ምስጢር ታሕጓስ (ኣስተንትኖ ቍጽሪ 2)

ሓደ ነጋዳይ፡ ወዱ ናብ ዝለበመ ሰብ ኣብ ዓለም ብምኻድ ምስጢር ሓጐስ ክመሃር ለኣኾ። እቲ ወዲ ንኣስታት ኣርብዓ መዓልታት ኣብ ምድረበዳ ዛወነ። ኣብ መወዳእታኡ እቲ ለባም ሰብኣይ ኣብ ዝርከቦ ዘግየጸ ርሻን (ካስትል) በጽሐ።

ናብቲ ርሻን ምስ ኣተወ፡ ማእለያ ዘይብሉ ንጥፈታት ተዓዘበ። ነጋዶ ይመጽኡ ይኸዱ፣ ሰባት ኣብ ሓደ ኵርናዕ ኰይኖም የዕልሉ፣ ንእሽቶ ጕጅለ ኦርኬስትራ ህዱእ ሙዚቃ ተስምዕ፣ ከምኡ’ውን፡ ጣውላታት ዝጠዓሙ መግቢታት ዝሓዙ ብያቲታት መሊኦም ነበሩ። እቲ ለባም ሰብኣይ ድማ ምስ ዝዀነ ሰብ ይዛረብ ነበረ። እቲ ወዲ ተራኡ ክሳዕ ዝበጽሖ ንኽልተ ሰዓት ዝኣክል ተጸበየ።

እቲ ለባም ሰብኣይ፡ እቲ መንእሰይ ንምንታይ ከም ዝመጽአ ብጽሞና ሰምዖ። እንተዀነ፡ ምስጢር ሓጐስ እንታይ ምዃኑ ክነግሮ ግዜ ከም ዘይብሉ ሓበሮ። ንግዜኡ፡ ነቲ ርሻን ክርእዮ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ግን ክምለስ ከም ዝኽእል ሓበሮ።

“ክሳዕ ሽዑ ግን ሓደ ነገር ክሓተካ፧” ብምባል እቲ ለባም ሰብኣይ፡ ክልተ ንጣብ ዘይቲ ዝሓዘት ማንካ ኣቐበሎ፣ “እዚ ዘይቲ ከይፈሰሰ ነቲ ማንካ ሒዝካዮ ምሳኻ ዙር፡” በሎ።

እቲ ዘይቲ ንኸይፈሶ ነታ ማንካ እናጠመተ ንላዕልን ታሕትን እቲ ርሻን ኰለለ። ድሕሪ ክልተ ሰዓት እቲ ለባም ሰብኣይ ናብ ዝነበሮ ገዛ በጽሐ።

“መጺእካ፧” በለ እቲ ለባም ሰብኣይ፣ “እቲ ኣብ መመገቢ ክፍለይ ተንጠልጢሉ ዘሎ ናይ ፐርሽያ መመላኽዒ ርኢኻዮዶ፧ እቲ ንኽስራሕ ዓሰርተ ዓመት ዝወሰደ ጀርዲንከ ርኢኻዮዶ፧ እቲ ኣብ ቤት-ንባብ ዘሎ ጽቡቕ ብራናኸ፧” ሓተቶ።

እቲ ወዲ ሓፈረ። ዋላ ሓደ ከም ዘይርኣየ ከኣ ተናስሐ። እቲ ዘይቲ ከይፈሶ ኣቓልቦኡ ኣብታ ማንካ እዩ ዝነበረ።

“ኪድ ዳግማይ ተመለስ፣ ጽባቐ ዓለመይ ተዓዘቦ፡” በሎ እቲ ለባም ሰብኣይ፣ “ገዛኡ ዘይትፈልጦ ሰብ ክትኣምኖ ኣይትኽእልን ኢኻ፡” መለአ።

ነታ ማንካ ሒዙ ናብቲ ርሻን ተመሊሱ ኣብ ናሕስን መናድቕን ዘሎ ኵሉ ስራሓት ስነጥበብ ርኣየ – ነቲ ጀራዲን፡ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ጎቦታት፡ ጽባቐ ናይቲ ዕምበባታትን ንወከፍ ጽባቐ ክህቡ ዝተመርጹ ነገራት ተዓዘበ። ናብቲ ሰብኣይ ምስ ተመልሰ ድማ ዝርኣዮ ዘበለ ብምዝማድ ገለጸሉ።

“እቲ ዝሃብኩኻ ዘይቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧” ሓተቶ እቲ ለባም ሰብኣይ። እቲ መንእሰይ ነታ ማንካ እንተ ርኣያ እቲ ዘይቲ ፈሲሱ ጥርሓ ነበረት። “ሓንቲ ምኽሪ ጥራሕ’የ ክህበካ ዝኽእል፡” በለ እቲ ለባም ሰብኣይ፣ “ምስጢር ሓጐስ፡ ንዅሉ ጽባቐ እዛ ዓለም ምስትምቓርን ነቲ ኣብ ማንካ ዝነበረ ዘይቲ ዘይምርሳዕን’ዩ፡” በሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *