ጆሴፍ ካምበል ኣብ ዓውዲታት ስነጽዋ (ሚትዮሎጂ)ን ሃይማኖታትን ዝተፈልጠ ሊቅ’ዩ። ካብ ግዜ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ድማ ኣብ ጥንታውያን ባህልታትን ልምዲታትን ተምሳጥ ኣሕደረ። ዕድመኡ ምሉእ ዝተፈላለያ ባህሊታት ኣብ ሓድሕደን ዘሎወን ዝምድና ኣብ ምምርማር ኣሕለፎ። ጆሴፍ ካምበል ማስተርስ ዲግሪ ምስ ረኸበ፡ ድኵትርና ንምምሃር ናብ ዩኒቨርስቲ ኣየምርሐን። ኣብ ክንድኡ ናብ ጫካታት ኒውዮርክ ብምኻድ ንሓሙሽተ ዓመታት መጻሕፍቲ ኣብ ምንባብ ተጸምደ። በዚ ከኣ ብዙሓት ባዕሉ ንነብሱ ከም ዝመሃራ ገይሮም ይርእዩዎ። ኣብ መዓልቲ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰዓት እናንበበ ከኣ ፍሉይ ኣጠማምታ ኣብ ተፈጥሮ ከማዕብል ከኣለ። ብጻዕሩ ብዙሓት ቋንቋታት’ውን መለኸ። እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ምስ ቢል ሞይርስ ብ1985/6 ካብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ብመልክዕ መጽሓፍ ካብ ዝተሓትመ ዝተወስደ’ዩ።
“ትርጕምካ፡ ህላወኻ እዩ”
* ስለምንታይ ጽዋ፧ ንምንታይከ ብዛዕባ ጽዋ ክንግደስ የድልየና፧ ምስ ህይወተይ ዘራኽቦ እንታይ’ዩ፧
= ቀዳማይ፤ “ቀጽል! ንህይወትካ ንበሮ። ጽቡቕ ህይወት’ዩ፣ ንበር’ምበር፡ ስነጽዋ ኣየድልየካን’ዩ፡” ዝብል እዩ። ሓደ ዓውዲ፡ “ኣገዳሲ’ዩ” ስለ እተባህለ ጥራሕ ኣገዳሲ ገይርካ ምጥማቱ ኣይድግፎን’የ። በቲ ንስነቱ፡ በቲ እንታይነቱ፡ ተደፊእካ ክትማረኽ ምኽኣል’የ ዝኣምን። ጽቡቕ ገይሩ ዘላሊ እንተ ረኺብካ ድማ ስነጽዋ ዝምስጥ’ዩ። እንተ ሒዙካ ከኣ እንታይ’ሞ ክገብር ዘይክእል፧!
ምስ ርቕቕ ዝበሉ መንፈሳውያን ነገራት ዘይተተሓሓዝና ምዃንና፡ ሓደ ካብ ናይዚ እዋን’ዚ ጸገማትና እዩ። ኣብ ዕለታዊ ዜናን ጸገማት ሓደ ሰዓትን ኢና እንግደስ። ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ ነቲ ዕለታዊ ዜናታት ናብ ውሽጡ ካብ ምእታው ጋሪዱ ኣብ ውሽጣዊ ህይወትና ክነድህብ ክገብረና፡ ሃብቲ ደቂ-ሰብ ምስ ዝዀኑ ዓበይቲ ውርሻታት (ባህሊታት)፡ ፕላቶ፡ ኮንፊሸስ፡ ቡድሃ ወ ጎተ ምስ ሕመረት ህይወትና ዝኸዱ ካልኦት ዘልኣለማውያን ክብርታት ከራኽበና ይግብኦ። (…)
ግሪኽ፡ ላቲንን ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣካል ወከፍ ትምህርቲታት ክዀኑ ይግበኦም። እዚኦም ክተርፉ እንከለዉ፡ ኵሎም ጽዋኣዊ ሓበሬታታት’ውን እዮም ዝጠፍኡ። እቶም ዛንታታት ኣብ ኣእምሮኻ ምስ ዝህልዉ ዝምድናኦም ኣብ ህይወትካ ምስ ዘጋጥሙኻ ፍጻመታት ክትርእዮም ኢኻ። ነቲ ዘጓንፈካ ፍጻመታት ከመይ ገይርካ ከም እትርእዮ ኣዒንቲ ክህበካ እዩ። ምስ ምጥፍኦም ካልእ ተካኢ ስነጽሑፍ ስለ ዘይብልና ከሲርና ኢና። እዞም ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ክሳለዩ ዝጸንሑ ቅንጥብጣብ ሓበሬታታት ንህይወት ደቂ-ሰብ ምስ ዝሕግዝ መልእኽቲታቶም – ስልጣነታት ሃኒጾም፡ ሃይማኖታት ንመዋእል መሪሖም፡ ምስ ዓሞቝቲ ውሽጣዊ ጸገማትን ውሽጣዊ ምስጢራትን ተጋጢሞምን ወሰናስን ጕዕዞታት ሓቢሮምን እዮም።
ኣብ መንገድኻ ዝህልዉ መራሕቲ ምልክታት ወይ ፋላት እንተ ዘይኣንቢብካዮም፡ ብጻዕሪ ንኸተናድዮም ኢኻ እትግደድ። እዚ ዓውዲ’ዚ እንተ መሲጡካ፡ ካብዚ ውርሻታት፡ ውሽጣዊ ሓበሬታታት፡ ህይወት ዝህቡ ነገራት ወዘተ ክትወጽእ ኣይክትደልን ኢኻ። ጽዋ ነዚ ዝመስል ስምዒታት ኣሎዎ።
* ስለዚ ምስ ዓለም ንምስናይን ንህይወትና ምስ ክውንነት ንምውህሃድን ኢና ዛንታታት ንጸዊ ማለት ድዩ፧
= እወ – ከምኡ እመስለኒ። ዓበይቲ ልብወለዳት ኣገደስቲ መራሕቲ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ዕስራታትን ሰላሳታትን ዕድመይ ዋላ’ውን ኣብ ኣርባዓታት ጀምስ ጆይስ ወ ቶማስ ማን መምህራነይ ነይሮም። ዝጸሓፉዎ ዘበለ አንብብ ነይረ። ንጽሑፋቶም ጽዋኣዊ ውርሻ ብዝዀነ መገዲ እዮም ኣቕሪቦም። (…)
* ካብ መጻሕፍትኻ፡ ‘’The Hero with a Thousand Faces’ እትብል ምስ ኣንበብኩ፡ “ደቂ-ሰብ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዝምድና ብመገዲ ጽዋ ይግለጽ’ዩ፡” ዝብል ክርዳእ ክኢለ። ምእንቲ ሓቂ፡ ትርጕምን ኣገዳስነትን ኢልና ንዘመናት ዝኣክል ዝኣለሽናዮም እዮም – ጽዋታት። ኵልና ዛንታና ክንነግርን ዝርድኣልና ክንረክብን ንደሊ ኢና። ኵልና ንሞት ክንርድኦን ክንገጥሞን ንብህግ ኢና። ኵልና ካብ ምውላድ ክሳዕ ምማት ኣብ ዘሎ ጕዕዞና ክንሕገዝ ንሃርር ኢና። ኣብ ህይወትና ዘልኣለማውነት ክንዓትር፣ ምስጢራት ክግለጸልናን መን ምዃንና ክንፈልጥን ንደሊ ኢና።
= ሰባት፡ “ሃሰው እንብሎ፡ ትርጕም ህይወት ንምፍላጥ’ዩ፡” ይብሉ። እቲ እንደልዮ ግና ትርጕም ህይወት ኣይመስለንን። ኵልና እንደልዮ ምምኳር ህላወ (experiencing being alive) ይመስለኒ። ተመኵሮ ህይወትና ምስ ዝዓሞቐ ህላወናን ክውንነትና ክቃዶ እንከሎ፡ ብህላወና ዓሚቚ ሓጐስ ይስመዓና። እቲ መወዳእታ ከኣ ንሱ’ዩ። እቶም ኵሎም እንዶታት ወይ ኣፈናታት (clues) ድማ ኣብ ውሽጥና ንዘሎ ክንረኽቦ እዮም ዝሕግዙና።
* ጽዋታት እንዶታት ድዮም፧
= ጽዋታት ንዕቝር ነፍሳዊ ብርትዐ (ረቂቕ ዕቝር ሓይሊ) ህይወት ደቂ ሰብ ዘርእዩ ድዮም፧
* እወ ውሽጥና ክንፈልጠሉ ዘኽእለና ፍልጠትን ተመኵሮን።
= እወ
* “ንመአለሺ ትርጕም” ዝበሃል ዝነበረ ኣገላልጻ ጽዋ፡ ናብ “ተመኵሮ ትርጕም” ኢኻ ትቕይሮ ዘለኻ፧
= ተመኵሮ ህይወት። ምድላይ ትርጕም ናይ ኣእምሮ ስራሕ እዩ። ትርጕም ዕንበባ እንታይ እዩ፧ ኣብነት ዝዀነና ንቡድሃ ዝምልከት ዛንታ ናይ ዜን ኣሎ። ቡድሃ ከም ወዝቢ ዕንበባ ሓፍ ኣበለ። ሓደ ካብ ተመሃሮኡ ቡድሃ እንታይ ክብል ከም ዝደለየ ቆብ ኣበሎ’ሞ ብኣዒንቱ ምልክት ገበረሉ። ቡድሃ ነታ ሓፍ ዘበላ፡ “ዕምበባ” ብዝብል ዘይኰነ፡ “ሓንቲ ዝመጽአት/ ሓንቲ ዘላ” ብምባል’ዩ ጸዊዑዋ። ትርጕማ ኣይገለጸን። ትርጕም ኣድማስ እንታይ እዩ፧ ትርጕም ቃርማ እንታይ ድዩ፧ – እቲ ዘሎ – በቃ።
ናትካ ትርጕም እውን ህላወኻ እዩ። ካብ ግዳማዊ ነገራት ዕላማታት ክንደሊ ክንብል፡ ነቲ ምስ ህላወና ዝተሓሓዝ ውሽጣዊ ነገራትና ረሲዕናዮ።
* ነዚ ተመኵሮ’ዚ ብኸመይ ረኺብካዮ፧
= ጽዋታት ብምንባብ’የ ረኺበዮ። እቶም ጽዋታት ውሽጥኻ ክትርኢ እዮም ዝምህሩኻ። ብዝህቡኻ ምልክታት መልእኽቲ ክትርዳእ ትጅምር። ነቶም ናተይ እትብሎም ብመገዲ ፍጻመታት ገይርካ ስለ እትትንትኖም፡ ነቲ መልእኽቲታት ምእንቲ ክትርድኦ፡ ናይ ሃይማኖትካ ዘይኰኑ ናይ ካልኦት ኣህዛብ ጽዋታት ኣንብብ። ጽዋ፡ ኣእምሮኻ ምስ ምምዃር ህላወ ንኽወሃሃድ ክሕግዞ እዩ። መርዓ ከም ኣብነት እንተ ወሲድና – እንታይ እዩ መርዓ፧ ጽዋ ናይ’ቶም ተፈላልዮም ዝነበሩ ህላወታት ዳግማይ ምርኻብ ምዃኑ ክነግረካ እዩ። መጀመርታ ሓደ ኢኻ ነይርካ፣ ኣብ ዓለም ክትመጽእ እንከለኻ ግና ክልተ ትኸውን። መርዓ ድማ ምግጣም ወይ ምርኻብ ናይ’ቶም ኪኖ ስጋ ዝዀኑ ኣካላት’ዩ። ካብ ፍቕራዊ ስሕበት ዝተፈልየ እዩ። ፍቕሪ ምስ መርዓ ዘተሓሕዝ የብሉን። ካልእ ተመኵሮ’ዩ። ኣብ ፍቕሪ ነዊሕ ብምጕዓዞም ጥራሕ እንተ ተመርዕዮም ቀልጢፎም ክፋትሑ’ዮም። ምኽንያቱ፡ ፍቕራዊ ምቅርራባት ብዘይ ዕግበት ስለ ዝውድኡ። መርዓ ግን መንፈሳዊ እዩ። ኣእምሮና ኣብ ቅኑዕ ሓዲድ እንተ ኣልዩ፡ ነታ ልክዕ መጻምድትና ይሓሪ። ብስምዒታዊ መስሕብ እንተ ተመሲጥና ግና ነታ ዘይልክዕና ክንምርዓዋ ኢና። (ጓል ንወዲ’ውን ከምኡ)…
* ነታ ልክዕ ሰብ ከመይ ገይርካ ክትመርጻ ይኽእል፧
= ልብኻ ይነግረካ’ዩ።
* ብውሽጣዊ ህላወኻ፧
= ንሱ ምስጢር እዩ።
* ነቲ ካልእ ጐድንኻ ዲኻ ተለልዮ፧
= እንታይ ፈሊጠ ኢልካኒ ኢኻ። ግና ዝመጽኣካ ብልጭታ ኣሎ። ነቲ ናትካ፡ ውሽጥኻ ባዕሉ ይፈልጦ እዩ።
“ጽዋ፡ ምስ ዓበይቲ ጸገማት ወዲ-ሰብ ዝዋስኡ ፍጹማት ሕልምታት’ዮም“
* ሕብረተሰብ ሓያል ስነጽዋ (ሚትዮሎጂ) እንተ ዘይወኒኑ እንታይ ይኸውን፧
= ከምዚ እንርእዮ ዘሎና ይኸውን። ሕብረተሰብ ብዘይ ልምዲ (rituals) እንታይ ከም ዝኸውን ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ። መጽሔት ኒውዮርክ ታይምስ ኣንብብ።
* እንተ ኣንቢብካ እንታይ ትረክብ፧
= ኣብ ምዕቡል ሕብረተሰብ ከመይ ገይሩ ከም ዝዋሳእ ዝጠፍኦ መንእሰይ ዝፍጽሞ ዕንወትን ዓመጽን ዝገልጽ ዕለታዊ ዜና ትረክብ።
* ሕብረተሰብ፡ ኣባላቱ ዘዅኖም ልምዲታት ኣይቀረበሎምን። ቍልዕነቶም ንድሕሪት ሓዲጎም ኣብዛ ህልውቲ ዓለም ብርትዒ ንኽነብሩ ክልተ ሳዕ ክውለዱ ይግበኦም። ኣብ ቀዳማይ ቆሮንጦስ “ቈልዓ እንከለኹ፡ ከም ቈልዓ እዛረብ፡ ከም ቈልዓ እርዳእን ከም ቈልዓ እሓስብን ነበርኩ። እኹል ሰብ ምስ ኰንኩ ግና ቍልዕነተይ ንድሕሪት ገደፍኩዎ፡” ዝብል እዝክር።
= ልክዕ ኣለኻ – ከም ወዮ ዝበልካዮ እዩ። ንብጽሕና ጽንብል ዝግበረሉ በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ። ኣብ ጥንታውያን ሕብረተሰባት ጽንብል ናይ ምስዳድ ስኒ፡ መስዋእቲ፡ ምኽንሻብን ካልእ ልምዲታትን ስለ ዘሎ፡ ቈልዓ ኴንካ ኣይትነብርን ኢኻ። ኵሉምልኻ ካልእ ኢኻ እትኸውን። (ከም ዝዓበኻ ትፈልጥ)
ቈልዑ እንከለና፡ ሓጺር ካምቻን ስረን ንመልስ ነበርና። ነዊሕ ስረ እትመልሰሉ እዋን ከም ዓቢ ኣጋጣሚ ገይርካ ኢኻ እትሓስቦ። ሎሚ ነዚ ክርድኡዎ ኣይክእሉን’ዮም። ደቂ ሓሙሽተ ዓመት ከይተረፉ ነዊሕ ስረ ገይሮም ይርኣዩ። እሞ ቍልዕነቶም ኣሕሊፎም እኹላት ከም ዝዀኑ ደኣ መዓስ ክፈልጡ’ዮም፧
* ሎሚ፡ ኣብ ከተማታት ዝዓብዩ ዘለዉ ጽዋኦም ደኣ’ሞ ካበይ ከምጽኡ’ዮም፧
= ባዕላቶም ይፈጥሩ። ስለዝዀነ ከኣ ኢና ኣብ መናድቕ ከተማታት ጽሕፈቶም ንርኢ ዘለና። እዞም ቈልዑ ናቶም ግሩፖ፡ ናቶም ተበጕሶን ሞራልን ኣሎዎም። ዝከኣሎም ከኣ ይገብሩ። እቲ ሕግታቶም ናይቲ ከተማ ስለ ዘይኰነ ግና ሓደገኛታት’ዮም። ዝገብሩዎ ናብቲ ሕብረተሰብ ኣይኰነን። (…)
* ሽዑ ከኣ እቶም ብዛዕባ ዘይፈልጡዎ ክዛረቡ ፍቓድ (ሊቸንሳ) ዝተዋህቦም ጋዜጠኛታት ይመጽኡ።
= ፍቓድ ጥራሕ’ውን ኣይኰነን። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኰይኑ ንኽመሃር’ውን ግዴታ ተዋሂቡዎ’ዩ።…
* ኣብ ሳራ ላውረንስ ንኣስታት 38 ዓመታት ስነጽዋ ምሂርካ ኢኻ። እተን ካብ ደጉማውያን ሃይማኖታት ዝመጽኣ መንእሰያት ደቀንስትዮ ማእከላይ ደርቢ ከመይ ረኺብካየን፧ ኣብ ጽዋ ክሳዕ ክንደይ ይግደሳ፧
= መንእሰያት ይቘልቡዎ’ዮም። ጽዋ እቲ ካልእ ገጽ ስነጽሑፍ። ቅብኣን ቅርጻን እንታይ ከም ዝዀነ ይምህረካ። ብዛዕባ ህይወትካ ይምህረካ። ስነጽዋ ዓብን መሳጥን ህይወት ዝህብን ዓውዲ’ዩ። ሚትዮሎጂ ምስ መድረኻት ህይወት ይዛመድ፡ ምስ ካብ ቍልዕነት ናብ ብጽሕና እትሰጋገረሉ። ካብ ዘይምርዕው ናብ ምርዕው እትዀነሉ ልማዳት ይተሓሓዝ። ምስቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ክንሱ ጸኒሕካ እትፈልጦ፣ ምስቲ ንኣረጊት ጕሒፍካ ሓድሽ ናይ ምቕባል መስርሕን ምስግጋር ናብ ሓላፍነታዊ ሞያን ምትሕሓዝ ኣሎዎ።
ፈራዲ ናብ መጋባኣያ ክኣቱ እንከሎ፡ ወከፍ ሰብ ካብ መቐመጢኡ ሓፍ ይብል። ግናኸ ነቲ ተኸዲኑዎ ዘሎን ዝተሰከሞ ሓላፍነትን ደኣ’ምበር፡ ነቲ ውልቀ-ሰብ ኣይኰንካን ሓፍ እትብለሉ። … ነቲ ሚትዮሎጃዊ ገጸ-ባህሪ ኢኻ እትትሰኣሉ። ገለ ነጋውስ ኣብ ኣፍራስን ደቀንስትዮን ጥራሕ ዝግደሱ ስዲታት፡ ብላሻትን ክትቀርቦም ዘይትኽእልን ኰይኖም ይርኣዩኒ። ይኹን’ምበር፡ ነቲ ተላቢሶሞ ዘለዉ ሚትዮሎጃዊ ገጸ-ባህሪኦም’ምበር፡ ከም ውልቀ-ሰባት ኣይኰንካን እትሰምዖም።
ሓደ ሰብ ዳኛ ወይ ፕረሲደንት ናይ ሕ.መ.ኣ ክኸውን እንከሎ፡ ደጊም እቲ ሰብ ውልቀ-ሰብ ኣይኰነን። ወኪል ናይቲ ዘልኣለማዊ ቤት-ጽሕፈት ስለ ዝዀነ፡ ውልቃዊ ባህግታቱ ክስውእ ኣለዎ።
* ስለዚ ኣብ ሕብረተሰብና ገና ዝሰርሕ ዘሎ ልምዲታት ሚትዮሎጂ ኣሎ ማለት’ዩ። ውራይ ንመርዓ ሓደ ካብኡ’ዩ። ጽንብል ኣቀባብላ ፕረሲደንትን ዳኛን’ውን ካልእ’ዩ። ነዚ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ዝጠቕሙ ካልኦት ልምዲታትከ ኣለውዶ፧
= ናብ ውትህድርና ተጸንቢርካ ምልባስ ወተሃደራዊ ክዳን’ውን ኣሎ። ውልቃዊ ህይወትካ ነቲ ኣካሉ ዝዀንካ ሕብረተሰብ ምሃብ። በዚ ምኽንያት ከኣ’የ ኣብ ግዜ ኵናት ንእተፈጸመ፡ ብሲቪላዊ ሕጊ ገይርካ ንሰባት ምፍራድ ዘይግባእ’ዩ ኢለ ዝሓስብ። ኣብቲ ግዜ ኵናት ከም ውልቀ-ሰባት ኣይኰኑን ዝንቀሳቐሱ። ህይወቶም ንምሃብ ድልዋት ብምዃን ወኪላት ናይቲ ካብኦም ንላዕሊ ዝዀነ ሓይሊ’ዮም። ውልቀ-ሰባት ከም ዝነበሩ ገይርካ ምፍራድ ቅኑዕ ኣይኰነን።
* ጥንታውያን ሕብረተሰባት ብስልጣነ ጸዓዱ ከመይ ዘይርጉኣት ከም ዝዀኑ ርኢኻ ኢኻ፣ ተመቓቒሎም፡ ተበቲኖምን ዘይርጉኣት ኰይኖምን። ንሕና’ውን ጽዋና ክጠፍእ ካብ ዝጅምር ተመሳሳሊ ዘጋጥመና ዘሎዶ ይመስለካ፧
= ብርግጽ ከምኡ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
* ስለዝዀነዶ ኣይኰናን ዓቃባውያን ሃይማኖታት ነቲ ናይ ቀደም ሃይማኖት ዝጽውዓ ዘለዋ፧
= እወ። ሕጂ’ውን ዳግማይ ዓቢ ጌጋ ይፍጽሙ ኣለዉ። ናብቲ ንህይወት ዘየገልግሎም’ዮም ዝምለሱ ዘለዉ።
* ግና ኣየገልገለናን ድዩ፧
= ምግልጋል ደኣ ኣገልጊሉና’ባ።
* … ነዚ ናቱ ጽዋ ዘይብሉ ናይ ሎሚ ቈልዓ እንታይ የጋጥሞ ይህሉ ኢለ እግረም፧
= ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ፡ እታ ዘላቶ እንኮ ኣማራጺ ጋዜጣ ምንባብ’ያ – ነቲ ዕግርግር። ኣብዚ ህልው ደረጃታት ህይወትን ስርዓትን፡ ጽዋ ናይ ህይወት ኣብነታት’ዩ ዝህብ። እቶም ኣብነታት (ሞዴላት) ግና ምስቲ እትነብረሉ ዘለኻ ግዜ ክሳነዩ ይግባእ። ግዜና ብቕልጡፍ እናተለወጠ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ግቡእ ዝነበረ፡ ሕጂ ዘይግቡእ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ናይ ቀደም ጽቡቕ ግብሪ ሕጂ ነውሪ ክኽውን ተኽእሎ ኣሎዎ። ቀደም ነውሪ ዝበሃሉ ዝነበሩ ሕጂ ኣገደስቲ ዝዀኑ ብዙሓት’ዮም። እቲ ሞራላዊ ግዴታ ምስቲ ኣብ ህልው ዘሎ ሞራላዊ ኣገዳስነት ክራኸብ ኣለዎ – ኣብዚን ሕጂን። እቲ ዘይንገብሮ ዘለና ከኣ እዚ’ዩ። እቲ ናይ ቀደም ሃይማኖት ናይቲ ካልእ ዘመን፡ ናይቲ ካልእ ህዝቢ፡ ናይቲ ካልእ ክብሪታትን ናይታ ካልእ ኣድማስን’ዩ። (…)
* ሓደ-ሓደ እዋን፡ ነዚ ዛንታታት’ዚ ኣቓልቦ ክትገብረሉ እንከለኻ፡ ኣብ ሕልሚ ካልኦት ተዕርቖ ከም ዘለኻ ትሓስብዶ፧
= ሕልሚ ናይ ካልኦት ሰባት ኣይሰምዕን’የ።
* እዞም ኵሎም ጽዋታትስ ሕልሚ ናይ ካልኦት ሰባት እንድዮም፧
= ኣይፋሉን። ኣይኰኑን። ሕልሚ ዓለም’ዮም። ምስ ዓበይቲ ጸገማት ደቂ-ሰብ ዝዋስኡ ፍጹማት ሕልምታት’ዮም። ናብቲ መወዳእታኦም ክቐርብ እንከለኹ ይርድኣኒ’ዩ። ኣብ ቅልውላው ዘይዕግበት ወይ ሓጐስ፡ ውድቀት ወይ ዓወት ክበጽሕ እንከለኹ ጽዋ ብዛዕባኡ ይነግረኒ’ዩ። ኣበይ በጺሐ ከም ዘለኹ ይሕብረኒ።
“ስነጽዋ መዝሙር እዩ“
* እዞም ዘለና ንተፈጥራዊ ግልጸታት ዓለም ንቕንጥጦ ኢና ዘለና። እዚ ክብል እንከለኹ፡ ዛንታ ናይቲ ብጥዑም ደርፊ ገይሩ ንሓንቲ ዑፍ ካብ ጫካ ናብ ገዛኡ ዘምጽኣ ፒግሚ ቈልዓ እዝክር።
= ገዛኡ ምስ በጽሐ ንኣቦኡ መግቢ ከምጽኣላ ተማሕጸኖ። ኣቦኡ ንሓንቲ ዑፍ ክምግብ ስለ ዘይተራኣዮ ኣበዮን ቀተላን። እቲ ተረት ከም ዝብሎ፡ ነታ ዑፍ እቲ ሰብኣይ’ዩ ቀቲሉዋ። ምስታ ዑፍ ድማ ነታ ጥዕምቲ ደርፊ ቀተላ። ምስታ ደርፊ ከኣ ንነብሱ ቀተላ። ሞት’ዩ ጸዊዑ፣ ምሉእ ሞት – ሞት ንዘልኣለም።
* ደቂ-ሰብ ንኸባቢኦም እንተ ኣዕንዮሞ እንታይ ከም ዝዀኑ ዝነግር ዛንታዶ ኣይኰነን፧ ምዕናው ዓለሞም፧ ምዕናው ተፈጥሮን ጸጋታት ተፈጥሮን፧
= ናቶም ተፈጥሮ እውን’ዮም ዘዕነዉ። መዝምሮም’ዮም ዝቐተሉ።
* ስነጽዋ (ሚትዮሎጂ) ዛንታ ናይ መዝሙርዶ ኣይኰነን፧
= ስነጽዋ መዝሙር እዩ። ብሓይልታት ኣካል ዝነቅሕ መዝሙር ስእለ-ኣእምሮ። ሓደ ግዜ ሓደ ናይ ዘን መምህር ኣስተምህሮ ንምሃብ ኣብ ቅድሚ ተመሃሮኡ ብድድ በለ። ኣፉ ክኸፍት እናበለ ከኣ ሓንቲ ዑፍ ዘመረት’ሞ፡ “እቲ ኣስተምህሮ ድሮ ጀሚሩ ኣሎ፡” በለ።
_________
* ኣብ ማእከላይ መዋእል፡ ዓለም እትህበካ መልእኽቲ ስለ ዘሎዋ ኣንብባ ዝብል ኣምር ነይሩ።
= እወ ልክዕ’ዩ። ጽዋ ከኣ ነቲ መልእኽቲታት ንኸተንብቦ’ዩ ዝሕግዘካ። ነቲ ቀንዲ ተኽእሎታት ይነግረካ።
* ኣብነት ሃበኒ፧
= ካብ ጽዋ ዝመጽእ ሓደ ንኣብነት፡ ኣብ መወዳእታ ናይ መከራ ደሃይ ምሕረት ይመጽእ ዝብል’ዩ። ጸልማት እዋናት ለውጢ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝሕብሩ መልእኽቲታት’ዮም። ድሕሪ’ቲ ዝጸልመተ እዋን ብርሃን ይመጽእ።
* ከምቲ ኣብ ግጥሚ ናይ ሮትኽ፡ “ኣብ ጸልማት እዋን ዓይኒ ክርኢ ይጅምር፡” ዝብል ዘሎ ማለት’ዩ። ጽዋ ከምዚ ዝኣመሰለ ንቕሓት የምጽኣልካ ኢኻ ትብል ዘሎኻ።
= ምስ ከምዚኦም ዝዓይነቶም ጽዋታት’የ ዝነብር፣ ኵሉ ግዜ ከኣ ነዚ ይነግሩኒ። እዚ ሽግር ብውከላዊ መገዲ ምስቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ክርስቶስ ክዛመድ ይግብኦ። እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ክርስቶስ ኣይመውትን’ዩ። እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ፡ ሞትን ትንሳአን’ዩ። ወይ’ውን እንተ ደሊኻ ምስ ሺቫ ከተዛምዶ ትኽእል ኢኻ። ኣነ ሺቫ እየ – እዚ እቲ ዝለዓለ ኣስተንትኖ ናይ ዮጋውያን ኣብ ሂማልያ እዩ።
* ዋላ’ውን መንግስተ ሰማይ፧ እቲ ብዙሕ ሰብ ሃረር ዝብሎ ኣብ ውሽጥና’ዩ ዘሎ፧
= መንግስተ ሰማይን ገሃነምን ኣብ ውሽጥና’ዩ ዘሎ፣ ዋላ’ውን እቶም ኵሎም ኣማልኽታት (gods)። እዚ ኡፓንሻዳውያን ናይ ህንዲ ኣብ ታሽዓይ ዘመን ቅ.ል.ክ ዝዓበየ ዝተረድኡዎ’ዩ። ኵሎም ኣምላኻት፡ መንግስተ-ሰማያት፡ ኮታ ኵሎም ዓለማት ኣብ ውሽጥና’ዮም ዘለዉ። ኵሎም ዝደመቑ ሕልምታት’ዮም። ሕልምታት ከኣ ሓይሊታት (energies) ናይ ኣካልና ኣብ ሓድሕዶም ኣብ ዝገብሩዎ ግጭት ብቕርጺ ምስሊ ዝግለጹ እዮም። ጽዋ ዝበሃል እዚ’ዩ፣ ጽዋ ብውከላዊ ምስሊ። ብውስጠዘኣዊ ምስሊ ዝግለጽ ሓይሊታት ኣካል ኣብ ሓድሕዶም ዝገብሩዎ ግጭት’ዩ። ሓደ ህዋስ እዚ ይደሊ። እቲ ካልእ እቲ ይደሊ። ሓንጎል ከኣ ሓደ ካብ’ቶም ህዋሳት’ዩ።
__________
* ንምንታይ ኢና ብኽልተ ኣንጻራት ንሓስብ፧
= ብኻልእ ክንሓስብ ስለ ዘይንኽእል።
* ናይ ግዜና ባህሪያዊ ክውንነት ማለት ድዩ፧
= ባህሪያዊ ናይ ተመኵሮና ክውንነት’ዩ።
* ሰብኣይ – ሰበይቲ፣ ህይወት – ሞት፣ ጽቡቕ – ክፉእ።
= ኣነ ወ ንስኻ፣ እዚ ወ እቲ፣ ቅኑዕ ወ ግጕይ – ወከፎም ናቶም ኣንጻር ኣሎዎም። ይኹን’ምበር፡ ሚትዮሎጂ ዲሕሪ እዚ ኣንጻር ክልተ ጫፋት ካልእ ሓደነት ከም ዘሎ ይእምት’ዩ። ገጣሚ ዊልያም ብሌክ፡ “ዘልኣለማውነት ምስ ውጽኢታት ግዜ፡ ኣብ ፍቕሪ’ዩ ዘሎ” ኢሉ ነይሩ።
* እንታይ ማለት’ዩ፧
= ምንጪ ናይዚ ሓላፊ ዝዀነ ናይ ዓለም ህይወት’ዚ ዘልኣለማዊ’ዩ። ዘልኣለማውነት ባዕሉ ናብዛ ዓለም ይወርድ። ኣማልኽቲ ብዙሓት ዝዀንሉ ናይ ጽዋ ቀንዲ ምኽንያት ካብ’ዚ’ዩ። ኣብ ህንዲ ኣብ ውሽጠይ ዝርከቡ ኣማልኽቲ “ነበርቲ” ናይ ኣካል እዮም ዝበሃሉ። ምስ ቅድስና ምእንቲ ክትፋለጥ፡ እቲ ዘይመዋቲ ክፋልካ ምስ ቅድስና ክራኸብ ኣለዎ።
ዘልኣለማውነት ኪኖ ኵሉ ዝርዝር ሓሳባት’ዩ። እዚ ኣብ ኵለን ናይ ኦሬንታል ሃይማኖታት ኣገዳሲ ነጥቢ’ዩ። ብዛዕባ ኣምላኽ ክንሓስብ ንደሊ። ኣምላኽ ሓሳባት’ዩ። ኣምላኽ ስም’ዩ። ኣማላኽ ሓሳብ’ዩ።…
“ብመገዲ ኣዒንቲ፡ ፍቕሪ ልቢ ረኺቡ…“
* ፍቕሪ ገፊሕ ኣርእስቲ’ዩ። ናባኻ መጺአ፡ “ብዛዕባ ፍቕሪ ንዛረብ” እንተ ዝብለካ፡ ብምንታይ ምጀመርካ፧
= ኣብ 12 ዘመን ብዝነበሩ ‘ትሩባዶራት’ ምጀመርኩ።
* እንታይ ዝዀኑ’ዮም፧
= ተቐማጦ ናይ ፕሮቨንስ’ዮም። ጸኒሖም’ውን ኣብ ካልኦት ቦታታት ፈረንሳን ኤውሮጳን ዝነበሩ’ዮም። ኣብ ጀርመን ‘ዘመርቲ ፍቕሪ’ ተባሂሎም’ዮም ዝጽውዑ።
* ናይ እዋኖም ገጠምቲ ድዮም፧
= እወ! ናይ ሓደ ዝተወሰነ ገጸ-ባህሪ ገጠምቲ’ዮም። ግዜኦም ኣብ 12 ዘመን’ዩ ዝነበረ። ኵሉ ልምዲ ‘ትሩባዶራት’ ኣብ ፕሮቨንስ ብ1209 ‘ኣልቢጀንሽያን ኵሩሰድ’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዝነበረ ብጳጳስ ኢናሰንት ሳልሳይ ዝተላዓለ’ዩ ጠፊኡ። (ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳ ዘስካሕክሕ ኵሩሰድ ከም ዝነበረ ይፍለጥ)
ዋላ’ኳ ምንቅስቓስ ኣልቢጀንሽያን ተቓውሞ ኣንጻር ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝግበር ዝነበረ ብልሽውና እንተ ነበረ፡ ትሩባዶራት ኣብቲ ግዜ’ቲ ዘይእገዱ (ዘይክልከሉ) ምስ ዝነበሩ ምንቅስቓስ ኣልቢጀንሽያን ክተሓሓዙ ጀመሩ። ስለዝዀነ፡ ትሩባዶራውያንን ምስግጋር ሓሳባቶም ኣብ ፍቕሪን፡ ብዝተጠናነገ መገዲ ምስ ሃይማኖታዊ ህይወት ተሓዋወሰ።
* ምስግጋር ፍቕሪ፧ እንታይ ማለትካ’ዩ፧
= ትሩባዶራውያን፡ ኣብ ሳይኮሎጂ ናይ ፍቕሪ ኣዝዮም ዝግደሱ ነበሩ። ኣብ ምዕራብ ንመጀመርታ ግዜ ከምዚ ሎሚ እንገብሮ ዝምድና ውልቀ-ሰብ ምስ ውልቀ-ሰብ ዝሓሰቡ’ዮም።
* ቅድመኡ ደኣ ከመይ ነይሩ ማለት’ዩ፧
= ቅድመኡ፡ ፍቕሪ በቃ ‘ኢሮስ’ እዩ ነይሩ፣ ንፍትወት ግብረስጋ ዝደፍእ ኣምላኽ (god)። እዚ ከምቲ ትሩባዶራውያን ዝርድኣኡዎ ኣብ ፍቕሪ ናይ ምውዳቕ ተመኵሮ ኣይኰነን። ‘ኢሮስ’ ካብ ኣብ ፍቕሪ ምውዳቕ ወጻኢ፡ ዝያዳ’ኳ ደኣ ስምዒት-ሰብ ዘይብሉ’ዩ። ርኢኻ – ሰባት ብዛዕባ ‘ኣሞር’ ይፈልጡ ኣይነበሩን። ‘ኣሞር’ እቶም ትሩባዶራውያን ዘለለዩዎ ናይ ሰብ ነገር’ዩ (ስምዒት ዘሎዎ)። ‘ኢሮስ’ን ‘ኣገፕ’ን ዘይ ናይ ሰባዊ ፍቕሪ’ዮም።
* ግለጾ፧
= ‘ኢሮስ’ ባያሎጅያዊ (ጾታዊ) ድፍኢት’ዩ። ህዋሳት ኣብ ሓድሕዶም ዝገብሩዎ ኵቱር ባህጊ ወይ ፍትወት’ዩ። እቲ ናይ ሰብ ነገር ኣየገድስን’ዩ።
* ‘ኣገፕ’ከ፧
= ‘ኣገፕ’ – ንጐረቤትካ ከም ነብስኻ ኣፍቅሮ – ዝብል መንፈሳዊ ፍቕሪ’ዩ። እቲ ጐረቤትካ መን ምዃኑ ከኣ ኣየገድስን’ዩ።
* ከምቲ ‘ኢሮስ’ ዝጠልቦ ውዕውዕ ስምዒት (passion) ኣይኰነን። ከም ዝመስለኒ ርህራሀ (ኮምፓሽን) እዩ።
= እወ – ርህራሀ’ዩ። ምኽፋት ልቢ እዩ። ግናኸ ከም ‘ኣሞር’ ውልቃዊ ኣይኰነን።
* ‘ኣገፕ’ ከኣ ኣይማኖታዊ ድፍኢት’ዩ።
= እወ – ግና ‘ኣሞር’ እውን ኣይማኖታዊ ድፍኢት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ትሩባዶራውያን ኣሞር ዝበረኸ መንፈሳዊ ተመኵሮ ምዃኑ ኣለልዮሞ እዮም። ርኢኻ – ‘ኢሮስ’ ከምዚ ኣሳሪ ወይ ቀያዲ ዓይነት’ዩ። ኣብ ህንዲ፡ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ገዚፍ፡ ቀስቲን ፈጣን ፍላጻን ዝሓዘ ደርማስ ሓይሊ ዘሎዎ መንእሰይ’ዩ። ኣስማት ናይቲ ፍላጻ፡ ‘ሞት ዘምጽእ ስቅያት’፡ ‘ከፋቲ’ ወዘተ ዝብል’ዩ። ሓቂ ከኣ’ዩ። እዚ ነገር’ዚ ናባኻ እንተ ኣትዩ ናይ ኣካላውን ሳይኮሎጂያውን ምሉእ ምፍንጃር’ዩ።
እቲ ካልእ ፍቕሪ – ኣገፕ – ምፍቃር ንጐረቤትካ ከም ነብስኻ’ዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ጐረቤትካ መን ምዃኑ ኣየገድስን’ዩ። ጐረቤትካ ስለ ዝዀነ እቲ ዓይነት ፍቕሪ’ቲ ክትህቦ ኣለካ።
ኣብ ‘ኣሞር’ ግና ናይ ውልቀ-ሰብ ፍቕሪ ጥራሕ’ዩ ዘሎና። ትሩባዶራውያን ከም ዝብሉዎ ተመኵሮ ውልቀ-ሰብ ምስ ውልቀ-ሰብ’ዩ፣ ዓይኒ ምስ ዓይኒ ካብ ምግጥጣም ዝመጽእ ጥምረት።
* ኣብ ሓንቲ ካብ መጻሕፍትኻ ብዛዕባ’ዚ ምግጥጣም ኣዒንቲ፡ “ስለዚ ብመገዲ ኣዒንቲ/ ፍቕሪ ልቢ ረኺቡ…” እትብል ሓንቲ ግጥሚ ኣላ።
= እዚ ጠቕላላ ኣንጻር ናይቲ ኣብያተ ክርስትያናት ቈይሞናሉ ዘሎዋ’ዩ። ናይ ሰብን ውልቃዊ ተመኵሮን’ዩ። እቲ ብዛዕባ ምዕራብ ዝበለጸን ካብ ኣነ ዝፈልጠን ሕብረተሰባት ዝፈልዮን እመስለኒ።
* ስለዚ ንምፍቃር ምትባዕ። ናይ ውልቂ ተመኵሮ ኣንጻር ባህሊ (ናይ ቤተ-ክርስትያን ባህሊ) ንምክያድ ምትባዕ ኰይኑ ማለት’ዩ። ኣብ መስርሕ ምዕራብ ንምንታይ’ዩ’ዚ ኣገዳሲ ኰይኑ፧
= ውልቀ-ሰብ፡ ካልኦት ሰባት ብዝሃቡዎ ቃል ዘይኰነስ ኣብ ገዛእ ተመኵሮኡ እምነት ክህሉዎ ዝብል ኣብ ምዕራብ ንውልቀ-ሰብ ኣገዳስነት ይህቦ’ዩ – ኣንጻር ጥሙር ዝኣረኣእያኡ ስርዓት። ኣብ ኣገዳስነት ተመኵሮ ውልቀ-ሰብ፡ ሰብኣውነት እንታይ ምዃኑ፧ ህይወት እንታይ ምዃና፧ ክብሪታት ወዘተ ይጸቅጥ። እቲ ጥሙር ዝኣረኣእያኡ ስርዓት ናይ ማሽን ዝርዓት’ዩ። ወከፍ ማሽን ካብ ሓደ ቤት-ዕዮ ዝመጽአት ኰይና ልክዕ ከም ካልኦት ማሽናት’ያ እትሰርሕ።
* “ኣብ ምዕራብ ሮማንቲክ ፍቕሪ ምጅማር ማለት ‘ሊቢዶ (libido) ኣብ ልዕሊ ክሪዶ’ (crido) እዩ ነይሩ” ኢልካ ክትጽሕፍ እንከለኻ እንታይ ማለትካ’ዩ፧ (መብርሂ። ሊቢዶ – ወሲባዊ ባህጊ ክኸውን እንከሎ፡ ክሪዶ ከኣ ውልቃዊ እምነት ወይ ዕላማ ማለት’ዩ)
= ብሪዶ፡ “ኣነ እኣምን” እዩ ዝብል። ኣብ ሕጊታት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከምኡ’ውን፡ እቶም ሕጊታት ብኣምላኽ ከም ዝተነድፉ’ዩ ዝኣምን። ምስ ኣምላኽ ዘካትዕ የሎን ድማ ይብል። እዞም ሕጊታት እዚኣቶም ኣብ ልዕለይ ሚዛኖም ዓቢ’ዩ። ዘይምምእዛዞም ድማ ሓጢኣት’ዩ። ምስቲ ዘልኣለማዊ ባህረይ ከኣ ምትእስሳር ኣሎዎ – ይብል።
* እዚ ክሪቶ ድዩ፧
= እዚ ክሪቶ እዩ። ትኣምን’ሞ ዳሕራይ ናብ ንስሓ ትኸይድ። ካብ ዝርዝር ሓጢኣትካ ተጕድል። ንነብስኻ ከኣ ብመንጽሮም ትርእያ። ናብ ካህናት ኬድካ፡ “ኣብዚ ሰሙን’ዚ ስለ ዝነፋዕኩ ባርኸኒ ኣቦ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ ኣብ ሓጢኣትካ ሱባኤ (መዲተሽን) ትገብር’ሞ፡ ኣብ ሓጢኣትካ ብምስትንታን መሊስካ ኣብ ህይወትካ ናይ ብሓቂ ሓጢኣተኛ ትኸውን። ከም ሓቂ፡ ናይ ህይወት ድላይ ኵነኔ’ዩ። እዚ’ዩ ክሪቶ።
* ሊቢዶኸ፧
= ሊቢዶ ናይ ህይወት ድፍኢት’ዩ፣ ካብ ልቢ ከኣ ይምንጩ።
* እታ ልቢ ከኣ…
= …እታ ልቢ ካልእ ንኸተእቱ ዝተኸፍተት ህዋስ እያ። ምስ ርእሰ-ኣገዳስነት ዝተሓሓዝ ኣገዳሲ ብልጫ ደቂ-ሰብ’ዩ – ዘይ ከም እንሳሳታት።
* ስለዚ፡ ምስ ህርፋን ወይ ውዕዉዕ ስምዒት ወይ ሓፈሻዊ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ዝጻረር ብዛዕባ ሮማንቲካዊ ፍቕሪ ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ፧
= እወ። ልሙድ መርዓ ኣብ ያታውያን ባህሊታት፡ ስድራ ብዘምጽኦ’ዩ ዝካየድ። ውልቀ-ሰብ ምስ ውልቀ-ሰብ ብዝገበሮ ውሳነ ኣይኰነን። (…)
__________
* ኣብ ናይ ዳንተ ኢንፈርኖ (ገሃነም) ከም ዝዝክሮ፡ ነቶም ኣብ ታሪኽ ፍቕሪ ዓለም ዝዝከሩ ዓበይቲ ኣፍቀርቲ ከም ሄለን፡ ኪልዮፓትራን ትሪስታን ኣብ ገሃነም ኰይኖም’ዮም ዝርኣዩዎ ንዳንተ። ኣገዳስነት ናይ’ዚ እንታይ’ዩ፧
= ዳንተ ንናይ ቤተ-ክርስትያን ኣረኣእያ ገሃነም’ዩ ወሲዱ፣ ኣብኡ ከኣ ይሳቐዩ። ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ክልተ መንእሰያት ፍቑራት ደቂ ዓዱ ፓሎን ፍራንቸስካን ከም ዝርኣየ ዘክር። ፍራንቸስካ ሓዉ ንሰብኣያ ምስ ዝዀነ ፓሎ ፍቕራዊ ህይወት ነበራ። ዳንተ ከም ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠተኛ፡ “ፍቕርተይ! እዚ ከመይ’ሉ ኾን ኣጋጠመ፧ እዚስ እንታይ ኣምጽኦ፧” በለ። ብድሕሪኡ ከኣ ኣዝያ ህብብቲ ዝዀነት ሓረግ ናይ ዳንተ መጽአት። ፍራንቸስካ፡ ፓሎን ንሳን ኣብ ሓደ ልሙዕ ጀርዲን ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮፍ ኢሎም ዛንታ ላንቸሎትን ጕነቨርን የንብቡ ከም ዝነበሩ ትዛረብ። “ብዛዕባ’ታ ቀዳመይቲ ምስዕዓሞም ምስ ኣንበብና ሓድሕድና ተጠማመትና’ሞ፡ ብድሕሪኡ ኣብታ መዓልቲ ካብታ መጽሓፍ ፈጺምና ኣየንበብናን።” መፈለምታ ናይ ምፍቓሮም እዚ’ዩ ነይሩ።
ነዚ መሳጢ ተመኵሮ ከም ሓጢኣት ክዅነን ከኣ’ዮም ትሩባዶራውያን ኣይፋል ዝበሉዎ። ትርጕም ህይወት ፍቕሪ’ዩ፣ ናይ ህይወት ዝበረኸ ነቝጢ።
* ቫግነር ኣብታ ዓባይ ኦፔራኡ ብዛዕባ ትሪስራንን ኢሶልድን፡ “ኣብዛ ዓለም፡ ዓለመይ ይሃልወኒ፣ ሓደው ክጠፍእ ሓደው ክድሕን” ክብል እንከሎ ከምኡ ማለቱ ድዩ፧
= እወ፣ ልክዕ ከምኡ እዩ ኢሉ ትሪስታን።
* ናተይ ፍቕሪ፣ ናተይ ህይወት እደሊ ማለቱ ድዩ፧
= እወ! እዚ ህይወተይ’ዩ። ምእንታኡ ድማ ዝዀነ ቃንዛ ክስከም ድልዊ እየ።
“ጅግና ዝበሃል ካብኡ ንዝዓቢ ዕላማ ህይወቱ ዝህብ’ዩ“
* ኣብ ስነጽዋ ሓያሎ ዛንታታት ብዛዕባ ጅግና ዘሎ ንምንታይ’ዩ፧
= ክጸሓፈሉ ዝግባእ ዛዕባ ስለ ዝዀነ’ዩ። ዋላ’ውን ኣብ ህቡባት ልብ-ወለዳት፡ እቲ ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ልዕሊ ዝውቱር ዓቐን ወይ ገደብ ዓወትን ተመኵሮን ዝኸይድ ጅግና እዩ/ያ። ጅግና ዝበሃል ካብኡ ንዝዓቢ ዕላማ ህይወቱ ዝህብ’ዩ።
* ስለዚ እቲ ጅግና ዝላበሶ ናይ ዓዱ ክዳን ብዘየገድስ፡ እንታይ’ዩ ዝገብር፧
= ዝገብሮም ክልተ ነገራት ኣለዉ። ሓደ ኣካላዊ ተግባር’ዩ፣ እቲ ጅግና ኣብ ኵናት ይኹን ካልእ ህይወት ንምድሓን ዝገብሮ ትብዓት’ዩ። እቲ ካልኣይ መንፈሳዊ ተግባር’ዩ፣ ናይ ወዲ-ሰብ ዝለዓለ መንፈሳዊ ህይወት ንኽምኰር ክመሃርን መልእኽቲ ሒዙ ክምለስን ምኽኣል’ዩ። ዝነበሮ ክሕደግ እንከሎ ወይ’ውን ኣብ ኣባላት ሕብረተሰቡ ክህሉ ዝነበሮ ተራ ተመኵሮ ዘየሎ ምዃኑ ክስመዖ እንከሎ’ዩ – እቲ ዝውቱር ጕዕዞ ጅግና ዝጅምር። ሓደው ዝጐደለ ንምምላእ ወይ’ውን ህይወት ዝህብ መቐዪሮታት (ምስግጋራት) ንምድህሳስ’ዩ ብልዕሊ ዝውቱር ኣካይዳ ኣብ ቀጻሊ ጕዕዞ ዝኣቱ። ኵሉ ሳዕ ኣብ ዑደት’ዩ – ናይ ምኻድን ምምላስን።
ናይዚ ጕዕዞ’ዚ ቅርጹን መንፈሳዊ ትርጕሙን ኣብ ቀቢላውያን ሕብረተሰባት ብመገዲ ዝገብሮኦ ናብ ድርኩኺት ብጽሕና ናይ ምርጋጽ ልምዲታት ኣቐዲምካ ክርአ ይከኣል’ዩ። ብመገዱ ከኣ እቲ ቈልዓ ቍልዕነቱ ሓዲጉ በጽሒ ክኸውን ይግደድ። እዚ ከም ምማት ክርአ ይከኣል’ዩ። ባህርያትን ኣተሓሳስባን ቍልዕነትካ ቀቲልካ እኹልን ሓላፍነታውን ኴንካ ትውለድ። እዚ፡ ወከፍ ሰብ ክዀዶ ዝግባእ መሰረታዊ ስነ-ኣእምሮዊ ምስግጋር’ዩ። ን14 – 21 ዓመታት ኣብ ሕቝፊ ካልኦት ኴንና ብናይ ካልእ ምክልኻልን ኣልያን ኢና ኣብ ቍልዕነት እንነብር ዘለና። ናይ ዶክትሬይት ትምህርትና እንተ ቀጺልና ከኣ’ሞ ክሳዕ 35 ዓመት ክምጠጥ ይኽእል። በዚ መዳይ’ዚ ከኣ ብዝዀነ ይኹን መለክዒ ናይ ነብስኻ ተሓታቲን ናጻ ኣካልን ኣይኰንካን፣ መቕጻዕቲን ሞሳን ዝጽበን ዝቕበልን ምእዙዝ ጽግዕተኛ ኢኻ። ካብዚ ዘይብጽሕና ስነ-ኣእምሮ ናብ ትብዓት ርእስኻ ምኽኣልን ምርግጋጽን ንኽትሓኵር ምማትን ምትንሳእን የድሊ። ናይ ጅግና መሰረታዊ ድርኺት ዓለምለኻዊ ጕዕዞ’ዩ – ንሓደን ውሱንን ኵነታት ጠንጢንካ ናብ ዝዳዕኰነን ሃዋሃዋ ብጽሕና ዝህብ ምንጪ ህይወትን ምርካብ።
* ኣብዚ እናተመልሰ ዝመጽእ ዘሎ ሕብረተሰብ፡ ጀጋኑ ክንከውን’ኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ነቲ ጕዕዞ፡ ኣብ ውሽጥና ብመንፈሳውን ሳይኮሎጂያውን ክንጓዓዞ ኣሎና።
= ልክዕ ኣለኻ። ኦቶ ራንክ ኣብታ ንእሽቶን ኣገዳሲትን፡ “The Myth of the Birth of the Hero” እትብል መጽሓፉ፡ ወከፍ ሰብ ኣብ ኣወላልዳኡ ጅግና ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ። [ኣብ ኣወላልዳኡ] ኣዝዩ ብዙሕ ሳይኮሎጂያውን ኣካላውን ምስግጋር’ዩ ዝገብር። ካብ ንእሽቶ ኣብ ማሕጸን ዝነብር ማያዊ ፍጥረት ክሳዕ ኣየር ዘስተንፍስ ዝጠብው ሕጻን። እዚ ሓያል ምስግጋር’ዩ። ብኣፍልጦ ዝግበር እንተ ዝኸውን ዓቢ ተግባር ጅግና ምዀነ። ኣብቲ ነዚ ኵሉ እተምጽእ ናይ ኣደ ወገን’ውን ናይ ጅግና ተግባር ኣሎ።
* ስለዚ ጀጋኑ ደቂ-ተባዕትዮ ጥራሕ ኣይኰኑን፧
= ኣይፋሉን! ብምኽንያት ናይ ህይወት ኵነታት፡ ደቂ-ተባዕትዮ ዝበዝሕ እዋን ዝጥመት ግደ ስለ ዘሎዎም ጥራሕ’ዩ። ንሱ ናብ ግዳም’ዩ ዝወጽእ። ጓለንስተይቲ ግና ኣብ ውሽጢ ገዛ እያ ዘላ። ንኣብነት፡ ብዅነታት ኣማውታ ንነፍሶም ኣብ መንግስተ-ሰማያት ዝምድቡ ሓያሎ መንግስተ-ሰማያት ዘሎዎም ኣዝተክስ (Aztecs) እንተ ርኢና ግና፡ እቲ መንግስተ-ሰማይ ነታ ክትሓርስ ዝሞተት ኣደን ኣብ ኵናት ዝሞተ ተዋጋኢን ሓደ’ዩ ዝብጽሖም። ነፍስኻ ንህይወት ካልእ ምሃብ ስለ ዝዀነ። ምውላድ ሕጻን ተግባር ጅግንነት’ዩ።
* እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ሕብረተሰብና ዝኸሰርናዮዶ ይመስለካ፧ ደቅኻ ካብ ምዕባይ ንደገ ወጺእካ ብዙሕ ገንዘብ ምእካብ ዝብል ከም ጅግንነት ዝውሰድ ዘሎ ይመስል።
= ምጥራይ ገንዘብ ብዙሕ ምውዕዋዕ’ዩ ዝረክብ ዘሎ። እቲ፡ “ከልቢ ንሰብ እንተ ነኺሱ ዛንታ የሎን። ሰብ ንኸልቢ እንተ ነኺሱ ግና ዛንታ ረኺብካ ኣለኻ፡” ዝብል ናይ ቀደም ኣበሃህላ ትፈልጦ ኢኻ። ነገራት ብምድግጋም እናሻዕ ዝካየድ እንተዀይኑ፡ ዋላ ደኣ ተግባር ጅግና ይኹን’ምበር ዜና ኣይኰነን። ኣደነት’ውን ፍሉይነቱ እናጥፍአ ይመጽእ ኣሎ ክበሃል ይከኣል።
* ይኹን’ምበር – ኣደ ከም ጅግና – ደስ ዘብል ምስሊ ኣሎዎ።
= ንዓይ ኵሉ ሳዕ ከምኡ ’መስለኒ። ጽዋታት ካብ ምንባብ ዝተመሃርኩዎ ከኣ’ዩ።
* ጕዕዞ’ዩ – ነዚ ንኽትፍጽም ካብቲ ውሕስነት ዘሎዎ ልሙድ ነገር ክትወጽእ ኣለካ።
= እዚ ብዙሕ ሓደጋታት ዘሎዎ ዓቢ ለውጢ እዩ።
* ካብ ጕዕዞኻ ምስ ተመለስካ ከኣ ምስ ሕጻንካ ትምለስ፣ ነዛ ዓለም ሓደ ኣምጺእካላ ኣለኻ።
= ንሱ ጥራሕ ዘይኰነ ናይ ህይወት ስራሕ’ውን ኣብ ቅድመኻ ኣሎካ። ኦቶ ራንክ – ምውላድካ ንኣኽብሮትን ድጋፍን መላእ ሕብረተሰብ ኢሉ ዝሓስብ ህዝቢ ኣሎ – ዝብል ዘልዓሎ ነጥቢ ኣሎ።
* ግና ገና’ውን ብድሕሪኡ ዝስዕብ ጕዕዞ ኣሎ።
= ብዙሕ ፈተነታት ዝካየዶ ዓቢ ጕዕዞ ኣሎ።
* ናይቲ ምፍታናት (trial)፡ ፈተነታትን ተጻዋርነትካ ብዝፍትን ምሕላፍን ናይ ጅግና ኣገዳስነቱ እንታይ’ዩ፧
= እቲ ዝበሃል ዘሎ ናይ ብሓቂ ጅግና ድዩ ንምርኣይ ተባሂሉ ዝተዳለወ’ዩ – እቲ ፈተናታት። ነቲ ፈተና (risk) ብሓቂ ዝገጥሞ ድዩ፧ ነቲ ሓደጋ ክሓልፎ ይኽእል ድዩ፧ ከገልግሎ ዝኽእል ትብዓት ወይ ቈራጽነት፡ ፍልጠትን ዓቕምን ኣሎዎ ድዩ፧ (…)
* መራሒ ካብ ጅግና ብኸመይ’ዩ ዝፍለ፧
= እዚ ሕቶ ቶልስቶይ ኣብ “War and Peace” (ኵናትን ሰላምን) ዘልዓሎ’ዩ። ናፓልዮን ንኤውሮጳ ኣዕንዩ ንሩስያ ክወራ ተቓሪቡ። ቶልስቶይ ድማ ሕቶ ኣቕረበ፡ “እቲ መራሒ ናይ ብሓቂ መራሒ ድዩ ወይስ ኣብ ቅድሚት ናይቲ ማዕበል ደው ስለ ዝበለ ጥራሕ’ዩ፧” ብሳይኮሎጂያዊ ቃላት፡ መራሒ ዝበሃል እንታይ ክርከብ ይከኣል ኢሉ ዝሓስብን ዝገብርን’ዩ።
* ከም ዝበሃል መራሒ ነቲ ዘይተርፍ ዝገጥሞን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕን’ዩ። ናፓልዮን መራሒ’ዩ፣ ጅግና ኣይነበረን። እቲ ዝገበሮ ንወዲ-ሰብ ኢሉ ስለ ዘይኰነ – ምእንቲ ፈረንሳ፡ ንግምጃ ፈረንሳ’ዩ።
= ፈረንሳዊ ጅግና’ዩ። ኣይኰነን ድዩ፧ ናይ ሎሚ ጸገም ከኣ እዚ’ዩ። ኣብዚ ኵላ እዛ ፕላኔት ናይ ግዳሰና ጐልጐል ክትኰነሉ ዝግባእ ግዜ፡ ጅግና ናይ ሓንቲ ሃገር ወይ ህዝቢ የድልየና ድዩ ሎሚ፧ ናይ 19 ዘመን ናፓልዮን ካልእ ገጽ ናይ 20 ዘመን ሂትለር’ዩ። ናይ ናፓልዮን ዕንወት ንኤውሮጳ ኣሰቃቒ’ዩ።
(ኣብ 2008 ወይ 2009 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ ‘ሕብራዊት ብርዒ’ ብኽፍላት ኣቕሪበዮ ዝነበርኩ እዩ)