ኣብ ፈለማ ዕስራታት ዕድመይ ግጥሚታት ጽሒፈ ከሕትም ድላይ ነበረኒ – ኣይገበርኩዎን። ጸኒሑ፡ ጽዋ (ኖቭል) ንምጽሓፍ ድፍኢት ሓደረኒ – ኣይተኻእለን። ዓመታት ሓሊፉ ድርኵኺት ኣርባዓታት ረጊጸ – ክልተኡ የሎን። ዕድመ ተመኵሮ ምዃኑ ከይተርፎ ከኣ በብውልቂ ዝተጻሕፉ ስነጽሑፋዊ ፍርያት ትግርኛ (ድራማ ዝጐሰየ) ብስነጽሑፋዊ ክልሰ-ሓሳብ እናተተንተኑ ቅሻረቶም ብምልላይ፡ ‘ስነጽሑፋዊ ልምዲ’ ንምስራት በሃግኩ – ክውንነት ህይወት ኣይፈቐደን። ባህጊ ጥራሕ ሒዘ ካብ ምትራፍ ወትሩ ንእሽቶ ውጥም ቅልቅል ካብ ምባል ዘይበዀረት ግን ብዛዕባ ስነግጥሚ ትግርኛ ምርምር ምክያድ እያ። ደፋኢ እንተ ረኺባ ኣብ ፍርቂ ዓቐብ በጺሓ ኣላ።
ኣብ ብሕታውያን ጋዜጣታት ጀሚሩ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝቐጸለ ምጽሓፍ ዓንቀጻት ግን ዳርጋ መስመሩ ዘይበተኸ ነበረ – ክሳዕ 2010። ካብ 2008 ጀሚረ ኣብ ኣስተራትዖን ሕትመትን መጻሕፍቲ ክነጥፍ ጀመርኩ። ከም ተመኵሮን ኣበርክቶን ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነቲ ናይ ምጽሓፍ ድላየይ ግን ዝዳረግ ኣይነበረን። ሕጂ ከኣ ሓድሽ ስደተኛ ኣብ ሓድሽ ብሎግ።