ሓደጋ ናይ ሓደ ወገናዊ ዛንታ

(ብቺማማንዳ ንጎዚ ኣዲቸ – ህብብቲ ናይጀርያዊት ደራሲት ኣብ ሓምለ 2009 ኣብ Ted Talk ዘቕረበቶ)

ቺማማንዳ ንጎዚ ኣዲቸ

ጸዋዪት ዛንታ እየ። ሕጂ ከኣ ብዛዕባ፡ “ሓደጋ ናይ ሓደ ወገናዊ ዛንታ” ብሒደት ውልቃዊ ዛንታታተይ ኣሰንየ ክነግረኩም እደሊ።

ኣብ ምብራቕ ናይጀርያ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ እየ ዓብየ። ኣደይ፡ ሕጻን ክልተ ዓመት ከለኹ ምንባብ ከም ዝጀመርኩ እያ እትዛረብ፣ ዋላ’ኳ ኣነ፡ ናብ ሓቂ ዝቐረበስ ኣብ ኣርባዕተ ዓመተይ እዩ ዝብል እንተዀንኩ። ብዝዀነ፡ ገና ብቘልዓይ እየ ምንባብ ዝጀመርኩ። ዘንብቦም ዝነበርኩ ከኣ ናይ ዓዲ እንግሊዝን ኣመሪካን ናይ ቈልዑ መጻሕፍቲ ነበሩ።

ምጽሓፍ ዝጀመርኩ’ውን ገና ቈልዓ ሸውዓተ ዓመት ከለኹ እዩ። እቲ ዝጽሓፍኩዎ ድማ ልክዕ ከምቲ ምስክነይቲ ኣደይ ብሕብራውያን ኣሳእል ዝግየጹ መጻሕፍቲ እተንብበለይ ዝነበረት እዩ። ኵሎም ጠባያት (ገጸባህርያት) ጽሑፈይ፡ ፈረንጂ፡ ሰማያዊ ዝዓይኖም፡ ኣብ ውርጪ ዝጻወቱ፡ ሜለ ዝበልዑ፡ ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ብዙሕ ዝዛረቡን ጸሓይ ብምብራቓ ብዙሕ ዝሕጐሱን ነበሩ።

ከምዚ ዝጸሓፍኩ፡ ኣብ ናይጀርያ እናነበርኩ እዩ፣ አረ ካብ ናይጀርያ ወጺአ ይፈልጥ ኣይነበርኩን። ኣብ ናይጀርያ ውርጪ የብልናን፣ ማንጉስ ኢና ንበልዕ፣ ኣድላይነት ስለ ዘይብሉ፡ ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ኣይንዛረብን።

ብተወሳኺ፡ ጠባያተይ ብዙሕ ናይ ጅንጅብል ቢራ ይጭልጡ፣ ምኽንያቱ፡ ኣብቶም ዘንብቦም ዝነበርኩ ናይ ዓዲ እንግሊዝ መጻሕፍቲ ከምኡ ይሰትዩ ስለ ዝነበሩ። ብዛዕባ ናይ ጅንጅብል ቢራ’ውን እንዶ ኣይነበረንን። ብድሕሪኡ፡ ምሒር ናይ ምጥዓሙ ድላይ ንነዊሕ ዓመታት ነበረኒ፣ ግን ደሓን፡ እዚ ካልእ ዛንታ እዩ።

እዚ፡ ክሳብ ክንደይ ብዛንታ ብቐሊሉ ከም እንጽሎን ቍሉዓት እንኸውንን ዘመላኽት እዩ – ብሕልፊ ቈልዑ። ኵሉ ዘንብቦ ዝነበርኩ መጻሕፍቲ ናይ ግዳም ብምዃኑ፡ መጽሓፍ ብዓንደ-ርእሱ ብዛዕባ ወጻእተኛታትን ኣነ ምስኡ ዘይዛመደሉ ነገራት ዝሓዘን ገይረ እርድኦ ነበርኩ።

ምስ ኣፍሪቃውያን መጻሕፍቲ ክላለ ዕድል ብዝረኸብኩ ግን ርድኢተይ ተቐየረ። እንተዀነ፡ ከምቲ ናይ ግዳም መጻሕፍቲ ብቐሊሉን ብብዝሕን ዝርከብ ኣይነበረን። ብሳላ ቹንዋ ኣቸበ ወ ካማራ ላይ ኣረኣእያይ ብዛዕባ ስነጽሑፍ መቐይሮ ገበረ። ንኣይ ዝመስሉ ሰባት፡ ደምሃይ ዝሕብረን ኣዋልድ፡ ንድሕሪት ተቘኒኑ ዘይተሓዝ ኮርዳድ ዝጸጕረን . . . እውን ኣብ መጽሓፍ ከም ዝህሉዋ ተገንዘብኩ። ብዛዕባ ዝፈልጦ ድማ ክጽሕፍ ጀመርኩ።

እቶም ናይ ኣመሪካን ዓዲ እንግሊዝን መጻሕፍቲ እፈትዎም እየ፣ ንስእለ-ኣእምሮይ ኣዕሪጎሞ እዮም። ሓድሽ ዓለም’ውን ኣርሕዮምለይ። ንኣይ ዝመስሉ ሰባት ኣብ ስነጽሑፍ ክህልዉ ከም ዘይክእሉ ዝፈጠረለይ ስእሊ ግን ደይመደይ ተባሂሉ ዘይኰነ፡ ብተዘዋዋሪ ዝሓደረኒ እዩ። ሌላ ምስ ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ዝፈጠረለይ ጽልዋ እምበኣር፡ ሓደ ወገናዊ ዛንታ ናይ መጻሕፍቲ ካብ ምህላው ስለ ዘድሓነኒ እዩ።

ማእከላይ መነባብሮ ኣብ ዝነበራ ናይ ናይጀርያ ስድራ እየ ዓብየ። ኣቦይ መምህር ክኸውን ከሎ፡ ኣደይ ድማ ኣመሓዳሪት ነበረት። ብኸምቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ናይ ምትሕግጋዝ ልምዲ ካብ ቀረባ ገጠራት በጻሕቲ ነበሩና። ሻሙናይ ዓመተይ ኣብ ዝረገጽኩሉ፡ ፊደ ዝስሙ ቈልዓ ናብ ገዛና መጽአ። ኣደና ብዘይካ ድኽነት ከም ዝነበሮ ካልእ ኣይነገረትናን። ያም፡ ሩዝን ዝጸንሐ ክዳውንትናን ድማ ናብ ስድራኡ ትልእኽ ነበረት። ብያተይ ከይወዳእኩ ካብ ድራር ክትንስእ ከለኹ፡ ኣደይ፡ “መኣድኺ ወድእዮ! ከም ናይ ፊደ ዝኣመሰሉ ስድራቤታት ዝብላዕ’ኳ ከም ዘይብሎም ትፈልጢ ዲኺ፧” ትብለኒ’ሞ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ፊደ ድንጋጸ ይስምዓኒ ነበረ።

ብድሕሪኡ ሓደ ዕለት፡ ንምብጻሕ ሓቢርና ናብ ዓዶም ከድና። ኣደኡ፡ ሓዉ ንፊደ ዝሰርሖ ውቁብ ዝተሰለመ ዘንቢል ኣርኣየትና። ኣዝዩ ደንጸወኒ፣ ዝዀነ ካብ ስድራኡ ገለ ነገር ክሰርሕ ይኽእል’ዩ ኢለ እሓስብ ኣይነበርኩን። ብዛዕባኦም ዝሰምዖ ዝነበርኩ ክሳብ ክንደይ ድኻታት ምዃኖም ጥራሕ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ርእሰይ እንትርፎ ድኽነቶም ዝርኣየኒ ኣይነበረን። ድኽነቶም፡ እቲ ሓደ ወገናዊ ዛንታይ ኣብ ልዕለኦም ነበረ።

ድሕሪ ዓመታት፡ ንትምህርቲ ካብ ናይጀርያ ናብ ኣመሪካ ምስ ከድኩ ብዛዕባ’ዚ ሓሰብኩ። ጐርዞ 19 ዓመት እየ ዝነበርኩ። እታ መዳቕስተይ ዝነበረት ኣመሪካዊት ብዛዕባይ ሰንበደት። እሩም እንግሊዝኛ ክዛረብ ካበይ ከም ዝተመሃርኩዎ ሓተተትኒ። ኣብ ናይጀርያ እንግሊዝኛ ወግዓዊ ቋንቋ ምዃኑ ምስ ነገርኩዋ ድንግርግር በላ። ነቲ ንሳ “ቀቢላዊ ሙዚቃ” እትብሎ ሙዚቃ ዓዲና ከስምዓ’ውን ሓተተትኒ፣ ናይ ማርያ ኬሪ ወሊዐ ምስምዐይ ቅጭ እናምጽኣላ። ዘመናዊ እቶን (stove) ከመይ ከም ዝጥቀም ኣይትፈልጥን እያ ኢላ ከኣ ርግጽ ገይራቶ ነበረት።

እቲ ዝደንጸወኒ፡ ከይፈለጠትኒ ክትድንግጸለይ ምኽኣላ እዩ። ቦታኣ፡ ንኣይ ንኣፍሪቃዊት፡ ክትድንግጸለይን ኣትሒታ ክትርእየንን እዩ። እታ መዳቕስተይ፡ ሓደ ወገናዊ ዛንታ ናይ ኣፍሪቃ እዩ ዝነበራ – ሓደ ወገናዊ ዛንታ ናይ ቅዝፈት። ኣብቲ ሓደ ወገናዊ ዛንታ፡ ኣፍሪቃውያን ማንዛኣ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ወይ ከም ዝዀኑ ፍጹም ተኽእሎ ኣይነበረን፣ ካብ መደንገጽ ምስሊ ዝሓልፍ ካልእ ዝበረኸ ተኽእሎ ኣይነበራን፣ ከም ደቅሰብ ምትእስሳር ከም ዘሎና ንምሕሳብ ተኽእሎ ኣይነበራን።

ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምኻደይ፡ ንነብሰይ ‘ኣፍሪቃዊት’ ኢለ ይገልጻ ኣይነበርኩን። ኣብ ኣመሪካ ዝዀነ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ኣብ ዝለዓለሉ፡ ሰባት ግምጥል ኢሎም ይጥምቱኒ። ዋላ’ኳ ከም ናምቢያ ዝኣመሰለ ቦታታት ምንም ኣፍልጦ እንተ ዘይነበረኒ።

ግናኸ፡ ነዚ ሓድሽ እንታይነተይ ክቕነቶ ጀመርኩ። ሕጂ፡ ብዝተፈላለየ መገዲታት ንነብሰይ ከም ኣፍሪቃዊት እየ ዝርእያ፣ ዋላ’ኳ ገና ሕጂ’ውን፡ ኣፍሪቃ ከም ሓንቲ ሃገር ክትግለጽ ከላ ቅጭ ዝመጽኣኒ እንተዀነ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ሌጎስ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ዝገሽኩሉ ዘጓነፈኒ ሓደ ኣብነት ክጠቅስ። ኣብ መንገዲ ኣየር ቨርጂን ብዛዕባ ስራሓት ልግሲ ምልክታ ነበረ፣ “ህንዲ፡ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን፡” ዝብል።

ከም ኣፍሪቃዊት ኰይነ ኣብ ኣመሪካ ንገለ ዓመታት ምስ ተቐመጥኩ፡ መዳቕስተይ ኣብ ልዕለይ ዝነበራ ግንዛበ ክበርሃለይ ጀመረ። ኣብ ናይጀርያ እንተ ዘይዓቢ፡ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዝፈልጦ ዘበለ ካብቲ ብዓብላሊ ዝበሃል ምስሊ ምስ ዝኸውን፡ ንባዕለይ’ውን፡ ኣፍሪቃ ከም ቦታ ምልኩዕ መልክዓ-መሬት፡ ጽቡቓት እንስሳታት፡ ክርዳእ ዘይክእል ህዝቢ፡ ትርጉም ኣልቦ ኲናት ዝዋጋእ፡ ብዓጸቦ ወ ኤይድስ ዝሃልቕ፡ ንገዛእ-ርእሱ ክብል ዘይዛረብ ዕቡስ፡ ምእንቲ ክድሕን ንርሕሩሕን ጻዕዳ ወጻእተኛ ዝጽበ. . . ገይረ ምተረዳእኩዎ። ንኣፍሪቃውያን ከምቲ ብቘልዓይ ንስድራ ፊደ ገይረ ዝረኣኹዎም ምረኣኹዎም።

እዚ በይናዊ ዛንታ ናይ ኣፍሪቃ፡ ከም ዝመስለኒ፡ ካብ ምዕራባዊ ስነጽሑፍ ዝመጽአ እዩ። ጆን ሎክ፡ ለንደናዊ ነጋዳይ፡ ብ1561 ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝገበሮ ጕዕዞ-ባሕሪ ዝጸብጸቦ ኣገዳሲ ሰነድ ኣሎ። ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን፡ “ገዛ ዘይብሎም ኣራዊት፡” ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ኣራእስ ዘይብሎም፡ ኣፎምን ኣዒንቶምን ከኣ ኣብ ደረቶም ዝዀኑ ኣህዛብ፡” ኢሉ ጸሓፈ።

ነዚ ጽሑፉ’ዚ ኣብ ዘንብበሉ ኵሉ ሳዕ እየ ዝስሕቕ። ዝዀነ ሰብ ከኣ ንዓቕሚ ስእለ-ኣእምሮ ጆን ሎክ ከድንቕ ይግባእ። ግና፡ ንጽሑፉ ዝያዳ ኣቓልቦ ዝወሃቦ፡ ነቲ ብምዕራባውያን ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዝንገር ዛንታታት ሰራቲኡ ብምዃኑ እዩ – ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ናይ ኣሉታ፡ ፍልልያት፡ ደልሃመት. . . ቦታ ምዃኑ ዝነግር ልምዲ። ነቲ ብቓላት ኣገዳሲ ገጣማይ ሩድያት ክፕሊንግ፡ “ፍርቂ ሰይጣን፡ ፍርቂ ቈልዓ፡” ዝተባህለ ህዝቢ።

ስለዝዀነ፡ እታ ኣመሪካዊት መዳቕስተይ ኣብ ምሉእ ዕድመኣ ዝርኣየቶን ዝሰምዓቶን ዝተፈላለየ ዓይነት ናይዚ በይናዊ ዛንታ’ዚ እዩ። ከምቲ ሓደ ፕሮፌሰር ንልብወለድ መጽሓፈይ፡ “ኣስሊ ኣፍሪቃዊት” ኣይኰነትን ዝበለኒ። ኣብታ ልብወለድ ገለ ጉድለታት ከም ዘሎ እኣምን እየ፣ ገለ ዘይተዓወተትሉ ቦታታት። ኣፍሪቃዊት ንምዃን ኣይተዓወተትን ዝብል ግን ተራእዩኒ ኣይፈልጥን። ግደ ሓቂ’ውን ኣስሊ ኣፍሪቃዊት ዘብላ እንታይ ምዃኑ ዝፈልጦ የብለይን። እቲ ፕሮፌሰር፡ እቶም ኣብታ መጽሓፍ ዘለዉ ጠባያት ልክዕ ከምኡ፡ ምሁራትን ማእከላይ መነባብሮ ዘሎዎም ሰባትን ምዃኖም ገለጸለይ፤ እቶም ጠባያት ማኪና ይዝውሩ፣ ኣይጠምዩን። ስለዝዀነ፡ ኣስሊ ኣፍሪቃውያን ኣይኰኑን።

ንባዕለይ ግዳይ ናይ ሓደ በይናዊ ዛንታ ምዃነይ ክውስኽ እደሊ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ካብ ኣመሪካ ናብ መክሲኮ በጺሐ ነይረ። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ፖለቲካዊ ኵነታት ኣመሪካ ወጥሪ ነበሮ – ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት (ኢሚግረሽን) ክትዕ ነበረ። ከም ወትሩ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ስደት ዳርጋ ለውጢ-ቓል ናይ መክሲካውያን እዩ። ብዛዕባ መክሲካውያን ዘየቋርጽ ዝንገር ዛንታታት ነበረ፤ ንስርዓተ ሓለዋ-ጥዕና ምትላል፡ ዶብ ጸሊቝካ ምስጋር፡ ኣብ ዶብ ክትሰግር ምትሓዝ ወዘተ።

ቀዳመይቲ መዓልተይ ኣብ ጋድልሃራ ክዛወር ከለኹ፡ ሰባት ናብ ስርሖም ክወፍሩ፡ ኣብ ዕዳጋ ‘ቶርቲላስ’ (ቻባቲ) ክስጥጡ፡ ከትክኹን ክስሕቁን ርኣኹ። ፈለማ ኣግርሞት ክስምዓኒ እዝክር፣ ጸኒሑ ድማ ሕንከት ጐብኣኒ። መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ መክሲካውያን ኣብ ዝፍንዋኦ ጥሒለ ምንባረይ ተገንዘብኩ፣ ኣብ ኣእምሮይ ዝነበረ ሓደ ጥራሕ እዩ –  ግናይ ስደት። ነቲ ሓደ ወገናዊ ዛንታ መክሲካውያን ተቐቢለዮ ነበርኩ። ካብዚ ንላዕሊ ውርደት ገዛእ-ርእስኻ እንታይ ኣሎ።

ብኸምዚ ኢኻ ሓደ ወገናዊ ዛንታ እትፈጥር፤ ንሰባት፡ እቲ ሓደ ነገር፡ ንበይኑ ከም ዝዀነ ደጋጊምካ ትነግሮም። ይዀኑ ድማ።

ብዛዕባ ሓደ ወገናዊ ዛንታ እናተዛረብካ፡ ብዛዕባ ሓይሊ ዕብለላ ከየልዓልካ ክትሓልፍ ኣይከኣልን። ብዛዕባ ቅርጺ ሓይሊ ዕብለላ ክሓስብ እንከለኹ እትመጽኣኒ ቃል ኣላ፣ ናይ ቋንቋ ኢግቦ ቃል። “ንካሊ”፡ ስም ኰይና ብምጽግጋዕ ከምዚ ትትርጐም – “ካብ ካልእ ዝዓበኻ ምዃን።” ልክዕ ከምቲ ቍጠባናን ፖለቲካናን፡ ዛንታታት’ውን ብመጐተ ‘ንካሊ’ ዝተቓነዩ እዮም። ብኸመይ ተጸውዮም፧ መን’ዩ ጸዋዪኦም፧ ምኣስ ተጸውዮም፧ ብኽንደይ ብዝሒ ተጸውዮም፧ . . . ኣብ ሓይሊ ዕብለላ ይምርኰሱ እዮም።

ሓይሊ ዕብለላ፡ ናይ ካልእ ሰብ ዛንታ ምንጋር ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይቲ ሰብ ደምዳሚ ዛንታ ምቕማጥ’ውን እዩ። ፍልስጤማዊ ገጣማይ ሙሪድ በርቑቲ ከም ዝጸሓፎ፡ ንህዝቢ ዘሎዎ ንኽትሕርሞ ዝቐለለ መገዲ ዛንታኡ ብምንጋር እዩ፣ ነቲ ዛንታ ግን ብቐንዲ ዘይኰነ “ብኻልኣዊ” ትጅምሮ። ዛንታ ደቀባት ኣመሪካውያን ብምምጻእ እንግሊዛውያን እዩ ዝትረኽ፣ ብፍላጻታቶም ምስ እትጅምሮ ግን ፍጹም ካልእ ዛንታ እዩ ዝኸውን። ንሓደ ዛንታ፡ ትረኻ መግዛእታዊ ምስረታ ኣገራት ኣፍሪቃ ሓዲግካ፡ ብምውዳቕ ናይ ኣፍሪቃ ሃገረ-መንግስትነት እንተ ጀሚርካዮ ፍጹም ካልእ ዛንታ እዩ ክኸውን።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ሰሚናር ኣካዪደ ነይረ። ሓደ ተመሃራይ፡ ናይጀርያውያን ሰብኡት ፈጸምቲ ኣካላዊ ዓመጽ ምዃኖም – ከምቲ ኣብ ልብወለደይ ዘሎ ኣቦ – ዘሕፍር ምዃኑ ገለጸለይ። ኣነ ከኣ “ኣመሪካን ሳይኮ” እትብል ልብወለድ ከም ዘንበብኩዋን መንእሰያት ኣመሪካ ዘየቋርጹ ቀተልቲ ሰብ ምዃኖም ከም ዘሕፍርን ገለጽኩሉ።

ከምዚ ክብሎ እንከለኹ ቍሩብ ቅጭ መጺኡኒ ነበረ። ኣብ ዘንበብኩዎ ሓደ ልብወለድ ዝርከብ ጠባይ ብቐጻሊ ሰብ ዝቐትል ብምዃኑ ንዅሎም ኣመሪካውያን ይውክል እዩ ኢለ ብፍጹም ሓሲበ ኣይፈልጥን። ከምዚ ዝዀንኩሉ፡ ኣነ ካብቲ ተመሃራይ ዝበለጽኩ ስለ ዝዀንኩ ኣይኰነን። ንኡ ከምኡ ከም ዝስምዖ ዝገበረ፡ ባህላውን ቍጠባውን ሓይሊ ዕብለላ ናይ ኣመሪካ እዩ። ብዙሕ ዛንታታት ናይ ኣመሪካ እዩ ዘሎኒ። ጽሑፋት ታይላር፡ ኣፕዳይክ፡ ስታይንበክ፡ ገይትስከል. . . ኣንቢበ እየ። ግናኸ ሓደ ወገናዊ ዛንታ ኣመሪካ የብለይን።

ቅድሚ ዓመታት፡ ጸሓፍቲ ዝዕወቱ፡ ዘይሕጉስ ቍልዕነት ዘሕለፉ ምስ ዝዀኑ እዩ ዝብል ምስ ተመሃርኩ፡ ወለደይ ዘሰክሕ ሕማቕ ነገራት ዝገበሩኒ ክምህዝ ጀመርኩ። እቲ ሓቂ ግና ብኣንጻሩ ሕጉስ ቍልዕነት እየ ኣሕሊፈ፣ ኣብ ሕያወይቲ ስድራ ምስ ምሉእ ተድላን ፍቕሪን ዓብየ።

እዚ ይዅን’ምበር፡ ኣቦሓጎይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዓሪፉ። ቀረባ ቤተሰበይ ፖል’ውን እኹል ሕክምና ክረክብ ስለ ዘይከኣለ ዓሪፉ። ሓንቲ ካብ ናይ ቀረባ መሓዙተይ፡ ኦኮሎማ፡ ብሓደጋ ነፋሪት ህይወታ ሓሊፋ፣ መካይን መጥፋእቲ-ሓዊ ናይ ዓዲና ማይ ስለ ዘይነበረን። ንትምህርቲ ክብሪ ዘይህብ ጨቋኒ ወተሃደራዊ መንግስቲ ንሃገርና ይመርሓሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ እየ ዓብየ። ወለደይ መሃያኦም ይኽፈሉ ኣይነበሩን። ቈልዓ ኰይነ፡ መልማላታ ካብ መኣዲና ክጠፍእ ተዓዚበ፣ ማርገሪን’ውን ስዒቡዎ ተሰወረ። ቀጺሉ ዋጋ ባኒ እምብዛ ከበረ። ጸባ ብመቝነን ኰነ። ልዕሊ ኵሉ፡ ከም ንቡር ዝተወስደ ፖለቲካዊ ፍርሒ ኣብ ህይወትና ሰረጸ።

እዞም ኵሎም ዛንታታት’ዚኣቶም እዮም ነዚ ሕጂ ዘለኹዎ ንስነተይ ፈጢሮም። ኣብቶም ኣሉታውያን ዛንታታት ጥራሕ ምትኳር ግን ንተመኵሮይ ምትሓትን ነቶም ዝቐረጹኒ ብዙሓት ካልኦት ዛንታታት ዕሽሽ ምባልን እዩ። ሓደ ወገናዊ ዛንታ፡ ቅሙጥ ኣረኣእያታት (stereotypes) እዩ ዝፈጥር። ጸገም ናይ ቅሙጥ ወይ ልሙድ ኣረኣእያታት ከኣ ሓቂ ዘይምዃኑ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ፡ ምሉእ ስለ ዘይኰነ እዩ። ሓደ ዛንታ ጥራሕ እዩ ዝፈጥር፣ እቲ በይኑ ዛንታ ድማ ይኸውን።

ርግጽ እዩ፣ ኣፍሪቃ ብዙሕ መቕዘፍቲ ዝርኣያ ኣህጉር እያ። አረ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም፤ ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ኮንጎ፣ ኣብ ናይጀርያ 5,000 ሰባት ንሓደ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ክሓቱ ክትርኢ ዘጨንቕ እዩ። ይዅን’ምበር፡ ካብ መቕዘፍቲ ወጻኢ ካልኦት ብዙሓት ኣገደስቲ ዛንታታት ኣለዉ።

ብዛዕባ ሓደ ቦታ ወይ ሰብ ክትዛረብ እንከለኻ ምስ ኵሉ ዛንታታቱ እንተ ዘይኰይኑ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ እዩ ዝርኣየኒ። ሳዕቤን ናይ ሓደ ወገናዊ ዛንታ ድማ ንዅርዓት ናይ ህዝቢ ዝቕንጥጥ ምዃኑ እዩ። ነቲ ደቅሰብ ማዕረ ዝገብረና ኣፍልጦ ድማ ኣብ ሓደጋ የውድቖ፣ ካብ ኣብ ዘመሳስለና፡ ኣብ ዝፈላልየና ስለ ዘድህብ።

ቅድሚ ናብ መክሲኮ ምቕንዐይ፡ እንታይ ነይሩዎ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ይግበር ንዝነበረ ክትዓት ናይ ክልተኦም ወገናት ሰሚዐዮ እንተ ዝነብር፧ እንታይ ነይሩዎ ኣደይ ብዛዕባ ስድራቤት ፊደ ከተዕልለና እንከላ ድኻታትን ጻዕራማትን ምዃኖም እንተ ትነግረና፧ እንታይ ነይሩዎ ከምቲ ቹንዋ ኣቸበ፡ “ሚዛኑ ዝሓለወ ዛንታታት፡” ዝብሎ ዝተፈላለየ ኣፍሪቃዊ ዛንታታት ዝነግር መደበር ተለቪዥን ኣፍሪቃ እንተ ዝነብረና፧

እንታይ ነይሩዎ፡ እታ መዳቕስተይ ዝነበረት ኣመሪካዊት ብዛዕባ መጽሓፈይ ዝሓተመለይ ሙኽታር ባካሪ እንተ ትፈልጥ፧ ንሱ ደድሕሪ ሕልሙ ንምስዓብ ናይ ባንክ ስርሑ ራሕሪሑ ናቱ ኣሕታሚ ትካል ዝገበረ እዩ። ናይጀርያውያን፡ ኣንበብቲ ከም ዘይኰኑ ርዱእ ኣብ ዝውሰደሉ ዝነበረ እዋን፡ ንሱ ብኣንጻሩ ብርትዓዊ ዋጋ ዝንበብ እንተ ተቐሪብሎም እንታይ ኰይኖም ዘየንብቡ ብምባል ናብ ሕትወት ዝኣተወ እዩ።

ቀዳመይቲ ልብወለደይ ምስ ሓተመለይ፡ ድሕሪ ቍሩብ ግዜ፡ ቃለመሕትት ንምክያድ ናብ ሓንቲ መደበር ተለቪዥን ከድኩ። ኣብቲ ትካል ከም መልእኽተኛ እትሰርሕ ጓለንስተይቲ፡ “ልብወለድኪ ኣዝየ ፈትየያ። መዛዘሚኣ ግን ኣይፈተኹዎን። መቐጸልታ ክትጽሕፍላ ኣለኪ። ከምዚ ክኸውን ይኽእል እዩ. . .” እናበለት ኣዕለለትኒ። እንታይ ከም ዝጽሕፍ’ውን ወሰኸት። በዚ ካብ ምድናቕ ሓሊፈ ተነቓቓሕኩ። እዛ ጓለንስተይቲ ተራ ኣባል ናይቲ ኣየንብብን እዩ ዝበሃል ሕብረተሰብ ናይጀርያ እያ። ንመጽሓፈይ ኣንቢባቶ ጥራሕ ዘይኰነት፡ ስለ ዝወነነቶ እያ ከም መቐጸልታኡ እንታይ ከም ዝጽሕፍ ዝሓበረትኒ።

እታ መዳቕስተይ ዝነበረት፡ ብዛዕባ መሓዛይ ፉንሚ ዮንዳ ሰሚዓ እንተ ትነብር እንታይ ነይሩዎ፧ እዛ ተባዕ ጓለንስተይቲ ዝዀነት ዮንዳ፡ ኣዳላዊት መደብ ተለቪዥን (ኣብ ሌጎስ) እያ። ነቶም ክንርስዖም ዝመረጽና ዛንታታት ክትነግር ከኣ ትቃለስ።

እዛ መዳቕስተይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሆስፒታል ሌጎስ ብዛዕባ ዝተኻየደ መብጣሕቲ ልቢ እንተ ትፈልጥ እንታይ ነይሩዎ፧ ብዛዕባ እቲ ብእንግሊዝኛ፡ ፒጂን፡ ኢግቦ፡ ዮሩባ፡ ኢጆ. . . ዝድረፍ ህልው ዘመናዊ ሙዚቃ ናይጀርያ – ካብ ጀይ-ዚ ክሳዕ ፈላ፡ ክሳዕ ቦም ማርሊ፡ ክሳዕ ኣቦሓጎታቶም ብዝኸይድ ዝተሓናፈጸ ጽልዋ ዝተቐናበረ ሙዚቃ – እንተ ትፈልጥ እንታይ ነይሩዎ፧

ብዛዕባ እታ ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ደቀንስትዮ ፓስፖርተን ንምሕዳስ ናይ ሰብኣየን ፍቓድ ንዝሓትት ዘይምኽኑይ ሕጊ ንምጽራር ናብ ቤት-ፍርዲ ናይጀርያ ዝኸደት ክኢላ ሕጊ እንተ ትፈልጥ እንታይ ነይሩዎ፧ ብዛዕባ ሓያሎ ተበላሓትቲ ሰባት ዝሳተፉዎ ፍርያት ፊልም – ኖሊይውድ – እንተ ትፈልጥ እንታይ ነይሩዎ፧ ዋላ’ኳ ብዙሕ ቴክኒካዊ ሕጽረታት እንተ ኣሎዎም፡ ናይጀርያውያን ባዕሎም ዘፍረዩዎ ፊልም ባዕሎም ድማ ኣብ ምህላኹ ተጠቀስቲ ኣብነት እዮም። ብዛዕባ እታ ናይ ጸጕሪ ምልቃብ ትካል ዝኸፈተት ወሓለ ቈናኒት እንተ ትፈልጥ እንታይ ነይሩዎ፧ ወይከኣ፡ ብዛዕባ ሚልዮናት ካልኦት ናይጀርያውያን ናታቶም ዕዮ ዝኸፈቱ፡ ሓድሓደ ግዜ’ውን ዋላ ኣይቕንዓዮም ከይተሓለሉ ዝቐጸሉ እንተ ትፈልጥ እንታይ ነይሩዎ፧

ኣብ ዓደይ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ጠንቂ ዘይዕግበት ናይ ዝበዝሑ ናይጀርያውን ንዓይ’ውን የጋጥመኒ እዩ፤ ዝወደቐ መሰረተ ልምዓትና፡ ዝወደቐ መንግስትና። ብኣንጻሩ ድማ ብሰንኮም ከይበለ ዘይሕለል ጽንዓት ናይ ህዝቢ ኣሎ። ኣብ ወከፍ ክረምቲ ናይ ጸሓፍቲ ዓውደ-ዕዮ እህብ እየ። እቲ ብዝሒ ዝምዝገብን ብዝሒ ዛንታታት ክነግር ዝደልን ይገርመኒ እዩ።

ኣነን ናይ ናይጀርያ ኣሕታሚ መጻሕፍተይን “ፋራፊና ትራስት” ዝተባህለ መኽሰብ ኣልቦ ትካል ከፊትና ኣለና። ኣብያተ-ንባብ ንምኽፋትን ዝነበረ ንምሕዳስን ዓብይ ሕልሚ ኣሎና። መጻሕፍቲ ዘይብለን ኣብያተ-ንባብ ናይ ኣብያተ ትምህርቲ መጻሕፍቲ ክንቅርበለን፣ ከምኡ’ውን፡ ነቶም ብዙሕ ዛንታታትና ክነግሩ ህንጡያት ዝዀኑ ኵሎም ሰባት፡ ኣብ ንባብን ጽሕፈትን ዘተኰረ ኣዝዩ ብዙሕ ዓውደ-ዕዮታት ክንውድብ ኢና።

ዛንታታት ኣድለይቲ እዮም፣ እኳ ደኣ ብብዝሒ። ዘሎካ ንምሕራምን ንዕንወትን ዝውዕሉ ዛንታታት እኳ እንተ’ለዉ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሎካ ንምሕያልን ሰብ ንምዃንን’ውን የኽእሉ እዮም። ዛንታታት ሓበን ህዝቢ ክሰብሩ ይኽእሉ። ብኣንጻሩ፡ ዝተሰብረ ሓበን ህዝቢ’ውን ይዝንኑ እዮም።

ኣመሪካዊት ደራሲት ኣሊስ ዎከር ብዛዕባ ኣዝማዳ ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ዝገስገሱዎ ኣብ ዝጸሓፈቶ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ዝሓደጉዎ ህይወት ብምዝንታው፡ “ኮፍ ኢሎም፡ ባዕላቶም መጽሓፍ ከንብቡ፡ መጽሓፍ እናንበብኩ ክሰምዑኒ. . . ምርኣይ ከምዚ ናብ ገነት ምምላስ እዩ፡” ዝበለቶ፡ ኣነ’ውን በዚ ሓሳብ’ዚ ክዛዝም።

ብዛዕባ ዝዀነ ቦታ ሓደ ወገናዊ ዛንታ ዝበሃል ከም ዘየሎ እንተ ኣስተብሂልናን ሓደ ወገናዊ ዛንታ እንተ ነጺግናን ከምዚ ናብ ገነት ዳግማይ ምምላስ እዩ።

አመስግነኩም።

ጸሓፊትን ደራሲትን ቺማማንዳ ንጎዚ ኣዲቸ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሓንቲ ካብቶም ብደረጃ ዓለም ዝፍለጡ ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ክትከውን ከላ፡ ጽሑፋታ ኣብ ፖለቲካ፡ ባህሊ፡ ‘ጀንደር’ ወዘተ የተኵሩ። እዛ፡ “ሓደጋ ናይ ሓደ ወገናዊ ዛንታ፡” ብዝብል ኣብ Ted Talk ዘቕረበታ መደረ ድማ ሓንቲ ካብ’ተን ብብዝሒ ዝተርኣያ መደባት ክትከውን ዝበቕዓት እያ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *