ሓደ ግዜ ፈረስ ናይዚ ቻይናዊ ሓረስታይ ነፊጹ ናብቲ ጐቦታት ጠፍአ። እቶም ደቂ-ዓዱ፡ “እንታይ ሕማቕ ዕድል ደኣ ይበሃል’ዚ፡” ብምባል ከጸናንዑዎ ናብ ገዛኡ መጽኡ። እቲ ሓረስታይ፡ “ሕማቕ ዕድል ድዩ ወይስ ጽቡቕ ዕድል እንታይ ይፍለጥ!” ኢሉ ምላሽ ሃቦም።
ድሕሪ ሰሙን፡ እቲ ፈረስ ብዙሓት ዘይተገርሑ ናይ በረኻ ኣፍራስ ሒዙ ናብ ገዛኡ ተመለሰ። በዚ ግዜ’ዚ እቶም ደቂ-ዓዱ፡ “ጽቡቕ ዕድል፡” ክብሉዎ ናብ ገዛኡ መጽኡ። ሽዑ’ውን ከምታ ናይ ፈለማ፡ “ጽቡቕ ዕድል ድዩ ሓማቕ ዕድል እንታይ ይፍለጥ!” ኢሉ መለሰሎም።
ወዱ ነቲ ሓረስታይ ነቶም ኣፍራስ ክውጠሖም ኢሉ እናፈተነ ወዮ ምስራር ዘይለመዱ ኣፍራስ ረጊሖም እግሩ ሰበሩዎ። ዝዀነ ሰብ ድማ ሕማቕ ዕድል’ዩ ኢሉ ሓሰበ። እቲ ሓረስታይ ግን መልሱ ሓንቲ እያ – “ሕማቕ ዕድል ድዩ ወይስ ጽቡቕ ዕድል እንታይ ይፍለጥ!”
ድሕሪ ገለ ሰሙናት ወተሃደራት ናብታ ዓዲ መረሹ’ሞ፡ ዝኽእል ዘበለ ጐበዝ ናብ ውትህድርና ብሓይሊ ከተቡ። ወዱ ነቲ ሓረስታይ እግሩ ብምስባሩ ከም ዘይከደ ምስ ርኣዩ፡ “ጽቡቕ ዕድል፡” በሉ። እቲ ሓረስታይ ከኣ ከም ቀደሙ፡ “ጽቡቕ ዕድል ድዩ ሕማቕ ዕድል እንታይ ይፍለጥ፧” በለ።