ ዕዮ ተጸሚዶም።”
“ዓወት ልዕሊ ውድቀት ጥንቃቐ የድልዮ እዩ። ዓወታትካ ኣብ ሕሉፍ ከም እትነብር ዝገብረካ እንተዀይኑ ሓደገኛ እዩ።”
“በሊ ካብዚ ምስ ወጻእኩ፡ ኣነ ከም ውልቀ-ሰብ ዝምድናይ ምስ ሕሉፍ፡ ህልው፡ መጻኢ ከመይ እዩ ኮፍ ኢለ ክሓስብ እየ።”
“በቃ ሓዲገካ ኣለኹ።”
“ቻው”
– 2 –
ብድሕሬኻ መጺአ፡ ኣዒንትኻ ዓሚተ ‘ኣነ መን’የ፧’ ዝብለካ ግዜ ይርኣየኒ…
“ሰላማት! ከመይ ቀኒኻ፧”
“ጽቡቕ። ብወገንኪኸ፧”
“ሰናይ። ሎሚ ግና ሃለኽለኽ ክብል ውዒለስ ቍሩብ ደኺመ ኣለኹ።”
“እሞ ዕላል ናባይ ማለት እዩ።”
“ከምኡታት’ዩ። እንታይ ኣሎ ሓድሽ፧”
“ሓድሽ የሎንዶ ኣይበሉዎን። እቲ ዝነበረ’ዩ ዝህሉ። ሰባት ኢና ሓደሽቲ ነቲ ጽኑሕ ተመኵሮታት።”
“ሕራይ! እንታይ ኣሎ ዝረኸብካዮ ጽኑሕ ተመኵሮታት፧”
“ሓንቲ ‘We the Living’ ዝኣርእስታ ናይ ኣያን ራን መጽሓፍ አንብብ ኣለኹ።”
“ኣብ ዝዀነ ገጽ ገንጺልካ በል ቍሩብ ጸሓፈለይ። ሓንሳብ ሓንሳብ ከምኡ ኣይጽላእን’ዩ።”
“ገንጺለ ኣለኹ። ሓዚ በሊ. . .”
* * *
“ኪራ እንታይ ክትሰርሒ ኢኺ እትደልዪ፧’ ክትብል ማርያ ፐትሮቭና ሓተተት።
“መሃንዲስ ክኸውን እየ ዝደሊ።”
“ብልብኺ ድኺ፧” በለ ቪክቶር ብምቚጣዕ፣ “ምህንድስና ንጓለንስተይቲ ዝኸውን ሞያ’ዩ ኢለ ኣይኣምንን’የ።”
“ኪራ!” በለ ኣሌክሳንደር ድሚትሪቪች ብወገኑ ሕርቕ እናበለ፡ “ንስኺ ንማሕበርነታውያን ፈቲኺዮም ኣይትፈልጥን ኢኺ። ነቲ ንሶም ዝፈትውዎ ሞያ ኢኺ ከኣ ትመርጺ ዘለኺ – ጓለንስተይቲ መሃንድስ!”
“እሞ ክትሃንጽሎም ኢኺ ማለት ድዩ፧” ሓተተ ቪክቶር።
“ምህናጽ ቃሕ ስለ ዝብለኒ እየ ዝሃንጽ።”
“ግን ክትፈልጢዮ ዘለኪ ኪራ!” ሊድያ ጠመተት ድንግርግር እናበላ፡ “እዚ ማለት፡ ርስሓት፡ ምስ ሓጺነ-መጺን፡ ዶሮና፡ ኣብቲ ትሕቲ ባውዛ ኴንኪ፡ ከምዚ ዝርሃጸ ሰብኣይ ምዃን ማለት እኮ እዩ። ደሓር ከኣ እተሰንየኪ ዝዀነት ጓለንስተይቲ ኣይክትረኽብን ኢኺ።”
“ስለዝዀነ’የ ከኣ ዝፈተኹዎ።”
“ደሓር ከኣ ብቐንዱ እኮ ንጓለንስተይቲ ዝኸውን እተለምደ ሞያ ኣይኰነን፡” በለት ጋሊና ፐትሮቭና። ኪራ ከኣ፡ “ዝዀነ ሓሶት ክመሃረሉ ዘይክእል እንኮ ሞያ’ዩ። ሓጺን ኵሉ ግዜ ሓጺን’ዩ። ብዙሓት ካብ ካልኦት ዓውድታት ስነ-ፍልጠት ግና፡ ናይ ካልኦት ሰባት ግምታት ወይ ርድኢታት’ዮም። ናይ ካልኦት ሰባት ባህግታትን ናይ ብዙሓት ሰባት ሓሶታትን’ዮም፡” በለት።
* * *
“ይኣኽለኪዶ፧”
“ኣጋጣሚ ዝገንጸልካያ ኣይትመስልን፧! ስለዝዀነ ዲኻ ፊዚክስ ተማሂርካ፧”
“ዎ! ኣጋጣሚ’ዩ። ገና’ውን ነዛ መጽሓፍ ኣይወዳእኩዋን ዘለኹ። ግና ንሳ ከምዚ ክትብል እንከላ፡ ሓደ ዒቕ ዝበላ ነገር ስለ ዝነበራ’ዩ። ኣነ ኵሉ ሞያታት ተመላላኢ ምዃኑ’የ ዝኣምን። ኣያን ራን ትፈልጢያ ድኺ፧”
“ክሳዕ እትጽሕፈለይ ኣብዚ ጕግል ብዛዕባኣ ቍሩብ ከንብብ ጸኒሐ። ኣላልየኒ በል።”
“ካብ 1905 – 1982 ብህይወት ዝነበረት ደራሲትን ፈላስፋን እያ። ቀንዲ ተመሳጢት ናይ ኣሪስቶትል ፍልስፍና እያ ድማ ነይራ። ‘ኦብጀክቲቪዝም’ ዝሰመየቶ መኣዝን ኣተሓሳስባ’ውን ፈጢራ እያ። ካብ ቈልዓ ሸውዓተ ዓመት እንከላ ኣትሒዛ’ያ ክትጽሕፍ ጀሚራ። ሓያል ኣንባቢትን ሓሳቢትን’ያ ነይራ። ኣብ ግዜ ቍልዕነታ፡ ኣስተማቓሪት ናይ ቪክቶር ህጎን ፍረደሪክ ኒቸን ነይራ። እዛ ቈንጪለ ዘንበብኩልኪ ከኣ ካብታ ቀዳመይቲ ልብ-ወለድ መጽሓፋ እያ። ዝያዳ’ኳ በታ ‘ዘ ፋውንቴን ሄድ’ ዘርእስታ ሳልሰይቲ መጽሓፋ እያ እትፍለጥ። ብዛዕባ ሓደ ክኢላ ናይ ስነ-ህንጻ እያ እትጸዊ። ግዜ ቍልዕነታ ኣብ ሩስያ እያ ኣሕሊፋቶ። መጽሓፍታ፡ ውልቃዊ ናጽነት ምስ እኩብ ኣተሓሳስባ ወይ ኣረኣእያ ክራጸም እንከሎ’ዮም ዘርእዩ። ብዝዀነ፡ ክንራኸብ ሕራይ እንተ ኢልኪ እተን መጽሓፍቲ ምሃብኩኺ ነይረ።”
“ሓደ መዓልቲ’ኳ ክንራኸብ ኢና። እታ መዓልቲ ግን ከመይ ትመስለካ፧”
“ምስ ተረኣኣና ንተሓፋፈር ኰይኑ ይስምዓኒ። ካብ ምሒር ስቕ ምባል፡ ብጽሑፍ ምዕላል ስለ ዝለመድና ወረቐት ኣውጺእና ነዕልል ይመስለኒ – ልማድ ሓያል’ዩ።”
“ከመይ ኢኻኸ ብዘረባ ምዕላል፧”
“ምስ ረኸብክኒ ትፈልጢዮ። እባ ንዓይ ደኣ ትፈልጥኒ ኢኺ፧”
“ኣይነገርኩኻን ድየ፧ መልክዕካ እየ ዝፈልጦ’ምበር፡ ክትዛረብ ኣይሰማዕኩኻን። ቅድሚ ምጋሸይ ግና ኣብ ከተማ እናዕለልካ ሓሊፍካኒ ነይርካ።”
“ምስኪናይ ብጐድነይ ይሓልፍ ከም ዘሎ’ኮ ኣይፈልጥን’ዩ ኢልኪ ስሒቕክኒ ትዀኒ፧!”
“ስንብድ ይብል’ምበር። ከምዚ ‘ንዒ!’ ኢልካ ሕዝ ተብለኒ’ዩ ዝመስለኒ። ኣብ ርእሲ’ቲ ጓለንስተይቲ ምዃነይ ብነብሰይ’ውን ስምዒተይ ክኽውል ኣይክእልን’የ።”
“ኣነስ እጠራጠር እየ። ስምዒትኪ ምቕባር ጽቡቕ ገይርኪ ዝተላመድኪዮ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ክሳዕ ሕጂ ክንራኸብ ሓሲብኪ ዘይትፈልጢ ምዃንኪ ይገርመኒ’ዩ። ሓቂ ይሓይሽ ሓንሳብ ሓንሳብ’ውን ወዲ’ኳ ይኸውን እብል እየ።”
“ኣሃሃሃ….ሃሃሃ”
“ኢሂ!”
“ብድሕሬኻ መጺአ፡ ኣዒንትኻ ዓሚተ ‘ኣነ መን’የ፧’ ዝብለካ ግዜ ይርኣየኒ ኣሎ። መዓስ’ዩ፧ ክመጽእ ድዩ፧ ግን ኣይፈልጥን።”
“ኣነ ከኣ መን ምዃንኪ ዝምልሰልኪ ባዕለይ እፈልጦ። ደሓን ሕጂ ይጽናሕ ካብ ዘይደለኽዮ። እንታይከ ኣሎ ካልእ…እ፧”
“ካልእ… እንታይ ሓድሽ ማለትካ ድዩ፧”
“ሕራይ ይኹነልኪ።”
“ሆሴ ኣርካዶ ኣዘኪርካኒ፣ ብገብርኤል ጋርሻ ማርኮዝ ዝተጻሕፈት። ‘One Hundred years of Solitude’ ኣንቢብካያዶ፧”
“ኖእ! ኣየንበብኩዋን።”
“ሓዝ በል ከዕልለካ – ንእሽቶ”
* * *
ሆሴ ኣርካድዮ ቡንድያ፡ ማኮንዶ ኣብ እትበሃል ቍሸት’ዩ ዝቕመጥ ነይሩ። እታ ዓዲ ብጐድና ዝሓልፍ ወሓዚ ኣለዋ። ተቐማጦኣ ከኣ ዕስራ ስድራቤታት’ዮም ዝበጽሑ። ሆሴ ኣርካዶ ጂብሲ ኰይኑ፡ ምርምር ዝፈቱ ሰብኣይ’ዩ። ማግኔትን ካልእ ነገራትን እናኣከበ ነቶም ደቂ ዓዱ የርእዮም። ን’ለንስ’ ኣብ ወተሃደራዊ መዓላ ከውዕሎ መጽናዕቱ ወዲኡ። ነቲ መጽናዕቱ ከኣ በቲ ዓዶም ገይሩ ብዝሓልፍ ዝነበረ መንገደኛ ገይሩ ናብ መንግስቲ ለኣኾ። (ርኣዮ’ሞ እቲ ግርህናኡ) መልሲ ተጸብዩ፤ ትጽቢት ነዊሑዎ ቀበጸ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ መጽናዕቲ ከዋኽብቲ ተጸምደ። ናብ ቃሕ ዝበሎ መኣዝን ክጅልብ ከም ዝኽእል’ውን ተረድኦ። ዓለም ከባብ ምዃና ከኣ ኣብ መደምደምታ በጽሐ። ሽዑ ንሰበይቱን ደቁን፡ “ዓለም ከባብ’ያ፣ ልክዕ ከም ኣራንሺ፡” በሎም። ሰበይቱ ዓቕላ ተጸንቀቐ፣ “ክትጽለል እንተ ደሊኻ ንነብስኻ ተጸለል። እቲ ናይ ጂብሲ ኣተሓሳስባኻ ኣብዞም ቈልዑ ኣይተስርጾ፡” እናበለት ብኣንጽርጽሮት ተዛረበቶ። ሆሴ፡ ንዅሎም ደቂ ዓዱ ኣኪቡ ርኽበቱ ኣካፈሎም። ግናኸ ከም እተጸለለ ገይሮም ደኣ ርኣዩዎ። መልኪያደስ ዝበሃል ምስ መጽአ ግና ነገራት ተዓረየ። ዓቢ ኣድናቘት ከኣ ሃቦ። ዓለም ከባብ ምዃና ኣብ ማካንዶ ክሳዕ’ቲ ግዜ’ቲ ፍሉጥ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ግናኸ ኣብ ዓለም ቀደም ኣትሒዙ እተፈልጠ ምዃኑ ሓበሮም። ነታ ዓዲ ግና ኣብ ምርምር ባብ ከም ዝኸፍተላ ተዛረበ። ሆሴ ኣርካድዮ፡ ነታ ዓዲ ምስ ምዕባለ ንከራኽባ ቦታ ቀየረ። ኣብቲ ሓድሽ ቦታኦም እናነበሩ ልኡኽ መንግስቲ መጺኡ ከመሓድረኩም እየ ምስ በሎም ዘሎ ድራማ ዝፈቱዎ ክፋላ እዩ…
* * *
“ኣለኻዶ፧”
“እወ። ቀጽሊ”
“ንሆሴ ኣርካድዮ። እቲ ፍልጠት ሓድሽ’ዩ። ግናኸ ዝነበረ’ዩ። ነቲ ሓድሽ ሰብ’ዩ ሓድሽ ዝመስሎ። ምስቲ ዝበልካዮ ትኸይድ’ያ። ”
“ቀጽልያ’ባ፧”
“ኣብ’ዘን ኣብያተ-ንባብ ኣይትስእናን ኢኻ – ነታ መጽሓፍ። ደኺመ ኣለኹ ክኸይድ።”
“ሕራይ በሊ፣ ኬድኪ ደቅሲ። ናብ ምንታይ መኣዝን ኢኺኸ ትድቅሲ፧”
“ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ፤ ካብ ርእሲ ናብ እግሪ ማለት’ዩ። ንስኻኸ፧”
“እ..ስ..ከ.. ካ..ብ ደብባዊ ምብራቕ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ።”
“ኤክስ (X) ሰሪሕና ማለት’ዩ። ‘ታይ ድኣ’ዩ’ዚ፧ በል ደሓን ሕደር።”
“ኣሜን…ቻው።”
– 3 –
ዓኾኻይ! ዓኾኻይ! ቍራዕ ሓምሊ ወጺኡ፡ ግዓት ጠስሚ ኣትዩ…
“ዓኾኻይ! ዓኾኻይ! ዓኾኻይ!”
“ተራኢኽኒ ካብ ቍመትኪ እትነውሕ ሽግ ሒዝኪ፡ እሞ ከኣ ነዲዳ ዘይትውዳእ!”
“እወ! ሓቅኻ እታ ናይ ሕልሚ ሽግ! እታ ትንግርታዊት ሽግ! ኣካ ንዓይ’ውን ተራኣየትኒ – ዕትዕት ከብላ። ኣታ መህረፊ ኣወናዊንካኒ።”
“ኢሂ፧”
“ድነኣ ጥራሕ እዩ ዝርኣየኒ። ዓይነይ መሊአ ርእየያ ኣይፈልጥን። ብምስልኣዊ እያ እትስምዓኒ’ምበር፡ ብግብርስ ጭላፋ እኳ ኣይተጓነፈንን።”
“እታ ሽግ ከመይ ኰይና ድያ ትርኣየኪ፧”
“ዓይንኻ’ሞ ዓምቶ። ዓሚትካዮዶ፧”
“እወ።”
“ኵሉ ሓሳባትካ እለዮ። ኣብ ጸልማት በዓቲ ተመሪሕካ ኣቲኻ ኣለኻ። ግብ ዝበለ ረዚን ጸልማት’ዩ። ከመይ ገይርካ ኣብኡ ከም ዝበጻሕካ ኣይትፈልጥን። ዓይንኻ ተኸፊቱ ኣሎ። ምኽፋቱን ምዕጻውን ግን ለውጢ የብሉን። ብኾፍካ ነዊሕ ገይርካ ኣለኻ። እንታይ ምገበርካ፧”
“ሃሰስ እናበልኩ፡ ምተንቀሳቐስኩ – ዕድለይ ክርኢ።”
“ብሃሰስ እናኸድካ እንከለኻ፡ ማዕሙቕ ጸኒሑ ጸዲፍካ። ተለሓሒጽካ ኢኻ። ቃንዛ በርቲዑካ ኣሎ። ብድሕሪኡ እንታይ ኢኻ ክትገብር፧”
“ዝረድኣኒ እንተ ረኸብኩ ገለ ድምጺ ምገበርኩ ’መስለኒ።”
“እንታይ ዝብል ድምጺ፧”
“እዋእ! የይ! ውውው!!!!!!!!!! ምበልኩ ኰይኑ ይስምዓኒ።”
“ድምጽኻ እናተጋውሐ፡ ካብቲ ናብቲ እናተላግዐ ርሑቕ ከም ዝበጽሐ ሰሚዕካዮ ኣለኻ። ርሕቀት እቲ ኣቲኻዮ ዘለኻ ብመንጽሩ ተረዲኡካ ኣሎ። እቲ የይ! ውውው!!!! ኢልካ ዝጨደርካዮ ድምጺ ክሃድእ ግዜ ወሲድሉ – እናተራብሐ ተዓዚሩ። ብድሕሪኡኸ፧”
“ሓንሳብ ስለ ዝጸደፍኩ፡ ክንቀሳቐስ ምፈራሕኩ። ኣማራጺ ስለ ዘይብለይ ግን ንኣሽቱ ኣእማን ሃሰስ ኢለ፡ ናብቲ ከባብየይ እናሰንደኹ፡ ክኸይድ ምፈተንኩ።”
“እቲ እምኒ ምስ ሰንደኻዮ፡ ክይድ ጸኒሑ ጦምቦላሕ! ዝብል ድምጺ ኣስሚዑካ ኣሎ።”
“ድሕሪ’ዚ፡ ምተጨነቕኩ፡ ብኸቢድ ዓቕለይ መጽበብኩ። ግዜ ምስ ነውሐ ተስፋ ቈሪጸ፡ ብድኻም ተሰኒፈ ምደቀስኩ። ሕልሚ ክዀነለይ ምተመነኹ፡ ብር ምስ በልኩ ኣብቲ ንቡር ህይወተይ ክህሉ ምተተስፈኹ።”
“ግናኸ ሕልሚ ኣይኰነን።”
“ካብዚ ንንዮስ እንታይ ከም ዝገብር ፈጺሙ ኣይሰኣለንን።”
“ነዚኣ እየ ደልየ። ኣነ ሃረር ዝብሎ፡ ኪኖ እዚ ዝበልካዮ ምኻድ’ዩ። ኵሉ ነገር ግብ ኣብ ዝብለካ እዋን፡ ዝህሉ ካልእ ተኽእሎ ክርኢ እምነ። ነቲ ‘በዓቲ’ ድንቁርና በሎ፡ ድኽነት በሎ ወዘተ. ነቲ ጸልማት ምእንቲ ክሰጎ ነታ ዘይትውዳእ ሽገይ ክጭብጥ ሃረር እብል።”
“በቲ ዝመስለኪ እናኸድኪ እንከለኺ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ኢድኪ እንተ ትጸንሓኪ እንታይ ምበልኪ፧”
“ዓኾኻይ! ዓኾኻይ! ቍራዕ ሓምሊ ወጺኡ፡ ግዓት ጠስሚ ኣትዩ እናበልኩ ናብ ፍቘዶ መሽጐራጉራት፡ ኣደባባያት፡ ዕዳጋታት ምዘርኩ። ገለ ኣብ መገዲ ዝጸንሑኒ ዝኣወሉ ሰባት ከኣ ኣንዲደ ምወላዕኩዎም – ከምቲ ቢለን ኣብ ድራማ ወግዒ ልቢ ዝገበሮ።”
“ከማይ ዝዓይነቶም ማለት ድዩ፧”
“ኣሃሃሃ… ማራ ጥሉል ዲኻ፧”
“ኣብ እቶን ክቕኒ ኣሎኒ። ግን ከኣ ደሓን፡ ነቶም ነቲ ዝጨበጥክዮ ዘይተረድኣና መርኣያ ሓጐስኪ ሕሩድ ገይርኪ ተብልዕና ትዀኒ ከምቲ ፓይታጐራስ ዝገበሮ።”
“ሓቅኻ ኢኻኮ፡ ብዝረኽቦ ጥቕሚ ገይሩ ዝርድኦ ብዙሕ ሰብ ኣሎ፣ ብመገዲ ከብዱ ዝርድኦ ኣሎ፣ ብመገዲ ክዳን ገይሩ ዝርድኦ ኣሎ ወዘተ. ካብ ሓድሕዱ ይፈላለ እዩ። ፓይታጐራስ ከምኡ ድዩ ገይሩ፧”
“ፖይታጐራስ ነታ a^2 + b^2 = c^2 እትብል ህብብቲ ፎርሙላ ምስ ተረድኣ፡ መርኣያ ሓጐሱ ሚእቲ ኣብዑር እዩ ሓሪዱ። (ነቶም ብኸብዶም ዝሰምዑ ኢሉ ግን ኣይኰነን) ንስኺ ከኣ መርኣያ ሓጐስኪ ብዕራይ እንተ ዘይሓረድኪ ዋላ ደርሆ ትሓርድልና ትዀኒ…. ንጸወታ እዩ።”
“ተረዲአካ ኣለኹ። ግና ‘ፓይታጐራስ ቴረም’ ክንመሃር እንከለና፡ መምህርና ብስሙ ተጸዊዓ’ምበር፡ ናቱ ኣይኰነትን ኢሉና ነይሩ።”
“እወ፡ ናቱ ክኸውን ናይ ካልእ ንጹር ገይሩ ኣይፍለጥን’ዩ። ሕሰብዮ እንዶ እቲ ግዜ፡ ቅድሚ 2,570 ዓመታት እኮ እዩ። ኵላ ህዝበይ ብዛዕባ ጣኦታት፡ ልምድታት፡ ጥንቆላታት… እናሓሰበት እንከላ’ዩ፡ ብዛዕባ ማተማቲክስ ዝመራመር ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ ሓደ ጕጅለ ኣቝሙ ብዙሕ ምርምራት ኣካይዱ። እዛ ብስሙ እትጽዋዕ ፎርሙላ፡ ዝምድናኣ ጥንታውያን ግብጻውያንን ባቢሎናውያንን ይርድኡዋ ነይሮም’ዮም። እቲ ተኣምራታዊ ሓሪም (ፒራሚድ)፡ በዚ ርድኢት’ዚ’ያ ተሰሪሓ። ግና ከም ዝበሃል ግብጻውያን ንዝምድና ቅኑዕ ስሉስ ኵርናዕ ብ3-4-5 ጥራሕ’ዮም ዝፈልጡዎ ነይሮም። ፓይታጐራስን ጕጅለኡን ግና ሓፈሻዊ ዝዀነ ርድኢት ፈጢሮም። እቲ ፍልጠት ካብ ግብጻውያን እዩ ተማሂሩዎ። ወዲ 23 ዓመት እንከሎ ናብ ግብጺ ብምዃድ 21 ዓመታት ተቐሚጡ ነይሩ’ዩ። ጂኦሜትሪ ዝመሃሩዎ ግብጻውያን ኣቕሽሽቲ እዮም።”
“እሞ ፋል እንተ ገበረለይ፡ ኣነ ዝኸፍሎ ኣብ ዝዀነ ኬድካ ዝግኒ ደርሆ ብላዕ።”
“ባዕለይ ዝሰራሕኩዎዶ ከይትብላ ደቂ ሎሚ። ብዝዀነ ከመይከ ቀኒኺ፧”
“ጽቡቕ ኣለኹ። ወርሒ መስከረም ደስ’ዩ ዝብለኒ። ጸሓይ በሪቓ እንብለሉ ወርሒ እንድዩ። መሬት ብቐጠልያን ዕምበባታትን ተሸሊሙ፡ ነቲ ዝሸወተ ኣእካል ዘንቅጽ መንጠሊና ይነፍስ ኣሎ። ሓምሊ ምብላዕ ከነቋርጽ ተስፋ እነማዕድወሉ ወርሒ’ዩ። ምህርትና ኣብ ቅድመና ይጽበየና ኣሎ – ካዕበት ይግበረልና። በረኸትን ሰላምን ዘሎዎ ይግበረልና። ኣእካልና ነቒጹ፡ ተዓጺዱ፡ ካብ ዓውዲ ናብ ኢድና ከብል’ዩ። ብድሕሪኡ ጥሪ ዕብዲ ክትመጽእ’ያ። ብዓል ጓል ንጓሉ፡ ብዓል ወዲ ንወዱ ከመርዑ እዩ።”
“ጥሪ ሕልፍ ክትብል እንከላ ብዓል ኣነ ከኣ፡ ኣታ ሎሚ ድማ ከሪመ/ ’ንታይ ’ሞ ይግበር ደኒንካ ምንባዕ’ምበር ክንደርፍ ኢና።”
“ወይለአን ’ተን ነብሰን ከም ዝኽእላ ገይርኩም ዘየዕበኹመን ደቀ’ንስትዮ’ምበር፡ ንስኹም ደኣ ’ንታይ ከይትዀኑ፧!”
“ኣጆኽን ደሓን – ኣውላድ ስኒ ጸባ’የ ምሰላ ዕምበባ’የ ምሰላ፤ ኣቲ ቈልዓ ዙርያ ጋመ’የ፡ ምሳኺ’ዩ ዘሎ ሕማመየ… ኣይላሎ – እናበልና ክንደርፈልክን ኢና።”
“ንሕና’ውን – ሓለንጋየ፡ ሓለንጋየ/ ብሰለለይ ከምታ ዓባይ ዓየ/ ምስ በሰልካ ክበልዓካ ሆየ… እናበልና ክንደርፈልኩም ኢና።”
“ምብሳል ኣቢናክን ዲና፧”
“እወ – ቍሩብ።”
“ግደፊ’ባ ኣይትጻረፊ፧! እሞ መቃባጠሪዶ ክንደርፈልክን.. ሓዚ በሊ፤ ከም ሻምብቘ ለይለይ ዝበለት’የ – ተቐበልኒ፧”
“ለይለይ ዝበለት’የ።”
“ኣይ ንሳ ’ንድያ ፍዮሪ ዓይነት/ ምሳይ ዝዓበየት። ተቘነንዮ ዘውዘው ዝበለ።”
“ዘውዘው ዝበለ!”
“ይመጽእ ኣሎ ርሑቕ ዝነበረ።”
“ይመጽእ ኣሎ ርሑቕ ዝተሰደ።”
“ይመጽእ ኣሎ በረኻ ዝሰፈረ።”
“ንደርብ በል! ኣታ ኣነስ’የ ደስ ’ናበለኒ ደስየ ክጻወት ደሞ! ኣብ ሩባ ሩባ ዓድኻ ጥዑም’ዩ ምስ መሓዛኻ – እዝም! ትእዝም! እቡም! ብእቡም!”
“የቐንየለይ – ረቡዕ ኣይትጥፍኢ ኢኺ።”
“ሕራይ – ሰላም ቅነ።”
– 4 –
ኣብ ምቅርራብ ዘሎ ናጽነት
ናብ ኢንተርነት ካፈ ምስ ኣተወ፡ ተቐዳዲሙ መዝገቡ (መሰንጀሩ) ከፈተ። እተፈላለዩ መልእኽታት ስለ ዝጸንሑዎ ከኣ በብሓደ ክርእዮም ጀመረ። ዝበዝሑ ካብ’ቶም መልእኽታት፡ ኣብ መንጎ ተጠቀምቲ ዝዘውሩ ጥቕስታት፡ ዋዛታት፡ ዳእላታት… ስለ ዝነበረ ከየንበበ ነጠሮ። ስምዒታት፡ ሓሳባት፡ ርድኢታት… ናይ’ቶም ሰደድቲ ዝያዳ ስለ ዝደሊ፡ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ተገዲሱ ኣየንብቦን እዩ። ኣብ ላዕሊ ግና ብዝሕ ዝበለ መልእኽታት ሻህራዛድ ስለ ዝጸንሖ ከንብቦ ጀመረ።
= “ክጽበየካ ጸኒሐ። ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣይመጻእካን። ብደሓንካ ክትከውን ተስፋይ እዩ። ኣብዚ መንጎ መዓልታት ኢንተርነት እንተ ተጠቂምካ፡ ደሃይ ግበር ኢኻ።”
= “ሕጂ ብዛዕባ ‘ኣሲምፕቶቲክ ፍሪደም’ እየ ከንብብ ጸኒሐ። ኣብ ሓደ ጽሑፍ ብገለ ኣትዩ ምስ ረኸብኩዎ፡ ገለ ንእሽቶ ኣምር ተሓዝኩ ብምባል ክርድኦ ፈቲነ። ግናኸ ኣቕብጽ ኣቢሉኒ። ከም እትፈልጠኒ ንፊዝክስ ኣነ’የ ዝፈቱዎ’ምበር፡ ንሱስ ገጽ ኣይህበንን እዩ። እቲ ‘ኣሲምፕቶቲክ ፍሪደም’ ዝብል ቃል ግን እንታይ ምዃኑስ ደስ ኢሉኒ። ክሳብ እንራኸብ ንእሽቶ መብርሂ ጽሒፍካ ግደፈለይ ኢኻ።” – ዝብል ክልተ መልእኽታታ ኣንቢቡ መልሱ በታ ዳሕረወይቲ ጀመረ።
“ከመይ ቀኒኺ ሻህራዛድ፧ ዝሓለፈ ረቡዕ ቈጸራ ምጥላመይ ኣይትሓዝለይ። ብደሓን ከኣ እየ። ምኽንያተይ ጸኒሐ ክጽሕፈልኪ እየ። መጀመርታ፡ ብዛዕባ ‘ኣሲምፕቶቲክ ፍሪደም’ ክዝክሮ ዝኸኣልኩ ክጽሕፈልኪ። ንስኺ፡ ካብቲ ሳይንስ ጽባቐ ከተውጽኢ ስለ እትደልዪ በቲ ንዓኺ ዝጥዕም ገይረ ክገልጸልኪ ክፍትን እየ።
“ክሳብ ሕጂ ዝፍለጡ፡ ኣብ ተፈጥሮ ኣርባዕተ ሓይልታት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ‘ደርማስ ኒኵለሳዊ ሓይሊ፤ ድዅም ኒኵለሳዊ ሓይሊ፡ ኤለክትሮ ማግኔታዊ ሓይሊን ስሕበታዊ ሓይሊን ተባሂሎም ይፍለጡ። ኣብ ካሪኵለምና፡ ነዞም ሓይልታት እዚኣቶም ኣብ 12 ክፍሊ ኢና እንመሃሮም። ብሕጽር ዝበለ ክንገልጾም እንከለና፡ እቲ ደርማስ ኒኵለሳዊ ሓይሊ (ስትሮንግ ኒኵላር ፎርስ) ንህይወትና ‘ክውን ወይ ውሑስ’ (ስቴብል) ዝገብሮ ሓይሊ’ዩ። እቲ ድኹም ናይ ራድዮኣክቲቭ ሓይሊ እዩ። ኤለክትሮ ማግኔታዊ ከኣ ድልዳለ ኣቶማት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ስሕበታዊ ሓይሊ ድማ ሓፍ ብዝበልናዮ በሪርና ከይንጠፍእ ይሕግዘና። ዝተጻሕፈ ታሪኽ ብዙሕ ሃጓፋትን ዘይንጹራት ሓሳባትን’ውን ገፋጊፉ ይኸይድ’ዩ። ‘ኣሲምፕቶቲክ ፍሪደም’ ከኣ ሓደ ኣብነት ናይዚ እዩ። ክሳዕ 1960ታት ስሕበታውን ኤለክትሮ ማግኔታውን ሓይልታት ጽቡቕ ገይሮም እተፈልጡ ኣምራት’ዮም ዝነበሩ። እቶም ምስ ኒኵለስ ዝተሓሓዙ ክልተ ግና ምስጢራት’ዮም ነይሮም። ተፈጥሮ’ውን ምስጢራ ትሓብእያ ’መስለኒ ጽቡቕ ገይሮም እተፈልጡ ኣይነበሩን። አረ ግጕይ ርድኢት’ዩ ነጊሱ ዝነበረ። በዚ መሰረት ከኣ ሓደ ሰውራ የድሊ ነይሩ። እቲ ‘ንሚእቲ ዓመት ኣይክፍለጥን’ዩ’ ዝበሃል ዝነበረ ከኣ፡ ብሓደስቲ ምሩቓት ተመሃሮ ኣብ መጀመርታ ሰብዓታት ብሩህ ኰይኑ።
“ኣብ ከሚስትሪ ከም እተማሃርክዮ፡ ‘ኣቶም’ እቲ ዝነኣሰ ነገር እዩ። ኒኵለስ ከኣ ኣብ ማእከል ‘ኣቶም’ ይርከብ። ፕሮቶናትን ኒዩትሮናትን ድማ እቶም ዝነኣሱ ደቀቕቲ ኣካል ናይ ኒኵለስ ከም ምዃኖም ጥራሕ’ዮም ዝፍለጡ ነይሮም። ተመራመርቲ ፊዚክስ ከኣ ኣብ 1960ታት እዞም ደቀቕቲ ኣካላት ንባዕሎም ብኻልኦት ኣዝዮም ዝደቐቑ ኣካላት ከም ዝቘሙ ተረድኡ፡ ‘ኳርኵስ’ ኢሎም ከኣ ሰመዪዎም። ዴቪድ ግሮስ ምስ ተመሃራይ ዝነበረ ፍራንክ ዊልዘክ ብምዃን’ዮም መጽናዕቶም ዘካየዱ። ክልተ ማግኔት እንተ ኣቀራሪብናዮም ብርቱዕ ሓይሊ ይህሉዎም። እንተ ኣረሓሒቕናዮም ግና ናይ ምስሕሓብ ሓይሎም ይደክም። ስሕበት መሬት’ውን እንተዀነ፡ ካብ መሬት እናረሓቕካ ምስ እትኸይድ እናደኸመ’ዩ ዝኸይድ። ኣብቲ ደርማስን ድዅምን ኒኵለሳዊ ሓይሊ’ውን ተመሳሳሊ ርድኢት’ዩ ጸኒሑ። እቶም መንእሰያት ተመራመርቲ ግና ነቲ ዝጸንሐ ኣረዳድኣ ልክዕ ብግምጣሉ ምዃኑ ንዓለም ነገሩ። ነቲ ብዙሓት ሊቃውንቲ ፊዚክስ ውሪግሪግ ዝብሎም ዝነበረ ድማ ብድሙቕ ብርሃን ወልዕሎም። ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ኣውጽኡዎም።”
“ዌ…. እንቋዕ ብደሓን መጻእካ! ከመይ ደሓንዶ፧”
“ጽቡቕ። ምኣስ ደኣ መጺእኪ፧ ንሕቶኺ እንድየ ክምልሰልኪ ክፍትን ጸኒሐ። ኣንብብዮ በሊ ጽቡቕ ገይርኪ።”
* * *
“ኣንቢበዮ። ግን ክሓተካ፡ ንምንታይ ‘ኣሲምፕቶቲክ ፍሪደም’ ኢሎሞ፧”
“ኣብ ብዙሕ ነገራት ከም እንርእዮ፡ ነገራት ክቀራረቡ እንከለዉ ሓይሎም ይውስኽ፡ ክረሓሓቑ እንከለዉ ግን ይጐድል. . .”
“ከምዚ ካብ ዓይኒ ገለለ ካብ ልቢ ገለለ እንብሎ ማለት’ዩ።”
“ኣሃሃሃ… ኣቲ ንስኽስ፧! ሓበሻ እንተ ዝነብሩ ብምስላታት እናገበሩ ምገለጽሎም ነይሮም ማለት’ዩ። ብዝዀነ ክምልኣልኪ፡ ነቲ ኣረዳድኣ ቀዪሮሞ’ዮም። እቶም ደቀቕቲ ኣካላት (ኳርኵስ) ክረሓሓቑ እንከለዉ መሊሱ’ዩ ሓይሎም ዝውስኽ። ክቀራረቡ እንከለዉ ከኣ ናጻ ይዀኑ። ብኸምዚ ይመስለኒ ‘ኣብ ምቅርራብ ዘሎ ናጽነት’ (ኣሲምፕቶቲክ ፍሪዶም) ኢሎም ዝሰመዩዎ።”
“ኣብ ታሽዓይ’ዩ ‘መስለኒ ኣብ ማትስ ‘ኣሲምፕቶት፡ ናብቲ መስመር ይቐርብ እምበር፡ ነቲ መስመር ኣይትንክፎን ወይ ኣይቆርጾን’ ዝብል ምስ ተመሃርና፡ ነቶም ምስ ኣዋልድ ዝቐርቡ ግና ክክክ መስመር ዘይሰግሩ ‘ኣሲምፕቶት’ ይብሉዎም ነይሮም። ንኣሲምፕቶት ዋላ’ቶም ኣብ ትምህርቲ ዘይግደሱ’ዮም ዝፈልጡዋ ነይሮም።”
“ምስኡ ዝተኣሳሰር መሲሉኪ ድኺ ሓቲትክኒ፧”
“ኖኖ! ዝያዳ እንክትቀራረብ ዝያዳ ናጽነት ይህልወካ ማለት ስለ ዘስምዓኒ’ዩ ደስ ኢሉኒ። ሕሰቦ እሞ፡ ኣብ ምርሕሓቕ ዘሎ ናጽነት ርዱእ እዩ። ኣብ ምቅርራብ ዘሎ ናጽነት ግን ምርቃና እዩ። ዝምድናታት፡ ሓዳራት. . . ከምኡ እንተ ዝዀኑ – ዝያዳ እንክትቀራረብ ዝያዳ ናጽነት እንተ ዝስምዓካ። ኣብ ፊዚክስ ንብዙሕ ምርምራት ጽቡቕ ኣስማት’ዮም ዝህቡዎም።”
“አረ ንሱ ጥራሕ ኣይዀነን፡ ንዅሎም መሰረታውያን ሓይልታት ተፈጥሮ ዘወሃህድ ኰይኑ ስለ እተርኣዮም፡ ‘ናይ ኵሉ ነገር ክልሰ-ሓሳብ’ (ትዮሪ ኦቭ ኤቭሪቲንግ) ኢሎም’ውን ይጽውዑዎ’ዮም። ነቲ ደርማስ ኒኵለሳዊ ሓይሊ ዝገልጽ ፎርሙላ ‘ቤታ ፋንክሽን’ ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ። ነቲ ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ዝነበረ ፎርሙላ ኣሉታ (-) ጥራሕ’ዮም ወሲኾምሉ። ኣብ 2004 ከኣ ዴቪድ ግሮስ ሽልማት ኖብል ረኺቡ። ንዝዀነት ፎርሙላ ኣሉታ ወስኽላ እሞ፡ 1.4 ሚልዮን ዶላር ክትረኽቢ ኢኺ።”
“ዝዀነ ስራሕ ምስ ተወድአ ቀሊል’ዩ ዝመስል። እቲ ናብኡ ክትበጽሕ ዝሓለፍካዮ ዝርድኣልካ የሎን። እዞም ኣብ እተፈላለየ ናይ ቴክኒክ ስርሓት ዝሰርሑ ሰባት ንምንታይ ቈጸራታት ከም ዘብዝሑ ትፈልጥዶ፧”
“ስራሕ ስለ ዝበዝሖምዶ ይዀኑ፧”
“ንሱ ጥራሕ ኣይኰነን። ንኣብነት ቴፕ ተበላሽያትካ ምስ እትወስደሎም ቀልጢፎም ኣዐርዮም እንተ ሂቦሙኻ፡ ኣብቲ ዘኽፍሉኻ ገንዘብ ኣይክትሰማማዕን ኢኻ። ቍሩብ ክትከፍል ጥራሕ ኢኻ እትደሊ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ኮምፒዪተሩ ተበላሽያ ናብ ዓራያይ ምስ ወሰዳ፡ እቲ ኣዐራዪ ኣብ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣዐርዩ ሂቡዎ። ገንዘብ ከኣ 500 ሓቲቱዎ። ‘ኣብ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣዐሪኻያስ 500፧’ ኢሉዎ። እቲ ኣዐራዪ ከኣ ‘ግዜ ዘይኰነ ኣእምሮ’ዩ ዘዐሪ’ ኢሉዎ። ሓቁ እዩ። እቲ ኣዐራያይ ብግዜ ስለ ዝሓስብ፡ ንሶም ከኣ ንብረትካ ኣብ ገዛኦም ኣቐሚጦም የመላልሱኻ፣ በቲ ዝጸንሓቶ ግዜ ከኣ እቲ ክፍሊት ምኽንያታዊ ትገብሮ።”
“ግን ከኣ ንሶም’ውን ነቲ ዝሰርሑዎ ከጋንኑዎ ወይ ምስጢራዊ ክገብሩዎ ይደልዩ እዮም። ጸገማ ሓንቲ ንእሽቶ ምዃና ምስ ፈለጡ፡ ፈሊጦም ንዅሉ ኣካላ ይፈትሑዋ። ዋላ ሓደ ዘይቀየሩ ክንሶም፡ ዝተበላሸወ ኣካል ከም ዝተክኡላ ይነግሩኻ። ብድንቍርና ናይቲ ሰብ’ዮም ዝነብሩ። ብወገነይ ስንፍናና እዩ’ምበር፡ ብዙሕ ባዕልና ክንገብሮ እንኽእሎ ነገራት ኢና እንወስደሎም። መብዛሕትኦም ካብቲ ክእለቶም ዶሮናኦም’ዩ ዝዓቢ።”
“ዝረኸቡኻ ኢኻ እትመስል”
“ስለ ዘስተባህለሎም ከይከውን። ሓደ ግዜ ኣብቲ ስራሕና ሓደ ሰራሕተኛ ቴክኒሻን ኮምፒዩተራት ኰይኑ ይመጻልኪ። ነቲ ንእሽቶ ነገር ከም ዓቢ ገይሩ’ዩ ከስርጸልካ ዝፍትን። ብዙሕ ፍልጠት ስለ ዘይነበሮ፡ መጠንቀቕታ ጥራሕ ኣብዚሑ። እቲ ዝፈልጦ ንኣሽቱ ነገራት’ውን ንሰብ ከካፍል ኣይደልን’ዩ። ፍልጠቱ እናሓብአ ክበልዕ ዝደሊ ሰብ እኳ ኣይፈቱን።”
“ጽናሕ ከቋርጸካ ብዛዕባ’ዚ ካልእ መዓልቲ ነዕልለሉ ንኸውን። ረቡዕ ናበይ ጠፊእካ – ቈጸራ ተጥልም ረኺብካ ድኻ፧”
“ሃንደበት’ምበር ገይሸ። መልእኽቲ ክገድፈልኪ ሓሲበ ነይረ። ግዜ ግን ኣይረኸብኩን።”
“ናበይ ደኣ ገይሽካ፧”
“ናብ ሓምላይ ቅናት ኤርትራ።”
“ዎው! ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ! በልስከ ኣዕልለኒ። ንመጀመርታኻ ድኻ ኬድካዮ፧”
“እወ።”
“ከመይ’ሞ ረኺብካዮ፧”
“ግርም’ዩ ኢሉኒ። ብተመስጦ ምኽኽ እየ ኢለ። ኣብ ዝመጽእ ጽቡቕ ገይረ ከዕልለኪ እየ። ሕጂ መኽፈሊ ናይዚ ኢንተርነት ዝተጠቐምኩዎ ከይስእን ክኸይድ።”
“ሕራይ በል- ሰሰናዩ።”
“ቻውውውውውውውውው።”
– 5 –
ክልተና ሐሓደ መስመር ናይ ግጥሚ እንተዄንና፡ ቅኒት ረምታና ምስ ሰመረ ክንራኸብ ኢና…
“ናይ ምጽሓፍ ባህሊ እንተ ዝህልወና እኮ፡ ኵሉና ተተመኵሮና ምጸሓፍና። እዞም ጸዓዱ ብዛዕባ ኣስመራ ኣብ ኢንተርነት ዝጽሕፉዎ ግርም’ዩ ዝብለኒ። ገለኦም ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ኣብዚ ዝጸንሑ’ዮም። ተምሳጦም ግና ጽቡቕ ገይሮም ይገልጹዎ። ከንብቦ እንከለኹ ከኣ፡ ‘ኵሉ እባ ክጽሓፈሉ ዝከኣል’ዩ!’ እብል። ንሕና ብዙሕ ህይወት ርኢና ኢና ግን ምጽሓፍ ኣይተላመድናን። ንኣብነት፡ ህይወት ቤት-ትምህርቲ፡ ተዘክሮ ማእቶት፡ ኲናት፡ ኵነታት… ወዘተ. ገለ ካብቲ ዝተመኰርናዮ እዩ። ብዛዕባኡ ግን ዕብይ ብዝበለ መገዲ ዝተጻሕፈ ኣንቢብና ኣይንፈልጥን። ብውሑዱ ሓያሎ ዳያሪታት ክህልውና ምተገብአ። ኣይመስለካን፧”
“ሰላምታ ተሪፉ ድዩ፧ ከየዕለልኪ ድኺ ቀኒኺ – ነዚ ዕላል ብዘይ ሰላምታ ቲፎ ኣቲኽዮ፧”
“እኸውን’የ፣ ካብ ገዛ ኣይወጻእኩን ቀንየ። ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ንመጀመርታ ግዜይ ገይሸ ምስ በልካኒ፡ ንገዛ እናኸድኩ ይሓስብ ነይረ። ኣብ ከባቢና ዘሎ ግናኸ ዘይንፈልጦ ብዙሕ’ዩ። ርሑቕ ከይከድካ ኣብ ዳዕሮቓውሎስ ስነጥንታዊ ቦታ ኣሎ። ብእግርና’ውን ክንበጽሖ ንኽእል ኢና። በጺሑዎ ዝፈልጥ ግን ውሑድ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ከም መቐጸልታኡ’የ ‘መስለኒ ዝል ኢለ ኣብ ዘረባ ኣትየ። ደሓር ከኣ ዝሓተካን እትምልሰለይን ዘይፍሉጥ’ዩ።”
“ሓቅኺ ኢኺ። ኣብቲ እንነብረሉ ዓዲ ዘሎ ነገራት’ውን መብዛሕትኡ እዋን ጽቡቕ ገይርና ኣይንፈልጦን። ንኣብነት፡ ኣብ ሰንዓፈ ንቕመጥ እንተዄንና፡ ተዘሪቡ ዘይውዳእ ዛንታ ኣሎና። እቲ ምምሕዳር’ውን ንኣጋይሽ ዝኸውን ናይ ሌላ ጽሑፍ ከዳሉ ይኽእል’ዩ። ኣብ ኣስመራ’ውን ካብ ህንጻታታ ኣትሒዝካ ዘገርም ዛንታታት ኣሎ። ኣብ ገግዜኡ ዝመጽኡ ጠባያት’ውን ኣለዉ ኣብ ምሉእ ከተማ ዝፍለጡ… ነዚታት እናኣከብካ ብዙሕ ቁውም-ነገር ክርከቦ ምተኻእለ። ውልቃዊ ተበግሶ ኣገዳሲ’ዩ። በቲ ሓደ ወገን፡ ናይ ከምኡ ባህሊ ዘይብልና ምዃኑ፡ በቲ ካልእ ከኣ እቲ መነባብሮና ኣየፍቅደልናን ከይከውን።”
“ተራ ይህሉዎ ይኸውን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ዓድና፡ ጽሑፍ ንስነ-ጥበበኛታት ጥራሕ ዝተሓዝአ’ዩ ዝመስል። ስለ ዝዀነ ከኣ ድምጾም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዓብሊሉ ይርከብ። እቶም መሃድሳት፡ ሓካይም፡ መምህራን፡ ናይ ሕርሻ ክኢላታት፡ ምሁራት ሕጊ… ወዘተኸ ኣበይ ኣለውዉ፧ ብጽሑፋት እናገበሩ ንቕሓት ከዕብዩ ይኽእሉ’ዮም። ጸሓፋይ ካልእ’ዩ፡ ስነ-ጥበበኛ ከኣ ካልእ’ዩ። ስነ-ጥበበኛ ፈጠራዊ ጽሑፋት ከም ግጥሚ፡ ልብ-ወለድ፡ ድራማ፡ ቅብኣ፡ ቅርጻ፡ ፊልም ወዘተ. ዘዳሉ ክኸውን እንከሎ፡ ጸሓፋይ ግና ብዛዕባ እተፈላለየ ዓውድታት ክጽሕፍ ዝኽእል’ዩ። ኣብ መሸጣ መጻሕፍቲ ዘይርካ እንተ ርኢኻ፡ እቲ ዝበዝሕ መጽሓፍቲ ልብ-ወለድ’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ውሑድ ናይ ታሪኽ፡ ጥዕና፡ ስነ-ልቦና፡ መግቢ መጻሕፍቲ ትረክብ። እዚ’ውን ሒደት’ዩ። ኣብቲ ልቢ-ወለዳት’ውን እንተዀነ፡ ብዓይነትን ብዝሕን ክትርእዮ እንከለኻ ኣሎ ክበሃል ኣይክእልን። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ፡ ጽቡቓት መጻሕፍቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ቅልቅል ኢለን ነይረን። ኣይቀጸለን። ትጽቢት ባህጉ፡ ሶፊያ… መሐወስታ ዕላላታትና ኰይነናና ነይረን’የን።”
“አረ ንፉዓት ሃየስቲ እንተ ዝህልውና ነይሮም፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ምተበሃሃልና። ፈታፊቶም ብዙሕ ኵርናዓት መጠመቱና። ነቲ ኣብ መንጎ ደራሲን ኣንባቢን ዘሎ ጋግ ከኣ መጽበቡዎ። ናይ’ቶም ኣብ ካልእ ዓውዲ ዘለዉ ሞያውያን ግን ዝገርም’ዩ። መምህራን ዩኒቨርስቲ ተባሂሎም እኳ መጻሕፍቲ ዝጽሕፉ ዳርጋ ዘይርኣና።”
“ናባኻ ክምለስ፡ ንኣብነት፡ ናይዛ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝኸድካያ ገለ ጽሒፍካዶ፧”
“እንታይ ደኣ ኣዘንጊዕኪ ኣኳሊምክኒ፧”
“ንዝዀነ ነገር ናባኻ ኣምጺእካ ክትርእዮ ጽቡቕ’ዩ።”
“ዳያሪ ዓይነት ገይረ’የ ጽሒፈዮ። ንእሽቶ እያ።”
“ዎ! ዎ! ይቕረታ፡ ውልቃዊ ነገር ከይከውን።”
“ጸገም የሎን። ብነብሰይ’ውን ብዙሕ ኣብ ምስጢር ኣይኣምንን’የ። እቲ ዝሰምዕ ዘሎ ሰብ ክርድኦ ዝኽእል ክሳብ ኰይኑ ዝተሰምዓኒ ብዙሕ ኣየገድሰንን’ዩ።”
“ንኣይ’ውን ከምኡ’ዩ ዝስምዓኒ። እቲ ዝሰምዕ ሰብ፡ ቅድመ-ግምት፡ ፍርዲ ወዘተ. ዝህብ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑኒ ግና ተራ ዕላል’ውን ይኹን ኣይመጸለይን’ዩ። ግርህና’ዩ ጥዑም። ብዝዀነ፡ ዳያሪኻ ቀጽል።”
* * *
ኣስመራ
ጸሓይ ኣብ ርእስና እንከላ ኢና ተኣኻኺብና፡ ምስ ገለ ካብ’ቶም ዝተኣከቡ ሰባት ሌላ፡ ምስ ገለኦም ከኣ ናይ ዓይኒ ምፍላጥ ነይሩና። ዝበዝሑ ከኣ ፈጺመ ርእየዮም ኣይፈልጥን። ምኽንያት ጕዕዞና፡ ናይ ብርሃናዊ መማህርትና ዕለተ-ልደት ንምብዓል’ዩ። ኣነ’ኳ ዕድመይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝኸደ ጽቡቕ ገይሩ ከየዘክረኒ ግዲ ዝፈርሕ ኰይነ፡ ዕለተ-ልደተይ ኣብዒለ ኣይፈልጥን’የ። ተበጊስና። ንኣስመራ ሕቘና ሂብናያ።
ኣብ 21 ኪ.ሜ ሰረጀቓ በጻሕና። ንጸጋም ተጠዊና ኣብ 29 ኪ.ሜ ንወኪ ደበኽ ክንብላ ግዜ ኣይወሰደልናን። በቲ ኣብ ትሕቴኻ ኰይኑ ዝርኣየካ ተሓቓቝፉ ዝተዓዝረ ኣኽራናት ተመስጦይ ጀመረ፣ “ናብ ሓምላይ ቅናት ኤርትራ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” እተጻሕፎ ታቤላ ሓሊፍና ጕዕዞና ቀጸልና – ኣካልና ኣብ ሚኒባስ፡ ኣዒንትና ኣብቲ ጐቦታት።
ኣብቲ ጐቦታት ዘሎ ቅርጽታት፡ ሕብርታት ኮታ እተፈላለዩ ትርኢታት ንልበይ መልኦ። ግጠም ግጠም መጺኡኒ ክነሱ ቢሮ ኣይሓዝኩን። እቲ ወኒ ጥራሕስ እኹልዶ ኣይኰነን፧! ሓንሳብ ሓንሳብ ካብቲ ዝግጠም ንላዕሊ እቲ ድፍኢት’ዩ ቃሕ ዝብለኒ። ኣርሒቕካ ነዊሕ ስለ እትርኢ፡ ኣብቲ ጠመተ ኣዒንቲ፡ ጸሓይ፡ ጽላሎት፡ ኣግራብ፡ ውሕላለ መልክዓ መሬት ፍርጥጥ ኢሉ ይጸንሕ። መለሳታት እልቢ’ዩ፣ ጠሚትካ ኣይጽገብን። ካብ 700 ክሳብ 2400 ሜትሮ ብራኸ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ከኣ ኣሎዎ።
መግኦ
መግኦ 43 ኪ.ሜ ካብ ኣስመራ ርሒቓ ትርከብ። ኣብቲ መገዲ ሰረጀቓ ሸባሕ፡ ሓንቲ ካብ’ተን መዕረፊ ዝተዳለወለን ቦታታት’ያ። ጽዑቕ ልሙዕ ኣግራብ ድማ ካብኣ ይጅምር። ካብቲ ኣጻድፍ እናተጠዋወና ንወርድ ነይርና። እቲ ልውይው ዝበለ ኣብቲ ኣጻድፍ እተሃንጸ ጽርግያ፡ ኣብ ሕቝፊ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ኰይኑ፡ ናይ ሰራሕቱ ጽባቐ ንኸተድንቕ ካብቲ ጐቦታት ስሒቡ ናብ ሕቝፉ የእትወካ። እቶም ዝሃነጹዎ መንእሰያት፡ ኣብ ዓይነ-ሕልናይ ተራኣዩኒ፣ ሓወልቶም’ዮም ሃኒጾም። እቲ ስራሕ ክሳብ ክንደይ በዳሂ ምዃኑ ተገንዚብካ ከኣ፡ ከም ዝዀነ ብሉጽ ነገር ሕቶ ዘለዓዕለልካ፡ ክስራሕ ከሎ ዝነበረ ብድሆታት፡ ዝወሰደ ግዜ… ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮይ መጽኡኒ። ብልበይ ከኣ ኣድናቘተይ ገለጽኩሎም። እቲ ጽርግያ ኵርናዓቱ፡ ጥውይዋያቱ መሳጢ እዩ። እቲ ጥውይዋይ ጐቦታት’ውን ብብዝሑን ብራኸኡን ካብ መንገዲ ኣስመራ ባጽዕ ንላዕሊ ንዓይኒ ጠማቲኡ ይማርኽ።
ሳቡር
ከይተፈለጠኒ መኪና ደው በለት። ክወርዱ ጀመሩ። ንዓይ፡ እቲ ጕዕዞ ሓጺሩኒ – ድሕሪ ናይ 50 ኪ.ሜ ጕዕዞ ሳቡር ኣተና። ጩቕጩቕታ ኣዕዋፍ ከኣ፡ “እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” በለና። ቍሩብ ሰጕመ ናብቲ ኣጻድፍ ቅልቅል ብምባል ክሳብ ደረት ትርኢት ኣማዕደኹ። ብዙሕ ነገራት ኣብ ኣእምሮይ መጽኣኒ – ብፍላይ እኳ ደኣ ህዝባዊ ሓይልታት። እታ ቍልዒ፡ ጸሓይ ምስ ኰነት ኵሉ ዝሓለፈ ቀሊል ይመስል። ኣብ እዋን ህ.ሓ እዚ ቦታታት’ዚ መዕቈቢ’ቶም ተቓለስቲ ምንባሩ ዘከርኩ። እቶም ነቲ ጽርግያ ዝሃነጹ መንእሰያት፡ ኣብቲ ቦታ ንኣያታቶም ክረኽቡዎም ምኽኣሎም ከኣ ኣሐበነኒ።
ብድሕሪ’ዚ…
ጠሚና ነይርና – በሊዕና። ጸሚእና ነይርና – ሰቲና። ከቢብና ዕላል ኣጕድና – ብጽሩይ ኣየር እተሰነየ ወግዒ። ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ንሓድሕድና ተላለና። ቡን ፈሊሓ። ኣብዚ ግን ዕላል ኣይነበረን። ብቦክስ ጊታር ብዙሓት ዜማታት ሰሚዕና። ነንፈትዎ ደርፊ በቲ ዘይተገርሐ ድምጽና ደሪፍና፣ ህያውነት ግን ነይሩዎ። ምጽጋምና ኣስሒቑና። ቶርታ ተቘሪሱ፡ “እንቋዕ ኣብዚ ኣብቅዓካ… ሃቢ በርዝ ደይ” ደሪፍናሉ። ኣብ ቅድሚት ዘሎ ዓመታቱ ጸጋ ዘሎዎ ክገብረሉ ተመኒናሉ።
መሬት ጸልሚቱ፡ ሓዊ ኣጕድና ከበብና። ስጋ እናጠበስና በላዕና። ሓደ ኣብ ሞንጎ ግጥሚ ከንብበልኩም በለና። ኣንበበልና – ኣብቲ ብዓል ግርማ ጸልማት ብከዋኽብቲ ተዓጂብና ግጥምታት በየነ ሃይለማርያም፡ ርእሶም ሃይለ፡ መለስ ንጉሰ፡ ፓብሎ ኔሩዳ… ሰማዕና። ነገራትና ኣኪብና ተበገስና። ክንብገስ እንከለና ምልእቲ ወርሒ ብድሕረና ነበረት። ጸኒሓ ብየማናይ ጐድንና ተጠውየት፡ መሊሳ ከኣ ብየማንና፡ ብቕድመና… ኣሰነየትና። እቲ ብዓል መዓልቲ ብርሃናዊ ብጽባቐኣ ተመሲጡ ንግጠመላዶ በለ፣ “ኵሕልቲ ወርሒ ፍሽኽ ኢላ” ኢሉ ብቕጽበት ሓደ ጀመረ። “ኣብቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ትሕንብስ ኣላ” መለአ ካልእ። “ርእየያስ ሓፊረ፡ ፍሽኽታይ ገሚተ”… እናሰሓቕና ቀጸልና። ሰዓት ዓሰርተ ኣስመራ መብራህታ ወሊዓ ተቐበለትና – ኣተና።
* * *
“ኣሕጽር ኣቢለ፡ ዝጸሓፍኩዎ ነዚ ይመስል። ደጊመ ናብ ሳቡር ክበጽሕን ናብ ፍልፍል ሰለሙና ክቕጽልን ከም ዘለኒ ከኣ ሓሰብኩ። ብብሽክለታ’ውን ተኣኪብካ ክኽየድ ዝከኣል ይመስለኒ።”
“ብሓቂ ኣቕኒእካኒ።”
“ብሽክለታ ትዝውሪ ድኺ፧”
“እወ።”
“እሞ፡ ትጽንበርና ትዀኒ’ምበር።”
“እንሽኣላህ!”
“እባ ሕጂ እንታይ ኢኺ ትገብሪ ዘለኺ፧”
“ከምዚ ኣስተንትኖ ዓይነት ይጽሕፍ ኣለኹ። ዛጊት፡ ሓደ ዓሰርተው ክልተ ዝኸውን በጺሐ ኣለኹ።”
“ኣስተንትኖ ክትብሊ ከለኺ ከመይ ማለት’ዩ፧”
“ኣብ ሓደ ጕዳይ ጥራሕ ኣተኵረ ዝጽሕፎ ዘለኹ ምስትምቓረይ ኣብ ህይወት እዩ። ሓሳባትን ስምዒታትን ኣቋማጢዐ ሓደ መልክዕ ክፈጥረሉ እጽዕር ኣለኹ።”
“ኣምላኽ ይሓግዝኪ!”
“ኣሜን! ንስኻኸ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧”
“ኣነ’ኳ ካብ ባህጊ ሓሊፈ፡ ናብ ምጽሓፍ ዝሰጋገረሉ ግዜ ዝኣኸለ ኣይመስለንን ዘሎ። ቍሩብ ተመኵሮ፡ ምንባብ፡ ምዕዛብ… ዘድልየኒ ይመስለኒ ኣሎ።”
“ከመይ፧ እስከ ቍሩብ ኣብርሃለይ፧”
“ብዙሕ እዋን ክጽሕፍ ፈቲነ’የ። ግና ሓሳባተይ ይዅለፍ። ‘ክጽሕፍከ ይኽእል ድየ፧’ ኢለ ተስፋ ዝቘርጸሉ ይበዝሕ።”
“እሞ ገጸ-ባህሪ ክትኰነኒ ትኽእል ኢኻ ማለት’ዩ። ነቲ ብኣካል ናይ ምርኻብና መደብ ግዜ ከተሕጽሮ ኢኻ መስለኒ፧”
“ብመደብ ዲኺ ብኣካል ከይንራኸብ ወጢንኪ፧”
“ከምኡታት’ዩ። ግና ድሕሪ መንፈቕ ወይ ዓመት ኢለ ዝወጠንኩዎ ኣይኰነን። እቲ ናይ ውሽጥና ግዜ ዝጠለቦ ግዜ እየ ዝብለካ ዘለኹ። ምኣስ ምዃኑ ግና ኣይፈልጥን። ክልተና ሐሓደ መስመር ናይ ግጥሚ እንተዄንና፡ ቅኒት ረምታና ምስ ሰመረ ክንራኸብ ኢና። ዛጊት ግን ናዕታና ሃሪሙ ከም ዘሎ ይስምዓኒ ኣሎ።”
“ከም ዝመስለኒ፡ ግጥሚ ብዘይ ናዕታ ክህሉ ይኽእል’ዩ። ብዘይ ረምታ ግን ዘይከኣል’ዩ። ስለዚ፡ ረምታና እንተ ሰሚሩ ቅኑዕ ርክብ ክኸውን ማለት’ዩ። ተረዲኡኒዶ ይህሉ ኣበሃህላኺ፧”
“ናዕታ ወይ ቤት ምስ ሃረመ፡ ግጥሚ ዝዀነ ክመስል ይኽእል’ዩ፣ ግና ኣይኰነን። ግጥሚ ዘብሎ ናዕታ ኣይኰነን። ግጥሚ፡ ምግጥጣም ማለት’ዩ። ዋላ ብኢንግሊዝኛ’ውን ትርጕሙ ተመሳሳሊ’ዩ። እቲ ምግጥጣም ግን ናይ ሓሳባትን ግዜን ቅኒት እዩ፣ ምህራም ናይ መወዳእታ ፊደል ኣይኰነን። ከምኡ እንተ ዝኸውን እቲ መጀመርታ መስመራት ናይ ‘ቀንዴል ጸልማት’ ግጥሚ ኣይምዀነን።”
“ቀንዴል ጸልማት – ኣይፈልጣን’የ ‘መስለኒ ትዝክርያ ድኺ፧”
“ተዋጋኢ፡
ብሕጂ ዝዋጋእ፡
ድጉን ሓርበኛ፡
ንናጽነትን ተስፋኣን ዝነብር።
… እዚአን እተን መጀመርታ መስመራት እየን”
“መን’ዩ ገጣሚኣ፧”
“ግርማይ ገብረመስቀል’ዩ። ኣብ መዝሙር ተጋዳላይ እትብል እካበ ግጥምታት ተጋደልቲ፡ ምሉእ ትሕዝቶኣ ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ መስመራት’ዚ፡ ናይ መወዳእታ ፊደል ስለ ዘይተቓደወ፡ ግጥሚ ኣይኰነትን ክትብል ትኽእልዶ፧”
“ኢ፡ እ፡ ኛ፡ ር ብዝብሉ ፊደላት’ዩ ዝውድእ። ሓደ ፊደል’ኳ ኣይተደግመን። ከንብቦ እንከለኹ ግና ግጥሚ ምዃኑ ተሰሚዑኒ። ጽሒፎም ከርእዩኻ እንከለዉ ጽቡቕ’ዩ። ግጥሚ ብዘይ ናዕታ ክብድ ዝብል ኰይኑ ይርኣየኒ። ናዕታ ንሓደ ግጥሚ ዜማ ስለ ዝፈጥረሉ ተዘካሪ ክኸውን የኽእሎ’ዩ።”
“ልክዕ ኣለኻ። ኣገጣጥማኻ ልሙድ ካብ ምዃን ግን የድሕነካ’ዩ። ዋላ ምሉእ ግጥሚ ኣይኹን፡ ንገለኡ መስመራት ግን ናጻ-ነግሒ (ፍሪ ቨርስ) ገይርካ፡ መለሳ ክትፈጥር ትኽእል ኢኻ። ደሓር ከኣ ናዕታ ማለት፡ ኣብ መወዳእታ ምህራም ጥራሕ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ቅድሚት፡ ማእከልን ድሕሪትን ክኸውን ይኽእል’ዩ።”
“ንኣብነት፧”
“ይዝክሮዶ ትብለኒ፧ ኣብ ዝመጽእ ረቡዕ ተዳልየ ሒዘልካ ክመጽእ’የ።”
“ሕራይ። በሊ ነቲ ናትና ምርኻብ ወይ ምፍላጥ ምስ ረምታን ናዕታን ገይርኪ ዝገለጽኪዮ ቀጽልለይ። ሰባት ክራኸቡ እንተዀይኖም፡ እቲ ናቶም ምርኻብ ግድን ድዩ እቲ ፍጹም ቅድወት ክኸውን ዘሎዎ፧”
“ኣይኰነን። አረ ኣቲ ኣንጻሩ ዝምዘን’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ።”
“እሞ እንታይ ደኣ ቅኒት ረምታና ምስ ሰመረ ኢና ንራኸብ ዝበልክኒ፧”
“ንሱ እቲ ጥርዚ ብራኸ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ክንሓስብ ወይ ኣብ ኣእምሮና ስእሊ ከነቐምጥ እንከለና፡ ነቲ ፍጹም ነገር ኢና እነቕርብ፡ ኣሚንና እንተ ሰጕምና ከኣ ብተዛማዲ ናብኡ ዝቐረብና ንኸውን (ኣብ ክውንነትና)። ሕልምኻ ንእሽቶ እንተዀይኑ፡ ኣብ ግብሪ ካብኡ ዝነኣሸ ትኸውን። ዓቢ እንተዀይኑ ድማ ካብቲ ዓቢ ዝነኣሸ ትኸውን። ካብ ናይቲ ንእሽቶ ንእሽቶ ምዃን፡ ናይቲ ዓቢ ንእሽቶ ምዃን ይበልጽ። ከም ዝመስለኒ ኣብ ዝበዝሑ ዝምድናታት፡ እቲ ዝበዝሕ ምግጣም – ፈኲስ ናዕታ ኰይኑ’ዩ ዝርኣየኒ።”
“ከምዚ ብ‘ና’ ወይ ‘ካ’ ዝውድእ ግጥሚ ማለትኪ ድዩ፧”
“እወ። እቲ ምግጥጣም ሓያል ኣይኰነን። እቲ ዝመስለና ይዓቢ። ኣብ ፍቑራት እንተ ርኢኻዮ’ውን ከምኡ’ዩ። ‘የፍቅረካ ወይ የፍቅረኪ’ ኢሎም ከይተነጋገሩ ንፍቕሮም ዝቕበሉዎ ሒደት’ዮም። ዝተጋጠምካ መሲሉካ ትኽጽል ትጸንሕ፡ ግዜ ምስ ወሰደ ግራናጆኻ ሓቒቑ ይጸንሓካ። ብድሕሪኡ፡ ምጭኽኻን ይመጽእ። ኣብ መዝገበ-ቃላት ፍቕሪ ምጭኽኻን ምጽልላእ ዝብል ቃልዶ ደኣ ኣሎ እዩ፧ ኣይመስለንን። እቲ ምስ ግዜ ዝበሊ ኵሉ፡ እቲ ናይ ፈኲስ ናዕታዊ ምግጥጣም’ዩ። ናዕታ፡ ናይ ድምጺ ምቅዳው’ዩ። ረምታ ግና ቅኒት ሓሳባትን ግዜን’ዩ። ኣብ ትግርኛ ካልእ ቃል ስለ ዝሰኣንኩ እየ ‘ግዜ’ ዝብል ዘለኹ። ነቲ ‘ቴምፖ’ ዝብል ቃል ከም ዝውክል ገይርካ ሕሰቦ። ገላጺ ቃል ትፈልጠሉ እንተ ሃልዩካ ከኣ ንገረኒ፧”
“ኣብ ዝመጽእ ሓሲበ ክመጽእ’የ።”
“ሕራይ በል፡ ቈጸራ ኣኺላትኒ ክኸይድ፧!”
“ሰላም ቅነ።”
“እባ እቲ… ምዃን ደሓን ኣብ ዝመጽእ ንዘራረበሉ – ሰሰናዩ።”