ሓደ መዓልቲ

ዓመተ-ምሕረቱ ኣይዝክሮን፣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ እዩ። ኣነ፡ ኣብርሃምን ሓንቲ መሓዛናን ብጐድኒ ካቴድራል እናሓለፍና፡ ሓዳስ ዝተኽፈተት ካፈ (ሞኒካ) ስለ ዝርኣና፡ “ንመውሳዶ፧” ተበሃሂልና ናብ ውሽጢ ኣተና።

ሰቲ ተነስኒሱ፡ ዝተቘነና ወይዘራዝር፡ ሱፍ ዝተኸድኑ ሰብኡት . . . ነበሩ። ዕንባባ፡ ባሽኮቲ፡ ካራሜላ መጽኣና – ለካ መመረቕታ ነበረ። ፓኒኖ ቋንጣ’ውን ተቐረበልና። መወዳእታኡ፡ ዓፍ-ዓፍ ዝብል ጸባ ሰዓበ። ነቲ ጸባ ሓንሳብ ፊት ምስ በልኩዎ፡ ንእለቱ ናብ እዋናት ቍልዕነተይ መለሰኒ፣ ትምህርቲ ምስ ተዓጽወ ኣብ እንዳ ኣቦ’ሓጎይ ዝኸርመሉ ዝነበርኩ እዋን። ድምጺ ጥሪት፡ ሽታ ኣቝጽልትን ዒባን፡ ውዑይ ጣይታ፡ ትኪ መጎጎ. . . ንእለቱ ተቐጀለኒ። ዳግማይ ካብ ዘይምለሶ ነዊሕ ዓመታት ገይረ ነበርኩ’ሞ፡ ናፈቕኩ። ነቲ ኣስሊ መቐረት ጸባ ረሲዐዮ ምንባረይ ከኣ ገረመኒ።

እታ መሓዛና ጥዕም ምስ ኣበለቶ፡ “ኣደድ፡ እንታይ ደኣ እዩ ዝጥዕም እዚ ጸባ፧” ኢላ ካብ ዓዲ ናብ ኣስመራ መለሰትኒ፣ ከምቲ ምጅማር ትምህርቲ ካብ ዓዲ ክምለስ ዝግድደኒ ዝነበረ። ኣብ ገጻ ዝተጠናነገ ጽዋገታት ነበረ።

“ጥዑም እምበር፡ ሓቀኛ ጸባ፡” በልኩዋ።

“ኣነስ ኣይፈተኹዎን፣ ጣዕሙ ተቐዪሩኒ።”

ሓቃ እያ፣ ጣዕሙ ተቐዪሩዋ። ‘ሳልሳይ ዓለም’ ዝበሃል ሓሩጭን ዝተቓጠነ ጸባ ኣቺን እያ ትፈልጥ። እቲ ኣስሊ ጸባ – ጋሻ፡ እቲ ምጅሉሕ – ወዲገዛ ኰይኑ። ኣንጭዋ ደምበ ንኣንጭዋ ገዛ ኣውጺኡዎ። ኣብ ካልእ ህይወትና’ውን ከምኡ ንኸውን ’መስለኒ። እቲ ብጌጋ ዝተለምደ ቅኑዕ ይኸውን። ወዮ ቅኑዕ መልክዑ ምስ መጽአ ከኣ ኣይንቕበሎን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *