ሄለን ጓል ትሮይ፡ ውግእ ዓሰርተ ዓመት

ሄለን ጓል ትሮይ ሓንቲ ካብ’ተን ብመገዲ ድራማ፡ ግጥሚ፡ ሙዚቃ፡ ቅብኣ… ብዙሕ ዝተባህለለን ዕሉላት ጠባያት እያ። ነዚ ኣብ ውሽጡ እተፈላለየ ጅግንነት፡ ውሳነታት፡ ፍቕሪ ወዘተ. ዝሓዘለ ዛንታ ኲናት፡ መጀመርታ ብጽሑፍ ዘስፈሮ ሆመር እዩ። ካብዚ ተበጊሶም ከኣ ሓያሎ ስነ-ጥበበኛታት ውሽጣዊ ድፍኢቶም ብመገዱ ገሊጾም እዮም። ኤርትራዊ ደራሲ በየነ ሃይለ’ውን ኣብታ “ትጽቢት ባህጉ” ዝሰመያ ዳሕረወይቲ መጽሓፉ (ገጽ 17)፡ “… ዕላማ ስነ-ጽሑፈይ ንደቂ ሃገረይ ምሕጓስ እዩ። ክስሕቁ እየ ዝደልዮም። ብምኽርታት ከቝስሎም ኣይደልን። መን መኻሪ መን ተመካሪ ከይከውን ኢልካዮ፧ እንተ ኰይኑለይ፡ ሰብ ዝዀንዎም ጠባያት ኣብ መጽሓፈይ ክገድፈሎም እደሊ። ከመቲ ሆመር ንደቂ ዓዱ ብዓል ኣጋሜምኖን፡ ኣኪሊስ፡ ሄክቶር፡ ወዘተ. ዝገደፈሎም፡ ኣነ ከኣ ኣዝማድ ከውርሶም ምደለኹ። ካልእ ይትረፍ ፍንጫል በረኻኦምን ጎቦታቶምን ዝዀኑ ኣማልኽቲ፡ መላእኽቲን ጻድቃናትን ክፈጥረሎም እብህግ። ብሕልፊ ግን ምስ ኣማልኽቲ ባሕሮም፡ ዋላ ምስ ብዓል ፓሰዲዩን ወይ ኔፕቱን ከራኽቦም እሞ ናይ ጥንቲ ዘኪሮም ምስ ስድራቤት ኣማልኽቲ ባሕሪ ይቕረ ተበሃሂሎም ብዘይ ስክፍታ ባሕሪ ከም ገዛኦም ምእንቲ ክነብሩሉ ከፋቕሮም ምደለኹ። ንናይ መጻኢ ትውልዲ ስነ-ጥበበኛታት ኣብ ሸኻታት፡ በረኻታት፡ ሩባታትን በዓትታትን ወዘተ. ምስ ዝርከባ ዝተፈላለያ ተውህቦ ዘሀብትማ ሃገራውያን ስርኤላት፡ ዛርትታት፡ ቆለታትትን ደቂ-ሕድርትናን ከላሊ እምነ…” ክብል ፍቕሩ ገሊጹ ኣሎ። ገለ ኣንበብቲ መዝገበ ጥበብ ኣማኑኤል ተረኺቡ፡ ገዛ ጉዕላይ ተራእያትኒ፡ ንትርሓስ ዛርቲ ትመስል ጓል ጐኒፋትኒ ወዘተ. ክብሉ ይስምዑ ብምህላዎም ሕልሚ ደራሲና እግሪ ዝተክል ዘሎ ይመስል። ከምቲ ግሪኻውያን ንጠባያት ሆመር እናተንተኑ፡ ስምዒቶም እናወሰኹ ዘልኣለማውያን ዝገበሩዎም፡ ንሕና’ውን ንጠባያት ዓድና ውሽጥና ብምሃብ ከነምቘም፡ ኣለና ምሳኹም ክንብሎም ኣገዳሲ’ዩ። በዚ ዓይኒ’ዚ ከኣ ዛንታ ትሮይ ሆመራዊ ጥራሕ እዩ ክበሃል ኣይከልን። ንብዙሕ ዘመናት ብስምዒታት ኣንበብቲ ማሚቝ እዩ።

ትሮይ ቅድሚ ኣርባዕተ ሽሕ ዓመት ዝነበረት ከተማ ምዃና ይንገረላ። ኣብ ሞንጎ ኤውሮጳን እስያን ስለ እትርከብ፡ ኣቀማምጣኣ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ዓበይቲ ማእከል ምዕባለ ጥንታዊ ስልጣነ ክትከውን ኣኽኢሉዋ ነበረ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ጽዋታትን ብሂላትን እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ሓቂ ከም ዘይነበረት’ኳ ይኣምኑ እንተ ነበሩ፡ እቲ ኣብ 19 ዘመን ዝተኻየደ ስነ-ጥንታዊ መጽናዕትታት ግና ነቲ ኣብ ልብወለዳት ሆመር ዝተባህለ ህይወት ክህቦ ክኢሉ። እዛ ኣብ ዘመነ-ኣስራዚ ዕልልቲ ከም ዝነበረት ዝንገረላ ከተማ፡ በዚ ህሉው ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኣብ ቱርኪ እያ እትርከብ። ትሮይ፡ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ሚለንዮም ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ማእከል ባህሊ ነበረት። ድሕሪ ከቢድ ናይ ዓሰርተ ዓመት ውግእ ከኣ ብኸቢድ ዓነወት። ኣገዳስነታ እናሃሰሰ ጠፍአ። ብመገዲ’ቶም ዓበይቲ ጠባያት ከም ሄለን፡ ኣጋሜምኖን፡ ሄክቶር፡ ፓሪስ፡ ኣኪሊስ…ወዘተ. ግና ኣብ ጥንታዊ ኮነ ዘመናዊ ስነ-ጽሑፍ ላዕለዋይ ቦታ ረኺባ ትርከብ።

ቀጥታዊ ጠንቂ ናይቲ ዓሰርተ ዓመት ዝወሰደ ውግእ ሄለን ምዃና’ዩ ዝፍለጥ። ሄለን’ውን ኣይኰነትን ጽባቐኣ እዩ። ጽባቐ ሄለን’ውን ኣይኰነን – እታ ወርቃዊት ሜለ እያ። እታ ሜለስ እንታይ ኣቢሳ – ዘይ እሪስ ዝሰንደወታ። ዘይሩ ዘይሩ ግና ጽባቐ ዝፈጠሮ ሰበብ ምዃኑስ እንታይ ክተርፎ ኢሉ።

ሓወልቲ ሄለን

ሓንቲ ካብ ግሪኻውያን ኣማልኽቲ ዝዀነት እሪስ ኣብ መርዓ ንጉስ ፐሉስን ንግስቲ ባሕሪ ዘቲስን ብዘይምዕዳማ ተቐየመት። ሓይላ ንምርኣይ ከኣ ሓንቲ ወርቃዊት ሜለ ናብ ማእከል’ቲ ውራይ ሰንደወት። ኣብታ ወርቃዊት ሜለ፡ “ነታ ዝጸበቐት” ዝብል ተጻሒፉዋ ነበረ። ኵለን ኣማልኽቲ፡ እቲ ጽሑፍ ንዕአን ከም ዝምልከተን እኳ እንተ ሓሰባ፡ ዝተባኣሳላ ግና ሄራ፡ ኣቴናን ኣፍሮዳይትን ነበራ።

እቲ ናይ ‘ኣነ እጽብቕ’ ውድድር መዕለቢ ክገብረሉ ንንጉስ ኣማልኽቲ ዝዮስ’ዩ ተሓዲግሉ። ሄራ ብዓልቲ-ቤቱ ብምዃና ግን ፍርዲ ካብ ምሃብ ተቘጠበ። ኣብ ክንድኡ ፓሪስ እተባህለ ጽባቐ ዘስተማቕር ጓሳ፡ ፍርዲ ክህብ ከም ዝኽእል ጠቈመ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ ጎቦ ኣይዳ ዝጓሲ ዝነበረ ፓሪስ፡ ብሓንቲ ጥየል ተመሪሑ ናብ ሓደ በዓቲ ኣተወ። ሰለስተአን ኣማልኽቲ ተራኣየኦ’ሞ፡ ፍርዱ ቅድሚ ምሃቡ ንኸፍትዋኦ ነናተን መብጽዓ ኣተዋሉ። ሄራ፡ ንኣ እንተ ሓርዩ ናይ መላእ እስያ ገዛኢ ከም እትገብሮ፡ ኣቴና ኣብ ዝዀነ ኲናት ዕውት ኰይኑ ክወጽእ ከም እተኽእሎ፡ ኣፍሮዳይት ከኣ እታ ካብ ዓለም ዝጸበቐት ጓለንስተይቲ ከም እትህቦ… ነናተን ተዛረባ። ፓሪስ ገዛኢን ጅግና ውግእን ምዃን ሓዲጉ ጽባቐ ሓረየ – ንሄለን።

ጽባቐ ሄለን ብዝዀነ ወዲ ተባዕታይ ዝጽወር ኣይነበረን። ገና ጓል ዓሰረተ ዓመት እንከላ ብሓደ ቴሰስ እተባህለ ንጉስ ተጨውየት። ኣሕዋታ ተቓሊሶም ከኣ ናብ ገዛኣ መለሱዋ። በቲ እዋን’ቲ፡ ሄለን ኣብ ግሪኽ ውርይቲ ኰነት፣ ብዛዕባ ጽባቐኣ ምዕላል ከኣ ዘይምኖ ነበረ። ፓሪስ ብኣፍሮዳይት ዝተኣትወሉ መብጽዓ’ምበኣር፡ እዛ ኣብ ኣዕንቲ ብዙሓት ዝኣተወት ሄለን ነበረት።

ፓሪስ ካብ ሄለን ኣዝዩ ርሒቑ’ኳ እንተ ዓበየ፡ ተመሳሳሊ ተመኵሮ ግና ነበሮም። ፓሪስ ካብ ኣቦኡ ንጉስ ፕርያምን ኣደኡ ሄኵባን’ዩ ዝተወልደ። ኣደኡ (ኣብ ገለኡ ጽሑፍ ሓፍቱ ይብል’ዩ) ፓሪስ እንተ ዓብዩ ንትሮይ ዕንወት ከውርደላ ምዃኑ ሓለመት። ክመውት ብምትስፋው ከኣ ኣብ ጎቦ ኣይዳ ሰንደወቶ፣ ግናኸ ኣይሞተን። ሓደ ጓሳ ወሲዱ ከም ወዱ ኣዕበዮ። ፓሪስ ምስ ጐበዘ ናብ ስድራኡ ተጸንበረ። ፓሪስ ነቲ ፍርዲ ናይ ጽባቐ ዝሃበ ከኣ ቀቅድሚ ናብ ስድራኡ ምሕዋሱ እዩ። ሄለን ኣብቲ እዋን’ቲ ምርዕውቲ ነበረት።

ኣቦኣ ትንዳርዮስ ንሄለን ምምርዓው ቀሊል ኰይኑ ኣይረኸቦን። ሄለን ንምውሳድ ኣብ ሞንጐ ግሪኻውያን ነጋውስ ባእሲ ከይለዓል ብምስጋእ ምስ ኦዲሰስ መኺሩ ኵሎም ፈተውታ ኣቐዲሞም ከም ዝምሕሉ ገበረ። ሄለን ምስ ተመርዓወት ብህርፋን ዝምነያ ምእንቲ ከይርከብ’ሞ ኣብ ግጭት ከይኣትዉ ማሕላ ፈጸሙ። ሄለንን ሰብኣያን ገለ ሕማቕ ምስ ዘጋጥሞም ኣብ ጐድኖም ደው ከም ዝብሉ ከኣ ኣምሓሎም። ዓቢ ወርቂን መሬትን ዝቐረበ ከም ዝወስዳ ድማ ኣፍለጠ። እቶም ካብ ዝተፈላለየ ግዝኣታት ግሪኽ ዝተኣከቡ ሓያሎ ነጋውስ ህያባቶም ቀረቡ። ብኣካል ክርከቡ ዘይከኣሉ ከኣ ወከልቶም ሰዲዶም ነበሩ። ሓው ጅግና ተዋጋኢ ኣጋመምኖን ዝዀነ መነሎስ፡ ዓቢ ህያብ ብምሃብ ንሄለን ቆንጆ ኣብ ኢዱ ኣእተዋ። ሄለን ግና ብዙሕ ትፈልጦ ከም ዘይነበራ’ዩ ዝግለጽ።

ገለ ጽሑፋት ከም ዝሕብሩዎ፡ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት መርዓኦም ስፓርታ ብብርቱዕ ሕማም ተጠቒዓ ነበረት። ንጉስ ስፓርታ መነሎስ፡ ናብ ትሮይ ብምዃድ ንመቓብር ሉቃስን ቺማሮስን ክበጽሕ ብኦራክል ምኽሪ ተዋህቦ’ሞ፡ ከም ዝተባህሎ ገበረ። በጺሑ ክምለስ እንከሎ፡ ፓሪስ ናብ ስፓርታ ኣሰነዮ። ፓሪስ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ ናይ ዝተቐትለ ዓርኩ ኵነታት ንምጽራይ እዩ ናብ ስፓርታ ዝኸደ (ገለ ጽሑፋት ከኣ ነታ ወርቃዊት ሜለ ንኽህባ ምዃኑ ይገልጹ)። ኣብ ስፓርታ ብሓባር ድሕሪ ምቕናዮም፡ መነሎስ ቀብሪ ኣባሓጎኡ ንምርካብ ናብ ክሬት ኣርሒቑ ገሸ። ፓሪስ ጽቡቕ ዕድል ረኸበ። ሄለን ንፓሪስ ብዓል ግርማን ወናኒ ሓያል ውቃበን ኰይኑ ስለ ዝረኸበቶ ፈተወቶ። ፓሪስ’ውን ካብ ዝርእያ ኣትሒዙ ኣብ ፍቕራ ጠሓለ።

ፓሪስ ኣብታ ዘምጽኣቶ መርከብ ሒዙዋ ናብ ትሮይ ተመልሰ። ትሮይ ብጽባቐ ሄለን ተደነቐት። ስነ-ስርዓት መርዓኦም ግዜ ከይወሰደ ተኻየደ። እቲ መርዓ ኣዝዩ ፍሉይ ነበረ። ሄለን ካብ ንፓሪስ ንትሮይ ተመርዕያታ ምባል ድማ ይቐልል።

መነሎስ ካብ ክሬቶ ቀልጢፉ ተመልሰ። ብዓልቲ-ቤቱ ዘየላ ምስ ጸንሓቶ፡ ብሕርቃን ዝዀኖ ጠፍኦ። ንሓዉ ኣጋሜምኖን ሕነኡ ክፈዲ ለመኖ። ካብ ነጋውስ ግሪኽ እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ዝእመነሉ ኣጋሜምኖን ተግባር ፓሪስ ጸርፊ ንስድራኡ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብፍሉይ ከም ናቱ ንዕቀት ገይሩ ርኣዮ። መጀመርታ ብሰላማዊ መገዲ ንኽትምለስ ወከልቲ ለኣኹ። እንተዀነ፡ ጥራይ ኢዶም ደኣ ተመልሱ። ብድሕሪኡ ኵላ ግሪኽ ንውግእ ተዳለወት። እቶም ዝመሓሉ ነጋውስ ዳርጋ ኵሎም መራኽቦም ሃኒጾም ዕጥቈም ዓጢቖም ተዳለዉ።

ሰራዊት መነሎስ ናብ እስያ ማይኖር ብምጅላብ ኣብ ሚስያ ኣጥቅዑ። ይኹን’ምበር፡ ዶባት ትሮይ ስለ ዝተጋገዩ ተጸፊዖም ተመልሱ። እቶም ኣብ ኡሊስ እተኣከቡ፡ ጕዕዞኦም ፈለሙ። ይኹን’ምበር፡ ንፋስ ስለ ዝበርትዖም ክስጕሙ ኣይከኣሉን። ጽቡቕ ዕድል ንኽጐንፎም ኣጋሜምኖን ፍቕርቲ ጓሉ ንመስዋእቲ ኣወፍዩ ተበገሰ። ብለዝበን ኣቢሎም ንቴንድሮስ ሓሊፎም ኣብ ኣፍንጫ ትሮይ ተጸግዑ። ትሮያውያን’ውን ካብ ካልኦት ወገናት ሓገዝ ረኺቦም ነበሩ።

ሰማይ ከበደ፣ ኣኽራናት ትሮይ ተሸቝረረ። ጩራ ጸሓይ ኣብ ሴፋት፡ ሄልመታት… ዓሊቡ ኣንጸባረቐ። ኣሽሓት ወተሃደራት ካብ ክልተ ወገን መራሕቶም ኣኸቲሎም ብህዱእ ስጕምቲ ተቐራረቡ። ናይ ወወከፎም ሰረገላታት ኣብ ማእከል ሜዳ ተራኸባ። ኣጋሜምኖን ካብ ግሪኽ፡ ትርዮጳስ ካብ ትሮይ ተራኸቡ። ክልተኦም ነጋውስ ካብ ሰረገላታቶም ብምውራድ ደረቶም ብንፉሑ ንኻልኢታት ተጠማመቱ። ኣጋመምኖን ብንዕቀት ፍሽኽ ድሕሪ ምባል ናብ ሰማይ ኣንቃዕረረ። ኣሞራ ሰማይ ይዝንብዩ ነበሩ።
“ሎሚ ነዞም ኣሞራ እምብዛ ጽቡቕ መዓልቲ’ዩ፡” በለ።
“ትማሊ ነጊረካ እየ። ሎሚ’ውን ክደግመልካ። ንሰራዊትካ ካብ መሬትና ኣውጽኣዮም፡” – ተዛረበ ትርዮጳስ። ኣጋሜምኖን ዳግማይ ፍሽኽ በለ። ክሳዱ ጠውዩ ናብቲ ኣኽራናት ጠመተ’ሞ፡ “መሬትኩም የድልየኒ’ዩ። ንጸንሕ ከኣ ‘መስለኒ። ወተሃደራትኩም’ውን የድልዩኒ’ዮም፡” በለ።
“ንዓኻ ኣይዋግኡኻን’ዮም።”
“መሰናውያን’ውን ከምኡ’ዮም ዝብሉ። እንተላይ ኣርካዳውያንን ኢፐያውንን። ግና ኵሎም ንኣይ እዮም ዝዋግኡኒ።”
“ንመላእ ዓለም ክትገዝእ ኣይትኽእልን ኢኻ ኣጋሜምኖን። ዓለም ኣዝያ ዓባይ እያ፣ ንዓኻ’ውን ትዓብየካ እያ፡” በለ ትርዮጳስ። ኣጋሜምኖን ንኣንጻር ሰራዊቱ ብኣዒንቱ ድሕሪ ምዅላል፡ “ካልእ ህልቂት ክርኢ ኣይደልን’የ። ነዚ ውግእ ብኸምቲ ናይ ቀደም ንወድኣዮ። ናትና ዝበለጸ ምስ ናትኩም ዝበለጸ ነግጥሞም፡” በለ። ትርዮጳስ ንፈለማ ግዜኡ ተስፋ ዝረኸበ መሰለ’ሞ፡ “ናተይ እንተ ስዒሩ፧” ሓተተ።
“እዚ ቦታ ንገድፈልኩም። ለጋስ ሰብ’የ። ናተይ ምስ ዝዕወት’ውን ኣኽሊልኩም ኣብ ርእሰኹም ኰይኑ፡ እዚ ቦታ ግን ኣብ ትሕቲ ግዝኣተይ ይኸውን። ኣብ ዝጸዋዕክኹም ኣብ ጐድነይ ኰንኩም ትዋግኡ፡” በለ። ትርዮጳስ ስም ጅግናኡ ብምርቋሕ ጸውዐ። ኣጋሜምኖን ከኣ “ኣኪሊስ” ኢሉ ነቲ ስሙ ክትጽውዖ’ኳ ዘፍርሕ ውሩይ ጅግና ተዳሃዮ።

ብዓልቲ-ቤት ንጉስ ስፓርታ ሄለን፡ ምስ ፓሪስ ናብ ትሮይ ከም ዝኸደት ምስ ተፈልጠ፡ ግሪኻውያን ቍጥዐኦም ውሒጦም፡ ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሑዎ ወከልቲ ሰዲዶም ፍረ ኣይተረኽቦን። ሄለን ናብ ስፓርታ ኣይተመልሰትን። ሜነሎስን ኣጋሜምኖንን ነቶም ንሄለን ዝወሰደ ንጉስ ንኽከላኸልሉ ዝመሓሉ ካልኦት ነጋውስ ግዝኣታት ግሪኽ ኣኸቲሎም ትሮይ ኣትዮም ኣለዉ። ትሮያውያን ትክን ዓርሞሸሽ መራኽብን ምስ ርኣዩ ፍላጻታቶም ገቲሮም፡ ሴፎም ኣብሊሖም ይጽበዩ። ተፋሊሞም። ደም ከም ማይ ውሒዙ። ኲናት መዓልታዊ ቀጸለ። ሰራዊቶም ኣብ ሓጺር ርሕቀት ተፋጠጡ። ንትሮይ ዝወከለ ትሮጲያስን ላዕለዋይ ኣዛዚ ግሪኻውያን ኣጋሜምኖንን ኣብ ማእከል ተራኸቡ። ብንዕቀት ዓይኒ ንዓይኒ ድሕሪ ምጥምማት፡ ኣጋሜምኖን እቲ ኲናት ብጥንታዊ ኣገባብ ክዛዘም ሓሳብ ኣቕረበ። ሰጊኡ ዝነበረ ትሮጲያስ ሩፍታ ተሰምዖ።

ቦግሪዩስ ካብ ትሮይን ኣኪሊስ ካብ ግሪኽን ክገጥሙ’ዮም። ዓወት ናይ ሓደኦም፡ ዓወት ናይ ዝወከሎም ንጉስ ክኸውን’ዩ። ቦግሪዩስ እንተ ስዒሩ፡ ሄለን ናብ ሜነሎስ ተመሊሳ፡ ንግስነት ፕርያም ከኣ ኣብ ቦታኡ ብምዃን ኣብ ትሕቲ ኣጋሜምኖን ክኣቱ’ዩ። እቲ ዕሉል ተዋጋኢ ኣኪሊስ እንተ ስዒሩ ድማ ግሪኻውያን መራኽቦም ተጻዒኖም ዓዶም ክምለሱ’ዮም። ትሮጲያስ፡ “ቦግሪዩስ!” ብምባል ስም ጅግናኡ ጸውዐ። ወተሃደራት ትሮይ ምልክት ደገፎም ጓዘሙ። ጉልበቱ ክንዲ ሓርማዝ ዝኸውን ቈማት ቦግሪዩስ ካብ ዱር ከም ዝወጽአ ኣንበሳ ካብ መንጎ ወተሃደራት ትሮይ መሰስ ኢሉ ወጽአ። ትሮጲያስ፡ “እነሀ! እነሀ እቲ ጅግና!” እናበለ ፈከረ። ኣጋሜምኖን ከኣ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጕሪ ርእሱ ጠመቶ’ሞ፡ “ኣ..ኪ..ሊ!” ኢሉ ተዳሃየ። ግሪኻውያን ስም ጅግናኦም ምስ ሰምዑ ብሓባር ሓንሓኑ። ደቓይቕ ሓሊፉ ኣኪሊስ ግን ኣይወጽአን።
“ንቦግሪዩስ ምስ ርኣዩ ምውጻእ ዝኣብዩ ኣደኦም ትቝጸሮም!” ተመክሐ ትሮጲያስ።
“ንመን ትጸርፍ ከም ዘለኻ ምስትውዓል የድልየካ’ሎ ንጉስ ትሮጲያስ፡” ተዛረበ ኣጋሜምኖን። ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊቱ ናብ ኣጋሜምኖን ቀሪቡ ኣኪሊስ ከም ዘይመጽአ፡ ይኹን’ምበር፡ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ልኢኹሉ ከም ዘሎ ሓበሮ። ኣጋሜምኖን ብቝጥዐ፡ “ኣበይ ኣሎ ሕጂ፧” ሓተተ። ትሮጲያስ ሰሓቐ። እቲ ንእሽቶ ወዲ እናጋለበ ናብ መዓስከሮም በጽሐ። ኣኪሊስ ኣብ ሞንጎ ክልተ ደቀንስትዮ ደቂሱ ነበረ። እቲ ወዲ ከኣ ቀስ ኢሉ ነቕነቖ። ኣኪሊስ ብቕልጣፈ ሴፉ ብምልዓል ኣብ ክሳድ’ቲ ወዲ ኣንበራ። እቲ ወዲ ብፍርሓት፡ “ኣጋሜምኖን’ዩ ልኢኹኒ፡” በለ።
“ንግሆ ክረኽቦ’የ” ኢሉዎ መሊሱ ደቀሰ። እቲ ወዲ ከኣ ከም ዝወግሐን ይጽበይዎ ከም ዘለዉን ነገሮ። ኣኪሊስ ብኡንብኡ ናይ ኲናት ክዳውንቱ ኣብ ምልባስ ኣተወ። እቲ ንእሽቶ ወዲ ድማ ይሕግዞ ነበረ። “እቲ ብዛዕባኻ ዝበሃል ዛንታታት ሓቂ ድዩ፧ ኣደኻ ዘይመዋቲት (ኣምላኽ) ምዃና’ዮም ዘዕልሉ። እቲ ክትቅተል ከም ዘይትኽእል ዘዕልሉዎኸ ሓቂ ድዩ፧” ሓተቶ። ኣኪሊስ ምላሽ ከይሃቦ ፈረሱ ተወጥሐ። “ኣነ ግን ክትወጋእ ኣይምደለኹን፡” በሎ እቲ ወዲ። ኣኪሊስ ከኣ፡ “ስምካ ዝዝክር ከኣ ኣይህሉን’ዩ፡” መሊሱሉ ተመርቀፈ።
ኣጋሜምኖን ምስ መማኽርቱ ነጋውስ ከም ብዓል ኔስቶር ይላዘብ ነበረ። ግሪኻውያን ንኣኪሊስ ምስ ርኣዩ ጨደሩን ስሙ ብምጽዋዕ ግዓሩን።
“እዚ ኲናት ጽባሕዶ ክንገብሮ ነይሩና፡ ጽቡቕ ገይርካ ምስ ኣዕረፍካ፧” በለ ኣጋሜምኖን። ኣኪሊስ ነቲ ዘረባ ግዲ ከይሃበ ንቦግሪዩስ ኣትኵሩ ብምጥማት ይመዝኖ ነበረ።
“ዋጋ ናይዚ ንቕጽናኻ ክቐጽዓካ ኣለኒ፡” ወሰኸ ኣጋሜምኖን። ኣኪሊስ፡ “መን’ዩ ዝቐጽዕ፧!” ብምባል ሴፉ ዓትዒቱ ናብ ኣጋሜምኖን ጐየየ። ኔስቶር ኣብ ሞንጎኦም ደው በለ። ኣኪሊስ ናብ ኣጋሜምኖን ኣፍጢጡ ብምጥማት፡ “ንምንታይ ባዕልኻ ዘይተዋጋእካዮ፧” ኣጓጠጠሉ። ኔስቶር ህድእ በል ንምባል ደጋጊሙ ስም ኣኪሊስ ጸውዐ።
“ኣኪሊስ! ናብ’ቶም ዝጽበዩኻ ዘለዉ ሰራዊትዶ ጠሚትካ ኢኻ፧ ህይወቶም ብኣኻ’ዩ ዝድሕን። ነዚ መሪር ኲናት ብሴፍካ ገይርካ መወዳእታ ክትገብረሉ ተኽእሎ ኣለካ። ምእንቲ ክብርኻ ክንደይ ደርፊ ከም ዝደርፉልካ ዘክር። ይመለሱ፡ እወ ናብ’ተን ዝጽበያኦም ዘለዋ ኣንስቶም ይመለሱ፡” ኣንዊሑ ተዛረቦ ሄክቶር። እቶም ወተሃደራት ዓይኒ ዓይኒ ኣኪሊስ ይጥምቱ ነበሩ። መጠረሽታኡ ናብ ቦግሪዩስ ገጹ ሰጐመ። ኣጋሜምኖን ግና ብጽልኢ ይጥሞቶ ነበረ።
“ካብ ኵሎም’ቶም ብኣማልኽቲ ዝፍቀሩ ተዋጋእቲ ንኡ’የ እምብዛ ዝጸልእ፡” በለ ኣጋሜምኖን ንኔስቶር እናጠመተ። ኔስቶር ከኣ፡ “ይኹን’ምበር የድልየና’ዩ፡” በለ።
“በቃ! ንሕጂ ጥራሕ!” ጨደረ ኣጋሜምኖን።

ኣኪሊስን ቦግሪዩስን ተረሓሒቖም ነበሩ። ቦግሪዩስ ሴፉ ክብ ኣቢሉ ናብ’ቶም ወገኑ ጠምተ፣ ኵሎም ጨደሩሉ። ኣኪሊስ ከኣ ይቐርቦ። ቦግሪዩስ ብቝልጡፍ ተጠውዩ ሴፉ ናብ ኣኪሊስ ወርወረ። እታ ብኣስራዚ ዝተሰርሐት ሴፍ፡ ጩራ ጸሓይ ዓሊቡዋ ኣንጸባረቐት። ኣኪሊስ ነቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ንምምካት ጭማራኡ ሓፍ ኣበለ። ወያ ሴፍ ንጭማራኡ በሲዓ ብምእታው ኣብ ጥቓ ገጹ ምስ በጽሐት ተሸኺላ መኸነት። ካልኣይቲ’ውን ደገመ፡ ከምታ ቀዳመይቲ ኰነት። ኣኪሊስ ስጕምቱ ቀጸለ። ቦግሪዩስ ሴፉ ሓፍ ከብል እንከሎ፡ ኣኪሊስ ብልዑል ፍጥነት ጐየየ። ብዘደንቕ ቅልጣፈ ኣብ ሞንጎኦም ንዝነበረ ርሕቀት ኣጽበቦ። ብዓቢ ክእለት ሴፉ ኣብ ደረት ቦግሪዩስ ሸኸላ። መሺቱ ብምውጻእ ንድሕሪት ግልጽ ከይበለ ናብ መስመር ትሮያውያን ሰጐመ። ኣብ ቅድመኦም ብምዃን ዓይኒ ዓይኖም ጠመተ። ደፊሩ ዝጥምቶ ግን ኣይተረኽበን።
“መን ኢኻ ንስኻ፧” ኢሉ ትሮጲያስ ሓተቶ።
“ኣኪሊስ ወዲ ፐልዩስ፡” ኢሉ መለሰሉ።
“ስምካ ፈጺመ ኣይክርስዖን’የ፡” ኢሉ ረዚን ወርቃዊ ስልማት ሃቦ። ዓው ብምባል ከኣ፡ “ኣኪሊስ ነዚ ስልማት ጨቢጡዎ ኣሎ። ንንጉስካ ሃቦ፡” በሎ። ኣኪሊስ ከኣ፡ “ንሱ ንጉሰይ ኣይኰነን፡” ኢሉ ነቶም ወተሃደራት ሰንጢቑ ከደ። እቶም ወተሃደራት ብዘይ ዝዀነ ድምጺ ብኣዒንቶም ይኽተሉዎ ነበሩ። ሄለን፡ ፕርያም፡ ዮኵባ ወዘተ. ከኣ ኣብ ግምቢኦም ኰይኖም ይዕዘቡ ነበሩ።

እቲ ኲናት ብግጥም ክልተኦም ሃድአ። ግሪኻውያን ኣብ ስፓርታ ዓቢ ድግስ ገበሩ። ብዓል ሄክቶር፡ ፓሪስ ኮታ ሓያሎ ወተሃደራት ትሮይ ዝርከቡዎም ኣብቲ ጽንብል ተረኸቡ፤ መግቢ፡ መስተ… ተቐሪቡ ብላዕ ወ ስተ ኮነ። ሜነሎስን ሄክቶርን ብሓንሳብ ኮፍ ኢሎም እናሰተዩ የዕልሉ፡ ኣብ ጸጕራ ዕንበባ ዝሰዅዐት ሄለን ከኣ ኣብ ሞንጎ ብዙሓት ኣንስቲ ኰይና ብጽባቐ ተብለጭልጭ። ሜነሎስ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ውግኣት ይዛረብ። ሄለንን ፓሪስን ኣብ ሞንጎ ይጠማመቱ።
“ስለ ሰላም ንስተ! ሰላም ኣብ ሞንጎ ትሮይን ስፓርታን!” ብምባል ሜነሎስ መስተኡ ይጭልጥ፣ “መላእኽትና ንወኻሩ ኣብ እምባታት፡ ንኣንስትና ኣብ ዓራት የንብሮም፡” መልአ። ዕዱማት፡ “ንስፓርታ! ንትሮይ!” ብምባል ብርጭቆታቶም የጋጭዉ። “ሰላም ምግባርና ንመላእኽትና ነመስግን፡” በለ ሜነሎስ። ሄክቶር’ውን ብወገኑ፡ “ብድሕሪ ሕጂ’ውን ኣብ ኲናት ከይንኣቱ እትስፎ፡” በለ። ሜነሎስ ከኣ ንሄክቶር ንወዲ ፐልዩስ ሓዲግካ ዝነፍዐ ብዓል ሴፍ ምዃኑ ወደሶ።
“ኣኪሊስ!” በለ ሄክቶር።
“እቲ ጽሉል፡ ንጉስ ኣማልኽቲ ዝዮስ እንተ ጸሪፉዎ፡ ሴፉ ክውርውር ይኽእል’ዩ፡” በለ ሜነሎስ። ቀጺሉ ኢዱ ናብ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ብምምልካት፡ “እቲኣ ትርእያዶ ኣለኻ፧ ንኣኻ መሪጸልካ ኣለኹ፡” በሎ ንሄክቶር። እዚ ክገብር እንከሎ፡ ሄለን ትዕዘቦ ነበረት። “አመስግነካ ሜነሎስ። ሰበይተይ ኣብ ትሮይ ትጽበየኒ ኣላ፡” በለ ሄክቶር።
“ንኣይ’ውን ንሄለትካ ኣብቲ ትጽበየኒ፡” ናብ ሄለን እናኣመልከተ፣ “ኣንስቲ ንመፍረ’የን። ተረዲእካኒ፧ ንእሽቶ ልዑል ይወልዳ፡” ዘረባ ቀጸለ። ሄለን ምሉቕ ኢላ ካብቲ ኣደራሽ ወጽአት። ሜነሎስ ኣየስትውዓለላን። ብርጭቆኡ ናብ ሄክቶር ሓፍ ኣበለ። ሄክቶር ከኣ፡ “ስፓርታውያን ጽቡቕ ወይኒ ትሰርሑ ኢኹም፡” በለ። ብሓባር ሰተዩ። ፓሪስ ካብ መንጎ ትሮያውያን ተንሲኡ ይወጽእ ነበረ። ሄክቶር ብጎቦ ዓይኑ ጠመቶ። ብምውጽኡ ከኣ ሓረቐ።

እቲ ሄለን ዝነበረቶ ክፍሊ ብገዘፍቲ ቀንዴላት በሪሁ ነበረ። እቲ ኣብ ጸጕራ ተሰዂዑ ዝነበረ ዕምባባታት ኣውጺኣ ኣብ መቐመጢ ዕንባባ ተንብሮ ነበረት። ፓሪስ ብድሕሪኣ መጺኡ ኣብ ልዳት ደው በለ። ንንውሕ ዝበለ ደቓይቕ ብዘይ ዘረባ ተጠማመቱ።
“ፓሪስ ንምንታይ መጺእካ፧ ኣብዚ ክትርአ ጽቡቕ ኣይኰነን፡” በለቶ።
“ትማሊ’ውን ከምኡ ኢኺ ዝበልኪ።”
“ጌጋ’ዩ ነይሩ።”
“ቅድሚ ትማሊኸ፧” በለ ፓሪስ።
“ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብዙሕ ጌጋታት’የ ፈጺመ።”
“ክኸይድ ዲኺ ትደልዪኒ፧”
“እወ።”
ፓሪስ ኢዳ ሒዙ ቀረባ። ሰዓማ’ውን።
“ናበይ’የ ክኸይድ፧” በላ። ኣብ ኣዒንቱ ክቱር ፍቕሪ ነበረ፣ ኣቕሪባ ሰዓመቶ።
“ኣርሒቕካ! ኣርሒቕካ!” – ምስዕዓሞም ቀጸሉ። ናብ ዓራት ወደቑ። ኣብቲ ድግስ ዝነበሩ ኵሎም ይሰትዩን ይዘናግዑን ነበሩ። ሜነሎስ ምስ ፓሊዶራ የዕልል፣ ኣብ እዝኑ ሕሹኽ እናበለት ከኣ ተስሕቖ ነበረት። ሄክቶር’ውን ኣብ ጐድኑ ኮፍ ኢሉ፡ ሓዉ ክሳዕ ሽዑ ዘይምምላሱ ሕጕስ ኣይነበረን።
“ንዓኺ ዝኸውን ሓደ ነገር ኣሎኒ፡” ኢሉ ፓሪስ ብሉል ባሕሪ ዝተሰርሐ ካቴና ስሒቡ ኣብ ክሳዳ ኣእተወላ።
“ዎው! እምብዛ ጽብቕቲ። ክመልሳ ዘይክእል ምዃነይ ግን እሓዝን። እንተ መሊሰያ ሜነሎስ ንኽልተና ክቐትለና’ዩ።”
“ኣይትፍርሕዮ!”
“ከይመውት ኣይፈርሕን’የ። ንኣይ ዘፍርሓኒ ጽባሕ’ዩ። ጽባሕ መርከብካ ተሰቒልካ ክትከይድ ኢኻ። ዘይትምለስ ምዃንካ ክሓስቦ እንከለኹ እፈርሕ። ናብ ስፓርታ ቅድሚ ምምጻእካ ባዶሽ’የ ነይረ። ይንቀሳቐስ፡ ይበልዕ፡ ኣብ ባሕሪ ይሕንብስ… ህይወት ግን ኣይነበረንን” በለቶ።
“ንጽባሕ ዘፍርሕ የብልክን። ቅረብኒ’ሞ…” – ንንውሕ ዝበለ ግዜ ተቐራሪቦም ተጠማመቱ።
“ብሓንሳብ እንተኼድና ውሕስነት ኣይክህልወናን’ዩ። ሰባት ክጸልኡናን ኣማልኽቲ ክረግሙናን’ዮም። እቲ ርግጽ ዝኸንኩዎ ግን ንዘለኣለም ከፍቅረኪ’የ፣ ክሳዕ ህይወተይ እትሓልፍ ከፍቅረኪ’የ፡” በላ። ሄለን ነቲ ዘይከኣል ዝመስል እና’ስተንተነት፡ ዓይኒ ዓይኒ ፓሪስ ትጥምት ነበረት። ወተሃደራት ትሮይ ከኣ ኣብ ሓዊ ከቢቦም የዕልሉ፡ ይሰትዩን ደርፍታት ትሮይ ይደርፉን ነበሩ። ሄክቶር ብድድ ኢሉ፡ ደጊም ኣብ ትሮይ ሰብኣያ እትስእን ሰበይቲ ምእንቲ ከይትህሉ ንኣምላኽ ባሕሪ ፖሰድዮን መስዋእቲ ክውፍየላ ንቴክቶን ሓበሮ። ኣብ ሞንጎ፡ ፓሪስ ክሓልፍ ርኣዮም’ሞ፡ “ፓሪስ! ፓሪስ!” ኢሉ ጸውዖ፡ “ፓሪስ ሕጂ ክትድቅስ ኣለካ። ድሕሪ ደጊም ንሰሙናት ኣብ መሬት ኣይክንድቅስን ኢና፡” በሎ።
“ኣብ ባሕሪ ክድቅስ ጸገም የብለይን። መርዓት ባሕሪ ከኣ ጥዑም መደቀሲ መዝሙር ትደርፈለይ እያ”
“ሎሚ ምሸትከ መን’ያ መደቀሲ መዝሙር ክትደርፈልካ ኣምስያ፧” ሓተተ ሄክቶር። ፓሪስ ንቝሩብ ደቓይቕ ሰገጥ ድሕሪ ምባል፡ “ሎሚ፧ ሰይቲ ሓደ ገፋፊ ዓሳ። ብሓቂ ከኣ ምጭውቲ ፍጥረት’ያ።”
“ተስፋ እገብር እቲ ገፋፊ ዓሳ ረኺብካ ከይከውን።”
“እምብዛ ዘገድሶ ምግፋፍ ዓሳ’ዩ፡” ብምባል ፍሽኽ ኢሉ ክስጕም በለ። ሄክቶር ግና ሓዞ።
“ናብ ስፓርታ ንምንታይ ከም ዝመጻእና ትፈልጥ ዲኻ፧”
“ንሰላም።”
“ንጉስ ስፓርታ ሜነሎስ ሓያል ንጉስ ምዃኑ ክትርዳእ የድልየካ። ሓዊ ንጉስ ኣጋሜምኖን ከኣ ጠቕላላ ኣዛዚ ናይ ሓይልታት ግሪኽ ምኻኑ ተረዳእ።”
“እዚ ምስታ ብዓልቲ-ቤት ገፋፊ ዓሳ እንታይ ዘተሓሕዝ ኣሎዎ፧”
“ፓሪስ! ዘፍቅረካ ሓወይ ኢኻ። ንትሮይ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተግባር ምስ እትፍጽም ግና ባዕለይ ክሳድካ ክቕንጥበካ’የ” ብምባል ንፓሪስ ኣብ ግንባሩ ሰዓሞ’ሞ፡ “ንግሆ ክንብገስ ኢና ሕጂ ደቅስ፡” ኢሉዎ ከደ።
ወጊሑ ጕዕዞ ተጀመረ። መራኽብ ትሮይ ማዕበላት እናሰንጠቓ ነዊሕ ተጓዕዛ። ሄክቶር ከኣ ኣብ ዕንጸይቲ ኣንበሳ ይጸርብ ነበረ’ሞ፡ ፓሪስ ተጸንበሮ።
“ብሩኽ መዓልቲ’ዩ። ፓሰድዮን ንመንገድና ባሪኻቶ’ያ፡” በለ ፓሪስ።
“ኣማልኽቲ ሓደ-ሓደ ግዜ ንግሆ ይባሩኽኻ’ሞ፡ ምሸት ከኣ ይረግሙኻ፡” በለ ሄክቶር።
“ሄክቶር ሓወይ ብልብኻ ተፍቅረኒ ዲኻ፧” ሃንደበት ሓተቶ ፓሪስ።
“ሕጂኸ እንታይ ኮን ኢኻ ገይርካ፧”
“ሓደ ነገር’የ ከርእየካ ደልየ፡” መሪሑዎ ከደ። ማዕጾ ናይቲ ገዛ ከፈቶ። ሄለን ኣብኡ ኮፍ ኢላ ትፈትል። ሄክቶር ንዝርኣዮ ክኣምን ኣይከኣለን፣ “ሓወይ እንተ ዘይትኸውን ኣብ ዘለኻዮ ብሴፈይ ምቐንጠብኩኻ ነይረ፡” ወጪጭሉ ወጽአ። ሄለን ከኣ ንፓሪስ ትጥምት ነበረት’ሞ፡ “ሰላም ኣይክህሉን’ዩ ማለት ድዩ፧” በለት።
“ሰላም ኣይደልን’የ፡ ንኣኺ’የ ዝደሊ፡” መለሰላ ፓሪስ።

ሜነሎስ ዓሰርተ ወተሃደራት ኣኽቲሉ ናብታ ሄለን ዝነበረታ ክፍሊ ከደ። ሄለን ሕጂ’ውን ኣይነበረትን። ምስ ፓሪስ ከም ዝኸደት ምስ ፈለጠ ብቝጥዐ ክነድድ ደለየ። መራኽቡ ድልዋት ክዀና ዓዘዘ። ናብ ካፒተይን ገጹ ብምድሃይ ከኣ፡ “ናብ ስፓርታ ተመለስ!” ኣዘዘ።
“ሓንሳብ! ሓንሳብ በጃኻ ስምዓኒ!” ክብል ፓሪስ ተጣርዐ።
“ኣታ በሃም! እንታይ ከም ዝገበርካዶ ትፈልጥ ኢኻ፧ ኣቦታትና ሰላም ከውሕሱ ክንደይ ዓመታት ከም ዝሰርሑ ትፈልጥዶ፧ ኣብ ዓውደ ውግእ ክንደይ ኣሕዋትና ከም ዝኸፈልና ትፈልጥዶ፧” ኣጓጠጠሉ ሄክቶር።
“አፍቅራ እየ!”
“ካልእከ ዘይትብል፧! እግርኻ ክሰብረካ’የ፧ ትጻወት ኢኻ ዘለኻ። ኣይኰነን ድዩ፧ ኣንስቲ ነጋዶን ካልኦትን እናተነጸፍካ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እንተ ዓንደርካ፡ ፍቕሪ እትፈልጥ ድዩ ዝመስለካ፧ ፍቕሪ ኣቦኻኸ የብልካን ድዩ፧ በዛ መርከብ ሒዝካያ ክትምለስ እንከለኻ ጸርፊ ንኣቦኻ’ዩ። ፍቕሪ ናይ ሃገርካኸ የብልካን ድዩ፧ ምእንቲ’ዛ ጓል ክትብል ንትሮይ ከተባርዓ ኢኻ። ምእንታኣ ኢለ ከኣ ኲናት ዝገብር ኣይመስለካ፧!”
“ኵሉ ዝበልካዮ ቅኑዕ’ዩ። ዓጊበ እየ። ንኣቦይ በዲለዮ እየ። ንሄለን ናብ ስፓርታ ክትመልሳ እንተ ደሊኻ ከኣ ከም ድላይካ ይኹን። ግና ኣነ’ውን ምስኣ ክምለስ እየ።”
“ናብ ስፓርታ! ክቐትሉኻዶ ኰይኖም!”
“እናተቓለስኩ እመውት!”
“ምናልባት ጅግንነት ይመስለካ ይህሉ። ዝዀነ ሰብዶ ቀቲልካ ትፈልጥ፧ እስከ ንገረኒ፧”
“ኣይፋለይን!”
“ንምዃኑ ዋላ ኣብ ግጥምከ ሰብ ክመውትዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧”
“ኣይፋለይን!” መለሰ ፓሪስ። ሄክቶር እምብዛ ሓረቐ።
“ሰባት ቀቲለ፣ ብዙሓት ክሞቱ ርእየ፣ ንብዙሓት እናመቱ ሸቲተ’የ። ዝዀነ መቐረት ኮነ ዓወት ግን ኣይረኸብኩሉን። ሓሳብካ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ክትመውት’ዩ። እንተዀነ፡ ብዛዕባ ሞት እትፈልጦ ሓደ’ኳ የልቦን። ብዛዕባ ፍቕሪ’ውን እትፈልጦ ምንም የሎን።”
“ኵሉ ሓደ’ዩ፡ ምስኣ እኸይድ፡” በለ ፓሪስ ደኒኑ ገጽ ሓዉ ከይርኣየ። ሄክቶር ንነዊሕ ደቓይቕ ዝን ብምባል ሓሰበ። ናብ ካፕተይን ገጽ ግልጽ ድሕሪ ምባል ከኣ፡ “ናብ ትሮይ!” ኣዘዘ።


ሜነሎስ ገጹ ከሰል መሲሉ ናብ ሓዉ ኣጋሜምኖን ከደ፣ “ንሄለን ከይቀተልኩዋን ንትሮይ ናብ ሓሙዅሽቲ ከይቀየርኩዋን ኣይክዓርፍን’የ፡” በለ። ኣጋሜምኖን፡ “ምስ ትሮይ ሰላም ትደሊ ዲኻ፧” ክብል ሓተቶ ፍሽኽ እናበለ። ሜነሎስ ከኣ፡ “ዓቢ ሓወይ ኢኻ እትብሎ እሰምዕ፡” በሎ።
“ሰላም ናይ ደቂ-ኣንስትዮን ናይ ድኹማትን’ዩ። ዓበይቲ ግዝኣታት ብዂናት’የን ተሃኒጸን፡” በሎ።

ኣጋሜምኖን ግዝኣቱ ናይ ምስፋሕ ባህጉ ንምርዋይ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ከም ዝረኸበ ተሰምዖ። ሓደ ካብ ቀንዲ ኣማኸርቱ ዝዀነ ኔስቶር ከኣ ሓይሊ ትሮያውያን ዓቢ ምዃኑ ስግኣቱ ገለጸ። ኣጋሜምኖን ግና ኣይተቐበሎን። ኣብቲ ጽንኩር ኲናት ኣኪሊስ ኣድላዪ ምዃኑ ኔስቶር ምስ ተዛረበ’ውን ኣጋሜምኖን ኣይተቐበሎን። ክምእዘዝ ከም ዘይክእል ድማ ተዛረበ። ኔስቶር ከኣ ክእዝዙዎ ከም ዘየድሊ፡ ንዂናት ስለ ዝተፈጥረ ከም ዘድልዮም ተዛረበ።
“እወ! ናይ ኲናት ሰብ’ዩ። ግና ንትእዛዛት ንጉስ ኣየኽብርን’ዩ። ግሪኽ ቅድመይ ዓዲ ሽማሙንቲ ኲናትን ዓዲ ጓሶትን’ያ ነይራ። ንዅሎም ግዝኣታት ግሪኽ፡ ኲናት ኣብ ዘድሊ ብዂናት፡ ሰላም ኣብ ዝከኣል ብሰላም ገይረ ናብ ሓደ ኣምጺአዮም እየ። ካብ ኣምለኽቲ ሓዊን በላዕቲ ኣትማንን ኣውጺአ ሃገር ሃኒጸ። መጻኢ እየ ሃኒጸ። ኣኪሊስ በቲ ዝተረፈ ሕሉፍ ኣገባብ’ዩ ዝኸይድ። ንባንዴራ ዝዋጋእ ኣይኰነን። ምእዙዝ ንሃገሩ ኣይኰነን፡” በለ ኣጋሜምኖን።
“ኵሉ ዝበልካዮ ቅኑዕ’ዩ። ግናኸ እዚ ኲናት ዛጊት ዓለም ካብ ዝርኣየቶም ውግኣት እቲ ዝዓበየ እዩ። እቲ ዝበርትዐ ተዋጋኢ ከኣ የድልየና’ዩ።”

ኣጋሜምኖን ነቲ ጉዳይ ሓሰበሉ። ኔስቶር ናብ ኢታካ መርከብ ለኣኸ። እቶም ልኡኻት ድማ ምስ ንጉስ ኢታካ ኦዲሰስ ተረዳድኡ። ኦዲሰስ’ውን ንኣኪሊስ ተዛረቦ። ግናኸ ኣብ ዘይረብሕ ስርሓት ነጋውስ ኢዱ ከም ዘየእቱ መለሰሉ።
“ምእንቲ ኣጋሜምኖን ተዋጋእ ኣይኰንኩን ዝብለካ ዘለኹ። ምእንቲ ግሪኽ ተዋጋእ’የ ዝብለካ ዘለኹ፡” በለ ኦዲሰስ።
“ትሮያውያን ዝገበሩኒ የብሎምን።”
“ትሮያውያን ንግሪኽ ጸሪፎማ እዮም።”
“ንሓደ ሰበይቱ ክሕዝ ዘይከኣለ ግሪኻዊ’ዮም ጸሪፎም። እዚ ምሳይ እንታይ ዘተሓሕዝ ኣሎዎ፧”
ኣኪሊስ ንዘረባ ኦዲሰስ ኣይሰምዖን። ተፈላለዩ።


ኣደኡ ኣብ ባሕሪ ዑንቂ ባሕሪ ትኣሪ ነበረት። ኣኪሊስ ከኣ፡ “ኣደ!” ኢሉ ተዳሃያ። ቁሊሕ በለት።
“ብዑንቂ ባሕሪ ገይረ ካቴና ክሰርሓልካ ስለ ዝደለኹ’የ መጺአ።”
“ካቴና ካብ ዘይገብር ነዊሕ ኣለኒ። ናብ ኲናት ክኸይድ ከኣ ይደልዩኒ ኣለዉ። ፓትሪኵልስ’ውን ክኸይድ ይደሊ ኣሎ።” ፓትሪኵልስ ዝፈትዎ ዘመዱ’ዩ።
“ኣብዚ ምሳይ ኣብ ገዛ እንተ ተሪፍካ፡ ነዊሕን ሰላም ዘሎዎ ህይወትን ክትነብር ኢኻ። ተመርዒኻ ክትወልድ ኢኻ። ደቅኻ’ውን ደቆም ክህልውዎም እዮም። ከፍቅሩኻ ድማ እዮም። ምስ ሞትካ ክዝክሩኻ’ዮም። ግናኸ ደቅኻ ሞይቶም፡ ደቆም’ውን ምስ ሰዓቡ ዝዝክረካ የሎን። ናብ ትሮይ እንተኼድካ ግና ልዕለኻ ክብሪ ዝረክብ ኣይክህሉን’ዩ። ሰባት ንኣሽሓት ዓመታት ዛንታታትካ ክጸውዩ እዮም። ዓለም ንስምካ ክትዝክሮ’ያ፡” ኣኪሊስ ዓይኒ-ዓይኒ ኣደኡ ይጥምት፡ ኣደኡ ዘረባኣ ትቕጽል፡ “ናብ ትሮይ እንተኼድካ ግን ገዛኻ ኣይክትምለስን ኢኻ። ኣብኡ ክትተርፍ ኢኻ” ንብዓት ቍጽርጽር በለት። ኣኪሊስ ከኣ ናብ ባሕሪ ቆው ኢሉ ይጥምት። “ኣቦኻ ካብ ኲናት ምስ ተመልሰ ከምኡ ኢሉ’ዩ ናብ ባሕሪ ገጹ ዘቋምት ዝነበረ። ነዊሕ’ውን ኣይጸንሐን።”
ኣኪሊስ ምስ’ተን ሓደ ሽሕ ዝበጽሓ ካብ ኢታካ ዝተበገሳ መራኽብ ተበገሰ። ዝፈትዎ ዘመዱ ፓትሪኵልስ’ውን ኣብ ጐድኑ ነበረ።


ንጉስ ትሮይ ፕሪያም ንሄክቶር፡ ፓሪስ፡ ሄለን ተቐበሎም፣ “ሒዝኩማ ምምጻእኩም ገሪሙኒ’ሎ። ኵሉ ብፍቓድ ኣማልኽቲ’ዩ። ኵሉ ኣብ ኢዶም’ዩ፡” ብምባል ንምምጻእ ሄለን ገለጾ። ሄክቶር ኣይተቐበሎን። ፕሪያም፡ “ናይ ሰላም ልኡኻትዶ’ሞ ክንሰድድ፡” በለ። ሄክቶር ግና ነቶም ልኡኻት ሜነሎስ ክሳዶም ከም ዝቕንጥቦም ተዛረበ።
“እንታይ እሞ ክገብር፧” ሓተተ ፕሪያም። ሄክቶር ከኣ መርከብ ጽዒኑ ንሄለን ናብ ዓዳ ክመልሳ ተዛረበ። ፕሪያም ቃል ቅድሚ ምውጽኡ ናብታ ከተማ ጠመተ።
“ደቀንስትዮ ንፓሪስ የፍቅርኦ’የን። ንሱ’ውን የፍቅረን’ዩ። ናይ ሕጂ ግን ፍሉይ’ዩ። እንተ ሰዲድናያ ክስዕባ’ዩ።”
“እዚ ዓደይ’ዩ። ደቂ ዓደይ ከኣ ኣለዉ። ምእንቲ ሓወይ ኢለ ደቂ ዓደይ ክሳቐዩ ክርኢ ኣይደልን። ደድሕረኣ ዝመጽኡ ዘለው ስፓርታውያን ኣይኰኑን። ሜነሎስ ንኣጋሜምኖን ክኸዶ’ዩ። ኣጋሜምኖን ከኣ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ንትሮይ ናይ ምድምሳስ ባህጊ ኣለዎ፡” በለ ሄክቶር።
“ጸላእቲ ንዘመናት ክጥቅዑና ፈቲኖም’ዮም። ግምብና ግን ጸኒዑ እነሀ።”
“ኣቦ! እዚ ኲናት ክንዕወተሉ ኣይንኽእልን ኢና።”
“ኣፖሎ ጽላሉ ኣንቢሩልና ኣሎ። ኣጋሜምኖን ምስ ኣማልኽቲ ብዙሕ ቅድወት የብሉን”
ሄክቶር ኣይተቐበሎን። ግናኸ ነቲ ኣብ ኣማልኽቲ ዝኣምን ኣቦኡ ክሳዕ ክንድኡ ደፊሩ ጸቕጢ ክገብረሉ ኣይደለየን። ባሕሪ ትሮይ ነጻ ነበረ። እንታይ ይመጽእ ከም ዘሎ ግና ንሄክቶር ኣይጠፍኦን።


ኣሽሓት መራኽብ ወተሃደራት ጽዒነን ተቐልቀላ። ኣብ ትሮይ ሸበድበድ ኮነ። ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓይሊ ንምምካት ሰብ ፍላጻ ቀስትኦም ገቲሮም፡ ሰብ ኣፍራስ ፈረሶም ቀሪቦም… ኵሎም ላዕልን ታሕትን ይብሉ። ኣኪሊስ ንዅለን መራኽብ መሪሑ ናብ ደንደስ ትሮይ ተቓረበ። ሄክቶር ፈረሰኛታት ሰራዊቱ ሒዙ ድልዊ ኮነ።
“ምሉእ ህይወተይ ብኮድ’የ ነቢረዮ። እቲ ኮድ ከኣ ቀሊል’ዩ። ንኣማልኽትኹም ኣኽብሩ፡ ንደቀንስትዮኹም ኣፍቅሩ ከምኡ’ውን ንሃገርኩም ተኸላኸሉ፡” በለ። እቶም ወተሃደራት ከኣ ሓንሓኑ። ኣኪሊስ ከኣ ንወገኑ፡ “ንሕና ናይ ሴፍ ኣሕዋት ኢና። ካብ ኣሽሓት ወተሃደራት ንላዕሊ ኣብ ጐድንኹም ኰይነ ክዋጋእ እንከለኹ ደስ እብለኒ፡” በሎም፡ ሴፉ ናብ ትሮይ ገጹ ብምምልካት ከኣ፡ “ኪኖ እዚ ገማግም ባሕሪ እንታይ ይጽበየኩም ከም ዘሎ ትፈልጡዶ፧ – ዘለኣለማውነት!” በለ። መርከቦም ኣብ ደንደስ በጽሐት። ትሮያውያን ፍላጻታቶም ወርወሩ። ኣኪሊስ ብጾቱ መሪሑ ይረጋረግ። ገና ኣብቲ ባሕሪ ዘለዉ ወተሃደራት ግሪኽ፡ “ኣኪሊስ! ኣኪሊስ!” እናበሉ ይጭድሩ። ኣጋሜምኖን ኣይተሓጐሰን።
ኣያክስ ዝመርሓ መርከብ ነቲ ውግእ ኣርከበትሉ። ኣኪሊስ ንቤት-መቕደስ ኣፖሎ ኣተዎ። ሄክቶር ፈረሱ ተወጢሑ ናብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ጸሓይ ኣፖሎ ገጹ ኣምርሐ። ኣቕሽሽቲ ተቐቲሎም ጸንሑዎ።
“ደድሕረይ ንበይንኻ እትመጽእስ ኣዚኻ ተባዕ ወይ ኣዚኻ ዓሻ ክትከውን ኣለካ። ሄክቶር ከኣ ክትከውን ኣለካ፡” በለ ኣኪሊስ። ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣቕሽሽቲ ብእተፈጸመ ኣዝዩ ዝተቘጥዐ ሄክቶር ኣትኵሩ ጠመቶ። ኣኪሊስ ከኣ ይፈልጦ እንተዀይኑ ሓተቶ።
“እዞም ኣቕሽሽቲ ዝዓጠቑ ወተሃደራት ኣይኰኑን፧!” በለ ሄክቶር።
“ኣነ ኣይቀተልኩዎምን። ክሳድ ሽማግለታት ኣብ ምቝራጽ ክብሪ የሎን።”
“ክብሪ፧ እቶም ቈልዑን በሃማትን ዝዀኑ ምእንቲ ክብሪ ይቃለሱ። ኣነ ግን ምእንቲ ሃገረይ’የ ዝዋጋእ፡” በለ ሄክቶር። ንኽገጥሞ ከኣ ሓተቶ።
“እናወደቕካ ዝርእየካ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ንምንታይ ይቐትለካ ልዑል ትሮይ!” ኢሉዎ ንውሽጢ ኣተወ። ሄክቶር ሰዓቦ፡ “ንምንታይ ናብዚ መጺእኩም፧”
“መጻኢ ወለዶታት ብዛዕባ’ዚ ኲናት’ዚ ንኣሽሓት ዓመታት ከዕልሉ’ዮም።”
“ኣብ ሽሕ ዓመት፡ ሓመድ ናይ ኣዕጽምትና’ውን ከይተረፈ ክጠፍእ’ዩ።”
“ልክዕ ኣለኻ ልዑል። እቲ ስምና ግን ክተርፍ’ዩ።”
ኢዶርስ ዝተባህለ መጺኡ ንኣኪሊስ፡ “እቶም ትሮያውያን መይቶም ኣለዉ፡” በሎ። ኣኪሊስ ከኣ ንሄክቶር፡ “ሕጂ ናብ ገዛኻ ኪድ። ገለ ወይኒ ሰቲኻ ምስ ሰበይትኻ ደቅስ። ጽባሕ ኲናት ክህልወና’ዩ፡” በሎ።
“ንዂናት ከም ጸወታ ገይርካ ትዛረበሉ ኣለኻ። ብዙሓት ደቀንስትዮ ትሮይ ግን ዳግማይ ንዘይምለሱወን ኣማኢት ሰብኡተን ይጽበያኦም ኣለዋ።”
“ከም ሓቂ’ኳ ሓውኻ ኣለወን። ኣንስቲ ካልኦት ጽቡቕ’ዩ ዘኳሽምዶ ኣይበሉዎን!”
ሄክቶር ፈረሱ ተወጢሑ ከደ። ኢዶርስ፡ “ንምንታይ ስቕ ኢልካ ገዲፍካዮ፡” በሎ። ኣኪሊስ ከኣ፡ “ልዑል ዝቕተለሉ ግዜ ኣይኰነን። ገና ንግሆ’ዩ ዘሎ፡” ክብል መለሰሉ። ኣጋሜምኖን ገና ካብ መርከቡ ኣይወረደን ነበረ። በቲ ‘ኣኪሊስ! ኣኪሊስ!’ ዝብል ናይ ናእዳ ድምጺ ሕጉስ ኣይነበረን። ኣኪሊስ ናብ ተሽኪሉ ክምለስ እንከሎ፡ ናይ ግሪኻውያን ነጋውስን ወተሃደራትን ሞገስ ተቐበለ።
ኣብ ቦታኦም ምስ በጽሑ፡ “ከነርእየካ እንደልዮ ነገር ኣሎ፡” በሎ ኢዶርስ። ኣኪሊስ ከኣ ደድሕረኡ ሰዓበ። ነቲ ቴንዳ ከፊቶም ንውሽጢ ኣተዉ። ኣብቲ ቤት መቕደስ ተሓቢኣ ዝጸንሓቶም ሓንቲ ጐርዞ ቀሪቦምሉ ጸንሑ። እታ ጓል ዘመድ ፓሪስ ዝዀነት ብሪስይስ እያ። ኣብ ገጻ ጽልኢን ፍርሒን ነበረ። ውሽጣዊ ክብሪን ጽንዓትን ከኣ ነበራ። ኣኪሊስ ርእይ ምስ ኣበላ ኣብ ኣዒንቱ ገለ ለውጢ ገበረ።
“መን’ዩ ስምኪ፧” ሓተታ። ኣይመለሰትሉን። ደም ተጸያዪቑ ምህላዉ ተፈለጦ’ሞ ገጹ ተሓጸበ። ንሳ ከኣ መውጽኢ ከም ዝደለየት በቲ ቴንዳ ኣሕሊፋ ተቋምት ነበረት።
“እመንኒ! ካብ ኣብ ደገ፡ ኣብዚ ቴንዳ ዝያዳ ውሕስነት ኣለኪ።”
“ንኣቕሽሽቲ ኣፖሎ ምሽ ቀቲልካዮም!”
“ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ሰባት ቀቲለ ኣለኹ። ኣቕሽሽቲ ግና ቀቲለ ኣይፈልጥን”
“ብጾትካ ቀቲሎሞም። ኣምላኽ ጸሓይ ባዕሉ ሕነኡ ክፈዲ’ዩ።”
“ሕጂ እንታይ ኢኺ ትጽበዪ ዘለኺ፧”
“ዘጥቅዓላ ግዜ እጽበ ኣለኹ።”
“ኣቕሽሽቱ መይቶም ኣለዉ። ከም ዝመስለኒ ኣምላኽኪ ፈሪሑኒ ኣሎ።”
“ፈሪሑኒ፧ ኣፖሎ ጐይታ ጸሓይ’ዩ። ንዝፈርሖ ድማ የብሉን።”
“ኣበይ ደኣ ኣሎ ሕጂ፧” ኣኪሊስ ዝተርከሰ ጨርቂ ገይሩ ደሙ ይሰድድ ነበረ።
“ንስኻ እንትርፎ ቀታሊ ዋላ ሓደ ኣይኰንካን። ስለዚ፡ ብዛዕባ ኣማልኽቲ እትፈልጦ ሓደ’ኳ የብልካን።”
“ዕስራ ክራማት ዘይርኣኺ ኢኺ። ልበይ ትፈልጥዮዶ ይመስለኪ፧ ካብቶም ዝምህሩኺ ኣቕሽሽቲ ንላዕሊ ብዛዕባ ኣማልኽቲ እፈልጥ፡” ኢሉ ጥምት ኣበላ’ሞ፡ “ካብ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ዲኺ፧ ስምኪ መን’ዩ፧ ኣገልገልቲ ኣፖሎ’ውን ከይተረፉ ኣስማት ኣለዎም፧”
“ብሪስይስ።”
“ፈሪሕክኒ ዲኺ ብሪስይስ፧” ኣስቅጥ ኣቢላ ብፍርሒን ምግራምን ትጥምቶ። ኢዶርስ በቲ ቴንዳ ክሳዱ ኣቐልቂሉ፡ “ጐይታይ! ንጉስ ኣጋሜምኖን ጸዊዑካ ኣሎ።”
“እዚኣ ትርአ እናሃለወትኒ፡ ንኡ ክርእዮ ንምንታይ የድልየኒ፧”
“ኵሎም ነጋውስ ነዚ ዓወት ንምጽንባል ኣብኡ ኣለዉ፡” ኣኪሊስ ተንስአ።
“ቀልጢፈ ክምለስ’የ። ክትፈርሕኒ ከኣ የብልክን። ከምዚ ኢለ ዝዛረቦ ትሮያዊ ንስኺ ጥራሕ ኢኺ፡” ኢሉዋ ወጺኡ ከደ።

ገዘፍቲ ዋርድያታት ኣጋሜምኖን ኣብ ልዳት ነበሩ። ኣኪሊስ ፍቓድ ከይሓተተ ንውሽጢ ኣተወ። ኣጋሜምኖን ኣብ ልዕል ዝበለ ብወርቂ ዝተጠምዐ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ። ነጋውስ ግሪኽ ከም ሜነሎስ፡ ኣያክስ፡ ኦዲሰስ… እውን ኣብኡ ነበሩ። ንጉስ ተሰሊዪ ትሮፒያስ ኣብ ብርኪ ኣጋሜምኖን ኢድ ነሲኡ፡ “ንጉስ ነገስታት! ዓቢ ዓወት ኢኻ ጨቢጥካ። ገማግም ትሮይ ብቐሊል ክተሓዝ’ዩ ኢሉ ዝገመተ ሓደ’ኳ ኣይነበረን፡” ብምባል ህያብ ወርቂ ሃቦ።
“ጽቡቕ ህያብ ትሮፒያስ። ጽባሕ ንጐደናታት ትሮይ ካብ ዝረግጹዎ ቀዳሞት ኢኻ።”
ኣኪሊስ ነቲ ልውውጥ ዘረባ ብጥርጣረ ርኣዮ። ምስ ኦዲሰስ ከኣ ተጠማመቱ። ንጉስ ኔስቶር’ውን ብተመሳሳሊ ወደሳኡ ኣስሚዑ ህያብ ሃበ። ኣጋሜምኖን ከኣ፡ “አመስግነካ ናይ ቀደም ዓርከይ። ጽባሕ ድራርካ ኣብ ቅርዓት ትሮይ ክኸውን’ዩ፡” በሎ። ተቐባቢሎም’ውን ነናቶም ወደሳን ህያባትን ሃቡ። ክወጽኡ እንከለዉ፡ ኦዲሰስ ንኣኪሊስ ብሞንኵቡ ስሒቡ ኣብ እዝኑ ብምጽጋዕ፡ “ኲናት፡ መንእሰያት ዝሞቱሉ፡ ዓበይቲ ከኣ ዝዛረብሉ ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ። ስለዚ፡ ነቲ ፓለቲካ ኣይትገደሰሉ፡” ኢሉዎ ናብ ደገ ወጽአ። ኣኪሊስ ግን ተረፈ። ኣጋሜምኖን ከኣ ንኡ ይጽበዮ ከም ዝነበረ ፈለጠ’ሞ፡ ነቶም ተለኣኣኽቱ ንኽወጽኡ ኣዘዞም።

“ዛጊት ንእሽቶ ዓወት ጨቢጥካ ኣለኻ፡” በለ ኣኪሊስ።
“ከም ሓቂ፡ ገማግም ትሮይ ንግሆ ንፕሪያም ናይ ምሸት ከኣ ንኣጋሜምኖን ምዃኑ ዘንጊዕካ ኢኻ።”
“ነቲ ገምገም ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ናብዚ ምእንቲ ሑጻ ኢለ ኣይመጻእኩን።”
“ስምካ ንዘለኣለም ከተጸውዕ ኢልካ ኢኻ መጺእካ። ሎሚ ዓቢ ዓወት ተጨቢጡ ኣሎ። እቲ ዓወት ግን ናትካ ኣይኰነን። ነጋውስ ናብ ኣኪሊስ ኣይምብርከኹን’ዮም። ነጋውስ ንኣኪሊስ ክብሪ ዘውህብ ምኽንያት የብሎምን።”
“እቲ ዓወት በቶም ወተሃደራት’ዩ መጺኡ። መን ከም ዝተዋግአ ከኣ ይፈልጡ’ዮም።”
“ታሪኽ፡ ንነጋውስ ደኣ’ምበር ንወተሃደራት ኣይዝክርን። ጽባሕ መዓጹ ትሮይ ክስበር’ዩ። ኣብ ወከፍ ደሴት ግሪኽ ሓወልቲ ክሃንጽ’የ። ኣጋሜምኖን ከኣ ኣብ እምኒ ክጽረብ’ዩ። ስመይ ንዘለኣለም ክነብር’ዩ። ስምካ ኣብ ሑጻ ከም ዝጽሓፍ’ዩ። ማዕበል መጺኡ ከኣ የጥፍኦ።”
“መጀመርታ ግን ክትዕወት’ዩ ዘለካ፡” ኢሉ ኣኪሊስ ተገምጢሉ ክወጽእ ተበገሰ። ኣጋሜምኖን ከኣ፡ “ሓንሳብ! ወዲ ፐሉስ፡” ኢሉ ተዳህዮ።
“ስም ኣቦይ ካብ ኣፍካ ክሰምዖ ኣይደልን’የ፡” በሎ ኣኪሊስ። ኣጋሜምኖን ከኣ ነቲ ዘረባ ግዲ ከይሃበ፡ ኣብ ፈለሚ ኲናት ዝተረኽበ ነገራት ንንጉስ ከም ዝግባእ ተዛረቦ።
“ወርቂ ዲኻ ደሊኻ፧ ውሰዶ! ዝደለኻዮ ውሰድ።”
“ድሮ’ውን ወሲደዮ’የ። ንብሪስይስ’ውን ኣምጺአያ እየ። ሎሚ ለይቲ ነብሰይ ክትሓጽበኒ እያ። ብድሕሪኡ ከኣ… መን ይፈልጥ፧”
ኣኪሊስ ሴፉ ካብ ሰገባ መልሓ። እቶም ወተሃደራት’ውን ከምኡ። “ምሳኹም ባእሲ የብለይን – ኣሕዋት። እንተ ዘይሰዲድኩማ ግን ገዛኹም ዳግማይ ኣይክትርእዩዋን ኢኹም፡” በሎም። ሰገጥ ከኣ በሉ። ኣኪሊስ ናብኡ ሰጐመ። ኣጋሜምኖን ነቶም ዓጀብቱ ኣጓጠጠሎም’ሞ፡ ሴፎም መሊሖም ከበቡዎ። እቶም ወተሃደራት ንብሪስይስ እናተቐባበሉ ናብቲ ቦታ ኣምጽኡዋ። ክዳውንታ ከኣ ተቐዳዲዱ ነበረ።
“ፈንዉኒ!” ጨደረት ብቝጥዐ። ኵሎም ምሓዝ ገዲፎም ጠመቱዋ።
“ሎሚ ብዙሓት ሰባት መይቶም እዮም” በለት’ሞ፡ ነቶም ኣብቲ ገዛ ዝነበሩ ሰባት ጠመተቶም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ናብ ኣኪሊስ ገጻ ገይራ ተዛረበት።
“እንኮ ተውህቦኻ ምቕታል እንተዀይኑ፡ መርገምካ እዩ። ኣነ ግን ምእንታይ ኢሉ ዝመውት ሰብ ኣይደልን’የ፡” በለቶ። ኣጋሜምኖን ክሳዕ ዝስሕቕ ከኣ ኣብቲ ገዛ ዝነበሩ ሰባት ስቕ ኢሎም ነበሩ።
“ሓያል ኣኪሊስ ብሓንቲ ግልያ ጓል ኣፉ ሒዙ፡” ኣባጨወ ኣጋሜምኖን።
“ግልያ ኣይኰነትን፡” ኣድመጸ ኣኪሊስ።
“ሕጂ ግልያ እያ፡” በለ ኣጋሜምኖን። ኣኪሊስ ከኣ ብሕርቃን ነደደ። ፈኪሩ ከኣ ወጽአ።

ግሪኻውያን ነቲ ዝስዕብ ውግእ ይዳለዉ። ትሮያውያን ከኣ ይመያየጡ። ኣብቲ ኣኼባኦም ብዙሕ ሓሳባት ፈልፈለ። ኣብ መወዳእታ ፓሪስ፡ “ኲናት ኣይክህሉን’ዩ። እዚ፡ ናይ ሃገራት ውግእ ኣይኰነን። ባእሲ ክልተ ሰብኡት’ዩ። ምእንታይ ኢሉ ዝመውት ትሮያዊ ክርኢ ከኣ ኣይደልን’የ። ጽባሕ ንግሆ ምስ ሜነሎስ ክገጥም’የ። ዝሰዓረ ንሄለን ይወስዳ። ዝተሳዕረ ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ሬሳኡ ይነድድ፡” ብምባል ካብቲ ኣደራሽ ወጽአ። ጸጥታ ሰፈነ። ሓደ ተንሲኡ፡ “እሞ ናይ ምስዓር ዕድል ኣሎዎ ድዩ፧” ክብል ሓተተ። ሄክቶር ከኣ፡ “ኣጋሜምኖን በዚ ስለ ዘይዓግብ፡ ጽባሕ ሰራዊትና ድልው ክኸውን’የ ዝደሊ፡” በለ።
ኣብቲ ውቁብ ግንቢ፡ ፓሪስን ኣቦኡን ብሓንሳብን ብዝንታን ኮፍ ኢሎም ነበሩ።
“ኣቦ ኣጕህየካ እየ’ሞ ይቕረ በለለይ፡” በሎ።
“ተፍቅራ ዲኻ፧”
“ኣቦ! ዓቢ ንጉስ ዝዀንካ ንሃገርካ እምብዛ ስለ እተፍቅር’ዩ። ወከፍ ሳዕሪ፡ ሑጻን ከውሒን ወሓዚን…ኮታ ንዅላ ትሮይ ከም እተፍቅራ’የ ንሄለን ዘፍቅራ።”
“ኣብ ግዜይ ኣብ ሓያሎ ኲናት ተዋጊአ’የ። ገለኡ ምእንቲ መሬት፡ ገለኡ ምእንቲ ስልጣን፡ ገለኡ ምእንቲ ክብሪ። ምእንቲ ፍቕሪ ኢልካ ምቅላስ ከኣ ካብ ኵሎም ንላዕሊ ስምዒት ይህብ ‘ዝወደይ!”

ፓሪስ ብቓላት ኣቦኡ ተጸናኒዑ ከቢድ ጽዕነት ካብ ዝባኑ ከም ዝፈዀሶ ተሰምዖ። ኣቦኡ ካብ ጨርቂ ኣውጺኡ ናይ ትሮይ ማሕተም ዘሎዋ መስመስ እትብል ሴፍ ኣረከቦ።
“ኣቦይ ነዛ ሴፍ’ዚኣ ሒዙዋ ነበረ። ኣቦኡ ንኣቦይ’ውን ብተመሳሳሊ። ከምኡ እናበለት ክሳዕ መስራቲ ትሮይ ትቕጽል። ታሪኽ ህዝብና ኣብዛ ሴፍ ተጻሒፉ ኣሎ። ጽባሕ ሒዝካያ ኪድ፡” በሎ። ፓሪስ ነታ ሴፍ ንላዕሊ ሓፍ ኣበላ’ሞ፡ ብብርሃን ወርሒ ተሓጊዛ ኣንጸባረቐት። “መንፈስ ትሮያውያን ኣብዛ ሴፍ ኣሎ። ምስ ትሮያውያን ክሳዕ ዝሃለወት ከኣ መጻኢ ህዝብና ውሑስ’ዩ፡” በለ ንጉስ ትሮይ ፕሪያም። ሄክቶር ከኣ ኣብ ገዛኡ ኰይኑ ሕጻን ወዱ የጻውት ነበረ። ሰበይቱ ከኣ፡ “ጽባሕ ኣይትኺድ። ዛጊት ዝኣክል ተዋጊእካ ኢኻ። ካልኦት ሰባት ይኺዱ፡” በለቶ። ሄክቶር ድማ፡ “ክዋጋእ ዝደሊ ድዩ ዝመስለኪ – ፍቕርቲ፧ ወደይ ጐቢዙ፡ ደቀንስትዮ ደድሕሪኡ ክኸዳ ክርኢ እየ ዝደሊ፡” በላ።
“ኣብዚ ኲናት ሸውዓተ ኣሕዋተይ ስኢነ’የ። ንኣኻ’ውን ክስእነካ ጽቡቕዶ ‘መስለካ። ብድሕሬኻ ክነብር ኣይክእልን’የ፡” በለቶ። ንሱ ከኣ፡ “ጽንሒ ንሓወይ ረኺበዮ ክመጽእ’የ፡” ኢሉዋ ወጽአ። ናብ ፓሪስ እናኸደ እንከሎ፡ ሄለን መሊቛ ክትሃድም ርኣያ’ሞ፡ ጐዩ ኣርከባ፣ “ናበይ ትኸዲ ኣለኺ፧” ሓተታ።
“ግደፈኒ ክኸይድ፧” ክትፍንጽጎ ደለየት።
“ናበይ፧”
“ክቃጸሉ ርእየዮም! ክቃጸሉ! ናተይ ጌጋ እዩ፡” በለቶ ብሓዘን ድምጻ እናተቘራረጸ።
“ኖእ!”
“እዩ! ንስኻ’ውን ትፈልጥ ኢኻ። እዘን ኵለን ብዘይ ሰብኡተን ዝተረፋ ክሳዕ ሕጂ ቍዘማአን እሰምዖ ኣለኹ፡” ነብሳ ክትቈጻጸር እናፈተነት ብዕምቈት ኣስተንፈሰት፡ “ኣነ ኣብዚ ብምህላወይ ሰብኡተን ስኢነን። ናብ ሜነሎስ ኢደይ ክህብ’የ። እንተ ደልዩ ይቕተለኒ፣ እንተ ደልዩ ግልያኡ ይግበረኒ። ነዚ ካብ ምርኣይ ዘይሓይሽ የሎን።”
“ከምኡ ዝበሃለሉ ግዜ ሓሊፉ’ዩ። ኣጋሜምኖን ናይ ሓዉ ሓዳር ኣገዲሱዎ ዝመጽአዶ ይመስለኪ፧ ኣይኰነን። ናይ መን ሓያለ ኲናት’ዩ፣ ናይ ፍቕሪ ኣይኰነን።”
“ፓሪስ ጽባሕ ንግሆ ክዋጋእ’ዩ…”
“እወ።”
“ሜነሎስ ክቐትሎ’ዩ። ኣነ ነዚ ክርእዮ ኣይደልን’የ።” ሄክቶር ልቡ ተነኽአ።
“ውሳነኡ እዩ።”
“ኖእ! ኖእ! ንስለይ ዝዋጋእ ኣይደልን’የ። ኣነ ልእልቲ ስፓርታ ኣይኰንኩን።”
“ልእልቲ ትሮይ ኢኺ። ሓወይ ሎሚ ለይቲ ይደልየኪ እዩ፡” በላ። ሄለን ንሄክቶር ብምግራም ጠመተቶ። ቃላቱ ውሽጣ ተንከፋ’ሞ ተጠውያ ናብ ፓሪስ ተመልሰት።
ንጽባሒቱ ወጋሕታ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት ግሪኽ ንዂናት ተቐረቡ። ኣኪሊስ ግና ኣብ ተሽኪሉ ነበረ። ኢዶርስ ዕጥቁ ዓጢቑ ናብ ቴንዳ ኣኪሊስ ተቐልቀለ፡ “ጐይታይ! እቲ ሰራዊት ይኸይድ ኣሎ።”
“ይኺድ! ንሕና ግን ክንጸንሕ ኢና።”
“ወተሃደራትና ተዳልዮም ኣለዉ።”
“ትማሊ ኣጋሜምኖን ኣብ ክብረይ ኣላጊጹ’ዩ። ነታ ጓል ኣብ ልዕሊኣ ዝዀነ ከም ዘየጋጥማ ቃል ኣትየላ ነይረ። ካባይ ሰሪቑ ወሲዱዋ። ሎሚ ከኣ ባዕሉ ንትሮያውያን ይዋጋኣዮም።” ናብ ፓትሪኵልስ ግልጽ ብምባል ከኣ፡ “ክትዋጋእ ድልው ዲኻ ዘለኻ፧” በሎ።
“እወ፡” መለሰሉ።
“ክትቀትል ተዳሊኻ ዲኻ ዘለኻ፧ ለይቲ ምስሊ ናይቶም ዝቐተልኩዎም’ዩ ዝርኣየኒ። ኣብ ሩባ ስታክስ ደው ኢሎም ይርኣዩኒ። ይጽበዩኒ’ዮም ዘለዉ፡” በሎ። ፓትሪኵልስ ቀስ ኢሉ ተንስአ። ኣኪሊስ ከምዚ ኢሉ ክዛረብ ሰሚዑዎ ኣይፈልጥን’ዩ።
“ሓደ-ሓደ ለይቲ ኣብ ሞንጎኦም ኰይነ ክኸይድ ይርኣየኒ። ምስ ተበራበርኩ’ውን ደሃዮም ይስምዓኒ’ዩ። ‘እንቋዕ ብደሓን መጻእካ!’ ክብሉኒ ይስምዓኒ፡” በለ’ሞ፡ ንፓትሪኵልስ መዋግእቱ ከይጸልእን ኵሎም ካብ ሞት ከም ዘየምልጡን ነገሮ። ንሱ ከኣ ንዋላ ሓደ ከም ዘይጸልእ ተዛረበ።
“ጽቡቕ!” በለ ኣኪሊስ፡ “ከመይ ገይርካ ከም እትዋጋእ ምሂረካ እየ። ንምንታይ ከም እትዋጋእ ግን ኣይመሃርኩኻን።”
“ንኣኻ ኢለ’የ ዝዋጋእ።”
“ኣነ እንተ መይተኸ ንመን ኢልካ ክትዋጋእ ኢኻ፧” ፓትሪኵልስ እንታይ ከም ዝምልስ ጨነቖ።
“መብዛሕትኦም ወተሃደራት ነቲ ርእዮሞ’ኳ ዘይፈልጡ ንጉስ ኢሎም ይዋግኡ። ዝተባሃሉዎ ይፍጽሙ፡ ንኽመቱ ክንገሩ እንከለዉ እዮም ዝሞቱ።”


ክልተኦም ወገናት ተፋጠጡ። ፓሪስ ንሜነሎስ ክገጥሞ ወዲኡዎ’ዩ። ሄክቶር ብሓው ርግጸኛ ኣይነበረን። ንኽልተኦም እትፈልጥ ሄለን’ውን ፓሪስ ንሜነሎስ ከም ዘይክእሎ’ያ እትርዳእ። ፓሪስ ናብ ሄለን ቀሪቡ ተፋነዋ። ኣብ ገጻ ፍቕሪን ስግኣትን ይንበብ ነበረ። ቀው ኢሉ ክጥምታ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ግምጥል ኢሉ ከደ። ዓርሞሸሽ ሰራዊት ጸጥ ኢሉ ይከታተል ነበረ። ኣብ ጐድኒ ግሪኻውያን ዘይተሰለፉ ፓትሪኵልስ፡ ኢዶርስ… ኣብ ሓደ ኵርባ ኰይኖም ነቲ ውዕሎ ካብ ርሑቕ ይዕዘቡ። ግሪኻውያን፡ ኣኪሊስ ምስኦም ከም ዘይ ነበረ ፈለጡ።
ሄክቶርን ፓሪስን ኣፍራሶም ተወጢሖም ናብ ማእከል ቀረቡ። ኣጋሜምኖን ሜነሎስን’ውን ብተመሳሳሊ።
“ሜነሎስ ዝራብዕ’ዩ። ካባኻ ስለ ዝሕይል፡ ቀሪብካ ክትገጥሞ ኣይትፈትን። ርሕቀትካ መዘን፡” በሎ ሄክቶር ንፓሪስ። ናይ ክልተኦም ወከልቲ ተቐራረቡ። ኣጋሜምኖን ፈከረ። ሄክቶር ከኣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ሓተተ። “ኣርሒቕና ኢና መጺእና ዝኸበርካ ልኡል፡” ብምባል ኣጋሜምኖን ኣባጨወ።
“ልኡል፧ እዚኦም ልኡላት ኣይኰኑን። ብምቕልልና ዝተጋበዘ፡ መግቢኻ በሊዑ፡ ነቢትካ ሰትዩ ክንሱ ለይቲ ኣጸልሚቱ ሰበይቲ እንዳማቱ ሰሪቑ ዝኸይድስ ልኡል ኣይኰነን፡” በለ ሜነሎስ።
“ሰበይትኻ ክትጥንጥነካ እንከላ ጸሓይ ትወጽእ ነይራ።”
“ኣብቲ ኰይና ምሽ ትርእየካ ኣላ። እናመትካ ክትርእየካ’ውን እደሊ እየ፡” ኢዱ ናብ ሄለን ኣመልከተ።
“ሕጂ ግዜኡ ኣይኰነን፡” በሎ ኣጋሜምኖን ንሓዉ። ቀጺሉ ናብ ሄክቶር ብምጥማት፡ “ክልተ ድሌታት ኣሎኒ። ህዝቢኻ ከይመተካ እንተ ደሊኻ መጀመርታ ንሄለን ናብ ሓወይ ምለሳ፣ ካልኣይ ትሮይ ኣብ ትሕቲ ግዝኣተይ ክትኣቱ ኣለዋ። ኣብ ዝጸዋዕኩዋ ከኣ ኣብ ጐድነይ ተሰሊፋ ትዋጋእ።”
“ሰራዊትካ ርእየ ክፈርሕ ትጽበየኒ ከይትህሉ፧! እርእዮም ኣለኹ። ምእንቲ ስስዐ ሓደ ሰብ ኢሎም ዝመጽኡ ሓምሳ ሽሕ ሰባት እርኢ ኣለኹ።”
“ተጠንቀ…ቕ! ምሕረት ገደብ ኣሎዎ፧!” ኣጓጠጠ ኣጋሜምኖን።
“ገደብ ምሕረትካ ርእየዮ እየ። ዝዀነ ውላድ ትሮይ ንናይ ግዳም ሓይሊ ኢዱ ከም ዘይህብ ንኽትፈልጥ እነግረካ ኣለኹ።”
“ወከፍ ውላድ ትሮይ ክመውት’ዩ።”
“ካልእ መገዲ ኣሎ፡” ኣቋረጾም ፓሪስ፡ “ንሄለን አፍቅራ’የ። ንማንም’ውን ኣይህባን። ክልተና ንግጠም፡ ዝሰዓረ ይወስዳ፡ በዚ ይወዳእ።”
“ጽቡቕ ትብዓት’ዩ። ግና እኹል ኣይኰነን፡” በለ ኣጋሜምኖን። ሜነሎስ ከኣ ንሓዉ ስሒቡ ንክቐትሎ ከፍቅደሉ ሓተቶ።
“ምእንቲ ምልክዕቲ ሰበይትኻ ኢለ ኣይመጻእኩን፣ ንትሮይ ደልየ እየ መጺአ።”
“ኣነ ስለ ክብረይ ኢለ’የ መጺአ። ወከፍ ምንቅስቓሱ ይጸርፈኒ ኣሎ። በጃኻ ክቐትሎ ነዚ ዕየት። ኣብ መሬት ክወድቕ እንከሎ፡ ኣነ ሕነይ ይፈዲ ንስኻ ናብ ከተማኻ ተጥቅዕ።”

ኣጋሜምኖን ኣፍቀደሉ። ክልተኦም ተቐራረቡ። ባእሲ ዘይለመደ ፓሪስ ብፍጥነት ጀመረ። ነቲ ግጥም ግን ሜነሎስ ዓብለሎ። ኣሰነፎ’ውን። ፓሪስ ወደቐ። ካብ ኣፉን ኣፍንጫኡን ደም ጸረር በለ። ሄክቶር ብዓቢ ስግኣት እናጠመተ፡ “ኣጆኻ ተንስእ!” ይብሎ። ኣያክስ፡ “እዚ ልኡል ትሮይ ክበሃል ድዩ፧ ኣዋልድ ይሕሻ፡” በሎ ንኦዲሰሰ። ሜነሎስ ሴፉ ክሸኽተሉ ናብ ፓሪስ ቀረበ፡ “ነዞም ኣሞራ ትርእዮምዶ ኣለኻ፧ ስጋ ልኡል ጥዒሞም ኣይፈልጡን’ዮም፡” በለ። ፓሪስ ሃዲሙ ኣብ እግሪ ሓዉ ተዓቝበ።
“ኣታ ፈራሕ ንዓ! ንዓ ግጠም። እተዘይ ኰይኑ ትሮይ ክትዓኑ’ያ!” ጨደረ ሜነሎስ።
“እቲ ግጥምኩም ኣብቂዑ’ዩ፡” በለ ሄክቶር።
“ኣየብቅዐን። ኣብ እግሪኻ ከሎ ክቐትሎ’የ።”
“ሓወይ እዩ።”

ሜነሎስ ሴፉ ንላዕሊ ሓፍ ኣበለ። ሄክቶር ብቕልጣፈ ሴፉ ሸኸለሉ። ሜነሎስ ወደቐ። ኣጋሜምኖን ብቝጥዐ ጨደረ። ክልተ ወገናት ብኸቢድ ተራጸሙ። ትሮያውያን ኣብ ግንቢኦም ኰይኖም ፍላጻታቶም ወርወሩ። ኣብ ልዕሊ ግሪኻውያን ሰፍ ዘይብል ጉድኣት ኣውረዱ። ሄክቶርን ኣያክስን ተራኸቡ። ናይ ክልተ ዕሉላት ተዋጋእቲ ግጥም’ዩ። ብልዑል ክእለት ነዊሕ ዝወሰደ ቃልሲ ኣካየዱ። መወዳእታኡ ሄክቶር ሴፉ ሸኸለሉ። እቶም ብማዕዶ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ኣኪሊስ፡ ፓትሪኵለስ፡ ኢዶርስ … ክኣምኑ ኣይከኣሉን። ግሪኻውያን በቲ ዝወረዶም ሰንቢዶም ተመልሱ።
“ኣህዲምናዮም!” በለ ልይሳንደር።
“ፍላጻታትና ከመይ ከም ዝገበሮም ርኢኻዮ ኢኻ። ነቶም ዝወደቑ ብጾት ኣልዕሉዎም። ብድሕሪኡ ናብ ግሪኻውያን ልኡኽ ስደዱ። ምውታቶም ከልዕሉ ክንፈቕደሎም ኢና።”
ኣጋሜምኖን ኣብ ልዕሊ ሬሳ ሜነሎስ ቈይሙ ከም ልምዲ ግሪኻውያን ክልተ ሰናቲም ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ። “ቅድሚ ምኻደይ ከተማኦም ናብ ሓሙዅሽቲ ክቕይራ እየ። ቃል ይኣትወልካ ክቡር ሓወይ፡” በለ።


ኣብቲ ምሸት፡ ፓሪስ ንሄለን ከዕልላ ከበዶ፣ “ፈራሕዶ ኢልክኒ። ፈራሕ እየ። ከም ዝቐትለኒ ፈሊጠ ነይረ። ንስኺ፡ ኣቦይ፡ ሓወይ …መላእ ትሮይ ትርእየኒ ነይራ። ንኽነብር ክብረይ ወፍየ፡”
“ንዓቢ ተዋጋኢ ክትገጥሞ ምፍታን ትብዓት’ዩ” በለቶ።
“ከዲዐኪ፡ ኣሕፊረኪ!”
“ሜነሎስ ተባዕ’ዩ። ንኽዋጋእ ኢሉ’ዩ ዝነብር። ካብ ዝምርዓዎ ክሳዕ ዝመውት ፈትየዮ ኣይፈልጥን፡” ሄለን ክትስዕሞ ቀረበት፣ “ፍቕረይ! ጅግና ኣይደልን’የ። ምሳይ ኰይኑ ዘተኣርገኒ’የ ዝደሊ፡” በለቶ’ሞ፡ ስሒባ ሰዓመቶ።


ኔስቶር፡ ኣጋሜምኖንን ኦዲሰስን ካርታ ትሮይ ይዕዘቡ። ኣጋሜምኖን፡ “ኣብ ትሮይ ኰይኖም ኣብ ልዕለይ ይስሕቁ ኣለዉ። ፕሪያምን ካልኦትን ናይ ዓወት መስተ ይሰትዩ ኣለዉ። መርከበይ ተጻዒነ ዝምለስ መሲሉዎም ይኸውን፧!”
“ንሰይቲ ሜነሎስ ደሊና ከም ዝመጻእና’ዮም ዝሓስቡ። ሕጂ ከኣ ንሰበይቱ ኣይደልያን’ዩ።”
“ደም ሓወይ ክሳዕ ሕጂ ይዛሪ ኣሎ። ትጸርፈኒ ኢኻ ዘለኻ።”
“ንዝሞተ ‘ሞይቱ’ ምባል ምጽራፍ ኣይኰነን፡” በለ’ሞ ኦዲሰስ፡ “ክንጸንሕ እንተዄንና ቅኑዕ ምኽንያት ክህልወና ኣለዎ። ኣብዚ ዝጸናሕና ምእንቲ ግሪኽ ኢልና ኢና፡ ምእንቲ ክብሪኻ ኣይኰንናን። ውልቃዊ ቅጭትካ ምስ ኣኪሊስ የዕንወና ኣሎ።
“ኣኪሊስ ሓደ ሰብ’ዩ…”
“ሄክቶር’ውን እኮ ሓደ ሰብ’ዩ። ሎሚ እንታይ ከም ዝገበረና ግን ርኢኻዮ ኢኻ።”
“ሄክቶር ንሃገሩ’ዩ ዝዋጋእ፡ ኣኪሊስ ግና ንነብሱ ጥራሕ’ዩ ዝዋጋእ።”
“ናይ ሰብ ጅግንነት ኣየገድሰንን’ዩ። ኣብ ኲናት ናይ ምዕዋት ክእለቱ’ዩ ዘገድሰኒ።”
“ሓቁ’ዩ። ሞራል ናይ ወተሃደራትና ደኺሙ ኣሎ፡” ኣብ ሞንጎ ኣተወ ኔስቶር።
“ምድካም ጥራሕ፧ ናብ ገዛኦም ክኸዱ ድልዋት ኣለዉ።”
“ምስ ኣኪሊስ ሰላም ዋላ ክገብር እንተ ደለኹ ኣይሰምዕን’ዩ…” በለ ኣጋሜምኖን። ኦዲሰስ ከኣ ባዕሉ ከም ዝዛረቦ ሓበሮ።
“እታ ጓል ክትምለስ ግን ክደሊ’ዩ፡” በለ ኔስቶር።
“ክወስዳ ይኽእል’ዩ። ኣይተንከፍኩዋን’ውን።”
“ኣበይ ኣላ፧” በለ ኦዲሰስ።
“ነቶም ወተሃደራት ሂበዮም። ድሕሪ ሎሚ ገለ መዘናግዒ የድልዮም’ዩ፡” እቶም ወተሃደራት ድማ የላግጹላ ነበሩ።


ብሪስይስ ናብ ኣኪሊስ ተመሊሳ። ኣኪሊስ ኣብ ጥቓኣ ኮፍ ኢሉ ይርእያ ነበረ። ዝተቐዳደደ ክዳውንታ ቀዪራ ጽርይ ኢላ’ያ ዝነበረት። ፍሩታታትን ጥቡስ ስጋን ኣብ ቅድሚኣ ነበረ። ክትበልዕ ኣይፈተነትን።
“ክትበልዒ’ኮ ኣለኪ፧” ብሪስይስ ቃል ኣየምለቘትን። “ጐዲኦሙኺ ድዮም፧”
“እንታይ ይመስለካ፧”
“ክትቃለስዮም ይርእየኪ ነይረ። ትብዓት ኣለኪ።”
“ክጐድኣካ ንዝፈተነ ምቅላስ’ሞ ኣኽላባት’ውን እኮ ተመሳሳሊ ትብዓት ኣሎዎም።”
“ካብ ሰባት ንላዕሊ ንኣኽላባት’የ ዝፈቱ።”

ኣኪሊስ ምስ ብሪስይስ ብዙሕ ኣዕለሉ። ብሪስይስ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ግሪኻውያን ገና ኣይወጽኣላን። ንኣኪሊስ’ውን ከም ጸላኢኣ’ያ ትርእዮ ዝነበረት። ዓይኑ ሰም ምስ ኣበለ ካራ ሒዛ ክትቀትሎ ኣብ ክሳዱ ቀረበት። ኣኪሊስ ተዛንዩ፡ “ኣጆኺ ውዓልያ!” በላ። “ድሕሪ ሕጂ ብኣኻ ዝመውት ምእንቲ ከይርከብ ክቐትለካ’የ፡” በለቶ። እቲ ህይወት ንምንታይ ከም ዝመረጾ ሓተተቶ። ንሱ ከኣ በቶም ትኣምኖሎም ኣማልኽቲ ገይሩ ገለጸላ። ንብሪስይስ ኣይተረድኣን፡ ኣኪሊስ በብቝሩብ ሓሰኻ ፍቕሪ ከሕድረላ ጀመረ። ተቐራሪቦም ተሰዓዓሙ።


ኣኪሊስ ንግሆ ንብሪስይስ ብምርኣይ ዓይኑ ከፈተ። ጽብቕቲ ጐርዞ እያ፡ ተነቃፊት ከኣ። ብዓይኒ ፍቕሪ ጠመታ። ኢዶርስ ናብቲ ቴንዳ ተቐልቀለ። ኣኪሊስ ኣብ ልዕሊ‘ታ ምስኡ ዝሓደረት ብሪስይስ የስለምልም ነበረ። ንመጀመርታ ግዜኡ ልዕሊ ውግእ ህይወት ዓብዩ ተራኣዮ። ናብ ኢዶርስ ቍሊሕ ብምባል፡ “ዓድና ክንከይድ ኢና። ንብረትና ኣብ መራኽብና ጸዓኑዎ፡” በሎ። ኢዶርስ እምብዛ ተገረመ። ኣኪሊስ ካብ ቴንዳኡ ወጽአ። ኦዲሰስ ይጽበዮ ነበሩ።
“እታ ጐርዞ መጺኣትካዶ፧”
“እወ።”
“ጐዲኦማ ድዮም፧”
“ደሓንያ፡” ኣኪሊስ ናብ ባሕሪ ገጹ ብኣስተንትኖ ኣቋመተ። “ኦዲሰስ ንሰበይትኻ ትናፍቓዶ፧”
“ኵሉ ሳዕ!”
“ምሉእ ህይወተይ ንዝዀነ ሰብ ናፊቐ ኣይፈልጥን። ካልእ ሰብ ምሳኻ ክህሉ ምድላይ ድኻም ገይረ’የ ዝወስዶ ነይረ፡” በለ። ብሪስያስ ኣብ ልቡ ኣትያ እያ።
“ኵሉና ሰባት ንደሊ ኢና። ኣብዚ ግዜ’ዚ ከኣ ግሪኽ ትደልየካ እያ።”
“ቅድሚ ምውላደይ ግሪኽ ግሪኽ’ያ ነይራ። ምስ መትኩ’ውን ግሪኽ’ያ።”
“ብዛዕባ እቲ መሬት ኣይኰንኩን ዝዛረበካ ዘለኹ። እቶም ስንጭሮታት፡ ኣኽራናት… ብዛዕባ’ዚ ንገብሮ ዘለና ግዲ የብሎምን። ህዝቢ ግን ይደልየካ’ዩ። ትማሊ ዝነበረ ማሕረድቲ ክትርእዮ ነይሩካ።”
“ርእየዮ እየ። መን ናብ ማሕረድቲ ከም ዝመርሖም ርእየዮ እየ።”
“ኣጋሜምኖን ሕቡን ሰብ’ዩ። ጌጋ ክገብር እንከሎ ከኣ ይጠዓስ’ዩ።”
“ይቕረታኡ ከተብጽሕ ድዩ ልኢኹካ፧ ንሱ ሓበን ኣይፈልጥን’ዩ። እንታይ ኢኻ ትገብር ዘለኻ። ተሰካሚ ጽላል ናይ ንጉስ ዲኻ ትኸውን ዘለኻ፧”
“ዓለም ንዓኻ ቀላል ትመስለካ ኣላ ኣኪሊስ። ንጉስ ኴንካ ክትርእዮ እንከለኻ ሒደት ጉዳያት ጥራሕ እዮም ቀለልቲ። ኢታካ ከም ኣጋሜምኖን ዝኣመሰሉ ጸላእቲ ክትጻወር ኣይትኽእልን’ያ።”
“ክፈርሖ ኣለኒ ማለት ድዩ፧”
“ጸገምካ፡ ትፈርሖ ሰብ ዘይምህላውካ’ዩ። ፍርሒ ግን ኣገዳሲ’ዩ። ኣኪሊስ ኣብዚ ክትጸንሕ ኣለካ፡ ንዂናት ኢኻ ተፈጢርካ።”
“ህይወትካ ኲናት’ዩ ዲኻ ትብለኒ ዘለኻ፧”
“ተጋጊገየ ድየ፧”
“ክሳዕ ቅድሚ ሰሙን ሓቅኻ ነይርካ። ሕጂ ግና ነገራት ተቐያዪሮምኒ ኣለዉ”
“ደቀንስትዮ ነገራት ናይ ምጥንናግ ተኽእሎ ኣለወን።”
ኣኪሊስ ፍሽኽ በለ። ናብ ኦዲሰስ ገጹ ብምጥዋይ፡ “ልዕሊ ኵሎም ነጋውስ ግሪኽ ንኣኻ እየ ዘኽብር። ኣብዚ ኲናት’ዚ ግን ተገዛኣይ ኴንካ ኢኻ። ኣነ ከኣ መግዛእቲ ኣይቅበልን’የ።”
“ሓደ-ሓደ እዋን ምእንቲ ክትመርሕ ትግዛእ ኢኻ። እዚ ሓደ መዓልቲ ክርድኣካ ተስፋ ኣሎኒ፡” ኢሉዎ ከደ። ፓትሪኵልስ ኣብቲ ቴንዳ እዝኑ ጸልዩ ነቲ ዝርርብ ይከታተሎ ነበረ። ኣኪሊስ ከኣ ናብኡ ገጹ ከደ።
“ዓድና ክንከይድ ዲና፧” ሓተተ ፓትሪኵልስ።
“ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ክንብገስ ኢና፡” በሎ። ፓትሪኵለስ ኣይተቐበሎን። “ፓሰድዮን (ኣምላኽ ባሕሪ) እንተ ረጊሙና መራኽብና ክሰጥማ’የን። ሽዑ ኣብ ዓዲ ከይደ ዘዕልሎ እንታይ’ዩ ክኸውን፧ ደቂ ዓደይ ገዲፈ ክኸይድ…” እናበለ ኣምሪሩ ተዛረበ። ኣኪሊስ ከኣ “ደቂ ዓደይ” ምባሉ ኣይተፈተዎን። ፓትሪኵልስ ግን፡ “ኵላትና ግሪኻውያን ኢና። ብሓባር ባኒ ተማቒልና፡ ነቢቶም ሰትየ፡ ዋዛታቶም ሰሚዐ’የ። ብጾተይ’ዮም። ክንገድፎም ኣይግባእን፡” በሎ። በዚ ዝተላዕለ ኣኪሊስ ክሳብ ዝሓርቕ ተዛረቦ፣ “ደመይ ኣብ ደምካ እንተ ዘይህሉ ኣይምመሓርኩኻን ነይረ፡” ክሳብ ዝብሎ ኮነ። ፓትሪኵልስ ዝፈቱዎ ዘመዱ’ዩ።


ኣብ ትሮይ፡ ፕሪያም፡ ሄክቶርን ካልኦትን ዝርከቡዎ ብዛዕባ ዝስዕብ ኵነታት ውሳነታት ንምውሳድ ተኣከቡ። ኣብ ኣማልኽቲ ኵቱር እምነት ዝነበሮ ፕሪያም በቶም ጽቡቕ ፋል ርኢና ዝብሉ ተደፋፊኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግሪኻውያን መራኽብ መጥቃዕቲ ምክያድ ዝብል ተቐበሎ። መብዛትኦም ከኣ፡ “ፍናኖም ተሃስዩ እንከሎ ነጥቃዓዮም’ሞ፡ ክሃድሙ’ዮም፡” ብምባል ኣነሃሃሩ። ሄክቶር ግን “መራኽቦም እንተ ኣዕኒናሎም ከይፈተዉ ሓድሕዶም ክሰምሩ’ዮም። ከጥቅዑ እንተዀይኖም ኣብ ግምብና ኴንና ንጸበዮም። ዓሪድና ጸኒሕና ክንመልሶም ኢና። ትማሊ ንዓቕምና ስለ ዘነኣኣሱዎ’ዮም ተሃስዮም። ንሕና ከኣ ተመሳሳሊ ግምት ክንወስድ የብልናን፡” ብምባል ነቲ ርእይቶኦም ነጸጎ። ንጉስ ፕሪያም ዘረባ ወዱ ምስ ሰምዐ ናብቲ ፈታሒ ፋል ብምጥማት፡ “ብዛዕባ ትርጕም’ቶም ጽቡቓት ፋላት ዝበልካዮም ርግጸኛ ዲኻ፧” በሎ። እወታዊ መልሲ ድማ ተቐበለ። ፕሪያም፡ “ኵሉ ድልው ይኹን። ፍርቂ መዓልቲ ከነጥቅዕ ኢና፡” ኢሉ ኣዘዘ።
“ኣቦ ጌጋ ውሳነ ኢና ንወስድ ዘለና፡” በለ ሄክቶር። ዝሰምዖ ግን ኣይነበረን።


ትሮያውያን ኣሽሓት ወተሃደራቶም ኣኽቲቶም ኣብ ልዕሊ ግሪኻውያን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣካየዱ። ቅድመኡ ኣብ ዝነበረ ውግእ ዝተሃሰዩ ግሪኻውያን እምብዛ ተቘጥዑ። ኦዲሰስ ምስ ደቂ ዓዱ ኢታካውያን ኰይኑ ውግእ ክኣቱ ይጽበ ነበረ። ኣብ መስርዕ ግሪኻውያን ውጨጫ ሰምዐ’ሞ ቍሊሕ በለ። ሓደ ጅግና ምስ ምሉእ ዕጥቁ ናብቲ ኲናት ክጐዪ ርኣየ። ብኣከዳድናኡን ኣሰጓጉማኡን ይፈልጡዎ’ዮም። ኦዲሰስ ብምግራም፡ “ኣኪሊስ!” በለ። ግሪኻውያን ስሙ ብምጽዋዕ ሞገሶም ኣስምዑ። ኣጋሜምኖን ብሕውስዋስ ስምዒታት ይምልከቶ። ኢዶሮስ ምስ ርኣዮ ንወተሃደራቱ ድልዋት ክዀኑ ኣዘዘ። ትሮያውያን ነቲ ዝህንደድ ዝነበረ ሓይሊ ይፈልጡዎ’ዮም። ሄክቶር ሴፉ ናብ ግሪኻውያን ኣመልከተ። ብኸቢድ ተራጸሙ። ናይ ክልተኦም ፍላጻታት ንሰማይ መልኦ። ኣማኢት ግሪኻውያንን ትሮያውያንን ኣብ መሬት ተጸፍጸፉ። ብዝያዳ ግን ትሮያውያን ተሃሰዩ። ኣብ ቅድሚት ኰይኖም ዝዋግኡ ዝነበሩ ሰራዊት ኣኪሊስ’ዮም። ሄክቶር’ውን ኣብ ቤት-መቕደስ ኣፖሎ ኣትዮም ካህናት ዝቐተሉ ምዃኖም ዘከረ’ሞ፡ ስምዒቱ ገንፈለ፣ “ኣኪሊስ!” ኢሉ ከኣ ጸውዐ። ክልተኦም ግጥም ጀመሩ። ናይ ክልተ ዓበይቲ ተዋጋእቲ ግጥም’ዩ ክኸውን። እዞም ክልተ ጀጋኑ ልዑል ክእለት ምንቅስቓስ ሴፍ ዝውንኖ’ዮም። ንውሕ ዝበለ ግዜ ወሰዱ። ሄክቶር ኣሰኒፉዎ፡ ወቒዑ ኣብ መሬት ሰጥሖ። ግሪኻውያን ካብ መጠን ንላዕሊ ሰንበዱ። ሄክቶር ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝሰዓሮ ደው በለ። ጸኒሑ ንሄልመት (ቆቢዕ) እቲ ዝሰዓሮ ካብ ርእሱ ኣለዮ። ኣኪሊስ ኣይነበረን። ፓትሪኵለስ’ዩ፡ ናይ ኣኪሊስ ዕጥቂ ዓጢቑ ኣደናጊሩዎም። ዳግማይ ካልእ ስንባደ ኮነ። ሄክቶር ነቲ ዝስሓግ ዝነበረ መንእሰይ ሴፉ ሓፍ ኣቢሉ ተኸለሉ። ኣብ ኣፍላ ንእስነቱ ብምዃኑ ሕማቕ ተሰምዖ።

ኣኪሊስ ናብ ዓዱ ንምኻድ ይዳሎ ነበረ። ንኢዶሮስ ምስ ርኣዮ ኣብ ኲናት ከም ዝወዓሉ ፈለጠ።
“ትእዛዛተይ ጥሒስካዮ…” ብምባል ክጥሕሮ ደለየ።
“ኣይፋልን! ጌጋ’ዩ ኣጓኒፉ።”
“ናይ ምንታይ ጌጋ፧ ክንከይድ ኢና ኢለ ነጊረካ እንድየ።”
“ኣነ ኣይመራሕኩዎምን።”
“መን ድኣ፧”
“ንስኻ መሲሉና።”
ነቶም ዝምለሱ ዝነበሩ ወተሃደራት ምስ ርኣየ፡ “ፓትሪኵለስ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተተ።
“ኵሉ ዕጥቅኻ መሊሱ ምስ ርኣና ንስኻ መሲሉና ስዒብናዮ። ኣብኡ ከኣ ተሪፉ።”
“ሓሳዊ ኢኻ!”
“ኵሉ ነገሩ ንኣኻ’ዩ ዝመስል ነይሩ – ዋላ ኣይከያይዳኡ።”
“እዚ ዘይከውን’ዩ። ትሕሱ ኢኻ ዘለኻ።”
“ብትብዓት’ዩ ዝዋጋእ ነይሩ። ሄክቶር ግን ብድሕሪኡ መጺኡዎ።”
“መይቱ፧ መይቱ፧” ኢሉ ንኢዶርስ ብቡኛ ዘበጦ።
“ሄክቶር ክሳዱ ቈሪጹዎ።”

ኣኪሊስ ሴፉ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ገጹ ከደ። እቶም ወተሃደራት ብኣዒንቶም ይስዕቡዎ ነበሩ። ማይ ፍርቂ ቍመቱ ክሳብ ዝበዝሕ ኣንጻር’ቲ ማዕበል ሰጐመ። ሴፉ መሊሑ ምስቲ ማዕበል ተባእሰ። ኣብ ልዕሊ ሄክቶር ሕነኡ ክፈዲ ተሃወኸ።


ኣኪሊስ ኣብ ኣዒንቲ ፓትሪኵልስ ሳናቲም ኣቐሚጡ ብቝጥዐ ይነድድ። ኣጋሜምኖን ካርታ ትሮይ ዘርጊሑ ክድምስሳ ምዃኑ ምልክት ይገብር። ፕሪያም ኣብ ፍቕያ ኰይኑ ከተማኡ የማዕዱ። ሄክቶር ኣብ ዓራት ኮፍ ኢሉ ንዝደቀሰ ወዱ ይጥምት። ሄለን ኣብ ዓራታ ኰይና እናሓሰበት ገለ ድምጺ ሰሚዓ ናብ መስኮት ገጻ ትኸይድ። ፓሪስ ብብርሃን ወርሒ ተሓጊዙ ቀስቱ ዘርጊሑ ፍላጻታት ናብ ዕላማ ይውርውር።

ኣኪሊስ ብኣዕጻው ዝተኸበ ሬሳ ፓትሪኵለስ ኣቃጺሉ ናብቲ ሓዊ ክጥምት ድሕሪ ምጽናሕ። ብህዱእ ሰጐመ። ኢዶርስ ኣብ መንገዲ ደቂሱ ጸንሖ’ሞ፡ “ኢዶርስ!” ኡሉ ተደሃዮ። ብድድ ኢሉ ተንስአ።
“ዕጥቀይ ቀርበለይ፧” ኣኪሊስ ብኢዶርስ እናተሓገዘ ዕጥቁ ዓጠቐ።


ሄክቶር ቀንዴል ሒዙ ንብዓልቲ ቤቱ መሪሑዋ ይኸይድ ነበረ’ሞ፡ “ናበይ ኢኻ ትወስደኒ ዘለኻ፧” በለቶ። ዓቢ ማዕጾ ክሳብ ዝረኽቡ ኣይተዛረባን።
“በየን ገይርና ኣብዚ ከም ዝበጻሕና ትዝክርዮዶ፧”
“እወ።”
“ድሕሪ ሕጂ በዚኣ ኢኺ ትመጽኢ። ዝዀነ መጥወዪ ስለ ዘይብሉ ክትጠፍኢ ኣይትኽእልን ኢኺ። ስቕ ኢልኪ ጥራሕ ቀጽሊ ኢኺ።”
“እንታይ ማለትካ ኢኻ ሄክቶር…”
“መወዳእታ ናይዚ፡ ብሰሜናዊ ወገን ጫፍ ናይ ወሓዚ ስካማንደር’ዩ። ጐቦ ኣይዳ ክሳብ እትርእዪ ሩባ ሩባ ገይርኪ ቀጽሊ ኢኺ። ንኣይዳ ንምዕራብ ሓዲግኪ ናብ ደቡብ ገጽኪ ቀጽሊ። ሽዑ ልይርነስስ ክትበጽሒ ኢኺ። ግሪኻውያን ክሳብ ኣብኡ ንውሽጢ ኣይበጽሑን’ዮም።”
“ተፍርሓኒ ኣለኻ፧ ንምንታይ ኢኻ ትነግረኒ ዘለኻ፧”
“እንድሕር ሞ..ይተ…”
“ኖእ!”
“እንድሕር ሞይተ፡ እዛ ከተማ ንኽንደይ ከም እትጸንሕ ኣይፈልጥን’የ።”
“በጃኻ ከምኡ ኣይትበለኒ፧!”
“ግሪኻውያን ሓጹርና ሓሊፎም እንተ ኣትዮም… ኵሉ ከብቅዕ’ዩ። ንዅሉ ሰብ ክቐትሉዎ’ዮም…”
“በጃኻ ሄክቶር!”
“ንኣረግቶት ካብ ዓራቶም ከጽድፉዎም፡ ንቘልዑ ካብዚ ግምቢ ክስንድውዎም’ዮም። ንደቀንስትዮና ግልያታቶም ክገብሩወን’ዮም። ንዓኺ ከኣ ካብ ግልያ ምዃን ሞት ይበልጸኪ።” ሰበይቱ እቲ ዝኸውን ቅጅል ኢሉዋ ከበሮ ዓይና ከደነት።
“ንምንታይ’ሞ ሕጂ ትነግረኒ ኣለኻ፧”
“ድልውቲ ኴንኪ ምእንቲ ክትጸንሒ’የ ዝነግረኪ ዘለኹ። ንወድና ሒዝኪ በዚ ገይርኪ ምእንቲ ክትወጽኢ። ብዝተኻእለኪ መጠን ብዙሓት ሰባት ምሳኺ ኣድሕኒ። በዚ መደያይቦ ገይርኪ ብምውራድ ኢኺ እትሃድሚ። ተረዲእክኒዶ፧” ናይ እወታ ርእሳ ነቕነቐት።
“ሎሚ ንንእሽቶ ወዲ’የ ቀቲለ – ኣዝዩ ንእሽቶ! እምብዛ ንእሽቶ!” ኣብ ኣእምሮኡ እናተሳእሎ ጓሂኡ ገንፈሎ።


ንጽባሒቱ ንግሆ ኣኪሊስ ኵሉ ዕጥቁ ዓጢቑ ተበገሰ። እቶም ወተሃደራት ንዅሉ ምንቅስቓሱ ብኣንኵሮ ይከታተሉዎ ነበሩ። ብኽልተ ኣፍራስ ዝስሓብ ሰረገላ ተሰቒሉ ተበገሰ። ኢዶርስ ክስዕቦ ፈቲኑ፡ “ተመለስ!” በሎ። ብሪስይስ ዓይና ብስእነት ድቃስ ደኺሙ ትጥምቶ። ኣኪሊስ’ውን ይጥምታ።

“በጃኻ ኣይትኺድ፧! ሄክቶር ሓወይ’ዩ። ጥዑይ ሰብ ከኣ’ዩ። ምሳኻ ተማላኣኒ’ምበር ምስ ሄክቶር ኣይትበኣስ። በጃኻ ኣይትበኣሶ። ነዚ መገዲ’ዚ እንተ ሓዲግካዮ ብሓንሳብ ክንነብር ንኽእል ኢና። ምውጋእ ክትሓድጎ ትኽእል ኢኻ። ብሓንሳብ ክንከይድ ንኽእል ኢና፡” በለቶ። ምስ ዘመዳ ሄክቶር ክጋጠሙ ዘፍርሓ ብሪስይስ። ኣኪሊስ ንዘረባኣ ውሒጡ ዝን ኢሉ ብምጽናሕ ሰረገላኡ ተወጢሑ ተዓዘረ።

ፕሪያምን ኣማኸርቱን ኣብ ፍቕያ ኮፍ ኢሎም ንኸተማኦም ይዕዘቡ ነበሩ። ሄክቶር ከኣ ብሓደ ኵርናዕ ኰይኑ ናብ ባሕሪ ገጹ ቀው ኢሉ ይጥምት። ኣኪሊስ ኣብቲ ጐልጐል ንበይኑ ይጋልብ። ሄክቶር ነታ እናቐረበት ትመጽእ ዝነበረት ሰረገላ ጠመታ። ኣብ ዝተወሰነ ሓጺር ርሕቀት ምስ በጽሐት ደው በለት’ሞ፡ ኣኪሊስ ወሪዱ ሄልመቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ እናሰጐመ ቀረበ። ኣብቲ ሰጣሕ ጐልጐል ንበይኑ ደው ብምባል፡ “ሄክቶር! ሄክቶር!” እናበለ ጸውዐ። ኣሃዱ ፍላጻ ትሮይ ቀስቶም ገቲሮም ክውርውሩሉ ተዳለዉ። ሄክቶር ግና፡ “ደው ኣብሉ” ክብል ኣዘዞም።

ኣኪሊስ፡ “ሄክቶር! ሄክቶር!” እናበለ ይጭድር። መቓልሑ እናተራብሐ ኣብ ውሽጢ’ታ ከተማ ከይተረፈ ተሰምዐ። ገና’ውን ምጽዋዕ ኣየቋረጸን። ሄክቶር ናብ ኣቦኡ ቀሪቡ ተንበርኪኹ ኢዱ ሰዓመ፡ “ኣቦ ዝበደልኩኻ እንተ ኣልዩ እቕረ በለለይ። ዓቕመይ ዘፍቅዶ ኣገልጊለካ እየ።”
“’ዝወደይ መዓረይ! ኣማልኽቲ ምሳኻ ይኹኑ፡” ሄክቶር ግምጥል ኢሉ ተበገሰ። ፕሪያም፡ “ሄክቶር” ኢሉ ተዳሃዮ። ገጹ መለሰ’ሞ፡ “ከማኻ ዝኣመሰለ ብሉጽ ውላድ ዘሎዎ ኣቦ ዛጊት የሎን፡” በሎ። ሄክቶር ናብ ፓሪስ ገጹ ከደ። ፓሪስ፡ “ካብ ዝፈልጦም ሰባት እቲ ዝበለጸ ኢኻ፡” በሎ ንሓዉ። ሄክቶር ከኣ፡ “ልኡል ትሮይ ኢኻ። ከም እተዅርዓኒ እተኣመመን’የ፡” ኢሉዎ ኣንፈት ናይቲ መወራረዲ ሓዘ። ብዓልቲ-ቤቱ ደው ኢላ ነበረት፣ “ዝበልኩኺ ትዝክርዮ እንዲኺ፧” በላ። ሰበይቱ ግን ክኸይድ ኣይደለየቶን። መገዱ ቀጸለ፡ ገዚፍ ማዕጾ ተራሕዩ ምስ ኣኪሊስ ተጠማመቱ።

ሄክቶርን ኣኪሊስ ክቀራረቡ እንከለዉ ዝርኢ ዝነበረ ኵሉ፡ ካልኦት ህዋሳቱ ኣጥፊኡ ዓይኒ ጥራሕ ኮነ። መንከ ምዕይ ክብል። ሓንቲ ዑፍ’ውን ትኹን ተወዝ ትብል ኣይነበረትን። ግጥም ናይ’ዞም ክልተ ዓበይቲ ተዋጋእቲ ክትርኢ ዓለም ብምልእታ ደው ዝበለት መሰለ። ክልተኦም ኣጓብዝ ተቐራረቡ።
“ነዛ ህሞት’ዚኣ ኣብ ሕልመይ ርእየያ ነይረ’የ፡” በሎ ሄክቶር። ኣኪሊስ ዝዀነ ምንቅስቓስን ለውጢ ስምዒታትን ከይገበረ ደው ኢሉ ነበረ። ሄክቶር ዘረባኡ ቀጸለ፣ “መላእኽቲ ዝምስክርና ውዕል ክንገብር ኢና። እቲ ዝሰዓረ ነቲ ዝተሳዕረ ወግዓዊ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ከፍቅደሉ ቃል ንእቶ፡” በሎ።
“ኣብ ሞንጎ ኣናብስን ሰባትን ውዕል የሎን፡” መለሰ ኣኪሊስ። ሄክቶር ሓንሳብ ስቕ ድሕሪ ምባል ሄልመቱ እናውጽአ፡ “ትማሊ ነቲ ወዲ ንስኻ መሲሉኒ’የ ገጢመዮ። ንስኻ ክትኰነለይ ነይሩካ። ነቲ ዝመተ ወዲ ክብሪ ናይ ቀብሪ ሂበዮ እየ።”
“ናይ ሴፍካ ክብሪ ኢኻ ሂብካዮ። ሎሚ ኣዒንቲ ኣይክህልዋኻን እየን። ንሞት ዒርካን ጸሚምካን ክትከዳ ኢኻ። ኵሎም ዝሞቱ ከኣ ከለልዩኻ’ዮም። ‘እዚ እቲ ዓሻ ሄክቶር’ዩ – ንኣኪሊስ ክቐትሎ ኢሉ ዝሓሰበ’ ክብሉኻ’ዮም፡” በሎ። ሴፉ ከኣ መልሐ። ሄክቶር’ውን ብተመሰሳሊ። እዞም ምስ ሴፍን ውግእን ዝዓበዩ መንእሰያት ኵሉ ጕዕዞ ህይወቶም ናብዚ ንምብጻሕ ድዩ ነይሩ፧ ምስ ክንደይ ሓያላት ገጢሞም ስዒሮም ወጺኦም’ዮም። ሕጂ ግና ናይ ሓደኦም መወዳእታ ክኸውን’ዩ። ሄክቶር ኣብ ሕልመይ ተራእዩኒ በሃላይ’ዩ። ንሰበይቱ’ውን መህደሚ ኣርእዩዋ ኣሎ። ኣኪሊስ ኣብ ውግእ ትሮይ ከም ዝመውት ኣደኡ ነጊራቶ ነበረት። ክልተኦም ድዮም ክመቱ፧ ኣኪሊስ እንተ ሞይቱ ግሪኽ ርእሰ-ኵሎም ተዋጋኢኣ ክትስእን’ያ። ምስ ሞራል ወተሃደራቶም ዝተኣሳሰረ ንዂናት ኢሉ እተፈጥረ ጅግናኣ ክትከስር’ያ። ሄክቶር እንተ ሞይቱ ንጉስ ፕሪያም ክልተ ኣዒንቱ ክነቍር’ዩ። ሄክቶር ጅግና ተዋጋኣይ ጥራሕ ኣይኰነን። ብሱል መራሒ፡ ካብ ስምዒት ርሒቑ ብዛዕባ ደቂ ዓዱ ዝሓስብን ኣብ ልቢ ወከፍ ትሮያዊ ኣትዩ ቃንዛኡ ዝሰምዕን ልኡል’ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ወከፍ ዝሰደዱዋ ሴፍ ኣድማዒት’ያ ነይራ። ጌጋታቶም ኣጕዲሎም ናብ ፍጹምነት ዝቐረቡ ተዋጋእቲ’ዮም። ናይ ሓደ ንእሽቶ ጌጋ ናይ መወዳእታ ውድቀት ናይቲ ካልእ’ያ ከተስዕብ። ትሮያውያን ኣብ በሪኽ ግምቢኦም፡ ግሪኻውያን ኣብቲ ኣኽራናት ተቐልቂሎም፡ ክልተ ጀጋኑ ኣብቲ ሰጣሕ ጐልጐል ሴፎም ኣቕኒዖም ምሉእ ሓሳቦም ኣብ ሴፎም ኣቐሚጦም ይቀራረቡ። ሴፋቶም ተጋጭዩ። ዋልታኦም ነዂሉ። እቲ ሓደ ዝለኣኾ፡ እቲ ካልእ የስሕቶ። ወከፎም ሓድሕድ ይናበቡ። ቃልሶም ቀጺሉ። ኣብቲ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝወሰደ ግጥም፡ ሄክቶር ምልክት ድኻም ከርኢ እንከሎ፡ ኣኪሊስ ኣስተናፍሳኡ’ኳ ኣይለወጠን። ድሕሪ ብርቱዕ ቅልስ፡ ኣኪሊስ ንሄክቶር ኣብ መጻወድያ ኣእተዎ። ብሓያል ውቅዒት ድማ ሓጸል ኣበሎ። ሰበይቱ ልባ ክሞልቃ ደለየ። ዝፈልጦ ዘይነበሮ ሕጻን ወዱ ጸጕሪ ኣደኡ ሒዙ ይጻወት። ሄክቶር ዝከኣሎ ይቃለስ። ኣኪሊስ ነታ ዝረኸባ ብልጫ ተጠቒሙ ቃልሱ ይቕጽል። ብርቱዕ ወስታ ሰዲዱ ድማ ናብ ኣእማን ኣውደቖ። ኣኪሊስ ኣብ ልዕሊኡ ደው በለ።
“ልኡል ተንስእ። ዓወተይ ኣእማን ክወስዶ ኣይደልን’የ፡” በሎ። ሄክቶር ብድድ በለ። ሓይሉ ደኺሙ ከም ዝነበረ ጽቡቕ ገይሩ ኣስተብሂልሉ’ዩ። ሄክቶር ኵሉ ሓይሉ ኣብታ ዝሰዳ ናይ መወዳእታ ወስታኡ ኣእትዩ ናይ ድኻም ብዝመስል ይስንዱዎ ነበረ። ኣኪሊስ ገና ነቕ ኣይበለን። ሄክቶር ይከላኸል፡ ይከላኸል ግናኸ ኣይከኣለን። ወደቐ። ፕሪያም እቲ ውቅዒት ኣብ ልዕሊኡ ከም ዝወደቐ ተሰምዖ። ሄክቶር ንጸሓይ እናጠመተ ዓረፈ። ስቕ፡ ስቕ… ኮነ። እቶም ግሪኻውያን’ውን እንተዀነ ዓወት ወገኖም ንምግላጽ ኣይጨደሩን። ትሮይ እቲ ዓቢ ጅግናኣ ሰኣነት። ኣኪሊስ ናብ ሰረገላኡ ተመሊሱ ገመድ ሒዙ ተመልሰ። ብኣእጋሩ ጠሚሩ ምስታ ሰረገላ ብምእሳር እናጐተተ ወሰዶ። ፓሪስ ነዚ ምስ ርኣየ ገጹ ዕትብ በለ። ፕሪያምን ካልኦትን በቲ ተግባር ነብሶም ቅፍፍ በሎም።
“ወደይ! … ወደይ!” በለ ፕሪያም። ኣብቲ ስድራ ዓቢ ስንባደ ፈጠረ። ኣኪሊስ ሰረገላኡ ተወጢሑ ሬሳ ሄክቶር እናጓሰሰ ናብ መዓስከሩ በጽሐ። ግሪኻውያን ወተሃደራት ንሄክቶር ንምርኣይ ተኣከቡ። ኣኪሊስ ኣብ ኣፋፌት ቴንዳኡ ሓዲጉዎ ንውሽጢ ኣተወ። ብሪስይስ ተኾርምያ ኮፍ ኢላ ነበረት። ቅንዕ ምስ በለት ገጽ ኣኪሊስ ርኣየት’ሞ፡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይሰሓተቶን። ኣምሪራ ድማ በኸየት። ኣኪሊስ ተሓጻጺቡ ኣብ ስቕታ ጥሒሉ ሴፉ ይስሕል፡ ብሪስይስ ሓዲጋቶ ንግዳም ወጺኣ ነታ ምልእቲ ወርሒ እናረኣየት ኣብ ደንደስ ባሕሪ ኮፍ በለት። ኣኪሊስ ምስሓሉ ይቕጽል። ኣብ ቴንዳኡ ሓሸሽታ ሰምዐ’ሞ ቍሊሕ በለ። ነጸላ ዝተኸድነ ዓቢ ሰብኣይ’ዩ። ንውሽጢ ኣትዩ ነጸላኡ ቀልዐ። ንጉስ ትሮይ ፕሪያም’ዩ።
“መን ኢኻ፧” ፕሪያም ጭብጥ ኢሉ ነይሩ። ናብ ኣኪሊስ ቀሪቡ ድሕሪ ምንብርካኽ ኢዱ ስሒቡ ሰዓሞ። ኣኪሊስ ነዚ ኵሉ ብኣግርሞት ይከታተሎ ነበረ።
“ቅድሚ ሕጂ ማንም ዘይጸውሮ ተጻዊረ ኣለኹ። ወደይ ናይ ዝቐተለ ኢዱ ስዒመ፡” በለ።
“ፕሪያም፧!” በለ ኣኪሊስ ብምግራም። ፕሪያም ናይ እወ ምልክት ርእሱ ነቕነቐ። ኣኪለስ ንፕሪያም ንኽትስእ እናደገፎ ብድድ በለ።
“ንዋርድያ ሓሊፍካ ከመይ ገይርካ ኣቲኻ – ዓቢ ንጉስ፧”
“ንሃገረይ ካብ ግሪኻውያን ንላዕሊ ጽቡቕ ገይረ እፈልጣ – ከምኡ ‘መስለኒ።”
“ተባዕ ሰብኣይ ኢኻ። ኣጋሜምኖን ኣብዚ ከም ዘለኻ እንተ ዝፈልጥ ንርእስኻ ቈሪጹ ኣብ ብያቲ ምቐረቦ ነይሩ።”
“ኣብዚ እዋን ሞት ዘፍርሓኒዶ ይመስለካ፧ በዅሪ ወደይ ክመውት ርእየዮ። ንሱ ከይኣክል ብድሕሪ ሰረገላኻ ክጕተት ርእየዮ።” ፕሪያም ናብ ኣኪሊስ ኣተኵሩ ጠመተ። ኣኪሊስ ንመጀመርታ ግዜኡ ዓይኒ ሰብ በርቲዑዎ ናብ ካልእ ጠመተ።
“ሬሳኡ ሃበኒ። ክብሪ ብዘሎዎ ወግዒ ክፋኖ ግቡእ’ዩ። ትፈልጥ ከኣ ኢኻ። ወደይ ሃበኒ፧”
“ዘመደይ ቀቲሉለይ’ዩ።”
“ንስኻ ስለ ዝመሰሎ። ንሃገሩ ከኣ’ዩ ዝከላኸል ዝነበረ። ክንደይ ኣዝማድ ኣይቀተልካን ዲኻ፧ ክንደይ ውሉዳት፡ ኣቦታትን ኣሕዋትን ኣይቀተልካን ዲኻ፧ ክንደይ… ጅግና ኣኪሊስ፧ ምስ ኣቦኻ ንፋለጥ ነይርና ኢና። ቅድሚ ግዜኡ’ዩ ሞይቱ። በቲ ሓደ ወገን ብህይወቱ እንከሎ ወዱ እናወደቐ ካብ ምርኣይ ይሕሾ።” ኣኪሊስ ኣይመለሰን።
“ኵሉ ነገር ካባይ ወሲድካዮ ኢኻ። በዅሪ ዓይነይ. . ! ሓላዊ ንግስነተይ። ፍቓድ ኣማልኽቲ ሰለ ዝዀነ ንኽዉን ነገር ክቕይር ኣይክእልን’የ። ግን በጃኻ ሃበኒ፧” ኣኪሊስ ኣዒንቲ እዚ ዝሸምገለ ሰብኣይ ይጥምት። ፕሪያም ንብዓቱ ክመልስ ይቃለስ። ግናኸ ኣይኰነሉን።
“ንወደይ፡ ዓይኑ ካብ ዝኸፍት ክሳዕ ኣዒንቱ ባዕልኻ ትዕምተን ኣፍቂረዮ እየ። ነብሱ ክሓጽቦ፡ ክጽልየሉ፡ ኣብ ክልተ ኣዒንቱ ሳንቲም ከንብረሉ… ሃበኒ፧”
“ካብዚ ከም እትኸይድ እንተ ገይረ፡ ክትወስዶ እንተ ፈቒደልካ ዝልውጦ ነገር የሎን። ጽባሕ ንግሆ ጸላእየይ ምዃንካ ኣይተርፍን’ዩ።”
“ኣብዚ ምሸት’ዚ’ውን ጸላእየይ ኢኻ። ግናኸ ጸላእቲ’ውን ክብሪ የርእዩ’ዮም።” ኣኪሊስ ርእሱ ነቕነቐ።
“ንትብዓትካ አድንቖ’የ ዓቢ ንጉስ። ካብ ነዚ ሰራዊት’ዚ ዝመርሕ ዘሎ ንላዕሊ ዝበለጽካ ንጉስ ኢኻ። ሓንሳብ ኣብዚ ጽንሓኒ፡” በሎ። ኣኪሊስ ቀንዴል ሒዙ ሄክቶር ናብ ዘለዎ ሰጐመ። ኣብ ጐድኒ’ቲ ዝሞተ ልኡል ኵርምይ በለ። ሞት ንዅርዓት ሄክቶር ኣይሰዓሮን፡ ምስ ክብረቱ ነበረ። ኣብ ነብሱ ዝነበረ ሑጻ ኣለየሉ’ሞ፡ እንቅዓ ኣስተንፈሰ። ኣዒንቱ ብንብዓት መልአ። ጻዕዳ ነጸላ ገይሩ ከኣ ጠቕለሎ፣ “ኣብ ሓጺር ግዜ ክንራኸብ ኢና፡” ድማ በሎ። ፕሪያም ብጓሂ ተዋሒጡ ክጽበ ድሕሪ ምጽናሕ ድምጺ ምስ ሰምዐ ንግዳም ወጽአ። ኣኪሊስ ንሬሳ ሄክቶር ብዝግባእ ኣብ ሰረገላ ሰቒሉ ጸንሖ። ፕሪያም ቀረበ።
“ወድኻ ልዕሊ ኵሎም ዝገጠሙኒ’ዩ። ኣብ ሃገረይ ናይ ሓዘን ወግዒ ንዓሰርተው ክልተ መዓልታት’ዩ ዝጸንሕ።”
“ኣብ ሃገረይ’ውን።”
“ኣብዚ 12 መዓልቲ ዝዀነ ግሪኻዊ ንትሮይ ኣይከጥቅዓን’ዩ። እዚ ልኡል እቲ ክብሪ ይግብኦ’ዩ።”
ኣኪሊስ ድምጺ ሰሚዑ ቍሊሕ በለ። ፕሪስያስ ካብቲ ዝነበረቶ ተመልሰት።
“ብሪስይስ፧!” በለ ፕሪያም፡ ኣትሪሩ ሓቘፋ፣ “ሞይታ ኢልና ቀቢጽና ነይርና፡” በላ። ብሪስይስ ናብ ኣኪሊስ ግምጥ ኢላ ጠመተቶ። ኣብ ኣዒንታ ንብዓት ነበረ።
“ኣብ ውሽጢ መናድቕ ትሮይ ውሕስነት ትረኽቢ ኢኺ፡” በላ ኣኪሊስ። ፓትሪኵልስ ዝመልሶ ዝነበረ ብዑንቂ ባሕሪ ዝተሰርሐ ካቴና ኣብ ክሳዳ ኣእተወላ። ጽግዕ ኢሉ ከኣ፡ “ኣጕሂየኪ እንተዀይነ ብፍታወይ ኣይኰነን። ኣብ ናይ ኲናት ዕድመይ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ሰላም ስለ ዝሃብክኒ አመስግነኪ፡” ኣተኵራ ትጥምቶ ነበረት። ገጻ ብዝገራጨው ስምዒታት ተመሊኡ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ኣኪሊስ ናብ ፕሪያም ግልጽ ድሕሪ ምባል፡ “ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ደው ዘብለካ የሎን። እንተ’ሎ ከኣ ሴፈይ እነሀት!”

ፕሪያም ኣብ ሰረገላ ተሰቕለ። ብሪስይስ ገና ናብ ኣኪሊስ ትጥምት ነበረት። ፕሪያም ተዳሃያ’ሞ ደየበት። ናይ ኣኪሊስ ወተሃደራት ብውሑስ መንገዲ ኣፋነውዎም። ኣኪሊስን ብሪስይስን ከኣ ካብ ኣዒንቶም ክሳዕ ዝኽወሉ ይጠማመቱ ነበሩ።


ኣጋሜምኖን ኣብ ቴንዳኡ ኰይኑ ብሕርቃን ናብዝን ናብትን ይንቀሳቐስ። ኦዲሰሰ፡ ኔስቶርን ካልኦት ኣማኸርቱን ደው ኢሎም ይዕዘቡ።
“ኣኪሊስ ምስጢራዊ ውዕል ገይሩ ኣሎ። ነቲ ውዕሉ ከኽብሮሉ ድዩ ዘለኒ፧ ናይ ምንታይ ንዕቀት’ዩ’ዚ፧ ምስ ጸላኢኻ ምድንጋጽ እንታይ ይበሃል፧ 12 መዓልቲ ሰላም፧ ልኡሎም ሞይቱ ኣሎ። ሰራዊቶም መራሒ የብሉን። እዚ ግዜ፡ ከነጥቅዓሉ ዝነበረና ግዜ’ዩ!” ኣንጸርጸረ።
“ሄክቶር ይሙት ደኣ’ምበር፡ ንድፋዖም ጥሒስና ክንከደሉ እንኽእል መንገዲ የሎን። ክሳዕ እንኸይድ ዓሰርተ ዓመት’ውን ይኹን ክጽበዩና ዝኽእሉ ይመስለኒ።”
“ዋላ 40 ሽሕ ግሪኻውያን የድልዩ፡ ድፋዓቶም ከፍርሶ’የ። ዝዮስ ስምዓኒ፡ ዕርድታቶም ናብ ሓሙዅሽቲ ክልውጦ እየ!” ኔስቶርን ኣኪሊስን ብኣግርሞት ሓድሕዶም ተጠማመቱ።


ወተሃደራት ኢታካ ሓዊ ኣጕዶም እናተመገቡ የዕልሉ ነበሩ። መራሒኦም ኦዲሰስ ምስኦም ነበረ። ሓደ ወተሃደር ኣብ ጐድኒ ኦዲሰስ ብኻራ እናሓርሓረ ንእሽቶ ፈረስ ይጸርብ። ኦዲሰስ ነቲ ዝጽረብ ዝነበረ ቅርጺ ቀው ኢሉ ይጥምቶ። ይጥምቶ ከም ዘሎ ዘስተብሃለ ወተሃደር፡ “ናብ ገዛ ክምለስ እንከለኹ ንወደይ ክማልኣሉ’የ፡” በሎ ፍሽኽ ብምባል። ኣኪሊስ ርእሱ ነቕነቐ። ኣዒንቱ ግን ካብቲ ዝጽረብ ዝነበረ ፈረስ ኣይኣለየንን። ካብ ዓዶም ካብ ዝርሕቁ፡ ካብ ኣንስቶም ካብ ዝፈላለዩ ትሽዓተ ዓመታት ሓሊፉ ነበረ። ኦዲሰስ ሃንደበት ብድድ በለ። ኣብ ርእሱ ዝመጽኦ ሓሳብ ከይበኖ ከም ዝፈርሐ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበለ ናብ ኣጋሜምኖን ከደ። ኣጋሜምኖን ነቲ ብኦዲሰስ ዝቐረበ ሓሳብ ተቐበሎ። ጸኒሖም ኦዲሰስን ኣኪሊስን ተራኸቡ። ኣኪሊስ ግና በቲ ሓሳብ ኣይተመሰጠን። እኳ ደኣ፡ “ኣጋሜምኖን ንሰብኡት፡ ኣንስትን ቈልዑን ከይገደፈ ንዅሎም ከም ዝቐትሎም ትፈልጥዶ፧” በሎ።
“ኣነ ናይ ኢታካ’ምበር ናይ ትሮይ ንጉስ ኣይኰንኩን። ኣገልግሎተይ ከኣ ንኢታካ እዩ። እዚ ውጥን እንተ ሰሪሑ፡ እዚ ኲናት ኣብ ሓደ ለይቲ ከብቅዕ’ዩ። ሰራዊተይ ድማ ናብ ኣንስቶም ክምለሱ’ዮም፡” ብምባል መለሰሉ። ቀጺሉ፡ “ትሮይ ዘገደሰትካ ከኣ ኣይመስለንን። ሓንቲ ትሮያዊት’ያ ኣገዲሳትካ። ሓንቲ ጓል ትሮይ!”
“ኦዲሰስ ኵሉ ግዜ’የ ዝፈትወካ። ብሰንኪ ውጥንካ እዛ ጓል እንተ ሞይታ ግን ናብ ሰበይትኻ ኣይክትምለስን ኢኻ፡” ክብል ተዛሪቡ ግምጥል ኢሉ ከደ። ኦዲሰስ ብዓሚቝ ኣስተንፈሰ። ኣኪሊስ ናብ ቴንዳኡ በጽሐ’ሞ፡ ንኢዶርስ ናብ ገዛኹም ተበገሱ በሎ። ኢዶርስ፡ “ንስኻኸ ምሳና ኣይትኸይድን ዲኻ፧” ክብል ሓተቶ። ኣኪሊስ ግና ዝጽበዮ ሒደት ግጥማት ነይሩዎ’ዩ።


ፈረስ ትሮይ

ድሕሪ 12 መዓልታት ግሪኻውያን ወተሃደራት መራኽቦም ተጻዒኖም ኣብቲ ባሕሪ እናኸዱ ይርኣዩ። ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ዝተረፈ ሓደ ግሪኻዊ’ኳ ኣይነበረን። ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ዓቢ ፈረስ ግን ይርአ ነበረ።
ፓሪስ፡ ፕሪያምን ኣማኸርቱን ኣብ ፈረስ ተወጢሖም ብወተሃደራት ተዓጂቦም ኣብቲ ቦታ በጽሑ። እቲ ስርሓት ዕንጸይቲ ፈረስ ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ትሮያውያን ነቲ ፈረስ ኰሊሎም ካባቢኡ’ውን ፈተሹ። ዝረኸቡዎ ግን ኣይነበረን። እቶም ኣማኸርቲ ኣፎም ዘዝሃቦም ይዛረቡ ነበሩ፣ “ዝስዕሩና መሲሉዎም… ሕጂ መራኽቦም ተጻዒኖም ተመሊሶም…” እናበሉ የዕልሉ። ነቲ ፈረስ ቀው ኢሉ ዝጥምቶ ዝነበረ ንጉስ ፕሪያም ግን፡ “እንታይ’ዩ’ዚ፧” ኢሉ ሓተተ።
“ሞባእ ንፓሰድዮን’ዩ። ንገዛኦም ብሰላም ምእንቲ ክበጽሑ ዝሓደጉዎ ሞባእ ንኣምላኽ ባሕሪ’ዩ፡” ክብል መለሰሉ ሓደ ካብ ኣማኸርቱ።
“መልኣኽ ባሕሪ ንሞባኦም ኣይቅበሎን ግዲ ይኸውን። ኵሎም ኣብ ማዕሙቕ ባሕሪ ይጥለቑ፧!” በለ ካልእ’ውን።
“እዚ ህያብ ስለ ዝዀነ፡ ናብ ቤት-መቕደስ ፓሰድዮን ንውሰዶ፡” በለ እቲ ቀዳማይ። ፓሪስ ነቃጽሎ ዝብል ሓሳብ ኣቕረበ። ንመላእኽቲ ዝተዋህበ ሞባእ ምቅጻል ቅኑዕ ዘይምዃኑ ተዛረቡ። ንሞት ሄክቶር’ውን ምስ ዘይምእዛዝ መላእኽቲ ኣተሓሒዞም ተዛረብሉ። ንጉስ ፕሪያም፡ “ካልኣይ ወደይ ክሞተኒ ኣይደልይን’የ፡” ብምባል ነቲ ሓሳብ ተቐበሎ። እቶም ወተሃደራት ገመድ ገይሮም እናጐተቱ ናብ ውሽጢ እታ ከተማ ኣእተውዎ። እቲ ሓወልቲ ፈረስ ኣብ ጥቓ ቤት-መቕደስ ኣምላኽ ባሕሪ ፓሰድዮን ተቐመጠ። ትሮያውያን ኣብቲ ጐደናታት መስተታቶም እናጨለጡ፡ ደርፍታቶም እናደረፉ ረኺብናዮ ንዝበሉዎ ዓወት ይጽንብሉ ነበሩ። ምስ መሰየ ኵሎም ነናብ ገዛኦም ኣትዮም ደቀሱ። እቲ ፈረስ ንበይኑ ተረፈ። ወርሒ ደሚቓ ትርአ ነበረት። ጽምጽም ምስ በለ፡ ኣብ ውሽጡ ተሓቢኦም ዝነበሩ ግሪኻውያን ገመድ እናተጠቕሙ ንታሕቲ ክወርዱ ጀመሩ። ኣኪሊስ፡ ኦዲሰስን ካልኦትን ኣብ ሞንጎኦም ነበሩ። ነናብ ዝተዋህቦም ዕማም ድማ ተጓየዩ። ነቶም ዋርድያታት ቀቲሎም ሰጐሙ። ወተሃደራት ግሪኽ ለመም እናበሉ ናብ ኵሉ ቦታታት ተዘርዉ። ንዘዝረኸቡዎ እናቐተሉ ነታ ከተማ ሓዊ ኣእተውላ። ኣብ ትሮይ ስንባደን ኣውያትን ኮነ። ትሮያውያን ክከላኸሉ’ኳ እንተ ፈተኑ ሃንደበትን ዕጥቆም ከይዓጠቑን ስለ ዝዀኖም ዝፈጠሩዎ ለውጢ ኣይነበረን። ንጉስ ፕሪያም ምሉእ ዕድመኡ ዝሃነጻ ከተማ ኣብ ሓጺር ግዜ ክትዓኑ ብዓይኑ ርኣየ። ኣጋሜምኖን በቲ ዓወት መርቂኑ ንሓዉ ዝኣተወሉ ቃል ኣብ ግብሪ ምትርጓሙ ኵርዓት ተሰምዖ። ኣኪሊስ ብሞንጎ ሓዊ እናተናጠረ ንብሪስይስ ክረክብ ላዕልን ታሕትን ይብል። ፓሪስ ቀስቱ ሒዙ ብቝጥዐ ገጹ ይዓትብ። ሄለን ዓይኒ ዓይኑ ትርእይ። ሰበይቲ ሄክቶር ማዕጾ ደፊኣ ኣትያ፡ “ንህደም!” ትብሎም።
“ናበይ፧” ትሓትት ሄለን።
“ባዕለይ ክመርሓኩም’የ።”
“ፓሪስ ንዓናይ፡” ኣድመጸት ሄለን። ተተሓሒዞም በቲ ሄክቶር ንሰበይቱ ዘርኣያ ገይሮም ተነቝቱ። ኣብ መውጽኢ ማዕጾ ምስ በጽሑ ፓሪስ ደው በለ፣ “ክምለስ’የ፡” በለን። ሄለን ክምለስ ኣይደለየቶን።
“ኣቦይ ከተማኡ ሓዲጉ ኣይከይድን’ዩ። ኣነ ድማ በይኑ ኣይገድፎን’የ።”
“እዛ ከተማ ሞይታ’ያ። ናብ ሓሙዅሽቲ ቀዪሮማ’ዮም።”
ፓሪስ ካብ’ቶም ምስኦም ዝነበሩ ንሓደ ንእሽቶ ወዲ ርኣየ። እቲ ወዲ ኣብቲ ዝነበረ ዕግርግር ህዱእ ነበረ’ሞ፡ “መን’ዩ ስምካ፧” ክብል ሓተቶ።
“ኤንያስ።”
“ብሴፍ ከመይ ከም እትዋጋእ ትፈልጥዶ፧” ኤንያስ ናይ እወ ምልክት ርእሱ ነቕነቐሉ። ፓሪስ ነታ ኣቦኡ ዝሃቦ ሴፍ ኣብ ኢዱ ኣዕተሮ።
“ናይ ትሮይ ሴፍ’ያ። ኣነ ኣብ ሴፍ ንፉዕ ኣይኰንኩን። ግና ጽብቕቲ ሴፍ እያ። ኣብ ኢድ ትሮያዊ ክሳዕ ዝሃለወት፡ ህዝቢና መጻኢ ኣሎዎ። ተኸላኸለለን። ሓድሽ መዕቈቢ ርኸበለን ኢኻ፡” በሎ። ኤንያስ ከኣ ቃል ኣተወሉ። ሰበይቲ ሄክቶር፡ ብሪስይስ ምስአን ስለ ዘይነበረት ሻቝለታ ገለጸትሉ። ፓሪስ፡ “ክደልያ እየ፡” ኢሉወን ተበገሰ። ተሰዓዒሞም ተፈላለዩ። ሄለን ንምፍልላይ ክትጻወሮ ኣይከኣለትን። “ኣብዚ ይኹን ኣብቲ ዝስዕብ ዓለም ክንራኸብ ኢና፡” ኢሉዋ በቲ ዝመጽኡዎ ተመለሰ። ብሪስይስ፡ “ፓሪስ! ሄለን!..” እናበለት ካብን ናብን ትጐዪ ነበረት። ኣኪሊስ ከኣ፡ “ብሪስይስ! ብሪስይስ!” እናበለ ካብ ሓዊ ናብ ሓዊ ይናጠር። ሓያሎ ግሪኻውያን ዋርድያታት ሓሊፎም ንቤት ንጉስ ኣተውዎ። ዝረኸብዎ ክቡር ንብረታትን ኣዋርቕን እናዘረፉ ቀጸሉ። ፕሪያም ምሉእ ዕጥቁ ዓጢቑ፡ ሴፉ ዓቲሩ ይጽበ። ክልተ ግሪኻውያን ናይ ኣማልኽቲ ወርቂ ከልዕሉ ምስ ርኣየ ሴፉ ሓፍ ኣበለ፣ “ኣቱም ግቡዛት ክብሪ የብልኩምንዶ፧ ናይ ኣማልኽቲ ክብሪ የብልኩምን፧” በለ። ፕሪያም ናብኦም ክስጕም ክብል ብሕቖኡ ሴፍ ኣትያቶ ወደቐ። ኣጋሜምኖን ኣብ ልዕለኡ ቈመ።
“ዓቢ ንጉስ! ክትነብር’የ ዝደልየካ ነይረ። ከተማኻ እናነደደት ክትርእያ እደሊ ነይረ፡” በሎ።
“በጃኻ ንሕጻናት ርአ። ንግርህናኦም ርአ…”
“ንጹህ መን ምዃኑ ኣምላኽ ሞት ይወስኖ፡” ኢሉዎ ብርግኣት ሰጐመ። ፕሪያም ህይወቱ ሓለፈት።

ኣኪሊስን ብሪስይስን ገና ኣይተራኸቡን። ኣኪሊስ ፍቐዶኡ ክደልያ እንከሎ። ንሳ ናብ ቤት-መቕደስ ኣፖሎ ከይዳ ትጽሊ ነበረት። ተደቢራ ልመናኣ እናስመዓት እንከላ ኣጋሜምኖን ብድሕሪኣ መጽአ።
“ሕጂ፡ ንጸሎት ግዜኡ ኣይኰነን። ደንጕኺ፡” በላ። ብሪስይስ ቍሊሕ’ኳ ኣይበለቶን። ኣጋሜምኖን ነዊሕ ጸጕራ ኣብ ኢዱ ጠምጢሙ ሴፉ ኣብ ክሳዳ ኣንበረላ። ክልተ ዓጀብቱ ብድሕሬኡ ነበሩ።
“ስድራኺ ንጉስ ከተኽብሪ ክምህሩኺ ነይሩዎም።”
“ምሂሮሙኒ’ዮም።”
“ብሰንክኺ ነዚ ኲናት ክኸስሮ ቍሩብ ተሪፉኒ ነይሩ። እቲ ኣኪሊስ ዝጠዓሞ ክጥዕሞ እደሊ’የ።”

ኣኪሊስ ዝወደቑ ትሮያውያን ተናጢሩ ናብ ከባቢኦም በጽሐ። ኣብ በሪኽ ቦታ ኰይኑ ብሪስይስ ኣብ ኢድ ኣጋሜምኖን ኣትያ ርኣየ። ኣጋሜምኖን ናብ እዝኒ ብሪስይስ ቅርብ ኢሉ፡ “ኣብ ሚሲኒ ግልያይ ክትኰኒ ኢኺ፣ ገዛይ እትውልውል ቤተሰብ ንጉስ። ብግዜ ምሸት ከኣ…” ብምባል ክዳና ቀደዶ። ብሪስይስ ካብ ክፋፎት ክዳን ናይ ኢዳ ንእሽቶ ካራ ኣውጺኣ ኣብ ክሳዱ ኣእተወትሉ። ኣዒንቱ ፈጠጠጥ በላ። ነታ ካራ ንውሽጢ ኣእተወታ። እቶም ብሕቖኣ ዝርእዩዋ ዝነበሩ ዓጀብቱ ንጉሶም ክወድቕ ምስ ርኣዩ ክኣምኑ ኣይከኣሉን። ሴፎም መሊሖም ጐየዪዋ። ሓደ ካብኦም፡ ኣብ ክልተ ንኽመቕላ ሴፉ ሓፍ ከብልን ርእሱ ካብ ክሳዱ ተመንጢላ ክትከይድን ሓደ ኮነ። ኣኪሊስ ነቶም ካልኦት ዓጀብቲ’ውን ኣይገደፎምን። ኣኪሊስ፡ ኣጋሜምኖን ኣብቲ መሬት ተደርብዩ ርኣዮ። ናብ ብሪስይስ ቍሊሕ ኢሉ፡ “ንዒ ናባይ። ንዒ ባዕለይ ክከላኸለልኪ’የ፡” በላ። ፓሪስ ኣብቲ ርሻን ኰይኑ ንቐታሊ ሓዉ ዝዀነ ኣኪሊስ ምስ ርኣዮ ብስምዒት ቀስቱ ገተረ። ብሪስይስ ንኣኪሊስ መልሲ ቅድሚ ምሃባ፡ ፓሪስ ቀስቱ ስሒቡ ፍላጻኡ ክውርውር ርኣየቶ’ሞ፡ “ኖ! ኖእ!” ኢላ ወጨጨት። እታ ፍላጻ ኣብ ኣየር እናተሓምበበት ኣብ ከባቢ ዓንካር ዓንካሪቱ ተጀቕተት። ኣኪሊስ ግልጽ በለ ንፓሪስ ርኣዮ። ፓሪስ ዳግማይ ኣነጻጺሩ ብተኣምራታዊ ቅልጣፈ ወርወረ። ብሪስይስ፡ “ግደፍ! ግደፍ! ፓሪስ፡” እናበለት ጨደረት። ፓሪስ ደጋጊሙ ንፍላጻታቱ ኣብ ኣካላት ኣኪሊስ ኣውዓለን። ኣኪሊስ ኣይወደቐን። ንእሽቶ ፍሽኽ እናበለ ናብ ብሪስይስ ይቐርብ። ምሉእ ዕድመኡ ነዛ ህሞት’ዚኣ’ዩ ዝጽበ ዝነበረ። ካልእ ፍላጻ መጺኣ ኣብ ከብዱ ተሸኽተት። ብሪስይስ ኣውያታን ምሕጽንታኣን ኣየዕረፈትን። ፓሪስ፡ ምስ ወደቐሉ’ውን ፍላጻኡ ካብ ምውርዋር ዘዕርፍ ኣይመስልን። ኣኪሊስ’ውን ሓይሉ ዋላ’ኳ እንተቐነሰ ምስጓም ኣየቋረጸን። ብሪስይስ ናብ ፓሪስ ከይዳ ብነብሳ ከልከለቶ። ኣኪሊስ ሴፉ መልሐ። ግናኸ ኣይከኣለን ኢዱ ንታሕቲ ወረደ። ኢዱ ናብ ክሳዱ ሰዲዱ ካቴናኡ ኣውጽአ፣ “ኣደይ ዝሰርሓትለይ እያ፡” ኢሉ ኣብ ክሳዳ ኣእተወላ’ሞ፡ “ክትከዲ ኣለኪ፡” በላ። ብሪስይስ ደጋጊማ ስዒማ፡ “መውጽኢ የሎን፡” በለቶ። ደሙ ይፈስስ ነበረ። “ኣነ ከይደ’የ። ንስኺ ግን ዳግማይ ጸሓይ ክትርእዪ ኢኺ። ክትነብርለይ እየ ዝደሊ። ንበሪ…” በላ።
“ብሳላኻን ምእንታኻን ክነብር’የ።” ደጊሙ፡ “ኪዲ” ምስ በላ ምስ ፓሪስ ተተሓሒዛ በቲ መወራርዶ ወረደት። ኣኪሊስ በተን ዝደኸማ ኣዒንቱ ኣርሒቓ ክሳዕ እትኸይድ ተኸተላ። ኣብ ገምገም ምቕያር ዓለም’ዩ ዝነበረ። ሰገረ። ሓረስታይ ኴንካ ነዊሕ ዕድመ ካብ ምንባር፡ ሓጺርን ክብሪ ዘሎዎን ህይወት ዝመረጸ ጅግና ኣኪሊስ መፈጸምታኡ በጽሐ።

እቲ ዝነድድ ነዲዱ። እቲ ዝመውት ሞይቱ። እቲ ዝስንክል ሰንኪሉ። እቲ ዝዝኽትም ዘኽቲሙ። ትሮይ ናብ ሓሙዅሽቲ ተቐየረት። እቲ ብሓንቲ ቆንጆ ጓል ዝፈለመ ኲናት፡ ብዙሕ ነገር እናተሓወሶ ዓሰርተ ዓመት ወሲዱ። ውሳነታት ንመጻኢ ወሰንቲ’ዮም። ኵሎም እተወሰኑ ውሳነታት ድማ ናብዚ ናይ ዓሰርተ ዓመት ጕዕዞ መርሑ። ሜነሎስ ብዓልቲ-ቤቱ ኣይረኸበን። ኣጋሜምኖን ንትሮይ ናብ ሓሙዅሽቲ’ኳ እንተ ቀየራ ግዝኣቱ ኣስፊሑ ክርኢ ኣይከኣለን። ጽሕፍቶኡ ዝጽበ ዝነበረ ጅግና ተዋጋኢ ኣኪሊስ’ውን ኣብ ሑጻታት ትሮይ ተረፈ። ኣብ ኣማልኽቲ ዝኣምን ንጉስ ፕሪያም እምነቱ ኣይሓገዞን። እኳ ደኣ ንርእይቶ መስተውዓሊ ወዱ (ሄክቶር) ብዘይምስምዑ ናብ ዕንወት በጽሐ። ምሉእ ዕድመኡ ዝሃነጾ ኣብ ሓጺር ግዜ ክዓኑ ርእዪዎ። ነተን ብዘይ ሰብኣይ ዝተረፋ ኣንስቲ፡ ነቶም ዝዘኽተሙ ቈልዑ መን’ዩ ክእብዶም፧

(ኣብ 2009 ኣብ ዓምዲ “ሕብራዊት ብርዒ” ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ በብኽፋላት ኣውጺአዮ ዝነበርኩ እዩ።)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *