ብስፐንሰር ጆንሰን
(ሓንቲ መዓልቲ ናብቲ ተመዲበዮ ዝነበርኩ ኩባንያ ህንጻ ምስ ወፈርኩ፡ ኣርክቴክት ቴድሮስ ንእሽቶ መጽሓፍ ሒዙ ነበረ – “Who Moved My Cheese?” እትብል። “ኣብ ሓንቲ ሰዓት ኣንቢብካ ትመልሳ እንተዄንካ ክህበካ፡” በለኒ። እቲ ብድሆ ኣይጸላእኩዎን፣ ኣንቢበ መለስኩሉ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ፈለማ 2009 እዩ ዝነበረ፡ እናተርጐምኩ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ዓምዲ ሕብራዊት ብርዒ፡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ኣውጻእኩዋ – “ነቲ ፋርማጆይ መን ኣልዓሎ፧” ብዝብል። ዋላ’ኳ ኣናጹ ፈርማጆ ዝፈትዋ እንተዀና፡ ምስ ቍንቍኛ ናይቲ ዛንታ ዝሳነ ግን “እንጌራ እዩ” ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፡ “ነቲ እንጌራይ መን ወሰደለይ፧” ብምባል ቀዪረዮ፣ ከምቲ፡ “ዓዲ እንጌራኻ እዩ ዓድኻ፡” ዝበሃል ማለት’ዩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ገጻት ናይታ መጽሓፍ ዘሎ “ዘተ” ዝብል ኣብዚ ኣይኣተወን።)
ዛንታ ብድሕሪ እዛ ዛንታ
እዛ “እቲ እንጌራይ መን ወሰደለይ፧” ብዝብል ንኸነንብባ፡ ከነስተማቕራን ሓድሕድና ከነዕልለላን በቒዓ ዘላ ዛንታ’ዚኣ፡ ቅድሚ ምሕታማ ብዛዕባ ዝነበረ ዛንታ ከዕልለኩም ከለኹ ተድላ ይስምዓኒ።
“እቲ ኣመሓዳሪ ናይ ሓንቲ ደቒቕ፡” እትብል መጽሓፍና ገና ቅድሚ ምሕታማ፡ ስፐንሰር ጆንሰን ብዛዕባ’ዛ ናይ ‘እንጌራ’ ዛንታኡ ካብ ዝጸወየኒ ዕለት ኣትሒዘ ንማሕተም ክትበቅዕ ድላይ ነበረኒ፣ ክሳብ ክንደይ መሳጢትን ሓጋዚትን ዛንታ ምዃና’ውን እናሻዕ ሓሰብኩ።
እዚ ኣብ ሓደ ዝተወሳሰበ ሸጓሽጕ መኻን ዝተፈጸመ ዛንታ’ዚ፡ ብመገዲ ኣርባዕተ ጠባያት ኣቢሉ ብዛዕባ ለውጢ (ብዛዕባ ምቕያር) ይጸዊ። እቲ ‘እንጌራ’ ብዝብል ዝተሰየመ ቃል ድማ ተምሳሌት ናይቲ ኣብ ህይወትና ክህልወና እንደልዮ ነገራት እዩ፤ ስራሕ፡ ዝምድናታት፡ ገንዘብ፡ ዓቢ ገዛ፡ ሓርነት፡ ጸጋ ጥዕና፡ ዝዓመምናዮ ክፍለጠልና፡ መንፈሳዊ ሰላም፣ ዋላ’ውን ከም ስፖርታዊ ዘብዘብ ኰነ ጎልፍ ምጽዋት ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ክዀኑ ይኽእሉ።
ወከፍና ነናይ ገዛእ-ርእስና ኣመለኻኽታ ብዛዕባ ‘እንጌራ’ ኣሎና፣ ሕጕሳት ከም ዝገብረና ስለ እንኣምን ድማ ንምርካቡ ንጓየ። ኣብ ዝረኸብናዮ ምስኡ ንሳለ፡ ብዝሰኣንናዮ ድማ ንጕዳእ።
እቲ ዝተወሳሰበ ሸጓሽጕ፡ ውከላ ናይቲ ባህግና ንምርካብ እንንቀሳቐሰሉ መኻን ወይ ስፍራ እዩ፣ እትሰርሓሉ ትካል፡ እትነብረሉ ሕብረተሰብ ወይ’ውን ዝምድናታትካ ክኸውን ይኽእል።
ነዛ ቀጺልኩም እተንብብዋ ዛንታ እንጌራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ንስልጠና ኣብ ዝኸድኩሉ ይጸውያ እየ፣ ኣብ ህይወቶም ለውጢ ከም ዝፈጠረትሎም ድማ ብዙሓት ኣዕሊሎምኒ፤ ሞያኦም፡ ሓዳሮምን ህይወቶምን ንምምሕያሽ ሓጋዚት ኰይና ከኣ ተረኺባ።
እዛ ንእሽቶ ዛንታ’ዚኣ ካብ ዝጠቐመቶም ብዙሓት ሓደ፡ ናይ ተለቭዥን ኤን.ቢ.ሲ ፍቱው ጋዜጠኛ ቻርሊ ጆንስ፡ ነዛ ዛንታ ሳላ ምፍላጡ፡ ሞያኡ ካብ ምስኣን ንስክላ ከም ዝደሓነ ምስክረንቱ ሂቡ እዩ። እቲ ከም ጸብጻቢ ጋዜጠኛ ኰይኑ ዝዓየዮ ዕማም ፍሉይ ይዅን’ምበር፡ ቅጥዕታቱ ግን ዝዀነ ሰብ ክመሃሮ ይኽእል ነበረ።
እቲ ተጓንፎ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፤ ቻርሊ ጻዕራም ጸብጻቢ ጋዜጠኛ ብምንባሩ ኣብ ኦሎምፒክስ ናይ ዝካየድ ናይ ሜዳ ጉያ ኣብ ምጽብጻብ ብዓል ሃበባ ነበረ። ኣብቲ ዝስዕብ ዝነበረ ኦሎምፒክስ ግን ካብቲ ዝለመዶ ጉያ ናብ ናይ ምሕንባስ ስፖርት ከም ዝተቐየረ ብሓለቓኡ ተነግሮ። ኣፍልጦ ናይዚ ዓይነት ስፖርት’ዚ ስለ ዘይነበሮ ተበሳጨወ፣ ንሕሉፍ ምያኡ ኣፍልጦ ከም ዝተኸልኦ ተሰምዖ’ሞ ኣዝዩ ሓረቐ፣ “ዘይፍትሓዊ ተግባር እዩ፡” ድማ በለ። ስምዒቱ ስለ ዝተነኽአ፡ ኣብ ዝገብሮ ዘበለ ሕርቃኑ ክንጸባረቕ ጀመረ።
ኣብዛ ህሞት’ዚኣ እንከሎ ድማ’ዩ ዛንታ፡ “እቲ እንጌራይ መን ወሰደለይ፧” ዝሰምዐ። ሽዑ ንገዛእ-ርእሱ ሰሓቓ፣ ኣመለኻኽታኡ’ውን ቀየረ። ሓለቓኡ ንወዮ ‘እንጌራኡ ከም ዘልዓሎ’ ተረዲኡ ምስቲ ሓድሽ ኵነት ክለማመድ ነበሮ። ኣብቶም ዝሓደሱዎ ክልተ ዓይነታት ስፖርት ፍልጠቱ ኣዕበየ። ኣብቲ መስርሕ፡ ካብቲ ዝለመዶ ተኣልዩ ናብ ሓድሽ ተመኵሮ ምቅላዑ፡ ስምዒት ንእስነት ከም ዝፈጠረሉ ተሰምዖ።
ሓለቓኡ’ውን ንሓድሽ ኣረኣእያኡን ህርኵትናኡን ክግንዘቦ ግዜ ኣይወሰደን፣ ዝሓሹ ዕማማት ክህቦ ጀመረ። ካብ ሕሉፍ ብዝበለጸ ዓወታቱ ከስተማቕር በቒዑ፡ ኣብ “መዝገብ ፕሮፌሽናል ወሃብቲ ጸብጻብ ኵዕሶ” ስሙ ሰፈረ።
እዛ ናይ ቻርሊ ኣብነት’ዚኣ፡ ዛንታ “እቲ እንጌራይ መን ወሰደለይ፧” ኣብ ህይወት ሰባት – ካብ ናይ ስራሕ ክሳብ ናይ ፍቕሪ ህይወቶም – ካብ ዘሕደረቶ ብዙሕ ጽልዋ ሓንቲ መርኣያ እያ።
ኣብዛ ዛንታ ልዑል እምነት ስለ ዝነበረኒ፡ ቅድሚ ምሕታማ ኣብ ትካልና ንዝነበሩ ኣባላት (ልዕሊ 200 ሰባት) ኣባዚሐ ዓዲለዮም ነበርኩ። ከምኡ ዘግበረኒ ምኽንያት፡ ትካልና ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከም ዝዀነ ትካል፡ ተወዳዳሪ ኰይኑ ክቕጽልን ኣብ ቀጻሊ ናይ ለውጢ ሓዲድ ተሰቒሉ ምእንቲ ክጓዓስን ስለ ዘለዎ እዩ። ‘እንጌራና’ ኵሉ ሳዕ እናተንቀሳቐሰ እዩ። ቅድሚ ሕጂ እሙናት ሰራሕተኛታት ንደሊ ንነብር፣ ሎሚ ግን “ነገራት ኣብ ከባቢና ብኸምዚ እዮም ዝዕየዩ፡” እናበሉ ኣብ ዝለመድዎ ተሸኺሎም ዘይተርፉን ምስ ሓድሽ ኵነት ዝተዓጻጸፉን እዮም ዘድልዩና።
ይዅን’ምበር፡ ከም እትግንዘቡዎ፡ ኣብ ስራሕ ኰነ ህይወትካ ምስ ዝመጽአ ለውጢ ክትጓዓዝ ወጣሪ ክኸውን ይኽእል እዩ – ኣብ ለውጢ ዘለካ ርድኢት እወታዊ እንተ ዘይኰይኑ። ኣብዚ ድማ’ዩ ዛንታ “እቲ እንጌራይ መን ወሰደለይ፧” ዘድሊ።
ብዛዕባ’ዛ ዛንታ’ዚኣ ዝነገርኩዎም ሰባት፡ “እቲ እንጌራይ መን ወሰደለይ፧” ድሕሪ ምንባቦም ኣሉታዊ ስምዒት ካብ ኣእምሮኦም ግፍፍ ኢሉ ክቕንጠጥ ይስምዓኒ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዝዓዩ ኣባላትና እዛ መጽሓፍ ስለ ዝጠቐመቶም ከመስግኑኒ ግዜኦም ወፍዮም ይመጽኡኒ እዮም። ኣብ ዕዮኦም ክሳብ ክንደይ ከም ዝጠቐመቶምን ኣብ ትካላቶም ዝህሉ ለውጢ ብሓድሽ ዓይኒ ክርእዩዎ ከም ዘኽኣለቶምን ይነግሩኒ። እመኑኒ፡ እዛ ተምሳሌታዊት ዛንታ ንምንባባ ውሑድ ግዜ እያ እትወስድ፣ ጽልዋኣ ግና ዓሚቝ እዩ።
ኣሃዱ ኢልኩም ገጻታ ክትገናጽሉ ብዝጀመርኩም ሰለስተ ክፋላት ክጸንሓኩም እዩ። ኣብ ክፍሊ ሓደ፡ ቅድሚ ዓመታት ደቂ ክፍሊ ዝነበሩ ተመሃሮ ዳግማይ ተኣኻኺቦም፡ ኣብ ዝሰዓበ ህይወቶም ንዘጓነፎም ተመኵሮ ብኸመይ ገጢመሞ ዘዋግዕሉ “ዳግማይ ምትእኽኻብ” ዝብል ይርከብ። ክፍሊ ክልተ፡ ዛንታ፡ “ነቲ እንጌራይ መን ወሰደለይ” ኰይኑ ሕመረት ናይዚ መጽሓፍ’ዚ እዩ።
ኣብዚ ዛንታ፡ እቶም ክልተ ኣናጹ ኣብቲ ዝተኸስተ ለውጢ ብእወታ ክዋስኡ ክትዕዘቡ ኢኹም፣ ምኽንያቱ፡ ንነገራት ኣቕሊሎም ስለ ዘተኣናግዱዎ። ወዮ እቶም ዝተራቐቐ ሓንጎልን ሰባዊ ስምዒታትን ዝውንኑ ደቀቕቲ ሰባት ግን ነገራት ይጠናንጉ። ኣናጹ ዝበልሑ ስለ ዝዀኑ ኣይኰነን – ሰባት ካብ ኣናጹ ከም ዝበልሑ ዝተፈልጠ እዩ።
እንተዀነ፡ እዞም ኣርባዕተ ጠባያት ዝገብሩዎ ክትርእዩ ከለኹም፡ እቶም ኣናጹ ኰነ ደቀቕቲ ሰባት – እቲ ቀሊልን ዝተራቐቐን – ንገለ ክፋል ገዛእ-ርእስና ዝውክሉ ምዃኖም ክገሃደልኩም እዩ። ነገራት ኣብ ዝተለወጡሉ፡ ነቲ ዝቐለለ መገዲ ምስዓብ ኣርባሒ ምዃኑ ክትርእዩ ኢኹም።
ኣብ ክፍሊ ሰለስተ፡ ሰባት እዚ ዛንታ ዝሃቦም ትምህርትን ኣብ ዕዮኦም ኰነ ህይወቶም ብኸመይ ከም ዝጥቀምሉ ዝገልጽሉ – ዘተ – ክኸውን እዩ።
ኣቐዲሞም ነዛ መጽሓፍ’ዚኣ ዘንበቡዋ ሰባት፡ ንሕመረት ዛንታ ጥራሕ ብምንባብ ንዝስዕብ ዘተ ክሓድጉዎ ዝመረጹ ኣለዉ፣ ናይ ባዕሎም ባህለት ወይ ትርጓመ ንምሓዝ። ገለኦም ድማ ነቲ ዘተ ብምንባቦም ዝያዳ ከም ዘስተማቐሩዋን ምስቲ ዝሓስብዎ ዝነበሩ ዝዛመድ ስለ ዝዀነ ብኸመይ ከተግብሩዎ ከም ዝኽእሉ ክርድኡ ከም ዘነቓቕሖምን ገሊጾም።
ኵሉ ለውጢ ጽቡቕ ወይ ኣድላዪ ማለት ዘይምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። እንተዀነ ግዳ፡ ኣብዛ ብቐጻሊ እትልወጥ ዓለም ምስ ለውጢ ብኸመይ ተሳኒኻ ትጓዓዝን ካብኡ ሰሰናዩ ትወስድን ምርዳእ እምብዛ ይጠቕመና’ምበር ኣይጐድኣናን።
ዝዀነዀይኑ፡ ነዛ ዛንታ’ዚኣ መሊስኩም ኣብ እተንብብሉ፡ ከምቲ ንኣይ ወትሩ ዘጓንፈኒ፡ ካልእ ሓድሽን ጠቓምን ኣጠማምታ ክትረኽብሉ፡ ምስ ለውጢ ክትጓዓዙን ዕብየት ከምጽኣልኩምን እትስፎ። ዓወት’ውን ናትኩም እዩ።
ኣብዚ እትረኽቡዎ ዘበለ ከም ዘደስተኩም ተስፋ እገብር፣ ሰሰናዩ ድማ እምነየልኩም። ኣይትረስዑ፡ ደድሕሪ እንጌራኹም ሰዓቡ!
ኬን ብላቻርድ (ፒኤች.ዲ.)
ሳን ድየጎ – ካሊፎርንያ
ዳግመ ምትእኽኻብ
ብመዓልቲ ሰንበት – ጸሓይ ደሚቓ ኣብ ዝበረቐትሉ – ኣዕሩኽ ዝነበሩ መማህርቲ ንምሳሕ ኣብ ቺካጎ ተኣኻኸቡ። ተመሃሮ ናይታ ካልኣይ ደረጃ ዝነበሩ፡ ድሕሪ ዓመታት፡ ንቐዳም ኣብ ዝገበሩዎ ዳግማይ ምትእኽካብ እዮም ነዚ ቈጸራ ዝሰርዑዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝሰዓበ ህይወቶም እንታይ ከም ዝገጠሞም ክፈልጡ ድማ ተሃንጥዮም ነበሩ። እናተቐላለዱ መግቢ ድሕሪ ምብላዖም ከኣ ቍውም-ነገር ምዕላል ጀመሩ።
ኣንጀላ፡ እታ ኣዝያ ህብብቲ ናይ ክፍሎም ዝነበረት፡ “ህይወት ተመሃሪት ኰይነ ካብ ዝሓስባ ዝነበርኩ ዝተፈልየት ኰይና እያ ጸኒሓትኒ። ብዙሕ እዩ ተቐዪሩ፡” በለት።
“እማንኪ፡” ብምባል ናታን ኣብ ሓሳባ ረደየ። ናታን፡ ድሕሪ ትምህርቲ፡ ኣብታ ከተማ ናብ ዝተፈልጠን ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ብዙሕ ናብ ዘይተቐየረን ትካል ናይ ስድራቤቱ ከም ዝተጸንበረ ይፈልጡ እዮም። ህይወት ትልወጦ እያ ኢሎም ስለ ዘይሓሰቡ ኣብቲ ኣንጀላ ዝበለቶ ምስምማዑ ተገረሙ።
“ነገራት ክቕየሩ እንከለዉ ክሳብ ክንደይ ክንልወጥ ከም ዘይንደሊ ኣስተውዒልኩምዶ ኣለኹም፧” ሓተተ።
“ለውጢ ስለ ዘፍርሓና ንምልዋጥ ንቃወም ’መስለኒ፡” በለ ካርሎስ።
“ካርሎስ መራሒ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ እንዲኻ ዝነበርካ፧” በለት ጀሲካ፤ “ብዛዕባ ፍርሒ እናተዛረብካ ክሰምዕ’የ ኢለ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን።”
ናብ ዝተፈላለየ መኣዝን እኳ እንተ ተጓዓዙ (ኣብ ቤትካ ካብ ምስራሕ ክሳብ ምምራሕ ትካላት)፡ ኵሎም ብተመሳሳሊ ስምዒት ምሕላፎም ነገሩ ኣስሓቖም።
ወከፎም ኣብ ቀረባ ዓመታት ምስ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ለውጢ ተሳንዮም ንኽጓዓዙ እዮም ዝፍትኑ ዝነበሩ። መብዛሕቶም ድማ ነቲ ለውጢ ዝገጥምሉ ዝበለጸ ብልሓት ከም ዘይፈልጡ ይኣምኑ።
“ለውጢ ዝፈርሕ ሰብ እየ ዝነበርኩ። ኣብ ትካልና ዓቢ ለውጢ ወይ ዕድል ምስ ተኸስተ እንታይ ከም ንገብር ንፈልጥ ኣይነበርናን፣ ምስቲ ለውጢ ክንከይድ ብዘይምኽኣልና ዳርጋ ከሲርናዮ ነበርና፡” በለ ማይክል። ንዅሉ እዚ ነገራት’ዚ እትልውጥ ሓንቲ ንእሽቶ ኣዛናይት ዛንታ ክሳዕ ዝሰምዕ ድማ ከምኡ ኢሉ ቀጸለ፡”
“ብኸመይ ደኣ፧” ሓተተ ናታን።
“እታ ዛንታ ኣብ ለውጢ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ፍጹም ቀየረቶ፣ ንሓደ ነገር ካብ ምኽሳሩ ናብ ምኽሳቡ ኣሰጋገረትንን ከመይ ገይረ ከም ዘተግብሮ ኣርኣየትትንን። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ስራሕ ይዅን ኣብ ህይወተይ ነገራት ብቝልጡፍ ክመሓየሹ ጀመሩ። ፈለማ በቲ ርዱእ ምቕላል ናይታ ዛንታ ዳርጋ ቅጭ መጺኡኒ ነበረ – ከምዚ ኣብ ትምህርቲ ዝንበበልና ዝነበረ ቀለልቲ ዛንታታት ዓይነት መሰለትኒ። ደሓር ግን ነገራት ክልወጥ እንከሎ እቲ ፍሉጥ ዝመስለና ከመይ ከም ዝጠቅም ክርኢ ብዘይምኽኣለይ ነብሰይ ወቐስኩ፡” በለ። ኣተኲሮም ይዕዘቡዎ ስለ ዝነበሩ ዕላሉ ቀጸለ።
“እቶም ኣብታ ዛንታ ዘለዉ ኣርባዕተ ጠባያት ንተፈላለየ ሸነኻት ገዛእ-ርእሰይ ከም ዝውክሉ ምስ ተረዳእኩ ንመን ተቐቢለ ንመን ክነጽግ ከም ዘለኒ ወሰንኩ። ብድሕሪኡ፡ ንገለ ካብ መሳርሕትና ሃብኩዎም። ንሶም’ውን ንኻልኦት እናሃቡ ናብ ኵሉ ተባጽሐት። መብዛሕትና ብዝሓሸ መገዲ ክንልወጥ ስለ ዝተቐበልናዮ ትካልና ብዝበለጸ ተመሓየሸ። ከምቲ ንኣይ ዝጠቐመትኒ፡ ብዙሓት’ውን ኣብ ህይወቶም ሓጋዚት ኰይና ከም ዝረኸቡዎ መስከሩ።
“ቍንጣሮ ደኣ ይዅኑ’ምበር፡ ካብታ ዛንታ ምንም ኣይረኸብናን ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ከም ዝመስለኒ፡ ሓደው ነቲ መልእኽቲ ኣቐዲሞም ፈሊጦሞስ ብውሽጦም ይነብሩዎ ይነብሩ፣ ወይ’ውን፡ ከምቲ ኣብ ገለ ሰባት ዝርአ፡ ኵሉ ነገር ዝፈልጡ ስለ ዝመስሎም ክመሃሩ ኣይመረጹን። እቲ ንኻልኦት ዝጠቐሞም እንታይ ክኸውን ይኽእል ክርኣዮም ኣይከኣለን።
“ሓደ ምስ ተጓንፎ ለውጢ ምቅዳው ዝጽገም ዝነበረ ካብ ላዕለዎት ኣካየድቲ ትካልና፡ እታ ዛንታ መባኸኒ ግዜ እያ ክብል ገሊጹዋ። ካልኦት ኣባላትና ድማ ካብቶም ኣብታ ዛንታ ዘለዉ ጠባያት፡ ምስቲ ሓድሽ ነገር ዘይመሃርን ዘይልወጥን ጠባይ ብምዝማድ ክቕይዕሉ ጀመሩ።”
“እታ ዛንታ ከመይ ግዲ እያ፧” ሓተተት ኣንጀላ።
“‘ነቲ እንጌራይ መን ወሰደለይ፧’ እትብል እያ።”
ኵሎም ሰሓቑ።
“ከም ዝመስለኒ፡ ድሮ ፈትየያ ኣለኹ፡” በለ ካርሎስ፣ “ክትጸውየና ትኽእል ዲኻ፧ ካብኣ እንመሃሮ ኣይሰኣንን’ዩ።”
“ሕራይ፣ አረ እናተሓጐስኩ፡” መለሰ ሚካኤል፣ “ነዋሕ’ውን ኣይኰነትን።”
ከዘንትወሎም’ውን ጀመረ።
ነቲ እንጌራይ መን ወሰደለይ፧
እታ ዛንታ
ቀደም እዩ፣ ኣብ ርሑቕ ዓዲ ዝቕመጡ ኣርባዕተ ንኣሽቱ ጠባያት ነበሩ። ዘዐንግሎምን ዘደስቶምን እንጌራ ንምድላይ ኣብ ሓደ ዝተወሳሰበ ሸጓሽጕ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ነበሩ።
እቶም ክልተ ኣናጹ’ዮም፣ “ሸታቲቶ”ን “ሸበድበዳይ”ን ይበሃሉ። እቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ ግዝፎም ክንዲ ኣናጹ ዝዀኑ ደቀቕቲ ሰባት’ዮም። ምስሎምን ዝበዝሐ ግብሮምን ግና ኣብዚ ግዜ’ዚ ከም ዘለዉ ሰባት’ዮም፣ ስሞም ከኣ “ነግ”ን “ፈረግ”ን ይበሃሉ።
ካብ ድቆም ዝተላዕለ ወከፎም እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ምፍላጥ ቀሊል ኣይነበረን። ቀሪቡ ንዝተዓዘቦም ግና ኣዝዩ ዘደንቕ ተግባር ክዕዘብ ይኽእል።
እቶም ኣናጹን ደቀቕቲ ሰባትን ንመግቦም ዝዀኖም ነናቶም ፍሉይ እንጌራ ንምድላይ ኣብቲ ሕልኽላኽ መገድታት ዝበዝሖ ቦታ መዓልታዊ ገለ ግዜ የጥፍኡ ነበሩ።
እቶም ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ዝበሃሉ ኣናጹ፡ ልክዕ ከምቲ ኣናጹ ዝገብሩዎ፡ ነቲ ትርር ዝበለ ዝምንጨት እንጌራ ንምድላይ ዘይተሓላለኸ ሓንጎሎምን ንቑሕ ገምሮም (ደመ-ነፍሶም)ን እዮም ዝጥቀሙ።
እቶም ደቀቕቲ ሰባት ነግን ፈረግን ከኣ ብሓያሎ እምነታትን ስምዒታትን ብዝመልአ ዝተራቐቐ ሓንጎሎም ገይሮም’ዮም ነቲ ከም ዘሐጕሶምን ዘዐውቶምን ዝኣምንሉ ብዓይነቱ እምብዛ ፍሉይ ዝዀነ እንጌራ ሃሰው ዝብሉ።
እዞም ኣናጹን ደቀቕቲ ሰባትን ፍልልይ እኳ እንተ’ለዎም፡ ተመሳሳልቲ ዝገብሮም ተግባራት ግን ኣለዎም። ወከፍ ንግሆ መጕየዪ ክዳኖምን ጫማኦምን ወድዮም ነተን ንኣሽቱ ገዛውቶም ሓዲጎም ዝመርጹዎ እንጌራ ንምድላይ ናብቲ ሕልኽላኽ መንገድታት ይጐዩ።
እቲ መኻን ዝተሓላለኸ ገበላታትን ኣደራሽን ዝርከቦ ኰይኑ ገሊኡ ጥዑም እንጌራ ዝሓዘ እዩ። እንተዀነ፡ ጸልማት ኵርናዓትን ዘየሕልፍ መጻብቦታትን ስለ ዘሎዎ ክትሸክዕን ክትጠፍእን ቀሊል’ዩ። ነቶም ነቲ መገዲ ዝረኸቡዎ ግና ዝበለጸ ህይወት ከም ዘስተማቕሩ ዝገብሮም ምስጢር ዓቝሩሎም’ዩ ዝጸንሕ።
እቶም ኣናጹ ሸታቲቶን ሸበድባዳይን እንጌራኦም ንምርካብ ቀሊል መገዲ ይጥቀሙ፤ ብሓደ መገዲ ይፍትኑ እንተ ዘይረኺቦም ብኻልእ ይፍትኑ። ነቲ እንጌራ ዘይረኸብሉ ገበላ ይዝክሩዎ’ሞ ቀልጢፎም ናብ ካልእ ቦታ ይቕዪሩ።
ሸታቲቶ በቲ ወጥዋጥ ኣፍንጫኡ ገይሩ እንጌራ ዝርከበሉ መኣዝናት ይሽትት’ሞ፡ ሸበድባዳይ ከኣ ቀዲሙ ይሸቡብ። ክትግምቱዎ ከም እትኽእሉ ብጌጋ መኣዝን ይኸዱ’ሞ ይጠፍኡ፣ ምስ መንደቕ ዝላተምሉ ግዜ’ውን ውሑድ ኣይኰነን። ግና ድሕሪ ቍሩብ ኣንፈቶም ቀዪሮም ዘብጽሖም መንገዲ ይሕዙ።
እቶም ነግን ፈረግን ዝበሃሉ ክልተ ደቀቕቲ ሰባት’ውን ከምቶም ኣናጹ ናይ ምሕሳብን ካብ ሕሉፍ ተመኵሮኦም ናይ ምምሃርን ክእለቶም ይጥቀሙ። እንተዀነ፡ እንጌራ ንምርካብን ዝተራቐቐ ኣገባብ ንምምዕባልን ኣብቲ ዝተሓላለኸ ሓንጎሎም እዮም ዝምርኰሱ።
ኣብ ገለ ግዜያት ጽቡቕ ገይሮም ይገብሩዎ’ዮም። ካልእ እዋናት ግን እቲ ሓያል ሰባዊ እምነታቶምን ስምዒታቶም ካብ ዓቐን ንላዕሊ ይኸይድ’ሞ፡ ንኣገባብ ኣጠማምታኦም ኣብ ነገራት ይሽፍኖ ወይ ይኽልክሎ። ንእለሻ እንጌራ ኣብቲ ዝተሓላለኸ መኻን ድማ ውስብስብን በዳሂን ይገብሮ።
ይዅን’ምበር፡ ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ከምኡ’ውን ነግን ፈረግን ኵሎም ብናቶም መገዲ ዝደልዩዎ ዝነበሩ ክረኽቡ ክኢሎም እዮም። ኣብ መወዳእታ ጫፍ ናይ ሓደ ገበላ፡ ኣብ ሳልሳይ ነቝጣ፡ ንኦም ዝኸውን እንጌራ ረኸቡ።
ድሕሪ’ዚ፡ እቶም ኣናጹን ደቀቕቲ ሰባትን ንግሆ ንግሆ እናተንስኡ መጕየዪ ክዳኖም ተኸዲኖም ናብ ነቝጣ ሰለስተ የምርሑ። ኵሎም፡ ስሩዕ መገዲ ክለምዱ ከኣ ግዜ ኣይወሰዱን።
ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ኵሉ መዓልቲ ጋሕጋሕ ንግሆ ተንሲኦም ሓደ መንገዲ ተኸቲሎም ኣብቲ ሕልኽላኽ መሽጐራጕር ምጕያይ ቀጸልዎ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ ከድልዮም እንከሎ ቀልጢፎም ምእንቲ ክጥቀምሉ፡ መጕየዪ ጫማኦም ኣውጺኦም ሓድሕዱ ብምእሳር ኣብ ክሳዶም የንጠልጥሉዎ’ሞ እንጌራኦም ይበልዑ።
ነግን ፈረግን እውን ኣብቲ ፈለማ፡ ነቲ ተዀሚሩ ዝጸንሖም ምቁር እንጌራ ንምብላዕ ናብ ነቝጣ ሰለስተ ይጐዩ ነበሩ። ድሕሪ ግዜ ግና ክቕየሩ ጀመሩ። ደንጕዮም ይትንስኡ፡ ቀስ ኢሎም ክዳኖም ይለብሱን እናሰጐሙ ክኸዱን ጀመሩ። ደሓር ከኣ እቲ እንጌራ ኣበይ ከም ዝርከብን ከመይ ገይርካ ኣብኡ ትበጽሕን ፈሊጦም ነይሮም’ዮም፣ ካበይ ከም ዝመጽአን መን ከም ዘቐመጦን ግን እንዶ ኣይነበሮምን። በቃ ኣብኡ ከም ዝጸንሐ ጥራሕ’ዮም ዝሓስቡ። ወከፍ ንግሆ ኣብ ነቝጣ ሰለስተ ምስ በጽሑ፡ ኣራጢጦም ኮፍ ብምባል ከም ቤቶም ተሰሚዑዎም ይዛነዩ ነበሩ። መጕየዪ ክዳኖምን ጫማኦም ኣውጺኦም ኣብ ሰንቀ ብምስቃል ሸበጥ ይወድዩ። ነቲ እንጌራ ስለ ዝረኸቡዎ እምብዛ መቺኡዎም ነበረ።
“እዚ ዓቢ ነገር’ዩ!” በለ ነግ፣ “ኣብዚ ንዅሉ ሳዕ ዝዀነና እንጌራ ኣሎ።” እቶም ደቀቕቲ ሰባት ታሕጓስን ዓወትን ተሰምዖም። ውሕስነት ከም ዝረኸቡ ድማ ሓሰቡ። እቲ ኣብ ነቝጣ ሰለስተ ዝረኸቡዎ እንጌራ ከም ዋኒኖም ክርእዩዎ ግዜ ኣይወሰዱን። ዝተኸዘነ ዓቢ እንጌራ ስለ ዝነበረ ከኣ ገዛኦም ናብኡ ብምቕራብ፡ ኣብ ከባቢኡ ማሕበራዊ ህይወቶም ደኰኑ። ኣብ ገዛኦም ከም ዘለዉ ምእንቲ ክስምዖም ድማ ነቲ መናድቕ ብጭሮሖታት ሰላለሙዎ። ክርእዩዎ እንከለዉ ክምስ ዘብሎም ኣሳእል እንጌራ’ውን ሰኣሉ። ሓደ ካብኡ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ፤
ሓድሓደ ግዜ፡ ነግን ፈረግን ኵምራ እንጌራኦም ንምርኣይ ንኣዕሩኽቶም ናብ ንቝጣ ሰለስተ ይማልእዎም’ዮም። ብሓበን ኢዶም እናኣመልከቱ፡ “ይበል እንጌራ’ዩ እ፧” ይብሉዎም። እንሓንሳእ ንኣዕሩኽቶም የብልዑዎም’ዮም። ገለ ግዜ ግን ኣይህብዎምን።
“ዝግብኣና እንጌራ እዩ” በለ ነግ፣ “ነዚ ክንረክብ ንነዊሕን ጽንኩርን ክንሰርሕ’ዩ ሓቲቱና፡” እናበለ ውዕይትን ምቅርትን ኣልዒሉ ኰለሰ። ብድሕሪ’ዚ፡ ከምቲ ኵሉ ሳዕ ዝገብሮ ደቀሰ።
እዞም ደቀቕቲ ሰባት፡ ወከፍ ምሸት እኹል እንጌራ ሒዞም’ዩ ናብ ገዛኦም ዝኸዱ። ንጽባሒቱ ንግሆ ከኣ ተወሳኺ ክወስዱ ብርእሰ-ተኣማንነት ይምለሱ።
ከምዚ ኢሉ ንገለ ግዜ ቀጸለ።
ጸኒሑ ርእሰ-ተኣማንነት ነግን ፈረግን ናብ ናይ ትዕቢት ዓወት ዓበየ። ካብ ምሒር ምርግጋእ ድማ እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ ዘየስተውዕሉ ኰኑ።
ሸታቲቶን ሸበድባዳይን – ዋላ ግዜ እንተ ነውሐ – እታ ዕለታዊት ንጥፈቶም ቀጸሉ። ኣብ ከባቢ ነቝጣ ሰለስተ ካብታ ቅድመኣ መዓልቲ ለውጢ እንተ ኣልዩ ክርእዩ ኵሉ ግዜ ኣንጊሆም ከይዶም ይሽትቱ፡ ይቐምሱን ብቕልጡፉ ምንቅስቓስ ይጓየዩን ነበሩ። ብድሕሪኡ፡ እተድልዮም ንእሽቶ ንምብላዕ ኣብቲ እንጌራ ኮፍ ይብሉ።
ሓደ ንግሆ ኣብ ነቝጣ ሰለስተ በጽሑ’ሞ ዝዀነ እንጌራ ከም ዘየሎ ተገንዘቡ። ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ኵምራ እንጌራ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናጐደለ ይኸይድ ምንባሩ የስተብህሉ ስለ ዝነበሩ በቲ ዝጸንሖም ኣይሰንበዱን። ነቲ ዘይተርፍ ተዳሊወምሉ ነበሩ’ሞ ብገምሮም እንታይ ክገብሩ ምዃኖም ፈሊጦም ነበሩ።
ሓድሕዶም ተጠማመቱ። ኣላጊቦም ዝኣሰሩዎ ኣብ ክሳዶም ኣንጠልጢሎሞ ዝነበሩ መጕየዪ ጫማኦም ኣውሪዶም ብምፍታሕ ኣብ እግሮም ብምእታው ላቺኦም ኣሰሩ።
እቶም ኣናጹ ንነገራት ካብ ዓቐኑ ንላዕሊ ትንታነ ወይ ገምጋም ኣይገብሩሉን’ዮም። ነቶም ኣናጹ፡ እቲ ጸገምን መፍትሒኡን ክልተኡ ዝተሓላለኸ ኣይኰነን – ቀሊል’ዩ። ኣብ ነቝጣ ሰለስተ ዝነበረ ኵነታት ስለ ዝተቐየረ፡ ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ከኣ ክቕየሩ ወሰኑ።
ክልተኦም ነቲ ዝተሓላለኸ መሽጐራጕር ጠመቱዎ። ቀጺሉ፡ ሸታቲቶ ኣፍንጫኡ ኣማእዚኑ ድሕሪ ምሽታት ንሸበድባዳይ ምልክት ገበረሉ፣ ሸበድባዳይ ብድድ ኢሉ ሸቦበ። ሸታቲቶ ከኣ ዓቕሙ ክሳብ ዝፈቕደሉ ቅልጣፈ ጐየየ።
ሓድሽ እንጌራ ንምርካብ ብቕልጣፈ ፈጠኑ።
ኣብ ረፋድ ናይታ መዓልቲ፡ ነግን ፈረግን ኣብ ነቝጣ ሰለስተ በጽሑ። ዕለታዊ የጋጥም ንዝነበረ ንእሽቶ ለውጢ ኣድህቦ ይገብሩ ብዘይምንባሮም፡ እንጌራኦም ኣብኡ ክጸንሖም ምዃኑ ከም ውሁብ ሓሲቦሞ ነበሩ። ድልዋት ኣይነበሩን – ነቲ ዝጸንሖም።
“እንታይ! እንጌራ የሎን፧” ገዓረ ነግ፣ “እንጌራ የሎን! የሎን!” ጨደረ። ከምኡ ብምግባሩ ያኢ ከም ዝምለሰሉ ምግዓሩ ቀጸለ።
“እንጌራይ መን ኣልዓለለይ፧” ወጨጨ። ገጹ ጸለሎ ተኸድነ። መወዳእታኡ ኢዱ ኣብ መዓንጣኡ ብምሓዝ፡ “እዚ ግብሪ ኣይኰነን!” በለ ብልዑል ድምጹ ብምግዓር።
ክኣምን ኣይከኣለን፤ ርእሱ ነቕነቐ። ንኽረክብ ምሉእ እምነት ነይሩዎ። ብስንባደ ከም ዓንዲ ደሪቑ ንነዊሕ እዋን ኣብታ ዘለዋ ደው በለ። በቃ! ንሱ ነዚ ኵነታት ድልው ኣይነበረን።
ነግ ይግዕር ነይሩ። ፈረግ ግና ክሰምዖ ኣይደለየን። ምስቲ ኣጓኒፉዎ ዘሎ ክጋጠም ኣይፈተነን። እዝኑ ሓቲሙ ንዅሉ ዓጸዎ። ጠባይ ናይዞም ደቀቕቲ ሰባት ኣብነታዊ ወይ ውጽኢታዊ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ክትርድኦ እትኽእል ግን እዩ።
ምርካብ እንጌራ ቀሊል ኣይነበረን። ነቶም ደቀቕቲ ሰባት ዕለታዊ እትምገቦ ጥራሕ ኣይነበረን – ካብኡ ንላዕሊ እዩ። ንኽሕጐሱ ዘድልዮም ዋና ነገር ገይሮም’ዮም ዝሓስቡዎ። ኣብ ነናይ ገዛእ-ርእሶም ምስትምቓር ዝውሰን ነናቶም ኣምር እንጌራ ኣሎዎም።
ምርካብ እንጌራ፡ ንገለኦም ንዋታዊ ጠለብካ ምምላእ ክኸውን ከሎ፡ ንኻልኦት ድማ ጥዕና ወይ መንፈሳዊ ዕብየት ምጕንጻፍ እዩ።
ንነግ፡ እንጌራ ማለት ውሕስነት ህይወት ምርግጋጽ እዩ። ሓደ እዋን፡ ማሙቕ ስድራ መስሪትካ ኣብ ምቹእ ገዛ ምቕማጥ’ዩ።
ንፈረግ ድማ እንጌራ ማለት፡ ሓደ መዓልቲ ብዓል ስልጣን ምዃንን ኣብ ልዕሊ ኵርባ ዓቢ ገዛ ገዚእካ ምንባርን እዩ።
እንጌራ፡ ነዞም ደቀቕቲ ሰባት፡ እምበረ-መጠን ኣገዳሲ ብምንባሩ ዝገብሩዎ ንምውሳን ነዊሕ ግዜ ወሰዱ። እቲ እንኮ ክሓስብዎ ዝኸኣሉ፡ እቲ እንጌራ ብሓቂ ድዩ ኣብ ነቝጣ ሰለስተ ዘየሎ ዳግማይ ከረጋግጹ እዩ።
ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ቀልጢፎም ክንቀሳቐሱ እንከለው፡ ነግን ፈረግን ግን ነግፈረግ ምባል ቀጸሉ። ብዛዕባ’ቲ ዘይፍትሓዊ ዝበሉዎ ብሕርቃን ክዛረቡን ከማርሩን ይውዕሉ። ንፈረግ ጸቕጢ ክገብረሉ ጀመረ። እቲ እንጌራ ጽባሕ እንተ ዘይኣልዩ እንታይ ክኸውን’ዩ፧ ኣብዚ እንጌራ’ዚ ተመርኲሱ ናይ መጻኢ መደባት ሓንጺጹ እዩ።
እቶም ደቀቕቲ ሰባት ክኣምኑ ኣይከኣሉን። እዚ ከመይ’ሉ ከጋጥም ከኣለ፧ ሓደ’ኳ ዘጠንቀቖም ኣይነበረን። ቅኑዕ ኣይነበረን፣ ነገራት ብኸምዚ ኣገባብ ክዀኑ ኣይምተገበኦምን።
ነግን ፈረግን ኣብታ ምሸት ጠምዮምን ተስፋ ቀቢጾምን ናብ ገዛኦም ከዱ። ቅድሚ ምኻዶም ግን ፈረግ ኣብቲ መንደቕ ከምዚ’ሉ ጸሓፈ፤
ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ነግን ፈረግን ምናልባት እንጌራኦም እንተ ረኸቡዎ ብምባል ካብ ገዛኦም ወጺኦም ናብ ነቝጣ ሰለስተ ተመልሱ። ገና ኣይቀበጹን ነበሩ።
እቲ ኵነታት ኣይተቐየረን፣ እቲ እንጌራ ደጊም የሎን። እቶም ደቀቕቲ ሰባት እንታይ ከም ዝገብሩ ኣይፈለጡን፣ ልክዕ ከም ክልተ ሓወልቲ ደኣ ተዓኒዶም ተረፉ።
ፈረግ ካብ ደገ ዝመጽእ ዝዀነ ነገር ምእንቲ ከይርእይን ከይሰምዕን፡ ኣዒንቱ ክሳብ ዝከኣሎ ኣጨምቲሉ ብምሕታም ኣእዛኑ’ውን ብኣእዳዉ ሓተሞ። ቀረብ እንጌራ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይጐድል ከም ዝነበረ ክፈልጥ ይደሊ ኣይነበረን። ሃንደበት ኵሉ ከም ዝተላዕለ’ዩ ዝኣምን።
ነግ ነቲ ዘጓነፈ ኵነታት ደጋጊሙ ሓሰበሉ። እንተዀነ፡ እቲ ዝተሓላለኸ ኣእምሮኡን ምሉእ እምነቱን ካልእ ከይሓስብ ዓትዒቱ ሓዞ። “ንምንታይ ግን ከምዚ ገይሮሙኒ፧” እናበለ ጥራይ ንነብሱ ይሓትትን “እንታይ’ዩ ዘጋጥም ዘሎ ኣብዚ” ይብልን።
ኣብ መወዳእታኡ ፈረግ ተዓሚቱ ዝጸንሐ ኣዒንቱ ከፊቱ፤ “እባ…! ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ኣበይ ኣለዉ፧ ንሕና ዘይበጻሕናዮ ዝፈለጡዎ ነገርዶ ይህሉዎም፧” ሓተተ።
“እንታይ’ሞ ክፈልጡ እዮም፧” በለ ነግ ከይተገደሰ፣ “እናጹ እኮ እዮም። ነቲ ዘጋጠመ ግብረ-መልሲ ጥራሕ’ዮም ክህብሉ ዝኽእሉ። ንሕና ግን ደቀቕቲ ሰባት ኢና። ካብ ኣናጹ ከኣ ንበልሕ። ክንሓስበሉ ጥራሕ’ዩ ዘሎና።”
“ንሕና ከም እንበልሕ እፈልጥ’የ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን በላሕቲ ኴንና ንዋሳእ ዘለና ኰይኑ ኣይስምዓንን። ነግ፡ ኣብዚ ከባቢና ዘሎ ነገራት ይቀያየር ኣሎ። ምናልባት ንሕና ንባዕልና ተቐዪርና ካልእ ፍሉይ ነገር ክንገብር የድልየና ከይህሉ።”
“ንምንታይ ክንቅየር የድልየና። ንሕና’ኮ ፍሉያት ደቀቕቲ ሰባት ኢና። ከምዚ ነገር ከጋጥመና ዘይግብኦ እዩ። ምናልባት እንተዀይኑ ከኣ ብውሕዱ ገለ መኽሰባት ክንረኽበሉ ነይሩና።”
“ስለምንታይ’ዩ መኽሰባት ክንረክብ ዝነበረና፧”
“መሰልና ስለ ዝዀነ።”
“ናይ ምንታይ መሰል፧”
“ናይ እንጌራና መሰል።”
“ንምንታይ፧”
“ንምንታይዶ፧! ነዚ ጸገም’ዚ ባዕልና ኣይፈጠርናዮን። ካልኦት’ዮም ገይሮሞ። ስለዝዀነ ከኣ፡ ገለ ካብኡ ክንረክብ ነይሩና፡” በለ ነግ።
“ምናልባት ብዛዕባ’ቲ ዘየሎ ብዙሕ ምሕሳብ ኣቋሪጽና ካልእ እንጌራ ንምድላይ ምኻድ የድልየና ይህሉ፡” ኣስዓበ ፈረግ።
“ኖእ…ኖ! ኣብዚ ታሕታይ ከይህሉ በዚ ክወርድ’የ፡” ተቛወመ ነግ።
ነግን ፈረግን እንታይ ከም ዝገብሩ እናተዘራረቡ ከለዉ፡ ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ግን ኣብ ጕዕዞኦም ምሒር ይስጕሙ ነበሩ። ኣብቲ ሕልኽላኽ መንገድታት ኣርሒቖም ብምጓዓዝ ኣብ ላዕልን ታሕትን ናይቲ ገበላታት እናተንቀሳቐሱ ሓድሽ እንጌራ እንተ ረኸቡ ሃሰው ምባል ቀጸሉ። እንትርፎ ምርካብ ሓድሽ እንጌራ ካልእ ዝሓስቡዎ ኣይነበሮምን። ንገለ ግዜ ላዕልን ታሕትን ኢሎም ኣይረኸቡን። ጸኒሖም ግና ናብቲ ፈጺሞም ከይደሞ ዘይፈልጡ ነቝጣ 10 ምስ በጽሑ ተዀሚሩ ጸንሖም። ብሓጐስ ዘለሉ። ከምቲ ዝበሃጉዎ ቀረብ እንጌራ ረኸቡ። ፈለማ ኣዒንቶም ክኣምና ኣይከኣላን። ዛጊት ኣናጹ ርእዮሞ ካብ ዝፈልጡ ኵዙን እንጌራ እቲ ዝበዝሐ ነበረ።
እቶም ኣናጹ እንጌራ ረኺቦም እናተሓጐሱ እንከለዉ፡ እቶም ደቀቕቲ ሰባት ግና ናብቲ ጥርሑ ዝጸንሖም ነቝጣ ሰለስተ ዳግማይ ብምምላስ እቲ እንጌራ ናበይ ከም ዝኸደ ንምፍላጥ ትንተናኦም ይቕጽሉ ነበሩ። ዝበልዑዎ እንጌራ ብዘይምንባሩ ድማ ክሽገሩ ጀመሩ። ተስፋ ስለ ዝቘረጹ ብሕርቃን እና’ንጸርጸሩ ሓድሕዶም ክወናጀሉ ጀመሩ።
ፈረግ ግን ብዛዕባ’ቶም ኣናጹ ብጾቶም – ሸታቲቶን ሸበድባዳይን – ካልእ ረኺቦምዶ ይዀኑ እናበለ ደጋጊሙ ይሓስብ ነበረ። ኣብቲ ፍሉጥ ዘይኰነ ጕዕዞ፡ ኣብቲ ዝተሓላለኸ ሸጓሹግ እናጐየዩ ከለዉ ገለ ሽግር ረኺቡዎም ከም ዝኽእል ኣመነ። ሽግር እንተ ኣጓነፎም’ውን ንሓጺር ግዜ ጥራሕ ምዃኑ ይፈልጥ’ዩ። ሓድሓደ ግዜ’ውን ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ሓድሽ እንጌራ ረኺቦም ብደስታ እና’ስተማቐሩ ይስኣሎ’ሞ፡ ኣብቲ ሕልኽላኽ መንገዲ ጕዕዞ ጀሚሩ ከጓንፎ ዝኽእል ክርእዮ ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ምዃኑ ሓሰበ። ሓድሽ እንጌራ ክረክብ ተራእዩዎ ከኣ ተወናወነ።
ሓድሽ እንጌራ ረኺቡ እናስተማቐሮ ደጋጊሙ እናክሰኣሎ፡ ነብሱ ካብ ነቝጣ ሰለስተ እናኽትወጽእ ትርኣዮ ነበረት። ሃንደበት ከኣ፡ “ንኺድ! ንኺድ!” በለ።
“ኣይከውንን’ዩ፡” መለሰ ነግ ብቝልጡፍ፣ “እዚ ምቹእ እዩ። ኣብዚ ዝለመድኩዎ ክኸውን’የ ዝደሊ። ካብዚ ወጻኢ ግን ሓደገኛ’ዩ።”
“ከምኡ ኣይኰነን፡” ተማጐተ ፈረግ፣ “ኣቐዲምና ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይዚ ሸጓሹግ ተንቀሳቒስና ኢና። ሕጂ’ውን እንተዀነ ከምኡ ክንገብር ንኽእል ኢና።”
“በጃኻ ከምኡ ክገብር ሕጂ ኣይመጽኣለይን’ዩ። ከምኡ ዝገብረሉ ግዜ ኣይኰነን። ኣብቲ ጥውይዋይ ገበላታታትን ኣደራሻትን ከይጠፍእ ፍርሒ ኣሎኒ። ካልእ’ውን ብነብሰይ ክላገጽ ኣይደልን’የ። ኣይመስለካን፧”
ፈረግ ከይሰለጦ ከይምለስ ፍርሒ ተሰምዖ፣ ሓድሽ እንጌራ ናይ ምርካብ ተስፋኡ’ውን ቀሃመ። ስለዝዀነ፡ እዞም ክልተ ደቀቕቲ ሰባት ከምቲ ኣቐዲሞም ዝገብሩዎ ዝነበሩ ምግባር ቀጸሉዎ። ናብ ነቝጣ ሰለስተ ይኸዱ ዝዀነ እንጌራ ኣይረኽቡን። ናብ ገዛኦም ከኣ ሻቝሎትን ተስፋ ምቝራጽን ተሰኪሞም ይምለሱ።
ነቲ ዘጋጠመ ክቕበሉዎ ፍቓደኛታት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ኣብ ድቃሶም ትኻስ ምውሳድ ኣበዮም። ኣብ ወከፍ እትስዕብ መዓልቲ ሓይሎም ይደኽሞምን ሓራቓት ይዀኑን። እቲ ገዛኦም ከምቲ ካልእ መዓልቲ ዝነበሮ መጐልበቲ ቦታ ክኸውን ኣይከኣለን። ድቃስ ዝኣብዮምን እንጌራ እናሰኣኑ ብምሕላም ዘህተፍትፉን ኰኑ። እዚ ከምዚ’ሉ እናሃለወ ናብ ነቝጣ ሰለስተ ተመሊሶም እንጌራኦም ክምለሰሎም ካብ ምጽባይ ኣየዕረፉን።
“ከየባተኽና እንተ ተጸቢና፡ እቲ ዝነበረ ክሳብ ክንድኡ ከይተቐየረ ክንረኽቦ ኢና። እቲ እንጌራ ኣብዚ ቀረባና’ዩ ክህሉ ዝኽእል። ምናልባት’ውን ድሕሪ’ዚ መንደቕ’ዚ ሓቢኦሞ ይህልዉ፡” በለ ነግ።
ኣብታ ዝሰዓበት መዓልቲ ነግን ፈረግን መሳርሒታት ሒዞም ተመልሱ። ነግ መንደል ሒዙ ፈረግ ከኣ ማርቴሎ ገይሩ ብምህራም ነቲ መንደቕ ክሳብ ዝነኩል ብምብሳዕ ንውሽጢ ኣተዉ፣ ዝረኸቡዎ እንጌራ ግን ኣይነበረን። ብዘይ ምርካቦም ስምዒቶም’ኳ እንተ ተነኽአ፡ ነቲ ሽግር ክፈትሑዎ ምዃኖም ብምእማን፡ ኣንጊሆም ብምጅማርን ንነዊሕ ግዜ ብምጽናሕን ኣበርቲዖም ዓየዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ ሒዞሞ ዝተረፉ ግን ገፊሕ ቀዳድ ናይቲ መንደቕ ጥራሕ እዩ ዝነበረ።
ፈረግ ኣብ ሞንጎ ጻዕርን ኣፍራይነትን ዘሎ ፍልልይ ክርኣዮ ጀመረ።
“ምናልባት’ውን፡” ኢሉ ዘረባ ጀመረ ነግ፡ “ኣብዚ ኮፍ ኢልና እንታይ ከም ዝኸውን ምርኣይ የድልየና ይህሉ። ቀልጢፉ ድዩ ደንጕዩ ነቲ እንጌራ ኣብ ዝነበሮ ክመልስዎ ኣለዎም።”
ፈረግ ክኣምኖ ደለየ። ስለዝዀነ ከኣ፡ ንኽድቅስ ዕለታዊ ናብ ገዛኡ ይኸይድ። ንጽባሒቱ ድማ እናዕጠጠየ ምስ ነግ ናብ ነቝጣ ሰለስተ ይምለስ። ይዅን’ምበር፡ ዝዀነ እንጌራ ኣይተረኽበን። ኣብዚ ግዜ’ዚ እዞም ክልተ ደቀቕቲ ሰባት ብጥምየትን ጭንቀትን እምብዛ ዓበሩ። ንፈረግ፡ እቲ ኵነታትና ክመሓየሽ’ዩ ኢልካ ምጽባይ ኣሰልከዮ። ኣብቲ እንጌራ ዘይብሉ ነቝጣ ዝጸንሑሉ ግዜ ዝነውሐ ምስ ዝኸውን ዝኸፍአ ሳዕቤን ከም ዝወርዶም እናተራኣዮ መጽአ። እታ ገደብ ይጥሕሱዋ ከም ዝነበሩ ተረድኦ።
ኣብ መወዳእታኡ፡ ሓደ መዓልቲ ንነብሱ ክስሕቃ ጀመረ፣ “ፈረግ! ፈረግ! ርኣየና እሞ፡ ነገራት እንታይ ኰይኑ ዘይመሓየሽ እናበልና ክንግረም ሓደ ዓይነት ነገር ደጋጊምና ክንገብር ግዜ ሓሊፉ። እዚ ዕሽነት እንተ ዘይኰይኑ፡ መስሓቕን መላገጽን ምዃኑ ግን ኣይተርፎን’ዩ።”
ፈረግ ናብቲ ሕልኽላኽ ሸጓሹግ ኣቲኻ ዳግማይ ምድላይ ዝብል ሓሳብ ፈጺሙ ኣይተዋሕጠሉን። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ሕልኽላኽ ገበላታትን ኣደራሻትን ኣትዩ ከም ዝጠፍእ ይርድኦን ሓድሽ እንጌራ ኣበይ ከም ዝረክብ ኣይፈልጥንን’ዩ ዝነበረ። ፍርሒ እንታይ ይገብሮ ከም ዘሎ ኣብ ዝፈልጠሉ ግን ንዕሽነቱ ክስሕቀላ ኣሎዎ።
“መጕየዪ ጫማና ኣበይ ኢና ኣቐሚጥናዮ፧” ሓተተ ፈረግ ንነግ። ኣብ ነቝጣ ሰለስተ እንጌራ ምስ ረኸቡ ካልእ መዓልቲ ኣየድልየናን’ዩ ብምባል፡ ኵሉ ነገራቶም ፋሕ ስለ ዘበሉዎ መጕየዪ ጫማኦም ንክረኽቡዎ ነዊሕ ግዜ ወሰደሎም።
ፈረግ ጫማኡ እናወደየ እንከሎ፡ “ናብቲ ሕልኽላኽ መሽጐራጉር ኣቲኻ ዳግማይ እንጌራ ንምድላይ ክትጐዪ ዲኻ ብሓቂ፧ ነቲ እንጌራ ክሳዕ ዝመልሱዎ ኣብዚ ኴንካ ምሳይ ዘይትጽበ፧” በሎ ነግ።
“ስለ ዘይበርሃልካ እዩ፡” በለ ፈረግ፣ “ኣነ’ውን ክቕበሎ ዘይመረጽኩ ዝነበርኩ እኮ ብኸምዚ ትብሎ ዘለኻ ምኽንያት እዩ። ሕጂ ግን ተረዲኡኒ ኣሎ። እቲ ዝነበረ እንጌራ ተመሊሱ ኣይመጽእን፣ ዝመልሰልና’ውን የሎን። እቲ ዝነበረ ሕሉፍ እዩ፣ ሕጂ ሓድሽ እንጌራ እንደልየሉ ግዜ እዩ።”
ነግ ተኻትዐ፣ “ኣብቲ ትደልየሉ ቦታ እንጌራ እንተ ዘይጸንሐኸ፧ እንተ ኣሎ’ውን እቲ ዘሎዎ ቦታ እንተ ሰኣንካዮኸ፧”
“እንድዕሉ – እንታይ ፈሊጠ!” በለ ፈረግ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ደጋጊሙ ንነብሱ ሓቲቱዋ’ዩ። ኣብቲ ዝለመዶ ኮፍ ከም ዝብል ዝገብሮ ፍርሒ ዳግማይ ተሰምዖ፣ “እንጌራ ንምርካብ ዘሎኒ ተኽእሎ ኣበየናይ ይዓቢ – ኣብዚ ዋላ ኣብቲ ገና ዘይፈለጥኩዎ ሸጓሽጕ፧” ብምባል ንነብሱ ሓተተ። ኣብ ኣእምሮኡ ሓደ ምስሊ ሰኣለ። ኣብቲ ገበላታትን ኣደራሻትን ኣትዩ ክደሊ ተሳኢሉዎ ገጹ ብፍሽኽታ በርሀ። እቲ ዝፈጠሮ ስእሊ ስለ ዘደነቖ ጽቡቕ ተሰመዖ። ኣብቲ ዝተሓላለኸ ሸጓሹግ መንገዲ ስሒቱ ክጠፍእ ደጋጊሙ ተራኣዮ። ኣብ መወዳእታኡ ግን ሓድሽ እንጌራን ምስኡ ዝስዕብ ነገራትን ተሳኢሉዎ፡ ርእሰ-ተኣማንነቱ ዓብዩ ንዅሉ ተበግሶታቱ ጠርነፈ።
እንጌራ እናረኸበን እና’ስተማቐሮን ብስእለ-ኣእምሮኡ – ምስ ዘእምን ዝርዝራቱ – ተቐጀሎ። ብኣእምሮኡ ዛዊኑ እንከሎ፡ ነግ ገለ ክብል ምስ ሰምዖ ተበራበረ’ሞ፡ ገና ኣብ ነቝጣ ሰለስተ ከም ዘለዉ ተረድኦ።
“ሓድሓደ ግዜ ነገራት ይቕየሩ’ሞ፡ ዳግማይ ናብቲ ዝነበሩዎ ኣይምለሱን። እዚ’ውን ከምኡታት ይመስል ኣሎ። ህይወት ከምኡ እያ፣ ጕዕዞኣ እያ ትቕጽል። ንሕና’ውን ምስኣ ክንጓዓዝ’ዩ ዘለና፡” በሎ ፈረግ – ናብቲ ዝማሰነ ብጻዩ ብምጥማት ስምዒት ብዝህብ ክዛረብ እናፈተነ። ይዅን’ምበር፡ ነግ ንፍርሑ ናብ ሕርቃን ቀየሮ። ምስማዕ’ውን ኣበየ።
ነግ ንዓርኩ ክደፍሮ ወይ ከላግጸሉ ኢሉ ኣይኰነን፡ ክሳብ ክንደይ ናብ ንኡሳን ሰባት ተቐዪሮም ከም ዘለዉ ምስ ተገንዘበ ግን ሰሓቐ።
ፈረግ ክኸይድ ክቀራረብ እንከሎ ህይወታዊ ነገር ኣብ ውሽጡ ተሰምዖ። ኣብ መወዳእታኡ ንነብሱ ክስሕቓ ምዃኑ ብምፍላጥ ከኣ ነቐለ። ከደ’ውን። ዓው ኢሉ እናሰሓቐ፡ “እዚ… ሕልኽላኽ መንገዲ’ዩ … ኣየ ግዜ!” ይብል ነበረ። ነግ ግና ኣይሰሓቐ፡ ኣይመለሰ።
ፈረግ ሓንቲ በላሕ ጽንጽሕለ ካብ መሬት ኣልዒሉ፡ ነግ ንኣ ኣንቢቡ ምእንቲ ክሓስብ፡ ፍሽኽ ክብልን ተነቓቂሑ ሓድሽ እንጌራ ንምርካብ ክነቅልን ከምቲ ልምዶም ኣብቲ መንደቕ ሓደ ሓሳብ ጸሓፈ። ከምዚ ከኣ ትንበብ፤
ብድሕሪ’ዚ፡ ፈረግ ድንን ኢሉ ብዅቱር ህንጡይነት ናብቲ ሸጓሹግ ኣተወ። ናብቲ እንጌራ ኣልቦ ኵነታት ከመይ ኢሉ ከም ዝሰጠመ ይሓስብ ነበረ። ኣብቲ ሕልኽላኽ ሸጓሹግ ምንም እንጌራ ኣይህሉን ወይ ኣይርከብን’ዩ ንዝብል ዘረባ ኣሚኑዎ ነይሩ’ዩ። እዚ ዘፍርሕ ኣተሓሳስባ’ዚ ከኣ’ዩ ከም ዘይንቀሳቐስ ሒዙ ህይወት ከም ዘይረክብ ዝገበሮ። ፈረግ ክምስ በለ። ነግ ገና ሽዑ’ውን፡ “ነቲ እንጌራይ መን ወሰደለይ፧” እናበለ ይጽበ ከም ዘሎ ዘከረ። ፈረግ ግና፡ “ንምንታይ ቅልጥፍ ኢለ ብድድ ብምባል ሓድሽ እንጌራይ ሃሰው ዘይበልኩ፧” እናበለ ይሓስብ ነበረ።
ፈረግ ናብቲ ሸጓሱግ ምስ ኣተወ ናብቲ ዝጸንሖ ቦታ ግልጽ በለ’ሞ፡ እቲ ዝነበሮ ምቾት ዘከረ። ዋላ’ኳ ኣብቲ ቦታ ንገለ ግዜ እንጌራ ኣይርከብ፡ ናብቲ ዝለመዶ ገጹ ናይ ምምላስ ስምዒት ተሰምዖ። ነቲ ዝጸንሖ ሓዲጉ ናብቲ ሸጓሱግ ክኣቱ ድልውነቱ መዘነ። ኣብ ቅደሚኡ ኣብ ዝነበረ መንደቕ ድማ ሓደ ብሂል ጸሓፈ’ሞ፡ ንገለ ደቓይቕ ቀው ኢሉ ጠመቶ፤
ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ሓሰበ። ሓድሓደ ግዜ ዝተወሰነ ፍርሒ ኣገዳሲ ምዃኑ ይፈልጥ’ዩ። እንድሕር ፈሪሕካ ነገራት ካብ ዓቐኖም ንላዕሊ ዝበኣሱ ይዀኑ’ዮም። ገለ ግዜያት ዘይምፍራሕ ናብ ግብራዊ ነገር ክትሰጋገር የኽእለካ’ዩ። ምሒር ፍርሒ፡ ዝዀነ ነገር ካብ ምግባር ስለ ዝገትኣካ ጽቡቕ ኣይኰነን።
ናብ የማኑ ግልጽ በለ፣ ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ረጊጹዎ ዘይፈልጥ ሸነኽ ናይቲ ሸጓሹግ ብዝተጠመተ ፍርሒ ተሰምዖ። ኣዕሚቑ ድሕሪ ምስትንፋስ ንየማኑ ተጠውዩ ናብ ውሽጢ ኣተወ። ዘብዘብ እናበለ ከኣ ናብቲ እንታይ ሒዙልካ ከም ዝጸንሕ ዘይተፈልጠ ቦታ ተደርገመ።
ኣብቲ ፈለማ ኣንፈት ክረክብ እናጸዓረ እንከሎ፡ ሻቑሎት ፈጠረሉ’ሞ ኣብ ነቝጣ ሰለስተ እናተጸበኹ ምጽናሕዶ ምሓሸኒ ነይሩ ኢሉ ሓሰበ። እንጌራ ከይበልዐ ነዊሕ ገይሩ ስለ ዝነበረ ሓይሉ ብምድካሙ ዘይ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ግዜ ወሰደሉን ብዙሕ ጻዕሪ ሓተቶን። ዳግማይ ዕድል እንተ ረኺቡ ካብቲ ዝተሰማምዖ ወይ ዝለመዶ ቦታ ቀልጢፉ ክእለን ለውጢ ክቕበልን ምዃኑ ወሰነ። ብድሕሪ’ዚ፡ ፈረግ ካብ ፈጺምካ ድው ምባል ዋላ ደንጕ ምኻድ ከም ዝሓይሽ ሓሰበ’ሞ፡ ብድኹም ፍሽኽታ ክምስ በለ።
ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፡ ንእለቱ ጥራሕ ዝኸውን ቍሩብ እንጌራ ረኸበ። እኹል እንጌራ ረኺቡ ንነግ ሒዙሉ ክኸይድ’ሞ፡ ካብቲ ዘለዎ ወጺኡ ናብቲ ሸጓሹግ ንምኻድ ክተባባዕ ተተስፈወ። ይዅን’ምበር፡ ፈረግ ንባዕሉ ኣይተተኣማመነን። እቲ ሸጓሹግ መደናገሪ ምዃኑ ክሓብኦ ኣይከኣለን። ካብታ ካብ ነቝጣ ሰለስተ ዝወጽኣላ ናይ መጠረሽታ መዓልቲ ኣትሒዙ ነገራት ዝቀያየሩ ዘለዉ መሰሉ። ንቕድሚት ገስጊሰ ኣለኹ ኢሉ ኣብ ዝሓሰበሉ ኣብቲ ገበላታት ጠፊኡ ይጸንሕ። ጕዕዞኡ ክልተ ስጕምቲ ንቕድሚት ሓንቲ ስጕምቲ ንድሕሪት ኰኖ። በዳሂ እኳ እንተዀነ፡ ናብቲ ሸጓሹግ ኣቲኻ እንጌራ ምድላይ ካብቲ ብሓሳብ ዘፍርሖ ዝነበረ ብግብሪ ዝሓሸ ምዃኑ ኣይሰሓቶን።
ግዜ እናነውሐ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ “ብሓቂኸ ክርከብ ድዩ፧ ልዕሊ ካብ ኢድካ ናብ ኣፍካኸ ክኸውን ድዩ፧” እናበለ ክግረም ጀመረ። ኣብታ ግዜ’ቲኣ ዝበልዖ ከም ዘይብሉ ምስ ዘከረ ብሰሓቕ ክርትም በለ። ተስፋ ክቖርጽ ክደሊ እንከሎ ዝነበሮ ኵነታት’ዩ ዝዝክር። እንጌራ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ኮፍ ካብ ምባል፡ ተንቀሳቒስካ ነቲ ክውንነት ምቕባል ኣጸቢቑ ይሓይሽ። ነገራት ባዕላቶም ከጋጥምዎ ካብ ዝሓድጎም ክቈጻጸሮም ከም ዘለዎ ወሲኑ እዩ። ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ክኸዱ ካብ ከኣሉ ንሱ’ውን ክንቀሳቐስ ከም ዘሎዎ’ዩ ንነብሱ ዘዘክራ።
ጸኒሑ ፈረግ ነቲ ዝነበረ ኵነታት ክሓስበሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ነቝጣ ሰለስተ ዝነበረ እንጌራ ከምቲ ዝመስሎ ዝነበረ ብሓደ ለይቲ ከም ዘይተወድአ ተገንዘበ። ኣብ መወዳእታ እዋናት፡ እቲ ዝነበረ ዓቐን እንጌራ እናተወድአ፡ እቲ ዘይምቍር እናበዝሐ’ዩ ዝኸይድ ዝነበረ። እቲ ዝተመንጨተ እናበዝሐ ይኸይድ ከም ዝነበረ ግን ኣየስተውዓለሉን። እንተ ዝደሊ፡ እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ መስተብሃለሉ ነይሩ። ግናኸ ኣይገበሮን። እንታይ የጋጥም ከም ዝነበረ እንተ ዝዕዘብን ለውጢ እንተ ዝጽበን፡ እቲ ዘጓነፈ ኵነታት ሃንደበት ኣይምዀነንን ኢሉ ኣስተንተነ። ምናልባት ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ከምዚ ገይሮም ይዀኑ።
ድሕሪ ሕጂ ንቑሕ ኰይኑ ንነገራት ክዕዘቦም ወሰነ። ለውጢ ክቕበልን ክዕዘቦን’ዩ። ለውጢ ከጋጥም ምዃኑ ዝርድኣሉ ስምዒታቱ (ገምሩ) ክነግሮ እንከሎ፡ ክኣምኖን ክርዕሞን ከም ዝግባእ ከኣ ተረድኦ።
ከዕርፍ ኢሉ ደው በለ’ሞ ኣብቲ መንደቕ ከምዚ ዝስዕብ ጸሓፈ፤
እንጌራ ንምርካብ ነነዊሕ ግዜ ሃሰው ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ተስፋ ዝህብ ነቝጣ በጽሐ። ቀሪቡ ምስ ርኣዮ ግን ጥርሑ ጸንሖ። ኣዝዩ ድማ ሓረቐ።
“ንኣይ’ውን ውሽጠይ ጥርሐይ ተሰምዓኒ፡” ብምባል ሓሰበ። ተስፋ ምቝራጽ ተሰምዖ። ሓይሉ ክደክም ተፈሊጡዎ ኣይድሕንን’የ ግዲ ኢሉ ፈርሐ። ተጠውዩ ናብ ዝለመዶ ነቝጣ ሰለስተ ክምለስ ሓሰበ። ናብኡ ክምለስ ምስ ዝኽእል እንተ ወሓደ ንነግ ረኺቡ ካብ ጽምዋ እኳ ምተገላገለ። “ዘይፈርሕ ነይረ እንተ ዝኸውንስ ኣበይ ኰን ምበጻሕኩ፧” ኢሉ ንነብሱ ሓተተ።
ፈረግ ንፍርሑ ከም ዝሰዓሮ’ዩ ዝሓስብ ዝነበረ። እንተዀነ፡ ካብ ዝመስሎ ንላዕሊ ብተደጋጋሚ ይፈርሕ ነበረ። እንታይ ከም ዘፍርሖ ብትኽክል ኣይፈልጥን። ኣብዚ ዝተዳኸመሉ እዋን ግን ንበይኑ ይኸይድ ምህላዉ ፍርሒ ከም ዝፈጥረሉ ተረድአ። ብዘፍርሑ እንተታት ተኸቢቡ ስለ ዝነበረ ከምቲ ዝድለ ይስጕም ኣይነበረን።
ፈረግ ንነግ ዘከሮ’ሞ ጕዕዞ ጀሚሩዶ ይኸውን ወይስ ፍርሒ ሓሊኹ ብምሓዝ ኣብታ ዝነበራ ለሚሱ ኮፍ ኢሉ ኣሎ፧ ብምባል ተገረመ። ጸኒሑ ግን፡ ካብ ነቝጣ ሰለስተ ንበይኑ ክብገስ ከሎ ዝተሰምዖ ፍሉይ ሓጐስ ዘከረ። ንባዕሉ መዘከሪ ንብጻዩ ነግ ከኣ መሐበሪ ክትኰኖ እናተተስፈወ ኣብቲ መንደቕ ጸሓፈ፤
ፈረግ ናብቲ ግብ ዝበለ ጸልማት መሕለፊ ጠመተ’ሞ ፈርሐ። ብድሕሪኡ እንታይ ኣሎ፧ ጥርሑዶ ይኸውን፧ ሓደገኛ ኵነታትዶ ኣብኡ ኣድብዩ ይህሉ፧ ከጓንፎ ዝኽእል ዘፍርሕ ዘበለ ኵሉ ክሓስብ ብምጅማር ኣቐዲሙ ብፍርሒ ክመውት ቀረበ።
ጸኒሑ ግን፡ ምፍርሑ ነቲ ነገር ካብ ዓቐኑ ንላዕሊ ዝበኣሰ ይገብሮ ምህላዉ ኣስተውዒሉ ንነብሱ ሰሓቓ። ከምታ ከይፈርሐ ከሎ ዝገብራ ከኣ ገበረ። ናብ ሓድሽ ኣንፈት ተጓዓዘ። በቲ ጸልማት ገበላ ክጐዪ ምስ ጀመረ ፍሽኽ በለ። ፈረግ ገና’ኳ ክርድኦ እንተ ዘይከኣለ ንመንፈሱ ዝቕልብ ግን ይድህስስ ነይሩ እዩ። ብልክዕ እንታይ ምዃኑ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፡ ነቲ ኣብ ቅድመኡ ክጸንሖ ዝኽእል ብምእማን ቀጸለ። እናሻዕ ታሕጓስ ክስምዖ ብምጅማሩ ንባዕሉ’ውን ገረሞ፣ “ዝዀነ እንጌራ የብለይን። ናበይ ይኸይድ ኣለኹ’ውን ኣይፈልጥን። ከመይ ደኣ’ዩ ጽቡቕ ዝስምዓኒ፧” ብምባል ተደነቐ። ነዊሕ ከይከደ ከኣ ንምንታይ ጽቡቕ ከም ዝተስምዖ ክርድኦ ከኣለ።
ኣብቲ መንደቕ ክጽሕፍ ደው በለ። ገዛእ ፍርሑ ከረው ኣቢሉ ኣሲሩ ሒዙዎ ምንባሩ ኣስተውዓለ። ብሓድሽ መንገዲ ምጓዓዝ ሰንሰለት ፍርሑ በቲዅሉ። ነቲ ኣብቲ ሸጓሹግ ፊሽ ፊሽ ዝብል ዝነበረ ዝሁም ኣየር ኣስተማቐሮ’ሞ ተዛነየ። ኣዕሚቝ ኣስተንፈሰ። ብምጓዓዙ ሓይሊ ተሰምዖ። ሓንሳብ ንፍርሑ ምስ ሰዓሮ ካብቲ ሓደ እዋን ክኸውን’ዩ ኢሉ ዝኣምኖ ዝነበረ ንላዕሊ ምሒር ዘሐጕስ ተቐየረሉ።
ፈረግ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህታ ካብ ዘይስምዖ ነዊሕ ገይሩ እዩ። እንጌራ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ክሳብ ክንደይ ደስ ዘብል ምዃኑ ክርስዖ ቍሩብ’ዩ ተሪፉዎ ዝነበረ። ነገራት ብዝያዳ ዝበለጹ ምእንቲ ክዀኑ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ጽቡቕ ምስልታት ክቕጅል ጀመረ። ንነብሱ ኣብ ዝፈትዎ ዓይነት ኵምራ እንጌራ ኮፍ ኢላ ብንጹር ተራኣየቶ። ብዙሕ ካብቲ ዝፈቱዎ እናተመገበን ተፈሲሁ እናተመልከቶን ተሳእሎ። እቲ ዘዋናውን ጣዕሙ ከመይ ኢሉ ከም ዘስተማቕሮ ተቐጀሎ። ነብሱ ሓድሽ እንጌራ ረኺባ እናስተማቐረት እንከላ ብንጹር ስእሊ ዝያዳ እናኽርኣዮ፡ ዝያዳ ክውንን ዝእመንን ናብ ምዃን ደረጃ በጽሐ። ክረኽቦ ምዃኑ ድማ ነብሱ ነገሮ። ከምዚ ብምባል’ውን ጸሓፈ፤
ፈረግ እቲ ዝኸሰሮ ሓዲጉ ብዛዕባ’ቲ ክረኽቦ ዝኽእል ጥራሕ ደጋጊሙ ይሓስብ ነበረ። ቅድሚ ሕጂ፡ ለውጢ ናብ ዝኸፍአ ከም ዝወስድ ገይሩ ዝሓስቦ ዝነበረ ኣገረሞ። ሕጂ ግና ለውጢ ናብ ዝሓሸ ክወስደካ ከም ዝኽእል ተረደኦ፣ “ንምንታይ ኣቐዲመ ነዚ ዘይተረዳእኩዎ፧” ብምባል ከኣ ንነብሱ ሓተተ።
ዳግማይ ብዓቢ ሓይሊን ፍጥነትን ኣብቲ ሸጓሹግ ኣትዩ ጐየየ። ኣብ ሓደ ነቝጣ እንጌራ ቅድሚ ምብጽሑ፡ ኣብቲ ኣፋፌቱ ቍርጽራጽ ሓድሽ እንጌራ ብምርኣዩ ተሃንጠየ። ኣቐዲሙ ርእዩዎ ዘይፈልጥ ዓይነት እንጌራ’ኳ እንተ ነበረ፡ ጽቡቕ ግን ይመስል። ኣልዒሉ ብዝጠዓሞ ድማ ምቍር ኰይኑ ረኸቦ። ንዝበዝሕ ካብቲ ዝረኸቦ ድማ በልዖ። ንደሓር ዝዀኖ ቍሩብ ቋጸረ። ምናልባት’ውን ምስ ነግ ብምዃን ይበልዑዎ ይዀኑ። ሓይሉ ክመልስ ድማ ጀመረ።
ናብቲ ነቝጣ እንጌራ ብዓቢ ህንጡይነት ኣተወ። ሕልናኡ ክጐድእ ግዲ’ሉ ጥርሑ ጸንሖ። ኣብኡ ቀዲሞሞ ዝበጽሑ ከም ዝነበሩ ዝሕብር ሓዲጐሞ ዝኸዱ ቍንጣሮ ሓድሽ እንጌራ ግን ጸንሖ። ካብ ነቝጣ ሰለስተ ቀልጢፉ ተንቀሳቒሱ እንተ ዝነብር፡ ኣብዚ ቦታ ሓድሽ እንጌራ ናይ ምርካብ ተኽእሎኡ ዓቢ ምንባሩ ሓሰበ። ነግ ክጽንበሮ ይደሊ እንተዀነ ክፈልጥ ከኣ ክምለስ ወሰነ። ንዝሓለፎ መንገዲ ግልጽ ኢሉ ምስ ርኣዮ ደው በለ’ሞ፡ ኣብቲ መንደቕ ጸሓፈ፤
ድሕሪ ቍሩብ ግዜ፡ መንገዱ ቀዪሩ ናብ ነቝጣ ሰለስተ ተመሊሱ ንነግ ረኸቦ። ካብቲ ሒዙሉ ዝመጽአ እንጌራ ሂቡዎ ዳግማይ ጕዕዞ ጀመረ። ነግ ብምቝልሉነት ዓርኩ ተደሰተ። ይዅን’ምበር፡ “ሓድሽ እንጌራ ዝደሊ ኣይመስለንን። እቲ ዝለመድኩዎ ኣይኰነን። እቲ ናተይ እንጌራ ክምለሰለይ’የ ዝደሊ። ዝደለኹዎ ክሳብ ዝረክብ ድማ ኣይልወጥን’የ፡” በለ። ፈረግ ደስ ኣይበሎን’ሞ ርእሱ ነቕነቐ። ግምጥል ኢሉ ብናቱ መገዲ ቀጸለ። ኣርሒቑ ምስ ከደ ኣብቲ ሸጓሹግ በጽሐ። ንዓርኩ ክናፍቖ ክናፍቖ እኳ እንተ ጀመረ፡ ነቲ ዳህሳሱ ዝያዳ ከም ዝመርጽ ግን ርግጸኛ ነበረ። ዝተመነዮ ዓቢ ሓድሽ እንጌራ ዋላ እንተ ረኸበ’ውን እቲ ዝያዳ ዘሐጕሶ ምውናን እንጌራ ኣይኰነን። ካብ ፍርሑ ወጺኡ ብናቱ ክኸይድ ከሎ ደስታ ተስምዖ። ነዚ ዝገብሮ ዝነበረ እለሻ’ዩ ዝፍተዎ። ኣብ ነቝጣ ሰለስተ ዝስምዖ ዝነበረ ድኻም በነነሉ። ፍርሑ ሓሊኹ ደው ከብሎ ኣይፈቐደን። ብሓድሽ መገዲ ምዃድ ንመንፈሱ መሊኡ ሓይሊ ሃቦ። እቲ ዝምነዮ ክረኽቦ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ ከም ዝተርፎ፡ አረ እቲ ዝደልዮ ከም ዝረኸቦ ተሰመዖ። ነዚ ዝስዕብ ምስ ኣስተውዓለ ከኣ ክምስ በለ፤
ፈረግ ከምቲ ኣቐዲሙ ተረዲኡዎ ዝነበረ፡ እቲ ትፈርሖ ኣብ ግብሪ ከምቲ ብሓሳብ ዝብርትዓካ ከም ዘይኰነ ኣስተንተነ። ካብቲ ኰይኑ ዝጸንሓካ እቲ ኣብ እእምሮኻ እትሃንጾ ፍርሒ ይዓቢ። ጠቕሊሉ ሓድሽ እንጌራ ከይስእን ካብ ምፍራሕ ዝተላዕለ፡ ምድላይ ክጅምር እኳ ይደሊ ኣይነበረን። ጕዕዞኡ ምስ ጀመረ ግና ንመንገዱ ዝዀኖ እኹል እንጌራ ኣብቲ ገበላታት ረኸበ። ዝያዳ ንምርካብ ከኣ ገስገሰ። ንቕድመኻ ምጥማት መሳጢ ኰይኑ ረኸቦ። ኣተሓሳስባኡ ብደበና ሻቝሎታቱን ፍርሕታቱን ተጐልቢቡ’ዩ ዝነበረ። ካብ ብዛዕባ’ቲ ቅኑዕ፡ ብዛዕባ’ቲ ግጉይ ብዝያዳ ይሓስብ ነበረ። ንነቝጣ ሰለስተ ሕቘኡ ሂቡዋ ክኸይድ ካብ ዝጅምር ንንየው ግን ክቕየር ጀመረ።
እቲ እንጌራ ክለዓል ከም ዘይነበሮን ለውጢ ቅኑዕ ከም ዘይኰነን’ዩ ዝኣምን ዝነበረ። ድሒሩ ግን ብፍታውካ ይዅን ብዘይፍታውካ ለውጢ ከጋጥም ባህርያዊ ምዃኑ ኣስተውዓለ። ለውጢ ሃንደበት ዝዀነካ፡ ዘይትጽበዮን ዘይትደልዮን እንተ ጸኒሕካ ጥራሕ’ዩ። ዝነበሮ ኣረኣእያ ከም ዝተቐየረ ምስ ፈለጠ ንኽጽሕፍ ደው በለ፤
ፈረግ ዛጊት እንጌራ ኣይረኸበን። ኣብቲ ሸጓሹግ መኻን ክጐዪ ከሎ ግን ብዛዕባ’ቲ ዝቐሰሞ ትምህርቲ ጥራሕ’ዩ ዝሓስብ። እዚ ሓድሽ ኣረኣእያኡ ሓድሽ ባህሪ ከም ዝፈጠረሉ ተረድኦ። ካብቲ ናብ እንጌራ ዘይብሉ ነቝጣ ሰለስተ ክምለስ ከሎ ዝነበሮ፡ ሕጂ ብዙሕ ተቐየረ። ትኣምኖ ዝነበርካ እንተ ቀይርካ እትገብሮ ነገራት ከኣ ትቕይር። ለውጢ ክጐድኣኒ’ዩ ስለ እትብል ንለውጢ ትጻረር። ምርካብ ሓድሽ እንጌራ ጠቓሚ’ዩ እንተ ኢልካ ከኣ ንለውጢ ትቕበሎ። ኵሉ ኣብቲ ኣረኣእያኻ’ዩ ዝምርኰስ።
ኣብቲ መንደቕ ጸሓፈ፤
ነቲ ዘጓነፈ ለውጢ ቀልጢፉ ብምርዳእ ብሽዓኡ ተንቀሳቒሱ እንተ ዝነብር ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ክህሉ ከም ዝኽእል ዝነበረ ኣስተውዓለ። ብመንፈስን ኣካልን ሓይሉ ምሃለወ። ሓድሽ እንጌራ ንምርካብ ዝፎዀሱ ብድሆታት ምገጠሙዎ። ለውጢ ከም ዘጋጠመ ቀልጢፉ ፈሊጡ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ምንጻግ ለውጢ ዘጥፍእ ምተጓዕዘ’ሞ ምናልባት ሕጂ እንጌራ ረኺቡ ምሃልወ ይኸውን።
ዳግማይ ኣብ ርእሱ ሓድሽ እንጌራ ክረክብን ከስተማቕርን ሰኣለ። ናብቲ ዘይፍለጥ ሸነኽ ናይቲ ዝተሓላለኸ መኻን ክኣቱ ወሰነ። ንኣሽቱ ተረፍመረፍ እንጌራ ፋሕ ኢሉ ስለ ዝረኸበ ሓይሉን ተኣማንነቱን በረኸ። ብሓሳብ ናብቲ ዝተበገሰሉ ክምለስ እንከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዝበጽሖ ቦታታት ጽሑፍ ምግዳፉ ኣሐጐሶ። ነግ ካብ ነቝጣ ሰለስተ ክወጽእ እንተ ወሲኑ መሐበሪ ኰይኑ መሪሑ ናብቲ ሸጓሹግ ከምጽኦ ተመነየ። ፈረግ ቅኑዕ ኣንፈት ሒዙ ክህሉ ተተስፈወ። ነግ ነቲ ፈረግ ዝጽሓፎ ኣንቢቡ ክኽተሎ ዘሎዎ ተኽእሎ ብምሕሳብ፡ ነቲ ከሰላስሎ ዝጸንሐ ኣብቲ መንደቕ ኣስፈሮ፤
ፈረግ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ዝሓለፈ ሓሊፉ ብምባል ኣብ ባይታ ምስ ዝነበረ ኵነታት ገዛእ-ርእሱ እና’ለማመደ ነበረ።
ኣብቲ መኻን ምድላይ ድማ ብዝለዓለ ትግሃትን ጻሕርን ቀጸለ። ብዙሕ ከይደንጐየ’ውን ባህጉ ክውን ኰነ። ኣብቲ ስፍራ መዋዕል ክሳዕ ዝጸንሐ ኣብ ዝተሰምዖ እዋን፡ ብውሕዱ እዚ ክፋል ናይ ጕዕዞኡ ብቕልጡፍን ብደስታን ተዛዘመ። ንፈለማ ዝርኣዮ ነዊሕ ገበላ ሓሊፉ ብዅርናዕ ምስ ተጠውየ ኣብ ነቝጣ 14 ሓድሽ እንጌራ ረኸበ።
ናብ ውሽጢ ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ ብዝርኣዮ ኣዝዩ ተገረመ። ኣብ ምሉእ ህይወቱ ከምዚ ዝተፈላለየ ዓይነት ኵምራ እንኬራ ጐኒፉዎ ኣይፈልጥን። ገለኡ ዓይነታት ኣቐዲሙ ጥዒሙዎ ዘይፈልጥ እዩ ዝነበረ።
እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝነበረ ግህዶ ድዩ ሕልሚ ኣጠራጠሮ – ክሳዕ ነቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኽቱ ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ዝርእዮም።
ሸታቲቶ ርእሱ እናነቕነቐ፡ ሸበድባዳይ ድማ ኢዱ እና’ወዛወዘ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ምልክት ገበሩሉ። እቲ ተተርቢቡ ዝነበረ ከብዶም ኣብቲ ቦታ’ቲ ከም ዝጸንሑ ዘመልክት ነበረ።
ፈረግ ስሉጥ ሰላምታ ድሕሪ ምሃብ ካብ ዝፈትዎ ዓይነት እንጌራ ኣልዒሉ በልዐ። ጫማኡ ኣውጺኡ ብላቺኦም ሓድሕዶም ድሕሪ ምእሳር ዳግማይ ከድልዩዎ ስለ ዝኽእሉ ኣብ ክሳዱ ኣንጠልጠሎም።
ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ሰሓቑ፣ ብምግራም ኣራእሶም ነቕነቑ። ፈረግ ጠኒኑ ናብቲ ሓድሽ እንጌራ ኣትዩ ክሳብ ዝጸግብ ድሕሪ ምምጋብ ሓንቲ ኵላሶ ኣልዒሉ፡ “ዕደመ ንለውጢ!” ብምባል ሓጐሱ ጸምበለ።
ፈረግ ሓድሽ እንጌራኡ እና’ሰተማቐረ ብዛዕባ ዝሓለፈ ተመኵሮኡ ኣስተንተነ። ለውጢ ይፈርሓሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ብዘይነበረ እንጌራ እናተዋሃመ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ይነብር ምንባሩ ተረደአ።
እሞኸ ደኣ ክልወጥ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ብጥምየት ከይመውት ድዩ፧
እዚ ፍርሒ’ዚ ከም ዝሓገዞ ብዝተረደአ ክምስ በለ።
ቀጺሉ ክርትም ኢሉ ሰሓቐ’ሞ፡ ብጌጋታቱን ገዛእ-ርእሱን ክስሕቕ ኣብ ዝጀመረሉ ክልወጥ ከም ዝበቕዐ ተገንዘበ። ብጌጋታትካ ምስሓቕ ብዝቐልጠፈ ክትልወጥ ዘኽእለካ መገዲ እዩ – ብድሕሪ’ዚ ንድሕሪት ዝጐትተካ ገመድ በቲኽካ ንቕድሚት ምውንጫፍ ይከኣል።
ኣብ ዝለመድካዮ ጥራሕ ደው ምባል ሓዲግካ ክትንቀሳቐስ ከም ዘለካ ካብ ብጾቱ ሸታቲቶን ሸበድባዳይን ተማሂሩ እዩ።
ንህይወት ኣቕሊሎም እዮም ዝሕዙዋ። ኣብ ነገራት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ትንተና ኣየብዝሑን፡ እምብዛ ኣይጠናንጉን። ኵነታት ኣብ ዝተቐየረሉን እንጌራ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉን ድማ ገዛእ-ርእሶም ቀዪሮም ምስኡ ይጓዓዙ። መቸም ነዚ ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ።
ብተወሳኺ፡ ፈረግ ኣእምሮኡ ተጠቒሙ ኣናጹ ክገብሩዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ካብ ምግባር ኣይበዀረን። ነቲ ዝረኽቦ ነገራት ምስ ደቀቕቲ ዝርዝራቱ ከይተረፈ ኣብ ኣእምሮኡ ይስእሎ ነበረ።
ኣብ ሕሉፍ ዝፈጸሞሞ ጌጋታት ብምግምጋምን ምስትንታንን ኣብ መጻኢ ንዝውጥኖም መደባት ይጥቀመሎም። ለውጢ ንምቕባል ርእስኻ ምልምማድ ከም ዝከኣል ተማሂሩ እዩ።
ነነገራት ኣቕሊልካ ምሓዝ፡ ምትዕጽጻፍን ግዜ ከይበላዕካ ብሽዓኣ ምንቅስቓስን እዩ ዘድሊ። ካብ መጠን ንላዕሊ ምክባዱን ምጥንናጉን ከምኡ’ውን ብሰንኪ ማሕለኻታት ፍርሒ ደምበርበር ክትብልን ኣይግባእን።
ንእሽቶ ለውጢ ክኽሰት ኣብ ዝጀመረሉ ኣዝዩ ዓቢ ለውጢ ይመጽእ ምህላዉ ኣሚንካ ክትዳለወሉ የድሊ።
ፈረግ፡ ቀልጢፉ ንለውጢ ክለምዶ ከም ዘለዎ ተረዲኡ እዩ። እንተዘይኰይኑ፡ ንሓዋሩ ምስኡ ዘይክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ።
ቀንዲ ዓንቃፊ ለውጢ ኣብ ግዳም ዘይኰነ ኣብ ውሽጥኻ እዩ ዘሎ። ውሽጥኻ ወይ ኣተሓሳስባኻ ክሳብ ዘይቀየርካ ድማ ዝልወጥ የሎን።
ካብ ኵሉ ዝዓበየ ድማ ይረኣየካ ኣይረኣየካ ብዘየገድስ ሓድሽ እንጌራ ኣብ ዝዀነ ቦታ ተቐሚጡ ኣሎ። ፍርሕካ ስዒርካ እለሻኻ ምስ እትቕጽል ድማ ስልማት ናይ ፍረ-ጻማኻ እዩ ዝኸውን።
ገለኦም ፍርሕታት ግቡኣት ምዃኖም ኣይዝንግዖን። ምኽንያቱ፡ ካብ ዝበኣሰ ሓደጋ ስለ ዝሕይቡኻ። እቶም ዝበዝሑ ግና ካብቲ ክትበጽሖ እትደሊ ደኣ ይዕንቅፉኻ እምበር ወድዓውያን ኣይኰኑን።
ኣብቲ ፈለማ ንኽጓዓዝ ሕጕስ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ መወዳእታኡ ግን ከምቲ ቀዳዊኻ ሓዘን ኣሎ ዝበሃል ናብ ዝበለጸ እንጌራ እዩ መሪሑዎ።
ዘይፈልጦ ዝነበረ ጽቡቕ ሸነኽ ናይ ገዛእ-ርእሱ ክድህስስ ኣኽኢሉዎ እዩ።
ፈረግ ኣብ ህይወቱ ዝቐሰሞ ዓቢ ትምህርቲ ክዝክር ከሎ፡ ነቲ ኣብታ ዝነበራ ዝሓደጎ ዓርኩ ነግ እዩ ዝዝክር፣ “ነቶም ኣብ ፈቖዶ ሸጓሹግ መናድቓት ዝጸሓፍኩዎም ጥቕሲታትስ ኣንቢቡዎምዶ ይኸውን፧” እናበለ ድማ ይሓስብ።
ካብ ነቝጠ ሰለስተ ተንቀሳቒሱዶ ይኸውን፧ ናብቲ ሑጓ ናይቲ መኻን ብምጓዓዝ ህይወቱ ዘምዕር ነገራት ዳህሲሱዶ ይኸውን፧ ወይስ ኣብታ ዝለመዳ ኮፍ ኢሉ ለውጢ ይጽየፍ ይህሉ፧
ፈረግ፡ ናብኡ ዝመልሰሉ መንገዲ እንተ ዘይጠፊኡዎስ፡ ምህላውን ዘይምህላውን ነግ ንምፍላጥ ናብ ነቝጣ ሰለስተ ክምለስ ሓሰበ። እንተ ጸኒሑዎ ካብቲ ሸኺሉ ዝሓዞ ከመይ ኣቢሉ ከውጽኦ ከም ዝኽእል ሓሰበ። ብውሽጡ ግና ቅድሚ ሽዑ ክልውጦ ፈቲኑ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝደኸመ ዘከረ።
ነግ ካብ ልምዱን ፍርሑን ተጋላጊሉ ሓድሽ መንዲ ህይወት ከናዲ ኣለዎ። ካብ ውሽጡ እንተ ዘይነቒሉ ድማ ነዚ ክገብረሉ ዝኽእል ሓደ እኳ የሎን። እቲ ገዛእ-ርእሱ ብምቕያሩ ክረኽቦ ዝኽእል ክርኣዮ ይግባእ።
ፈረግ፡ ነቲ ኣብ መንደቕ ዝተጻሕፈ ጥቕሲታት ከንብቦ እንተኽኢሉ ብዝሓለፎ ምልክት ሓዲግሉ እዩ።
ካብቲ ዝነበሮ ተንሲኡ ጽማቝ ናይቲ ዛጊት ዝቐሰሞ ትምህርቲ ኣብ ነቝጣ 14 ክጽሕፍ ጀመረ። ነቲ ዝተማህሮ ነገር ብዝርኣየ ድማ ብታሕጓስ ፍሽኽ በለ። ካብ ሕልፉ ተማሂሩ ድማ ኣብ ነቝጣ 14 ንዝነበረ እንጌራ ዕለታዊ ይከታተሎ ነበረ።
ፈረግ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ምስቲ ምስ ነግ ዝነበረሉ ብምንጽጻር ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ይርደኦ እዩ። በዚ ረኺቡዎ ዘሎ ተዛንዩ ጥንቃቐ ምስ ዘይገብር ናብቲ ዝነበረ ኵነት ክምለስ ከም ዝኽእል ኣይረስዖን። ዕለታዊ ድማ ኵነታት ነቝጣ 14 ብደቂቕ ይከታተል። ክግምቶ ዘይከኣለ ሃንደበታዊ ለውጢ ከይክሰት ከኣ ዝከኣሎ ዘበለ ይገብር ነበረ።
ኣብቲ ግዜ’ቲ ብዙሕ ኵምራ እንጌራ እኳ እንተ’ሎ፡ ፈረግ መዓልታዊ ናብቲ መኻን ብምኻድ እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ ይከታተል። ኣብ ዝለመዶ ኵነት ተሸኺሉ ካብ ምሕላፍ ምስቲ ክውንነት ምግጣም ዝያዳ ውሑስ ምዃኑ ተረዲኡ እዩ።
ኣብቲ ሸጓሱግ መኻን ገለ ምንቅስቓስ ዝሰምዐ መሰሎ። ድምጺ ናብኡ እናቐረበ ብዝመሰ ድማ ገለ ነገር ይመጽእ ምንባሩ ተረደአ።
ነግዶ መጺኡ ይኸውን፧
ፈረግ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝገበሮ ዓርኩ ነግ ክኸውን ጸለየ። መወዳእታኡ ካብ ልምዱ ወጺኡ . . .
ተዛዘመ. . .
ወይ ሓድሽ ምጅማርዶ ይኸውን፧