እቲ ለባም መምህርን ዕትሮን (ኣስተንትኖ ቍጽሪ 4)

ሓደ ተማሃሮኡ ኣዝዮም ዝፈትውዎ ለባም መምህር ነበረ። ኣብ ወከፍ ናብ ክፍሊ ዝኣትዋ ድማ ንተማሃሮኡ በቲ ዘምጽኣሎም ቃላት-ልቦና የነቓቕሖም ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ናብ ክፍሊ ምስ ኣተወ፡ ኣብቲ ክፍሊ ሓንቲ ዕትሮን ኣእማንን ርኣየ። ዝዀነ ቃል ከይተዛረበ ንዅሉ እቲ ኣእማን ኣልዒሉ ናብቲ ዝንግሪር (ዓቢ ዕትሮ) ኣእተዎ’ሞ፡ ናብቶም ተማሃሮ ቍሊሕ ድሕሪ ምባል፡ “እዚ ዕትሮ መሊኡዶ፧” ክብል ሓተቶም።

“እወ! እወ! መሊኡ!” ክብሉ ብሓባር መለሱ እቶም ተማሃሮ። እቲ መምህር ዳግማይ ግዑር (ንኣሽቱ ኣእማን) ኣምጺኡ ኣብ መንጎ እቲ ኣእማን ኣእተዎ’ሞ፡ “ሕጂኸ መሊኣዶ እዛ ዕትሮ፧” ብምባል ሓተቶም።

“እወ! ሕጂ ደኣ እወ መሊኣ!” መለሱ። ኣብ ከባቢኡ ካልእ ነገር ደለየ’ሞ ሑጻ ሓፊሱ ኣምጺኡ ናብታ ዕትሮ ኣእተዎ። ሽዑ’ውን ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕረበሎም። እቶም ተማሃሮ እንታይ ኢሎም ከም ዝምልሱ ተደናገሮም። ይኹን’ምበር፡ እቲ ሑጻ ክሳብ ኣፉ መሊኡ ስለ ዝርኣዩ፡ “እወ መሊኣ፡” በሉ። ወዮ መምህር ዝዀነ ቃል ከየምሎቐ ማይ ኣምጺኡ ናብቲ ዕትሮ ኣዕረቖ። ሕጂ’ውን ሓተቶም። እቶም ተማሃሮ ብምግራም ድሕሪ ሕጂስ ዝዀነ ከእቱ ኣይክእልን’ዩ ብምባል፡ “እወ መሊኣ፡” በሉዎ። ዘይሕለል መምህር ጥሑን ጨው ኣምጺኡ ኣብቲ ጸንበለል ዝብል ዝነበረ ማይ ፈይ-ፈይ ኣበለ። እቶም ተማሃሮ ሰሓቑ። “ሓንሳብ፧!” በለ መምህር፡ እቶም ተማሃሮ እናሰሓቑ፡ “እዛ ዕትሮ ንህይወትኩም ከም እትውክል ክትርድኡ እየ ዝደሊ። እቲ ዓበይቲ ኣእማን መሰረታዊ ናይ ህይወትኩም’ዩ – ስድራኹም፡ ደቅኹም፡ ጥዕናኹም፡ ኣዕሩኽትኹምን ኣቓልቦኹም ዝስሕቡ ስምዒታትኩምን። ኮታ ኵሉ ነገር ዋላ እንተ ጠፋኣኩም ወይ እንተ ረሓቐኩም ህይወትኩም ገና ምልእቲ እያ ዘላ – ከምቲ ፈለማ መሊኣ ዝበልኩማ። እቲ ግዑር ከኣ ንህይወትኩም ዘድልዩ ካልኦት ነገራት ዝውክል’ዩ – ከም ገዛኻ፡ ማኪናኻ ዝኣመሰለ። ሑጻ እቲ ካልእ ኵሉ ንኣሽቱ ነገራት’ዩ፡” በለ። ናብ’ቶም ተማሃሮ ኣዒንቱ እናኣዞረ ዘረባ ቀጸለ፣ “እቲ ሑጻ መጀመርታ ናብቲ ዕትሮ እንተ ትመልኡዎ ግና፡ ነቲ ኣእማን ይኹን ግዑር ቦታ ኣምበይምሃለዎን። ብህይወትኩም ርኣዩዎ። ኵሉ ግዜኹምን ጻዕሩኹምን ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እንተ ኣውዒልኩሞ፡ እቲ ኣዝዩ ንህይወትኩም ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ቦታ ይስእን። ዝዓበየ ኣድህቦኹም ኣብቲ ዝዓበየ ምንጪ ሓጐስኩም ደኣ ይኹን፡” በሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *