ጭውነት ዛካዮ

ካብ ካምፓላ ተጓዒዝና ኣብ ኢንተበ ደሴት ናምባ በጻሕና። እዛ ደሴት’ዚኣ ስፍሓታ ክንዲ ሃገረ ቫቲካን ይመጣጠን። ኣብ ከርሳ ድማ ብዙሓት ካብ ሕማቕ ኵነታት ዝደሓኑ እንስሳታት ዘ-ገዳም ተዓቚቦም ይርከቡ – ከምዚ ንኣይ ኡጓንዳ ዓቚባትኒ ዘላ። መእተዊ ክንከፍል ኣብ ዝተሰራዕናሉ፡ ህንጡያት ዝነበሩ ደቀይ ንውሽጢ ክኣትዉ ተረበጹ። ሃገረ ኡጓንዳ ውጽእቲ ፓን-ኣፍሪቃዊት እያ፣ ኣብ ዝዀነ ቦታ፡ ኣፍሪቃዊ ዜጋ ልክዕ ከም ዜጋኣ ውሑድ እዩ ዝኸፍል። እቶም ምሳና ተሰሪዖም ዝነበሩ ፈረንጂ ዝኸፍልዎ ገሪሙና ምስ ብዓልቲ-ቤተይ ተጠማመትና፣ ዓዲ ስደትና ኡጓንዳ ውዕለታ ብዙሕ እዩ።

ኣብቲ ጫካ፡ ማእከል ትምህርቲ እንስሳ ዘገዳም ኡጓንዳ ኣሎ፣ ኣብቲ ቀጽሪ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ኣብ ሓሓጹራቶም ይርኣዩ። እቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ፈለግ ቪክቶርያ ድማ ብጫፍ ደንደሱ በጨቕ-በጨቕ ክብል ምስ ዝተፈላለየ ድምጺ እንስሳታት ተወሃሂዱ ይስማዕ።

ኣብቲ መካነ-እንስሳታት፡ ካብ-ናብ ሓጹር ዝተፈላለዩ እንስሳታት እናተዓዘብና፡ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ናይታ ደሴት፡ ዝተኣከቡ ሰባት ንኣቓልቦና ሰሓቡዎ። ኣብ ማእከሎም፡ ሓወልቲ ናይ ሓደ ቺምፓንዚ ተተኺሉ ይርአ፣ ኣብ እግሩ ድማ “ዛካዮ፡ 1963 – 2018” ዝብል ጽሑፍ ይንበብ። ኣብ ጐድንና ንዝነበረት ሰበይቲ፡ ንምንታይ ከም ዝተኣከቡ ሓተትኩዋ።

“ሎሚ፡ መዓልቲ ዛካዮ እዩ። ውዕለቱ ንምዝካርን ብኡ ኣቢልና ድማ ንዕቃበ እንስሳታት ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ቃል ንኽንኣቱን ኢና ተኣኪብና ዘለና፡” ኢላ ሓንቲ ወረቐት ኣቐበለትኒ።

“ዛካዮ” ዝብል ቃል፡ ኣብ ኣርእስቲ ደርፊ ናይ ህቡብ ኡጓንዳዊ ደራፋይ ኪንግ ዛሃ ሰሚዐዮ ነበርኩ’ሞ፡ ብደረጃ ሃገር ዝጽንበል ዓቢዪ ሰብ ክኸውን ኣለዎ ኢለ ሓሰብኩ። ነቲ ወረቐት ከንብቦ ምስ ጀመርኩ ግን ካብ ግምተይ ዝርሓቐ ደኣ ጸንሐ፣ ዛካዮ ኣብ ትሕቲ መካን ካብ ዝርከቡ ቺምፓንዚታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ እቲ ዝሸምገለ ከም ዝነበረን ኣብቲ ብ1952 ዝተመስረተ መካነ-እንስሳታት ልዕሊ 40 ዓመታት ከም ዝተቐመጠን ኣንበብኩ።

ዛካዮ ወዲ ሓደ ዓመት እንከሎ፡ ኣብ ምዕራብ ኡጓንዳ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ስለ ዝነበረ፡ ብ10 ሰነ 1964 ብወለንተኛታት ስድራ ተወሲዱ ምስኦም ክሳዕ 1976 ተቐመጠ። ኣብቲ ዝነበረሉ ዓዲ፡ ሰባት ብዙሕ ሕማቕ ወልፍታት ኣላሚዶሞ ነበሩ፣ ክሳዕ ሽጋራ ብዝተፈላለየ ሓራካት የትክኽ ነበረ። ቍጡዕ እናዀነ ብምምጽኡ ከኣ እቶም ስድራ ኣብ 13 ዓመቱ ናብ ማእከል ትምህርቲ እንስሳ ዘገዳም ኡጓንዳ ኣረከቡዎ። ኣብቲ እቶም ቺምፓንዚታት ዝቕመጥሉ ቡዶንጎ ዝተሰምየ ጫካ ድማ ጠባዩ እናተመሓየሸ፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ቺምፓንዚታትን በጻሕቲ ሰባትን ፍቱውን ህቡብን ክኸውን በቕዐ።

ካብቲ ዝኣተወሉ ዓመት ኣትሒዙ ክሳዕ 2012 ድማ ኣርሓ ናይቲ ጭፍራ (Alpha male) ኰይኑ፡ ን36 ዓመታት መርሐ። ኣብ ጭፍራ ቺምፓንዚ ስልጣን ምሓዝ ብዙሕ ረቋሒታት ዝሓዘን ዝተራቐቐን ኰይኑ፡ ናይ ዕብለላ ዓቕምኻ፡ ማሕበራዊ ቦታኻ፡ ምስ ካልኦት ዘለካ ልፍንታዊ ዝምድና፡ ተመኵሮኻ ወዘተ ይውስኖ። ይዅን’ምበር፡ ሓይለ-ስልጣን ማእከል ናይ ኵሉ እዩ። ዛካዮ ነቲ ጭፍራ ኣብ ምምራሕ ፍሉይ ሜላ እዩ ተጠቒሙ፣ ንንኣሽቱ ብፍሉይ ብምክልኻልን ዝልዓሉ ግጭታት ብምትህድዳእን፡ እቲ መካን ሓያል ስድራቤታዊ ምትእስሳር ንኽእልዎ ብብቕዓት መርሐ።

ዛካዮ እናሸምገለ ምስ መጽአ፡ ዘይከምቲ ብብዝሒ ኣብ ጭፍራ ቺምፓንዚ ዝርአ ብዕልዋ ስልጣን ምምንዛዕን ምስኣንን፡ ብ2012 ብሰላማዊ መንገዲ ንማቱከ ስልጣን ኣረከቦ። ዛካዮ፡ ማቱከ እናመርሐ እንከሎ’ውን ክብሩ ዓቂቡ ክቕጽል ከአለ፤ ናይ ጕጅለታት ባእሲ ኣብ ዝለዓለሉ እዋናት፡ ኵሎም ነናብ ቦታኦም ክኣትዉ ብምእዛዝ ስርዓት ካብ ምትሓዝን ሰላም ካብ ምንጋስን ኣይበዀረን።

ዛካዮ፡ ስልጣንካ ብሰላማዊ መንገዲ ምስግጋር ኣብነት እኳ እንተዀነ፡ ኣልሙና ዝተባህለ ቺምፕ ንማቱከ ኣብ ዓመቱ ዕልዋ ገይሩሉ ክሳዕ ሕጂ ኣርሓ ናይቲ ጭፍራ ኰይኑ ይመርሕ ኣሎ።

በቲ ብዛዕባ ዛካዮ ዘንበብኩዎን ዝሰማዕኩዎን ተደነቕኩ። ንሓደ ሰብኣይ ቀሪበ፡ “ንዛካዮ መኣስ ትፈልጦ፧” ኢለ ሓተትኩዎ።

“ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት-50ታት ዘለና ብዙሕ ዝኽሪ ናይ ዛካዮ ኣሎና። ባናና፡ ፍሩታታት ንኽትህቦ ዝገብሮ ዝነበረ ምግምጣላት ፍሉይ እዩ። ደቀይ’ውን ኣርኪቦም ናቶም ዝኽሪ ኣሎዎም። ንኡ ክርኢ ዝመጽእ ዝነበረ በጻሒ ብዙሕ እዩ፣ ኣብዚ ሃገር ካብ ዘለዋ ብዙሓት ብልሽዋት ትካላት ንላዕሊ፡ ንሱ ዘበርከቶ ይበዝሕ፡” በለኒ።

ዛካዮ ክዓርፍ እንከሎ ክልተ ኣንስቲ ነይረንኦ – ኣሚናን ሩትን። ከም ደቁ ገይሩ ዘዕብዮም ክልተ ውሉዳት’ውን ነበሩዎ። ኣብቲ ዝተገብረሉ ክብ ዝበለ ናይ ፋንዋ ወግዒ፡ ደርፍታት ተደሪፉሉ፡ ግጥምታት ተገጢምሉ፡ ቃለ-ምስክርነት ተነጊሩሉን ሰፊሕ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሸፈነ ተዋሂቡዎን።

ኣብ 2018 ካብ ዝዓርፍ፡ ንዝኽሩ ዓመታዊ ዝእከቡ ሰባት ካብ ሃለዉ፡ ኣብ ሓባራዊ ዝኽሪ ናይቲ ሕብረተሰብ ዘሎዎ ቦታ ተረድኣኒ። ልዕሊ ኵሉ ግን፡ ፖለቲካ ናይታ ኣነ ተሰዲደ ዝወጻእኩላ ኤርትራን ብገለ ሸነኹ ናይታ ኣዕቝባትኒ ዘላ ኡጓንዳን ኣሰላሲለ፡ ኣብ ቺምፓንዚ ዛካዮ ዝሰማዕኩዎ ጭውነት ገረመኒ። ንኽስኣል ድማ ስድራይ ኣኪበ ኣብ ትሕቲ ብምስሉ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ቈምኩ።

ዳየሪ 2006፣ ቀጨውጨው

ኣብ ፊት ካቴድራለ ኣብ እትርከብ ካፈ ኮፍ ኢልና ነዕልል ነይርና። ጨሓሒመ፡ ወዘልዘል ኢለ ነይረ። ከምኡ ኢለ’ውን ኣለኹ።

“እቲ ግኒኻ ከይዱልካዶ፧” – ሓተተኒ ማይክ (ሚካብ)።

“ኣይከደለይን።”

“ኣጀልጦ ምሽ ኢለካ፧”

ስሒቐዮ። እባ ፍሽኽ ኢለዮ። ረሲዐዮ እየ’ምበር፡ ንሰሓቕ ዝኸውን ሓይሊስ እባ የብለይን።

“ብዙሕ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ፧” ኢሉኒ።

“ብዙሕ ኣይኰንኩን” በልኩዎ፣ ሓሲየ እየ። ብዘይቈጻጸሮ ሓሳብ ተሓሚሰ ኣለኹ። ውሽጠይ ገሊሀ ግን ንሓደ ሰብ’ኳ ኣየርኣኹን። ሓባእ ቍስሉ እየ። ቍስለይ ከርኢ ከም ዘለኒ ዘርኣየኒ የሎን። ዝመሃረኒ የሎን። ዘውጓዓኒ ስነ-ጽሑፍ የሎን። ቍስለይ ሓቢአ፡ ዋላ ሓደ ከም ዘይኰንኩ ክመስል’የ ተማሂረ፣ ክኢለዮ ከኣ።

“ዲፕረሽን ክኸውን ይኽእል’ዩ። you are an engineer, you re an artist. You have a good future. ኣብ መስትያት ቀሪብካ፡ ነቲ ኣብ መስትያት ዘሎ tell him who you are.“

“መስትያት ዘይብለይ!”

ስሒቑ። ፍሽኽ ኢለ። ምስለይ ዝርእየሉ፣ እንታይ መሲለ ከም ዘለኹ ዝርእየሉ መስትያት የብለይን። ምስሎም ዝርእይሉ መስትያት ዘሎዎም ክንደይ ይዀኑ፧ ክስእሎም ኣይከኣልኩን። ኣብ ዓድና እተሰርሐ መስትያት፡ እንተ ከፊእና ከፊእኩም ኣለኹም። እንተ ጸቢቕና እዚ’ዩ ግርማኹም ዝብለና የብልናን። ሓሳበይ ይቕጽል ነይረ።

“ሙዚቃ ትሰምዕዶ፧” ሓተተኒ።

“እወ።”

“ነዚ ናይ ሎሚ ደርፍታት ከይትሰምዖ። ዋላ ንሱ ይኸውን ዘሕምመካ ዘሎ። ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ገዛ ተወሊዑ ይጸንሓኒ። ጸኒሑ ቀጨውጨው ይብለኒ። ከም ስርዓት እርበሽ። እንታይ’የ ኰይነ እብል። ደሓር የስተውዕለሉ። ከይትሰምዖም! ካብ ፍቖዶ ጕሓፋት ኣራርዮም ዝሰርሑዎ ሙዚቃ የሕምመካ’ዩ። ዋላ ኣብ ባር ኣብ ዝዀነ ኣይኣቱን’የ። ክሰቲ እንተዀይነ ኣብ ባር ዲያና’የ ዝሰቲ። take care ok. ዋዛ ከይመስለካ፣ ንስኻኮ intellectual ኢኻ። ምሳኻ ዝኸይድ ሙዚቃ ክትሰምዕ ኣለካ። ናይ ሞዛርት ወይ ቢትሆቨን እሞ ስምዓዮ፡ እቲ ሙዚቃ ምስ ተረድኣካ ደረጃኻ ክትፈልጥ ኢኻ take care ok.“ – ርእሰይ ነቕነቕኩሉ። ንጽባሒቱ፡ ንኢሳይያስ ዓርከይ ኣዕሊለዮ። ስሒቑ፣ “ሓቁ እዩ” ኢሉኒ። ንምሸቱ ናብ ህድሞና ከይድና ብጭራ ዋጣ ሳዕሲዕና። ነቲ ተጻዒኑኒ ዘሎ ከህድመለይ ተተስፍየ። ሰለስተ ሰባት ብሓንሳብ ሓዲርና። ንንግሆኡ፡ ኢሳይያስ ነቲ መቐመጢ ካሴተይ ክገላብጦ እንከሎ ብድቍሰይ ኰይነ እሰምዖ ነይረ። ኣብርሃም’ውን ተበራቢሩ የዕልሎ ነይሩ። “እዚኦም እንድዮም ዝጻወቱሉ ዘለዉ፡” እናበለ፡ ነቲ ካሴታት ይፈልዮ ነይሩ።

“እእ…እም! ትርእዮ ኣለኻ፧” ኢሉዎ። ኣነ ኮቦርታ ተሸፊነ እየ ነይረ። ድቃስ ስለ ዘይጸገብኩ ከኣ ክትንስእ ኣይደለኹን።

“ሓቁ እንድዩ ደኣ ‘ዝወዲ!” በለ። እታ ካሴት ክትወድቕ እንከላ ከኣ ተሰምዐት። ነተን ‘ኣሕሚመንኦ’ ዝበለን ንበይነን ይፈልየን ነይሩ።

“ኦይ! እዚ ወዲ ደኣ ባርዕ እንድዩ ዘድልዮ ዘሎ። ትርእዮ ኣለኻ፧” በሎ። ኣብርሃም ከኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ “ጻዕዳ ዓይነይ ከይግምጠል ምስ ኵሉም ወለደይ፡ ኣዕሩኽተይ…” በለ። ናይ መን ካሴት ደኣ ኰይና ኢለ ኮቦርታ ጋሊሀ ጠመትኩዋ። ፍሽኽ ኢለ። ምስ ርኣየኒ፡ “ኣይሓቅኻ እንዲኻ ክትሓምም!!” በለኒ። ነቲ ጽሑፍ ዘሎዎ ብጽሑፉ፡ ነቲ ዘይብሉ ከኣ እናፈተነ ፈለዮ። ካብ ገዛ ወጺእና ናብ ከተማ ከድና።

ንምሸቱ፡ ኣራንሺ፡ ባሽኮቲ፡ ጸባ ሒዘ ንገዛ ኣተኹ። ነቲ ኣቝሑ ወጋጊነ፡ ነቲ ‘ዘሕመመካ’ ዝበሉዎ ካሴታት ንኽጕሕፎ ንበይኑ ኣቐሚጠ ገዛ ወልወልኩ። ዝነበረ ረሳሕ ካልሰይን ብታንተይን ከኣ ኣለኽኩዎ። ጸባን ባሽኮትን ድሕሪ ምብልዐይ፡ ሓጺበ ሰጣሕኩዎ። ነዚ ኵሉ ክገብር ከኣ ናይ ኦሬንታልስ (ናይ ቻይና…) ኢንስትሩመንታል እናሰማዕኩ’የ። እቲ ዝበሉዎ ዳርጋ ኣመንኩዎ። ክልተ ካሴታት ናይ ሞዛርትን ቢትሆቨንን ከምልአን ከኣ ቀረብኩወን። ዓራት ኣንጺፈዮ። ተጋዲመ ኣራንሺ በላዕኩ። ጥዑም ኣይነበረን። ትርኢቱ ግን ይበል እዩ። ጽቡቕ’ዩ ኢላ’ያ ሸይጣትለይ።

ብድሕሪኡ ቅዱስ መጽሓፍ ኣንቢበ ደቀስኩ።

ዳየሪየይ፣ ናይ ቅድሚ 15 ዓመታት

ገንዘብ ካብ ዘይሕዝ ክንደይ ኰይኑ፧! ብዙሕ መዓልታት። ወርሒዶ ይኸውን፧ ኣይኣክልን’ዩ። ግና ንኣይስ ነዊሑኒ። ኣብታ ገዛይ ዋላ ዝብላዕ መግቢ ኣይነበረን። ካበይ ደኣ’ሞ ይብላዕ ኣነ፧ ኣጋጣሚታት’ዮም ክምግቡኒ ቀንዮም፣ ኣብ ከብድኻ ዝኣትዉ ዘይጠቕሙ ቍሩጽራጽ ነገራት ጥራሕ። “ጸጊበ” ካብ ዘይብል ክንደይ መዓልታት ኰይኑ፧! ፈላጢየይ ብዙሕ’ዩ፣ ገንዘብ ስኢነ ዝጠሚ ዝመስሎም ግን ሒደት’ዮም።

ኣቤት’ባ ዘሎ ቍሪ! ነዚ ቍሪ ዝምክት ምቘት ካበይ ክረኽቦ እኽእል፧ ኣብዛ ጽብቕቲ፡ ኣብዛ ካብ ልበይ ዝፈትዋ ከተማ ብዝኸድኩዎ ሽታታት መግቢ ይጎንፉኒ’ዮም። ግና ንኣይ ኣይኰኑን። ብጥምየት ተሓስየ በቲ ጐደናታታ ክኸይድ እንከለኹ – ይገርመኒ። ኣብቲ ኣብያተ መግቢ ብዙሕ መግቢ ኣሎ። ኣብ ኣብያተ መግቢ ጸጊቦም ዝገደፉዎ ተረፍ ይጓሓፍ። ንኣይን ከማይ ዝኣመሰሉን ክንሓስብ ሓይሊ ምሃበና። ኣብቲ ድኳናት ዝተንጠልጠለ ባናና፡ ኣራንሺ ወዘተ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካብኡ ክትበልዕ ኣይትኽእልን። ንሱ ንዝጠመየ ኣይኰነን። ንሱ፡ ገንዘብ ንዘሎዎ’ዩ።

ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ክልተ ባኒ ብዘይጠቅም ጸብሒ’የ ዝበልዕ። ጥርሑ ክልተ ባኒ በሊዐ እውዕል ኣለኹ ምባሉ ይቐልል። ነብሰይ ከም ዝፈዀሰ ይስምዓኒ ኣሎ። ትማሊ ምስ ተመሳሕኩ ሕጂ ከኣ ቍርሲ ክረክብ ድየ ክስእን ኣይፈለጥኩን ኣለኹ። ንኽሓስብ’ውን ሓይሊ ስኢነ ኣለኹ። ኣብዚ ዓይነይ ገለ ነገር ሽፍን ኣቢሉኒ ኣሎ። ድምጸይ ደፊኡ ዘውጽኦም ሓይሊ ስኢኖም ተዀርምዮም ይጽበዩ ኣለዉ። ኮታ ኵሉ….

ርቕቕ ኢሉ ካብ ብርካ ቍሩብ ውርድ ዝበለ ጻዕዳ ስረ ገይራ፡ ኣብ ርእሳ ጻዕዳ ቆቢዕ ዝገበረት ቀያሕ ጓል ናባይ ትቐርብ ኣሎ – ሲልቫና። ብኸምኡ’የ ነዚ ሓሳብ ዝቖረጽኩዎ። ናባይ ድያ ትቐርብ ዘላ፧

“ርሳስ ኣለካ ድዩ፧”

ደልየላ – ረኺበላ’ውን። ኮሸምሸም ኣይበልኩላን። ሓይሊ የብለይን። እምበር፡ ክትመጽእ እንከላ፡ ‘ማራ ኬፍ ኣለካ’ ክሳብ እትብለኒ’የ ኣስሕቕ ዘብላ። ሓንቲ መዓልቲ’ውን ካልእ ይስዕብ ይኸውን። ሽዑ ክንደይ ክትስሕቕ’ያ። ከብደይ ናይ መግቢ ጻውዒት ይገብረለይ ኣሎ። ጻውዒት ህዝቦም ዘይሰምዑ መራሕቲ ሃገር ብዙሓት’ዮም። ኣነ ጻውዒት ከብደይ ዘይምስምዐይከ፧ ከምዚ ናተይዶ ይኸውን ጸገሞም፧ ክንደየናይ! ንኣይ ምርጫይ ኣይኰነን። ንኦም ግን ምርጫኦም’ዩ። ጻውዒት ህዝቦም ዘይሰምዑ እንተ ዀይኖም ነቲ እዝኒ ዘሎዎ ክሓድግሉ ይኽእሉ’ዮም። ኣነ ንመን ክሓድገሉ እኽእል፧ ካልእ’ኳ ከይከውንስ ጥሜት ክትሓድገሎም ከኣ ኬፍ ዘይብሉ።

+++

ትማሊ ካብ ስራሕ ምስ ተፈደስኩ፡ ሚእትን ገለን ዝዀና ናይ ኣበል ገንዘብ ክወስድ ምስ ክልተ መዋዕልተይ ናብቲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ናይ መዋዕሎና ኬድና። ቍጽሪ ታሴራና ኣመዝጊብና ናብ ካሼር ምስ ከድና፡ “ገንዘብ ደኣ ዘየሎ። ጽባሕ ክትመጽኡ ኢኹም፡” በለቶ።

“በጃኺ” ዝዓይነቱ ምስኪንኪን ኢሉላ።

“ሰዓት ኣርባዕተ እንዲኹም ትምለሱ…” ክትብሎ እንከላ፡ በየን ከም ዝወጽአ ዘይፈለጥኩዎ ድምጸይ፡ “ንዓናይ! ንዓናይ!” በለ። ገሪሙኒ። እዚ ከምዚ ምኣስ’ዩ ዝገድፈኒ። ሓድሓደ ግዜ ስምዒታተይ ባዕሉ ኣለኹ ይብል’ዩ። እንታይ ይበሃል’ዚ – ኣብ ገለ ከእትወኒ’ዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ፍሉጥ ነገር ምዝርራብ ክህሉ እንከሎ’ዩ ግንፍል ዝብለኒ። ንሳ ርዱእ ክትዛረብ፡ ንሱ ዘየድሊ ኣዒንቱ ኣመስክን ኣቢሉ ልምእምእ ክብለላ ምስ ርኣኹ’የ ‘መስለኒ ዘይተዋሕጠለይ።

“ከይደ’ለኹ፡” ኢለዮ ዕርብ።

ኣብ መንገዲ ናይ ኣብርሃም ብሽክለታ ርኣኹዋ። ንሳ ትሓይሽ። ዝሕብር እንዲና ስኢንና ዘለና፣ “ኣብርሃም ኣብዚ’ሎ፧” ኢላትኒ ማለት እኮ’ዩ – ኣትየ ናብ ሆቴል ሳንሻይን። ነቶም ብየማነ ጸጋም ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሎም ኣበይ ከም ዘለዉ ዝረስዑ ኣፍ ንኣፍ ተወሃሂቦም ጕጅም ዝብሉ ዝነበሩ ፍቑራት ሓሊፈ፡ ንውሽጢ ናብቲ ፒያኖ ባር ኣተኹ። ጥር ዝብል ሰብ ኣይነበረን። ተመሊሰ ንላዕሊ ክድይብ እናበልኩ፡ ናብቲ ኣትክልቲ ዘሎዎ ቦታ ዘውርድ ኣስካላ ዝርከብ ሸሞንተ ሰባት ኮፍ ዘብል ሳሎን ንበይኑ ኮፍ ኢሉ መጽሓፍ ከንብብ ርኣኹዎ። ቀሪበዮ፣ ካብታ መጽሓፍ ኣይወጽአን። ፍሽኽ ኢሉ፡ ንብርቱዕ ሰሓቕ ዝዳሎ ዘሎ ክመስል። ዝርኣየኒ መሲሉኒ ነይሩ። ለካ ኣይርኣየንን። እታ መጽሓፍ’ያ ሕንቲኽቲኽ ተብሎ ነይራ – መግዛእቲ ስኞራ። ኬፍ ዘሎዋ መጽሓፍ’ያ። ገብርኤለ ንፉዕ ኣስሓቓይ’ዩ። በቲ ከቢድ ናብራኡ ገይሩ ዘስሕቕ ጸሓፊ። ነቲ ኤርትራውያን ኣብ እንዳ ስኞራታት ዓዲ ጣልያን ዘሕለፉዎ መከራ፡ መስሓቕ ብዝዀነ መገዲ ገይሩ’ዩ ኣቕሪቡዎ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ክብደት እቲ ናብራ ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ የርኢ’ዩ። ብኸዩ፡ ኣስተማስሉ፡ ዓቕልኹም ኣጽብቡ ወዘተ ግና ኣይበለናን። ኣብ ክንድኡስ እናሰሓቕኩም ምረት ናብራና ርኣይዎ’ዩ ኢሉና። ኣብ ዝሃለኻ ሃሉ ገብረእግዚኣብሄር ገብረመስቀል ምስጋና ይብጻሕካ። ኣብ ሽወደን ታክሲስታ ኴንካ ትሰርሕ ከም ዘለኻ’ኳ ሰሚዐ ነይረ። ድሕሪ’ታ ናብ ካልእ ስደተይ ኣምራሕኩ ኢልካ ዝዓጸኻያ መጽሓፍካ ደሃይ ኣጥፊእካ። ናብ ዓድኻ መጺእካ ተዛረብ። ዘጽቅጥ እንድዩ በዚሑና። እንታይ ኴንኩም ኢኹም ሰላሕ ኢልኩም ኣቲኹም ሰላሕ ኢልኩም ትወጽኡ ዘለኹም፧ ፈሪሕኩም ዲኹም፧ ኣብቲ ደገ ኴንኩም ብወንጭፍ ኣእማን ትድርብዩልና’ውን ኣይወሓድኩምን። ዝገርም እኳ’ዩ። ንኽንደይኩም ኢና ክንከላኸል፧ ኪዱ ባዕልኹም ትፈልጡ። ሰብ ኣብ ገግዜኡ’ዩ ዝነብር። እዚ ናትና ግዜ’ዩ። እዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ ከኣ ናትና እያ። ናትኩም ኣይኰነትን። ግዜኹም ሓሊፉ’ዩ። ምዃንካ ሜትኩም ኢኹም እምበር፡ ክትሞቱ ኢና ንጽበየኩም ዘለና። ኵሉ ሽግራትና ተጻዊርና ክትመቱልና ንጽበየኩም ኣለና – ቈልዑ ስሳታት። ዘይነኽብረኩም ግን ከይመስለኩም። ኣይንጸልኣኩምን’ውን። ጀጋኑ ኢኹም – ኣብ ግዜኹም። ሕጂ ግን ናትና ግዜ’ዩ። ኵሉ እኳ ኢኹም ኣሕዲግኩሙና። ዋላ እተን መንእሰያት ኣዋልድና ንስኹም ትወስዱወን ኣለኹም። በተን ኣብ ሕቝፍአን ሸጕጠን ካብ ጽዕነት ሓሳባት ከናግፋና ዝኽእላ ኣዋልድና ከኣ ትዘናግዑ ኣለኹም። ንሰን ግን ይነብዓ ኣለዋ። ንስኹም ዘይትርእዩዎ ንብዓት። ንሕና፡ ብዘይብአአን እንታይ ህይወትዶ ኣለና እዩ። ጭቃ ኢና’ኮ፣ ልኡም እስትንፋሰን ኡፍ ምስ በላልና ኢና ህይወት እንረክብ። አረ ባዕልኹም ትፈልጡ መዛርብተይ ኣይኰንኩምን። ብዛዕባ እንታይ ደኣ’የ ክዛረብ፧ ኣብ ኵሉ ከኣ እናጸናሕኩም – ዋእ!!!።

ድሕሪ ሰላምታ፡ ኣብቲ ሳሎን ኮፍ ኢልና መመጽሓፍና ኣብ ምንባብ ኣተና – ምስ ኣብርሃም። ዕላል ኣይነበረናን። መግዛእቲ ስኞራ እና’ንበበ፡ ዘዘስሓቖ ኣብ ሞንጎ የንብበለይ ነይሩ። ኣነ ከኣ “አ ዎክ ቱ ረመምበር” አንብብ ነይረ። ንኣብርሃም ሞባይሉ ድምጺ ገይራ፤ “ጎሚዳ ሓደ! ኣበይ ኣለኻ ዲኻ ክትብል፧” ኢሉ ተዛረቦ። ኣበይ ከም ዘለና ከኣ ነገሮ። “ምስ መን ኣለኻ፧” እዩ ኢሉዎ መስለኒ። “እንቋቝሖ ሰገን ምሳይ ኣሎ” ኢሉዎ። እንቋቚሖ ሰገን ኣነ’የ። ኣብ ኵባንያ ህንጻ ሰገን ዝበሃል ስለ ዝሰርሕ’ዮም ከምኡ ኢሎም ዘላግጹለይ። እንቋቝሖ እኳ እንቋቝሖ’የ፣ ግና ናይ ሰገን ኣይኰንኩን። ሓቝፉ ዘጫጫሕ ዝሰኣንኩ እንቋቝሖ’የ። ነቲ ሸል ሰይረ ናብቲ ዝብህጎ ዓለም ቅልቅል ክብል ሓይሊ ዝሰኣንኩ እንቋቝሖ። ኣብታ ጸባብ ክፍሊ እንቋቝሖ ዓቕለይ ጸቢቡኒ ዝገብሮ፡ ዝዀኖ ዝጠፍኣኒ ፍጥረት። ኣሰሓሕቓ፡ ኣበኻኽያ ዝጠፍኦ እንድየ! ስምዒተይ ዝስከመለይ ቋንቋ፡ ስነጽሑፍ፡ ቅብኣ፡ ደርፊ፡ ሙዚቃ… የብለይን። ንንእስነተይ ዝኸውን ድጕዓ፡ ማሰ፡ ዕልልታ፡ መልቀስ ገና ኣይሰማዕኩን። ኮፍ ኢለ’የ ንእስነተይ – እቲ ሓይለይ – ዘሕልፎ ዘለኹ። ንእስነት ዕዳ! ማራ ኬፍ ኣሎዎ። ልቢ ጐበዝ ኣብ ደረቱ! ማራ ኬፍ ኣለዎ። ኣነ ግን ንንእስነተይ ዕዳ ኣይከፈልኩሉን። ልበይ ኣብ ደረተይ የላን። ኣብ ዝባነይ ተሰቒላ፣ ኢደይ ሓጺሩኒ ሃሰስ ኢለ ኣየርክባን። ኢሳይያስ መጺኡ። ኢሳያስ ዓርክና’ዩ፣ ካልእ ኣይኰነን።

“ሓጺን ሓዝ! ሓዝ!” ኢልና ኣብ ጥቓና ክንረኽቦ እንኽእል ሓጺን ሓዝና። ንኢሳይያስ ኢና ሓጺን ሒዝናሉ። ፈውሲ ሓሳድ ኢና ሓጺን ንሕዝ። ሕማቕ መንፈስ ናይ ሓደ ሰብ፡ ወይ ሓሳብ ኣብ ልዕሌና ከይሓድር እንተ ሰጊእና ኢና ሓጺን ንሕዝ። ንኣብነት ኣብ መገዲ፡ ሓደ ዝሞተ ሰብ መኪና ገይሩ እንተ ሓሊፉና ሓጺን ንሕዘሉ። ምኽንያቱ፡ ውኻርያ እንተ ሓሊፋትካ ሕማቕ ፋል’ዩ። ወይ ክትምለስ ኣለካ ወይ ሓጺን ሒዝካ ክትሳገር ኣለካ። ንኢሳይያስ ከኣ መን ከም ዝሰገሮ ኣይንፈልጥን ኢና። እንታይ ኣንቢቡ ከም ዝመጽአ ኣይንፈልጥን ኢና። እንታይ ዕላል ሰሚዑ ከም ዝመጽአ ኣይንፈልጥን ኢና። ብዙሕ እዋን ከይተፈለጠና ሕማቕ መናፍስቲ ንስከም ኢና። ቀጨውጨው ይብለና፣ “እንታይ ኰይነ’የ ሎሚ መዓልቲ፧” ንብል። ስለዚ፡ ሓደ ንሕማቓትን ርዅሳትን መናፍስቲ ዘባህርር ሓሳባት’ዩ ዘድልየና ዘሎ። ሓጺን ሓዝ ነዊሕ እዋን ቀሊድናላ ኢና፣ ነዊሕ እዋን ስሒቕናላ ኢና፣ ግናኸ ገና ኣይመነናያን።

መመጽሓፍና ሒዝና ምንባብ ቀጸልና። ብዘይዘረባ ነዊሕ ገበርና። ኣብቲ መንእሰያት ጽምዋኦም ከርሕቑ ዝራኸብሉ ግሩም ሆቴል፡ ድምጺ ገዲፍና ብህድኣት ምስ መጻሕፍትና ስለ ዘዕለልና ባህ ኣይበሎምን ‘መስለኒ፡ ናይ ሕሳብ ቢል ኣምጽኡልና። “ይኣኽለኩም” ማለት ስለ ዝዀነ ተንሲእና ወጻእና። ተፈላለና። ኣነ ናብ ገዛ ብርሃኑ ነቐልኩ – ናብ ናስር።

በተን ኣወዳት ዝጽበያ መንእሰያት ዘሎዋኦ ቦታ ገይረ ሓለፍኩ። ገለ መንእሰያት ነው ነጀው ይብሉ ነበሩ። ኣነ ድማ መጽሓፈይ ብድሕረይ ቀርቂረ፡ ክልተ ኢደይ ኣብ ጁባይ ኣእትየ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልኩ በቲ ጸቢብ መገዲ ይሓልፍ። እናሸበብኩ እንከለኹ ኣብ ፊተይ ኣብ ዝነበረት ጸባብ ገዛ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢላ ሓንቲ ጐርዞ ዓይና ከፊታ ትጽበ ነበረት። ብማዕዶ ጽብቕቲ ትመስል። ጸጕራ ኣፍሮ ዝመስል ኰይኑ ዕዅልል ዝበለ’ዩ። ኣብቲ ሃሳስ ብርሃን ውልዕ ኢላ ከኣ ትርኣይ ነበረት። ሽዑ’ዩ ከኣ ሓደ ሓሳብ ዝመጽኣኒ። “ትጽቢት” ዝብል ቃል ጽቡቕ ገይረ ኣስተማቐርኩዎ። እንታይ ኢና ንጽበ፧ ንኣብነት ኣነ፡ ሕጂ 28 ዓመት ገይረ ኣለኹ። ኣብዚ ዕስራን ሸሞንተን ዓመታት ዝኣከብኩዎ ብዙሕ ነገራት ተጻዒነ ይቕጽል ኣለኹ። ነዚ ጽዕነት’ዚ ከውርዶ እጽበ ኣለኹ። እታ መዓልቲ ክትመጽኣለይ ሃረር እብል ኣለኹ። ነዚ ምሳይ ዘሎ ነገራት ኣውርድ ኣቢለ፡ ሓድሽ ክሓስብ፡ ሓድሽ ክኸውን ሃረር ይብል ኣለኹ። ከመይ ገይረ ኣብ ሰረገላ ቃላት ጽዒነ ኣብ ወረቐት የራግፎም’የ ዝሓስብ። እቲ ዝጽበዮ እዚ’ዩ። ካልእ’ውን፡ ነናቱ ዝጽበዮ ኣለዎ። እዘን ጽቡቓት ኣዋልድ ከኣ ኣብታ ጸባብ ገዛ ኮፍ ኢለን ክመጽአን ዝጽበያኦ እንታይ’ዩ፧ – ኣተሓሳሲቡኒ። ቅረበን፡ ፍለጠን መጺኡኒ። መገዲ ግን ኣይረኸብኩን። ዝኽእሎ’ውን ኣይመስለንን።

ሃንደበት ግን ከዕልለን ዝብል ሓሳብ መጻኒ’ሞ፡ ማዕጾ ገዛኣ ሃህ ኢሉ፡ “እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ዝብል ዘሎ ዝመስል፡ ንሳ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኮበርታ ኣትያ ርእሳ ጥራሕ ኣቐልቂላ ናብ ዝነበረት ጐርዞ ኣላገስኩ። እትው ክብል፡ “ኣይሰርሕን’የ” በለትኒ።

“ደሓን” በልኩዋ፣ “ንስኺ ጸምዩኪ ኣሎ፡ ኣነ’ውን ጸሚዩኒ ኣሎ። ስለዚ፡ ብሓንሳብ ኴይና እናዕለልና ጽምዋና ነርሕቕ፡” በልኩዋ።

“ኪደለይ ሰብኣየይ ከይመጽእ ሽግር ከይተምጽኣለይ፡” ምስ በለትኒ ወጻእኩላ። ምስ ጥዑይን ሕሙምን ደቂሰን ዘምጽኣኦ ገንዘብ ዝበልዑዎ ‘ሰብኣየይ’ ዝብልኦ ወዲ ኣሎወን። ብገንዘበን ይሰትዩ፡ ብገንዘበን ይኽደኑ። ጥራሕ ገለ ከየጋጥመን ጽላል ይዀኑወን። ፍቕሪ ደልየን’የን ዝቐርባኦም። ደስ ክብሎም እንከሎ ይሃርምወን፡ ደስ ክብሎም እንከሎ የሐንቅቕወን። ዕጨዐን ገይረን ግዲ ዝወስድኦ ኰይነን ግን ይቕበልኦ። ኣብዚ ህይወት’ዚ ከኣ ነው ነጀው ይብላ።

ካብታ ገዛ ምስ ወጻኹ፡ ኣብ ሓንቲ ንትኽ ሓንቲ ዓራት ዘውደቐት ገዛ ሓዊ እናሰሓነት ሓንቲ ጐርዞ ርኣኹ’ሞ፡ ኣትየ ኮፍ በልኩ። “ሰላማት” በልኩዋ። ንኻብ ትጽቢታ ወጻኢ ዝዀኑ ነገራት ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ትኹን ግዜ ዝነበራ ኣይትመስልን።

“ሾርት ዲኻ ክትሓድር ኢኻ፡” በለትኒ። ከዕልላ’ሞ፡ ገለ ገንዘብ ገዲፈላ ክኸይድ’የ ሓሲበ ነይረ።

“ከዕልል እየ ደልየ – ካልእ ኣይደለኹን፡” እሩም ክመስል ፈተንኩ። ንኣ ኣሪመ ምዝራበይ ፍጹም ትርጕም ኣይነበሮን።

“ውጽአለይ ጥራሕ ኣስራሓኒ፡” ንምዝራብ ዝኸውን ተረፍ ዓቕሊ ኣይነበራን።

ነቲ ገዛ ንሓንሳብ ኰሊለ ጠመትኩዋ። ንበይና እያ ኣብታ ዓራት ዝነበረት . . . እባ ንበይና ኣይነበረትን፤ ሓንቲ ፊስቶ፡ ኮፍ ኢላ እትጽበየላ ኮፍ መበሊ፡ እትስሕነላ ፋርኔሎ ኣብ መሬት ምሳይ ነበሩ። ኣብ መንደቕ ከኣ እየሱስ ክሩስቶስ ምስ ደቂ መዛሙርቱ እታ ናይ መጨረሽታ ድራር ዝበልዓላ ስእሊ ናይ ሌናርዶ ዳቪንቺ፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ስእሊ ናይ መድሃኔኣለም ይርእዩኒ ነበሩ። ግምጥል ኢለ ወጺአ በቲ ሸጓሹግ ናብ ናስር ኣምራሕኩ።

ኣብታ ዝበረኸት መስጊድ ናይ ገዛ ብርሃኑ እንተ በጺሕካ፡ ልግባ እንዳ ናስር’ያ። ካንሸሎ ኣትየ፡ ኣብ ሞንጎ’ቲ እተለጋገበ ንኣሽቱ ገዛውቲ እንዳ ናስር ነበረት። ናስር መጺኡኒ ናብ ውሽጢ ቤት ኣተኹ። ኣብ መሬት ኣንጺፉ ዝደቀሰ ሰብ ነበረ፣ ኣብ ዓራት ሓብቱን ህጻን ጓላን። ናስር ኣብ ሳሎን ነይሩ – ምስ መጽሓፉ። ኣብታ ጸባብ ገዛ ክንደይ ሰባት ይነብሩ ዘገድሶ የሎን። ናብራ ንምሕዋይ ሓካይም የሎውን ‘መስለኒ። ብዝዀነ ወጺእና ኣብ ጨርሒ ኮፍ ኢልና ኣዕለልና። ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት። ሕጂ ክጽሕፍ ሰልኪዩኒ ኣሎ’ምበር፡ ብዛዕባ ዘይኣድላይነት ምስጢር፣ ብዛዕባ ንእስነትና ዝሓልፎ ዘሎ፣ ብዛዕባ ክንጽሕፎ ዝግብኣና… ኣዕለልና። ክብርሃኒ እንከሎ’የ ዝጽሕፍ። ስምዒተይ ገንፊሉ ክፈስስ ሓፍ… ሓፍ ክብል እንከሎ ማይ ገይርካ ምድባስ ኣይፈቱን። እንታይ ደኣ ኣብ ኮምፒዩተረይ ኮፍ ኢለ እጽሕፍ። ሓደ ነገር ቅርጹ ምርዳእ ክኣብየኒ እንከሎ፡ ንኽሕዞ ኢለ ቢሮይ ኣልዒለ እጽሕፍ። ኬፍ ዘሎዎ ግዜ አሕልፍ እንተ ኣልየ፡ ሰላም፡ ሓጐስ ክስምዓኒ እንከሎ ኣይዝክሮን እኳ! ጽሑፈይ ጕሓፈይ’ዩ። ነብሰይ ዘንጽሃሉ ኣገባብ’ዩ።

+++

ሓደ ፍሉይ ስምዒት ካብ ዝስምዓኒ ሰሙነይ ሓሊፉ፤ ሓይለይ እደኽመኒ፣ ደቂሰ ኣይጸግብ፣ ኮፍ ኢለ ኣየዕርፍ። ነብሰይ እናበዅቦኸ ዑና ዝዀነሉ ግዜ ሓጺር ተሪፉዎ ዘሎ እመስለኒ ኣሎ። ከይመውት እፈርሕ ድየ፧ መንከ ኣለኻ ኢሉኒ፧ ብዙሕ እዋን ህይወት ይረኣየኒ’ዩ። ገለ ግዜ ከኣ እመውት እየ። ኣብ ሞትን ህይወትን ከም ፔንዱለም’የ ዝመላለስ። ኣብ ምውታት ዝበዝሑዎ እነብር ምህላወይ ከኣ ከቢድ ጽምዋ እስመዓኒ። ኣስመራ፡ እዛ ሽኮር ከተማና፡ መቓብር’ያ። መቓብር፡ ናይ’ተን ዝመስረታኣ ኣደታት፣ መቓብር ናይ ኣርት ዴኮ፣ መቓብር ጥንታዊ ሙዚቃና፣ መቓብር ልቦና ጥንታውያን ኣቦታትና፣ መቓብር ሕጊ እንዳባና። ሬሳታት ክንስና ኣብ ልዕሊ ሬሳ ከኣ ንንቀሳቐስ። ስምዒት ሞት ስምዒት ተስፋ ምቝራጽ ኣይኰነን። ሞት መስርሕ ህይወት’ዩ። መቐጸልታ ዝበልጸገ ህይወት እንተዀነ’ውን መን ይፈልጥ፧!

ኣብ ምናት ጸጋማይ ኢደይ ገለ ቃንዛ ይስምዓኒ’ሎ። ብርከይ ወለል እብለኒ። ታተ ዘይጸገበ ቈልዓ ኰይነስ፡ ንእሽቶ ኣስካላ ተድክመኒ። ማሕጎማ ድየ ደልየ፡ ወይስ ማሕጐማ በዚሑኒ – እንድዒ። በቲ ሓደ ወገን ዝመውት ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ተሃዋኽ የብለይን። ኣብ ጥቓ ሞት ዘሎ ሸበድበድ፡ ጕያ እኮ እዩ። ዘይትኽእሎ ዝነበርካ ኢኻ እትኽእል። ሰባትን ዓወታትን ይኸቡኻ እዮም። ኣብ ጥቓ ሞት፡ ታህዋኽን ጕያን’ዩ። ኣነ ደኣ ወሪዱኒ ለመም ዝብል ዘለኹ – ሓሰኻ። ኣንቲ ሓሰኻ ነብሰይ ትሰምዒዶ ኣለኺ። ሓሰኻ ደምበ ከኣ ኢኺ – ካብቲ ዘፍርሓኪ ሃዲምኪ ናብ ዝለምለመልኪ ትጐዪ። እዋይ እንቋዕ ናይ ምሉእ ህይወተይ ጸብጻብ ኣየካይድ። ንዅሎም ስምዒታተይ ኣኪበ፡ ኣበል ዘይብሉ ዓውደ መጽናዕቲ እንቋዕ ኣየካይድ፣ ጥርሐይ ምወጻእኩ። ምተኸሻሕኩ። ሓንቲ መዓልቲ ደፋር ኰይነ ኣይፈልጥን። ከቢድ ፍርሒ ስለ ዝነበረኒ፡ ፍርሐይ ንምኽዋል ትምህርቲ ክነፍዕ ነይሩኒ። ኵሉ ሳዕ ኣብቲ ጫውጭውታ ኣስቂጠ ኣለኹ። ኣብቲ ገፊሕ ጐደና ኣብ ኵርናዕ ኣለኹ። ኣብቲ ደፊርካ ብምሉእ ዓይንኻ ዝጥመት ብጐቦ ዓይነይ እርኢ ኣለኹ። ታባ ድፍረተይ ሓዅረዮ ኣይፈልጥን። ደፊረ’ኳ ኣንቃዕሪረ ኣይጥምቶን። መን ከም ዝመሃረኒ ኣይፈልጥን ፍርሐይ ከዊለ ግን ጽቡቕ ገይረ’የ ዝኽእሎ። ኣብቲ ቈልዑ ኰይና ኣድቬንቼር እንደልየሉ እዋን ኣረጊት ነበርኩ። ነቶም ደቂ ገዛውትና ብኾፈይ የፋኑዎም። ኣብቲ ዕንደራ ቈልዑ ኣነ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ንተኽሊ ልደት ዝኸውን ዝወፍሩዎ ዝነበሩ ስርሒት ጽሕዲ ኣነ ኣይነበርኩን። ነቶም ሓለውቲ ሓሊፍካ መሬት ኣጸልሚትካ’ዩ ዝካየድ ዝነበረ። ነቲ ነዊሕ ገረብ ምሕኳር ኣሎ። ካብኡ ምውዳቕ ኣሎ። ብፍሩስታለ ተታሒዝካ ምቕጥቃጥ ኣሎ። ኣነ ኣብኡ ኣይነበርኩን። ፍርሐይ ቀጠው ኣቢሉ ይሕዘኒ። ኣብቲ ተኣኪብካ ንምሕንባስ እትገብሮ ወፍሪ ኣነ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ገዛውቲ ምስ ገዛውቲ ዝግበር ኣዅድር፡ እምኒ ሁር ምባል፡ ኣብቲ ወዲን ጓልን ብጸልማት ክሓልፉ እንከለዉ ደድሕሬኦም እናኸድካ ምጽንታው ኣነ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ኣፍራሒ መቓብር ከይድካ ማንቲለ ምጕያይ፡ ኣብኡ ተሓቢእካ ጸኒሕካ ሰብ ምስንባድ ኣነ ኣይነበርኩን። ሽዑ ምስ ፍርሒ ሞት ኣይተጋጠምኩን። ኣይሰዓርኩዎን። ተረፍ ዛንታኦም’ዩ ቀለበይ። ሕጂ ንሶም ረሲዖሞ ኣነ ግዳ እዝክሮ ኣለኹ።

ኣብቲ ቍልዕነተይ ኣረጊት ነይረ። ኣብቲ ኵትትነተይ ዘረባ ዘየጽረየ ፈራሕ ቈልዓ ነይረ። ኣብ ዕድመይ ነቢረ ኣይፈልጥን። ኣፍቂረ “ኣይ ላቭ ዩ” ምባል ኣይተብዕን። ነቲ “ኣይፋል! ኣየፍቅረካን’የ” ዝብል መልሲ እምብዛ እፈርሖ። እቲ “ኣገዳሲ ኣይኰንካን” ዝብል ድምጺ ውሽጠይ ከየበራብሮ እሰግእ። ፍርሐይ’ዩ ዑቕባይ። አረ ከመይ’ዩ፧ ፍርሐይ ከኣ’ምበር ይምጐሰለይ። እቶም ካልኦት ከምኡ ዘይትዀኑ ተባሂሎም ይመዓዱ ነበሩ። ፍርሕኻ ዝምጕሰልካ ሕብረተሰብ። በቲ ንሶም ዝኸዱዎ መገዲ ክትከይድ ጥራሕ ዝደልዩኻ ሕብረተሰብ። በሉ ደስ ይበልኩም! ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ከምኣ ኢለ እነሀለኹልኩም፣ ከምታ ዝነበርኩማ። እቲ ካብ ቍልዕነተይ ዝርእዮ ዝነበርኩ ከምኡ ኢሉ ኣሎ። ናብ ቤት ትምህርቲ ተመላሊሰ፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ተመላሊሰ፡ ናብ ስነ-ኪነት ተመላሊሰ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ተመላሊሰ። ናብ ስራሕ ተመላሊሰ። መንደፈራ – ዓዲ-ኳላ፤ ዓዲ-ኳላ መንደፈራ፤ መንደፈራ – ኣስመራ፤ ኣስመራ – መንደፈራ፤ ኣስመራ – ድባሩዋ፤ ድባሩዋ – ኣስመራ ተመላሊሰ። ኣስመራ – ናቕፋ፤ ናቕፋ ኣስመራ፤ ኣስመራ – ዓዲ-ቐይሕ፤ ዓዲ-ቐይሕ – ሰንዓፈ፤ ኣስመራ – ጋሕቴላይ፤ ኣስመራ – ባጽዕ፤ ኣስመራ – ማይ ምነ፤ ኣስመራ – ሳዋ፤ ሳዋ – ተሰነይ፤ ኣስመራ…. ተጓዒዘ። ግና ኣነኹ ከምኣ ኢለ። ደስዶ ኢልኩም፡ ከምታ ዝደለኹማ ኰይነልኩም። ኣየስጋእክኹም፡ ኣይተመራመርኩ፡ ኣይፈተሽኩ፡ እቲ እትፈርሑዎ ሓድሽ ትውልዲ ከም ዝመጽአ ከየርኣኽኹም ከምኣ ኢለ ምህላወይ ተፈስሁ። ከማኹም ብምማተይ ጸንብሉዎ። ብዙሕ እዋን እመውት’የ። ካልእ ሞት’ውን እናቐረበ ይመጻኒ/ና ኣሎ። ኣይሃደምኩን ከም’ቶም ዝሃደሙ፣ ኣለኹ ከምኣ ኢለ። ብምሉእ ዓይነይ ክሳብ ዝጥምት፡ ኣብቲ ጫውጫውታ ኣውያተይ ኰነ ሰሓቐይ ክሳዕ ዘስምዕ ክህሉ’የ። ካልእ ህድማ ዘይኣኽለኒ። ኣይሃድምን’የ። ሞተይ ኣብ ኣስመራ’ዩ። እታ ናይ መጨረሽታ ስንብታይ ኣስመራይ እናረኣኹ’ዩ። ሸሞንተ ኖታ ሙዚቃ ካቴድራለይ እናሰማዕኩ’ዩ። ኣዛን መስጊደይ እናሰማዕኩ’ዩ፣ ቅዳሴ ቤተ ክርስትያነይ እናሰማዕኩ’ዩ።

መውረርያ ሓራምዝ

ሓንቲ ስድራ ደቃ ሒዛ ካብ ከተማ ውጽእ ናብ ዝበለ መካነ-እንስሳታት በጽሐት። እቶም ቈልዑ ነዊሕ ዝተጸበዩዋ ዕለት ስለ ዝኣኸለት ኣዝዮም ተሓጒሶም ነበሩ። ነቶም ኣብ ነናቶም መዳጐኒታት ኣትዮም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ድማ እናዘሩ ተዓዘቡዎም። ኣብ ሞንጎ፡ ነቶም ቈልዑ ብዝያዳ ኣቓልቦኦም ዝስሕብ ትርኢት ኣጓነፎም። እቶም ሓራምዝ ኣብ ሓጹር ተዳጒኖም ወይ ብሰንሰለት ተኣሲሮም ብዘይምንባሮም ኣዝዩ ኣርመሞም፣ ቅጥን ብዝበለ ገመድ ሓደ እግሮም ጥራሕ ተኣሲሮም ነበሩ።

ሓደ ካብ’ቶም ቈልዑ፡ “ንምንታይ ደኣ እዞም ሓራምዝ ኣብ መዳጐኒ ዘይኣተዉ፧ ካብዚ ወጺኦም ክጠፍኡ ኣይክእሉን ድዮም፧” እናበለ ንወለዱ ሓተተ።

ነቶም ሓራምዝ ካብቲ መኻን ከየምልጡ ሒዛቶም ዝነበረት ቀጣን ገመድ ብምንባራ፡ ነቶም ከየስተውዓልሉ ዝጸንሑ ወለዲ’ውን ሕቶ ኰኖም። ሓንሳብ እኳ ንምብታኹ ክፍትኑ ብዘይ ምርኣዮም ድማ ተገረሙ። እንተ ዝፍትኑ በናቚሮሞ ክኸዱ ከም ዝኽእሉ ርዱእ’ዩ ዝነበረ።

እቶም ቈልዑ፡ ቍንቍኛኡ ክፈልጡ ናብ ሓለዋ ናይቶም እንስሳታት ቀሪቦም ክሓቱዎም ንወለዶም ወትወቱዎም። ነቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ ኣባል ሓለዋ እንስሳታት ድማ ሓተቱዎ።

ክምልሰሎም ድማ ጀመረ፤

ንኣሽቱ እንከለዉ ብተመሳሳሊ ገመድ ኢና ንኣስሮም ዝነበርና። ሽዑ ክብንጥሱዎ ብዙሕ ፈቲኖም ኣይከኣሉን። እናዓበዩ ብዝኸዱ በናቚሮሞ ክኸዱ ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንኣሽቱ እንከለዉ ደጋጊሞም ፈቲኖም ስለ ኣበዮም፡ “ክንበትኮ ኣይንኽእልን ኢና፡” ኢሎም ስለ ዝኣምኑ፡ ብድሕሪኡ ፈቲኖሞ ስለ ዘይፈልጡ እዮም ከምዚኣ ኢሎም ዘለዉ።

እቶም ወለዲ ኣብ ሓሳብ ጠሓሉ፣ ንድሕሪት ተመሊሶም ኣብ ምፍታሽ ኣተዉ።

እቲ ፈላስን እታ ድሙን

ሓደ ቡድሃዊ ፈላሲ ምስ ደቀመዛምርቱ ኣብ ሓደ ገዳም ይነብር ነበረ። ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ዝጠፍአት ዕዋል ናብቲ ገዳም መጽአት’ሞ፡ ኵላቶም ክሕብሕቡዋ ጀመሩ። ንሳ ዀነ ንሳቶም ተላሚዶም ድማ ኣካል ናይቲ መካን ኰነት።

እቲ ፈላሲ ኣስተንትኖ ኣብ ዝፍልመሉ ሕስይስይ እናበለት ኣብ ሕቝፉ፡ መንኵቡ ወይ ርእሱ ብምድያብ ኣድህቦ ከሊኣ ክትርብሾ ስለ ዝጀመረት፡ ነቶም ደቀመዛምርቱ ጸዊዑ፡ “ድሕሪ ሕጂ ኣስተንትኖ ቅድሚ ምጅማረይ ነዛ ዕዋል ኣብዛ ገረብ እሰሩዋ፡” በሎም። እዚ ተግባር’ዚ ቀጺሉ ድማ ልምዲ ናይቲ ገዳም ኰነ፣ ኣስተንትኖ ኣብ ዝተጀመረሉ እታ ድሙ ተኣሲራ ትርአ ነበረት።

ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ወዮ ፈላሲ ዓረፈ። ሓደ ፍቱው ወደመዛምርቱ ድማ ንዕማሙ ተክኦ። ንሱ’ውን ቅድሚ ኣስተንትኖ ድሙ ክትእሰር ዝነበረ ልምዲ ቀጸሎ።

ድሕሪ ግዜ፡ እታ ብዅላቶም ዝተፈትወት ድሙ ድንገት ሞተት። እቶም ፈለስቲ ብምማታ ሓዘኑ፣ ካብኡ ሓሊፎም’ውን ሓረቑ። ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ኣስተንትኖ ምጅማሮም እትእሰር ካልእ ድሙ ኣይነበረቶምን።

እቲ ልምዲ ክቋረጽ ዝደለየ ኣይነበረን’ሞ፡ ተኣኪቦም መኸሩ። መወዳእታኡ ካልእ ድሙ ክትመጽእ ተሰማምዑ። ካልእ ድሙ ተደልያ ድሕሪ ምምጽኣ ድማ ዝነበረ ልምዲ ቀጸለ።

ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ፡ ብዙሓት ፈለስቲ መጺኦም ሓለፉ፣ ኣስተንትኖ ንምጅማር ድሙ ኣብ ገረብ ምእሳር ከየባተኸ ቀጸለ።

ዝኽሪ መስተፋቕር፣ ካብ ከብሒ ቍልዕነት

መሸም ብዙሕ ሰብ ነናቱ ዝኽሪ ቍልዕነት ኣሎዎ። ድሕሪት ግልጽ እንክብል ከኣ ከም ሰበይ ቅጅል ዝብለኒ ፍጻመ ኣሎኒ፣ ዘስሕቐኒ፡ ዘተክዘኒ፡ ዘናፍቐኒ፡ ዘገርመኒ። እዛ ሕጂ ዝዝክራ ዘለኹ ሓንቲ ካብኣተን እያ።

ቅድሚ’ዚኣ፡ ገና ትምህርቲ ከይጀመርና፡ ኣብ ገዛውትና ኴንና ብርሑቕ እነማዕዱዎ ጐቦ ነበረ’ሞ፡ ቀስተ-ደመና ዝተሰለመ ሰማይ ተጐዝጒዙዎ ስለ ዝርኣና፡ “ሰማይ ክንትንክፍ” ተበሃሂልና ሓቢርና ነቐልና። ኣዚና ህንጡያት ድማ ነበርና። እቲ ጐቦ ከምቲ ዝመሰለና ኣይጸንሐን፣ እናክንቀርቦ እናረሓቐና ብዙሕ ሳዕ ክንምለስ ተማታእና። መወዳእታኡስ ነቲ ጐቦ ሓዀርናዮ ደኣ፣ ሰማይ ግን ኣይጸንሓናን።  

ትምህርቲ ምስ ጀመርኩ ኣብ ወከፍ ዝነበርኩዎ ክፍሊ፡ ካብ ሓድሕድ ኣብሊጽና እንቀራረብ ማንዛ ነበረትኒ። እቲ ስምዒት’ቲ እንታይ ምዃኑ ኣይርድኣንን። ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ሶፍያ ዝስማ ከም ኣዕሩኽ ንፋለጥ ነበርና። ንጠማመት፣ ካልእ ሕልፊ ግን ኣይነበረን። ምስ ተፈደስና፡ ኣነ ኵዕሶ ክሳዕ ዝጻወት ቦርሳይ ሒዛትለይ ትኸይድ። ገዛኦም ሓደ ኣንጎላ ቅድሚ ገዛና ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ኣፍደገ ኰይና ድማ ትጽበየኒ። እዚ፡ ማንም ቈልዓ ዝረኽቦ ሓለፋ ኣይነበረን። ናብ ሳልሳይ ክፍሊ ምስ ሓለፍና ኣብ በበይኑ ክፍሊ ስለ ዝተመደብና ግን ኣይቀጸለን።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓብደላ ጎናፍር (ኣስላምያ) ኢና እንመሃር ዝነበርና፣ ንእስ ኢላ ምጭውቲ ቤት-ትምህርቲ። ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ናይ ሶፍያ ቦታ ብሳምራዊት ተተክአ፣ ግን ከኣ ብዘይ ንቡር መንገዲ። ካብ ትምህርቲ ምስ ተፈደስና ክሳዕ ድኳኖም (ሓድሽዓዲ) ይጐያ። ንምንታይ ከምኡ ይገብር ከም ዝነበርኩ ኣይፈልጥን። ንሳ’ውን ንኣሕዋታ ኣየሰምዓትለይን። ቈልዓ ከለኻ ነቲ ዝስምዓካ ብኸመይ ከም እትገልጾ ካብ ዘይምፍላጥ ዝሰዓበ እዩ ዝኸውን።

በቲ ግዜ’ቲ፡ 1988/9፡ ባህሊ ኣፈቓቕራ መንእሰያት ከምዚ ናይ ሎሚ ኣይነበረን። ንደቂ ገዛውትና ዝፈተውወን ወይ’ውን ኣዕሩኽተን ኣወዳት ክረኽቡወን ናብ ገዛውትና እዮም ዝመጽኡ ዝነበሩ። ገለኦም’ውን ዳርጋ ደቂ ገዛውትኻ ይቕየሩ። ንብዙሓት ድማ ደብዳበ የብጽሓሎምን እገለ ትጽውዓኪ ኣላ ኢለ የውጽኣሎም ነበርኩ። ዓርኪ ዓበይቲ ክኸውን ድማ በቓዕኩ፣ ገለኦም ቀቝሩብ የዕልሉኒ ነበሩ። ብኦም ኰነ ብኣታተን ኣቓልቦ ይረክብ ስለ ዝነበርኩ ድማ ተፈትዩኒ ነበረ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ትምህርቲ የረድኡንን ንሲነማይ ይህቡኒን ነበሩ።

ሓደ መዓልቲ ሓድሕዶም እና’ዋግዑ፡ ብዛዕባ መስተፋቕር ከዕልሉ ሰማዕኩዎም’ሞ ኣዝዩ ደንጸወኒ። መስተፋቕር ብዘሎዎ ስንኻ መዊጽካ ነታ ዝፈተኻያ ፍሽኽ እንተ ኢልካያ ደድሕረኻ ሰልሰል ትብል – ክፍትኖ ደለኹ። ካብቲ ሰማይ ክንትንክፍ ዝኸድናዮ ጐቦ ዝቐለለ መሰለኒ። ካብቲ ባዕልኻ ክትሰርሖ እትኽእል ዓይነታት መስተፋቕር ዝቐለለት ዝበልኩዋ ድማ ክሰርሓ ሓለንኩ።

ተኽሊ ወይኒ ዝጽልጸለሉ ወቕቲ እዩ ዝነበረ። እታ ካብ ዲጋ ክለውሊዕ ብዝመጽአ ጨንፈር ዘጠጣዕኩዋ ወይኒ ናይ ካንሸሎና፡ ተጸልጺላ ካብቲ ዝተጠናነገ ጨናፍር ነዊሕ ዝቕመቱ መመሺተ ብምእካብ ንግዳም ወጻእኩ። ንቘልዑ ገዛውትና ሓሓደኦም ብምሃብ ድማ መንካዕ ንምህዳን ተዋፈርና። ጸሓይ ዓራርቦ ስለ ዝነበረ እናተሓምበባ ኣብ ሰማያት ገዛውትና ጥንቅላዓሸው እናበላ ይበራ ነበራ። ሓንቲ መንካዕ ምውዳቕ ከም ዘይንስእን ድማ ተተስፍየ ነበርኩ።

ወዮ መንካዓት እናሸዀኻ ክሳዕ እንደክም ገበራና። መዓልታት ወሲኽና ክቐንዓና ኣይከኣለን። እቲ ጻዕርና፡ መንካዕ ኣውዲቕና መልሓሳ ቈሪጽና ንምውሳድ እዩ ዝነበረ። ተስፋ ምስ ቀበጽኩ፡ በቲ ዝተረፈ ነገራት ገይረ ክፍትኖ ወሰንኩ።

እቲ መስተፋቕር ንምስራሑ ኰነ ኣብታ ጓል ዝትግበረሉ መስርሓት ነበሮ። ዕንጕለ፡ ድልኽ በርበረን መልሓስ መንካዕን ሓዋዊስካ ኣባኮቦራ (ዝንከባለል ደሮና) ሸፊኑ ከም ዝሓልፎ ትገብር። ኣባኮቦራ መናብርቲ መንደፈራ ስለ ዝነበረ ንምርካቡ ኣየጸገመን።

ሰኑይ ካብ ተረኛታት ኮስተርቲ ክፍልና ስለ ዝነበርኩ ኣንጊሀ ከድኩ፣ መስተፋቕር ድማ ኣብ ጎማ ተጠቕሊላ ኣብ ቦርሳይ ነበረት። ምስ ዓርከይ ኤፍረም ገዛኢ ድማ ብኸመይ እቲ መስተፋቕር ንሳምራዊት ከም እንገብረላ ተላዘብና። ዕረፍቲ ክሳዕ ዝኣክል ድማ ምስ ምሉእ ቀልብና ኣይነበርናን።

ነቲ መስተፋቕር ኣብ ልዕሊ ሽንቲ-ማያ ኣንቢረ ክረግጾ ኣሎኒ – ሽዑ ድማ እያ ደድሕረይ ክትሰልል። ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ እቲ ቤት-ትምህርትና ጫፍ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዕረፍቲ ናብ ግዳም ወጺእና ኢና ንሸይን ዝነበርና። ላዕለዋይ ሸነኽ ናይቲ ጐልጐል ናይ ደቀንስትዮ ክኸውን ከሎ፡ ታሕተዋይ ወገን ድማ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ እዩ። ኣነን ኤፍረምን ድማ ሳምራዊትን መሓዙታን ኣብ ምጽንጻን ነበርና። ግናኸ ክሸና ናብ ግዳም ኣይወጽኣን፣ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣይሰለጠን።

ካልኣይ መዓልቲ ካብ ቀጽሪ ቤት-ትምህርቲ ምስ ወጽኣ ምስ ኤፍረም ናይ ታሕጓስ ተጠማመትና። ኣብታ ኣወዳት ክንበጽሓ እንኽእል ደረት ደው ኢልና፡ ኣበይ ኮፍ ከም ዝብላ ኣማዕደናየን። ኣባይቲ ንኽስራሕ ንመሰረት ዝተራገፈ ኵምር-ኵምር ዝበለ ኣእማን ተኸዊለን ኮፍ በላ። ነታ ቦታ ምስ ካልእ ከይነደናግራ ብትዅረት ኣጽናዕናያ።

ቃጭል ተቓጪሉ እተዉ ምስ ተባህለ፡ ኣብ ሓደ ከውሊ ተላሒግና፡ በትሪ ሒዙ ተማሃሮ ዝዅብኵብ ዝነበረ መምህር ክሳዕ ዝኣቱ ጸናሕና። ብዅትር ህንጡይነት ነፊርና ኣብታ ቦታ ተረኸብና። ጸሃይነሽ በዚ ነይራ፡ ሳምራዊት በዚኣ ነይራ እናበልና ድሕሪ ምዝርራብ፡ መስተፋቕረይ ካብ ጁባይ ኣውጺአ ኣብቲ ዝጠለለ መሬት ኣንቢረ ብኽልተኡ ኣእጋረይ እና’በራረኹ ሓማተልኩዋ። ኣብቲ ከባቢ ጥር ዝብል ተመሃራይ ኣይነበረን፣ እናጐየና ኣብ ልዳት ቤት-ትምህርትና በጻሕና። ብውሽጢ ዝነበረ መምህር ብዝሑ ዘይዝክሮ ኣብ ከብዲ ኢድና ሃሪሙ ክንኣቱ ፈቐደልና።

እታ ክፍልና ብሰለስተ መስመር መናብር ዝተሰርዐት እያ። ወከፍ መንበር ድማ ሰሰለስተ ተማሃሮ ትሕዝ። ኣነን ኤፍረምን ብጸጋማይ ጫፍ፡ ብዓል ሳምራዊት ድማ ብየማናይ ጫፍ ኮፍ ይብላ። ለውጢ እንተ’ልዩ እናሻዕ ንጥምተን ነበርና። ሕቱኽቱኽ እናበልና ብዓብይ ህንጡይነት ንምፍዳስ ተጸበና። ሽዑ መዓልቲ ኣይጐየኹዋን፣ ውጽኢት ናባይ ከጕይያ ዝኽእል ንምርኣይ እየ ተሃዊኸ ዝነበርኩ።

ዝተለወጠ ኣይነበረን። ሓሊፈ ጸኒሐ ፊተ-ፊታ እናጠመትኩ እንተ ሓለፍኩዋ ወይከ። ንጽባሒቱ፡ ንሳልስቱ. . . ኵነታት ከም ቀደሙ። ኣብቲ ቅንያት፡ ተላኢኸ ብዕዳጋ እኽሊ እናሓለፍኩ ንኤፍረም ናብ ድኳኖም ኣላገስኩዎ። ኣብቲ ዕዳጋ እኽሊ ዝመታ መንካዕ ዝርከባ እንተ ኰይነን ሓተትኩዎ። ኣቦኡ ክፋል ኣካሉ ለሚሱ ኣብ ውሽጢ ድኳን ነበረ። ናብቲ ዕዳጋ ከይድና ሃሰው በልና። ኤፍረም ንሓደ ዝፈልጦ ምስ ሓተቶ፣ “መንካዕ ፈጺመን ክተሓዛ ኣይክእላን እየን፡” ኢሉ ተስፋ ኣቝረጸና። ስኣን መልሓስ መንካዕ ምርካብ መስተፋቕርና ከም ዘይሰርሐ ድማ ተሰምዓና።

ኣብቲ ቅንያት፡ ኤፍረም ካልእ ሓሳብ ኣምጽአ፡ “ኣብ ናይ ካልእ ጓል ሽንቲ-ማይ ረጊጽካዮ ከይትኸውን፧” ዘሰንብድን ህንጡይነት ዝፈጥርን ሕቶ እዩ። ካብተን ምሳኣ ዝነበራ ብፍሉይ ትጥምተኒ እንተ’ልያ ፈተሽና፣ ዝተለወጠ ኣይነበረን።

ኣይሰመረልናን፣ ሳምራዊት ደድሕረይ ሰልሰል ዘይምባላ ጥራሕ ኣይኰነን ዘይሰመረ። እቲ፡ ስውር-ሓይሊ እናሰርሐ ክንርኢ ዝነበረና ዕንዱር ናይ ቍልዕነት ህንጡይነት እውን’ዩ ዘይሰመረ።

***

1991 ወይ 1992፣ ደው ዝበለ ኣነ፡ ኮፍ ዝበለ ኤፍረም ገዛኢ

(ነዚ ግርህና ናይ ቍልዕነትና ኣልዒልና ምስ ኤፍረም እንተ ነዕልል፡ ዝረሳዕኩዎ ዝርዝራት ምወሰኸ፣ ምሰሓቕናን ምናፈቕናን። ድሕሪ ግዜ፡ ኣነ ናብ ኣስመራ ግዒዘ፡ ንሱ እዋን ኣርኪቡሉ ኣብ ሰራዊት ብዙሕ ዓመታት ኣቝጺሩ፣ ካብ ምርእኣይ ዝሓልፍ ግዜ ኣይረኸብናን። ናብ ሱዳን ከም ዝሰገረን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቱ ከም ዝሰኣነን ዝሰማዕኩሉ ድማ ብቕደም-ሰዓብ ነበረ።)

ዩሪካ፣ “ዓሌተይን ሃገረይን” ረኺበ

  1. ቈልዓ ከለኹ ቀዳም-ቀዳም ናብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ንምስታፍ ናብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ግዮርግስ ኣብ ዝኸድኩሉ፡ ብዙሓት ቈልዑ ብኣግርሞት ይጥምቱኒ ነበሩ። ሓደ ብጐድነይ ዝነበረ፡ “ንምንታይ ደኣ ናብዚ መጺእካ፧” ክብል ሓተተኒ።

“ጸሎት ክመሃር፧”

“ኣስላማይዶ ኣይኰንካን፧”

እዛ “ኣስላማይ ትመስል” ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ትደጋገመኒ ነበረት – ክሳዕ ዝጕብዝ።

2. ግዜ ሮሞዳን እዩ ነይሩ፣ ሓደ ሰራሒ ፊልም፡ ዝወድኣ ፊልም ከርእየኒ ኣብ ዝተቛጸርናሉ ሆቴል ንያላ ኣቐዲመ በጺሐ፡ መጽሓፍ እና’ንበብኩ ይጽበዮ ነበርኩ። ዓመተ ምሕረቱ ኣይዝክሮን – ሶማላውያን ኣብ ኣስመራ ዋዕላ ዝገብሩሉ ዝነበሩ ግዜ እዩ። ልዕሊ 20 ደቒቕ ገይረ እትሰምዓኒ ኣሳሳይት ኣይረኸብኩን። ወዮ ሰራሒ ፊልም ምስ መጽአ ግን ናባና መጺኣ፡ “እንታይ ክሰምዓካ፧” በለቶ’ሞ፡ ማክያቶ ኣዘዛ። ናባይ ግልጽ ኢሉ ድማ፡ “እንታይ ደኣ ኣይትእዝዝን ዲኻ፧” ኣስዓበ።

“እውይ ኤርትራዊ ዲኻ፧ ሶማላዊ መሲሉኒ’ምበር ክርእየካ እኮ ጸኒሐ እየ፡” በለትኒ ስንብድ ኢላ። (ጾም ስለ ዝነበረ እያ ዘይመጽአት)

3. ሓደ መዓልቲ ኣብ ባር ድያና ናብ ዝነበሩ ኣዕሩኽተይ ከድኩ። ኣብቲ በሪኽ ወንበር ተዀዪጦም እዮም ሓደ-ሓደ ዝብሉ ዝነበሩ። ብውሽጢ (ካውንተር) ዝነበረት ኣሳሳይት ሰብ በዚሑዋ ላዕልን ታሕትን ክትብል ጸኒሓ፡ “እንታይ ከምጽኣሉ፧” በለቶም። ንሶም ናባይ ጠመቱ፡ “ጅን ሃብኒ፡” በልኩዋ።

“ትግርኛ ትኽእል ዲኻ፧” ሓቢርና ሰሓቕና፣ “ሱዳናዊ ዲኻ፧” ኣስዓበት። ገና ትግርኛ ዝኽእል ሱዳናዊ ምዃነይ ጥራሕ እያ ትሓስብ ዝነበረት። ኣብ ኣስመራ ነዚ ዝመስል ካልእ ተመሳሳሊ ተጓንፎታት’ውን ነበረ።

4. ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሕለፍኩሉ፡ ገለ ክገዝእ ናብ ድኳናት ኣብ ዝኣትወሉ፡ ኣብ ዝበዝሕ ብእንግሊዝኛ ክዛረቡኒ ይቃለሱ ነበሩ። ኣብ ኣእምሮኦም ሓደ’ኳ ጥርጣረ ስለ ዘየሕድሩ፡ ዋላ’ኳ ብኣምሓርኛ እንተ መለስኩሎም ብእንግሊዝኛ ደኣ ይቕጽሉ። እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ተጓንፎ ካብ ከርና ምብዝሑ ይገርመኒ ነበረ። “ሓበሻ ኣይመስልን ድየ፧” ኢለ ድማ ንገለኦም ሓተትኩዎም – ኣዘውቲረዮ ዘይፈልጥ “ሓበሻ” ዝብል ቃል ካብ ኣፈይ ምውጻኡ እናሓደሰኒ። ደቂ ሸገር ኣብ ዘረባ ጭዋታት ስለ ዝዀኑ፡ ንሕቶይ ብጥንቃቐ ይሰግሩዎ ነበሩ። ክገዝእ ግዜ ምስ ወሰድኩ፡ ንገለኦም ዳግማይ ኣብ ዝሓተትኩዎም፡ ‘ኣፍሪቃዊ’ ከም ዝመስል ሓበሩኒ። ኣብ ቀራን ክፋል ናይዛ ኣህጉር ካብ ዝቕመጡ ህዝብታት፡ ‘ኣፍሪቃ’ ክብሉ እንከለዉ፡ እንታይ ማለቶም ምዃኑ ስለ ዝርድኣኒ ሕቶ ኣየስዓብኩን።

5. ናብ ካምፓላ – ኡጓንዳ ኣብ ዝኣተኹሉ ድሕሪ ውሑዳት መዓልታት፡ ቡን ክሰቲ ናብ ሓንቲ ምልክታኣ ብትግርኛ ዝተጻሕፈ እንዳ ቡን ኣተኹ። ብዓልቲ ቡን እንታይ ከም ዝደሊ ብእንግሊዝኛ ሓተተትኒ፣ ብእንግሊዝኛ መለስኩላን ዕላል ቀጸልናን። ብዘይካ ኣብ ምህሮ ምስ ደቂ ዓደይ ብእንግሊዝኛ ተዛሪበ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣዝዩ ስግንጢር ኰይኑኒ ተሸገርኩ’ሞ፡ ብልሳነይ ቀጸልኩላ – ሰንቢዳ ዓይና ፈጠጠት።

6. እንካረዮ ገዛ ረኺብና፡ ኣቝሑ ክገዝእ በይነይ ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝኸድኩሉ ኣጋጣሚታት፡ ኡጓንዳውያን ብቛንቋኦም ይዛረቡኒ። ብእንግሊዝኛ ምስ ቀጸልኩሎም ንእለቱ ይቕይሩ። ኣብቲ ሕመረት ዕዳጋ ካምፓላ፡ “ታውን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ፡ ኣዊኖ፡ ናካሴሮ፡ ሕትመት ዝርከቦ ናሳሮድ (ናሳር ሮድ) ወዘተ. ፖሊስ፡ ኤርትራውያን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ንዝገመቱዎም ወረቐት ክሓቱዎምን ብላዕ ክሓቱዎምን እንከለዉ፡ ዝዀነ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ከይሃለወኒ ከም ድላየይ ተመላለስኩ።

ሓደ መዓልቲ ብቦዳ-ቦዳ ናብ ርሑቕ እናኸድኩ፡ እቲ ዘዋሪ፡ “ካብ ምንታይ ዓዲ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ።

“ካብ ምንታይ ይመስለካ፧ ገምት፧” በልኩዎ።

“ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ፧”

“ኡጓንዳዊ ኣይመስልን ድየ፣ ከመይ ገይርካ ከምኡ ኢልካ፧”

“ብእንግሊዝኛኻ እየ’ምበር ኡጓንዳዊ ትመስል ኢኻ – ካብ ዓሌት ምኛንኮለ፡” በለኒ።

ካልእ መዓልቲ’ውን ሓንቲ ሰበይቲ ተመሳሳሊ ሕቶ ምስ ሓተተትኒ፡ “ኣብ ካልእ ሃገር ዝዓበኹ ኡጓንዳዊ እየ፡” ኢለ፡ ዓሌተይ ክትግምት ምስ ሓተትኩዋ፡ “ምኛንኮለ፡” በለትኒ።

መወዳእታኡስ ዓሌተይን ሃገረይን ረኺበ ኢለ ድማ ሰሓቕኩ።

ካምፓላ፣ 2022

ቋንቋን ስነ-ግጥሚን

እዚ ዓንቀጽ’ዚ፡ “ሒደት ብዛዕባ ስነግጥሚ ትግርኛ” ብዝብል ብ2016 ንተመሃሮ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ዓዲቐይሕ መወከሲ ከገልግል ተባሂሉ ካብ ዝተጻሕፈ (ግን ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ዘይወዓለ) ቀዳማይ ምዕራፉ እዩ። እቲ ቀንዲ ክፋሉ፡ ንስነግጥሚ ትግርኛ ብትሕዝቶ (content) ንምክፍፋሉ ዝተገብረ ፈተነ፡ ምስቲ ዘስዓብኩዎ ብቕርጺ (form) ዝገዛዝዕ መጽናዕቲ ተላፊኑ ብመጽሓፍ ንምሕታሙ ሃቐና ስለ ዘሎኒ ኣብዚ ኣይለጠፍኩዎን።

እዚ ቋንቋን ስነግጥሚን ብዝብል ኣብዚ ተለጢፉ ዘሎ፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ “ህያው ደብሪ” ናይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ዝጸሓፍኩዎ “ስነቕዳዊ ትንተና ኣብ ግጥሚታት ህያው ደብሪ፡” ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ኣብ ስነግጥሚ ግዳሰ ዘሎዎ ሰብ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቀሪቡ ንዘሎ ከንብቦ ይኽእል እዩ።

  1. ቋንቋ
  •            [1]         

ኣብዛ ግጥሚ’ዚኣ ዝያዳ ጐሊሑ ዝርአ ፍሉይ ኣጠቓቕማ ቋንቋ እዩ። ቋንቋ ዝልለየሉ ዝውቱር ጠባይ እኳ እንተ’ለዎ፡ ኣብ ድምጺታትን ቅርጺታትን ከም ኵነታቱ ዝፈላለ ስግንጢርነት’ውን የንጸባርቕ እዩ። ግጥሚ ከኣ ካብ ንቡር ነቒሉ ንባህሪ ስግንጢርነት ቋንቋ ክጥቀምን ኪኖኡ ክሰግርን ይርአ። ብመሰረቱ፡ ቋንቋ ሓደ ዝተሰረተ ስርዓት ክኸውን ከሎ፡ ብዘገምታዊ መስርሕ ናይ ምልዋጥ ባህሪ’ውን ኣለዎ። ግጥሚ ከኣ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ካብ ዝተኣከበ ማዕከን እናተጠቕመ፡ ብዘገምታዊ መስርሕ ኣብ ዝልወጥ ወይ ዝምዕብል ኣበርክቶ ይገብር። ናይ ሎሚ ኣንባቢ ነዛ ግጥሚ (1) ከንብባ እንከሎ፡ ትርጉም ናይ ሓያሎ ቃላት ምፍላጥ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንጽጽሩ ክስኣሎ’ውን ኣለዎ። ማሕጸ፡ ለዀተን ሓብሊን እንታይ እዮም? ከመይከ ይመስሉ? መቐጻዕን ባዲዶን እንታይ እዮም? ከመይ እዮም ዝገብሩ? ወዘተ. ምፍላጥ ስውያ-ንግግሮም ንምርዳእ መገዲ ይኸፍት።

ቋንቋ ኰስኳስ እንተ ዘይተገይሩሉ፡ ክንክን ከም ዝሰኣነ መሬት ትሑት ምህርቲ ይህብ፣ ንብሕጓጐ’ውን ይቃላዕ። ተጠቀምቱ ከኣ ቋንቋኦም ሓደስቲ ኣምራት ምጻር ኣብዩዎም ይጽገሙ። ግጥሚ ሓደ ምንጪ ንተሓድሶን ጽገናን ቋንቋ ኰይኑ፡ ዝሓለፉ ገጠምቲ ውርሻ ክገድፉ ከለዉ፡ ስዓብቲ ከኣ ንህልው ኣተሓሳስባኦም፡ ስምዒቶምን ናብራኦምን ምግላጽ ምእንቲ ከኽእሎም ንቕድሚት ይደፍኡዎ።

  1. ቋንቋን ሓሳባትን

ግጥሚ ብቛንቋ ይግለጽ። እቲ ቋንቋ ሓሳባት ክስከም ወይ’ውን ሓሳባት ከመንጩ ይኽእል። እቲ ልሙድ ኣተሓሳስባ፡ “ሰባት ይሓስቡ፣ ንሓሳባቶም ከኣ ናብ ቃላት የእትዉዎም፡” ዝብል እዩ። ቋንቋ መሳርሒ ወይ መትሓዚ ሓሳባት ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ። ንኣብነት ኣብዛ ግጥሚ (1)፡ መንቀሊ ሓሳብ ገጣሚ ነቲ ዝሞተ ሰብ ጅግና ምንባሩ ንምግላጽ እዩ። ጅግንነት መዋቲ ንምግላጽ ከኣ ቋንቋ ክጥቀም ግዲ እዩ።

ኣብዛ ግጥሚ፡ ብኽልተ መስመራት ምከና ምስ ገለጸ፡ ጅግንነት መዋቲ ንምስኣል ሓደ ተምሳሌት ይጥቀም፣ ዓቢ እምባ ኢኻ ዘይትደሃል ይብል’ሞ፡ እቲ እምባ ዝብል ቃል ነቲ ጅግና ዝውሕዶ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖ፡ ዓቢ እምባስ ብሓብሊ እኳ ይውጻእ ብምባል ዝደፍሮ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ የፍርሶ። ዝሓሸ ዝበሎ ካልእ መግለጺ ይቕጽል፣ ንሱ’ውን ነቲ ጅግና ኣመና ይንእሶ። እናሃነጸ፡ እናኣፍረሰን እንደገና እናሃነጸን ንግጥሙ ይሰርዕ። ነቲ ኣብ ሓሳቡ ዘሎ ምስሊ ጅግና ኣብ ቃላት ከቐምጦ እንከሎ፡ እቲ ቃል ከም ዝነኣሶ እናኣምሰለ ክቐብእ ክኢሉ እዩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ሓይሊ ቃላት ንገጣሚ ክመርሖ ኣይከኣለን ክብሃል ኣይከኣልን። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እቶም ቃላት መሪሖም ግጥሚ ብምፍጣር ንገጠምቲ ኣግርሞት ይፈጥሩሎም እዮም። እቲ ንቛንቋ መሰረት ክልሰ-ሓሳቡ ዝገበረ ስትራክቸራሊዝም “ቋንቋ እዩ ንኽውንነት ዝፈጥር፡” ስለ ዝዀነ ከኣ፣ “ቋንቋ ነጸብራቕ ወይ ሰናዲ ናይ ዓለም ኣይኰነን። እኳ ደኣ ቋንቋ እዩ ንዓለም ቅርጺ ዘትሕዛ፣ ብኸመይ ንርኢ እዩ እንታይ ንርኢ፡”[2] ይብል። ግጥሚ ምስ ሓሳባትን ቋንቋን ዓብይ ዝምድና ኣለዎ። ዓበይቲ ገጠምቲ ከኣ ኣብ ክልተኡ መዳይን ዝምድናኡን ንነብሶም ኣእትዮም ክጸርቡዋን ክቐርጹዋን ይርኣዩ። ዘግጥሞም ድፍኢት ዓብይ፡ ዝጥቀምሉ ቋንቋ ከኣ ምርኡይ እዩ።

  1. ቃላት

ግጥሚ ብቓላት ይህነጽ። እቶም ቃላት ብግቡእ ዝተመርጹን ብጥበብ ዝተሰርዑን ክሳብ ዘይኰኑ ግን እቲ ሓሳብ ክሳብ ዝዓበየ ይዕበ ጽቡቕ ግጥሚ ክሃንጽ ኣይክእልን። ሓደ ቃል፡ ፊደል፡ ቅርጺ-ቓልን ድምጺ-ቓልን ኣለዎ። ምስ ካልእ ቃል ተዛሚዱ ሓደ መስመር ግጥሚ ከቝውም ከሎ ከኣ መስርዕ-ቃል፡ ረምታታት፡ ድምጺታት፡ ቃናታት ወዘተ. ፈጢሩ ብመገዲ ሓድሕድ ዝምድናታቱ ጣዕሚን ትርጉምን ይህብ።

ሓደ ቃል ኣብ መስመር ግጥሚ ምስ ተቐመጠ፡ ኣጠቓቕማኡ ቀጥታዊ ትርጉም ዝህበሉ ኵነት ኣሎ። ሓፈሻዊ ኣሰዃዅዓኡ ብምግንዛብ ትርጉም ዝወጽኣሉ መገዲ’ውን ኣሎ፣ ትርጉም ቃል ንምርዳእ ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ ምርዳእ የድሊ ማለት’ዩ። ገለ ካብኣቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

  • ቀጥታዊ መግለጺ ቃል፣

ኣብነት፣

ማሕጸ፣ ንመፈለጺ ዘገልግል ዓይነት ፋስ

ለዀተ፣ ንምስሓል መላጸ ዝዝውተር ቍራጽ ምራን ወይ እምኒ

ዘኽቲ፣ ሕጂ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብዚ ህሞት

  • መግለጺ ቃል ብኣብነት፣

መቐጻዕ፣ መርዚ ዘሎዎ ዓይነት ተኽሊ [ንኣብነት] ካብቲ ተኽሊ ዝርከብ ንኣራዊት ተባሂሉ ዝጽመቝ መርዚ

  • መግለጺ ቃል ብዝርዝራዊ ወይ ስእላዊ፣

ሓብሊ፣ ካብ ጽሕጎ ዒቃ ወይ ልሕጺ ዕጸዋት ተተኒጉ እተዳለወ ኣዝዩ ረጕድ ገመድ፡ ኣብ ኣጻድፍ ወይ ጎቦታት ዚርከብ ብሕቱው ገዳማት ንምድያብ ዘገልግል

  • መግለጺ ቃል ብንጽጽር ወይ ፍልልይ፣

ኣብዛ ግጥሚ (1) ንሓደ ቃል ዝገልጽ ንጽጽር እኳ እንተ ዘየለ፡ መጠን ጅግንነት ንምግላጽ፡ በሊሕ ልቢ ከም ዓረብ መላጸ/ …ብሕቘኦም ትሕዞም ከም መቐጻዕ/ ግንባሮም ትነድፎም ከም ባዲዶ… ዝብል ንጽጽር ተዘውቲሩ ኣሎ።

  • መግለጺ ቃል ብተጻራርነት፣

መልቀስ፣ ዘይከም ማሰ (ኣብ መርዓ፡ ወፈራ ክኢላታት ዘስምዕዎ ናይ ናእዳ ወይ ወቐሳ ግጥሚ) ብምኽንያት ሞት ኣብ ሓዘን ዝቐርብ ያታዊ ግጥሚ እዩ።

  • መግለጺ ቃል ብመበቈል፣

ሰማዕት/ሰማእት፣ ግእዝ – ምእንቲ ዕላማኡ ወይ ሃይማኖቱ እተሰውአ

  1. ቀጸላታት ትርጉም ቃላት

ቃላት ዝተፈላለየ ቀጸላታት ትርጉም ኣለዎም። ሳይነሰኛታት ንቛንቋ ዕለታዊ ህይወት ሓዲጎም ብዘይ ማለተይ-ማለትካ ከረዳድኦም ዝኽእል ቅማረታትን ቍጽሪታትን ይጥቀሙ። ቃላት ንሓያሎ ትርጓመታት ዝተቓልዑ ብምዃኖም፡ ካብ ቃላት ንኽርሕቁ ይጽዕሩ። ገጠምቲ ግን ብኣንጻሩ ንፈጠራኦም፡ ርድኢቶም፡ ስምዒቶም፡ ደስታኦምን ቃንዛኦምን ዝጸሩሎም ቃላትን ዝምድናኦምን ንምእላሽ፡ ኵሉ ሳዕ ምስ ቃላትን ቀጸላታት ትርጕሞምን ይቃነዩ።

ሓደ ቃል እንተ ወሓደ ሓደ ዘመልክቶ ትርጉም ኣለዎ። እዚ ከኣ ናይ መዝገበ-ቓላት ወይ ናይ-ጽፍሒ-ትርጕም ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። ናይ-ጽፍሒ-ትርጉም ሓደ ቃል ካብቲ ካልእ ዝነጸረ ከምኡ’ውን ዝተፈልየ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ ብምርዳእ ንጹር ትርጉም እቲ ቃል ምፍላጥ ይከኣል። ንኣብነት፡ ከተተ ዝብል ግሲ ከከም ኵነታቱ ዝፈላለ ብዙሕ ናይ-ጽፍሒ-ትርጉም ኣለዎ፤

1) ብምሉኡ፡ ብዅሉ ተላዕለ፡ ተንቀሳቐሰ፡ መጸ፡ ከደ ወዘተ. (ንስራሕ፡ ሓደ ዕማም ንምፍጻም፡ ኣብ ሓደ ነገር ንምስታፍ)

2) ወድአ፣ ፈጸመ፣ ዛዘመ (ንእቶት ምህርቲ፡ ንዕዳ፡ ንዕማም ወዘተ.)

3) ናብ ውሽጢ ሓደ ነገር ኣእተወ፣ ደርገመ፣ ሰዅዐ፣ መለሰ።

ገለኡ ቃላት ተወሰኽቲ ቃናታትን ኣመታትን ስለ ዘሎዎ፡ በቲ ናይ መዝገበ-ቓላት ትርጕሙ ጥራይ ምርዳኡ ኣጸጋሚ እዩ። ንኣብነት፡ ማዕተብ ዝብል ስም በቲ ናይ-ጽፍሒ-ትርጕሙ፤ 1) ተኸተልቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንምልክት እምነት ኣብ ክሳዶም ዚኣስርዎ ፈትሊ 2) ንጐባጕብ፡ ንኣስተሊኒ ወዘተ መትሓዚ … ዝብል እዩ። ምስ ካልእ ቃላት እናተዛመደ ግን ክፈርድ፡ ክውድስን ክወቅስን ይርአ፤

1) ማዕተቡ በተኸ ጠለመ፡ ከሓደ… ሃይማኖቱ ጠለመ

2) ማዕተቡ ኣጥፍአ፣ ከሓደ፡ ሓሽለዀ

3)ማዕተብ ኣሰረ ሓቂ ሓዘ

4) ማዕተብ ዘይብሉ ካሕዳይ

5) ንማዕተቡ መስከረ ሓቂ መስከረ እናበለ እቲ ዘመልክቶ ይቕጽል። በቲ ናይ-ጽፍሒ-ትርጕሙ ማዕተቡ ኣጥፍአ ክንበብ እንከሎ፡ ማዕተብ ጠፊኡዎ፡ ወዲቑዎ ወዘተ. ከስምዕ ይኽእል እዩ። እቲ ውስጠ-ትርጕሙ ግን ካልእ እዩ ዘመልክት። ኣንባቢ ነቲ ውስጠ-ትርጉም ክፈልጦ እንተ ዘይክኢሉ ዝምድና ቃላት ይደናገሮ’ሞ፡ ካብ ምርዳኡ ይርሕቕ። ካልእ ኣብነት፡ ዘመናዊ መዝገበ-ቓላት ትግርኛ (ብተክአ ተስፋይ እተሰናደወ)፡ ንቐጥታዊ ትርጉም ልቢ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጻ፣ “ብምጭባጥን ብምዝርጋሕን ኣብ ውሽጢ ኣካላት ደም ከም ዚዘውር እትገብር፡ ኣብ ገረንገራውያን (ዓጻማት) እንስሳታት እትርከብ፡ ውሽጣ ጓንጓ ጭዋዳዊት ኣካል።” ምስ ካልእ ቃል እናተዋሰበት እትህቦ ዝተፈላለየ ትርጕማት’ውን ብውሑድ ተዘርዚሩ ኣሎ። ብሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ እተዳለወት ሐረጋት ትግርይና ከኣ ልቢ ዝብል ስም ምስ ካልኦት ቃላት እናተጸምበረት ኣብ ትግርኛ እትህቦ ኣስታት ተስዓ ውስጠ-ትርጕማት መዝጊባ ኣላ። ውጽኢት ስነ-ጽሑፍ ኣብ ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ወሰን ኢልካ እንተ ዝፍተሹ፡ እዚ ቍጽሪ’ዚ ክዛይድ ይኽእል እዩ። ብኸምዚ መገዲ’ዩ ከኣ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ምድንፋዕ ቋንቋ ኣበርክቶ ዝገብር።

ውስጠ-ትርጉም ናይ ሓደ ቃል ንጽማረ ሓሳባትን ስምዒታትን ቃል ብዕምቈት ይገልጽ። እቲ ዘመልክቶ ትርጓመታት’ውን እወታዊ፡ ማእከላይ ከምኡ’ውን ኣሉታዊ ቃና ክህሉዎ ይኽእል። ንኣብነት፡ ዕባራ ንዝብል ማእከላይ ቃል፤ ቀጢን እወታዊ፡ ማሕቋቝ ከኣ ኣሉታዊ ውስጠ-ትርጉም ኣለዎ። ቀጢን፡ ዕባራ፡ ማሕቋቝ ዝብሉ ቃላት መጠኑ ዝፈላለ ትርጕማት ኣለዎም።

ንዝጸሓፎምን ዘንበቦምን ሓደ ትርጉም ዝህቡ ከም ኣስማት ሰባትን ቦታታትን ዝኣመሰሉ ፍጹም ንጹር ቃላት ከኣ ኣለዉ። ኣብነት፣ ሕነሽም፡ ንጉሰ እልፉ፡ ደብረ ቢዘን፡ ሩባ ጋሽ ወዘተ.።

ገለጽቲን ደረጃ ፍልልይ ዘለዎምን ብተዛማድነት ዝግለጹ ቃላት ከኣ ኣለዉ። ንኣብነት ዝነውሐ ዝብል ቃል ብተዛማዲ ደኣ’ምበር ነዊሕ ዘብሎ ሕዱር ዓቐን የብሉን። ዝተፈላለዩ ሕብርታት ንኣብነት፡ ቀይሕ፡ ብጫ ወዘተ. ዝተፈላለየ ደረጃታት ምቕያሕ፡ ምብጫው ኣለዎም፣ ትርጉም ዝረኽቡ ከኣ ብተዛማድነት እዮም።

ሓያሎ ቃላት ንዝዀነ ንጹር ነገር ዘየመልክቱ ኣለዉ። ውሱን ትርጉም ዝህሉዎም፡ ተጠቀምቱ ብዘማዕብሉዎ ወግዒ ወይ ስምምዕ እዩ። ንኣብነት፡ ስነ-ግጥሚ፡ ሳይንስ፡ ስነ-መለኮት፡ ባህሊ ወዘተ. ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ትርጉም ክህቡዎም ይኽእሉ።   

እዚ ዝተፈላለየ ቀጸላታት ትርጉም ቃላት፡ ግጥሚ ንምህናጽ ይዝውተር እዩ። ኣበይ ኵነት እንታይ እንተ ተጠቐምካ ብሉጽ ውጽኢት ይህብ ምፍላጥ ግን የድሊ።

  1. መስርዕ ቃላት

ቃላት ኰኑ ሓረጋት ኣብ መስመራት ግጥሚ ኣብ ዝስኵዑሉ እዋን፡ ንጹር ሓሳባት ንምትሕልላፍን ፍሉይ መቐረት ንምፍጣርን ወሰንቲ እዮም። ብሓፈሻዊ ኣጠማምታ፡ ንመስርዕ ቃላት ብዓብይኡ ዝጸሉ ሰዋስው እዩ፣ ንቛንቋ ደረት ዝሕንጽጸሉን መልክዕን ቅጥዒን ዘትሕዞን ስለ ዝዀነ። ሰዋስው፡ ኣብ ግጥሚ ዓብሊሉ ዝቐርብን መሰረትን ይዅን’ምበር ፍሉይ ስምዒት፡ ጽባቐን ጣዕሚን ንምፍጣር ካብ ልሙድ ስርዓት ወጺኡ ክቐርብ ይርአ እዩ።

ትግርኛ ሓደ ካብ’ቶም በዓል-ቤት፡ ተሰሓቢን ግሲን ብዝበሃሉ ክፍሊታት ምሉእ-ሓሳብ ዝስርዑ ቋንቋታት እዩ።

  •          ጉራዴኻ ስጋ ሰብ ቀለባ [3]

      በዓል-ቤት  ተሰሓቢ   ግሲ

ግጥሚታት ትግርኛ ግን ነዚ መስርዕ’ዚ (2) ጥራይ ተኸቲሎም ኣይርኣዩን። መለሳ ድምጺታት ንምፍጣርን ዋሕዚ ብምቝራጽ ኣቓልቦ ንምርካብን ብዝተፈልየ ኣሰዃዅዓ ክእለሙ ግጥማዊ ፍቓድ ኣለዎም።

ቍርጽ ትበል እዛ ዓለም ብላሽ [4]

እዚ ነግሒ’ዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ናይ ሰዋስው ሕጊ ክጸሓፍ ዝነበሮ እዩ፤ “እዛ ብላሽ ዓለም ቍርጽ ትበል።” ኣዛማዲ ክንዲ-ስም እዛ ቅድሚት መጺኡ፡ ብላሽ ቅጽል ስለ ዝዀነ ቅድሚ ስም ዓለም ተቐሚጡ፡ ድርብ-ግሲታት ቍርጽ ትበል ከኣ ብድሕሪት ክስዕብ ምተገብአ። እዚ ነግሒ ግጥማዊ ፍቓድ ስለ ዘለዎ ግን ከም ጌጋ ኣይርአን።

ኣብ ግጥሚ ቃላት ንሓድሕዶም ብቐደም ተኸተል ክቕመጡ እንከለዉ፡ “ክልተ ኣገባባት መስርዕ ቃላት ኣለዉ፣ ምሕራይን ምውሳብን። ምሕራይ ብመዳርግቲ፡ መማስልቲ፡ መጻርርቲ፡ መለሳ-ቃል ወዘተ. ክካየድ እንከሎ፡ ምውሳብ ከኣ ኣብ ጕርብትና ቃላት ተመርኲሱ መስርዕ ቃላት ይሃንጽ።”[5] ኣብ ዕብየት ሩስያዊ ፎርማሊዝም ልዑል ተራ ዝተጻወተ ሮማን ጃኮብሰን ምሕራይን ምውሳብን ኣብ ዝዀነ ግጥሚ ዝርከብ ግድነታዊን ዘይንጸልን ጠባይ ግጥሚ ምዃኑ ይገልጽ። ብኣብነት ከብርህ ከሎ፡ ሰባት ኣብ ዕለታዊ ዝርርብ ሓበሬታ ክለዋወጡ እንከለዉ፡ ቈልዓ ንምባል ናጽላ፡ ህጻን፡ እግሪ-ተኽሊ ካብ ዝብሉ ተዳረግቲ-ቓላት ሓርዮም ክዛረቡ ይኽእሉ። ንኽሓርዩ ተዳራግነት ተጠቒሞም ማለት እዩ። ሓሳብ ንምግላጽ ከኣ፡ ደቂሱ፡ ቀም ኣቢሉ፡ በጥ ኢሉ ካብ ዝብሉ ተዳረግቲ-ቓላት ብምሕራይ ምውሳብ ይፈጥሩ። ኣብ ግጥሚ ግን እዚ መስርሕ’ዚ ክካየድ እንከሎ፡ ሓበሬታ ንምትሕልላፍ ጥራይ ኣይኰነን። ተዳረግቲ-ቓላት ምስራዕ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ መስርዕ ተመጣጣኒ ዓቐን ዋዕታታት[6] ብዘሎዎም ቃላት ክዋሰብ ይግባእ። እቲ መስመር ግጥሚ ብምሉእ ኰነ ብኸፊል ሓደ ወይ ተመሳሳሊ ድምጺታት ብዘሎዎም ተደጋገምቲ ረምታዊ ዓቐንን ኣሰላልማን ይህነጽ።

  •      ኣብ’ ዓይ’ኖም’ ት’ሓድ’ሮም’ ከም’ ሓ’በ’ላ’  (10)

ካብ’ ብር’ኮም’ ት’ሰብ’ሮም’ ከም’ ማ’ሸ’ላ’ [7] (10)

ብውሕዱ፡ እቲ ፍቕዲ ናይ ዋዕታታት ክርአ እንከሎ ማዕረ (10 ዋዕታታት) እዩ። ብተወሳኺ፡ መንቀሊን መዕረፊን ናይ ነፍስወከፍ ዋዕታ ሓደ ዓይነት ደሃይ ኣለዎ። እዚን ካልእን ተመላሊኡ ከኣ ነቲ ነግሒ ይስልሞን ጣዕሚ ድምጺታት ይፈጥረሉን።[8] ረምታ ኣብ ትግርኛ እቶም ዋዕታታት ብዝፈጥሩዎ ዝደጋገም እልመት ግዜ-ድምጺ ዝፍጠር እዩ ዝመስል። ኣብ እንግሊዝኛ ብዝላዓሉን ዝርገጹን ዋዕታታት፣ ኣብ ዓረብኛ ከኣ ብዋዕታታት ኰይኑ፡ ንተደማጺ-ፊደል ብዝስዕቦ ሓጺርን ነዊሕን ኣድማጺ-ፊደል ይፍጠር። ናዕታ ከኣ መሳርሒ ድምጺ ናይ ግጥሚ ኰይኑ፡ ሓደ ነግሒ ክውድእ እንከሎ፡ ምስቲ ዝስዕቦ ነግሒ ንዝፈጥሮ ናይ ድምጺ ቅድወት ዝገልጽ እዩ። ንኣብነት ኣብ (3)፡ ሓበላ ዝብል ቃል ምስ ማሸላ ዝብል ቃል ናዕታኡ ሓልዩ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ገጠምቲ ኣብ ርእሲ ናዕታ፡ ኣብ ውሽጢ ነግሒ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ድምጺ ይጥቀሙ እዮም።

ገጠምቲ ብዘይ ንቡር መገዲ ቃላት ሰሪዖም ነቲ ቋንቋ በጺሑዎ ናብ ዘይፈልጥ ደረጃ ክደፍኡዎ እንከለዉ (እቲ ጋግ ኣዝዩ ገፊሑ፡ ኣንበብቲ ምፍታሕ ክሳብ ዝስእኑዎ ምስ ዝበጽሕ) ብዙሕ ወቐሳ ይወርዶምን ምንጻግ የጓንፎምን። ብሕልፊ እቶም ምእንቲ ጽባቐ ኣገጣጥማ ክብሉ ኣብ ኣሰራርዓ ድምጺታትን መልክዓትን ዝያዳ ብምድሃብ ንሓሳብን ቅጥዒ ቋንቋን ሸለል ዝብሉዎ፡ ኣደዳ ነቐፍቲ ይዀኑ እዮም። እቲ መስርዕ ቃላት ካብ ንቡር ናብ ዘይንቡር ዝቕየረሉ መስርሕ፡ ኣንባቢ ብሓሳቡ ክበጽሖ ብዘኽእል መገዲ እንተ ቐሪቡ ግን ዝያዳ ውጽኢታዊ ይኸውን። ብሕልፊ እቶም ተሰሪዖም ክስኵዑ ልሙዳት ዝዀኑ ቃላት ብዙሓት ምስ ዝዀኑ ኣሰልከይቲ እዮም። ንኣብነት፡ ኵሑል ኣዒንታ፡ መዓንጣ ሰቲ፡ ክሳድ ብርለ ወዘተ. ዝብሉ መስርዕ-ቃላት ወይ ኣበሃህላታት ኣመና ስለ ዝላደዩ፡ ስእላዊ ሓይሎምን ስምዒታዊ ምትእስሳሮምን ኣጥፊኦም እዮም። ሰማዒ ክሰምዖም ወይ ኣንባቢ ከንብቦም እንከሎ ከኣ ንኣእምሮኡ ኣየነቓቕሑዎን። እቶም ተኸታቲሎም ክስርዑ ዘይተለምዱ ቃላት ግን ፍሉይ ስእሊን ሓሳባትን ክፈጥሩ ይኽእሉ።

ገጠምቲ ዝተፈላለየ ምርጫታት ኣለዎም። ግጥማዊ ቋንቋ ካብቲ ዕለታዊ ዝዝውተር ቋንቋ ክንጸል ኣለዎ ዝብሉ፣ ብኣንጻሩ ከኣ ግጥማዊ ቋንቋ ዝብሃል ብምንጻግ፡ በቲ ተራ (አረ እተደርበየ) ቃላት ተጠቒሞም ዝጽሕፉ ኣለዉ። በዚ ኰነ በቲ ግን ካብቲ ኣሰልካዪን ተገማትን ተፈልዮም፡ ንቓላት ኣሐዲሶም፡ ህያውያን ገይሮም ብምቕራብ፡ ሓድሽ ትርጉም ህይወት ክፈጥሩ ድላይ ኵላቶም እዩ።


[1] Carlo Conti Rossini, Proverbi Tradizioni Canzoni Tigrine, 1942, pp.270-71

[2] Peter Barry, Beginning Theory: An Introduction to Literary and Cultural Theory, 1995,  p. 61

[3] Jacques Faitlovitch, Versi abissini (ቅኔ፡ ሓበሻ።), 1911, p. 72

[4] ከማሁ፣ ገጽ 73

[5] David Lodge with Nigel Wood, Modern Criticism and Theory (Harlow, Longman, 1999), p. 37

[6] ኣባ ኣጐስጢኖስ ተድላ (ሰዋስው ትግርኛ፡ 1995) ንዋዕታ፡ “ብሓደ ደሃይ ጥራይ ዝናገር ሓደ ወይ ክልተ ድምጺ ፊደል እዩ፡” ብምባል ይገልጹዎ። ዋዕታ ወይ ድማጾ ኢሎም ዝሰመዩዎ’ውን ንሶም እዮም። እዚ ጽሑፍ ከኣ “ጥምረ-ድምጺ” ወይ “ትንባሀ ቃል” ካብ ምባል፡ ነቲ ናይ ኣባ ኣጐስጢኖስ ስያመ ተጠቒሙ ኣሎ።

[7] Jacques Faitlovitch, Versi abissini (ቅኔ፡ ሓበሻ።), 1911, p. 55

[8] እዚ ጽሑፍ፡ ሚዛን (metre) ናይ ነግሒታት ንምዕቃን ፍቕዲ ናይ ዋዕታታት’ዩ ተጠቒሙ። እንተዀነ፡ ብዛዕባ ረምታ ክግለጽ እንከሎ፡ ፍቕዲ ጥራይ ንበይኑ ኣኻሊ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ነግሒ’ውን ዝቃዶ ዓይነት መስርዓት ክርከብ ይኽእል ይኸውን፣ ተወሳኺ መጽናዕቲ ዝሓትት እዩ።

ካብ ‘ኣናሎግ’ ናብ ‘ድጂታል’

እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ብ 2009፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ወጺኡ ዝነበረ እዩ። ሕጂ’ውን ኣናሎጋዊ ዲኻ ድጅታላዊ እናተበሃሃልና እንተ ኣዕለልና እንታይ ክብል ኢሉ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ ዝወጽኣሉ ‘ኣኖሎግ’ ዝነበሩ ሰባት፡ ሕጂ ‘ድጅታል’ ኰይኖምልና እንተ ዀኑ እንታይ ይፍለጥ፣ ኣብ መስርሕ ኣልከምያውነት ሓጺን ናብ ወርቂ ከም ዝቕየሮ፡ ብሓዊ ነዲዶም ተዀሊዖም ክህልዉ እብህግ። ኣይበሎ እምበር፡ ወርቂ ነይሮም ናብ ሓጺን ዝተለወጡ’ውን ይህልዉ፣ ድጅታል ነይሮም ናብ ኣናሎግ። ቱፍ! ቱፍ! መሊቑኒ እዩ።

-1-

ካብ ኣናሎግ ናብ ድጂታል እትሰጋገሩሉ ዓመት ይግበረልኩም

ዕላል ካብ ዝጅምሩ ክልተ ዓመት ኰይኑ እዩ። ተራኺቦም ግን ኣይፈልጡን። እቲ ዘይምርኻቦም ግና ብኣካል ደኣ’ምበር፡ ብዕላል ፍተሻ ህይወት፡ ምእረራ ጽባቐ፡ ሞጓሰ ሓሳባት፡ ስነ-ጽሑፍን ስነ-ፍልጠትንሲ ዓቕሞም ዘፍቅደሎም እሂን-ምሂን ተባሂሎም’ዮም። መላጕም ኮምፒዪተር እናጠወቑ ሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ናብ ቃላት እናመልኡ… ሓያሎ ረቡዓት ኣዕሊሎም። ንሳ ገያሺት ስለ ዝዀነት ግን ምርኻቦም ኵሉ ሳዕ ኣይነበረን። መወዳእታኡስ ግዜ ነዊሑ፡ ‘እምበርከ ኣላ ድያ፧’ እናበለ እንከሎ፡ “ሓድሽ ዓመት ክመጽእየ…” ዝብል መልእኽቲ ምስ ቈጸራኡ ጸንሖ። ስለዝዀነ፡ ቅድሚ ቈጸራኡ’ዩ ናብ ኢንተርነት ካፈ ኣምሪሑ – ንሳ’ውን ቅድሚ ቈጸራኣ ጸኒሓቶ። መዝገቡ (መሰንጀር) ክፍት ምስ ኣበለ፡ “እ..ም..ባ..ሕ!” ዝብል ጽሒፋ ብቕጽበት ሰደደትሉ።

 “ኣሃሃ…” ዝብል ምስ ናይ ሰሓቕ ምልክቱ ገይሩ ሰደደላ። ቀጺሉ፡ “ሰሓቐይ ከምዚ ናይ ቈልዓ ሰሓቕ ገይርኪ ውሰድዮ፡” መለአ።

“ከመይ ትኸውን፧ እውይ እንቋዕ ኣይትርኢ ን..ፍ..ቕ’የ ኣቢለካ ዘለኹ።”

“ከመይ ኢኺ ናፊቕክኒ ዘለኺ፧”

“ኣብ ግዜ ጸሓይ እሞ ከኣ ኣብ በረኻ ነዊሕ ዝተጓዕዘ ሰብ፡ መልሓሱ ደሪቑ፡ ከንፈሩ ነቒጹ፡ ጐሮሮኡ ቃዕ ቀራዕ ዝበሎ ንማይ ገይሩ ከም ዝናፍቖ’የ ናፊቐካ ዘለኹ። ንስኻኸ፧”

“ኣነስ መልእኽትኺ ምስ ጸንሓኒ ‘መን ደኣ እያ ሻህራዛድ፧’ ኢለ ሓሲበ፡ ክሳደይ ንላዕሊ ኣንቃዕሪረ ንሰማይ እናጠመትኩ ክዝክር ፈቲነ፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ግን ትዝ ኢልክኒ።”

“….” ነጠብጣብ ገይራ ሰደደትሉ።

“እንታይ ማለት’ዩ፧”

“ኮርነፍ ኢለ ኣለኹ ማለት’ዩ። እንተ ዘይኣቀባጢርካለይ ከኣ ኣይክጽሕፈልካን እየ።”

“ኣብ መዓልቲ ዘይኰነ፡ ኣብ ሰሰዓት ክትረኽቦ እትደሊ ሰብ ንሽዱሽተ ወርሒ ኣበይ ከም ዘሎ ከይፈለጥካ ሽርብ እንተ ኢሉካ ካብ ምሒር ምህራፉን ምንፋቑን ዝተላዕለ እቲ ናፊቐካ ዝብል ቃል ስለ ዝንእሰካ ኢኻ ናብ ከምኡ እትኸዪድ።”

“ሕራይ… እቲ ማዕቀብ ተላዒሉልካ ኣሎ። ከመይከ ኣለኻ፧”

“….” ንሱ’ውን ነጠብጣብ ሰደደላ።

“ኣሃሃ… ንስኻ’ውን ብግደኻዶ ኮሪኻ፧ ከቀባጥረልካ’የ በል። ሓንቲ ወረጃ ኣደ ኣላ’ሞ ንበል፡ ሕጻን ወዳ ኣብ ደገ ክጻወት ጸኒሑ እናበኸየ መጺኡዋ ኣሎ – ገለኦም ሃሪሞሞ። እታ ኣደ ከኣ ምስ ንፋጡ እንከሎ ስዕም ኣቢላ… ንዓሞ ኢላ ርእሱ እናሓኸኸት ብኽያቱ ከም እተረስዖ፡ ኣነ’ውን ከምኡ ገይረ ከም ዘረሳዕኩኻ ውሰዶ።”

“ኦ! ኦ! ገለ ሓይሊ ዝረኸብኪ እኺ እትመስሊ፧! እዚ ዝጠፋእክዮ ኣዋርሕ ኣበይ ዲኺ ኣሕሊፍኪዮ፧”

“ገይሸ ነይረ – ኣርሒቐ”

“ናበይ፧ – ምስጢር እንተ ዘይኰይኑ…”

“ናብ ኣስመራ።”

“ካብ ኣስመራ ናብ ኣስመራ ገይሽኪ – እሞ ከኣ ኣርሒቕኪ፧ ከመይ ማለት’ዩ፧”

“ኣስመራ ዝበሃል መቸም እቲ ገዛውቲ፡ ጐደናታት… ኣይኰነን። ንዓይ ዝርኣየንስ እኳ ደኣ ካልእ’ዩ – እቲ ወጅሂ ዕላላት፡ ፍሽኽታ ኰነ ጽዋገ ድምጽታት፡ ኣተሓሳስባታት፡ ዕዳጋታት ወዘተ እዩ። ካብዚ ኵሉ ከኣ‘የ ገይሸ ነይረ። ኣብቲ ጐደናታት ግን ነይረ እየ።”

“ሰኣሊት ነይርኪ እንተ ትዀኒስ ከምዞም ኣስመራ ንስእል ኣለና እናበሉ ገዛውቲ፡ ማካዪን… ዝስእሉ ዘይኰነስ፡ ኣተሓሳስባታት፡ ትጽቢታት፡ ተስፋታት፡ ናፍቘታት… ምሰኣልኪ። ብዝዀነ፡ እሞ ከመይ ነበረ መገሻ፧ ሕጂኸ መጺእኪ ዲኺ፧”

“እወ – ሓድሽ ዓመት ንምብዓል መጺአ ኣለኹ። መልእኽቲ ናይ ሓድሽ ዓመት እንተ ኣልዩካ’ውን ክቕበለካ እኽእል’የ።”

“ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዚ እዋን፡ እታ መጀመርታ ጽሒፍኪ ዝሰደድክለይ ብድሕሪኡ መላለዪት ዝዀነትና ትዝክርያ ድኺ፧”

“ኣይዝክራን።”

“’ከትከት ዝብል ዝሑል ማይ ገይረ ክግጭበካ’የ እሞ ክትበራበር ኢኻ – እዚ ናይ ሓድሽ ዓመት ትምኒተይ ንዓኻ እዩ’ እያ ትብል ነይራ። ኣነ ከኣ ሎሚ ንብዙሓት ‘ካብ ኣናሎግ ናብ ድጂታል እትሰጋገሩሉ ዓመት ይግበረልኩም’ ዝብል እየ ዝልእከሎም ዘለኹ።”

“ከመይ ማለትካ’ዩ ኣናሎግን ድጂታልን፧”

“ብመጀመርታ ብኣብነት ገይረ እቲ ቴክኒካዊ ኣምሩ ክነግረኪ። ብቕልል ዝበለ ኣገላልጻ ‘ኣናሎግ’ ሰዓትን ‘ድጂታል’ ሰዓትን ክንወስድ ንኽእል። ኣናሎግ ሰዓት፡ ግዜ ንምምልካት ክልተ ወይ ሰለስተ ዘንጊ ኣሎዋ – ናይ ሰዓት፡ ደቒቕን ካልኢትን። ነቲ ዘንጊ ብዝተፈላለየ ፍጥነት ዘዙሮ ዲናሞ ኣሎዎ። ኵሉ እቲ ምንቅስቓስ ከኣ መካኒካዊ’ዩ። ድጂታል ሰዓት ብኣንጻሩ ዝንቀሳቐስ መካኒካዊ ኣካል የብሉን። እቲ ግዜ ብቝጽሪ 4፡05 ዝብል’ዩ ዝርአ። ድጂታል ሰዓት ነቲ ካልኢት’ውን ከይተረፈ ብልክዕ’ዩ ዝነግር። ብተወሳኺ፡ ካልኵሌተር፡ ተርሞሜተር፡ ብሶላ ወዘተ. ምስኡ ክህሉ ይኽእል። ካብ ኢንተርነት ዝደለኻዮ ነገራት ከተዕርቐለን ዘኽእላ ድጂታል ሰዓት’ውን ኣሎዋ። ኣብ ብዙሕ ኤለክትሮኒካዊ ነገራት ኣናሎግን ድጂታልን ዝብል ቃል ዝውቱር እዩ – ኣናሎግ ሬድዮ፡ ድጂታል ሬድዮ፡ ኣናሎግ ካሜራ፡ ድጂታል ካሜራ፡ ኣናሎግ ኤዲቲን፡ ድጂታል ኤዲቲን… ኣሎ። ኮታ ኣብ ኣናሎግ ካብ ኣስመራ ናብ ሰንዓፈ ገለ ነገር ከተብጽሕ እንተ ደሊኻ ብኣካል ማለት ብእግርኻ ወይ ብማኪና ክትጓዓዞ ኣለካ። ኣብ ድጂታል ግን ኣብ ኣስመራ እንከለኻ ነቲ መልእኽቲ ክትሰዶ ወይ ክትቅበሎ ትኽእል ኢኻ። ተረዲኡኪዶ፧”

“እሞ ሕጂ ምስ ሓድሽ ዓመት ከመይ ገይርካ ኢኻ ተተሓሕዞ ዘለኻ፧”

“ቅድመኡ ግና ጠባያት ኣናሎግን ድጂታልን ክዝርዝረልኪ።”

“ሕራይ ቀጽል።”

“ኣናሎግ መሳርሒ፡ ነቲ ነገር ከም ዘለዎ ተሰኪሙ’ዩ ናብ ካልእ ዘሕልፎ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣናሎግ ቲቪ ነቲ ምስሊ ብስእሊ እዩ ዝሕዞ። ሓንቲ ኣካዪዳ ጥራሕ’ዩ ከኣ ዝፈልጥ፡ ናይ ምምሕያሽ’ምበር ናይ ምልዋጥ ባህሪ የብሉን። ሓደ መኣዝናዊ (ሊንያር) ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ክሰጋገር ግዜ ይበልዕ። ብዙሕ መገድታት ስለ ዘይብሉ ናይ ምትዕጽጻፍ ግብሩ ትሑት’ዩ። ምንቅስቓሱ መካኒካዊ ብምዃኑ ብዙሕ ሓይሊ ወይ ጕልበት’ዩ ዝሓተካ። ዝበዝሕ፡ በታ ኣቐዲሙ ዝዀና ወይ ዝተሞኰራ’ዩ ዝሰርሕ። ብኣናሎግ ዝተሳእለ ስእሊ ተደጋጊሙ ክቕዳሕ እንከሎ ብቕዓቱ እናጎጐደለ ይመጽእ። ሓንቲ መስመር ስለ ዝኽተል ምስ ካልእ ዝምድና የብሉን – ‘ኔት ዎርክድ’ ኣይኰነን።”

“ድጂታልከ፧”

“ድጂታል ኣሰራርሓኡ መካኒካዊ ስለ ዘይኰነ ምስ ብዙሕ ዝምድና ኣሎዎ። ኣብ ሓደ እዋን ድማ ሓያሎ ዕዮታት ክዓምም ይኽእል። ድጂታል ሓጺር ኣገባብ ምስ ደለየ እዩ። ብዙሕ ክሕለፍ ዘሎዎ መስርሕ የብሉን። ንኣብነት፡ ኣብ ድጂታል ካሜራ ከም ኣናሎግ ካሜራ ፊልምታት ምሓዝ፡ ምጽላም፡ ብርሃን ከይኣትወካ ምጥንቃቕ፡ ምሕታም… ኣየድልየካን። ስእል ውዒልካ ጥራሕካ እትተርፈሉ’ውን ኣሎ። ኣብ ድጂታል ካሜራ ግን መኸዘኒ ካርድታት እናእቶኻ ብዙሕ ኣሳእል ከተልዕል ትኽእል። ኣብ ኣናሎግ ፎቶግራፊ ምስ ተሓጸበ ኢኻ ትፈልጦ። ኣብ ድጂታል ካሜራ ግና እናሰኣልካዮ እንከለኻ ትርእዮ፡ ምስ ሰኣልካ’ውን ናብ ኮምፒዩተርካ ብምዕራቕ ብዝቐለለ መገዲ ክትክዝኖ ትኽእል። እቲ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት፡ ግዜ ዝወስድ… ዝነበረ ነበረያ ነበረ ክኸውን እንታይ ተሪፉዎ። ኣብቲ ድጂታል ካሜራ ምንቕናቕ ዝጻረር፡ ሕብርታት ክቐያዪር… ዘኽእል ሜላ’ውን ኣሎዎ። ድጂታል ብሓደ መገዲ ጥራሕ ኣይኰነን ዝኸይድ። ድጂታል ሃልኪ ግዜ፡ ጕልበት የብሉን። ነቲ ነገር ብኮድ ስለ ዝሕዞ ቦታ ንእሽቶ’ዩ። ኣናሎግ ግን ገዚፍ’ዩ…”

 “ጽናሕ ከቋርጸካ! ከምዚ ኣብ ክፍሊ ዘለኹዶ መሲሉካ ሓቀይ፧”

“እወ! ኢድኪ ሓዚ፡ ቍሊሕ ምሊሕ ከኣ ኣይትበሊ፡ ሰጥ ኢልኪ ተማሃሪ። ኣነ እናመሃርኩ ፍሕትሕት ዝብል ኣይፈቱን’የ…”

“ግና እዛ ዘላ ሕጂ ዓለም ኣናሎግዶ ትመስለካ ድጂታል፧”

“ኣናሎግ ይበዝሑዋ ይመስለኒ ካብ ድጂታል። መጻኢ ግን ብርግጽ ኣብ ኢድ ድጂታል እዩ። ሕጂ ንስኺ ናይ ትማሊ ድኺ ናይ ጽባሕ፧ ኵሉ ነገራት ድጂታል እናዀነ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ቀደም ሓንቲ ንእሽቶ ሓበሬታ ናብ ሓደ ቦታ ንኸብጽሑዋ ነዊሕ ይጓዓዙ ነይሮም፡ ኣህላኺ እዩ። ምምሃዝ ተሽከርከርትን ነፈርቲን ነዚ ብኸፊሉ ክፈትሖ ክኢሉ። ብፍላይ ንመልእኽቲ፡ ኣናሎግ ተለፎን ዝሰለጠ መተሓላለፊ ኰይኑ ጸኒሑ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ከኣ ብድጂታል ኰይኑ፡ ብሞባይል ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኴንካ ሓበሬታ ክትህብን ክትቅበልን ትኽእል። ብኡ መንጽር ከኣ ዝሃልኽ ዝነበረ ጕልበት፡ ግዜ፡ ጸጋታት… ክጐድል እዩ። ቅድሚ ሓጺር ዓመታት፡ እዋናዊ ዜና ዝበሃል ናይ ትማሊን ቅድመኡን’ዩ ነይሩ። እተን ራድዮታት’ውን ኣናሎግ ስለ ዝዀና ንጹርነት ኣይነበረንን። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግና ድጂታል ራድዮ ንጹር’ዩ። ኣብ ደደቒቕ ከኣ እዋናዊ ዜና ክትከታተሊ ትኽእሊ። ድጂታል ራድዮ እትህበኪ ኣማራጺታት እምብዛ ብዙሕ’ዩ። ኢንተርነት’ውን ርኣዪዮ በጺሑዎ ዘሎ – እንታይ ዘይትረክብ ኣብኡ። ኣነ ንኣኺ ብገጽኪ ኣይፈልጠክን’የ ግን ከኣ ብኤለክትሮኒክ ሜድያ ነዕልል ኣለና። ዝዀነ ነገር ክትሽምቲ እንተ ደሊኺ’ውን ኣብ ገዛኺ ኴንኪ ክትጠልቢ ትኽእሊ ኢኺ። ናይ መጽሓፍከ ሰሚዕኪዶ፧”

“እንታይ’ዩ፧ ኣይስማዕኩን።”

“ኣብ ወረቐት ዝሕተም ዝነበረ መጻሕፍቲ ብኤለክትሮንያዊ መጽሓፍቲ ክትካእ ይጅምር ኣሎ። ኣብዚ ሓጺር እዋን ኩባንያ ሶኒ ብዙሕ መጻሕፍቲ ዝሕዝ ኤለክትሮንያዊ መጽሓፍ ንዕዳጋ ቀሪቦም ኣለዉ። ኣብዚ መዋእለ ድጂታል፡ 1000 መጽሓፍቲ፡ ፊልምታት፡ ደርፊታት… ኣብ ኢድኪ ሒዝኪ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ‘ዓለምለኻዊ ቤት-ንባብ’ እናተባህለ ብብዙሓት ዝሕለም ዝነበረ ድማ ክውን እናዀነ ይመጽእ ኣሎ – ድጂታል ቤት-ንባብ። ደረስቲ ናብ ቤት-ማሕተማት ዝኸድሉ እዋን ነዊሕ ዝኸውን ኣይመስለንን።”

“ገሪሙኒ ኣሎ፧!”

“እንታይ፧”

“ናይ ድጂታል ሰባኺ ኴንካ ጸኒሕካኒ፡ ወዲ-መዛምርቲ እንድዩ ዝበሃል ነይሩ፡ ጓል-መዛምርቲ ክዀነልካ እየ።”

“ሃሃሃ… ሕጂ ንስኺ ኣናሎግ ድኺ ድጂታል፧”

“ንሰባትከ ከምቶም ንብረታት ኣናሎግን ድጂታል እናበልካ ትገልጾም ዲኻ፧”

“ኢሂናይ ደኣ! ቀንዲ ሰባት እምበር። ዘይሰባት’ዮም ሰሪሖሞ።”

“ንስኻ ብኸመይ ኢኻ እትገልጾም’ሞ ሓብረኒ፡ ሽዑ ኣነ ኣበይ ከም ዝምደብ ክነግረካ።”

“እቲ ከምቲ፡ እዚ ከምዚ ምባል እኳ ኣይብርሃንን’ዩ። ከም ኣተሓሳስባ ግን ኣናሎጋዊ ኣተሓሳስባን ድጂታላዊ ኣተሓሳስባን እናበልና ከነዕልል ንኽእል እመስለኒ።”

“ሃየ በል…”

“ካልእ እኮ ኣይኰነን። ኣነባብራ እናተቐየረ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ እቶም ኣብ ህይወት ዘለዉ ነገራት ብመንጽሩ’ዮም ዝቕየሩ። ዝዀነ ዝህንድስ፡ ዝምህዝ… ሰብ ኣብ ግምት ዘእቱዎ ነጥብታት ኣሎዎ። ኵሉ ሳዕ ዝቐለለን ዝሓሸን መገዲ’ዩ ዘናዲ። ድጂታል ከኣ ከም መቐጸልታ ናቱ እዩ መጺኡ። ነናቱ ግዜን መዓላን ግን ኣሎዎ። ንኣብነት፡ ኤለክትሮንያዊ መጽሓፍ መጺኡ ማለት ኣብ ወረቐት ዝሕተም መጽሓፍ ጠፊኡ ማለት ኣይኰነን። ብሽክለታ ቅድሚ መኪና’ያ ተማሂዛ። ጸኒሓ ከኣ ካብኣ እትቕልጥፍን እትምችእን መኪና ተማሂዛ። ይኹን’ምበር፡ ምምሃዝ መኪና ንብሽክለታ ከጥፍኣ ኣይከኣለን። ብኸምዚ ክረአ ዘሎዎ እመስለኒ።”

“እቲ ኣኖሎግ ኣተሓሳስባን ድጂታል ኣተሓሳስባን ዝበልካዮ ቀጽሎ…”

“ኣኖሎግ ሓንሳብ ምስ ቈመ ብሓደ መገዲ’ዩ ዝኸይድ። ኣናሎጋዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም ሰባት ከኣ ነታ ዝፈለጡዋ፡ ሰባት ከይምንጥሉዎም ስለ ዝሰግኡ ፍልጠቶም ዝሓብኡ’ዮም። ‘ኔት ዎርክድ’ ስለ ዘይኰኑ ድማ ምክፍፋል ስራሕ የብሎምን። ኮታ ንዝዓዪዎ ስራሕ፡ ንዝነብሩዎ ህይወት ብኣህላኺ፡ ግዜ ወሳዲ፡ ዘይተለዋጢ መገዲ ዘካዪዱዎ ኣናሎጋዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም’ዮም ክብል እኽእል። ኣብ ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ ግና፡ እቲ ቴክኖሎጂውን ቀልጢፉ ስለ ዝቕየር፡ እቶም ሰባት’ውን ነብሶም ነንዕለት እናኣማዕበሉ ናብ ሓድሽ ነገር ዝኸዱ’ዮም። ኣህላኺ ኣገባብ ነጺጎም ዝሓሸን ዝቐለለን መገዲ ዘናድዩ’ዮም። ‘ከምዚ ዘይተገብረ!’ እናበሉ ምኒን ክብሉ ዝውዕሉ ዘይኰኑስ ፍታሕ ዘናድዩ’ዮም። ኣብ ድጂታላዊ ዓለም ፍልጠት ምሕባእ ዝበሃል የሎን። ምኽንያቱ፡ እቲ ስነ-ኪነት ድዩ ህይወት እናተወንጨፈ’ዩ ዝኸይድ – ገና ፍልጠትካ እናሓባእካ እንከለኻ ሓዲግካ ክኸይድ’ዩ። እዚ ኣናሎግን ድጂታልን ዝበሃል ዘሎ ኣብ ነብስና፡ ስራሕና፡ ስድራና፡ ትካላትና… ኣእቲና ክንርእዮ ንኽእል ኢና። እንምነዮ እንታይ’ዩ፧ ‘ሓድሽ ሜላ፡ ጥበብ… የድልየና’ሎ’ ዲና ንብል ወይስ ‘ተመኵሮ ይኣክል’ዩ’ በሃልቲ ኢና፧ እቶም ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም፡ ተመኵሮ በዓቲ ዕቝባኦም ኣይኰነን። ኣብዛ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናተለወጠት እትሕንበብ ዘላ ዓለም ንድሕሪት ግልጽ ክብሉ ግዜ የብሎምን። ውው….!! ብዙሕዶ ተዛሪበ ሓቀይ… ይቕረታ! ተዛረቢ ንስኺ ሕጂ – ኣናሎግ ድኺ ድጂታል፧”

“ድጂታል ኰይነ እስመዓኒ። ምናልባት ኮምፒዩተር ገይርካ እንተ ርኢኻኒ ፔንቱም-2 ወይ 3 ክኸውን ይኽእል’የ። እንድሕር ተቐዪረ ናብ ሓድሽ ኵነታት ክኣቱ’የ ኢለ ዝፈርሕ ኣይመስለንን። ሓድሽ ስነ-ጥበብ፡ ሓድሽ ኣነባብራ፡ ሓድሽ ኣሰሓሕቓ፡ ሓድሽ ኣለቓቕሳ ወዘተ እየ ዝደሊ። ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽ ትፈልጦ ሸይጣን ምባል ኣይብርሃንን’ዩ።”

“ደሓን ኣጆኺ ‘ሜሞሪ’ ወሲኽና ካብ ‘ፔንቱም – 2’ ናብ ‘ፔንቱም – 3’ ከነማሕዪሸኪ ኢና።”

“ኣሃሃ… ኣታ ግናይ! ስማዕንዶ፡ ሕጂ እዚ ዕላል ኰይኑ ድዩ ክተርፍ ዋላ ከተጽንዖ ኢኻ፧ ኣተሓሳስባና፡ ህይወትና፡ ስነ-ጥበብና፡ ኣተዓባብያ ደቅና፡ ቍጠባና፡ ትምህርትና… ኣናሎግ ዲዩ ድጂታል፧ እቲ ኣፈቓቕራናኸ፧… እናበልካ ክትሰብኽ ድኻ፧”

“ቈጸራ ኣኺላትኒ ኣላ። ኣብ ዝመጽእ ረቡዕ ግን ከነዕልለሉ ንኽእል ኢና ግዜ እንተ ወፊኺ…”

“ጠባይ እንተ ገይርካ ክውፈየልካ’ዩ። ሰላም ቅነ”

“ቻውውውው።”

-2-

ብዝተለምደ ምኻድ ናይ ኣኖሎግ ባህሪ’ዩ

ንጐደና ሓርነት ‘ከማዓልካ’ ክትብሎ እንከላ ኣጋ ግዜ’ዩ ነይሩ። ካብ ስራሕ ዝተፈደሰ፡ ዝተቛጸረ… ናብቲ ጐደና ይውሕዝ ነይሩ። ካብዚ ሰዓት’ዚ ንንዮ እቲ ጐደና ዳርጋ ኣብ ምሉእ ቍጽጽር መንእሰያት’ዩ ዝኣቱ። ግዜ ቈጸራኣ ኣኺሉ እኳ እንተ ነበረ ነቲ ሕብርታት፡ ምንቅስቓሳት፡ ጕያታትን ተስፋታትን ምስ ርኣየት ኣብቲ ዋሕዚ ክትኣቱ ኣይፈርሐትን፡ ህልውናኻ እተርእየሉ ጐደና’ዩ። ‘እንታይ ደኣ ጠፊእካ፧’ እንተ ተባሂልካ ‘ኣብዚ ጐደና ኣይተረኣኻን’ ማለት’ዩ። ሻህራዛድ ነቲ ዋሕዚ ጨዲዳ ናብ ቈጸራኣ ክትከይድ እንከላ “ወግዒ-ልቢ” ኣብ እትብል ድራማ በየነ ሃይለ እትደጋገም ግጥሚ ኣብ ኣእምሮኣ ቀባሕ በለታ’ሞ ታሕጓስ ተሰምዓ። ዓይና ሰም ኣቢላ ከኣ፡ “ኣንታ ውሕጅ ባህጊ ሩባ ናፍቖት/ ናይ ድሌት ስንጭሮ ጐደና ሓርነት፡” በለት። ድምጺ ኣውጺኣ ድያ ኢላቶ ዋላስ ብውሽጣ መቓልሕ ፈጢራ ርግጸኛ ኣይነበረትን።

ናብ ኢንተርነት ካፈ ኣትያ መዝገባ ከፈተት። መቋጽርታ ቀዲሙዋ ኣትዩ ይጽበያ ከም ዘሎ ምልክቱ ርኣየት። ተቐዳዲማ ከኣ፡ “ነዚ ጐደና እንድየ ክድጕዓሉ ጸኒሐ፡” ዝብል ጽሒፋ ሰደደትሉ።

“እንታይ ኢልኪ፧”

“ኣንታ ውሕጅ ባህጊ ሩባ ናፍቖት/ ናይ ድሌት ስንጭሮ ጐደና ሓርነት – ትዝክራ ትኸውን ኢኻ፧”

“እወ ዘኪረያ ኣለኹ። ግና ደጕዓ ድያ እታ ግጥሚ – መልቀስ ከይትኸውን፧”

“መልቀስ ኣይትመስለንን። ናይ ባህግን ናፍቆትን ስለ ዝዀነት ደጕዓ ትመስለኒ።”

“ኣብታ ድራማ፡ እቲ ሓሙሻይ መላለዪ ተዋስኦ ነዛ ጐደና ዝበላ ከኣ ኬፍ ትህበኒ እያ።”

“እስከ ኣዘክረኒ፧”

“ኵሉ ሻብ ጥሜትና ኢኺ…”

“መኒናኪ ኣይንፈልጥን፡” መልኣትሉ።

“ኵሉ ሻብ መኣዛና ኢኺ።”

“ሓቁ እኮ እዩ! ጥሜትና ስለ ዝዀነዶ ኣይኰንናን ኣማስያኡ ናብኡ እንውሕዝ ዘለና። ናይ ባህግና፡ ሕልምና፡ ፍቕርና፡ ናፍቖትናን ተስፋናን መድረኽ እኮ እዩ። ኣብ ካፈታታ ኮፍ ኢልና ካብ ዕላላት ዝተማሃርናዮ ምኣስ ውሑድ ኰይኑ – መዓስዶ መኒናዮ ኢና፧! እቲ ደራሲ ነቲ ደቀቕቲ ጽን ዝበሎ ድምጺታት ናብ ዓቢ ደወል ቀዪሩ፡ ባዕልኹም ቃጭሉዎ ኢሉ’ዩ ሓዲግልና ዘሎ።”

“ስምዒ’ባ እታ ድራማ ክትርአ እንከላ ኣብ ኣስመራ ነይርኪ ማለት እዩ – ርኢኽኒዶ ነይርኪ ሽዑ፧”

“እወ። ምስ ክልተ ኣወዳት ነይርካ ተዕልል – ኣብቲ ኣፍደገ ሲነማ ኣዝመራ።”

“ሰላም ደኣ ዘይበልክኒ ጓለይ ክንደይ ትሓስሚ!”

“ዝገርመካ በቲ ኣስካላ እናደየብኩ ትጥምተኒ ነይርካ፡ ሎሚስ ፈሊጥኒ ግዲ እዩ ኢለ ኣብዚ ውሽጠይ ገለ ተሰሚዑኒ ነይሩ።”

“ሓንቲ መዓልቲ ደኣ’ኮ ክረኽበኪ እየ። ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝገብር ፈሊጥኪዶ ኣሎኪ፧”

“ህ!”

“ከይትዳለውሉ ምእንቲ ሕጂ ኣይነግረኪን እየ።”

“ድጂታል ኣተሓሳስባ ዘሎዎ ሰብከ ዝሓሰቦ ይሓብእ ድዩ፧ ሕጂ ዝሓሰብካዮ ብልሓትከ ንመጻኢ ግዜ ክኸውን ከም ዝኽእል ከመይ ገይርካ ተረጋግጽ፧”

“ጨብ! ጨብ! ጨብ!”

“ኢሂ እንታይ ተረኽበ – ዝሓተትካኒ ሕቶ መኣስ መሊሰ ተጠቓዓለይ፧”

“ሕቶ ዝመለሰ ጥራሕ ድዩ ዝጣቕዓሉ፧ እዚ ናይ ኣናሎግን ድጂታልን ነገር ከም ዝተረድኣኪ ስለ ዝፈለጥኩ እየ ኣጣቒዐልኪ።”

“ኣብ ዝሓለፈ ዕላልና፡ እዚ ኣኖሎግን ድጂታል ዝብል ኣምር ኣብ ትምህርትና፡ ስነ-ጥበብና፡ ኣተዓባብያ ደቅና፡ ቍጠባና፡ ኣፈቓቕራና ወዘተ እናበልካ ከተጽንዖ ዲኻ ዋላስ ብዘረባ እዩ ክሓልፍ ኢለ ሓቲተካ ነይረ።”

“ንሓመድ ድጕሪ የውጽኦ ንዘረባ ድማ ዘረባ የምጽኦ – እትብል ምስላ ኣይትፈልጥያን ድኺ። ሓላፍነት እባ ኣይተኽብድለይ። ዕላል ዘምጽኦ እንዲና ኣዕሊልና…”

“እቲ ንእሽቶ ዝነበረ እንድዩ ዝዓቢ። ዝበዝሕ እዋን ዘረባ ዘረባ ኰይኑ’ዩ ዝተርፍ። እንተ ጽሒፍካዮ ግን ዘንብቦ ይበዝሕ። ካብቲ ንእሽቶ ሓሳብ ዓቢ ነገር ከውጽእ ዝኽእል ሰብ ድማ ኣይሰኣንን።”

“ንዓኺ’ሞ ከመይ ተራእዩኪ፧”

 “ብዙሕ’ዩ ኣተሓሳሲቡኒ። ነታ ንእሽቶ ናይ ኣናሎግን ድጂታልን ዝተላዕለት ሓሳብ ኣብ ሓያሎ ነገራት እናእተኹ ክርእያ ፈቲነ። ትሰርሕ ከኣ ትመስለኒ። ሓድሽ ነገር እኮ ኣይኰነን። ነቲ መግለጺ እትስእነሉ ዝስመዓካ ወይ እትሓስቦ መሰከሚ እዩ ዝዀነካ። ድሮ’ኳ ነቶም ኣናሎግን ድጂታልን በብዕድመ ክርኣዩኒ ጀሚሮም፧”

“ከመይ፧”

“ዕድመ ኣብ ኣተሓሳስባ ዝፍለ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብዙሕ እዋን ግን ኣብ ውሱን ደረት ዕድመ ዘለዉ ጽልዋታቶም ዝዛመድ ስለ ዝዀነ ዘመሳስሎም ኣሎ። እዚ ሕጂ ዝነግረካ ነቶም ኣብ ሓጹር ግዜ ዘይድረቱ ኣውጺእካ ክትርእዮ ኣለካ።”

“ሕራይ ቀጽሊ ጥራሕ።”

 “ሓያሎ ኣብ መፋርቕ ሰላሳታት ዝሓዀሩ’ሞ ኣብ 90ታት ዝፍለጦም ዕድመ ዘሕለፉ መብዛሕቶም ኣብ ኣናሎግ ምመደብኩዎም። ምኽንያቱ፡ ከስተውዕለሎም እንከለኹ ዝቕየሩ ኣይኰኑን። ርእይቶታቶም ብርእሰ-ተኣማንነት ክገልጹ ኣይጐንፉንን። ካብታ ሒዝናያ ዝብሉዋ ተመኵሮ ከኣ ክወጽኡ ብዙሕ ኣይርእዮምን። ይረደኣዮም ኣይረደኣዮም ፍርሒ ንምልዋጥ ኣሎዎም። ኣብታ ዝለመዱዋ ተመሳሲልካ ምንባር ዝብል ርድኢት ኣሎዎም። ዝተወድኡ ዛንታ ኰይኖም ስለ ዝስምዑኒ ከኣ ጽሩያት ኣናሎግ’ዮም ምበልኩዎም።”

“ገለኦም ግን ኣለዉ ኣናሎግ እንከለዉ ናብ ድጂታል ክቕየሩ ዝጽዕሩ።”

“እወ። ነቲ ኣናሎግ ጥንጥን ኣቢሎም ናብቲ ሓድሽ ዓለም ድርግም ዝብሉ ኣለዉ። ግናኸ ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም። ገለኦም ከኣ ዝበዝሐ ናይ ኣናሎግ ባህርያቶም ሒዞም ናብቲ ድጂታል ክኣትዉ ስለ ዝፍትኑ ደቂ ሞንጎ ኰይኖም ይተርፉ። ግና ንሶም ይሕሹ።”

“እቶም ጽሩያት ድጂታል እትብልዮምከ ኣየኖት ዕድመ’ዮም፧”

“እዚ’ውን ሓፈሻዊ’ዩ። ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ኰይኖም ኣናሎጋዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም ኣይሰኣኑን’ዮም። ብኣጠቓላሊ ግን ዝፍለጦም ዕድመ ድሕሪ 2000 ዝዀነ ጽሩያት ድጂታል’ዮም ምበልኩዎም። ንብዙሕ ነገሮም ክርእዮ እንከለኹ ፍሉይ ነገር ይርእየሎም’የ። ነቲ ግዜኦም ዝሃቦም ጸጋ ቴክኖሎጂ ተቋደስቱ’ዮም። ክመልኩዎ’ውን ግዜ ኣይወስደሎምን። ምልዋጦም ከኣ ቍልጡፍ እዩ። ንድሕሪት ግልጽ ኣይብሉን። ኣለኻዶ፧”

“እወ ኣለኹ ቀጽሊ።”

“ሓንቲ ጐረቤትና ቈልዓ ኣላ። ገለ መሳቱኣ መጺኦም ‘ንዕናይ ክዕሶ ንጻወት፧’ ኢሎማስ ኣብያቶም። ኣነ ከኣ ስቕ ኢለ ይርእያ ነይረ። ‘ንምንታይ ምስኦም ዘይትጻወቲ፧’ ምስ በልኩዋ ‘እንታይ ኣእተወኒ ዝደክም፡ ሓመድ ዝጽየቕን ዝወድቕን። እንተ ደልየ ኣብ ኮምፒዩተር ኩዕሶ ዘይጻወት’ ኢላትኒ። ግርም ኢሉኒ። እዚኣ ድጂታል ብዲጂታሉ እቲ ሓድሽ እያ። ነቲ ብኣካል ካብ ጸወታ ኵዕሶ እትረኽቦ ዕግበት ኣብ ኮምፒዩተር ተጻዊታ ክትረኽቦ ከም እትኽእል ዝኣመነት’ያ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኵሉ ኣብ ኣእምሮ’ዩ ዘሎ በሃሊት’ያ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝበልካዮ ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎ ሰብ፡ ነነገራት ብቐሊል፡ ግዜን ዓቕምን ዘየህልኽ መገዲ’ዩ ክገብሮ ዝደሊ”

“ነቲ ኣኖሎግን ድጂታልን ኣብ ህይወትና፡ ነብስና፡ ስነ-ጥበብና፡ ቍጠባና፡ ትምህርትና፡ ስድራ-ቤትና ወዘተ. እናበልና ብኸምዚ ክትገልጽዮ ዝጸናሕኪ ክንርእዮ ንኽእል ኢና።”

“ንኣብነት፧”

“ንኣብነት ኣብ ስነ-ጽሑፍ እንተ ርኢናዮ፡ ‘ስነ-ጽሑፍና ኣናሎግ ድዩ ዘሎ ድጂታል፧’ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ዝበዝሕ እዋን ስነ-ጽሑፍና ንድሕሪት ግልጽ ምባል ዝፈቱ ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። እዚ ከኣ ቀንዲ ባህሪ ናይ ኣናሎግ’ዩ። ኣናሎግ ሓደ መገዲ’ዩ ዝኽተል። ዝበዝሕ ግዜ ልምዳዊ ወይ ያታዊ ኣገላልጻታት እንተ ተጠቂምና ስነ-ጽሑፍና ሓይሊ ዝረክብ’ዩ ዝመስለና ዘሎ። እቲ ኣብ መወዳእታ እንደልዮ ሓቂ ምስዓብ፡ ነብስና ምግላጽ፡ ጽባቐ ንምርኣይ ወዘተ. ክኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ እንኽተሎ መገዲ ግን ነናትና ኣሎና። ግድን ድና ጽባቐ ጓለንስተይቲ ንምግላጽ ስና ጉራማይለ፡ ሒለል ክሳዳ፡ መዓንጣኣ ሰቲ ክንብል ዘሎና።”

“ምናልባት ግን ስምዒትና ንምግላጽ ተፈጥሮ ምስ እንጥቀም፡ ተፈጥሮ ምስ ግዜ ዘይቅየር ስለ ዝዀነ ዕምቈቱ ንወለዶታት ክሰጋገር ይኽእል’ዩ። ስምዒትና ይኹን ሓሳባትና ብምንጽጻር ምስ ተፈጥሮ እንተ ተገሊጹ ሓይሊ ይረክብ’ዩ። በቲ ሰብ ዝሰርሖ ገይርና ምስ እነነጻጽሮ ግን ዕምቈቱ ስእላዊ ዝኸውን ኣይመስለንን።”

“ክኸውን ይኽእል’ዩ። ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ከነውጽኦ እንተዄንና ሜላ የድልየና’ዩ። ጸሓፋይ ድማ ብቓላት ገይሩ ውሽጡ ዝገልጽ’ዩ። ይኹን’ምበር፡ እቶም ቃላት ናቱ ክዀኑ ኣለዎም። ንሓደ ሓረስታይ መግለጺኡ እቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ’ዮም። እቲ ዛንታ ናይ ከተማ እንተዀይኑ ግን ክሳብ ክንድኡ ጸሓይ ብጎቦ እናተቐልቀለት፡ ኣግራብ ወዘተ. እናበልካ ምግላጽ ኣየድልን። እቲ ያታዊ ኣገላልጻ፡ ናይዚ ዘሎ ወለዶ ኣገላልጻ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ስእላዊ ኣዘራርባ ነዞም ናይ ሎሚ ትውልዲ ይርሕቆም ኣሎ። እቲ ቀዳም ‘ሓያል’ ንምባል ዝግለጽ ዝነበረ ነዚ ናይ ሎሚ ‘ዓሻ’ ከስምዖ ይኽእል’ዩ። ብዙሓት ገጠምቲ ይኹኑ ደረስቲ እቲ ባህላዊ ኣገላልጻታት ናይ ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ገይሮም ይርድኡዎ ስለ ዘለዉ ንህልው ስምዒታትናን ሓሳባትናን መግለጺ ስኢንና ሓፈሻዊ ዘረባ ክንዛረብ ንርአ ኣለና። ነቲ ኣቐዲምና ዝሰማዕናዮ ኢና መስርዕ እናቐያየርና ነቕርቦ ዘሎና። ግጥሚ ክሰምዕ እንከለኹ ግርም’ዩ ዝብለኒ። ኣብ ከተማ ዝዓበዩ ንኣሽቱ መንእሰያት ‘ሒለል ክሳዳ’ ወይ ካልእ ንኡ ዝመስል ክብሉ እንከለዉ፡ እቲ ሒለል መሸላ ይርኣዮምዶ ይህሉ፧ ዳህሲሶሞዶ ይፈልጡ ይዀኑ፧ እብል። ክበሃል ስለ ዝሰምዑዎ ድዮም ወይስ ብሓቂ ተመስጦኡ ኣሎዎም’ዩ ኢለ እሓትት። ኣነጺርና ዘይንፈልጦ ዘረባ ምዝራብ ንለምድ ዘሎና እመስለኒ። ነቶም ቃላት ድምጾም ኢና ንፈልጦም ዘለና’ምበር፡ ትርጕሞምን ዝህቡዎ ምስሊን ጽቡቕ ገይርና ንርድኦም ዘሎና ኣይመስለንን። ብዝተለምደ ምኻድ ከኣ ናይ ኣኖሎግ ባህሪ’ዩ። እቲ ድጂታል ጸሓፊ ግን ሓሳባቱን ስምዒታቱን ዝገልጸሉ ሓድሽ ብልሓት ዝደሊ እዩ። ዝጸሓፍ ዛዕባ ክምእርር ግድን ኣይኰነን እንዳ ስዋታታትን ኣብያተ ሜስን ክኸይድ ዘለዎ። እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ናቱ ህይወት ኣሎዎ። ህይወቱ ንምርዳእን ንምጽራብን ድማ ናቱ ስነ-ጽሑፍ’ዩ ዘድልዮ። ቃላትን ኣገላልጻታትን ስለ ዝሰኣንና ኢና ንነገራት ምርዳእ ንስእኖምን ህይወትና ምቕያር ንስእንን ዘለና። እቶም ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም ጸሓፍቲ ሓድሽ ሜላ ተጠቂሞም ነዚ ዋግዋጎ’ዚ ቀደድ ኣቢሎም ንስምዒታትናን ሓሳባትናን መግለጺ ክህቡና ንሕና ከኣ ከነዕለብጥ ጸኒሕና ‘ሽምኩም ትረኸብ!’ ክንብሎም እየ ዝምነ።”

 “ኣብ ቅብኣኸ፧”

“ተመሳሳሊ እዩ። ኣብ ዝበዝሕ ቅብኣታትና ተቐሚጦም ዘለዉ ባእታታት’ውን ባህላውያን ድዮም ወይስ ኣብዚ ህልው ህይወትና ዘለዉ ክርድኡና እንደልዮም እዮም፧ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ዝለመድናዮ ኣገባብ ናይ ምንኣድ ድፍኢት ክህልወና ይኽእል’ዩ። እንሕበኣሉ ግን ክኸውን የብሉን። እቲ ኣናሎጋዊ ቀባኢ ካንቫሱ ክዝርግሕ፡ ሕብርታት ክሓዋውስ፡ ሕብርታት ክጽየቕን ክሽትቶን ይርኣዮ ይኸውን። ካልእ ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎ ቀባኢ ከኣ ነቲ ኣብ ኮምፒዩተር ዘሎ ዘይውዳእ ገጻትን ሕብርታትን ገይሩ ዓለሙ ከርኢ ይኽእል’ዩ። ሕብሪ ተሳኢኑ፡ ካንቫስ ከቢሩኒ ምባል ኣየድልዮን። ብመንጽር ግዜን ዓቕሚ ንዋትን ኣህላኺ እዩ ብምባል ስምዒቱን ሓሳባቱን ዝገልጸሉ ሜድያ ኣብ ኮምፒዩተር ክረክብ ይኽእል’ዩ። እቲ ካንቫስ ምዝርጋሕ፡ ሕብርታታት ምድዋስ ዝለመደ ነቲ ድጂታላዊ ቅብኣ ኣይቅበሎን ይኸውን። ለውጢ ስለ ዝፈርሐ ድዩ፧ ስምዒትካ ይኹን ሓሳብካ ንምግላጽ እትጥቀመሉ ሜድያ የገድስ ድዩ፧ ብኸምዚ’የ ዝርእዮ…”

“ዝሓል! ዝሓል!”

“ኣሃሃ ውዕየ ድየ፧”

“ኣበይ ዘለኻ ኰይኑ ድዩ ክርኣየኒ ጸኒሑ ‘መስለካ – ህ! እሞ በለኒ፧”

“ህ!”

“ኣብቲ ናይ ካቴድራለ ኣስካላ ኴንካ ነቲ ዝሓልፍ ህዝቢ ኣተሓሳስባኹም ድጂታል ይኹን… እናበልካ ኣዒንትኻ ዓሚትካ ክትዛረብ ተራኢኻኒ።”

“እቲ ሰብከ እንታይ እናበለ ይርኣየኪ፧”

“ኣታ እንታይ’ዩ ዝብል ዘሎ፧ እንታይ’ዩኸ ኣናሎግዶ ድጂታል ኢልካ! እናበለ ክሓልፍ ይርኣየኒ። ንኣሽቱ ቈልዑ ግን እቲ ኣተዓማምታኻ፡ ምንቅስቓስ ኢድካን ጣዕሚ ድምጽኻን መሲጡዎም ኮፍ ኢሎም ክሰምዑኻ ይርኣዩኒ።”

“ኣነ ከኣ ንስኺ ክትርኣይኒ ይደሊ ኣለኹ – ተዛረቢ መድረኽ ገዲፈልኪ ኣለኹ።”

“ብዛዕባ እንታይ ክዛረብ፧”

“ኣናሎግን ድጂታል ኣብ ኣፈቓቕራና ከመይ ከም ዝርኣየኪ ዋላ ኣዕልልኒ።”

“ኣናሎግን ድጂታልን ኣወዳት ወይስ ኣዋልድ፧”

“ኣናሎግ’ዩ ወይ ድጂታል’ዩ እትብልዮም ኣወዳት ከመይ’ዮም፧”

“ኣናሎግ ኣወዳት ኣፈቓቕራኦም በቲ ኣቐዲሞም ዝርኣዩዎ ወይ ዝሰምዑዎ ኣገባብ’ዮም ዘፍቅሩ። ናቶም ዝዀነ ሓድሽ ኣገባብ ኣፈቓቕራ ኣየዘውትሩን’ዮም። ንደቂ-ኣንስትዮ’ውን በቲ ዝጸንሐ መገዲ’ዮም ዝርእዪወን። ድጂታል ወዲ ዝብሎ ምስ ግዜ ዝኸይድ፡ ድሩቕ ዘይኰነ፡ ቀሊል (ሲምፕል) ህይወት ዘሎዎ። ኣሚንካ ድላይካ ክትነግሮ እትኽእል፡ ኣብ ሓሳባቱ ሰዓሪ፡ ገዛኢን ተገዛኢን ህይወት ዘይፈልጥ፡ ኣብ ኣነባብራኡ መለሳ ዘሎዎ – ኵሉ ሳዕ ዝልወጥ፡ ጽኑዕ፡ ብነብሱ ዝተኣማመን… ድጂታል ኰይኑ ይርኣየኒ። ኮታ ዝዓቘረ ማይ ዘይኰነካ ዝውሕዝ ወዲ’ዩ ድጂታል ዝመስለኒ።”

“እቲ ባድላ ድግርም ኣቢሉ ዘረባኡ እናተቘጻጸረ ዝዛረብ ስጥም ዝበለ ወዲኸ፧”

“ኣሃሃ… ምናልባት ንሱ ክትነብረሉ ዘይኰነ ክትሰኣለሉ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ንስኻኸ ድጂታል ጓል እትብላ ከመይ ትርኣየካ፧”

“ናታ ህይወት፡ ምስትምቓራትን ሓሳባትን ዘሎዋ፡ ኣብ ገዛ ክትዕጾ ዘይትደሊ፡ ናጽነት ዝስምዓ፡ ሓሳባታ ኮነ ስምዒታታ ክትገልጽ ዘይትፈርሕ፡ ንህይወታ ብመንጽር ባህጋ፡ ክትኰኖ እትደልዮ እትርእያ። ብሓጺሩ ናታ ሕልሚ፡ ምስትምቓርን ኣነባብራን ዘሎዋ ጓል ድጂታል ኰይና ትርኣየኒ።”

“ንኣብነት ከመይ፧ እቶም ምስትምቓር፡ ናታ ህይወትን ናጽነትን እትብሎም ዘለኻ ቃላት ብልክዕ እንታይ ማለትካ ኢኻ፧ ከምቲ ዝበልካዮ ሓፈሻዊ ዘረባ ዝዀና ዘለዋ ቃላት’የን።”

“ብልክዕ እንተ ዝፈልጦም’ሞ ሓንቲ ጽብቕቲ መጽሓፍ ክጽሕፍ ምኸኣልኩ ነይረ። ኣብዛ ዘላ ነጥቢ ግን ካብቲ ዝዕዘቦ’የ ዝገልጸልኪ ዘለኹ። ናታ ህይወት ወይ ናጽነት ማለት ፋሉልነት ማለተይ ኣይኰንኩን። ገለ ዝርእየን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ህይወት ናይቲ ዝፈቱዎኦ ወዲ’የን ዝኣቱዋ – ዝፈተዎ ይፈትዋ፡ ዝጸልኦ ይጸልኣ። ከምዚ ጥርሑ ብርጭቆ ናይ ዝመላእካዮ ሕብሪ ዝሕዝ ንሰን’ውን ንናቶም ስምዒታትን ሓሳባትን ዘንጸባርቓ ኰይነን ይርኣያኒ። እዘን ድጂታል ዝብለን ግን ንኽልተኡ ፈላልየን ክርእያ ዓቕሚ ዘሎወን’የን። ዓለሞም ክረኣኣዩን ክከባበሩን’ምበር ክተዓማመጹ ኣይፍትኑንን። ደሓር ከኣ እዛ ህይወት እኮ ንእሽቶ ብያቲ ኣይኰነትን። ንናይ ነፍሲ-ወከፍና ዓለም ክትጸውር ትኽእል’ያ – ኣተሓሳስባና’ዩ ወሳኒ።”

“ክደርፈልካዶ እሞ ሓንቲ ደርፊ፧”

“ጽቡቕ።”

“ኣፋንዋና’የ ኣፋንዋና ከይመስየና፧”

“ሕደራ ክንላለ ሕደራ ክንላለ! – ምዃን ምሳኺ ኣበይዶ ተላሊና ኢና፡ ኣብ ገጻት ኮምፒዩተር እኳ ኢኺ ተሓቢእክኒ ዘለኺ።”

“ድጂታል እንዲኻ ግዲ! ድጂታል ንረቂቕ ነገራት’ምበር፡ ኣብ ሞንጎኡ ዘሎ ናይ ቦታ ይኹን ኣካል ርሕቀት ይርኣዮ ድዩ፧ ግና ነዛ ሕቶ ከይትምልሳ ሕጂ – ክኸይድ ቈጸራ ኣሎኒ።”

“ሕራይ – ረቡዕ ኣብ ቈጸራና – ቻውውውውውውው”

-3-

ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ፡ ናትካ ኣሎካ ናተይ ድማ ኣሎኒ ዝብል እዩ

“ሕንቅል ሕንቅሊተይ፧”

“ሰናብ ሰናቢተይ።”

“ኣቦይ ጃዊ ሰለፉ ሃሪሙ ዘእዊ ፍለጠለይ፧”

ቈልዓ እንከሎ ይፈልጣ ከም ዝነበረ ትዝ ኢላቶ። ግና ምስ ቍልዕነቱ ብዙሕ ስለ ዝተረሓሓቐ ክዝክራ ኣይከኣለን’ሞ፡ “ተደረሪ” ዝብል ጽሒፉ ለኣኸላ።

“ብምንታይ፧”

“ብግዓት ጠስሚ”

“ኣይደልን!”

“ብምንታይ ደኣ ትደሊዪ፧”

“ብግዓት እንጣጢዕ።”

“ወይለይ! ጸዋሚት ዘይመሰልክኒ፧! ሕራይ በሊ ተደረሪ ብግዓት እንጣጢዕ! እንታይ እዩ፧”

“ንስኻ ኢኻ!”

“እዋእ! ኣሃሃ….” ኢሉ ናይ ሰሓቕ ምልክት ሓዊሱ ሰደደላ’ሞ፡ “ሰለፈይ ወይ ነብሰይ ባዕለይ ሃሪመ ድየ ዘእዊ ዘለኹ፧”

“ኣበይ እሞ ክትረኽቦ፧! ንነብሱ ባዕሉ ዝሃርም እኮ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ኣይኰነን። ነብሱ ከይቀጽዕ፡ ምስሉ ከይርኢ… ፈሪሑ ዝሃድምዶ ኣይበዝሕን፧!”

“ከይተተንተነ እንከሎኸ መልሳ እንታይ’ዩ፧”

“ዓንዳፍ!”

“ኣሃሃ… በሊ ሕንቅል ሕንቅሊተይ፧”

“ሰናብ ሰናቢተይ።”

“ካብ ደው ምስ በለ ኮፍ ምስ በለ ዝነውሕ ፍለጥለይ፧”

“ከልቢ።”

“ክላእ! ኣይሰለጠንን – መሊስክያ። ከመይከ ቀኒኺ፧”

“ሓሪፍ ዲጂ።”

“እንታይ ማለትኪ እዩ፧”

“ድጂታል – ምቅብጣር ትፈቱ ድኻ፧”

“እምብዛ! ክሕንቅቕ ኬፍ’ዩ ዝህበኒ። ክሳዕ ሕጂ እንድየ ንማማ ዝዅርየላ ምእንቲ ከተቀባጥረለይ።”

“ይኣኽላ’ባ ኣደኻ ሎሚስ ንስኻ ኣሐንቅቃ። ካልእ እተሐንቅቐካ ርኸብ።”

“ንስኺ’ሞ ዘይተሐንቅቕኒ ከም በሽቃጥ ቈልዓ በሽቀጥቀጥ – ቀጥ ክብለልኪ።”

“ኣነ ደኣ’ሞ ጸፋፊዐ’ባ ሰጥ ከየብለካ።”

“ይኽደን! እሞ ኣናሎግ ጓል ዘይረክብ።”

“ኣናሎግን ድጂታልን እሞ ክገጣጠሙ ይኽእሉ ድዮም፧ ንዊንደውስ 95 ኮምፒዩተር ዊንደውስ 2000 እንተ ጽዒንካያ ምስካሙ ስኢና ዓጠጠጥ እያ እትብል።”

“ደሓን! ንምንታይ ትጥቀመላ እኮ እዩ ዝውስነካ። እታ ኮምፒዩተር ክጽሕፈላ ጥራሕ ተድልየኒ እንተዀነትከ፧”

“ኣታ ግናይ! ክትጽሕፉለን ኢልኩም ኢኹምኖ እትቐርቡወን ነዘን ኣዋልድ፧! ምእንቲ ድላይኩም ክትጽሕፉለን ድኹም ኣዝየን ዝንእሳኹም ሃሰው እትብሉ። እንታይ ኢኹምከ ክትጽሕፉለን፧ ‘ትፈትወካ ጥራሕ ትኹን’ምበር ባዕልኻ ቅርጺ ተትሕዛ!’ እናበልኩም ክትዛረቡ እንከለኹም እኮ ግርም’ዩ ዝብለኒ። ንፉዓት ጸረብቲ እንተ ትዀኑ’ኮ ኣይመዛረበን። ዓይነን ኣንቍርኩም፡ ልበን ኣውጺእኩም ኣብ ኢድኩም ብምሓዝ ብዓይንኹም ክርእያ ብልብኹም ክኸዳ ክትገብሩወን ስለ እትደልዩ ድኹም፧”

“ምሽ ሰለፉ ሃሪሙ ዘእዊ ዓንዳፍ ኢኻ ኢልክኒ። ሕጂ ከኣ ነብሰይ ሃሪመ (ነቒፈ) ኣለኹ። ድሓር ከኣ ድጂታል ወዲ ዓዓለምና ንርአአ፡ ዘዘለና ንወሃሃብ፡ ዘዘለና ገይርና ዓለማትና ነጸብቕ ዝብል’ዩ ኢልና ብኣምሆይ ምሽ ኣዕሊልና። ነቲ ኣብ ባህርና ዘሎ ገዛኢ ወይ መላኺ ድፍኢት ከነዕኑዎ ኣለና።”

“ብርግጽ! ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ እኮ ነቲ ብልማድ ጥራሕ ዝግበር ኣናሎጋዊ ኣተሓሳስባ ሓዲጉ ናቱ መገዲ ዘናዲ እዩ። ናትካ ኣሎካ ናተይ ድማ ኣሎኒ፡ ግዜኻ ኣሎካ ግዜይ ከኣ ኣሎኒ ዝብል’ዩ።”

“ከምቲ ኣነ ነቲ ናትካ ዘኽብሮ ነቲ ናተይ ድማ ኣኽብሮ በሃሊ እዩ።”

“እወ! ስልጣነ ማለት’ኮ ንሱ እዩ። ንገለኦም ስልጣነ ክበሃል እንከሎ ቴክኖሎጂ እዩ ዝረኣዮም። ኣተሓሳስባ እዩ። ፍልልይ ዝኣምን፡ እዋኑንን እዋን ደቁን ነጻጺሉ ክርዳእ ዝኽእል፡ ከምቲ ናቱ ክኽበረሉ ዝደሊ ናይ ካልኦት ከኽብር ከም ዘሎዎ ዝፈልጥ’ዩ ስልጡን።”

“ዘረባ እባ ኣምጺእኪ ቴክኖሎጂ! ቴክኖሎጂ! እናበልና ብዙሕ እዋን ንዛረብን ክበሃል ንሰምዕን ኢና። ብልክዕ ግን እንታይ ማለት’ዩ፧ ከም’ቶም ከይፈለጥናዮም ክንዛረበሎም እንውዕል ዘሎና ኣምራት ከይከውን፧”

“ብኢድካ እናጻሕተርካ ክትሓርስ ጸኒሕካ ማሕረሻ እንተ ተጠቂምካ ቴክኖሎጂ ኣተኣታቲኻ ይበሃል። ጸኒሑ ከኣ እቲ ማሕረሻ ኣህላኺ ይኸውን’ሞ ድሑር ይኸውን። ካልእ ካብኡ ዝሓሸ እንተ ምሂዝካ ቴክኖሎጂ ይስመ። ሎሚ ቴክኖሎጂ ማለት ኮምፒዪተር ኰይኑ ዝስምዓና ኣለና። እዚ ኣናሎግን ድጂታልን እንብሎ ዘለና’ውን ምስ ኮምፒዪተር ኣይኰንናን ነተሓሕዞ ዘሎና። ኣተሓሳስባ እዩ። እቲ እናጻሕተረ ዝሓርስ ዝነበረ ለውጢ ከም ዘድልዮ ኣሚኑ ማሕረሻ ክጥቀም እንተ ጀሚሩ ድጂታል’ዩ ክንብሎ ንኽእል ኢና – ሓቀይዶ፧”

“እወ! ግና ነታ ቴክኖሎጂ እንታይ ማለት’ዩ እትብል ሕቶ ኣይመለስክያን፧”

“ክምልሰልካ ድኻ ትጽበ ዘለኻ፧”

“ኢሂናይ ደኣ!”

“ሕቶ’ምበር መልሲ ዘሎ’ኮ ኣይመስለንን – ምናልባት ኣብ ገለ ሸነኽ ናይ ስነ-ፍልጠት እንተ ሃልዩ እምበር። ዕላል ሕቶን መልስን ንምውህሃብ እንተ ዝኸውን ነይሩ ምዝራብ ምገደፍኩዎ ነይረ። እነዕልል ሓሳባትን ስምዒታትን ንምርዳእ እመስለኒ። ንስኻ ሕቶ ሓቲትካ፡ እቲ ኣነ ዝዛረቦ ግን መልሲ ኣይኰነን። ርድኢተይ እዩ። ነቲ ዝሓተትካኒ ከመይ ከም ዝርእዮ ዘንጸባርቕ’ዩ። እቶም ክምልሱ ዝደልዩ እኮ እዮም ዕላል ዝጽዪቑ፡ ከም ዝፈልጡ ክነግሩኻ ክብሉ ኣስተምህሮ ይቕዪሩዎ ወይ’ውን መደምደምታ ክህቡ ሒዅ ይብሉ።”

“ጸየቕቲ ዓጺድ ዕላልዶ ንበሎም – ንምህርቲ ዕላል ቆፎኡ ከይኣቱ ዝዀልፉ፧”

“ኣሃሃ….”

“ሕራይ በሊ… ነቲ ዝሓተትኩኺ ከመይ ኢኺ እትርእዪዮ፧”

“ቴክኖሎጂ እኩብ ኣተሓሳስባታት ኰይኑ’ዩ ዝርኣየኒ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ትዕዝብትና ኣብ ህይወት ኮነ ተፈጥሮ ከነመዓራርየሉ ዘኽኣለና’ዩ። ሰብ ዝበልዕን ቀልቀል ዝወጽእን ማሽን ዘይኰነ፡ ዓቢ ሓይሊ ምዃኑ ዘርኢ ምስክርነት’ዩ – ቴክኖሎጂ። ብጎቦ ቅልቅል ኣይትበል ሰይጣን ከይስሕበካ ዝብል ዝነበረ ሕብረተሰብ ሎሚ ስሕበት መሬት ምዃኑ ይፈልጥ’ዩ – ብሳላ ይስሓቕ ኒውተን። ትዕዝብቱ ኣተዓራርዪ ማለት’ዩ። ብኣዕዋፍ ዝቐንእ ለመም እናበለ ዝኸይድ ዝነበረ ወዲ-ሰብ ሎሚ ነፋሪቱ ሰሪሩ ናብ ድላዩ ክኸይድ ይኽእል ኣሎ…”

“ጽንሒ ከቋርጸኪ ሓደ ነገር ዘኪረ። ኣብታ ካብ 1941 ክሳብ 1951 እትሕተም ዝነበረት ‘ናይ ኤርትራ ሰሙናዊት ጋዜጣ’ እንተ ዘይተጋግየ ኣብ ናይ 1949 ሕታማት ዘንበብኩዋ እያ። ኣርእስቲ ናይታ ጽሕፍቲ ‘ያኢ ናብ ወርሒ ክብጽሓለይ’ እያ እትብል። ኣብቲ ግዜያት ናብ ወርሒ ክኸዱ ምድላዋት ይግበር ኣሎ ዝብል ዜና ምስ ተቓልሐ’ዮም ዝዀኑ ጽሒፎማ። እቲ ኣርእስቲ ‘ያኢ’ ኢሉ ስለ ዝጅምር ቃናኡ ናይ ባጫ እዩ። ‘ያኢ ንወርሒ ክብጽሓለይስ ንመገሻኦም ዝኾናቶም ማኪና ተሰናዲኣ ኣላ ይበሃለለይ…’ ዝብል ትሕዝቶ ከኣ ይርከቦ። ኣብ ኣተሓሳስባኦም ንወርሒ ክብጻሕ ኣይከኣልን’ዩ ዝብል ርድኢት ስለ ዝነበረ’ዮም ከምኡ ክብሉ ዝኸኣሉ። ይኹን’ምበር ድሕሪ 10 ዓመት ብ1959 ኣርምስትሮንግ ኣብ ወርሒ እግሩ ኣንቢሩ። ከምቲ ዝበልክዮ እቲ ቴክኖሎጂ ኰነ ሳይንስ ንዝነበረ ትዕዝብትና ኣዐርዪዎ ማለት’ዩ።”

“እቲ ‘ገንዘብ እንተ ኣልዩ ናብ ሰማይ መገዲ ኣሎ’ ዝብል ኣተሓሳስባኸ ቅድመኡዶ ነይሩ ይኸውን፧”

“ኣሃሃ… ገንዘብ ዘምልኹ ሕብረተሰብ’ዮም መሲሎሞ ዝዀኑ – ምስ ጽድቂ ብምትእስሳር።”

“ንሕና እኮ’ሞ ክንቅዪሮ ንኽእል ኢና።”

“እንታይ ኢልና፧”

“ናብ ጠፈር ዝኸዱ ገንዘብ ስለ ዘሎዎም ዘይኰነ ቅኑዕ ርድኢት ስለ ዘሕደሩ’ዩ። ነቲ ገንዘብ፡ ሓሳብ ዝብል ቀዪርና ‘ሓሳብ እንተሎ ናብ ሰማይ መገዲ ኣሎ’ ንበሎ። ነቲ ገንዘብ ዘምጽኦ’ውን ሓሳብ ስለ ዝዀነ። ንድኽነት ወይ ጸገም ዝወልዶ ድንቁርና ደኣ’ምበር ካልእ ኣይመስለንን።”

“ንደርፍታትና ዝወልዶ ዘሎኸ ድንቁርና ማለት ድዩ፧ ንህልው ደርፍታትና ብኣናሎጋዊን ድጂታላውን ኣተሓሳስባ ገይርካ ከመይ ትርእዮ፧”

“ገለ እዋን ፍርያት ስነ-ጥበብ ውጽኢት ድንቁርና ይኸውን’ዩ ’መስለኒ። ቅሓሮም ኣብ ደርፊ መሊኦም፡ ኣብ መጽሓፍ ጕሖፎም፡ ኣብ ካንቫስ ክዕዮም ዝህቡ ኣለዉ። ብኽፋእ ስለ ዘይኰነ ከኣ ሰኣን ንቕሓት’ዩ ዝመስለኒ። ከምቲ ቴክኖሎጂ ትዕዝብትና ከነማዓራሪ ሓጊዙና ዝበልናዮ። ነዞም ደረፍቲ ከኣ ትዕዝብቶም ዘመዓራሪ ኣተሓሳስባ ዘድልዮም ኰይኑ ይስመዓኒ። ኣብ ድራማ ‘ወግዒ-ልቢ’ ትሑት-ቃንዛ፡ ልዑል-ቃንዛ ዝብል ዝደጋገም ሓረግ ነይሩ። እቲ ትሑት-ቃንዛ ነቲ ንኣሽቱ ባህግታትና ዘዐግስ ጻውዒት ኰይኑ’ዩ ተራኣዩኒ።”

“ኣብነት፧”

“ሓደ ጠባይ’ውን ይገልጾ’ዩ – ተጠሊማ፡ ተፋቲሓ፡ ጡባ፡ ዓይና ወዘተ ዝብል’ዩ። ዓቢ ዘይኰነ ጻውዒት’ዩ። እቲ ልዑል-ቃንዛ ግን ዓቢ እዩ። ካብ ምህላው ናብ ምዃን ዘስግር’ዩ። ገፊሕ ሕልሚ፡ ምቖት ዝህብ ራእይ፡ ዘጠምቕ ፍቕርን ዘቕስን ሓቅን’ዩ”

“ምስዚ ዝድረፍ ዘሎ ብኸመይ ኢኻ ከተተሓሕዞ፧”

“ብዙሕ ካብዚ ሎሚ ዝድረፍ ዘሎ፡ ቃና ትሕተ ትሑት-ቃንዛ’ዩ። ንመንፈስና ዘድክም’ምበር ዘበርኽ ኣይመስለንን። ኣብ ቃልሲ ህይወት ኢዱ ናይ ዝሃበ’ዩ። እቲ ስነ-ጥበባዊ ድፍኢት ኣብ ሞንጎ ዕዳጋ ገጠምቲ፡ ዘየምቲ፡ መወልቲ፡ ዘርጋሕቲ ተጓዕጺጹ ዝጠፍእ ዘሎ ይመስለኒ። ናይ እንታይ ሂብካ እንታይ ትወስድ’ምበር እንታይ ክትብል ትደሊ ዝኸውን ዘሎ ኣይብልን። ‘ሰማዒ እንታይ’ዩ ዝደሊ ዘሎ፧’ ኢሎም ንዝሓተቱዎ ሕቶ፡ ሸቃጦ ግጥሚ፡ ሰፈይቲ ዜማ፡ መዝመዝቲ ጥበብ መወልቲ፡ ኣንባሃቝቲ ገንዘብ ዘርጋሕቲ ዝህሉዎም መልሲ፡ ንቃና ትሑት-ቃንዛ ዘቃልሕ’ዩ። ሰማዒ ከኣ ኣብቲ ኵሉ የሎን። ‘ድምጽኻ ኢና’ ዝብሉዎ ደረፍቲ ስኢኑ ይርከብ ኣሎ። እቶም ኣናሎጋዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም ቀረጽቲ’ውን ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ’ዮም። ኣለኺዶ ‘ዛ ሓፍተይ፧”

“ኣለኹ ቀጽል…”

“ኣብዚ ሓጺር ዓመታት ዝሰማዕናየን ካሴታት እንተ ርኢናየን – ብኽያት እየን። ጽባሕ ክትርኣየካ እንተ ዘይክኢላ ንድሕሪት ኢኻ ግልጽ ክትብል ትጅምር። ንሎሚ ትስእና – ደሓን ክሓልፍ’ዩ ኢልካ ቃላት ምትዕሽሻው ትፍኑ። ምሕላፍ ደኣ ደቂስካስ ይሓልፍ እንድዩ። ከመይ ገይርና ንነቅሕ፡ ካብ ድቃስና ክንበራበር፡ ጽራይ ሓቅና ዝነግረና ኢና ንደሊ። ምጽዋር ዘይኰነ ምርዳእ’ዩ ዝምረጽ፡ ኵሉ ጸዊርካዮ ፍሽኽ ጥራሕ በል እናበልካ እንተ በኸኻ እንታይ ፋይዳ ኣሎዎ። ብፍላይ እዚ ተጻወርዮ… ኵሉ ሓላፋይ’ዩ ዝብል ቃና ኣይፍተወንን’ዩ። ድጂታላዊ ኣተሓሳስባ ናይ ዘይብሉ’ዩ። ምኒን ባህሪ ድጂታል ኣይኰነን። ካልእ’ውን ‘ገንዘብ ዘይብለይ ኰይነስ ገዲፍክኒ ኬድኪ’፡ ‘ብስእነተይ’. . . እናበሉ ዝበኽዩ ኣለዉ። ኣነስ እንቋዕ ገደፈቶም ኢለ’የ ዝሕጐስ። ከምቲ ዓንዳፍ ነብሶም ሃሪሞም ዝንቅዉ ኣይኰኑን። ንነብሶም ኣይርእዪዋን’ዮም – ኣነ እንድየ መኽሰብኪ ዝብሉ’ዮም። ‘ክሳራይ ኢኻ’ ኢላ’ያ ገዲፋቶም ትኸውን ኢለ እስሕቕ። ‘ሓቅኺ ኣነ ጨው ይፈርየልኪ ንስኺ ከኣ…’ ክንደይ’ሞ ኢለ ክዝርዝረልኪ እየ። ዕብይ ዝበለ ምስትምቓር፡ ሕልሚ፡ ባህጊ ኣብቲ ደርፊታት ኣይርኣየንን። ትዕዝብትታቶም ከተዓራርዩ ዘኽእሎም ጥበብ ክጐንፎም ጥራሕ’የ ክምነየሎም ዝኽእል። ደሓር ከኣ ከምቲ ዝበልክዮ እዚ መልሲ ናይ ሕቶኺ ኣይኰነን ‘ከምዚ ይመስለኒ’ እየ ዝብል ዘለኹ።”

“እ..ህ…ህ!!!”

“ኢሂ ደኣ፧”

“ተሰሚዑኒ።”

“ክደርፈልኪዶ’ሞ ናይ ድጂታል፧”

“ሕራይ።”

“ብኹታኺ ወለል በሊ/ ኣደዋየ ብኹታኺ ወለል።”

“እንታይ’ዩ እቲ ኩታ፧ እንታይ’ዩኸ እቲ ወለል፧”

“እቲ ኩታ፡ መንነት፡ እንታይነት፡ ንስኻ ምዃን ኰይኑ ይርኣየኒ። እቲ ወለል ምባል ድማ ዓንኬል ናብራ ወይ ህይወት ይመስለኒ። በቲ ሓደ ወገን ‘ኣብ ዘይዳስካ ወልል’ ዝበሃል ኣሎ። ብኹታኺ ወለል በሊ ክብል እንከሎ ከኣ ኣብ ዳስኪ፡ መንነትኪ፡ እንታይነትኪ ኰሪዕኺ፡ ንነብስኺ ተቐቢልኪ፡ ንስኺ መሲልኪ ወለል በሊ ገይረ’የ ዝርድኦ።”

“ዕልልልልልልልልል!!! – ዓሊለልካ ኣለኹ። እትዕልለልካ ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። ሓዝ በል ክደርፈልካ እየ. . .”

“ኣነ ድማ ከበሮ ክሃርመልኪ እየ።”

“ብትሕቲ ገዛና ጽሩይ ማይ ነቲዓየ/ ማእከል ኣደራሽና ፋኑስ ተወሊዓየ/ ሽባኻ ደንበና ጠጢዓየ ደሃይኩም ሰሚዓ።”

“ከምታ ዝሓተትክኒ – እንታይ’ዩ እቲ ማይ፡ ፋኑስ፡ ደሃይን ሽባኻን፧”

“ንዓይ ቀንዲ እታ ሽባኻ እያ እተቕንኣኒ። ክትሰምዖ እትብህጎ ድምጺ ምስ ሰምዐት’ያ ጠጢዓ። ኣቕኒኣትኒ። ክሰምዖ ዝህንጠዮ ብዙሕ ድምጽታት ኣሎኒ። ‘መዓስ ኰን ነቲ ናይ ብሓቂ ድምጺ ይሰምዖ እኸውን፧’ እናበልኩ እሓስብ’የ። ኣብ ውሽጠይ ኰይኑ ዘቕለልወኒ ስምዒታትን ሓሳባትን ኣሎ። ብልክዕ እንታይ እዩ’ውን ኣይፈልጦን እየ። እንሓንሳእ ሕሹኽ ኢሉኒ ህልም ይብል። ከምታ ሽባኻ ደሃይ ናይቲ ዘጠጥዓኒ እንተ ዝሰምዕ እብል። ብብዙሕ ካልእ’ውን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እታ ገዛ ተባሃጊት እያ – ማይ ዝነትዓ፡ ብርሃን ቀደድ ዝበለት፡ ዝበሃገቶ ድምጺ ሰሚዓ ዝጠጥዐት ሽባኻ ዝሓቘፈት’ያ። ኣብዘን ሰለስተ መስመራት፡ ማይ፡ ብርሃንን ቃልን’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ማይ ህይወት’ዩ። ብርሃን ከኣ ንቕሓት፡ ናጽነት ወዘተ. ክኸውን እንከሎ፡ ቃል ድማ ሓሳባት፡ ራእይ… እዩ። መጀመርታ ቃል ነበረ እንድዩ ዝብል ቅዱስ መጽሓፍ። ቃል’ዩ ሓይልና – እውን ኢሉና ገጣማይና ርእሶም ሃይለ። ፈለማ ሓሳባት ንፈጥር። ነቲ ሓሳባት ከኣ ናብ ዝጭበጥ ነገር ንቕዪሮ። እታ በረኸት መንግስትኣብ ዝገለጻ ገዛ ኣይትፍተወካን፧”

“ተባሃጊት’ያ። እታ ገዛ ኣነ እንተ ዝኸውን እንድየ ክብል ጸኒሐ።”

“ናይ ትሑት-ቃንዛ ቃና ስለ ዘይኰነ እቲ ብሓሳብካ ክትከዶ እትኽእል ደራቲ የብሉን። ብዙሕ ነገር ከም ዝርኣየካ ክገብር ይኽእል’ዩ። ድጂታል’ዩ – ከም ኣናሎግ ብሓደ መገዲ ጥራሕ ዝግለጽ ኣይኰነን።”

“ጠምየ ክኸይድ ክብለኪ ሓሲበስ ትሑት-ቃንዛ ተዘኪሩኒስ ስሒቐ።”

“ብዛዕባ ትሑት ቃንዛ ኣይትዛረብ ማለት ኣይመስለንን። ግናኸ ዓቐኑ ክኸውን ኣለዎ። ንእሽቶ ሓሳብ ክትሓስብ ግዜኻ ተባኽኖ እንተዄንካ ንእሽቶ ኴንካ ስለ እትተርፍ’ዩ።”

“ክሰርሕ ውዒለ እኽሊ ኣይለኸፍኩን ውዒለ ክኸይድ።”

“ሕራይ! ኣነ’ውን ገለ ዝንበብ ግጥምታት ኣብዚ ረኺበ ኣለኹ። ሰላም ቅነ።”

-4-

ከምቲ ንዓይ ዝደልዮ ንኻልኦት ከኣ የድልዮም’ዩ ምባል ጭውነት’ዩ

“ኣብ ክልተ ዝተረሓሓቓ ጎቦታት ኣለና ኢልና’ሞ ንሕሰብ፡ ዎ ዲጂ ውውው! ኢለ ኣድህየካ ኣለኹ።”

“እቲ ድምጽኺ ኣብ ሞንጎ ብንፋስ ተኸቲሩ ብምትራፉ ኣብዚ ዘለኹዎ ክበጽሓኒ ስለ ዘይከኣለ ኣይሰማዕኩኽን።”

“ሓዝ በል!”

“ጨቢጠ ኣለኹ።”

“ድ….ጂ…ታ..ል እንድየ ዝብለካ ዘለኹ ውውው…! ሕደግ እተን በላዕቲ እዝንኻ ካብቲ ሕዛእቲ ምለሰን’የ ዝብለካ ውው…..!!”

“ዎው! ዘራዒት ድማ ኢኺ ኴንኪ።”

“እሂናይ ደኣ!”

“ካብ ምንታይ እኺኸ ትዘርዒ፧”

“ካብ ዘይመኣድኻ ምብላዕ፣ ካብ ኣብ ዘይመድረኽካ ምውድኽዳኽ፣ ካብ ከይተጸዋዕኻ ኣቤት ምባል፣ ካብ ኣብ ግራት ንጹሃን ፍርሒ ምዝራእ… ብዙሕ’ዩ ክንደይ ኢልካ’ዩ’ሞ ዘርዚርካ ክውዳእ።”

“ሕዛእቲ ይፍተወኪ ድዩ፧”

“እታ ቃል ካብ ምንታይ ምዃና ኣይፈልጥን ክትምቅረኒ ጉድ’ያ። ሕዛእቲ፡ ሃብቲ ዓዲ እዩ። ሕዛእቲ ሓሳባት፡ ሕዛእቲ ፈጠራ፡ ሕዛእቲ ግጥሚ፡ ሕዛእቲ ፍቕሪ፡ ሕዛእቲ ራእይ ወዘተ. እናበልና ኣብ ኵሉ ዘሪእና ክንኵስኩሶ ንኽእል ኢና።”

“ዘርዓይ’ውን ከድሊ ማለት’ዩ። መንከ’ዩ ክኸውን፧”

“ኣጸልሚቶም ሕዛእቲ ዝኣትዉ ኵሉ ግዜ ኣይሰኣኑን ስለ ዝዀኑ ብብርሃን ምልኣት ጸሓይ ዝማሞቐ፡ ብፍቕሪ ዝተላዕጠጠ፡ ጽዕነት ጾር ዘየሰንፎ… ዘርዓይስ ግድን ከድሊ’ዩ። እቲ ዘርዓይ ሕልናና እንተ ዝኸውን ግን ክንደይ መጸበቐ።”

“በሊ ሓዚ ኣነ’ውን ከድሂየኪ እየ።”

“ኣበይ ኢና ዘለና።”

“ኣብ ዝሃለኺ ሃልዊ ብዘየገድስ።”

“ድጂታል ምዃነይ ምሽ ኣሚንክለይ ኢኺ፧”

“እወ።”

“እሞ መሳርሒኡ ንድጂታል እኮ ‘ሲግናል’ (ምልክት) ብኮድ ገይሩ ምስዳድ’ዩ። ከምዚ ናትኪ ‘ኦ! ዲጂ’ ኢልካ ብድምጺ መልእኽቲ ምስዳድ ኣይኰነን። ‘ሲግናል’ ዘይጨዶ ባሕሪን ዘይነድሎ እምባን የሎን።”

“ገለ ሓይሊ ዝረኸብካ ኢኻ ትመስል፡ በል እስከ ቀጽል – እቲ ‘ሲግናል’ ትብሎ ዘለኻ ጽቡቕ ገይርካ ፍተሎ’ሞ ዘማሙቐና እንተዀይኑ ኣሊምና ክንክደኖ ኢና።”

“እዚ ትዛረብዮ ዘለኺ ቋንቋ ኮድ’ዩ። ኣብዚ ዓለም ዘሎ ኵሉ ከኣ ይርድኦ ማለት ኣይኰነን። ምጽሓፍ’ውን ንባዕሉ ኮድ’ዩ። ኵለን ቋንቋታት ድማ ንድምጽታት ብመልክዕ ምልክታት ከስፍራ ይጽዕራ። ብግዜ ጥንቲ ነቲ ሕንጻጻት ብምስሊ ናይቲ ድምጺታት ከቐምጡዎ ይጽዕሩ ነይሮም። ‘ገዛ’ ክጽሕፉ እንተዀይኖም ገዛ ዝመስል ምስሊ የቐምጡ። በዚ እንተ ርኢናዮ ንወከፍ ቃል ናታ ምልክት ክህሉዋ ማለት’ዩ። ክትመሃሮ፡ ክትጽሕፎ ይኹን ከተንብቦ ክኸብድ’ዩ። ኣሽሓት ዝተፈላለየ ምልክታት ከተጽንዒ ክትግደዲ ኢኺ። ነዚ ንምፍታሕ ድማ ነቲ ቃል ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት ድምጺ ብምምቕቓል ፊደላት ፈጢሮም። ኣብ ትግርኛ ንኣብነት 36 ፊደላት ኣለዉ። እቶም ብድምጺ ዝፈላለዩ ተደሚሮም ቃል ስለ ዝፈጥሩ ከኣ ንምጽንዖም፡ ምጽሓፎም ኰነ ምንባቦም ዝቐለለ ይገብሩዎ።”

“ከመይ ደኣ ናብ ትምህርቲ ቀዪርካ’ዮ። ወይስ ኣይርደኣን’ዩ እዚ ናይ ‘ሲግናል’ ሳይንስ ኢልካ ኢኻ ካብ ሀ – ሁ ጀሚርካ።”

“ስምዒ ጥራሕ ናብ ለ – ሉ ክቕጽል’የ።”

“እሺ መምህረይ!”

“ጽሕፈት ቅድሚ ምምሃዙ መልእኽቲ ብኸመይ የመሓላልፉ ኰን ነይሮም ይዀኑ ኢልኪ ሕሰቢ። ነብስኺ ናብቲ ግዜ’ቲ ምለስያ።”

“ከቢድ’ዩ።”

“እወ፡ ነዚ ሞባይል፡ ኢንተርነት ወዘተ. ዝለመደ ወለዶ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ጽሕፈት ቅድሚ ምምሃዙ መልእኽተኛታት ሓያል ናይ ምዝካር ብቕዓት የድልዮም ነይሩ። ጽሕፈት ምስ ተማህዘ’ውን ነቲ መልእኽቲ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ንኸብጽሑዎ ሓያል ዳንጋ የድልዮም።”

“ኣሃሃሃሃ….”

“እንታይ ኣስሒቑኪ፧”

“ዘረባኻ ዛንታ ናይቲ ውግእ ማራቶን ንኽነግር ናብ ኣቴንስ ብጉያ ዝኸደ መልእኽተኛ ኣዘኻኺሩኒ (ኣብ 490 ቅ.ል.ክ)”

“እምብዛ ስለ ዝጐየየ እቲ ዜና ድሕሪ ምብጽሑ’ኮ ሞይቱ እዩ። ማራቶን ዝተሰምየ ቅድድም ጕያ እግሪ ከም ዝመሃዘ ኣይፈለጠን።”

“እታ ዛንታኡ ደስ’ያ ትብለኒ። ኣብ ኦሊምፒክስ እታ ብርሃን ሽጉ ካብ ሓደ ናብ ካልእ እናሓለፈት ክትከይድ እንከላ ኣብ ውሽጠይ እትፈጥረለይ ስምዒት ዓቢ’ዩ። እታ ሓሳብ ናይ ዘርዓይ ኣብዚ’ውን ተድሊ ትኸውን’ያ።”

“ብኸመይ፧”

“ገለኦም ሰባት እታ ብርሃን ሽግ ኣብ ኢዶም ምስ በጽሐት ‘ንበይነይ ጥራሕ ክትኰነኒ’ ኢሎም ከይሓብኡዋ ዘርዓይ መድለየ። ብዝዀነ እቲ ምትሕልላፍ ኬፍ ኣሎዎ። ከምቲ ንዓይ ዝደልዮ ንኻልኦት ከኣ የድልዮም’ዩ ምባል ጭውነት’ዩ።”

“ናይ ‘ሲግናል’ ሓሳበይ ግን በቲኽክለይ።”

“ቀጽል ሕራይ እነሆ ሜዳ ፈረስካ ተሰቐል።”

“እወ። ፈረሰይ ክስቀል’የ። እቲ ፈረሰይ ግን ብርሃን’ዩ። እንተ ደልየ’ውን ንድምጺ ከም ተሰኪሙኒ ዝጋልብ ፈረስ ክጥቀመሉ እኽእል’የ።”

“ጋልብ!”

“መልእኽቲ ኣብ ወረቐት ጽሒፍካ ሰብ ናብ ካልእ ቦታ ከብጽሖ ግዜ ዝወስድ’ዩ። መኪናን ነፋሪትን ምስ ተማህዛ’ውን ቅልጡፍ ኣይኰነን። ንስኺ ብድምጽኺ ገይርኪ ‘ዎ ዲጂ ውው…!’ ኢልኪ ከተድህዪኒ እንከለኺ ነቲ ቃላት ኣብ ድምጺ ጽዒንኪ ኢኺ ልእኽክለይ። ድምጺ ኣብ ካልኢት 334 ሜትሮ’ዩ ዝጓዓዝ። ዝጻረሮ ብዙሕ ሓይልታት ስለ ዘለዉ ግና ክሰምዓኪ ኣይከኣልኩን። ካልእ ዝሓሸ ሜላ ከድልየኪ’ዩ።”

“ንኣብነት፧”

“ብርሃን ኣብ ካልኢት 300 ሚልዮን ሜትሮ’ዩ ዝጓዓዝ። ነቲ መልእኽትኺ ኣብ ብርሃን ጽዒንኪ ክትልእኽለይ ይከኣል ነይሩ። ኣብ ግዜ ክራማት በርቂ ቅድሚ ነጎዳ መስ ዝብለና ምኽንያት፡ ብርሃን ካብ ድምጺ ብዝተዓጻጸፈ ስለ ዝቕልጥፍ’ዩ። ቀደም ሮማውያን ካብ ርሑቕ ከባቢታት ብርሃን ብምውላዕ መልእኽቲ የመሓላለፉ ነይሮም። መልእኽታት ቀለልትን ንጹራትን ክዀኑ ስለ ዘለዎም ግና ጸገማት ነይሩዎ። ኣብ ምጅማር 19 ዘመን ‘ኤለክትሪክ ካረንት’ ብምድህሳሱ ከም ተሰከምቲ መልእኽቲ ክጥቀምሎም ግዜ ኣይወሰዱን። ኣብነት ናይዚ ‘ኤለክትሪክ ተለግራፍ’ እዩ። ጸኒሑ ኣሌክሳንደር ግርሃም በል ተለፎን ብምምሃዙ መልእኽታት ብቕልጡፍ ክበጽሑ ክኢሎም። ክንደይ ዝሃልኽ ዝነበረ ጕልበትን ግዜን ድሒኑ። እቲ ኣገባቡ ልክዕ ከምቲ እዝንና ነቲ ማዕበል ድምጺ፡ ሓጎልና ምእንቲ ክርድኦ ናብ ኤለክትሪክ ሲግናል ዝልውጦ’ዩ። ተለፎን ከኣ በቲ ሓደ ወገን ገመዳት ክትዝርግሕ ይጠልበካ’ዩ። ገመድ-ኣልቦ ተለግራፍ’ውን ስዒቡ። መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ከምዚ ሕጂ ‘ራድዮ ዌቭ’ እንብሎ’ዩ ተጠቂሙ። ማዕበል (ዌቭ) እንተላይ ንብርሃን ይሓቝፎ’ዩ። እዚ ሓደ ቀንዲ ካብ ምህዞታት 20 ዘመን’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ንራድዮ፡ ራዳር፡ ቲቪ ወዘተ. ዝወለደ’ዩ። ኣለኺዶ፧”

“ቀጽል ጥራሕ…”

“እንታይ ደኣ’ሞ ኣስቂጥኪ።”

“ነቶም ብስነ-ጥበባዊ ዓይኒ ዝርእዮምን ውከላ ናይ ዓቢ ነገር ዝዀኑን ድምጺን ብርሃንን ብዓይኒ ፊዚክስ ክርኣዩ ንዓይ ክላስ’ዩ። ኣብ ሞንጎ ክፍሊ ከኣ ስቕ ኢኻ ትብል።”

“እሞ ፈተና ትኽእልዮ ድኺ፧”

“ካብ ፈተና ኣድሕነና ጸልየ እየ መጺአ። ግና ሕጂ ቀጽለለይ።”

“ብድሕሪ’ዚ እዚ ኣየር ብዝመሓላለፍ ናይ ራድዮ ይኹን ቲቪ ሲግናላት ጽሙድ ኰይኑ። መስመራት ተለፎን ኣብ ሓደ ግዜ ክስከሞ ዝኽእል መልእኽታት ውሱን ስለ ዝዀነ ካልእ ሜላ ሃሰው ክብሉ ጀሚሮም። ብርሃን ምጥቃም ከኣ መፍትሒ ኰይኑ ተረኺቡ። ኣነ ከምቲ ናትኪ ማዕዶ ማዕዶ ኴንካ ዎ ዲጂ ምባል ዘይኰነ ኣብ ዝሃለኺ ሃልዊ ክሰደልኪ’የ ዝበልኩኺ ነዚ ኣሚነ’የ። ዝበዝሕ እዚ ናይ ሎሚ ናይ ምብህሃል ኣገባብ ዘረባ፡ ሙዚቃ፡ ኣሳእል፡ ኮምፒዪተር ፋይላት ኵሎም ብመልክዕ ቍጽሪታት ክተሓዙ ይኽእሉ’ዮም፡ ብኽልተ ድጂታል ኮዳት። እቶም ቍጽሪታት ብዝተፈላለየ መተሓላለፊ ኣገባብ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ይመሓላለፉ። ስለዝዀነ ኢና ድማ ኣነን ንስኽን ዋላ ብኣካል ዘይንፋለጥ ክንስና ነዕልል ዘለና።”

“ንስኻ ኢኻ ዘይትፈልጠኒ’ምበር ኣነ’ኮ ይፈልጠካ’የ።”

“ኣንቲ ካብ’ተን ደቂ-ሕድርትና ደኣ ከይትዀኒ፧ ብኢንተርነት ከነዕልል ካብ እንጅምር ክልተ ዓመትና ሓሊፉ ኣሎ። ብዙሕ ትርጕም ዝህቡና ወይ ክርድኡና እንደልዮም ዛዕባታት ኣልዒልና ብኽፉት መንፈስ ኣዕሊልና። እንታይ ከም እትመስሊ ርእየኪ ግን ኣይፈልጥን። ቃላትኪ’የ ዝፈልጦ ብኸፊሉ። ንዝረኣኻዮ ጥራሕ እትናፍቖ ኣይመስለንን። ግና ደቂ-ሕድርትና ናብዚ ናይ ድጂታል ዓለም ዝኣተዋ ኣይመስለንን።”

“እሂ እንታይ ኰይነን፧”

“እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ንደቂ-ሕድርትና ኣብ ህይወቱ ኣእትዩ ኣየዕልለለንን’ዩ። ናይ’ቶም ዝሓለፉ ገይረ እየ ዝርእየን። እቶም ዝሓለፉ ወይ ንምስክር ተሪፎም ዘለዉ ድማ ኣናሎግ’ዮም። እዚ ግዜ’ዚ ንዕኦም ጓናኦም’ዩ።”

“ደቂ-ሕድርትና እኮ ናይ ረቂቕ ነገራት’የን። ማርቴሎ ሒዘን ወይ ዕርፊ ዓቲረን ዝርኣያ ከይመስላኻ። ንሰን ኣነቓቓሕቲ’የን።”

“ናይ ምንታይ፧”

“ፈጠራ ናይ ዘድልዮ ነገራት – ናይ ስነ-ጥበብ፡ ስነ-ፍልጠት ወዘተ። ብሓደ ህያው (ፊዚካል) ነገር ገይርካ ክትገልጸን ኣይከኣልን። ኣብዚ ናይ ድጂታል ዓለም ንኮምፒዩተር ከም ማእከል ገይርካ እንተ ርኢኻያ – እቲ ኣብኣ ዘሎ ረቀቕቲ ነገራት (ቺፕስ) ብደቂ-ሕድርቲና ገይርካ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።”

“ብዙሕ እዋን ብሕልሚ ዝጥዕም ደርፊን ሳዕስዒትን ክግለጻ’የ ዝሰምዕ።”

“ንሱ እቲ እትሰምዖ’ዩ። ምስ ህልው ቅዲ ኣነባብራኻ ዝሳነ ናትካ መግለጺ ክትገብረለን ትኽእል ኢኻ።”

“ግና ንምንታይ’የን ዝበዝሕ እዋን ብደቂ-ኣንስትዮ ዝግለጻ፧”

“ኣነ’ውን ይገርመኒ’ዩ።”

“ሓንቲ ዕላል ከዕልለኪ። ሓደ ቈልዓ ንኣቦኡ፡ ‘ንምንታይ’ዩ እባ ቋንቋ ኣደ ዝበሃል፧’ ክብል ሓተቶ። ኣቦኡ ከኣ፡ ‘ኣበይ’ሞ ክንዛረብ ዕድል ረኺብና ‘ዝ ወደይ’ በሎ።”

“ኣነ’ውን ከዕልለካ – ሓደ ቈልዓ ንኣደኡ፡ ‘ማማ ንባባ ክትምርዓውዮ ዝገበረኪ እንታይ’ዩ፧’ ክብል ሓተታ። ኣደኡ ከኣ፡ ‘ንዓኻ እውንዶ ከገርመካ ጀሚሩ’ በለቶ።”

“ሓንቲ መርዓት ንደገ ወጺኣ፡ ‘በጃኹም! በጃኹም ርድኡኒ! ወደይ ሳንቲም ውሒጡ ዝገብሮ ጠፊኡኒ እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈለጥኩን!’ ብምባል ተጣርዐት። ኣብቲ ጐደና ዝነበሩ ሰባት ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። ሓደ ማእከላይ ዝዕድመኡ ሰብኣይ ግን ጠኒኑ ናብቲ ገዛ ኣተወ። ነቲ ቈልዓ ቍልቁል ኣፉ ደፊኡ ክሳዱ ሃሪሙ ነታ ሳንቲም ኣውጽኣ።

‘አቐንየለይ! ኣዝየ አመስግነካ’ ብምባል ኣመስገነት፡ ‘ዶክተር ድኻ፧’ ክትብል ሓተተቶ።

‘ኣይኰንኩን – ካብ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር (ምእካብ ግብሪ)’የ’ በላ።”

* * *

ብድሕሪ’ዚ ኣይተጸሓሓፉን። ድሕሪ ቍሩብ ግዜ ግን ‘ቻው’ ተበሃሃሉ።